ምድማር ኣብ ፖለቲካ ዘለዎ ትርጉም እንታይ እዩ! ዜናን ሓበሬታን ሰዲህኤ

ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ምስ ምቅይያር መራሕቲ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ካብ ኣፍ ብዙሓት ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውንን ትወጽእ ሓንቲ ምድማር ትብል ቃል ትስማዕ፡ ብሕልፊ’ኳ ኢትዮጵያውያን ምድማር ትብል ቃል ኣብ መራኸቢ ብዙሓት ጽሑፋት ፈነወ ራድዮን ቲቪ ኣዘውቲሮም ክጥቀምላ ይስማዕ። ኩሉ ግዜ ሓድሽ መራሒ ኣብ ስልጣን ዝመጻሉ ግዜ ምሩጽ ኣብ መደረታቶም ዝጥቀምሉ ቃል ኣሎ። እቲ ቃል ቅኑዕ ቃል ድዩ ኣይኮነን ብዘየገድስ ሓድሽ ተርእዮ ህሉው ኩነታት ዝፈጠሮ ትጽቢታት እታ ትወጽእ ቃል ንዕለቱ ኣብ’ቲ ከባቢ ዝውትርቲ ትኸውን። ገገለ ስነ ሞጎታዊ ሓይሊ ዘለዎ ክኸውን እንከሎ ገገለ ከኣ ኣገልግሎታን ሓቅነታን ብዘየገድስ እዋናዊ እታ ቃል ከም ቃል ንግዜያዊ ረብሓ ዝጥቀሙላ ትኸውን።

ቅድሚ ኣስታት 28 ዓመታት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ቃል ኔልሶን ማንዴላ፡ ብዛዕብ ዕቅርን ሰላም ዝበሎ ናይ ሕድገት ቃል’’ኩሉ ፍጡር መሰልን ነጻነት ኣለዎ ደቡብ ኣፍሪቃ ናይ ኩልና’ያ’’ ዝበሎ፡ ቅድሚ ማእሰርቱ’ውን ዝብሎ ዝነበረ እዩ። ካልእ ኣብ ሕቡራት ቃል ፕረሲደንት ባርክ ኣቦማ ብዛዕባ’’Yes we can’’ ወዘተ ኣዝዩ መሳጢ እዋናዊ ንተርኽቦን ኩነታትን ዝገልጽ ታሪኻዊ ቃል’ዩ።

እዚኣቶም ዝተጠቅሱ መራሕቲ ጥራሕ ዘይኮኑ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ሶቨየት ሕብረት፡ ኤውሮጳን ኣፍሪቃን ብዙሓት መራሕቲ ዝተዛረብዎ ቃል ክሳብ ሕጂ ዝዝረበሉ ዘሎ ኣሎ፡ ምእንት’ዚ እዚ ሕጂ ኣብ ኢትዮጵያ ቅኑዕ ድዩ ኣይቅንዑን ብተደጋግሚ ዝቃላሕ ቃል ኮይኑ እንታይ ንማለት ዘይኮነስ እታ ንደመር ትብል ቃልስ ኣብ’ቲ ፖለትካ ዘለዋ ገላጺ ተራ ንምርኣይ’ዩ።

እሞ እስከ ብዛዕባ ምድማር ትብል ቃል ቅንዕቲ ዲያ ኣይኮነትን፡ ብስነ ሞጎት ከ፡ ብቀረባ ዝምልከተና ቅርብ ኢልና ክንርእያን ሓሳብና ከነካፍልን ርእይቶን ሓሳብን ከኣ ክንሰምዕ ንዝኸይድ ዘሎ ምዕባለ ከኣ ብግቡእ ክንርዳእ ክሕግዘና።ቅድሚኡ ግን ንኣፍልጦ ሕሳብ Mathematics ካብ ቋንቋ ግርኽ ዝመንጨወ ኮይኑ ንቅርጺ፡ ንቁጽሪ ብዝሒ ስፍሓት ለውጢ ዝገልጽ ኮይኑ ሓድሕዱ ዝተእሳሰረ ውጽኢት ዘለዎ ኮይኑ ሓቕን ዘቅንዑን ውጽኢት ዘነጽር’ዩ ከኣ ይብል። ኣርእስቲ ሕሳብ ኣዝዩ ሰፊሕ’ዩ። ግን ኣብ’ዛ ጸባብ ዓለምና ብስ’ዚ ኣዛሚዳን ብኸመይ ይትርጎም ክሕግዝ ይኸእል።

