ፈስቲቫል ኤርትራ 2018 ኣብ ደንቨርን ኣብ ኣትላንታን

እዞም ብዓይነቶም ናይ መጀመሪያ ዝኾኑ ናይ ደንቨርን ናይ ኣትላንታን ፈስቲቫላት፡ ኣብ 2018 ዓ.ም. ምክያዶም ንባዕሉ ንእሽተይ ጅግንነታዊ ስራሕ/ዓወት ኣይነበረን። እርጊ እግሪ እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝካየድ ዘሎ ናይ ሰላም ኣገዳሲ ምዕባሌ ምክያዶም’ውን ከም ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ፡ ህዝቢ ንፖለቲካዊ ውድባትን ንስቪካዊ ማሕበራትን ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ተጠቒመን ኣድማዕን ውጺኢታውን ስራሓት ንኽሰርሓ ድፍኢት ንኽገብር ዘኽኣሎ ኣጋጣሚ ኢዩ ነይሩ ክባሃል ይካኣል ኢዩ። እቲ ተሳታፋይ ህዝቢ፡ ንፖለቲካ ከም ቀደሙ (politics as usual) ዝዓይነቱ ኣካይዳ ዝኸውን መንፈስ ኣይነበሮን። ተግባር ጥራሕ ክርኢ ኢዩ ዝደሊ ዝነበረ። ህዝቢ ክጓዓዘሉን ክዓስለሉን ዝኽእል ስእላዊ ማሕተም (blueprint) ዝሓዘ ስትራተጂካዊ መደብ (strategic plan) ክርኢ ኢዩ ዝጽበ ዝነበረ። ከም ፍጹም ኣጋጣሚ ዕድል ግዲ ኮይኑ፡ ብ8 ኤርትራውያን ምሁራት (ኪኢላታት) ተዳልዩ፡ ብዘይ ቅድመ-ኩነት ንህዝቢ ጠቕሚ ንኽውዕል፡ እቲ ህዝቢ ዝጽበዮ ዝነበረ መደብ ዝሓዘ ጽሑፍ ኣብቲ ፈስቲቫል ቀሪቡ ነይሩ። እቶም ነቲ ጽሑፍ ዘዳለዉ ምሁራት፡ ስልጣን ናይ ምሓዝ ባህጊ/ድሌት የብሎምን። እቲ ጽሑፍ፡ ዝውሰኽ ጠቃሚ ሓሳባት ተወሲኽዎን ዘይጠቅሙ ዝተባህሉ ሓሳባት ጎዲልዎን፡ ንኽምዕብል ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ህዝባዊ ምንቅስቓሳት ዝዓስልሉ  መራሕ ካርታ (road map) ኮይኑ ድልውነትን ደገፍን ኤርትራውያን መታን ከረጋግጽ፡ ብህዝቢ ምምሕያሽ ክግበረሉ ኢሎም ኢዮም ናብ ህዝቢ ኣቕሪቦሞ። ብቐሊል ኣገላልጻ፡ እዞም 8 ወልቀ-ሰባት ከም ሓደ ሓሳብ ዘመንጩ ጉጅለ (think-tank) ኮይኖም፡ ጊዚኦም፣ ጉልበቶምን ፍልጠቶምን ብምውፋይ፡ ኤርትራውያን ኣብ ትሕቲ መሰረታውያን መትከላት ተጥሪኒፎም ናይ ሓባር ቃልሲ ብምክያድ፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝድለ ዘሎ ቅጽበታዊ ለውጢ ነኸረጋግጹ ዘኽእሎም ባይታ ንምጥጣሕ ኢዮም ዝሰርሑ ዘለዉ።  እዛ ናይ ትዕዝብተይ ጽሕፍቲ፡ ብቀንዱ ብዛዕባ እቲ ድሮ ብቛንቛታት ትግርኛ፣ ዓረበኛን እንግሊዘኛን ተዳልዩ ዘሎ ንድፊ (blueprint) ዘተኾረ ኢዩ ክኸውን።  ደንቨርን ኣትላንታን ከም ናይ ክርክር መደበራት/ቦታታት (sites of contention)፡ እንተትደልየ’ውን “ናይ ህውተታ/ዕንኪላሎ ቦታ” (discursive space) ክባሃል ይካኣል፡ ምጥቃም ናይቲ ዝሳዓበ ዝርርብ/ዘተ ስእሊ ክህበና ይኽእል ኢዩ።

