ትማሊ ኣፍሪቃዊት ሰሜን ኮርያ ሎሚ ናይ ሰላም ሃዋርያት !

ርእሰ ዓንቐጽ

ሰዲህኤ

27 መስከረም 2018

 

ትማሊ ኣፍሪቃዊት ሰሜን ኮርያ ትበሃል ዝነበረት ሎሚ ናይ ሰላም ሃዋርያት ከምይ ገይሩ ክኸውን ይኽእል? መሰረት ኩሉ መዕቐኒታት ሓንቲ ሃገር ህዝባዊ ሕጋዊ ባይቶኣዊ ሰብኣዊ ምሕደራ’ዩ። እሞ ዝጸንሐን ዘሎን ሚዛን ገምጋማትን ተምሳል 27 ዓመታት መስርሕን ኣካይዳን ምልካዊ ምምሕዳር ለውጥን ምምሕያሽን ዘይብሉ ክነሱ ሃዋርያ ስላም ክበሃል ይከኣል ድዩ ? እንታይ’ዩ ነዚ ሰላም፡ ሰላም ህዝብናን ክብርናን’ዩ ከብሎ ዘኽእል? ህዝቢ ኤርትራ ሕልምታቱን ባህጉን ብሕጋዊ መልክዕ ክሳብ ዘይቀረበ ተኽእሎ ሰላም ክህሉ ኣይክእልን።

እዚ ዝነፍስ ዘሎ ወረ ወዲ ወረ ጨብጨባን ዳንኬራን ሰላም ኣብ ህዝቢና ብዙሕ ምድንጋራት ዝፈጥር ዘሎ ካብ ብዙሕ ምኽንያታት ዝተበገሰ ጥቅምን ረብሓን ህዝቢ ኤርትራ ዘይውክል እዩ። ን20 ዓመታት ብሂወቱ ኣብ ቤተ መዘክር ተቐሚጡ ክነብር ዝተኻየደ ፈተነታት መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ዶባዊ ግጭት ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ብሃንደበት ብ20 ሰነ 2018 ኤርትራ ዝተቀበለቶ ጸዋዒት ሰላም ቅርብ ኢልካ ምርኣዩን ኣገዳስነት ኣለዎ።

ሀ/ ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ከካይዶ ዝጸንሐ ዲፕሎማሲያዊ ኣታውን ወጻእን ዝምድናታት ኣብ ሕግን ስርዓትን ዝተመስረተ ብዘይምንባሩ ከም’ቲ ዝጀመሮ እንዳፈራርሰ ዝኸይድ ግዜያዊ ዝምድናታት ጥራሕ ዘይኮነ ጸጥታውን ግርጭታትን ጎነጽን ዝሓወሰ ብምንባሩ ኣብ ልዕሊ ዲክታቶሪያዊ መንግስቲ ኤርትራ እምነት ዘይነበሮም ብዙሓት እንዳኾኑ ዝመጽእሉ እዋን ኤርትራ ኣብ ዝተፈላልየ እዋን ዝመስረተቶ ዝምድና ክፈርስ ግድነት’ዩ ዝነበረ። ካብ’ዚ ፍኑው ኣካይዳን ምሕደራን መላኺ ስርዓት ኣብ ኤርትራ ዝተላዕለ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ልጓም ክገብረሉ ዝወሰዶ ስጉምቲ ኤርትራ ብውሳኔ 1907 ዝፍለጥ ብዕለት 23 ወርሒ ታሕሳስ 2009 እገዳ ጸደቐ፡ (ማዕቐብ ብኣዘራርባ ህግዲፍ) ፡ ድሕሪ ኵናት ምስ ጅቡቲ 2008 ዳግማይ ብውሳኔ 1901 ዝፍለጥ ብዕለት 5 ታሕሳስ 2011፡ ብዕለት 16 ሓምለ 2012 ብተደጋጋሚ ዝተሓደሰ ዘይልዓል እገዳታት ተወሰነ። ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ብዘካይዶ ዕንደራታት ኣብ ዝምድና ጥራሕ ዝተሞርኮስ ዘይኮነ ኣብ ውሽጢ ሃገር ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዝካየድ ዝነበረ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ ክብርን መሰልን ብቕዓትን ፍታሕን ዘይብሉ ምንባሩ ዝሕብር ዘጠቓለለ እገዳ’ውን እዩ ነይሩ። በዚ ምኽንያት እምበኣር ዲክታቶሪያዊ ስርዓት ኣስመራ ኣብ ፍጹም ብሕትውና ህዝባዊ ደገፍን ስኢኑ ኣህጉራዊ ዝምድናታት ተበታቲኹ ብምጽንሑ ንጻዋዒት ሰላም ንስልጣኑ ንምሕያል ብዘይ ዝኾነ ለውጢን ምምሕያሽን፡ ብዝለዓለ መራሒ ተዋሳኢ ሰላም ኮይኑ ክረአ ምፍታን መርኣያ መወዳእታ ጻዕረ ሞት ንህላውነቱ ሂወት ክሰኵዕ ዝገብሮ እዩ።

ለ/ ድሕሪ ሞት ቀ/ሚ ነፍስሄር መለስ ዜናዊ ብዝተፈላልየ ሓይልታት፡ ኣብ ስልጣን ምምሕዳር ኢትዮጵያ ብሽርክነት ክሰርሑ፡ ካብ ኢትዮጵያስ ይትረፍ ካብ ውሽጢ ኤርትራ ብደገፍ ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ብገንዘብ ህዝቢ ዝምልመሉ ልዕሊ 5 ሽሕ ዕጡቕ ኢትዮጵያውን ሰራዊት ኣብ ኤርትራ ዝዓስከሩ ውድባት ዝርከብዎም ዝግበር ዝነበረ ድፍኢታት ነፍሱ ይምሓር መስለ ዜናዊ ተኪኡ ኣብ ስልጣን ዝመጸ ሃይለማርያም ደሳለኝ ካብ ስልጣኑ ንኽወርድ ዝገበረ ውሽጣውን ግዳማውን ናዕቢ ህዝቢ ኢትዮጵያ ገገለ ምምሕያሻት ክግበርን፡ ልዕሊ ኩሉ ከኣ ብዝተፈጸመ ጌጋታት ንህዝቢ እቅረ ክብል ንህዝቢ ዝለመነ መንግስቲ ብግዝያውነት ሓድሽ መራሒ ኣብ ዝመረጸሉ እዋን ዘቤታዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ንምህዳእ፡ ሰላም ኣብ ምንጎ ህዝብታት ኢትዮጵያን ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ብፍላይ ከኣ ምስታ ወናኒት ክልተ ወዳባት ዝኾነት ሃገር ኤርትራ ንረብሓ ኢትዮጵያ ዝውክል ጥራሕ ቀዳማይ ኣጀንዳ ዝተበገሰ ሓይሊ ካብ ዕለት 8 ሓምለ-14 ሓምለ 2018 ዝተኻየደ ድራማታት ሰላም ኩሉ ዝረኣናዮ ኮይኑ ምድጋሙ ተደላይነት ዘይብሉ’ዩ።

ሐ/ ካብ መጀምሪያ 1990 ኣትሒዙ ኣብ ማእከላይ ምስራቕ ክዝንቢ ዝጸንሐ ሃገራውን ኣህጉራውን ኩነታት፡ ምስ ግርጭታት ኢራቕን-ኢራንን፡ እስራኤን-ፈልስጥም፡ ኢራቕ-ኵወይት፡ ካልእ ኣብ ሊባኖስ፡ ሶርያ፡ ዮርዳኖስ፡ ወዘተ ብቀጻሊ ዝተራእየ ምጥነ ሃብታውን፡ ፖለቲካውን ረብሓታት ዘለዎ ኵናት ክሳብ ኣፍደገ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝበጽሐ ተርእዮ ኵናት የመን ወሲኹ ኣብ ሓደ ግዙፍ ጂኦ ፖለቲካዊ ኩነታት ተሰጋጊሩ ኣብ’ዚ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ መስርሕ ሰላም ኢትዮ-ኤርትራ ብነገስታት ማእከላ ምስራቕ ደገፍ ብምግባር፡ ህዝባዊ ሕጋዊ ዲሞክራሲያዊ ዕርቒ ንምምሳሉ ዝካየድ ዘሎ ነቲ ድምጺ ሰላም ብዘይመጠኑ ክቃላሕ ዝገበረ’ዩ።

መ/ ምስ ምትእትታው ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ መጀመርያ 1960ታት ዝነበረ ተርእዮ ፖለቲካ ዝመስል ምቅድዳምን ገስጋስ ዓበይቲ መንግስታት ኣመሪካ፡ቻይና፡ ሩስያ፡ ብሓፈሻ ከኣ ሕብረት ኤውሮጳን ንዘለዎም ድሌት መስመር ቀይሕ ባሕሪ ብመጠኑ’ኳ እንተኾነ፡ ንጉዳይ መሰልን ሰብኣዊ ክብሪ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብዝግባእ ቆላሕታ ከይተገብረሉ ዝጸንሐ ብምዃኑን ከምኡ ክቅጽል ዝገብሮ ዘሎ መሻደኒ መላኺ ስርዓት ኮይኑ ኣሎ።

እምበኣር ጨብጨባን ዳንኬራን መሰርሕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዝወሓደ ብወገን ህዝቢ ኤርትራ ንዝምልከት ካብ’ዚ ዝተበገሰ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ጉዳያት ንህዝቢ ኤርትራ ዘይርብሕ ሰላም’ዩ። ሙሉእነትን ቀጻልነት ዘለዎ ሰላም ዘይምኳኑ ዘረጋግጾ ከኣ ዝኽእል ከኣ፡ ሰላም ካብ ህዝቢ ኤርትራ ወጻኢ ብዘለዉ ሓይልታትን ዝዝወርን ዝቅየስን ዝድገፍን ህዝብና ዝሕጎስሉን ሓርነት ዘተንፍስሉን ብዘይምዃኑ’ዩ።

ሰላም ተባሂሉ ህዝቢ ካብ ስደቱ ንዓዱ ዝኣትወሉ ዝሳግመሉ’ምበር፡ ሰላም ተባሂሉ ህዝብና ብሓፈሻ መንእሰያት ህጻናት፡ኣቦታትን ኣደታትን ዓዶም ንብረቶም ገዲፎም ክስደደሉ ዘገድድ ኩነታት ኣይኮነን። ሰላም ተባሂሉ ህዝቢ ካብ ሃገሩ ክስደድ ኣብ ኣየናይ ዓለም ተራእዩ። ሰላም ኢትዮ-ኤርትራ በዚ ድዩ ክትርጎም ወይ እቲ ትጽቢት ንሱ’ዩ ነይሩ ተባሂሉ ክሕተት ከኣ ግቡእ’ዩ። ብሓቂ ድሌት ገገለ ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ክኸውን ይኽእል ብቀንዱ’ኳ እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ነዚ ሕጂ ዝኸዶ ዘሎ መስርሕ ሰላም፡ ካብ’ቲ ኤርትራ ኣፍሪቃዊት ሰሜን ኮርያ ዝተባሃለትሉ ዘይፍለ ምዃኑ ባዕሉ ቆጽሊ ዓደቦ ዘይወደቀሉ መራሒ ጃንዳ ህግዲፍ ኣቶ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ብሓይሉ ወዱ ሒዙ ኣብ መንጎ ሚኒስትራት ውዕል ሰላም ክኣቱ ዝግብር ዘሎ መዕቐኒ ዕቱብነት ሰላም ካብ ዘረጋግጾ፡ ንዕቀት ህዝቢን ሃገርን፡ባህ ኣይበል ዝረአ ተግባራት ምስ ህዝባዊ ሕጋዊ መስርሕ ሰላምን ፈጺሙ ዘይከይድ ሓደ ዓብይ ምስክርነት’ዩ።

