ግሁድ ጽልኢ ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ልዕሊ ምሕደራ ህግዲፍ

ዜናን ሓበሬታን

ሰዲህኤ

 

ብዕለት 8 ሓምለ 2018 ኣብ፡ እቲ ኣይከሰርናን ፡ ህዝቢ ኤርትራ መሰሉ ስለ ዝኾነ ብሙሉእ ድሌቱ ንሰላም ሓጎሱ ክገልጽ ኣብ ጎደናታት ወጺኡ ዝተባህለሉ ምሸት ኣዳራሽ ኣስመራ ንስለምንታይ ከም ዝተባህለ ኩሉ ይፈልጥ’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ከም ዓለሙ ሰላም ይደሊ፡ መስተርሆት ይደሊ፡ እንተኾነ እቲ ደላይ ሰላም ዝኾነ ህዝብና ንመሰሉን ሰላምን ባዕሉ ደኣ’ምበር ኣፍ ከም ዘይብሉ፡ በቶም ኣብ ልዕሊኡ ን27 ዓመት ኣይትዛረብ፡ ኣትሕሰብ፡ ኣይትሕተት ክብሉዎ ዝጸንሑ መራሕቲ ህግዲፍ ሕጂ’ውን ንተረድኦ ስምዒት ሰላሙን መሰሉ ኣፉ ሓቲሞም ባዕሎም ክዛረብሉ ፈጺሙ ዘይግባእ’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ንመስርሕ ሰላም ክግድፍ ግድነት’ዩ። መጀመሪያ ደላይ ሰላም ስለ ዝኾነ፡ ካልኣይ ኣብ ትሕቲ ህግዲፍ ክሳብ ዝሃለወ ንዝኾነ ዓይነት ሰላም ይፍቶ ይጽላእ ዘይተሳተፎ መስርሕ ሰላም ክቅበል ግዱድ እዩ። ምእንቲ’ዚ ኣብ ክንዲ ባዕሉ ዝዛረብ እቶም ንሕና ዝሕሸካ ንፈልጠልካ፡ ንውስነልካ ዝብልዎ ከም ቀደሞም ንዘይሃብዎ መሰል ሙሉእ መሰሉ ኣልዎ፡ ንዘየለ ሰላም ብሰላም ተሓጉሱ ክብሉ ትጽበዮ ጉዳይ’ዩ።

ወከልቲ መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ኣብ ወጻኢ ህዝቢ ኣኪቦም ገና እቲ ምድንጋራት ዘይቅኑዕ ሓበሬታ ጠውዮም ጠዋውዮም ኣብ’ቲ ብሓትነት ስልጣኖም ዝውግን ዕላማ ክመርሕዎ ይረኣዩ። ገገለ ክኽውልዎ ዝኸኣሉ ጉዳያት ክሳብ ግዜኡ ብዝደለይዎ ገይሮም ከቅርብዎ ኪኢሎም’ዮም። ካልእ እቲ ኣብ መንጎ ክልተ መንግስታት ዝተገብረ ስምምዕ ብሬድዮን ቲቪ ኢትዮጵያ ዝሰምዕዎ ህግዲፋዋያን ስለምንታይ ዝብሉ ሕቶታት ቀሪብሉ ክምልስ እንከሎ፡ ህግዲፍ ቅድም ህግሓኤ ካብ ሜዳ ኣትሒዙ ስቕ እዩ ዝመርጽ፡ ካብ ምዝራብ ከኣ ኣብ ስራሕ ስለ ዝኣምን ኩሉ ምስ ሰርሖ’ዩ ዝዛረብ ዝብል መልሲ ተዋሂብሉ። እዚ ከኣ ኩሉ ዝግበር ዘሎ ቅድድም ምስ ግዜ ምድንጋራት ጌጋ ሓበሬታ ኣብ’ቲ ዝደለይዎ ዕላማ ምስ በጽሐ፡ መብጽዓታት ምስ ተጠልመ’ዩ ዝንገረኩም ዝመስል’ዩ እቲ ዘረባ።

ኣብ ዝርገሐ ዜናን ሓበሬታን ኤርትራን ኢትዮጵያን ብባህሊ ስለ ዝፈላለ ልክዕ ክንቅይሮ ዘለና ጉዳይ ክንቅይሮ ከም ዘልና ዝሕብር ምልክታት ኣሎ ክብል ዝተኣመነሉ፡ ብዛዕባ ትሕተ ቅርጻ፡ ኣብ ህንጸት መራኸቢታት’ውን ከምኡ ብሕጂ ክስራሕ በለ፡ ወይ ጉዳ እዚ 27 ዓመታት ሃገርና ትህነጽ ኣላ ዝበሃል ዝነበረ ደኣ ሎሚ እንታይ ተረኺቡ ? እወ ነቲ ክኽውልዎ ዝኸኣሉ ብምስጢር’ኳ እንተሓዝዎስ እንተሓብእዎን ግዜ ንኩሉ ከውጽኦ’ዩ። ነቲ ክሓብእዎ ዘይከኣሉ ግን ግድነት ምኽንያታት ከቅርብሉ ተራእዮም።