ናይ ህውተታ/ዕንኪላሎ ቦታ

ብመንጽር እዚ ሒዝናዮ ዘለና ዛዕባ፡ እዚ ናይ ህውተታ/ዕንኪላሎ ቦታ ዝብል ኣምር፡  ኣብቲ፡ ኣብ ነናሻብ ዝደጋጋሙ ፍጻሜታት ኣትክሮ ዝገብር ናይ ማሕበረ-ባህላውን ቛንቛውን ክለሳ-ሓስብ፡  መሰረት ዝገብረ ኢዩ።  ገጽ ንገጽ ዝግበሩ ዝርርባት ነዞም ዝደገጋሙ ቴማታት ኣስተብህሎ ምግባርን፡ ነቶም ዝደጋገሙ ቴማታት ብምጥቃም መገዲ ግዕዞ እቲ ምይይጥ ምንጻርን ዝሓትት ጉዳይ ኢዩ። ነዞም ናይ ደንቨርን ናይ ኣትላንታን ፈስቲቫላት እንተወሰድና፡ ማሕበረ-ፖለቲካዊ ቦታ ክውሰኾም ይካኣልን፡ ምጥቃም እቲ ዝቐረበ ንድፊ ሰነድ፡ እቶም ህዝባዊ መንቅስቓሳት፡ ማሕበረዊ፣ ባህላውን ፖለቲካውን ሰረታት ሃልይዎም፡ ህዝቢ ዝድርኾ ምይይጥ ንኽህሉ ዘኽእልን  ሓደ ኣብነታዊ ፍጻሜ ኢዩ ነይሩ። እዚ ህዝቢ ማእከል ዝገበረ ህዝባዊ መቅስቓሳት በተን ሲቪካውያን ማሕበራትን ፖለቲካውያም ውድባትን ኣብ ባይታ ብግብሪ ክውን ክኸውን ይካኣል።

ተሳትፍኡ ዘዕዘዘ ህዝቢ፡ ዓቕሙ ዘኻዕበተ ህዝቢ ኢዩ ዝኸውን

ከም ታዓዛባይ ዝመሰጠኒ ነገር፡ እቲ ተሳታፋይ ህዝቢ ጻዓዲ ነይሩ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ “ጉዳያት ከም ኩሉ ጊዜ” ንኽቕበልን ወይ’ውን ናብቲ ናይ ትማሊ ደውታ ንኽምለስን ፍቓደኛ’ውን ዘይምንባሩ ኢዩ። ስለዝኾነ፡ በቲ ሓደ ሸነኽ፡ እቶም ውዱባት ሓይልታት ከምቲ ን18 ዓመታት ክገብርዎ ዝጸንሑ እንዳገበሩ ክቕጽሉ ይደልዩ ስለዝነበሩን፡ በቲ ካለልእ ሸንኽ ካኣ፡ እቲ ተሳታፋይ ህዝቢ፡ ነቲ ዝቐረበ ንድፊ ሰነድ  ከም መራሕ ካርታ ተቐቢሉ ኣጽዲቑ ክጥቀመሉ ይደሊ ስለዝነበረን፡ እቶም ምይይጣት ወጥሪ ዝመልኦም ኢዮም ነይሮም።  ትሕዝቶን መቐረትን ናይቲ ዝርርብ ንምዕቃን፡ ኣብተን መላጋግቦታት እንታይ ይግበር ነይሩ ምርኣይ የድሊ። ንኣብነት፡ ኣብ ናይ ኣትላንታ ፈስቲቫል፡ ብሓይልን ጻዓድን ጠለባት እቲ ተሳታፋይ ህዝቢ፡ እቶም ነቲ ንድፊ ሰንድ ዘቕረቡ ክልተ ወከልቲ፡  ዝያዳ ሕቶታት ክምልሱን ነቲ ዘቅረብዎ መራሕ ካርታ ዝያዳ መብሪሂ ክህብሉን ተወሳኪ ጊዜ ከምዝዋሃቦም ተገይሩ። እዚ፡ ተሳትፍኡ ዘሐየለን ዓቕሙ ዘኻዕበተን ህዝቢ እንታይ ክገብር ከምዝኽእል ዘርእየና ሓደ ርኡይ ኣብነት ኢዩ።  ከምዚ ናይ ኣትላንታ ፈስቲቫል ዝሃበና ዳይናሚካዊ ዝኾነ ዝርርብ፡ ዝተዋሃሃደን መትከላውን ናይ ምቅዋም ስትራተጅን ብምፍጣር፡ መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ከም መንጠሪ ባይታ ተጠቂሞም ነቲ ዝርርብ ብምሕያል፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝድለ ዘሎ ናይ ማሕበራውን ፖለቲካውን ፍትሒ ለውጢ ከምጽእ ዘኽእል ባይታ ይፍጠር ከምዘሎ ዝሕብር ኢዩ ነይሩ።

