ዎር ድ ኦ ርድ ኦ ኣባይ ሃላ ዲብ ዓድና : ርዳእ ርዳእ ርጉም ስብ ኣሎ ኣብ ሃገርና

ብፍስሓ ናይር

 

“ኣብ ናይ ሎሚ ሓተታይ፣ ዎ ርድ ኦ ርድ ኦ ኣባይ ሃላ ዲብ ዓድና ብዝብል ኣርእስቲ ንህልዊ ኩነታት ሕዝብናን ሃገርናን ከምኡ ድማ ዞባ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝካየድ ዘሎ ናይ ሕዝብታት ብርሰት ብውለቀ መላኺ ኢሳያስን ብፓስቶር ኣቢዩ ኣሕመድ ዝካየድ ዘሎ ናይ ሓሶት ሰላምን ፍቅርን ኣብ ትሕቲ ጭርሖ ንደመር”

በታ ኣብ ስ ሳታት ኣብ ምዕራባውን ምስራቃውን መታሕት ኤርትራ ግዜ ሃጸይ ሃይለ ስላሰ ዓድታት ከጥፍ እ ከሎ ዝድረፍ ዝነበረ ንምዝካር ኢዩ ከም ኣርኣስተይ መሪጸያ፣ ሎሚ ልክዕ ልጅ ኢሳያስ ወዲ ኣፎም ይደግሞ ስለዘሎ፣ ዎ ር ድ ኦ ርድ ኦ እናበልኩ መጀመርያ ንምሉእ ሕዝቢ ኤርትራ ንኽልዓል ኢለ ኢየ ኣስፊረያ።

 

እቲ ሒዞም ዘለዉ ናቶም ዘይኮነስ ካብ ናይ ዘመና ሓያላን ሃገራት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን፣ሓድነት ኤውሮጳን ዝተኣልመን ዝተሃንደሰን፣ከምኡ ድማ ብመስፍናውያን ስርዓታት ሃገራት ኸሊጅ ዝምወል ዕላማኡ ንሕዝብታት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘይኮነስ፣ ንጥቅሚ እተን መወልቲ ብምሕዝነት ሱዑዲ ዓረብን ኤሚራትን ዝካየድ ዘሎ ናይ ሕዝቢ ምጽናት ውግእ ኣብ የመን ነዚ ገርሂ ልቡ ሕዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ናብዚ ውግእዚ ንምእታው ኢዩ፣ ብዛዕባዚ ሓቅነቱ ንምፍላጥ መጽናዕታዊ ጽሑፋት ኣለክስ ደዋል ርኤ( see the studies of Alex De Waal) ኣለክስ ደዋል ብዙሕ ግዜ ኣብ ኣፍሪቃ ውድድር ኣብ መንጎ ቺናን ኣመሪካን ፣ንሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ መቃቂልካ ሓዝ ኣብ ዝብል ቀርኒ ኣፍሪቃ ድማ ከም ስትራተጂካዊ መእተዊ ናብ ውሽጢ ሃገራት ንምእታው በቶም ስሱዓት መራሕቶም ገርካ ንሰብኣውን መረታውን ምንጭታት ሃገራት ኣፍሪቃ ጓሕጊሕካ ንምውራር ኢዩ። ኢስያስ ድማ ኣብ ከምዚ ናይ ሕዝቡ ብርሰት መጀመር ያኡ ኣይኮነን ዝሓቶ ሰብ እውን ክሳብ ሕጂ  ኣብዛ ንፈልጣ ኤርትራ ኣይተወልደን ዘሎ፡፤  ክልቲ ኦም መራሕቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ትማሊ ኣብ ኢማራት ናይ ሰላም ሽልማት ሎሚ ድማ ናይ ሰላምን ካልእ  ወዕልታት ምስ ምሕዝነት ሱዑድያ ናይ ሰላም ሽልማት ፣ ጸኒሖም ድማ ኣብ ኣመሪካን ኤውሮጳን ናይ ሰላም ሽልማት ክቅበሉ ይጽበዩ ኣለዉ።

 

እዞም ናይ ሰላም ሽልማት ዝህቡ ዘለዉ መራሕቲ ሃገራት ኽሊጅ ኣብ ውሽጦም ምስ ሕዝቦም ሰላም ዘይብሎም ይመስለኩምዶ ንኣና ኣፍሪቃውያን ሰላም ዝደልዩ፣ እቲ ኣብ የመን ዝካየድ ዘሎ ኩናት ናይ ህዝቢ የመን ኣይኮነን እንታይ ድኣ ብሱ ዑድያን ኤሚራትን ተመዊሉ ናይተን ሃያላን መንግስታት ኣብ መንጎ ኢራንን መሓዙታን ኢዩ፣ እዚ ናይ ብርሰት ውግ እ ከይዱ ከይዱ ኣብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ መጀመርያ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተሳጊሩ ሃይማኖታዊ ብሔራውን መንነታ ዝሕዘ ውግ እ ሓድሓድ ኣብዚ ቀረባ እዋን ክጅመር ምዃኑ ብዙሓት ተመራመርቲ ግርጭታት ዓለም ይገልጹ ኣለዉ፡፤ ድሮ እኳ ኣብ ኢትዮጵያ ጀሚሩ ኣሎ፣ከይዱ ከይዱ ናይ ሱ ዑድያ ምሕዝነት ኣብ ኣሕላቂ ዝኾነ ሃይማኖታዊ ውግ ኣት ነዚሕዝብታት ከናቊት ምዃኑ………………. ኣብ ጭብጥታት ዝተመርኰሰ መቀጸልታ……….ናይዚ ሓታተ ክቕጽሎ ኢየ……………………………..

 

ይቅጽል………………………

 

 

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=11156

Posted by on Sep 19 2018 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net