መድረኻዊ መጸዋዕታ ንኹሉ ብህዝቡን ሃገሩን ዝግደስ ኤርትራዊ

እቲ ብ1998 ዝጀመረ፣ እሞ ድማ ዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቐዘፈ ናይ ዶብ ውግእ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ጠንቂ-ውጽኢታቱ ብክልቲኡ ሸነኻት ሰፍ ዘይብል  ህልቂት ህይወት  ሰራዊት ጥራይ ዘይኰነስ፣ ማእለያ ዘይብሉ ናይ ኣህዛብ ምፍንቓልን  ናይ ናብራ ሓፍ-ዞቕን አኽቲሉ’ዩ። እዚ ኣዕናዊ ኲናት’ዚ፣ ከምቲ ክለተ ሃንደስቱ  ስርዓታት ከይሓፈሩ ዝጠቐስዎ፣ ብሰንኪ ዶብ ዘይኰነስ ፣ ብሰነኪ ብኣነነት ዝተላዕጠጡ ክልተ መሪሕነታትን ንሶም ዘናዓዓብዎ ናይ ኵናት ዓዘቕትን፣ ምንባሩ ዘካትዕ ኣይኰነን።  ኣብ ሓጺር እዋን ተራእዩ ዝቕጽል ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ድራማ ከአ፣ ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ  እንሆ ሎሚ ነቲ ናይ ኣሽሓት ህይወትን ማእለየ ዘይብሉ ናይ ህዝቢ ናይ ናብራ ምፍንቓልን፣ ”ኣይከሰርናን “ ክብሎ እንከሎ  ዘስደምም’ዶ ኣይኰነን ?

ነዚ ሽግር`ዚ ዘላቒ ፍታሕ ንምርካብ ተባሂሉ ድማ ብ2002 ብብይን ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ስምምዕ ኣልጀርስን ዚፍለጥ  መራሕቲ ክልትኤን ሃገራት ዝፈረሙሉ ናይ መወዳእታን ቀያድን ውሳኔ ተዋሂቡ። ዝተፈረመ ብይን ፍርዲ ክሳብ ሕጂ ን16 ዓመት ኣብ ባይታ ከይተተግበረ ምጽንሑ ንናይ ክልቲኡ ኣህዛብ ኣብ ናይ “ኣይሰላም ኣይውግእ ሃዋሁው”፣ ማለት አብ ኵነታት ቀጻሊ ድኻነትን ራዕድን አሳጢሑዎም ጸኒሑን አሎን’ዩ ።

እዚ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ኣብ ሓጺር እዋን ዚተራእየን ዚቕጽል ዘሎን ዲፕሎማስያዊ ርክባት ወይ ናይ  ሰላምን ኣንፈት፡ ንሕና ከም ደለይቲ ፍትሒ መጠን፣ ንነዊሕ ዓመታት ክንቃለሰሉ ዝጸናሕና ስለ ዝዀነ፣ ናይ ሰላም ሃዋህው  ከንጸላሉ ድሌትና ምዃኑ ዘካትዕ ኣይኰነን ። ይኹን እምበር እዚ ብናህሪ ተጀሚሩ ዝቕጽል ዘሎ ብጨብጨባን ጉያን ዝተመዅለየ ስቱር ርክባት ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ገዛእ ጉዳዩ ተዓዛቢ ጥራሕ ገይርዎ አሎ። ብጕርሕን ሽርሕን ከአ ህዝቢ ኤርትራ ብዛዕባ ጕዳዩን ጕዳይ ሃገሩን ከይካታትል መሰሉ ተሓሪሙ ይርከብ ። ጉዳይ ልዕላውነት ኤርትራን መጻኢ ዕድል ህዝባን ከም ውልቀ-ዋኒን ውልቀ-መላኺ ተወሲዱ፣ እንሆ ድማ ጉጅለ  ኢሳያስ ክውስኖ ላዕልን ታሕትን ክብለሉ ይርአ’ሎ። ስለዚ ብፍላይ መንእሰይ ወለዶ እዚ ጕጅለ ህግደፍ ወይ መራሒኡ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ህዝቢ ኤርትራ ባርኾቱ ዘይሃቦም ምዃኑ ብንቕሓት አለሊኻ  ሃገርካን ህዝብኻን ንምድሓን ምጕያይ ከድልየካ’ዩ። ኢሰያስ አብ ልዕለ ህዝቢ ኤርትራ ዘሎዎ ንዕቀት ከብቅዕ አለዎ። ብሓቂ’ውን ከም ደቂ-ዛግራ ፋሕ ኢልና ምህላውና፣ ዛጊት ቦዱ ንመናውሒ  ዕምሪ ስልጣን ውልቀ-መላኺ ኰና ምህላውና  ዝተረዳእናዮ ኣይንመስልን።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ለውጢ ብልክዕ ብቐዳምነት ንህዝቢ ኢትዮጵያ ይምልከት። ዝካየድ ዘሎ ለውጢ ግን  ብሃንደበት ዝተጋህደ ከምዘይኰነ ርዱእ ይመስለና።  ህዝቢ ኢትዮጵያ፣ ብህዝባዊ ናዕቢ ንዓመታት መስዋእቲ እናኸፈለ  ኣብዚ ደረጃ ብምብጻሕ ፣ ሓይሊ ምቊጽጻር ናይቲ ዝነበረ መሪሕነት  በቲኹ ናይ ለውጢ ምቅይያር ኣርእዩ። ዶክ. ኣብዪ ኣሕመድ ድሌት ህዝቢ ኣጽኒዑ፣ ትርግታ ህዝቢ ብዝስሕብ፣ ንህዝቢ ይቅሬታ ብምሕታት፣ ኣብ ውሽጥን ደገን ዝነበሩ እሱራት ብምፍታሕ  ናይ መቐይሮ ጐደና ሒዝዎ ይርከብ ።