እቲ ህዝቢ ኤርትራ ዝዕዘቦ ዘሎ ኣዝዩ ታኣፋፍን ብዘገርም ፍጥነት ዝጓዓዝ ዘሎን፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝግበረ ዘሎ መስርሕ ሰላም ዝፈጠሮ፡ ቅድሚ ሕጂ ዘይነበረ ናይ ህዝቢ ሓያል ተሳትፎታት ኣብ ዝርርብ ሓያል ኣንጻራዊ ሓይሊ ኣብ ምፍጣር፣  ምድካም ጸላኢ፣ መቐልስ ምግባርን ኣብ ኣጠማምታ ጉዳያት ነጥበ-መቐይሮ ዘከተለን፡ ሲቪካዊ ማሕበራትን ፖለቲካዊ ውድባትን ክቅበልዎን ክርዕምዎን ዘይተዳለዉሉ  ህሞት ኢዩ ነይሩ። ስለዝኾነ ኢዩ’ውን፡ እቲ ዝቐረበ ንድፊ ሰነድ (መራሕ ካራታ) ኣዝዩ ልዑልን ውዕውዕን ዝኾነ ናይ ተሳተፍቲ ተቐባልነት ዝረኸበ።

እቲ ንድፊ ሰነድ(ን/ወይ) መራሕ ካርታ(ን)

ንኣብ ሲቪካውን ፖለቲካውን ሂወት ሕብረተሰብ ዝነጥፉ ኣካላት፡ ኣብ ዝግበሩ ሲቪካውን ፖለቲካውን ዝርርባት ኣገደስቲ ኮይኖም ክቕጽሉ ዘኽእሎም ሓደ ኣገዳሲ ረቛሒ፡ ኣብ ጊዜ ግዙፍ ስምብራታት ዘለዎም ዓበይቲ ፍጻሜታት ክፍጠሩ ከልዉ፡ ናይ ሰፊሕ ህዝቢ ሃምን ቀልብን ኣበይ ከምዘሎ ብትኩርነት ምግንዛብ ምኽኣል ኢዩ። ሓንሳብ ግንዛቤ ምስረኸቡ፡ መራሕቲ ብድሕሪ ህዝቢ ኮይኖም ካብ ድሕሪት ክመርሑ ትጽቢ ክገብሩ ኣይክእሉን ኢዮም። ብቑልጡፍ ቃነኦምን ጧቃ መደረኦምን ምስትኽኻል ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ካብ ቅድሚት ኮይኖም ክመርሑ ከምዝኽእሉ ብግልጺ ዘርኢ መራሕ ካራታ ከቕርቡ’ውን ኣለዎም።  እቲ እቶም 8 ኤርትራውያን ምሁራት ዘቕረብዎ ንድፊ ሰነድ፡ ንሱ ኢዩ ነይሩ ካብ ምባል ሓሊፍካ ካልእ ክባሃል ኣይካኣልን ኢዩ። ዝበዝሐ ክፋላት ናይት ሰነድ፡ እቲ ኣብ 1948 ዝጸደቀ “ኣድማሳዊ መሰላት ደቂ ሰባት” ብዝባሃል ሽም ዝፍለጥ ናይ ሕቡራት ሃገራት ሰነድ፡ ንክውንነት ኤርትራ ንምንጽብራቕ፡ 5 መሰረታውያን መትከላት ተውስኽዎ ዝተዳለወ ኮይኑ፡ ዝኾነ ማሕበራውን ፖለቲካውን ፍትሒ ኣብ ኤርትራ ንክረጋገጽ ዝቃለስ ኣካል ክጥቀመሉ ከምዝኸል፡ ዶ/ር ሳልሕ ኑርን ሓው ሰንጋል ወልደንሰኤን ኣብዝሃብዎ መግለጺ ሓቢሮም።

