ምትስሳር ሃገራዊ ሰላም ምስ ዞናዊ ሰላም፣ ባህርያት ስርዓት ኤርትራ

ወልደስላሴ ዑቕበ

ኣብቲ ካብ ዕለት 20 ክሳብ 22 ኣብ ከተማ ስቶክሆልም – ሽወደን ዝተኻየደ ሰፊሕ በዓል ኤርትራ – ካስል ዝቐረበ

  • ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ኣሰናዳእቲ ፈስቲቫል ካስል-ስቶክሆልም
  • ዝኸበርክንን ዝኽበርኩምን መሪሕነት ውድባትን ማሕበራትን ተሳተፍቲ ፈስቲቫል
  • ዝኸበክንን ዝኸበርኩምን ዕዱማት ፈስቲቫል
  • እንኳዕ ብደሓን ኣብዚ ኣገዳሲ ዓውዲ ቃልሲ ብሓባር ክንራኸብ ኣብቅዕና

 

ብምቕጻል ኣብዚ ታሪኻዊ ፈስቲቫል ካስል ተረኺበ፡ ሓሳበይ ከሳትፍ ዝዓደመትኒ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ፈስቲቫል ብኽብሪ አመስግን፣

 

ኩቡራትን ኩቡራንን ተሳተፍቲ ፈስቲቫል

 

ሎሚ ዝገብር እምብር ዝዛረብ ኣይተሳእነን፣ ኮይኑ ከይተዛረብካ ሓሳብካ ከተዋስብ ስለ ዘይከኣል፣ ክንዛረብ ግዴታ ይኸውን፣

 

ሰላም ክበሃል ከሎ ኣብ ብዙሕ ደረጃ ዝግለጽ ኮይኑ፣ ምስ ናጽነት፣ ቅሳነት፣ መሰል፣ ፍትሒ፣ ዲሞክራሲ፣ ምዕብልና፣ ጥዕና፣ ራህዋ፣ ወዘተ ዝተሓሓዝ ህይወት ኣብ ውሽጢ ሓደ ሕብረተሰብ ምርግጋጽ ማለት’ዩ።

 

ዞባዊ ሰላም ክንብል ከለና ድማ፣ ብውሕዱ ንካብ ሓንቲ ሃገር ንላዕሊ ዝኾና ፣ እሞ ኣብ ሓደ ዞና ዝርከባ ሃገራት ዝምልከት ዝምድናታት ዝምልከት እዩ። ስፍሓት ናይቲ ዞናን ብዝሒ ናይተን ብናይ ሓባር ዞና ዝገለጻ ሃገራትን ካብ ከባቢ ናብ ከባቢ ክፈላለ ይኽእል እዩ። እተን ኣብ ሓደ ዞና ዝርከባ ሃገራት ድማ፣ ኣብ ሕድሕደን፣ ብኣወንታዊ ይኹን ብኣሉታ፣ ናይ ምጽልላው ተኽእሎታት ኣለወን።

 

ናብ ጉዳይና ክንኣቱ፣.. እተን ኣብዚ እንምልከተን ብዞና ዝግለጻ ሃገራት፣ እተን ብዞና ምብራቕ ኣፍሪቃ/ቀርኒ ኣፍሪቓ ዝፍለጣ ሃገራት ኮይነን፣ ሕጂ እነተኩረሉ “ጉዳይ ሰላም” ግን፣ አቲ ኣብ መንጎ እተን ንነዊሕ እዋን ኣብ ኲናትን ናይ ኲናት መዝሙርን ተጸሚደን ዝጸንሓ፡ እሞ ኣብ ዝሓለፈ መቓልታት፣ መስርሕ ሰላም ብዘይተኸተለ ኣገባብን፣ ንዓለም’ውን ዘገረመን፣ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተቓልሐ ዓይነት ሰላም እዩ።

 

ልክዕ እዩ፣ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ብ”መዝሙር ሰላም” ዝፍለጥ “መቓልሕ ሰላም” ክቃላሕ ክንሰምዕ ወሪሕና ኢና። ሰላም ከም ኣምር፣ ወዲ ሰብ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ኩሉ ፍጡር እንስሳ ከይተረፈ’ውን ዝደልዮ ናይ ወፍታ ባይታ እዩ። እሞ ከምቲ ክዝመር ዝጸንሐ፡ ሰላም ኣብ ሃገርናን ዞባናን ክሳብ’ውን ኣብ ዓለምና ክሰፍን እንደልዮ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ንምርግጋጹ’ውን ክንቃለሰሉ ዝጸናሕናን ዘለናን ባይታ ናይ ህይወት እዩ።

 

