ጸዋዒት ንፈ.ዲ.ረ መንስግቲ ኢትዮጵያ፡ ንምምሕዳር መንግስቲ ክልል ትግራይ

ፈ.ዲ.ረ መንግስቲ ኢትዮጵያ

ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ኢትዮ.

ምምሕዳር መንግስቲ ክልል ትግራይን

 

ሰላም፡ ንከባቢና ህዝብናን ልክዕ ከም’ቲ ፍጡር ክነብር ኣየር ከተንፍስ ዘለዎ ኣገዳስነት ሰላም ከኣ ብኡ ተምሳል ክረአ ዝኽእል እዩ። ሂወት ሰኵዑ ከነብርን ከናብርን ከኣ ሰላም የድልዮ፡ ሰላም መትካእታ ዘይብሉ መሰረት ቁጠባዊ ማሕበራዊ ባህላዊ ልዕሊ ኩሉ ከኣ ሰብኣዊ ክብሪ ዕብየት ዘረጋግጸሉ ባይታ’ዩ። ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከኣ ብመንጽር ዝሓለፎ ናይ ርሑቕን ቀረባን ኵናታት እፎይ ኢሉ ክነብር ዝግብኦ ኣህዛብ’ውን እዩ። እዚ ኣህዛብ ዳግማይ ከይብደል ሓደ ሸነኽ፡ ዝረጋጋኣሉን ዝሕበነሉን ብሕጋውነት መስርሕ ሰላም ሓሊፉ ንመጻኢ ዘማዕዱ ክልተ ኣእዳው ተደጋጊፉ ኣብ ልምዓት ዝወፍረሉ ኣብነታዊ ሰላም ክኸውን ይግባእ። ካብ ዕላል ብረት ጠመንጃታት ዕብለላ ሓይልን ጎነጽን፡ ዕላል ማሕረሻን ቀለም ተቐይሩ ህዝብና ተኣማሚኑ ክነብር ዘኽእሎ ደረጃ ክሰጋገር ኩሉ ስርሓት እንኮ መንገዲ ብህላውነትን ውክልና ህዝብን ሕግን ክብጻሕ ዝኽእል ውዕል ጥራሕ ምዃኑ ንኣምን። እዚ መሰረት ብምግባር ከኣ መስርሕ ሰላም ኢትዮ-ኤርትራ ብተሳትፎ ህዝቢ ኤርትራ ክኸውን ንኣምነሉ ሃገራዊ ጉዳይ ብምዃኑን ከም ኣካል ህዝቢ ኤርትራ ከም ሰልፊ ኣብ ነካይዶ ሕጋዊ ፍትሓዊ ሃገራዊ ቃልሲ ሰዲህኤ ርእይቶኡ መርገጹ እምነቱ ይገልጽ።  

 

ብዕለት 22 መስከረም 2018 ኣባላት ባይቶ ሰዲህኤ ኣካይዶም። ኣብ ኣኼባ ሰልፊ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት፡ ሃገርናን ህዝብና ኣትይዎ ዘሎ ፍሉይ መድረኽ ኣልዒሉ ዘትዩ። ሰዲህኤ ብዛዕባ ሰላምን፡ ውሕስነት ሰላምን፡ ሓባራዊ መደብ ልምዓትን ወፍሪ ምትሕግጋዝ ዝኸይድ ሓባርዊ ስምምዕ ኢትዮ-ኤርትራ፡ ብሕጋውነት መሰል ህዝቢ ኤርትራ መሰረት ዝገበረ ኣብ ክልትኣዊ ዝምድና ሰናይ ጉርብትናን ዘትከለ ክኸውን ከም ዘለዎ ተኻቲዑ ዘትዩን፡ ብዛዕባ’ዚ ሰላምን መስርሕ ሰላምን ዘለዎ ርድኢት ከኣ ህዝባዊ ሕጋውነቱ ክረጋገጽ ከም ዝግባእ ብስምምዕ ኣብ ሓባርዊ መደምደምታ በጺሑ።

ሰዲህኤ ደላይ ፍትሕን ሰላምን’ዩ፡ ሰዲህኤ ፖለቲካዊ መደባት ሓንጺጹ ንዕላማ ንፍትሕን ሰላም ሃገር ኤርትራ ንምውዕዋት፡ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ብሕጋዊ መልክዕ ብግሉጽ ክውን ኮይኑ ክርኢ ዝቃለስ ህዝባዊ ሰልፊ እውን’ዩ። ካብ’ዚ ዝነቀለ ሰዲህኤ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣብ’ቲ ዝካየድ ዘሎ መስርሕ ሰላም ኢትዮ-ኤርትራ ዘለዎ ሚዛን ብሕጋውነቱ፡ ኣገባብን፡ ብህዝባዊ ተሳታፍነቱ ዘውሕስ ነባሪ ሰላም ክልተኣዊ ረብሓ ዝረጋገጸሉን መስመር ክተሓዝ ርእዩን ተደጋጋሚ ጽሑፋት ከቅርብ ጸኒሑን ኣሎን’ዩ።