እቲ ካልእ ኣብዚ ከይተጠቕሰ ክሕለፍ ዘይብሉን፡ ነቶም 8 ወልቀ-ሰባት ኣገዳሲ ረቛሒ ዝኾነን፡ ብመሰረት እቲ ዘዳለውዎ መራሕ ካርታ፡ እዞም ሰባት ናይ ዝኾነ ይኹን ሲቪካውን ፖለቲካውን መሪሕነት/ስልጣን ባሕጊ ይኹን ድሌት ከምዘይብሎም ምዃኑ ኢዩ። ብግደ ሓቂ እንተኾይኑ፡ ኣብ ፖለቲካውያን ውዱባት፣ ሲቪካውያን ማሕበራትን ኣብ ብዙሓት ናይ ማሕበረ-ኮማት ንጥፈታትን፡ ዝተፈላለየ ድሌታት ኢዩ ዘለዎም።  እቲ ብሓደ ንኽሰርሑ ዝገበሮም ምኽንያት፡ እቲ ዘለዎም ሓባራዊ ድሌት ኣብ ሃገረ ኤርትራን ነቲ ኣብ መዳርግቲ ዘይርከቦ ዝቓይ ዝርከብ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎም ሓባራዊ ጽቡቕ ድሌትን ኢዩ።  እዞም ምሁራት ኤርትራውያን፡ ኣብ ዘዝነጥፍሉ ዓውደ-ስራሓት፡ ኣዝዮም ዕውታት ኢዮም። ንኽነብሩ ኤርትራ ኣይተድልዮምን ኢያ። ብኣንጻሩ፡ ረብሓ ሃገሮምን ህዝቦም ቅድሚ ውልቃዊ ረብሐኦም ዝሰርዑ፡ ከምዞም 8  ኣብነታውያን ኤርትራውያን ኪኢላታት ዝኣመሰሉ፡ ኤርትራ ኢያ ትደልዮም።

እቲ ዝቐረብ መራሕ ካርታ፡ ብብዙሓት ኪኢላታት ኤርትራውያን ዝውሰኹ ጠቀምቲ ነጥብታት፣ ዝማሓይሹ ሓረጋት፣ ዝመዓራረዩን ዝስተኻከሉን ነጥብታት ተገይርሉ ከምዝማሓየሽ እምነተይ ኢዩ። ከምኡ ስለዝኾነ’ውን ኢየ፡ ነቲ ንድፊ ሰነድ ብብዙሓት ናይ ማሕበራዊ መድያ፡ ብቐንዱ ካኣ በታ ናተይ ዝብላ ዶት ኮም፡ ኣቢለ ክዝርግሖ ዝውስን ዘለኹ። ብካልእ ኣዛራርባ፡ ኣብዚ ኣብ ኣትላንታ ኣብ ነሓሰ 3-4 2018 ዓ.ም. ዝተኻየደ ፈስቲቫል ኤርትራ ምስታፈይ፡ ዋላኳ ዕቃበ ይሃልወኒ፡ ኣብ መጨረሻ ኤርትራውያን ዝነበረና ሕድሕዳዊ ምጥርጣራት ሰጊርናዮ ኢና ዝብል ተስፋ የሕዲረ ኣለኹ። እቲ ፈስቲቫል፡ ዝኾነ ናይ ህወተታ/ዕንኪላሎ ቦታ ዝህልዎ ባህርያት፡ ማለት: ሓደ ሓደ ጊዜ ብደርቕ ቛንቛ (ዝድርጓሕ) ሓደ ሓደ ጊዜ ካኣ ብልዙብ ቛንቛ ዝውርወሩ ናይ ተቓውሞ፣ ናይ ብስጭትን ተስፋ ምቑራጽን ናይ ርሱን ክትዓትን ቃላታት ነይሮም ኢዮም። ኣብ መወዳእታ ግን፡ እቲ ኣብ ጉዳዩ ሓላፍነት ወሲዱ ዝነበረ ተሳታፋይ ህዝቢ ዝደልዮ ዝነበረ ሓሳብ ኢዩ ተዓዊቱ። ብናተይ ግምት፡ ኣብ ኣትላንታ፡ እቲ ናይ ክርክር ምርኢት ብዓወት እቲ ተሳታፋይ ህዝቢ ኢዩ ተዛዚሙ። ናይ ክርክር መደበራት ምንጪ ሓዱሽ ሓሳባትን ኣጠማምታት ኣብ ጉዳይትን ምቕልቃል ዝጅመረሎም ኢዮም፤ ኣብ ኣትላንታ ካኣ ከምኡ ኢዩ ኮይኑ።  ሕጂ ክኸውን ዘሎዎ፡ እዞም 8 ውልቀ-ሰባት ስርሖም ንምስፋሕ፡ ነቲ ኣብ መወዳእታ ነሓሰ ክግበር ተሓሲቡ ዘሎ ናይ ጀነቫ ሰላማዊ ሰልፊ ኣትክሮ ዝገበረ፡ ናብ ኣውሮጳ ገጾም ቁሊሕ ብምባል ካልእ ናይ ክርክር መደበር ከምዝፍጠር  ምግባር ኢዩ።