ኩቡራንን ኩቡራንን፣

ኣብዚ ግን 2 ሕቶ ክልዓሉ ኣገዳሲ ይኸውን፣

  1. ሰላም ክበሃል ከሎ ብሓፈሻ፣ ብመንን ብኸመይን ዝረጋገጽን፧ ንረብሓ መን ዘገልግልን፧ እንታይ ዓልነት ትሕዝቶ ዘለዎን ሰላም፣ ወዘተ ሰላም እዩ ዝብሉ፣ ንሓቀይና ትርጉምን ዕላማን ናይ ሰላም ንምምዛን ዝሕግዙ ሕቶታት፣
  2. ብፍሉይ ኣብ ሃገርና ኤርትራ “ሰላም” ክበሃል ከሎኸ፣ ብምንታይ ዝዕቀንን፧ ኣብ ትሕቲ ኣየናይ ፖለቲካዊ ህይወት ዘረጋግጽን፣ ነየኖት ሕቶታት ብቐዳምነት መሊሱ ዝመጽእ ሰላም እዩ ሓቀይና ሰላም ክበሃል ዝከኣል፧

 

  1. ኣብዚ  ብዛዕባ ሰላም ክንዛረብ ከለና፣ ዛዕባና ንኣብ መንጎ ሃገርናን ዞናናን፣ ብፍላይ ድማ፡ ንኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝምልከት ሰላም ዘተኮረ እዩ።

ኣብዚ ንዞና ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ከም ሓደ ገዛ ብምውሳድ፡ ከም ኣብነት ክገልጽ ክፍትን እየ፣

ሓደ ገዛ፣ ንኣብነት ህድሞ፣ ክትሃንጽ ከለኻ፣ መጀመርያ መሰረት ኣደልዲልካ ብምምስራት፣ ብክሊ መንድቕ ትነድቕ’ሞ፣ ኣብ ውሽጡ ድማ የዕኑድ ትተክል። ብቐጻሊ ኣብ ላዕሊ ገመል፣ ሰረወ፣ መሖጽ፣ ቆጽሊ፣ ሳዕሪ/ሓሰር ገርካ ብምዕባስ፣ ኣብ መወዳእታ ድማ ብሓመድን መዝበብን/ቃጽዖን ገርካ ትዛዝሞ። ድሕሪዚ ድማ ምሉእ ገዛ ሰሪሐ ክትብል ትኽእል። ኣብዚ እቲ መስርሕ ካብ ታሕቲ/ካብ መሰረት/ ንላዕሊ ዝኸይድ እዩ። እዚ ድማ ገዛ ክትሃንጽ ብርእሲ፡ ብመዝበብን ሓመድን ጀሚርካ ንታሕቲ ናብ መሰረት ክትሰርሕ ከም ዘይከኣል ይምህረና።   

 

እምበኣርከስ፣ ኣብዚ እተን ከም መሰረትን የዕኑድን ናይቲ ክህነጽ ዝድለ ዘሎ “ዞናዊ ሰላም”(ዞናዊ ገዛ) እተን ኣብቲ ዞና ዝርከባ ሃገራት ዞና ቀርኒ ኣፍሪቃ ክኾና ከለዋ፣ እቲ ካብ ገመል ጀሚሩ ንደሓር ክሳብ ሓመድን መዝበብን ዝተጠቕሰ መዛዘሚ ድማ፣ እቲ ነቲ ዞናዊ ሰላም ኣመልኪቱ ዝግበር ተክኒካዊ ስራሕን ጉዕዞን፣ ክሳብ ምክትታም/ምዝዛም ክፍጸም ዘሎዎ ነገራት ዝምልከት እዩ፡፡

 

