ዝምድናታት ኤርትራ ማእከላይ ምስራቕ እንታይ ይመስል

ዜናን ሓበሬታ

ሰዲህኤ

ኣብ’ዚ ዘለናዮ እዋን ዝምድና ኤርትራን ሃገራት ማእከላይ ምስራቕ ቀልጢፋ ዝቀያየርን ቆዋሚ ብዘይምዃኑ ግዚያውነት’ምበር ድልዱል ዝምድናታት ንረብሓ ህዝቢ ዘማእከለ ኣብ’ዚ ዝተመሰረተ’ዩ ኢልካ ብንጹር ክዝረብ ኣይከኣልን።

ኤርትራ ብዘለዋ ጂኦግራፍያዊ ኣቀማምጣ ዝምድናታት ሃገራት ስግር ቀይሕ ባሕሪ ኣማኢት ዓመታት ዘቁጸረ ዝምድናታት’ኳ እንተነበረ ብቀረባ ከኣ ምስ መግዛእቲ ቱርክን ግብጽን ዝተኣታተወ ብቀሊል ዘይግመት ኣብ ከባቢና ዝተራእየ ለውጥን ዝገበሮ ጽልዋን’ዩ። ብፍላይ ከኣ ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ንግዝኣት ጣልያን ተኪኣ ዝመጸት ምሕደራ ዓባይ ብርጣኒያ ንዝተዋህባ ሕድሪ ብዘይተነጸረ ውዲትን ፈደረሽን ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ራሕሪሕታ ምስ ከደት ኤርትራን ዞባ ቀይሕ ባሕሪን መዋጠጢ ምዕራብን ማእከላይ ምስራቕ ኮይኑ፡ ብካልእ ደረጃ ኣብ ጽንኩር እዋን መጀመሪያ ሱሳታት ንውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ይኹን ንሕቡራት ውድብ ዓረብ ዝፈላልየ ፖለቲካ ፍታሕ ነጻነት ኤርትራ ምንባሩ ዘይርሳዕ’ዩ። እቲ ኮይኑ እዚ ኣብ ዝተፈላልየ እዋን ንሰውራ ኤርትራ ዝተገብረ ደገፍ ቀሊል ዘይምንባሩ ምጥቃሱ ኣገዳሲ’ዩ። ልዕሊ ኩሉ ስድተኛታት ኤርትራውያን ቀዳምነት ብምሃብ ክዕቆቡ ምግባር ንድሕነት ህዝብና ውሑድ ኣስተዋጽኦ ኣይነበረን።

ድሕሪ 30 ዓመት ብረታዊ ተጋድሎ ብ24 ግንቦት 1991 ካብ ኣፍሪቃ ብብዝሑን ትሕዝትኡን ዕብየቱን ዝፍለጥ ሰራዊት ደርግ ብምስዓር መሬት ኤርትራ ብሙሉእ ነጻ ኣውጺኣ። ካብ’ተን ንነጻነት ኤርትራ ዝኣመና ሃገራት ቀዳመይቲ ሃገር ሱዳን ነበረ። 1993 ኣብ ዝተኻየደ ረፈረንዶም ኤርትራ ነጻነታ ተፈሊጡላ ሙሉእ ኣባል ኣህጉራዊ ሕብረተ ሰብ ኮነት።

ህዝቢ ኤርትራ ነጻነት ከየስተማቐረ ሓደን ክልተን ግርጭታት ፎኾኽ ክብል ጀመረ፡ ብዙሕ ከይጸንሐ ውሽጣዊ ጉዳያት ሕቶ ህዝብን ተጋደልትን፡ ስዒቡ ምስ ሃገር ሱዳን ኣብ ግርጭት ኣተወት’ሞ ብ1994 ኤምባሲ ሃገር ሱዳን ኣብ ኣስመራ ተዓጸወ። ቤት ጽሕፈት ኤምባሲ ንተቃወምቲ ሱዳናውያን’ውን ከገልግል ተዋህበ። ዝምድና ሱዳን ኤርትራ ዛሕተለ። ኣብ’ቲ ከባቢ ምስ’ቲ ኣህጉራዊ ኩነታት ወራር ኢራቕ ንኵወይት ምስኡ ተታሓሒዙ ዝመጸ ማእከላይ ምስራቕ ዘይምርግጋእ ፈጠረ። ኣብኡ ጠጠው ከይበለ ኤርትራ ምስ እስራኤል ዝጀመረቶ ሃንደበታዊ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና ምስ ሕቶ ደሴታት ሓኒሽ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 1995 ምስ የመን ዝተላዕለ ግርጭት ካልእ መልክዕ ኣልበሶ። እዚ ግርጭት ኣብ መጋባእያን ቤት ፍርድን እንዳሃለወ፡ ሓደ ሓድሽ ግንባር ግርጭት ምስ ሱዳን ተወልዐ። ምስ ሱዳን ዝነበረ ዝምድና ኣይተመሓየሸን ብኣንጻሩ’ኳ ደኣ ኣብ 1997 ብወገን ሰሜናዊ ምዕራብ ኤርትራ፡ ብምብራቕ ሱዳን ይውሓድ ይብዛሕ መስዋእቲ ዝተኸፍሎ ተደላይነት ዘይነበሮ ኵናት ተኸፈተ። እዚ ግርጭታት’ዚ ንክልቲኡ ኣሕዋት ዝኾነ ህዝቢ ኣብ ከቢድ ሻቅሎት ኣእትይዎ እንዳሃለወ፡ ብዙሕ ከይጸንሐ ዶባዊ ምስሕሓብ ኢትዮ-ኤርትራ 1997-98 ጀመሩ ክሳብ 2000 ዓ.ም ዕረፍቲ ዘይብሉ ኵናት ተኻየደ። ንዕርቂ ዝተኻይደ ፈተነታት ነቲ ዕንወትን ጥፍኣትን ጠውጠው ከብሎ ኣይከኣለን።