ህዝቢ ኤርትራ ግን ኣብ ገዛእ ጉዳዩ ተዓዛቢ ኮይኑ፣ ህዝቢ ካብ መሰርሕ ሰላም ሃገሩ ተዋሲኑ፣ ካብ ዝዀነ ሓበሬታ ተነጺሉ  ኣብ ጸልማት ተደፊኑ ይርከብ። ኣብ ዲሞክራስያዊ  መስርሕ ንሰላምን ፍትሕን ዝዋሳእ፣ እቲ ብቐዳምነት ክገብሮ ዘለዎ ሰላም ምስ ነብሱ ምፍጣር እዩ። ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ግን ምስ ህዝቡ ምትዕራቕሲ ይትረፎ፣ ምስ ነብሱ ክተዓረቕ’ኳ ድፍረት  ኣይወነነን። በዚ ምኽንያት ድማ እዩ ብውሽጡ ስለዘይነጽሀ ፣ ንህዝቢ ኤርትራ ይቕሬታ ክሓቶ ዘይከኣለ።

ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንፍትሒ፣ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ዝዀነ ህዝቢ ኤርትራ፣ ማለት ምስ  ውድባቱን፣ ሲቪካውያን ማሕበራቱን፣  ኣብ ዓበይትን አገደስትን ዝዀኑ መድረኻውያን ሃገራዊ ጉዲያት ተሰማሚዑ፣ ህዝቢ ማእከሉ ዝገበረ፣ ኣብ ሓባራዊ አሰራርሓን ኣመራርሓን ምርኩስ ብምግባር ይጠርነፍ ዝብል ራኢይ ምስፋሕ ቀንዱ ዕሊማኡ ገይሩ ዚነጥፍ ውደባ ኢዩ። ኩለ ዓቕሚታትን ክእለትን  ትሕዝቶን ህዝቢ ኤርትራ ዝወሃሃደሉ፣ እቲ በብናቱ ፋሕ ኢሉ ብጫሌዳታት ዝኸይድ ዘሎ ፍኑው ዘይተማእከለ  ጉዕዞ ተአሪሙ፣ አብ ክሊ ዚሰመረ ኤርትራዊ ሃገራዊ መስርሕ ተጠርኒፉ ከድምዕ ከምዝኽእል ንኣምን።  ፍልልያት ናይ አተሐሳስባታት ክህሉ ቅቡልን ውሁብን ኰይኑ፣ ግን  ከአ አብ ክቢ ጠረጴዛ ብዘይ ሕብእብእ- ሽፍንፍን አብ ግልጺ መድረኽ ቀሪቡ፣ ንኹለ ቅቡል ብዝዀነ ናይ ሐባር ተርድኦን ፍታሕን ሒዙ መዓልቦ ክረክብ ይኣምን።

 

 