ኣብ ጉዳይና እምበኣር፣ እቲ ዝበሃል ዘሎ ሰላም ብቐዳምነት ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ናይተን መሰረትን የዕኑድን ናይቲ ሰላም ክኾና ዘለወን ሃገራት፣ መጀመርያ ኣብ ገገዝአን ሰላም ዝነገሶ ፖለቲካውን ማሕበራውን ህይወት ከውሕሳ ኣለወን። ማለት ፍትሒ፣ ንኹሉ ዝምድናታት ዘጠቓልለ ሓድነት፣ መሰል፣ ናጽነት ህዝቢ ከም መሰረት ክረጋገጽ የድሊ። ምኽንያቱ፡ ከምቲ ኣቐዲሙ ብኣብነት ገዛ ዝተጠቕሰ፣ ሰላም ኣብ ዞና ንኸተዕውት፣ መጀመርያ ኣብ ውሽጢ ነፍሲ ወከፍ እተን ንዞናዊ ሰላም ተሓጼን ዘለዋ፣ መሰረትን  የዕኑድን ናይቲ ዞናዊ ሰላም ክኾና ዘለወን ሃገራት፣ ውሽጣዊ ሰላም/ርግኣት ክረጋገጽ የድሊ። እዚ ምስ ዝረጋገጽ ጥራሕ እዩ፣ አቲ ዝሰፍሐ ሰላም ክረጋግጽ ዝከኣል። ከምቲ ኣብ ገዛኻ ዘየፍረኻዮ/ዘይወነንካዮ ንሰደድ ክትሰድድ ዘይከኣል፣ ኣብ ገዛኻ ዘየረጋገጽካዮ ሰላም ድማ፣ ናብ ጎሬቤት ሃገር ከተሰጋግሮ ይኹን ምስ ጎሬቤት ሃገር ክትዋስእሉ ምፍታን፣ ከም “ዓይንኹም ተዓመቱለይ እሞ ክዘምተኩም እየ” እዩ ዘስምዕ። ንርእሱ ብዛዕባ ኣብ ገዛኻ ዘይትውንኖ ሰላምን ፍትሕን ክትዛረብ ኣይክኣልን እዩ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ዘሕፍር እዩ’ውን፣ ምኽንያቱ ዋንኡ ስለ ዘይኮንካ።

ኤርትራ ሃገርና ድማ ሎሚ ሓንቲ ካብተን ብስእነተ-ሰላምን ፍትሕን ትሕመስ ዘላ ሃገር እያ። ስለዚ ድማ፣ ኣብ ውሽጣ ዘይወነነቶን ህዝባ ኣብ ገዝኡ ዘየስተማቐሮን ናይ ሰላም ህይወት፣ ምስ ጎሬቤት ሃገር ክትዋስኣሉ ምህቃን፣ ዘይስነሞጎታውን ዘይስነምግባራውን ዝኾነ ናይ ምትላል ፈተነ እዩ።

 

ስለዚ እምበኣር፣ ዞናዊ ሰላም ንምርግጋጽ፡ መጀመርያ እቶም ኣህዛብ ናይተን ሃገራት ኣብ ገገዝኦም ትርጉም ናይ ሰላም ከስተማቕሩ ክበቕዑ ኣለዎም። ከምዚ ምስ ዝኸውንን፣ ካብዚ ምስ ዝብገስን ጥራሕ እዩ ድማ፣ እቲ ቅኑዕን ዘላቕን ዝኾነ ጉርብትናዊ ሰላም ንምርግጋጽ ዝግበር ወፍሪ፣ ትርጉምን ኣፍራይነትን ዝህልዎ፡ ብተግብር’ውን ናይ ምዕዋት ኣኽእሎ ዝረክብ።

 

ኩቡራትን ኩቡራንን ተሳተፍቲ ፈስቲቫል ካስል-ስቶክሆልም

 

እዚ ዝኸይድ ዘሎ ደወል ናይ ሰላም እምበኣር፡ ነዚ ዝተባህለ ዘንተሞጎታዊ መስርሕ ዘማልእ ዘይኮነስ፣ ብኣንጻሩ፣ ነዚ መስርሕ’ዚ ዝረገጸ እዩ ከብል ዘድፍር እዩ። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ እዚ ተርእዮ’ዚ “የዕኑድ ከይተኸልካ፡ ዳስ ክትሰርሕ” ከም ምፍታን እዩ ዘስምዕ።

 

 ነዚ ብኹንነት ሃገርና ንምብራህ ድማ ናብ ካልኣይ ነጥበይ ክሓልፍ እደሊ፡

  1. ሀ. ኣብ ሃገርና ኤርትራ ሰላም ክበሃል ከሎ፡ ብምንታይ ዝዕቀን ሰላም እዩ፧

ለ. ንርእሱ አቲ ኣብ ኢርትራ ዝገዝእ ዘሎ ጉጅለኸ ናይ ሰላም ተጣባቒ ክኸውንዶ ይበቕዕ፧

መ. ሃለዋት ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ዝሕለፈ ናይ ናጽነት መዋእልከ ብኸመይ ይግለጽ፧

 

ንኹልና ብሩህ እዩ፣ ኤርትራ ሃገርና ሎሚ ሓንቲ ካብተን ብስእነተ ሰላምን ፍትሕን ትሕመስ ዘላ ሃገር ምዃና። ስለዚ ድማ ኢና ገና ኣብ ቃልሲ እንርከብ ዘለና። እሞ ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጎዳጒዲ ኣስፊሩ፣ ምስ ጎሬቤት ሃገር ሰላም ክብል ከሎ፣ ካብ ብቐጻሊ ከታልል ምፍታን ሓሊፉ፣ ካልእ መግለጺ ክወሃቦ ፍጹም ኣይክእልን እዩ።