ብመንጽር ናይ ህውተታ/ዕንኪላሎ ቦታ ክረአ ከሎ፡ ፈስቲቫል ኣትላንታ መቀጸልታ ፈስቲቫል ደንቨር ኢዩ። ሕጂ፡ ናይ ኣውሮጳ ፈስቲቫል ናይዞም ክልተ ፈስቲቫላት መቀጸልታ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እቲ ንድፊ ስነድ ወይ’ውን እቲ መራሕ ካርታ ከም ናይ ፍጻሜ ኣጋጣሚ ብምዃን፡ ኩሎም ፈስቲቫላት ኣብ ሓደ ተጠሚሮም፡ ናህሩ ናብ መላእ ኤርትራ ክዘሩቕ ዝክእል፡ ሓደ ህጡር ኤሪትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ክኾኑ ይኽእሉ።

ድሕረ ጽሑፍ፡

ከም ኣብ ወሰን (ወጻኢ) ኮይነ ንውሽጢ ዝዕዘብ ዝነበርኩ፡ ክጠቅሶ ዝግደድ፡ ነቲ ዝርርብ ንቕድሚት ናብ ኣወንታዊ መደምደምታ ዘድፍኦ፡  ካብ ውሽጢ ተስተፍይ ዝብገስ ሓደ ንጹርን ሓያልን ዝኾነ ቴማ ነይሩ። ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝገለጽክዎ ዓይነት ምይይጥ፡ ካብ ኩሎም ተሳተፍቲ ብእንካን ሃባን ዝምዕብልን ዝጽዕን ምዃኑ ዝርዳእ እዃ እንተኾንኩ፡ ብሓደ ካብ መጠን ንላዕሊ ትኩር ዝኾነ፡  ብክብሮም “ሳንቲም” ዝብል ሽም ዝፍለጥ ተሳታፋይ ዝቐርብ ዝነበረ ቀጻሊ ቴማ፡ ነቲ ምይይጥ ንቕድሚት ደፊእዎ ኢዩ። “ቖቢዐይ ብምልዓል፡ ክብረት ይሃበለይ ክብሎ ይደሊ”። ንሁር ኣቃራርብኡ ብዘየግድስ፡ ኣብ ማእከል እቲ ምይይጥ ዝገበሮም ዝነበሩ ሓጸርቲ መደረታት ኩሎም ነጥቢ ዝሃርሙ (ካብ ኣረስቲ ዘይወጹ) ነይሮም ጥራሕ ዘይኮኑስ፡ ንቕድሚት ዝጠመቱ ኢዮም’ውን ነይሮም።  ከምዚ ማለትይ ካኣ፡ ከም ባዓል ክብሮም ዝኣመስሉ ሰባት ኣብ ከምዚ ዝኣመሰሉ ናይ ህዝቢ መጋባእያታት፡ ብዙሕ ንክዛረቡ ዕድል እንትዝረኹብ ከመይ ንማሓረ ኢየ ዝብል ዘለኹ።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=11122

Posted by on Aug 20 2018 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net