ካብዚ ሓቂ ብምብጋስ ፣ ኣብዚ ሕጂ ሰፊኑ ዘሎ ሃዋህው፣ ሃገርና ኣትያቶ ዘላ ዝተሓላለኸን ዝተወሳሰበን ኩነታት፣ ኣድህቦና ክኸውን ዘለዎ፣ ኣብቲ ክካየድ ንጽበዮ ዘሎና ናይ ዶብ ምጥራር ዘትከለ ጥራይ ዘይኰነስ፣ እቲ ኣብ ሃገርና ብዓቢኡ ቦዂሩ ዘሎ 1. ቅዋማኢ ትካላዊ ኣሰራርሓ፣ ሓጋጊ ኣካል፣ ፈጻሚ ኣካል፣ ነጻ ፈራዲ ኣካል  ዝትከለሉን ስልጣን ህዝቢ ብወከልቱ ዝረጋግጸሉ 2. ናይ ፖለቲካን ናይ ሕልናን እሱራትና ክፍትሑ 3. እቲ ብመሰረት ናይ ዶብ ምስምስ ጅሆ ተታሒዙ ዘሎ መንእሰይ፣ ሃገራዊ ኣገልግሎት ገደብ ዝግበረሉ …ወዘተ ከነተኲር፣ ካብ ማንም እዋን ንላዕሊ መድረኽ ይጽውዓና  ኣሎ ንብል።

ኣብ መንጎና ይንኣስ ይዕበ ዝተፈላለየ ዘይምቅድዳዋት ክህሉ ይኽእል ኢዩ። ግን እዚ ዘለናዮ መድረኽ ብአዝዮም ወሰንትን ዓበይትን ጕዳያት ተጻዒኑ ስለ ዘሎ፣ ክህልዉና ንዝኽእሉ ነናይ ባዕልና ኣጀንዳታት ዘጋማድሕ ከምዘይኰነ ክርድኣና ይግባእ። ኣብ ደምበ ተቓውሞ ሎሚ ንሓቢረካ ምስራሕ ዕጥይጥይ ዝብል መካይድቲ ናይ ለውጢ ዕላማ ዘለዎም ተቓለስቲ ክኽውን ኣይክእልን ኢዩ። ኣብ ጉጅለታትን ኰንካ ምዝራብ፡ ኣየድምዐን፣ ኣይመድረኹን ከኣ ኢዩ።

ስለዚ ዘለና ሃገራዊ ዓቕሚታትናን ጉልበትናን፣ ብኹሉ መዳይ ሸነኻቱ ጸንቂቕና ብምውህሃድ፣ ብብልሃትን ምስትውዓልን ጠርኒፍና ከነዋፍሮ ምስ ዘይንበቅዕ ነቲ ቅድሜና ዘሎ ሃገራዊ ብድሆታት ክንሰግሮ ኢና ማለት ዘይከአል ኢዩ። ቅድም ቀዳድም ከአ ንሕሉፍ አሉታዊ ይኹን አወንታዊ ተመኩሮታትና ብህድአት መዚንና፣ አብ አተሐሳስባና መሰረታዊ ለውጢ ከነተአታቱ ምርጫ ዘይኮነስ ግዴታ’ውን ኢዩ። ብሕሉፍ አሉታታት ንቕየድን ንእሰርን፣ አብ ናይ ሕድሕድ ፍርህታትን ምጥርጣርን ዓንኬል ንሕጸርን እንተ ድአ ኰንና ግና፣ ግደፍ ናይ መጻኢ ወለዶታትና ተስፋ ዘለዋ ሃገር ምህናጽ’ስ ይትረፍ፣ አጕዶ ክንሰርሕ’ውን አይክንበቅዕን ኢና።

ጉዳይ ሃገርናን ህዝብናን አብዚ እዋን’ዚ ዓለም ለኻዊ አቓልቦ እንዳረኸበ ይኸይድ ምህላዉ ንጹር ኢዩ። ይኹን’ምበር ኩሉና ኤርትራውያን ከም ሐንቲ ስድራ ቤት ኰንና ዋናታት ጉዳይና እንኾነሉን፣ ነጻ ፖለቲካዊ ውሳኔና ጨቢጥና፣ አብ ትሕቲ ምቁጽጻርና እነእትወሉ፣  አገባብን መንገዲን ምስ እንስሕት፣ ፈቲና ጸሊእና ካብ ትሕቲ ምቁጽጻርና ወጻኢ ኰይኑ፣ ንድሌትናን ረብሐታትናን ዘየገልግል ኮይኑ፣ ካልኦት ሐይልታት ንረብሐታቶምን ጠቕሚታቶምን ብዝሰማማዕ መንገዲ ቐይሶም፣ ውሳኔታቶም አብ ልዕሌና ክጽዕንዎ ዝኽእልሉ ዕድላት ከም ዘሎ፣ ሕጂ ብአግኡ ንህዝብናን ፖለቲካዊ ተዋሳእቱን ከየተንባህና ክንሐልፍ አይንደልን።

ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንፍትሒ

Email : em4j2012@gmail.com

18-7-2018

 

 

 

 

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=11089

Posted by on Jul 22 2018 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net