ናይ ሓዘን መግለጺ ብሞት ተጋዳላይ ተስፋይ ተኽለ ዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን/ሆደ ኤርትራ ዋሳ ዪናኹ ክራ ለመለም የንቱራ ተስፋይ ተኽለሩዂ ቛላኹድ። ፋሪዕ እክባ መርቛ ብሊኑዂ/ሆደ (ብሊንድ ስቖት ቛሊ)

ተጋዳላይ ተስፋይ ተኽለ

ተጋዳላይ ተስፋይ ተኽለ ብንኡሱ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ደሙ ስለ ዝኣተዎ ካብ ከረን ጀሚሩ ክሳብ ኣስመራ ህዝቢ ንምንቕቓሕን ንምውዳብን ምስ ፊዳኢን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኮይኑ ንመሳትኡ ኤርትራዉያን ኣብ ሰዉራ ክጽበሩ ሓፍ ዘይብል ሓላፍነት ወሲዱ ክሰርሕ እንከሎ ገለ ዝፈልጥዎ ተጋደልቲ ካብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ኢዶም ስለ ዝሃቡ፣ ኣብ ቤት ትምህርቱ ቀዳማዊ ሃይለስላሴ ኣብ ክላስ ከሎ ክሕዝዎ ስለ ዝመጽኡ ምስኡ ዝሰርሑ ዝነበሩ ተማሃሮ ነቶም ጸጥታ ሚኽኒታት ገይሮም ኣብ ክላስ ከይእትዉ ኣዘናጊዖም ንተስፋይ ተኽለ ብፍኒስትራ ነጢሩ ክሃድም እንኮ ኣማራጺት ከም ዘላ ሓቢሮሞ ንሱውን ካብ ኣብ ኢድ ጸላኢ ዝኣቱ እሞ ብዙሓት ዉዱባት ኣሕሊፉ ከይህብ ዓይኑ ዓሚቱ መጸሓፍቱን ጥራዉዝቱን ገዲፉ ብፍኔስትራ ሃዲሙ ምስ ኣምለጠ ኩሉ ብሎካታት ስእሊ ተስፋይ ዝሓዙ ጸጥታ ዓጺዮሞ ክረኽቡዎ ተፍቲሽ እናገበሩ ኣብ ሳልስቱ ካብ ኣስመራ ወጺኡ ንሰውራ ከም ዝተጸንበረ፣ ጸላኢ ምስ ስምዔ ሞራላዊ ዉድቐት፣ ንተማህሮ ከኣ ዓቢ ኣንብነት ኮይኑ ትምህርቲ ኣናቛረጹ ብኣሻሓት ክስዕብዎ ኣብነት ዝኾነ ተባዕን ሓርበኛን ተጋዳልይዩ።

ድሕሪ ነጻነትውን ኣነ ዝተቓለስኩዎ ንናጽነት ስለ ዝኾነ ስራሕ መንግስቲ ይርከብ ኣይርከብ፣ ካልእ ዘይተጸበዮ እንተጓነፎውን ክቅበል ድሉዉ ኮይኑ ንኣዕሩኹቱ ኣብ ስደት ምንባር ክሕደት ከም ዝበሎም እሞ ንበዓልቲ ቤቱን ሰለስተ ደቁን ኣብ ሆላንዲ ገዲፉ ናይ ስደት ወረቐት ኣስረኪቡ ዳግም ጽንዓቱን እምነትን ዘመስከረ ተጋዳላይዩ።