ንድሕሪት ተመሊስና እስከ ንርአ፣ ህዝቢ ኤርትራ ን30 ዓመታት ተቓሊሱ፡ ብዋጋ ደም ናጽነቱ ዘረጋገጸ ህዝቢ እዩ። አንተኾነ፡ እዚ ዋጋኡ ንምትማን ዘጽግም ዝተኸፍሎ ናጽነት’ዚ፣ ካብቲ ዋንኡ ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ፣ ኣብ ጽብሑ እዩ ብጉጅለ ህግደፍ ተጨውዩ ተሪፉ። አቲ ሃገር ወኒኑ፡ ዝሓሸ ህይወት ከሕልፍ ተስፋ ዝነበሮ ህዝቢ ኤርትራ ድማ፣ ብኡ ብኡ ናብ ቀጻሊ ድቕድቕ ጸልማት እዩ ኣትዩ። ን27 ዓመታት ድማ፡ እነሆ ህዝቢ ኤርትራ ግዳይ ማእሰርቲ፣ ጭውያ፣ ቅንጸላ፣ ስነ ኣእምራዊ ራዕድን ዳግማይ ስደትን ኮይኑ እዩ ዝነብር ዘሎ። ብሕጽር ዝበለ፡

ኤርትራ ሃገርና ሎሚ ብኣሽሓት ዝቚጸሩ ዜጋታታ ኣብ ብግሃነም-እሳት ዝግለጽ ጎዳጒዲ ተዳጒኖም ዝሳቕዩላ ዘለዉ ሃገር ኮይና እያ ትርከብ ዘላ፣

ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ መዓልታዊ ዕጫኡ፣ ካብ ዕለት ናብ ዕለት፡ “እንታይ’ኮን እወርደኒ፣ አንታይ’ኮን እርኢ፣ እንታይከ እሰምዕ ይኸውን”፣ ኣብ ዝብል ስነ-ኣእምራዊ ጭንቀትን ራዕድን ተዋሒጡ እዩ ኣብ ስቓይ ዝነብር ዘሎ።

ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ ኩሉ ኣድማሳዊ መሰሉ ተገፊፉ፣ ኣብ ፍርሕን ጭንቀትን ራዕድን ተሸሚሙ፣ ፍትሕን ፍርድን ስኢኑ፣ ኣብ ትሕቲ ኢሰብኣዊ ዝኾነ ህይወት ይነብር ኣሎ፣

ኤርትራዊ ወላዲ ሎሚ ናይ ውላዱ መሰል ተመንዚዑ፣ ኣላዪ ስኢኑ፡ ወላድ መኻን ኮይኑ እዩ መሪር ሕሰም ዝኸበቦ ህይወት ዘሕልፍ ዘሎ፡

ኤርትራዊ መንእሰይ ክመሃርን፣ ስድርኡ ክሕብሕብን፡ ተመርዕዩ ክወልድን ክፈርን ዝነበሮ፣ ኣብ ደረት ይኹን ትርጉም ኣልቦ ዝኾነ ጊላዊ ዕስክርና ተቖሪኑ፣ ኣገልጋሊ ጀነራላት ህግደፍ ኮይኑ እዩ ዝሳቐ ዘሎ፣ እቲ ዕድልን ዓቕምን ዝረኸበ ድማ፣ “ካብ ኣብ ትሕቲ ህግደፍ ኮንካ ምስቓይን፣ ንሂወትካ ኣብ ኢድካ ሒዝካ ምንባርን፣ ዝረኸበ ይርከበኒ፣ ካብዚ ዘለኹዎ ህይወት ዝኸፍእ የሎን፣ ካብ ተኾርሚኻ ምሟት፣ አናጎየኻ ምሟት ይሓይሽ” ኣብ ዝብል ናይ ዓቕሊ ጽበት ምርጫ ኣትዩ፡ ነታ ዝፈትዋን ብዙሕ ዋጋ ዝኸፈለላን ሃገሩ ራሕሪሑ፣ ናብ መወዳእታ ኣልቦ ስደታዊ ፍልሰት ተሳጢሑ እዩ ዝጠፍእ ዘሎ።

እዚ ድማ መግለጺ ሕሰም ናይ ሕሰም እምበር፡ ፍታሕ ዘምጽእ ምርጫ’’ውን ኣይኮነን፣  ከመይሲ፣ እኳደኣ ብቐጻሊግዳይ ምድረበዳውን ማያውን ስቓይን ሞትን ኮይኑ እዩ ዝጠፍእ ዘሎ፣ ከም ኣብነት ናይዚ፡ ንተረኽቦ ላምፓዱዛ ምዝካር እኹል ምስክር እዩ። 

ኤርትራዊት ኣደ ሎሚ ሬሳ ውላዳ ስኢና፣ ንቡር ተሓሪማዋ፡ ክትነብዕ እያ ትውዕልን ትሓደርን ዘላ።

 

ኩቡራትን ኩቡራንን!