እዚ ዝኸይድ ዘሎ መስርሕ ሰላም ኣብ ስልጣን ዘሎ ወገናት፡ ንክልቲኡ ህዝቢ መሰረት ዝገበረ ተሳትፍኡ ብዕዙዝነት ዝረጋገጸሉ፡ ዕቱብ መስርሕን መደባትን ብሕጋውነቱ ክሳብ ዘይተቀረጸን፡ ክሳብ ተሳትፎ ህዝቢ ብዝተወደበ መልክዕ ዘይሓዘ፡ ሰዲህኤ ኣብ ዝኾነ ይኹን ግዜ ዘለዎ ርእይቶ ሓሳባትን ፍታሕ ንምርካብ ንህዝቡን ንመሓዙቱን ንኣህጉራዊ ሕብረተ ሰብ ዓለም ከቃልሕ ምዃኑ ዘይተርፎ ቀንዲ ዕማሙ’ዩ።

ፖለቲካዊ ዕማም መደባት ሰዲህኤ ብቀዳምነት ረብሓታት ህዝቢ ኤርትራ ምዕቓብ እዩ፡ ንዕርቕን ሰላምን ራህዋን፡ ሰናይ ጉርብትና ብዝተእሳሰረ ወይ ዝተዛመደ ከኣ ብፍትሓዊ ሕጋዊ መንገድን ኣገባብን ክስራሕ ኣብ ፈጽሚ ክበጽሕ ከም ዘለዎ ይኣምን። ካብ’ዚ ተበጊሱ ከኣ ብሕጋዊ መምዘኒ ቅንዕናን ግሉጽነት ዘይብሉ ንዝርይኣዮ መስርሕ ሰላም ይኹን ውዕላት ይኹንን ይቃወምን፡ ይቃወምን ይኹንን ጥራሕ ዘይኮነ ከኣ ብመንጽር ኤርትራዊ፡ ኣህጉራዊ ሕጋዊ መዳይ ተኽእሎን መተካእታ ዝሓሸ ምርጫ መስርሕ ሰላም ክህልዎ ዝኽእል ርጉእ ባይታ ክፈጥር ዝስጉምን ዝመርሕን ሰልፊ’ዩ። እዚ ከኣ ምስ’ቲ ንሕጋዊ ሃገራውን ህዝባውን ሓድነት ድሌትን ሃንቐውታን ህዝቢ ኤርትራ ጠርኒፉ፡ ነቲ ን27 ዓመታት ማሕዲግዎ ዝጸንሐ ቅዋማውን ሕጋውን ባይቶኣውን ኣሰራርሓ ንምትእትታው ዝተእሳሰረ’ዩ። ምንጪ ሰላም ዕርቕን ኢትዮ-ኤርትራ ክህሉን ክቅጽልን ነባሪ ክኸወን ንደልዮ ከኣ በዚ ሕጋዊ ዓይነት ቅርጽን ኣገባብ መስርሕን ምስ ዝተሓዝ ጥራሕ’ዩ። ረብሓ ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከኣ ብግዚያውነት ዘይኮነስ ነባሪ፡ ብጸቢብ ኣተሓህዛ ዘይኮነ፡ ብስፍሕ ዝበፍለ ሕጋውነት ዘማልአ ብሩህ ንጹርነት ሰላም ምስ ዝኸውን’ዩ ዝብል ሰዲህኤ ብዕላማ ብእምነት ዝቃለሰሉ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ኤርትራ ዝኣትዉዎ ውዕላት ንዘቤታዊ ጸገማቶም ይኹን ጸቕጥታት ኣህጉራዊ ዝምድናታቶም ዝፈጥረሎም ጸገማት ፍታሕን ረብሓን ክረኽብሉ ጥራሕ የማዕዱ ከይህሉ ዓብይ ስግኣት ኣሎና። ንህዝቢ ኤርትራ ዝረኸበ ይርከቦ ዝብል ርድኢት እንተኾይኑ ከኣ ሕጋውነት ዋሕስ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ መስርሕ ምርሳዕ፡ ነቲ ኢትዮጵያውያን ዝደልይዎ ሕጋዊ ኣገባብ ምስራሕ ምርሳዕ ጥራሕ’ዩ። ህዝቢ ኢትዮጵያ ካብ ኤርትራ ዝደልይዎን ዝሓትዎን ብሕጋዊ ኣገባብ፡ ሕጋዊ መልሲ ክረኽቡ ደኣ’ምበር፡ ሎሚ ን27 ዓመት ኣብ ትሕቲ ምልኪ ተጨፍሊቁ ተዳኺሙ ዝጸንሐ ህዝቢ፡ ምስ መላኺ ስርዓት ተማኺርካ ድሌትካ ንምርካብ ዝካየድ ዘሎ መስርሕ ብኩሉ መዕቐኒ ተቐባልነት ዘይብሉ ምዃኑ ሰዲህኤ ይርኢ።

