ህጹጽ ሃገራዊ መጸዋዕታን መድረኻዊ ርእይቶን ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንፍትሒ

ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንፍትሒ፣ ንህዝቢ ማእከሉ ዝገበረ፣ ነጻ ስርርዕ ተሳትፎ ሐፋሽ ክህሉ ዘተባብዕ ህዝባዊ ውደባ’ዩ። ከምቲ ስሙ ዚሕብሮ ከአ ንህዝቢ ኣላዒሉን ወዲቡን፣ ንህግደፍ ብህዝባዊ ዓመጽ አቢሉ ክስዕር ዘኽእሎ መደብ ዕዮ ዘለዎ ህዝባዊ ምንቅስቓስ  ኢዩ።

መብዛሕትኦም ኣባላት ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንፍትሒ፣ ከም ኩሉ ኤርትራዊ፣  አብ ፖለቲካውን ብረታውን መስርሕ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ ዝተሳተፉን፣ አብቲ ምእንቲ ደሞክራስያዊን ሰብአዊን መሰል ኤርትራውያን ንምርግጋጽ ክሳብ ሕጂ ዝቐጸለ ሐርነታዊ ቃልሲ ከአ እጃሞም እንዳአበርከቱ ክመጹ ዝጸንሑ ኢዮም።

ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንፍትሒ፣ ነቲ አቶ ኢሳያስ  ሒዝዎ ብታህዋኽ ዝጓየየሉ ዘሎ ሐደገኛ መስርሕ ብምግንዛብ፣  ምስ መራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝገብሮ ዘሎ ስዉር ወተሃደራዊን ጸጥታዊን ውዕላትን፣ንልዑላውነትና ዝትንክፍ  ስምምዓትን፣ ኤርትራውያን ብአግኡ ተረዲኦም  ምስ ግዜ አንጻር ሐደገኛነቱ መዚኖም እንተዘይተጓይዮምሉ፣ ሳዕቤኑ ንህሉው መድረኽ ተሐጺሩ ዝተርፍ ጥራሕ  ዘይኮነስ አንዊሑ ዝኸይድ፣ ንደቅናን ደቂ ደቅና ድማ ዝያዳ ዋጋ ዘኽፍል ከይከውን ዓቢ ስግአቱ በዚ ታሪኻዊ መግለጺ እዚ ይገልጽ።

ብሰንኪ ውልቀ መላኺን ገባቲን ዝኾነ ስርዓት ኢሳያስ አፍወርቂ፣ ሃገርና ኤርትራ ናብ አዝዩ ሐደገኛ ዝኾነ መአዝን ጥፍአት ሒዙዋ ይጉዓዝ ከምዘሎ፣ ብዘይካ ገለ ውሑዳት የዋሃን፣ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ግርም ጌሩ ተገንዚብዎ አሎ። ስለዝኾነ ከአ  አብ ውሽጢ ሃገር ዝርከቡ ተባዓት ኤርትራውያን፣ ነቲ አፈራሪህካ ግዛእ ዝብል፣ ናይ ራዕዲን ሽበራን ሐጹራት ጢሒሶም ