እንዳነብዓ ዝነብራ መራከቢ ብዙሓት ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ፡ ኤረቲቪን፡ድምጺ ሓፋሽን

ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ፍጹም ምልኪ ትምሓደር ሃገር ምዃና ኩሉ ዝሰማማዕሉ’ዩ። ኤርትራ ዝሓለፈ 27 ዓመታት እዝን እትን ዘይትብለሉ ብኩሉ መዕቐኒታት መከራ ሕሰም ናብራ ስደት፡ስቓይ ማእሰርቲ ጭውያ፡ጭቆና ዕፈና፡ምረት ሂወት ጥሜትን ጽምእን፡ግህሰት ሰብኣውነት፡ኮታ ንሓደ ሃገራዊ ኤርትራዊ ዜጋ ብሂወቱ እንከሎ ከጋጥሞ ዝክእል ኩሉ ኣሉታዊ ክውንነት ንሕልምታቱን ተስፋታቱን ቀቢሩ ምስ ፍጹም መላኺ ብጋህዲ ተፋጢጡ ተራኺቡስ ሂወቱ፡ ሂወት ኣሽሓት መንእሰያት ዜጋታት ዝኸፈለሉ ዋጋ’ዩ።

ኣብ ኤርትራ ዘይቅቡል፡ ዘይልሙድ፡ ከም ቅቡልን ልሙድን ኮይኑ ተወሲዱ፡ ሎሚ ሰብ ዝተኣሰረ፡ ብጻዩ ጽባሕ ክእሰርን ክጭወይን ምዃኑ ዝፍለጠሉን፡ ግዳያት ምልካዊ ስርዓት ዝኾኑ ባእታታት ወይ ንደሞክራስን ፍትሕን ጠጠው ዝበሉ ንኽእሰሩ ግዜኦም ዝጽበዩን፡ ምስ ስድራ ቤቶም ዝማኸሩን፡ ብድሕሪኦም ክርከብ ዝኽእል ሽግር ብዓቕሊ ተጸዋርነት ክኸዱ ዘጸናንዑን ዝነብሩላ ደቂ ሃገር ዜጋታት’ያ። ወላዲ ንውሉዱ ወፊሩ ክኣቱ እንታይ ኮን ይረኽቦ ብዝብል ሻቕሎት ድቓስ ስኢኖም ሰለም ከይበሉ ዝሓድሩርሉ ለይቲ 27×365 እዩ። እዚ ከኣ ኣብ ኤርትራ ስሩዕ ሂወት ዘይብሉ ምልክት ፖለቲካዊ ምሕደራ፡ ማሕበራዊ ፍትሒ መላኺ ስርዓት ህግዲፍ’ዩ።

ጋዜጣ ሓደስ ኤርትራ ንብል፡ ኤረቲቪ ንብል፡ ድምጺ ሓፋሽ ንብል፡ ነንብብ ንርኢ ንሰምዕ ከኣ፡ ብድሕሪ’ዚ ኩሉ ዝንበብን ዝረአን ዝስማዕን ግን ዓብይ ሃገራዊ ጉዳይ ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ዝካየደሉ ዘሎ ፖለቲካዊ፡ ዲፕሎማሲያዊ፡ ህዝባዊ ድራማን ትያትርን ምዃኑ ይትረፍ ደለይቲ ፍትሒ ብቀረባን ርሑቕን ንምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ዝድግፉን ዝስዑቡን ኣጸቢቆም ዝፈልጥዎ’ዩ። ካልእ ብድሕሪ እዚ መጋራጃ ዘሎ ዝዋሳእ ጋዜጠኛ ኣሎ። እዞም ጋዜጠኛታት ተገዲዶም እንተዘይኮይኖምስ ብዛዕባ ኩሉ ዝብልዎ 90% (ተስዓ ሚእታዊ) ዘይኣምንሉን ንባዕሎም ግዳይ ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ዝኾኑ ዜጋታት ምዃኖም ዕድል ረኺቦም ኣብ ነጻ መድረኽ ዝበለዎ ክንደይ ተሰሚዑን ተዘሪብሉን’ዩ። ብዓብዩ’ኳ ሂወቶም ንመስዋእቲ በጅዮም ኣንጻር ምልኪ ኣይፋልናን ዝበሉ ነባር ተጋዳላይ ሚኒተር ዜና በራኺ ገብረስላሴ፡ ኣብ ትሕቲ ሕቍፎ ህግዲፍ ዝዓበየ መንእሰይ ሚኒትሪ ዜና ኤርትራ ዓሊ ዓብዱ ብቀረባ ነዚ ትካል ዘመሓድሩ ከም ውጽኢት ፖለቲካዊ ምሕደራ ዝበጽሖም ዕጫ ኩሉ ኤርትራዊ ርእዩ ሰሚዑ ፈሊጡ’ዩ። ድሕሪ’ዚ ክመጽእ ዝኽእል ንምልካዊ ስርዓት ክገልጽ ዝኽእል ምስክርነት ክህሉ ኣይክእልን። እዚ ሓተታ’ውን ህዝቢ ንምዝካር እንተዘይኮይኑስ፡ ልዕሊ’ቶም ኣብ ውዑይ ቲዕቲዕ ዝብል ዘይቲ ስቓይ ምሕደራ ህግዲፍ ዝሓለፉ ምስክር ክኸውን ኣይክእልን። እዚ ፍሉይ ኣስማት ተጠቒሱ ዘሎ ንኩሎም’ቶም ኣብ ትሒትኦም ዝነበሩ ሂወቶም ዝኸፈሉን ኣብ ስደት ዝርከቡ ህቡባት ጋዜጠኛታት ሬድዮን፡ቲቪን።ጋዜጣን ኤርትራ ባእታታት ብምርሳዕ ኣይኮነን።

እምበኣር ኣብ’ዚ ዝሓለፈ እዋን እዘን ኣብ ላዕሊ ኣርእስቲ ተጠቒሰን ዘለዎ ትካላት መራኺቢ ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ 27 ዓመት ብዛዕባ ካልኦት ሃገራት ሽግርን መከራን እምበር ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጸገማት፡ ኣብ ፖለቲካዊ ምሕደራ፡ ማሕበራዊ ፍትሒ፡ ማሕበራዊ ሂወት ተዛሪበን ኣይፈልጣን። እንተተዛረባ ከኣ ብምስምስ ኣንጻር ዘየሎ ሃገራውነት፡ ዘየሎ ልምዓት፡ ዘየሎ ሰላም መደባት ዘቅርባ’የን። ይትረፍ ኤርትራዊ ህግዲፋዊ መራኸቢ ትካልስ፡ እቶም ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ተቃውምቲ ተባሂሎም ኣብ ኤርትራ ዓስኪሮም ዝነበሩ ሶማል፡ ኢትዮጵያ፡ሱዳን ብቀረባ ምልካዊ ስርዓት ንመደባቱ ንምዕዋት ብዛዕብ ኤርትራ ይኹን ብዛዕባ’ቲ ካብ ሃገሮም ተሰዲዶም ኣብ ኤርትራ ኮይኖም ዝቃወምዎ ዝነበሩ ስርዓታት እንታይ’ሎም ክዛረቡን ክጽሕፉን ሓበሬታ ክዝርግሑ ከም ዘለዎም ብህግዲፍ ተነዲፉ ዝዋሃቦም መደባት ኣብ ምትግባር ይሰርሑ ከም ዝነበሩ ባዕሎም ዝሃብዎ መረዳእታን ተሞክሮን መርኣያ ዓብይ ምስክርነት’ዩ።

ካብ’ቲ ዝገርም እንተሎ እዘን መራኸቢ ማዕከናት መላኺ ስርዓት ህግዲፍ፡ ዕግበት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ክንዲ በቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝቢ ዝግምገምን ዝምዘንን፡ በቲ ኣብ ስደት ወጻኢ ሃገራት ዘሎ ንውልቓዊ ረብሕኡ ዝተደለለ ብሃውተታ ዝድግፍ ህዝቢ፡ እሞ ከኣ ብጓይላን ከበሮን ዝተሰነየ ፕሮፓጋንዳ ፖለቲካዊ ምሕደራ ሓገዝ ንምርካብ ምጽዓር’ዩ። ህግዲፍ ኣብ ክንዲ ብቅዋምን ህዝባዊ ባይቶኣዊ ደገፍ፡ ብስም እዞም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ” ንሱ ንሕና፡ ንሕና ንሱ” ዝብሉ ጭርሖታት ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ሓመድ ድፋጭኡ ዝሰቲ ዘሎ ህዝቢ ከደናግርዎ ፈቲኖም’ዮም።

ካልእ ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ብዛዕባ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ግዜ ዲሞክራስዊያዊ ምርጫታት ዝካየድ ገገለ ግርጭታት ውራየይ’ሉ ንህዝብና ዘመሓላልፎ እከይ፡ በሉ ርኣዩ ስምዓኡ ዲሞክራሲ ውጽኢቱ እዚ ትርእዎ ዘለኹም’ዩ። ዲሞክራሲ ንኩሉ ሰላምን ምርግጋእን ከረጋግጽ ኣይክእልን’ዩ እንዳበለ ክሳብ ስግር ባሕርን ቀላያትን ኣብ ምምሕዳራት ኤውሮጳ ዝናኸስን ዝኸስስን ስርዓት’ዩ። ኣብ ውሽጢ ዝርከብ ህዝብና ከኣ ካልእ ከምዛዝነሉ ዘይክእል መተካእታ መራኸቢ ስለ ዘይብሉ በቲ ዝባሃል እንተኣመነን እንተኸደን ጌጋ ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን።

ካልእ መሓቕ ህግዲፍ ብምስምስ ህንጸትን ልምዓትን ሃገር ካብ ስዓብቱን ደገፍቱን ዝእክቦ 2% ቀረጽ ካብ ምዕራብ ሃገራት ኤውሮጳን ኣሜሪካን፡ ከምኡ ማእከላይ ምስራቕን እዩ። ይኹን’ምበር ካብ’ዘን ሃገራት ኩሉ ዓይነት ዕዳጋን ፍርያትን ህግዲፍ፡ ካብ’ቲ ብስም በዓል ነጻነትን ካልእ ዝተፈላልየ ዝካየድ ባህላዊ ምርኢት፡ ኣብ ኤውሮጳን ኣሜሪካን ግሒጥዎ ዝኸይድ ዶላራት’ኳ ክዝልፎን ክኸሶን ከጸልሞን ክትርኢ ኣዝዩ ዘሕዝን’ዩ። ንኸም’ዚ ዝበለ ተርኽቦስ ኣቦታትና ” ዝበልዓሉ ጻሕሊ ዝሰብር” ወይ ከኣ ” ኣብ ክንዲ ዘኾለስኩስ ተነኸስኩ” ክብሉ ይምስሉ ነበሩ።

ኣብ መወዳእታ እዘን ማእከና ንልዕሊ 27 ዓመታት፡ ብፍላይ ከኣ ብድሕሪ ዶባዊ ኵናት ንህዝቢ ከምሓላልፍኦ ዝጸንሓ ሓበሬታ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ሎሚ ኣብ መስርሕ ሰላም ክረአ እንከሎ፡ ብሕፈረት፡ ብፍሽለት፡ ልዕሊ ኩሉ ከኣ ብምልኪ ክረአ ዝኽእል መድረኽ በይናዊ ስርዓትን ምሕደራን ኤርትራ ዘንጸባርቕን ዝምክስርን’ዪ።

ኣብ’ዚ መድረኽ ሰላም ኢትዮ-ኤርትራ ውራየይ’ሉ ዝሓዞ ብቀጻሊ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ስደት ስግረ ዶብ፡ማእሰርቲ፡ ምልካዊ ምሕደራ ብዘይዕርቕን ሰላም ክኸይድ ዝሓዞ ትልሚ ምዕዛብ ንባዕሉ ህግዲፍ፡ ንቅዋምን ሕግን” ደሞክራስን ፍትሕን፡ ራህዋን ሰላምን መደብ ከም ዘይብሉ ዘረጋግጾ’ዩ።

ምእንቲ’ዚ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ፡ ኤረቲቪ፡ድምጺ ሓፋሽ ዘይ ከም ስመን፡ ንምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ንርውየት ስልጣኑ ዘገልግላ፡ ሓቕን ግሉጽነት፡ ሻራነት ዘይብሉ ማዕከናት ዜና’ዩ። ብዙሓት ኣብ ስደት ዝርከቡ ጋዜጣኛታት ኤርትራውያን ተሞክሮታቶም ኣብ ዝገልጽሉ ሓደ ካብ’ቲ ካብ ማእሰርቲ ዝኸፍአ ግዕታት፡ ግህሰታት ዝካየደሉ ቀንዲ ትካል ህግዲፍ ምኳኑን ኣንጻር ኩሉ ሕልምታቱም ድሌታቶምን ተገዲዶም ዝሰርሕሉ ዝነበሩ ሞያ ምዃኑ ዝገልጽሉ ከም’ቲ ቅድም ክብል ብደረጃ ሚኒትር ተመዚዞም ክሰርሑ ዝጸንሑ ዘጋጠሞም ሓደጋ ክግለጽ ዝኽእል’ዩ።

 

ዘለኣለማዊ ክብርን ዝክርን ስውኣትና

ዜናን ሓበሬታን ሰዲህኤ

 

23 መስከረም 2018

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=11170

Posted by on Sep 25 2018 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net