ሎሚ ምእንቲ ሰላም ተባሂሉ፡ ዝከይድ ዘሎ መስርሕ ካብ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ብዝያዳ ዘርብሕ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዝጎድእ እንዳኾነ ይመጽእ ምህላው ዝቀርብ ዘሎ ትዕዝብታት፡ ትዕዝብታት ኤርትራውያን ጥራሕ ዘይኮነ ትዕዝብቲ ኢትዮጵያውን መሓዙትን ኣህጉራዊ ሕብረተ ሰብ ከይተረፈ ብዝተፈላልየ መራኸቢ ብዝሓት ትሰምዕዎን ትርእይዎን ትነብዎን ስለ ዘለኹም ተወሳኺ ሓበሬታን መርህን ዝደለየሉ ኣይኮነን።

መንቀሊ’ዚ ጸዋዒት’ምበኣር ካብ’ዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ሕጋውነት ዝምድናታት ዝብል ሓሳብ መሰረት ብምግባር፡ ኣብ ዝሓለፈ ዕለት 10 ዝተኻየደ ጽምብል ሰላም ኢትዮ-ኤርትራ፡ ክጥቀስ ዝኽእል ታሪኻዊ ተርኽቦ ብስም ጸዋዒት ሰላም ንሕሰምን ጭቆናን መዋጽኢ መገላገሊ ኮይኑ ዝተራእዮ መንእሰይ፡ ብሓቂ ከኣ ካብ ግፍዕን ሕሰምን ህግዲፍ ክእለ ንኢትዮጵያ ንትግራይ ዝሰገረ ቁጽሩ ኣዝዩ ብዙሕ ምዃኑ ብዓይንኹም ትርእይዎ ዘለኹም እዩ። ምእንቲ’ዚ ኣብ መሬት ኢትዮጵያ ሰላም ክደሊ ንስደት ዘምርሕ ዘሎ ጎኑ መውደቒ ስኢኑ ዝከላበትን ፋሕ ፋሕ’ሉ ዘሎ መንእሰይ ብልዑል ሓላፍነት ውሕስንት ክግበርሉ ሰዲህኤ ጸዋዒቱ የቅርብ ኣሎ።

ሀ/ ቅድሚ ስምምዕ 8 ሓምለ ይኹን ድሕሪኡ ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ብግቡእ ክንክን

ክተሓዝን ክእለን፡

ለ/ መሰሉ ከም ኤርትራዊ ዜጋ ተኸቢሩ ድሌቱ ብዝረጋገጸሉ’ምበር ብኣስገዳድ ከይፍጸም

ሐ/ ኣብ መሬት ኢትዮጵያ ዝርከብ ኤርትራዊ ዜጋ፡ ብውዕል ሰላም ዘይቅየድን ዘይድግፍን ድምር እዚ ብዕለት

10-20 መስከረም 2018 ንምሕደራ ህግዲፍ ነጺጉ ሰጊሩ ዘሎ ዝበዝሕ ኣብ ዕድመ መንእሰይ ዝረከብ

ኤርትራዊ ብኣህጉራዊ ውዕል ስደተኛ መሰረት ግቡእ ኣተሓሕዛ ክግበረሉ፡

መ/ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝኾነ ይኹን ክወስዶ ዝደሊ ስጉምቲ ምስ ሕጋውን ውሕስነት እዞም ዜጋታት

ዘረጋግጽ ክኸውን፡

ረ/ ኣብ መሬት ኢትዮጵያ ንዝርከብ ኤርትራዊ ዜጋ ካብ ውልቀ ሰባት ይኹን ትካላት መንግስቲ ክወርዶ ዝኽእል

ዝኾነ ይኹን ሓደጋ ክከላኸለሉ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተሓታትነት ክህልዎ ይግባእ፡

ሰ/ ትሕቲ ዕድመ ዝኾኑ ህጻናትን መንእሰያትን ብፍሉይ ክትሓዙን ድሌቶም ክሕታቱን፡ ብሕጋዊ መንገዲ ምስ

ኣብ ኤርትራ ይኹን ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ቤተ ሰቦም ኣፍልጦ ክራኸቡን ጸገማቶም ክስማዕን ውሕስነት

ክግበረሎም ክኽእል፡

 

ይጽውዕ፡

 

ዘለኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ስውኣትና

 

ባይቶ ሰዲህኤ

22 መስከረም 2018

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=11177

Posted by on Oct 1 2018 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net