እሞ ኤርትራ ሃገርና ሎሚ፣ ድሕሪ 27 ዓመታት ናይ ናጽነት ዕድመ፣ ብሰንኪ ባርባራዊ መግዛእቲ ጉጅለ ህግደፍ፣ ኣብዚ ልዒሉ ዝተጠቕሰ ናይ ጸልማት ጸልማት ኣትያ፣ ካብ ዓለም ተነጺላ፣ ከም ሓንቲ “መሳቐይትን በላዒትን” ህዝባ ኮይና ኣብ ትንበበሉ ዘላ እዋን፣ ንመን ዝምልከትን ብመን ዝተወከለን እዩ እዚ ኩሉ ዝውጠየሉ ዘሎ “ሰላም”፧  

 

ኣረምየናዊ ስርዓት ህግደፍ፣ ኣብ ኩሉ ወፍርታቱ፣ ንኤርትራዊ ዜጋ፣ ነቲ “ኤርትራዊ” ዝብል ኒሑን መንነቱን ብምቕታል፣ ከምቲ ክንሪኦ ዝቐነና፣ ንሃገርና ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ኣውሪዱ፣ ንውልቀ ዝናኡ ክጣልዓላ መሪሕ ዕላምኡ ገይሩ እዩ ክሰርሓሉ ጸኒሑ። ነዚ ንምዕዋት ድማ ንመንእሰያት ኤርትራ፡ እቲ ብዕድሜኦም ደረጃ ኣብ ምህናጽ ሃገሮም ክጻወትዎ ዝነበሮም ሃገራዊ ግደን ኒሕን ዘዳኽምን ዘብኩርን ህግደፋዊ ግፍዕታት ተጠቒሙ ስለ ዘማሰኖም፣ ሃገር ገዲፎም ኣብ ስደት ኣብ ዝነብርሉ ዘለዉ እዋን’ውን ከይተረፈ፣ ናብ ምጥርጣርን፣ ዘይምትእምማንን ዝገዝኦ፡ ፖለቲካውን ማሕበራውን ሁመት ከም ዝሳጥሑ ገይርዎም ይርከብ። እዚ ከምዚ ዝኣምሰለ፣ ህዝቢ ኤርትራ ንምጽናት ዝዓለመ፡ ርኹስ ተግባር ድማ፣ እቲ ናይ ንጕሆ ዕላማ ጉጅለ ህግደፍ ምዃኑ ብሩህ እዩ። እዚ ድማ ካብ ሜዳ ጀሚሩ ሒዝዎ ዝጉዓዝ ዝነበረ እከይ ተግባር እዩ። ጉጅለ ህግደፍ ብባህርያቱ፣ ብህዝቡ ዝቐንእ ሓሳድ ስርዓት ኮይኑ፣ ህዝቢ ኤርትራ ተደሪሩ ከይሓድር ዝቃለስ ጉጀለ እዩ። ነዚ ዘግብሮ ድማ፣ ካብ ንጒሆኡ ብደም ህዝቢ ዝተሓጽባ ኣእዳው ስለ ዝውንን፣ እሞ ብነብሱ ስለ ዘይትኣማመን እዩ። ከምዚ ዝመስል ስርዓት እምበኣር ብፍጹም ንረብሓ ሃገርን ህዝብን ዘገልግል ሰላም ክውክል እዩ ኢልካ ምሕሳብ፣ ፖለቲካዊ ዕሽነት እዩ ካብ ምባል ሓሊፉ፣ ካልእ መግለጺ ክወሃቦ ኣይክእልን እዩ፡፡ 

 

ኩቡራትን ክቡራንን ተሳተፍቲ ፈስቲቫል ካስል – ስቶክሆልም፣

 

እሞ ውሽጣዊ ኩነታት ኤርትራ ከምዚ ኣቐዲሙ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ክነሱ፣ ፕራይ ሚኒስተር (ፕ.ሚ.) ሃገረ ኢትዮጵያ፣ ዶ. ኣቢይ፣ ብኸመይን ንመንን ዝምልከት ሰላም ከረጋግጽ እዩ፣ ኣብ ኣስመራ ይኹን ኣብ ኣ. ኣበባ፡ ምስቲ ንህዝቢ ኤርትራ ዘጽንት ዘሎ ውልቀ-ሰብ፣ ናይ ሰላም ውዕል ክፈራረም ዝቐነየ፧

