ሎሚ ኣብ ኤርትራ ዝዝረበሉ ዘሎ ሰላምስ ብመን’ዩ ኮን ተጀሚሩ!

እወ፡ ኣበው ክምስሉ ከለዉ ” ካብ ዘገልገለስ ሰፍኢ ዓውዲ ዘቐበለ” ይብሉ ነበሩ። እቲ ዘገለገለ ኣብ’ታ ፍረን ምህርትን ትርከበላ ምስ በጽሐ ኩሉ ሞያኡን ተግባሩን በቲ መውደልደሊ ተዓብሊሉ ይተርፍ፡ በዚ መጺኡ ዘይተባህለ ኣብ’ታ ዓውዲ ላዕሊ ታሕቲ ዝበለ ሽም ይረክብን ይንኣድን። እዚ ከኣ ሓድሽ ነገር ኣይኹን ደኣ’ምበር እቲ ኣዝዩ ዘተሓሳስብን ዘሕዝንን ግን ኤርትራውያን ጻዋዒት ሰላም ኣሕዋቶምን ኣያታቶምን ንዒቖምን ዕጭ ሓንፊፎምስ፡ ብጸዋዒት ሰላም ጓኖት ክግረሙን ክድነቑን ክትርኢ ከለኻ’ዩ።

ርሑቕ ከይከድና ድሕሪ ነጻነት’ኳ ክንደይ ኤርትራውያን ንሰላምን ሓድነትን ዘቅረብዎ ዘዅርዕ ጸዋዒት ሰማዒ እዝኒ ስኢኑ፡ ክብረት ዝሰኣንሉ’ኳ እንተነበረ ክሳብ ሂወቶም ዝኸፈልሉ ጅግንነትን ብወሳንነት ብትብዓት ብቆራጽነትን ዝበልዎ ምንባሩ ክዝከር ይከኣል። ነዚ ክቡር ጸዋዒት ሰላም ዝነጸጉ ከኣ ንባዕሎም ሰላም ዘይረኸቡ ዘውደኽድኹን ምስ ምልካዊ ስርዓትን ላዕሊ ታሕቲ ዝብሉ ደገፍትን’ዮም። መላኺ ስርዓት ከኣ ነዚ ሕቶ ርእይቶ ዘይብሉ ደገፍ ረኺቡ ኣብ ልዕሊ ኩሎም ደለይቲ ፍትሕን ሰላምን ኣካላት ዘርኣዮ መርገጽ ዝወሰዶ ስጉምቲ ዘተባብዖ’ዩ። መላኺ ስርዓት ዝወሰዶ ስጉምቲ ዓመጽ ከኣ ይትረፍ ንኤርትራውያን ንጓኖት ከይተረፈ ዘሕዝነ ተርኽቦ ነይሩ ክበሃል ይከኣል። እዚ ሎሚ ንርኣዮ ዘሎና ጸዋዒት ሰላም ኢትዮ-ኤርትራ’ውን ካብኡ ዘይፍለ 20 ዓመት ዝተባህለ ተረሲዑ፡ ስርዓት ህግዲፍ ጥራሕ ሰላም ስለ ዝበለ ሎሚ እዝግዮ ዘብል ኣገባብ ዘይብሉ ዘይሕጋዊ መስርሕ ሰላም ክካየድ ንርእዮ ዘለና።

ኣብ ኤርትራ ሰላምን ፖለቲካዊ ምርግጋእን ተፈጢሩ፡ ብሕጋዊ ቅዋማዊ መንግስቲ ትምራሕ ዲሞክራሲያዊት ሃገር ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክትህሉን ክትበቕዕን፡ ልዕሊ ትጽቢታቶም ባህግታቶም ሕልምታቶም ክውን ንምግባር ዝቃለሱ ዝነበሩ ምዑታት ጀጋኑ ተጋደልቲ ምስ ህዝቦም እዮም። ብሓቂ ከኣ እዚ ካብ’ቲ ንህዝቦም ሃገሮምን ዝነበሮም ሓልዮት ዝነቐለ በብእዋኑ ኣብ መድረኽ ወጺኦም ንህዝቦም ትምህርትን ንቕሓትን ሓደራን እዋናዊ መልእክቶም ኣብጺሖም’ዮም።