እዚ ሓርበኛ ካብ 1992ዓም ንመንግስቲ ክሳብ ዕለተ ሞቱ ከገልግል ከሎ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዕንቑ ኮይኑ ብኹሉ ዝኸበረን ዝተመስገነን ከም ዝነበረ መሳርሑት ናይ ስራሕ ቦታ ዘየማርጽ ኣገልጋሊ ህዝቢ ከም ዝኾነ ኩሎም ዝምስክሩሉ ሓቂዩ። ብሕማም ተኻኢሉ ከሎ ዝምልከቶ ኣካል ክሳብ ዝደክምን ሂወቱ ኣብ መጠረሽታ ትበጽሕ ደገ ወጺኡ ከይሕከም ፍቓድ ሲኢኑ ነዊሕ ከም ዝተሳቐየውን ይምስክሩ። ኣብ መጠረሽታ ሞቱ ምስ ተረጋገጸ ግን ንጀርመን ክሕከም ከም ዝስደድዎ ንሕናውን ሰሚዕና። እንተኾነ ሕክምና ደንጉዩ ስለ ዝመጽኤ ንሂወቱ ከትርፍዎ ስለ ዘይከኣሉ ብዕለት 31.07.2018 ዓም ኣብ ጀርመን ፍራንክ ፎርት ካብ ዓለም ግቡኡ ጌይሩ ብሰላም ዕሪፉ ኣሎ።

ንተጋዳልይ ተስፋይ ተኽለ ብጾቱ ክዝክርዎ ከለዉ ብለዉሃቱን ንሽግር ተጋዳላይ ንምፍታሕ ዝነበሮ ቅሩብነትን ዝያዳ ዝዝከር ዓርኪ ኩሉ ብፍላይ ጸገም ኣብ ዉሽጢ ዉድብ ዝተጓነፎም ንስሙ ብፍቕሪ ከልዕልዎ ዝስማዕ።

ኣብ ሂወትውን ብዙሓት ኣዕሩኽ ዘለዎ ንኩሉ ብኽፉት ልቢ ዝቀርብ ንህዝቢ እንበር ንስድራኡን ንኣዝማዱን ሓንቲ ኣስተዋጽኦ ዘይገበረ ቅኑዕ ተጋዳላይ ሙዃኑ ኣብ ኤርትራ በዚ ይዝከር። ንሕናውን ብተጋዳላይ ተስፋይ ምዕዶን ተወፋይነትን ዝያዳ ንድነቕ መን ኮን ከምኡ ይገብር እናበልና ቓልስን ፍትሕን ካብኡ ክንመሃር ንረባብረብሙዃና ንምስክር።

ሞት ተጋዳልይ ተስፋይ ተኽለ ንኹሉ ህዝቢ ኤርትራ ዓቢ ክሳራዩ፣ ብፍላይ ከኣ ሰላምን ርግኣትን ኣብ ዘለዋ ኤርትራ እንተዝነበር ንህዝቢ ኣቦ ኮይኑ ናይ ልምዓትን ስኒትን መንገዲ ከርኢ ንምነዮ ሰብ፣ ብሞት ክፍልየና ከሎ ናቱ ምኻድ ንስድራኡ ጥራይ ዘይኮነ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ኽሳራ ሙዃኑ ንኣምን።

ጽንዓት ንኩሉ ስድራቤቱን መቅርቡን፣ ጽንዓት ንኹሎም መጋድልቱን ብጾቱን፣ ጽንዓት ንህዝቢ ኤርትራ፣ ንኡ ድማ መንግስተሰማይ የዋርሶ እናበልና፣ ኣብ ሓዘኑ ተካፈልቲ ሙዃና ዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን/ሆደ ኤርትራ ሓዘኑ ይገልጽ። 3-8-2018

ዋሳ ዪናኹ ክራ ለመለም የንቱራ ተስፋይ ተኽለሩዂ ቛላኹድ።

ፋሪዕ እክባ መርቛ ብሊኑዂ/ሆደ

ግርጋ 30-07-2018 ለመለም የንቱራ ፋርስ ተስፍይ ተኽለ ገሞሉ እርጋኽ ሽኽዳ ሰበትድ ድርጛኽ መደት ሕክምና እሱ ድየ ደንቢ ፍዳ ደኮት ዋስንኹን።