ሰላም ከም ኣምር ኩሉ ዝጽውዖን ዝቕበሎን ኩቡር ነገር እዩ፣ ግን ንመን ዝምልከትን ብመን ዝውከልን፣ ንረብሓ መን ዝውዕልን ሰላም እዩ እዚ ኩሉ ዝዝመረሉ ዘሎ፧

“ሰላም” ኣብ መንጎ ክልተ ሃገራት፣ ብህዝቢ ዝግለጽ እምበር፣ ብውልቀ-ሰብ ወይ ብጉጅለ ዝግለጽ ኣምር ከም ዘይኮነ ፕ.ሚ. ኢትዮጵያ ይስሕቶ እዩ ኣይብልን። ከምኡ’ውን፣ ኢሳያስ ሃገር ብኣፍ ሙዝ ዝመርሕ ዘሎን፣ ንርእሱ “ፕረሲደንት” ኢሉ ዝሰየመን ኣምባገነናዊ ስርዓት ምዃኑ ዶ. ኣብይ ይስሕቶ እዩ ኣይብልን፣ ከመይሲ እዚ ዓለም ዝፈልጦ ሓቂ ስለ ዝኾነ። እቲ ንሃገር ከም ኣቕሓ ክሸጣ ዘይሓፍር ዲክታቶር ኢሳያስ፣ ንመራሒ ናይ ኢትዮጵያ “መራሒ ሃገረ ኤርትራ” ክኸውን፣ “ንስኻ ኢኻ መራሒና” ብማለት ክሸሞ ርኢና። እዚ ግን ናይ ጥዑይ ሓንጎል ዘሎዎ ሰብ ኣበሃህላ ከም ዘይኮነ ዶ. ኣብይ ኮነ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብቐጻሊ ይስሕትዎ እዮም ኣይብልን።

 

እምበኣርከስ፣ ናይ ዶ. ኣብይ ናይ ሰላም ተልእኾ/ ሚሽን/፣ ከም ተበግሶ እኳ ብሩኽን ንረብሓ ክልተ ህዝቢ ከገልገል ዝኽእልን እንተኾነ፣ ብተግባር ግን ምስ መን ይገብሮ ከም ዘሎ ዳግማይ ክሓስበሉ ይጥለብ። ከመይሲ፣ እታ ኣብ ዝሓለፈ 27 ዓመታት 3 መራሕቲ-ሃገር ዝቐየረትን፣ ብናይ ህዝቢ ተሳታፍነት እትምራሕን ኢትዮጵያ፣ ምስ ንህዝቡ ጨፍሊቑ ብኹርማጅ ዝመርሕ ዘሎ፣ እሞ ትማሊ ካልእ ክብል ጸኒሑ፣ ሎሚ ብ24 ሰዓት 360 ዲግሪ ብምጥዋይ፣ ናይ ሓሶት ካባ ሰላም ለቢሱ፡ ዝገብሮ ዘሎ ን”ሰላም” ዝምልከት ውዑላት፣ ጽባሕ ንጒሆ ንህዝቢ ኤርትራ ቀያዲ እዩ ዝብል እምነት እንተደኣ ኣለዎ ኮይኑ፣ ይጋገ ኣሎ በሃሊ እየ። ዶ. ኣብይ ነዚ ዳግማይ ክሓስበሉን፣ ኩሉ ዝገብሮ ውዕላት ድማ፣ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ዝኸውን ጥራሕ ሕጋውነትን ህዝባውነትን ዝሕልዎ ክግንዘብ ይጥለብ፡፡ ከመይሲ፣ ምስ ጸረ ህዝቡ ዝኾነን፣ ምስ ህዝቡ ዘይተዓርቀን፣ ብኣንጻሩ ንኣሽሓት ደቂ ሃገር ገና ኣብ ጎዳጉዲ ዳጒኑ ዘማስን ዘሎ ሕጊ-ኣልቦ መላኺ ጉጅለ ዝግበር “ዕርቂ” ወይ “ውዕል”፣ ዝከላኸለሉ ኤርትራዊ ቅዋም ክሳብ ዘይብሉ፣ ፈጺሙ ንህዝቢ ኤርትራ ክውክል ወይ ክቕይድ ከም ዘይክእል ዶ. ኣብይ ይኹን ህዝቢ ኢትዮጵያ ክግንዘቦ ዝግባኦ ሕጋውን ፖለቲካውን ግዴታ እዩ።

 

ኩቡራትን ኩቡራንን!