እዚ ኣካይዳ ስለ ዘሎ ከኣ ኤርትራ ኣፍሪቃዊት ሰሜን ኮርያ’ምበር ሃዋራያ ሰላም ትባሃለሉ ምኽንያትስ ፍጹም ክህሉ ኣይክእልን። ብተርኽቦታት ክምስከር ዝኽእል ብኣንጻር ሰላም ኣብ ኤርትራ ዝካየድ ስርሓትን ኣካይዳ መላኺ ስርዓት ኤርትራ ከም’ዚ ዝስዕብ’ዩ።

ሀ/ ዝጽባሕ ስምምዕ ሰላም ኣብ ኣስመራ ብ11 ሓምለ 2018 መበለ 32 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ንሳዋ ክውሕዝ

ተራእዩ።

ለ/ እሱራት ምሕረት ከይተግብረሎም፡ ከም ሚኒስተር ብርሃነ ኣብርሀ’ኳ ደኣ ተወሰኸ

ሐ/ ህዝቢ ስደት ቀጺሉ ኣብ ጎደናታት ኢትዮጵያ ነጸላታት ዘርጊሑ ኣብ ደገ ይሓድር ኣሎ

መ/ ኤርትራ ወደባት ከም ዘይብላ፡ እታ ካብ ወድብ ጂቡትን ፡ ሞምባሳ ኬናያ እትናበር ኢዮጵያ ምንጪ ቀረብ

ዝኾነሉ ኩነታት፡

ረ/ ህዝቢ ኤርትራ ብዛዕብ ዝኽየድ ዘሎ ውዕላትን መስርሕ ሰላም ብዘይተሳትፎኡ ዝፍጸም ምህላው

ሰ/ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ዓዱ ዝፍጸም ተግባራት ብመንገዲ መራኸቢ ሬድዮ፡ቲቪ ክሰምዕ ምጽባዩ

ሸ/ መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ንዕቅር ምሕረትን ህዝቢ ኤርትራ ክሒዱ፡ ኣብ ማእከል ኣስመራ ብመንግስታዊ ደረጃ

ንዕርቒ ኢትዮጵያውን ሰሪሑን ደኺሙ፡ ዕርቕን ምሕረትን ኤርትራውያን ደኣ’ሞ ኣበይ ኣሎ።

 

እከይ ተግባራት ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ን27 ዓመታት ዝሰረተ፡ በዚ ዝሓለፈ 4 ኣዋርሕ ክቅየር ለውጢ ክግበርን ትጽቢት ዝግበረሉ ጥራሕ ዘይኮነ፡ መላፍንቲ ሰላም ዝኾኑ ኢትዮጵያውያን’ውን ምስ’ዚ ኩሉ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ፖለቲካዊ ጸገማት ሓንጎፋይ ኢሎም ምቅባሎም ደገፍቲ መላኺ ስርዓት ብምዃን ነቲ ኩነታት በዚ ሕጂ ሒዝዎ ዘሎ መኣዝን ክቅይሮ ዝኽእል ኩነታት የልቦን።

ሓደ ሓቂ ግን ኣሎ፡ እዚ ሓቂ ከኣ ደላይፍ ሰላምን ፍትሕን ዝኾነ ህዝብና፡ ምስ’ዚ ኩሉ ኣብ ልዕሊኡ ዝወርድ ዘሎ መከራን ስቓይን ስደትን ተቢዑን ቆሪጹን ብሓደ ድምጺ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ክለዓልን ኣለኹ ክብል ምስ ዝጅምርን ጥራሕ’ዩ።

 

ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=11173

Posted by on Oct 1 2018 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net