መርሑም ለመለም የንቱራ ፋርስ ተስፋይ ተኽለ፡ ኤርትራይል ገሞ እርጋኽ ዕምጭዲ ወራር ኢትዮጵይኽ ፈሆሞሶሉ፡ አባይ ከደኑኽ ይነኮልድ ዳገንስሮ ለመለም ይኒል ጭባብሕ ሽጝልድ ተርሰ ጀብሃትዲ ሕበርሰ ኤርእንዲ ዓቅምዲት ላሪ በቀቕጊ ሕርየት መታን ፍዳ ደካኽ መርሓይ ግን።

መርሑም ለመለም የንቱራ ተስፋይ፡ ክንቱራ(ተማሃራይ) ሰከንደርስኩል(Secondry School) አስመሪል መሄርሱ ጀብሃትዲ ጨሪቶ ጅወድኒዲ እርገው ክንተኡት(ተማሃሮ)ጉደደጛኽ ክድመትከደሙ ሕኩመት ኢትዮጵይኹድኤለለይሶ እንሸውድኖሉ እንትኖ ሰና፡ ክኒር ልጝልድ (ቤትትምሂርቲትልድ) ባንጉሮ 1966 ሰውረትሊ ኒሻንሊ ሕበርሰኽ ግን። ተስፋይ ሰውረትሊ ሕበርሰት አስመሪል ዋስስቶሰና፡ ሕኩመት ኢትዮጵይኽኒት ሻኽገውሉ አክና ሓሩቀትድ ተማሃሮኒጨርሲ ናትክ ኒሽዊል ቱስኑኽ። ሰውረት አዳም እንሸውሮ ወሪ ኩሮ ደው የጋኽ አኽነዲን ኤርትርይ ሻዓብ ኒውክ ሰውረትሊ ሕበርሲኒኽ።

ተስፋይ ሰውረትሊ ሰናወክት ድርጛኽሊ ዕስክርነት ወራትሲ ተብዶ፡ኤሸሾ መድ ምኽርዶ (መርሒሮ) ዓቅም ዳበርዳኽ ፋጥን አዳም እርጉኽ፡ ናውክ ኒዲ ከደመው ለመለም የንቱታት እምነናኽዲ ረቀበናኽዲ እንድባ ሰውረቱኽ ግን ዩኑሉ እርግኑኽ፡ ኒትክ ግናይዲ በሄርዲት እክላ እሰ ቃላኽ ዲማ ኒስጝ ትክድ ግደናኽ መርሓይ እርጉኽ።

መርሑም ለመለም የንቱራ ተስፋይ፡ ግርጋ ድካ ፍኹየግን ይጊ፡ኒ ሹቲ አኽን ጪዋ ነቢር ጃቢስጊ ዲማ መድ ወረቢኽ መቅጠንሊ ምኽሮ ፈሩ ሰጘክ።

እነ ኮሊ መታን ቅልስኹን ሽኹሽትኩን ዓቅትረለ ይጊ ኒዓቅምልድ ላሪ በቀቅጊ አብነት አኮ ከደማኽ ሓጥር ኒመስዋትድ ዳን ግናቲትድኻ እኽር አኾ ለመለምሊ ኒናሓርዲ ብሶትዲት እዋኽ ግን። ተስፍይ ተኽለ ኒኪ ገሪው ጋራት ለበኪል ምኽሮ እን መርሑሎም ለበውፍዳታት ኤርትርይቅርሊ ጀምዕስቱኽ። ትክ ያኽድ ከለብርድኖካ አከነት ሸክ እሰግ።

ጸውራይ ዳሕና ከለብርንኩት፡

ጪዋዲ ኤርትርይ ሻዓብዲት ጃር ኤማን እውንተት ዪነኩን።

ፋሪዕ እክባ መርቛ ብሊኑዂ/ሆደ 3-8-2018

Short URL: https://english.farajat.net/?p=11102

Posted by on Aug 5 2018 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net