  1. ኣብ መደምደምታ ክጠቕሶ ዝደሊ ድማ፣ (ዋላኳ ቀጥታ ምስ ኣርእስተይ ዝተተሓሓዘ እንተዘይኮነ) ጉዳይ ናይተን ነዚ ልዕሉ ዝተጠቕሰ ኩነታት ህዝብና ብምግንዛብ፣ “ንሕና ኣካል መድሕን ሃገርን ህዝብን ኤርትራ ክንከውን ኢና’’ ብማለት ኣብ ደንበ ተቓውሞ እንርከብ ውድባትን ማሕበራትን ዝምልከት እዩ።

ኣብዚ ከልዕሎ ዝደሊ ሕቶ ድማ፡ ንኣተሃላልዋናን፧ ሳዕቤናቱን፧ ዝምልከት እዩ፡ 

 

እዚ ዘለናዮ ኣተሃላልዋ ይኹን ኣወዳድባ ብግዜ ዝተቐደመ ኣወዳድባ አዩ። ነዚ ዘረጋግጽልና ድማ፣ እዚ ኣተሃላልዋ’ዚ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መድረኽ ዝኽሰት ዘሎ ተርእዮታት፣ ከመክትስ ይትረፍ፣ ሓባራዊ ሚዛን ክህልወና’ውን ዘብቅዕ ከም ዘይኮነ እዩ። ኩልና ተቓልስቲ ንፍትሒ፣ ካብ ፖለቲካዊ ውድብ ክሳብ ሲቪካዊ ማሕበራት፣ እቲ ኣብ ስደት ንኽንነብርን ናይ ስደት ቃልሲ ከነካይድን ዝገደደና ኩነታት፣ እቲ ህዝባዊ ዕላማ፣ ማለት ፍትሕን ዲሞክራስን ኣብ ሃገርና ስለ ዘይተረጋገጸ እዩ። እዚ ኣብ መሬት ኤርትራ ክሳብ ዘይተረጋገጸ ድማ፣ ንምርግጋጹ ክቃልለስ መሪጽና ንርከብ። እንተኾነ ኣብዚ ክንግዘቦ ዝግብኣና ግን፣ ዘለናዮ ፖለቲካዊ ኣተሃላልዋ፣ ንሕልምታትናን ዕላማታትናን ንምምላሽ ዘብቅዕ ስርርዕ ከም ዘይኮነ እዩ፣ ብኣንጻር ናይዚ ድማ፣ ዘለናዮ ኣተሃላልዋ፣ ንዓና ንኽንዳኸም፣ ህግደፍ ድማ ንኽጉብልል ዘገልግል ኣተሃላልዋ ምዃኑ ክንግንዘብ የድሊ ኣሎ።

 

ንድሕሪት ተመሊስና ነተን 27  ናይ ናጽነት ዝበሃላ ዝሓለፋ ዓመታት ምስ እንመዝን፣ ንሕና ብውድባት ኮነ ሲቪክ ማሕበራት፣ ካብ ድኽመት ናብ ዝገደደ ድኽመት ኢና ክንጉዓዝ ጸኒሕና። እዚ ዝተባህለ እዋን ውድባትን ማሕበራትን ኣብ ምርባሕ ኢና የሕሊፍናዮ እንተበልሉ ምግናን ኮይኑ ኣይስምዓንን። ብሕጽር ዝበለ ድማ፣ ዝኾነ ውድብ ኮነ ማሕበር ካብዚ ኣተሃላልዋ’ዚ ረቢሐ ዝብል እንተሎ፣ ወይ ዕላምኡ ዝዘንግዐ እዩ፣ ወይ ድማ እናፈለጠ ግንከ ንሓቂ ከይርኢ ዓይኑ ዝዓመተ እዩ ምባል ዘድፍር እዩ። እቲ ሓቂ እዚ ኮይኑ፣ እቲ ዘተሓሳስብ ድማ፣ ነቲ እናሻዕ እንኣምነሉን እንዛረበሉን ድኽመታት ብተግባር ክንምሃረሉን ክንእርሞን ዘይምብቃዕና እዩ።

 

ኩቡራትን ኩቡራንን ተሳተፍቲ ፈስቲቫል ካስል-ስቶክሆልም፣

 

ሓደ ኣበሃህላ ኣሎ፣ “እታ ክትነብራ እትደሊ ህይወት፡ ባዕልኻ ጥራሕ ኢኻ ፈጥራ” ይብል፣

 