ኣብ’ዚ ከባቢ ዝተፈላልያ ኣሃገራት ምስ ረብሐንን ጠቅመንን ዝተኣሳሰረ ንጥፈታት ንምክያድ ዓዲ ኣይወዓላን፡ እንተኾነ ብወገን ኤርትራ ን27 ዓመት ዝጸንሐ ወጻኢ ፖሊስታት ምስ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ኣተሃላልዋ ዝተእሳሰረ ብምንባሩ ንህዝቢ ኤርትራ ቅንጣብ ትኩን ርግኣት ምርግጋእ ተስፋን ራህዋን ኣምጺኡሉ ኣይፈልጥን። እዚ ሕሉፍ ተሞክሮታት ኮይኑ ካልኦት ሓደሽቲ ብገዛእ ርእሰን ከም ንግስነት ስዑድ ዓረብ፡ ቀጠር፡ እማራት በብግዜኡ ኤርትራ ምስ ጎረባብቲ ዕርቒ ክግበር ፈተና። ኣብ’ዚ ክረሳዕ ዘይብሉ ኣብ መጀመሪያ 60ታት ግብጺ፡ ኢራቕ፡ሊባኖስ፡ ሶርያ፡ጆርዳን፡የመን ወዘተ ብዝከኣለን ንሰውራ ኤርትራ ብምትሕግጋዝ ንነጻነት ዝደገፋ ምንባረን፡ ሎሚ ብኵናትን ውሽጣዊ ግርጭታት ኣብ ዝተዳኸማሉ፡ ከም ሱዑድ ዓረብ፡ ቀጠር፡ ኢማራት ካልኦት ካብ’ቲ ከባቢ ብፍላይ ኣብ ቁጠባ ዝሓሸ ትሕዝቶ ዘለወን፡ ንወፍሪ ርእሰማል ንረብሓታት ኣብ’ዚ መዳይ ክንቀሳቐሳን ክነጥፋን ጀመራ።

ኣብ’ዚ ፖለቲካዊ ስርሓት ሓዳሽ መጻኢትን ተዋሳኢትን ካብ ዝኾና ሓንቲ ቀጠር’ያ። መንግስቲ ቀጠር ነቲ ኣብ ሃገራት ቀሪኒ ኣፍሪቃ ብፍላይ ግርጭት ጎረባብቲ ሃገራት ንምፍታሕ ኣብ ዘካየደቶ ስርሓት ብኡ ኣቢላ ከኣ መሓዙት ንምጥራይ ዝገበረቶ ጻዕሪ ኣብ መንጎ ኤርትራን ሱዳንን ሓደ ሸነኽ ኣብ መንጎ ኤርትራን ጂቡትን ካልኣይ ዕርቂ ንምፍጣር ኣብ ዘካየደቶ ሽማግልና እዩ። እንተኾነ ክልቲኡ ሽምግልናታት ብግዚያዊነት እንተዘይኮይኑስ ኣብ ምርግግኣን ሰላም ኣይበጽሐን።

