ቃልስና ብመሰረቱ ንሰላምን ፍትሕን እዩ!

ሀ/ ቃልስና ብመሰረቱ ንሰላምን ፍትሕን ምዃኑ

ቃልስና ብመሰረቱ ንሰላምን ፍትሕን እዩ፡ ንሱ ስለ ዝኾነ ከኣ ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጀመረ መስርሕ ሰላም ክድገፍን ክተባባዕን ርእይቶና ሰንዚር’ና። ሰዲህኤ ነዚ ጸዋዒት ሰላም ክድግፍ እንከሎ ብውሕዱ ካብ መትከላዊ ዕላማታቱን ዝነቀለ ምንባሩ ኣብ ዝሓለፈ መግለጺታቱ ምውካስ ይከኣል።

ለ/ ቤት ምኽሪ ኢህኣደግ ብዘይቅድመ ኩነት ንትግባረ ብይን ኣህጉራዊ ክሰርሕ ጸዋዒት ምቅራቡ

ይኹን’ምበር መስርሕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ብመንጽር ጠንቒ ዶባዊ ምስሕሓብ ዘስዓቦ ሰብኣውን ንዋታውን ክሳራታት ንኣስታት 20 ዓመታት ዝጸንሐ ዝተባተኸ ዝምድናታት ሓደ ሸነኽ፡ ኣገባብን ሕጋውነት ነባሪ ሰላም ክልቲኡ ሃገራት፡ ነባሪ ሰላም ንምርግጋጽን ንምውሓስን ዘይጥቅው መስርሕ ሰላም ምዃኑ ኣብ ባይታ ዝረአ ዘሎ ኣኺሉ ዝተረፈ ምስክርነት ከም ሰልፊ ሕቶ ከልዕል ግድነት’ዩ። ኣብ ውሽጢ እዚ 20 ዓመታት ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝተራእየ ተርኽቦታት፡ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ሓደ ሸነኽ ፡ ዶባዊ ኵናት ዝፈጠሮ ፖለቲካዊ ጸቅጥታትን ስነ ኣእምሮኣዊ ተጽዕኖን ከይተናገፈ፡ ኣብ ዘይተዳለወሉ እዋን ኩነታት 20 ዓመት ብክልተ መዓልቲ ማለት ህሞት ምብጽጻሕ ክልቲኡ መንግስቲ፡ ንምዕሩይን ክልትኣዊ ዝምድና ዝሕግዝን ዝኽእል ከም ዘይነበረ ርእዩ። በዚ ዝኸዶ ዘሎ መስርሕ እንተቀጺሉ ከኣ ካብ ጥቅሙ ጉድኣቱ ዝበዝሕ መስርሕ ሰላም፡ መልክዑ ብዝየገድስ ንሓደ ሸነኽ ብፍላይ ንኢትዮጵያውያን ዘርብሕ ጥራሕ’ዩ ክኸውን ዝኽእል ይእመት። ምኽንያቱስ ንህዝቢ ኤርትራ ዘይተጋህደሉ ውዕልን ሰላምን መስርሑን፡ ተገዲዱ እንተዘይኮይኑስ ብማዕረ ክልተኣዊ ሰላም ዝረጋገጸሉ ተሳታፍነቱ ዝቦኸረሉ ባይታ ብምዃኑ።

ሽሕ ግዜ ንሰላም ደሊና ሰላም እንተጨራሕና ፡ምዕሩይን ክልተኣዊ ሰላም ዘይረጋገጸሉ እንተኾነስ መዝሙር ሰላም ንምንታይ የድሊ።  ሰዲህኤ ንዝካየድ ዘሎ ዓይነት ሰላም ንምልላዩ ብቀዳምነት ብምስትብሃልን ኣብ’ዚ መስርሕ ዝኸይድ ዘሎ ጉዳይ ብትኩረት ክረአ ዘለዎ ዝብሎ

ሀ/ ጠንቒ ግርጭት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብምውንዛፍ

ለ/ ግዜኡ ዘይኣኸለ ህውኽ ውዕላት ምፍርራም

ሐ/ መበገሲ መብጽዓ ሰላምን ሰናይ ጉርብትና ብይን ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ንድሕሪት ገዲፍካ

መ/ ክሳብ ሕጂ ረብሓ ሓደ ሸነክ ክትግበር ዝረኣየሉ

ካልእ ተጸብጺቡ ዘይውዳእ ኤርትራዊ ውሽጣዊ ጉዳይ ደማሚርካ ንውጽኢት ሰላም፡ ንመስርሕ ሰላም ኣብ መፈጸምትኡ ከብጽሕ ዝኽእል ሓጋዚ ባይታ ዘይምህላው’ዩ። ብኣንጻሩ’ኳ ደኣ ነቲ ሰላም ዝዕናቕፍን መመሊሱ ንድሕሪ ክመልስ ዝኽእል፡ ቅንዕና ዘይብሉ ተበግሶ ንድሕሪት ዝገደፎ ዓበይቲ ጉዳያት ምህላዉ ኩሉ ዝርእዮን ዝምስክሮን ዘሎ እዩ።

ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ ክሳብ’ቲ ከም ክልተ ኣሕዋት ህዝቢ ብክልተኣዊ ረብሓ ኣህዛብ ዘለዎ ውዕል ዘይተፈጸመ ብይን ኣህጉራዊ ቤት ፍርድን፡ ኮሚሽን ዶባትን ንላዕሊ ውሽታዊ ጉዳዮም ክንዛረብ ዘኽእለና ባይታ ብዙሕ ኣይኮነን፡ መስርሕ ሰላም ንምውዕዋቱ ግን ብኣንጻሩ ኣብ ኤርትራዊ ውሽታዊ ጉዳያት ክንዛረብ ነቲ መስርሕ ሰላም ብማዕረ ክንስጉም ዘኽእለና እዋናዊ ጉዳያት ኣዝዩ ብዙሕ’ዩ።

ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ምስ ህዝቡ ከይተዓረቐ ምስ ካልኦት ክግበሮ ዝፍትን ሰላም ዕርቕን፡ ነቲ ተዳልዩ ዕዮ ገዝኡ ፈጺሙን ኣብ መስርሕ ዘሎን ደማሚርካ ክትርእዮ፡ ክሳብ ሕጂ ተበጺሑን ዝካየድ ዘሎ ስምምዓትን ውዕላትን ድምር መስርሕ ሰላም ንሓደ ሸነኽ ዘርብሕ ጥራሕ ምዃኑ ዘጠራጥር የብሉን።

ወላ’ውን ዘረባ ንምጽባቕ ንምውሕላል፡ ህዝቢ ብህዝቢ ዝብል ምስምሳት እንተኣስተብሃልናሉ፡ ኣህዛብ ሓደ ሸነኽ ከም ድላዮም ክዛረቡ፡ ርእይቶ ሓሳብ ክህቡ፡ ኣብ መራኸቢ ብዙሓት ክሳተፉ፡ ካብ ናብ ክገሹ ክረኣዩ እንከለዉ ህዝቢ ኤርትራ ግን ካብ’ቲ ራዕድን ሽበራን፡ ጭቆናን ምልክን ስርዓት ህግዲፍ ዘይወጸ ህዝቢ ሙሉእነት ዘለዎ ክልተኣዊ ሰላም ክበሃል ኣይክእልን። ኣብ’ዚ ከም ሰዲህኤ ከይጠቀስናዮ ክንሓልፍ ዘይንደሊ ዓብይን ኣገዳስን ጉዳይ እንተሃለወ ብዛዕባ’ቲ ብሽም መስርሕ ሰላም ዝካየድ ዘሎ ስምምዓት ወፍሪ ርእሰማል ዝምልከት እንተረኣናዮ’ውን ብሓቂ ኣዝዩ ዘሕዝን ፈጻምነት ሰላም ዘይብሉ ውዕል’ዩ። ኣብ’ዚ ዝሓለፈ መዋእል ነጻነት ኤርትራ ን27 ዓመታት ብህግዲፍ ዝተደቆሰ ብሕታዊ ኤርትራዊ ርእሰማል፡ ዝተሃገረ ዝተመንዘዐ፡ ካብ ሃገሩ ዝተባረረ ባዶ ሃገር፡ ጽምዶ ሰላም ወፍሪ ብሕታዊ ርእሰማል ኢትዮጵያውያን መወዳድርቲ ዘይብሉ ክኸውን ንባዕሉ ሓደ ዘይምዕሩ ብስም ሰላም ካብ ዝካየድ ዘሎ ስምምዓት ሓደ’ዩ። እሞ ኤርትራውያን ብስም ሰላም ኣብ ትሕቲ ብሕታውያን ኣውፈርቲ ርእሰማል ኢትዮጵያውያን ድዮም ብዘይዝኾነ ውድድር ኣብ ዕዳጋ ተገዚኦም ክኸዱ ዝብል ሕቶ ብንጹር ክበርህን ሰብ ሞያ ክትንትንዎ ዝኽእሉ ኣብ መጻኢ ንመሰል ርእሰ ውሳኔ ህዝቢ ኤርትራ ከቢድ ተጽዕኖ ከይኸውን ካብ ዘስግእ ፖለቲካዊ እዋናዊ ኣርእስቲ እዩ። 

ምእንቲ’ዚ ሰዲህኤ ንዘካይዶ ሰላማውን ፍትሓውን ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብእውጅን ንጹርን ተስታፎ ህዝቢ ዘመስከረ፡ ልሉይ ኣብነታዊ ሰላም ደኣ’ምበር ንይምሰል ንዝካየድ ሰላም ደጋፊ ክኸውን ኣይክእልን። ብኣንጻሩ’ኳ ደኣ ህዝቢ ንዝኸይድ ዘሎ ውዕላት ሰላም ብግርህነት ሃንደራእ ኢሉ ከይኣትዎን፡ ንክብሩን መሰሉ ድምጹ ከስምዕ፡ ነቲ ኣሽሓት ደቁ ከፊሉ ዘረጋገጾ ነጻነት ነባሪ ንምትግባር ክዳሎን ከነቃቕሕን መሪሕ ግደኡ ክጻወትን ሕድሪ ስውኣቱ ከተግብር ኣብ ፍትሓዊ ሰላማዊ መስርሕ ጠጠው ክብል’ዩ ዝመርጽእ።

ሰዲህኤ

2 ነሓሰ 2018

Short URL: https://english.farajat.net/?p=11100

Posted by on Aug 5 2018 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net