ንኣተሃላልዋናን መዓልታዊ ህይወትናን ምስ እንመዝን፣ ኩልና ኣብ ስደት ተጓሒፍና፡ ናይ ሃገርና ጓኖት ኮንና ንነበር ኣለና። ካብዚ ዘለናዮ ብቱን ኣተሃላልዋ ድማ፣ ንህዝብና ይኹን ንዓና ዝረባሕናሉ ነገር ፍጹም የለን። ብወገነይ ግን፣ ከምቲ ኣብ ዋጋ ናይ ኣሽሓት ህይወት፡ “ኣይከሰርናን” ዝበሎ ከዳዕ ኢሳያስ ዘይኮነስ፣ ንሕናስ ብኣተሃላልዋና ጥራሕ ብዙሕ ከሲርና ኢና በሃላይ እየ። እዚ ድማ ባዕልና ዝፈጠርናዮ ህይወት እዩ ክብል እደፍር።

 

ኩቡራንን ኩቡራትን፡

ብዝወሓደ ብሃገርን ህዝብን ዝዛረብ፣ ብዓለም ደረጃ ኣቓልቦ ክረክብ ዝጽዕር ኣፈኛ፣ “ሃገራዊ ባይቶ” ከነረጋግጽ ዘይምኽኣልና፣ እቲ ዝዓበየ ክሳራና እዩ በሃሊ እየ። ስለዚ ድማ፣ ንሕና ነቲ እዚ ዘለናዮ መድረኽ ዘቕርበልና ዘሎ ጠለባት/ብድሆታት ንምግጣም ዘበቅዕ ኣተሃላልዋ ዘይምውናና፣ ኣብ ጉዳይና ተጎሰስቲ እምበር፡ ቀለስቲ ክንከውን ፍጹም ኣይበቓዕናን። እዚ ዘለናዮ “ዝሩግ” ኣተሃላልዋ ድማ፣ ንህግደፍ ናይ ተስፋ ስንቂ ክኾኖ ከሎ፣ ብኣንጻር ናይ’ዚ ድማ፣ ንንያት ናይ መንእሰያትና ብፍላይ፣ ናይ ህዝብና ድማ ብጠቕላላ ዝሰብር እዩ። ስርዓት ኢትዮጵያ ምስ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ብዛዕባ “ሰላም” ክዋሳእ ምምራጹ ድማ፣ ንሕና ዝሃብናዮ ዕድልን፣ ዝኸሰርናዮ ባይታን እዩ ክብል እደፍር። ትጽቢትን ስቓይን መንእሰያትና ብፍላይ፡ ናይ ህዝብና ድማ ብሓፈሻ ከነዳምጽ ክሳብ ዘበቓዕናን፣ “ሃገርን ህዝብን ልዕሊ ውድብ” ምዃኑ ብተግባር ክሳብ ዘይኣመናን ድማ ኣብ ጽልግልግ ክንነብር ኢና። ማለት ውድብ መሳርሒ እምበር ዕላማ ዘይምዃኑ፣ ብኣንጻሩ፣ ዕላማና ህዝብን ሃገርን ምድሓን ምዃኑ፣ ውደባ ድማ ንዕላማና ንምዕዋት እንግልገለሉ መሳርሒ ምዃኑ፣ መሳርሕታትና ድማ ምስ መድረኽን ዓይነት አቲ ክፍታሕ ዘለዎ ግርጭታትን ዘይውሕሃድ ምስ ዝኸውን፣ ንሕና ኣብ ድንግርግር ክነብር እምበር፡ ፍታሕ ከነምጽእ ከም ዘይንበቅዕ ክንግንዘብ መድረኽ ይሓተና ኣሎ። ሕቶ ባይቶ/ጽላል/ ኮታ ዝኾነ ስም ይሃልዎ ብዘየገስ፣ ግናኸ፣ ሓቢርና ክንሰርሓሉ እንኽእል ፖለቲካዊ ስርርዓዊ ቅርጺ/ ፎርሙላ/ ክሳብ ዘይወነንና ድማ፣ ንሕና ኣብ ጉዳይና ኣካል ናይቲ ጸገም/ሽግር እምበር፣ ኣካል ናይቲ ፍታሕ ክንከውን ፍጹም ኣይክንበቅዕን ኢና። ስለዚ፣ ንግዜ ከነርክቦን፡ ንዝመጸና ዘሎ መድረኻዊ ብድሆታት መኪትና፣ ንሃገርናን ህዝብናን ከነድሕን እንተኾንንና፣ ቅኑዕ መሳርሒ ንፍጠር፣ ቅኑዕ ዕጥቂ ንዕጠቕ፣ ብማለት ክድምድም እደሊ፡፡  

 

ዓወት ንፍትሓዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ!

ዕንወት ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ!

ኽብርን ዝኽርን ንጀጋኑ ሰማእታትና!!

 

ጺን ኢልኩም ስለ ዝሰማዕኩሙኒ አምውስግን – የቐንየለይ።

 

21.07.2018

Short URL: https://english.farajat.net/?p=11153

Posted by on Sep 17 2018 Filed under Articles, Documents. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net