ህግዲፍ ህዝባዊ ናዕቢ ነውኒዉ ከይስንድዎ ብዘለዎ ፍርሒ፡ ከም’ቲ ልዕል ክብል ዝተገልጸ ገገለ ዝተፈጸመ ጌጋታትን፡ ዘይነበረ ስርሒታት ወይ ተሰሪሑ ዶ ተፈጺሙ ዝበሃል ዝነበረ ባዶ ከም ዝነበረ ዝገልጽ፡ ሎሚ ኣብ ኤውሮጳን ኣሜሪካን ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ኣኼባታት ህግዲፍ ባዕሉ ዝተኣመነሉ ጉዳያት ብዙሕ’ዩ። እወ ሕጂ’ውን ከም ቀደም ክሳብ ዝደልዎም፡ እወ ጉድለታት ኣሎ፡ ከም ሰባት ንጋገ’ና፡ ሕጂ ቅዋም ዶ ምርጫ ክንገብር’ና መንግስትና ይሰርሓሉ ኣሎ እንዳበለ ዘይቅኑዕ ሓበሬታ ይቅጽል ኣሎ።

ህዝብና ግን ብሰንኪ ምልካዊ ኣተሓህዛ ህግዲፍ ሓይሊ ስኢኑ’ምበር፡ ምስ’ቲ ስርዓት ተባቲኹ’ዩ። ኣብ ልዕሊ ህግዲፍ እምነት ዝበሃል ከም ዘይብሉ ይገልጽ ኣሎ። እንሆ ከም’ቲ ሓደ ኣብ ገጻት መራኸቢ ብዙሓት ዝበሎ ፡ ”ኤርትራ ክልተ ዓበይቲ ወዳባት እንከለዋ ህዝባ ካብ’ታ ብወደብ ጂቡቲ ትናበር ሃገር ኢትዮጵያ ብፍላይ ካብ ትግራይ ክሽምት ክትርኢ ኣዝዩ ዘሕፍርን ዘሕዝንን’ዩ ዝበሎ” ህግዲፍ ክኽውሎ ዘይክእል እዩ።

ኣብ’ቲ ብዕለት 10-11 መስከረም 2018 ድሕሪ 20 ዓመታት ህዝቢ ንህዝቢ ዝተኻየደ ርክብ ዛላምበሳ ማዕረ ክንደይ መንእሰይ ክሳተፍ ኢሉ ምስ ከደ ክሳብ ሕጂ ንኤርትራ ዘይምምላሱ ክቱር ጽልኢ ምሕደራ ምልካዊ ስርዓት ከም ዘለዎ ምስክርነት’ዩ። ካብ’ቲ ኢትዮጵያውያን ብደገ ኮይኖም ክሰምዕዎ ዝጸንሑ፡ መንእሰይ ብኣስገዳድ ከም ዝዕስከርን፡ ኣብ ልምዓት ከም ዝወፍርን ብእዝኖም ይሰምዖዎን ይገርሞምን ኣሎ።

ብሓቂ ሰላም እንተኾይኑስ መንእሰይ ሃገሩ ገዲፉ ክወጽእ ከም ዘይመርጽ ርዱእን ፍሉጥን’ዩ። ከም’ቲ ኣቡናት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ኣብ’ቲ ” ሓውኻ ኣበይ ኣሎ” ትብል ታሪኻዊት ጽሕፍቲ ዘስፈርዎን ንስደት መንእሰይ ብዝምልከት ” መንእሰይ ኣብ ሃገሩ ራህዋን ሰላምን እንከለዎ፡ ሰላም ራህዋ ካልኦት ከማዕዱ ኣይክእልን” ዝበልዎ ሓቂ’ዩ። ካብ ትፈትዋ ሃገርካን ስድራ ቤትካን ህዝብኻን ምኽንያት ዘይብሉ ስቕ ኢልካ ኣይክየድን፡ ኣይጥፋእን፡ እንተኾነ ኣብ ዝሓለፈ 15 ዓመታት ካብ ኣብ ዓለም ሃገሮም ገዲፎም ዝተሰደዱ ህዝቢ፡ ኤርትራ ሓንቲ ካብ’ተ ቆዋሚትን ብተደጋጋሚ ትጥቀስ ሃገር ብምዃና ምስ ሕሰምን ግፍዕን ጭቆናን ምሕደራ ህግዲፍ ዝተኣሳሰረ ታሪኻዊ ፖለቲካዊ ጉዳይ’ዩ። ምእንቲ’ዚ ብምኽንያት ሰላም ህዝቢ ንህዝቢ ዝተገብረ ጽምብል ዛላምበሳ ከም ዕድል ተጠቂሞም ነተን ብነጻ ምንቅስቓስ ተፈቒደን ዝነበራ ውሑዳታት መዓልታት ከይተወድኣ፡ መንእሰይ ኤርትራ ካብ’ቲ ዝጸንሖ ሕሱም ፍተሻን፡ እገዳ ምንቅስቓስን ሓራ ንምውጻእ ዶብ ሰጊሩ እንሆ ከተማታት ትግራይ ብመንእሰያት ኣለዕሊቓ ትርከብ።  እዚ ኣሕዛኒ ተርኽቦ ፍልሰት መንእሰይ ኤርትራ ኣብ መጻኢ ዘስዕቦ ሓደጋታት ከኣ ቀሊል ብዘይምዃኑ ህግዲፍ ተሓታቲ’ዩ።

 

ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ስውኣትና

19 መስከረም 2018

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=11166

Posted by on Sep 20 2018 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net