መንግስቲ ቀጠር እቲ ንሰላም ዕርቅን ኣብ ሱዳንን ኤርትራን 25 ኪሜ ዝንውሓቱ መራኸቢ ጽርግያ ወጻኢትታት ዝገበረትሉ 27 ጥቅምቲ 2011፡ ኣብ’ዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ብ6 ጥሪ 2018 ሱዳናውያን ዶባቶም ንምውዕጻው ዝገበርዎ ወታሃደራውን ፖለቲካዊ ዲፕሎማስያዊ ስርሒታት ዘይቀጸለ ዕርቒ ኩሉ ዝፈልጦ እዩ። ብተመሳሳሊ እቲ 14 ሚያዝያ ብ2008 ኤርትራ ካብ ህዝብን ዓለምን ከዊላ ክሒዳቶ ዝነበረት ዶባዊ ኵናት ምስ ጅቡቲ፡ ሽምግልና ኣትያስ ብመንግስቲ ቀጠር ኣብ ኵናት ዝተማረኹ ዜጋታት ጅቡቲ ብ18 መጋቢት 2016 ብቃልዕ ከተፍትሕ ክኢላ። እንተዀነ ኣብ’ዚ ድሒሩ ዝተላዕለ ኵናት የመን ኣብ መንጎ ሱዑድያን ቀጠረን ዘጋጠመ ዘይምርድዳእን ክስታትን ኤርትራን ጅቡትን ጸግዒ ስዑድ ዓረብ ስለ ዝወሰዳ፡ ቀጠር ካብ’ቲ ሓባራዊ ስርሒት የመን ክትወጽእ እንከላ፡ ምስ ኤርትራን ጅቡትን ዝነበራ ዝምድናታት ነይሩ።እዚ ስለ ዝኾነ ከኣ መንግስቲ ቀጠር ሰራዊታ ጠቅሊላ ብ14 ሰነ 2017 ካብ’ቲ ዞባ ከም ዝሰሓበት ይፍለጥ።  

መንግስቲ ቀጠር ምስ’ዚ ኩሉ ተካይዶ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ስርሓት ጎኒ ንጎኑ ኣብ’ቲ ዞባ ዘለዋ ሓይሊ ንምርግጋጽን፡ ኣብ ወፍሪ ንእተካይዶ ሃገራዊ ረብሓታትን ንምዕቓብ ወደብ ፖርትሱዳን ንምቁጽጻር፡ ወደብ ባጽዕን ዓሰብ ንምቁጽጻር፡ ወደብ ጅቡቲ ንምቁጽጻር ብተደጋጋሚ ከም ዝፈሸለት፡ ሓደ እቲ ብስም ሽፋን ዕርቒ ዝካየድ ዝነበረ ርግኣትን ሰላም ሙሉእ ዓርቒ ከረጋግጽ ዘይምኽኣሉ’ዩ። ምስኡ ተተሓሒዙ ዝኸድ ዝድምና ከኣ ምስ’ቲ ዕድመን ህላውን ዕርቒ ጥራሕ ክቅጽል ዘረጋግጾ’ዩ።

ብ23 መጋቢት 2018 ኤርትራ ንመንግስቲ ቀጠር ዘቅረበቶ ክሲ ነይሩ’ዩ። እቲ ክሲ ብወጻኢ ጉዳያት ሚኒተር ዝተዘርግሐ ኮይኑ፡ንቀጠር ጥራሕ ዘይኮነ ሱዳንን ኢትዮጵያን ንተቃወምቲ ሓይልታት ኤርትራ ንምሕጋዝ ሙሉእ ዕጥቅን ገንዘባዊ ሓገዛት ብምሃብ ንኤርትራ ኣብ ዘዋስን ዶብ ክልቲኤን ሃገራት ከም ዝንቀሰቓሱ ትግበር ኣላ ዝብል’ዩ ነይሩ።

ሎሚ ብዕለት 24 ሓምለ 2018 ከኣ ኣቡ ዳቢ ኣብ መድረኽ ወጺኣ ነቲ ንይምሰል ሰላም ተባሂሉ ዝዝምር ዘሎ ርክብ ኤርትራን ኢትዮጵያ ንክብሪ ሽልማት ሂባ።

ኣብ መደምደምታ እዚ ኩሉ ላዕሊ ታሕቲ ሃገራት፡ ንህዝቢ ኤርትራ ከም ህዝቢ ሃገረ ኤርትራ ኩነታቱ ኣብ ግምት ዘይእተወ ቆላሕ ዘይብሉ ኣብ መንጎ መራሕቲ ዝግበር ኣበይ በጺሑ ዘይፍለጥ ተቆጻጻሪ ዘይብሉ ሰንኮፍ ዝምድናታት’ዩ ክበሃል ይከኣል። ብወገን ኤርትራውን ብፍትሓውነትን ክልተኣዊ ድልዱል ዝምድናታት ክጥረ ዘይምኽኣሉ እቲ ኩነታት ባዕሉ ዝምስክሮን ንነዊሕ ዝጠመተ መደብ ዘይምህላውን ተጋላባጢ ፖሊሲ ስርዓት ህግዲፍ እዩ።

ዜናን ሓበሬታን

ሰዲህኤ

9 ነሓሰ 2019

Short URL: https://english.farajat.net/?p=11105

Posted by on Aug 11 2018 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net