ይጽንሓለይ ዘይበሃለሉ ሃገራዊ ውራይ ሰዲህኤ

ድሕሪ ሓድሽ ስያመ ቀዳማይ ሚኒተር ዶር ኣብዩ ኣሕመድ መራሒ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ካብ ወርሒ ሚያዝያ 2018 ጀሚሩ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓድሽ ምዕራፍ’ኳ እንተዘይተባህለ ነቲ ብዘገምታ ዝኸይድ ዝነበረ ክቅልጥፍ፡ ነቲ ብሕሽዅሽኽ ዝዝረብ ዝነበረ ኣብ መጋባእያ ወሪዱ ብመራኸቢ ብዙሓት ክዝረበሉ ዝተሰምዐ ጉዳይ ሰላም ኢትዮ-ኤርትራ፡ ብፍላይ ህዝብና ፡ ዓለምና ከኣ ብሓፈሻ ብዘይተጸበዮ ናህሪ ኣብ ሓጺር ግዜ ርክባት ክልቲኡ መንግስታት ተኻይዱስ ኣብ ሓያሎ ኣገደስትን ውዕላት ምብጽሑ ነበረ።

እዚ ክሳብ ሕጂ ብክልተ መንግስታት ተበጺሑ ዘሎ ውዕላትን ስምምዕን ሓደን ኣገዳስን ወፍሪ ርእሰማል ብዝምልከት’ዩ። እዚ ጉዳይ ብወገን ኤርትራ ክረአ እንከሎ ምድላዋት ዘይተገብረሉ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ንኢትዮጵያዊ ርእሰ ማል ክወዳደር ዝኽእል ክፋል ህዝቢ ኤርትራ ዘይምህላዉ እዩ። ምኽንያቱ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ 27 ዓመታት ብሕታዊ ወፍሪ ርእሰማል ብዝተፈላልየ ምኽንያታት ተደቝሱ ዝተዳኸመን፡ ብሰንኪ ምሕደራ ህግዲፍ ኣብ ዘይሕጋዊ ነጻ ዕዳጋ ውድድር ተሳዒሩ ዝወጸ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ኤርትራዊ ብሕታዊ ወፍሪ ንምድኻ ብህግዲፍ ዝወጸ ፖለቲካዊ መደብ ዝተገለፈ’ውን’ዩ። ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት ወፍሪ ብሕታዊ ርእሰማል ኣብ ገገለ ብሙሉእ ኣብ ገገለ ብሽርክነት ኢድ ኣእታውነትን ብምውድዳር ኣደዳ ክሳራን ዕዳን ገይርዎ’ዩ። ሎሚ ኣብ ኤርትራ ብዘይካ እንተን ብቅሩብ ቁራቦ ትሕዝቶ ዘይቲ ሽጕርቲ፡ ቡን ሽኮር ዝሸጣ ንኣሽቱ ስማዊ ወፍሪ ዱኳናት ካልእ ክዝረበሉ ዝኽእል ወፍሪ ዘይምህላዉ’ዩ። እንተሃለወ ከኣ ዝዓበየ ኢድ ህግዲፍ ዘይብሉ ወፍሪ ርእሰማል ከም ዘየልቦ ኩሉ ዝፈልጦ’ዩ። ኩነታት ወፍሪ ብሕታዊ ርእሰማል ኣብ ኤርትራ በዚ ደረጃ ክኸይድ እንተጸኒሑስ ተበጺሑ ዘሎ ውዕላንትን ስምምዕ ብሕታዊ ወፍሪ ብፍላይ ንኤርትራ ብዝምልከት ክዋሳእ ዝኽእል ክህሉ ኣይክእልን ጥራሕ ዘይኮነስ ፈጺሙ የለን። በዚ መሰረት ከኣ ወፍሪ ርእሰማል ከጋጥሞ ዝኽእል ባይታ ክልተ ምርጫ ኣሎ።