  • ምድማር ከም ተራ ቃል ኣብ ስዋስዉ ቋንቋ ትግርኛ ከም ግስ ንግልገለሉ’ኳ እንተኾነስ መብዛሕትኡ ምስ ሕሳብ ዝተተሓሓዘ’ዩ ክበሃል ይከኣል ብሓጺሩ ሓደ ኣብ ሕሳብ Mathematics ንጥቀመሉ ቃል እዩ። ብስነ ሞጎት ሕሳብ Mathematics ምድማር ምስ ካልኦት 3 ማለት ዘይፈላልዩ ከም ምጉዳል፡ ምርባሕ፡ ምምቓል ዝተኣሳሰር በይኑ ዘይከይድ’ዩ ዝብሉ ሓሳብ’ውን ኣለዉ። ስለ’ዚ ምድማር እንተተላዒሉ ሕሳብ ምዃኑ ዘይተርፎ ምጉዳል፡ ምርባሕ፡ ምምቓል ክስዕቡ ግድነት’ዩ። ይኹን’ምበር ከም’ቲ ልዕል ክብል ዝገለጽክዎ እቲ ቃል ንጽቡቕን ሕማቕን ነቲ ኩነታት ትምዝምዝ ቃል እንተኾይና ነቲ ተዛራቢ ብድሕሪኡ ዝመጽእ ሳዕቤናት ብዘየግድስ መልክዕ ክቅጽል ዘኽእሎ።
  • ምድማር ማለት ክልተ ዝተፈላዩ ኣሃዛት ወይ ነገራት ኣብ ሓደ ዝመጽሉ ከም ውጽኢት ከኣ ካብ’ቲ ዝተደማመረ ኣሃዛት ወይ ነገራት ፍሉይነት ዘርእዩ ይብል ስነ ሞጎት ሕሳብ፡ ንኣብነት 1+2 = 3 ይኸውን። ምእንቲዚ ምድማር ካብ ክልተ ዝተፈላልዩ ኣሃዛት፡ እቶም ክልተ ተሰሪዞም ብሓድሽ ኣሃዝ ይትክኡ ይብል። ካልእ ተዛማዲ ምድማር’ውን associativ addition ኣሎ። እዚ ኣገባብ ምድማር ከኣ ሀ+ለ= ለ+ሀ ይኸውን ብዙሕ ለውጢ ዘለዎ ኣይኮነን። ምእምት’ዚ ንዝቀረብ ሰለተ ምርጫ ስነ መጎት ሕሳብ ምድማር እንተሎ ምጉዳል ክህሉ፡ ክልተ ዝተደማመሩ ኣሃዛት እንተሃለዉ ነቶም ክልተ ሰሪዙ ንሓድሽ ኣሃዝ ዝትካእ ውጽኢት፡ ሳልሳይ ተዛማዲ ምድማር ዝብል’ዩ።

እሞ ብንጹር ኣብ’ዚ ዝተገልጸት ተሞክሮታትን፡ ስነ ሞጎት ሕሳብ ወይ’’Mathematics’’ መግለጺ ምድማር ቃልን መደረን ዶር ኣብዪ ኣሕመድ ኣበየና መስርሕ ስነ ሞጎት ከነጋግዕ ከንዛምዶን ዘሽግረና ታሪኻዊ ድሕረ ባይታ’ዩ። እዚ ስለ ዝኮነ ከኣ ድሕረ ባይታን መንጸፍ መጻኢ ተስፋን ዘይብሉ ቃል ንሃልኪ ፕሮፕጋንዳ እንዘይኮይኑ ብተግባር’ውን ብዝተፈላልየ መልክዑ ከስርሕን ክስርሓሉን ዘይክእል ምዃኑ’ዩ ዘብርህ፡ እንተወሓደ ኣብ’ዚ ዘለናዮ እዋን እንተረኣናዮ፡ ጸዋዒት ሰላም ንባዕሉ ከም ሓሳብ’ኳ ባይታ ሰላምን ምርግጋእን ከይፈጠርካ ኣብ ምድማርን፡ ምስ ምድማር ዝመጹ ተግባራዊ ፖለቲካዊ ስርሓቱን፡ ስምዒታትን ፈጺሙ ክኸይድ ዘይክእል’ዩ። ቅዲ ወይ ሞዴል ዘረባ ጥራህ ክኸውን ዝኽእል።

ኣብ መደምደምታ

ኣብ ታሪኽ ፖለቲካዊ ጉዕዞ ህዝቢ ኤርትራ ኢትዮጵያውያን እውን እንተኾነ፡ ሰብ ይቀበሎ ይንጸጎ ቃል ከም ተራ ፖለቲካዊ ቃል ሕብረት፡ ሓድነት፡ ስምረት፡ ስምምዕ ዝብሉ ኣብየናይ መድረኽ እንታይ ተዘሪቡን ተባሂሉን ንባዕሎም እዞም ቃላት ሓበርቲ መስምር ዓወደ ኣዋርሕ መዝገብ ታሪኽናን እዮም።

ዜናን ሓበሬታን ጉዳያት

ሰዲህኤ

10 ነሓሰ 2018

Short URL: https://english.farajat.net/?p=11108

Posted by on Aug 11 2018 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net