ገገለ ካብኡ ንምጥቃስ ዝኣክል መራሕቲ ሰውራ ኤርትራ ብሓፈሻ ብፍላይ ከኣ ምስ ህግሓኤ ደሓን ዝምንድና ዝነበሮም ውድባት ዝተራእየ ፍጻሜታትን ተርኽቦን ክጅመር ይከኣል።

  1. ብስውኣ ጅግና ኣሕመድ መሓመድ ናስር
  2. ብስውእ ጅግና ስዩም ዑቕባሚካኤል
  3. ብፖለቲካዊ እሱር ጅግና ተጋዳላይ ቢተወደድ ኣብርሃ
  4. ብጀጋኑ ተጋደልቲ ህግሓኤ ጉጅለ 15
  5. ጅግና ስውእ ወዲ ዓሊ

ህዝቢ ኤርትራ ንኽጥዕሞን ከም ዓለሙ ሂወት ከስተማቕር ሰላም ረኺቡ ንኽነብር ዝቀረበ ጸዋዒት፡ ድምጺ ደገፍዎም ጥራሕ ዝኣክል ኣይነበረን። እዚ ስለ ዝኾነ ሕቶ ሰላም ፖለቲካዊ ምርግጋእን ዘንቐሉ መራሕቲ በጃ ህዝቦምን ሃገሮም ሓሊፎም ዝተረፉ ኣብ ማእሰርትን ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ስቕያት ግፍዕን ተነጺፎም ኣብ ጸላም ይነብሩ። ዓቕምን ብቅዓትን ተሞክሮን ዘለዎም መራሕትን ህዝብን ኣብ ማእሰርቲ ዳጕንካ ከኣ ሰላም ይበሃል፡ ንልዕሊ 20 ዓመታ ኣብ ዘይፍትሓዊ ሃገራዊ ኣገልግሎት ቆሪንካ ሰላም ይበሃል፡ ህዝቢ ኣጥሚኻ ንስደት ከም ዝኸይድ ጌርካ ሰላም ይበሃል።

ብውሑዱ ታሪኽ እዞም ኣብ ላዕሊ ተጠቒሶም ዘለዉ ጀጋኑ ሃገራውያን ባእታት እንታይ ከም ዝተዛረቡን እንታይ ከም ዝበሉን፡ ኣብ ገገዝኦም ኮይኖም ብወረ ብመራኸቢ ብዙሓት ዘንበቡን፡ ዝሰማዑን ሓበሬታ ዝበጽሖም መላእ ህዝቢ ኤርትራ መሰኻኽር ነይሮም ከብል ዘድፍር ኩነታት ምንባሩ ዘምልክቶ ብዙሕ’ዩ ክጥቀስ ይከኣል። እቶም ንጸዋዒት ሰላም ዝተቀበሉ ዝደገፉ ኣካል ህዝብና ግን ድምጾም ንድሕነት ጀጋኑኦም ኣይበቕዐን። እዚ ማለት ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ትሕቲኦም ተጨፍሊቁ ይኹን እቲ ዝበልናካ ግበር እንዳተባህለ ብራዕዲ ኣብ ትሕቲ ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ዝናበር ህዝቢ ኣብ ግምት ኣእቲኻ’ዩ።