እቲ ቀዳማይ ምርጫ ህግዲፍ ባዕሉ ንዝኣመኖምን ዝመረጾም ሰባት ገንዘብ ሂቡ ክወዳደሩ ምግባር ክኸውን እንከሎ፡ በቲ ካልኣይ ምርጫ ከኣ ሙሉእ ብሙሉእ ንኣውፈርቲ ብሕታዊ ርእሰማል ኢትዮጵያውያን ዕዳጋ ብዘይውድድር ምግዳፉ’ዩ። እሞ እዚ ጀሚሩ ዘሎ ዝምድናታት ክልቲኡ ሃገራት ብማዕረ ንረብሓ ክልቲኡ ህዝቢ ከገልግል እንተዘይክኢሉ ወራር ወፍሪ ብሕታዊ ርእሰማል እምበር ስምምዕ ክበሃል ኣይክእልን። ትጽቢትን እምነት’ውን ክህሉ ኣይክእልን። ህዝብና ከኣ እንተበዚ እንተበቲ ንብሕጂ ዝፍጠር ግዳማዊ ርእሰማላዊ ወፍሪ፡ ብኡ መጠን ዝተኣታቶ ሓድሽ ቁጠባዊ ቅርጻ ዝውነን ዕዳጋ ክራጸም፡ ወይ ከኣ ኣብ’ቲ ን27 ዓመት ዝላደየሉ ምሕደራ ህግዲፍ ክቅጽል ምርጫ ዘይብሉ እዩ። እዚ ብውሑዱ ነቲ ብስም ሰላም ዝኸድ ዘሎ ስርሓት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዝካየድ ዘሎ ውዕላት ሓደ ንጹር ኣብነት’ዩ።   

ሰላምን መስርሑን ትጽቢትን ድሌትን ኩሉ’ኳ እንተነበረ፡ ብወገን ኤርትራ ብ20 ሰነ 2018 ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ መልሲ ዝሃበሉ ጸዋዒት ሰላም ቤት ምኽሪ ኢህኣድግ ሃንደበታዊ ምንባሩ ጥራሕ ዘይኮነ ህዝቢ ዘይተዳለዎሉን፡ ምስ’ቲ ኣይ ሰላም ኣይ ኵናት ዝሓለፈ 17 ዓመታት ዝጸንሐ ኩነታት ግምትን ሚዛንን ብዘይተነብረሉ መልክዕን መኣዝንን ዝተኻየደ ርክባት ንህዝብና ዘሰምበደ’ዩ።

ኣገባብ ሃንደበታዊ ርክብ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኩሉ ዝተዓዘቦ ስለ ዝኾነ ኣብ’ቲ ዝተኻየደ ድራማታት ዳግማይ ምትንታትን ግዜ ዝወስድ መሰልቸዊ ስለ ዝኾነ ብዙሕ ተደላይነት ዘለዎ ኣይኮነን። እንተኾነ ብስም ሰላም መንግስታት ክልቲኡ ሃገራት ኣብ ዘካይድዎ ርክብ ዝምድናታት ስምምዓትን ከይዱ ከይዱ ኣብ ሃገርን ህዝብን ዘለዎ ቀጥታዊ መንጸብረቕታ ኣብ መዓልታዊ ሂወቱን መጻኢ ዕድላቱ ክሳብ ንነጻነቱን ክብሩን ብዝምልከት ጉዳያት ህዝቢ ኤርትራ ከም’ዚ ሕጂ ብዘለዎ ፍኑውን ብደገ ተዓዛቢ ዘይኮነስ፡ ብተሳታፍነቱ ብርእይቶ ብውሳኔኡ ክፍጸም መትከላዊ እምነት ሰዲህኤ እዩ።

ስለ’ዚ እዩ’ምበኣር ሰዲህኤ ንስምምዕ ሰላም ብይን ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ብዘይቅደመ ኵነት ተቐቢሉ፡ ብእውጅ ፡ግሉጽ ብተሳትፎ ህዝቢ ጀሚሩ ክፍጸም ንህዝቢ ኤርትራ ይኹን ንዓለም ጸዋዒቱ ዘቅርብ። ህዝብና ኣብ ጉዳይ ሃገሩ ጓና ምዃን ዘብቕዓሉ ግዜ፡ ይጽንሓለይ ዘይብሃለሉ ሃገራዊ ውራይ ብምዃኑ ብንጡፍ፡ ብንቅሓት፡ ብሓያል ሓድነታዊ ተሳትፎ ተጀሚሩ ክፍጸም ከም ዘለዎ ይኣምን። ሰዲህኤ ከኣ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ፍትሓዊ ቃልሲ ንህዝቡ ንመሓዙት ሰልፍታት፡ውድባት፡ማሕበራት ውልቀ ሰባትን በዚ ጉዳይ ክዘራረሉን ክዛተየሉ ዝግባእ ዕዮ ሃገር ስለ ዝኾነ ብዘለዎ ቅሩብነት ኣብ መስመር ቃልሲ እጃሙ ከልዕል ከም ምዃኑ ይኣምን።  

ሰዲህኤ

3 ነሓሰ 2018

Short URL: https://english.farajat.net/?p=11098

Posted by on Aug 5 2018 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net