 ሎሚ ኣብ ኤርትራ ዝዝረበሉ ዘሎ ሰላምስ ብመን’ዩ ግዲ ተጀሚሩ? እዚ ብዛዕባ’ዚ ሰላምን ዕርቕን፡ ብዛዕባ ምሕረትን ይቕረ ምብህሃል ብንቅሓት ብዝተወደበን ብሰነድ ዝተቀርጸ በቶም ብሕግን ስርዓትን፡ ብዕርቕን ሕድገትን፡ በቶም ዕዮ ገዝና ንግበር፡ ጉዳይ ኤርትራ ወገኑ ኣትሒዝና ነዚ ተፈጢሩ ዘሎ ተዛማዲ ሰላም ኣብ ረብሓና ነውዕሎ ዝበሉ ጀጋኑ ኤርትራውያን ዶ ኣይኮኑን፡ ሕራይ ነቶም ኣብ ስደት ዝነበሩ ንፍትሕን ሰላምን ዝጣበቑ ዝነበሩ ዓድኹም ኣቲኹም ዘይትዛረቡ ዝብል ምኽንያት’ኳ ዝቐርበሎም እንተነበረስ፡ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ኮይኖም ንሕጋውነት ባይቶን ሰላም ዲሞክራስን ዝተጣበቑ ከም ወጻኢ ጉዳይ ሚኒተር ኤርትራ ጅግና ሃይለማርያም ወልደትንሳኤ (ሃይለ ድሩዕ)፡ መከላኸሊ ሚኒስተር ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ጅግና መስፍን ሓጎስ፡ ሚኒስተር ባሕርን ዓሳን ጅግና ጴጥሮስ ሰሎሙን፡ ፋይናንስ ንግዲ ሚኒስተር ጅግና ዑቕበ ኣብርሃ፡ ውሽጢ ሃገር ሚኒተር ጀግና ማሕሙድ ሸሪፎም፡ ትምህርቲ ሚኒተር በራኺ ገብረስላሴ ኣመሓዳሪ ዓሰብ ነበር ጅግና ተጋዳላይ ቢተወደድ ኣብርሃ፡ ጀጋኑ ኣምባሳድራት ኣድሓኖም ገብረማርያም፡ሕብረት በርሀ፡ ኣስትቴር ፍስሓጽዮን፡ ነባር ጅግና ተጋዳላይ መሓመድ ብርሃን ብላታ ካብ’ቶም ብዙሓት ከም ኣብነት ዝጥቀሱ እንከለዉ፡ ኣብ ውሽጥን ወጻኢ ዝርከቡ ደገፍቲ መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ጉዳዮም ጣቛን ቁም ነገርን ከም ዘየነበሮ፡ ገምጋማቶምን ሚዛንትን፡ ጉድኣትን ህዝብን ሃገርን ዝገምገመ ርእይቶ ከም ዘይብሎምን ዘይውኑን ምንባሮ ዝተነጸረሉ ግዜ ነበረ። ከም ውጽኢት ሎሚ ምዕሩይን ረብሓ ክልተ ህዝቢ ዘይውክል ሰላም ተቀቢሎም ክኸዱ ገይርዎም ኣሎ።  

ኣብ 2018 ኣብ ኤርትራ ዝዝረበሉ ዘሎ መስርሕን ጉዕዞ ሰላምን ካብ ዋናታቱ ኣሕዲጎም ብቀ/ሚ ኢትዮጵያ ዶር ኣብዩ ኣሕመድ ከም ዝተጀመረ ገይሮም ዝዛረቡን ዘዘንትዉን ብዙሓት እዮም። እሞ ደኣ እቶም ኣብ ውጻኢ ይኹን ኣብ ውሽጢ ሃገር ክሳብ ብሂወቶም ከይሰግኡ ንምእንቲ ሰላም ህዝቦምን ሃገሮም ክዛረበ እንከለዉስ ዝጸመመ እዝኒ ነይሩ ዘየብል ኣይኮነን። እወ ዝጸመመ እዝኒ ነይሩ፡ ነዚ ከኣ ከዳዓትን፡ መሳርሒ ወጻኢ ሓይልታት ተባሂሎም ተኸሲሶም ተዋሪዶም ተኣሲሮም’ዮም።

ሕጂ’ውን እንተኾነ ደለይቲ ፍትሓዊ ሰላም ንዕርቒ ገጹ ክስጉም ዝደገፉን ዓንቐፍቲ ሰላም ንዘይምኳን ዘርኣይዎ ተበላሕነት፡ ክሳብ’ቲ ንሰላም ዘማዕደወ ስርሓት ኣብ መፈጸምትኡ ክበጽሕ ኣብ ትሕቲ ትዕዝብቲ ንምእቲ ሰላም ህዝቢ ኤርትራ ኢትዮጵያን ዝከፈልዎን ዝኸፍልዎን ዘለዉ ዋጋ ውሑድ ኣይኮነን።

ህዝቢ ኤርትራ ንሰላም ክቀራረበሉ ዘለዎ ስትራተጂካዊ ጉዳያት ሓድግኻ ምኻድ ብዓብዩ ንረብሕኡ ከም ዘይኮነ ዝፍለጥ’ኳ እንተኾነስ፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ’ቲ ላህመት ሰላም ዝዝረብ ዘለዎ’ውን ተጠቓብምን ረብሓታት ከም ዘለዎ ዘረጋግጸሉ ሕጋዊ ውዕል ዘምህላዉ፡ ዝተሳተፎን ዝፈልጦን ጉዳይ ከም ዘይብሉ፡ ነዛ ባዕሉ ዝውንና ሓሳብ’ኳ ንምግላጽ ዕድል ተሳኢኑስ በቶም መሻርኽቲ ሰላም ዝኾኑ መራኸቢ ማዕከና ኢትዮጵያ ተዃሊሉ ብዝመጾ ወረ ዝናበር ህዝቢ ልዕሊ ኩሉ ከኣ ኣብ ዝሓለፈ ህዝብታት ኢትዮጵያ ዶብ ኣቕሪጾም ንኤርትራ ክፈልሱ ህዝቢ ኤርትራ ብውሽጢ ውሽጢ ሹት ዶብ ትሰግር ይበሃል ከም ዘየሎ እንሆ ብዕለት 27 ነሓሰ 2018 ካብ ዛላምበሳ ንኤርትራ ዝሰገሩ ኢትዮጵያውያን ምስ ህዝቢ ከይተራኸቡ ከም ዝተመልሱ ይሕበር። እሞ’ዚ ሓደ ካብ’ቲ ማዕርነት ዘይብሉ ሰላም፡ ቅንዕና ዘይብሉ ሰላም’ዩ።

ብዛዕባ ሰላም ኤርትራውያን ብዙሕ ተዘሪቡ፡ ካብ’ቲ ብኣሉታዊ ምዕራፍ ታሪኽ ዝግለጽ፡ ምንቅስቓስ ተጋደልቲ 1993፡ ውግኣት ሓርነት 1994፡ 2001 ተማህሮ ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ፡ ዓዲ ኣበይቶ 2009፡ ህልቐት መንእሰያት ማእከላይ ባሕሪ 2013፡ ሰላምዊ ሰልፍታት ጀነቫን ኒውዮርክን፡ዓዲ ጣልያን ንሰላም ዝዛረብ ዓብይ ኤርትራዊ ተርኽቦ ምንባሩ ከይተጠቕሰ ክሓልፍ ዘይክእልን ዘይግባእን’ዩ። ሬሳታት ኣብ ደሴታት ሃገር ጣልያን ንሰላም ዝጽውዕ ዘሎ ኤርትራዊ ነፍሳት ዶ ኣይኮነን።

እሞ ካብ ውሽጣዊ ኤርትራዊ ጸዋዒት ሰላም ሃገራውያን፡ ግዳማዊ እሞ ንሓደ ወገን ዝዓለመን ዝጣበቕን ብናህሪ ዝውንጨፍ ዘሎ ሰላም ዶር ኣብዪ ኣሕመድ ንህዝብናን ሃገርናን ዘርብሕ እንተኾይኑ፡ እዚ ንርእዮ ዘሎ ኣገባቡን መስርሑን መልክዑን ተግባሩን ዝህቦ ምልክታት ንትዕዝብቲ ኤርትራውያን እኹል ተረፍ ኣብነታት’ዩ።

ዜናን ሓበሬታን

ሰዲህኤ  

Short URL: https://english.farajat.net/?p=11132

Posted by on Aug 29 2018 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net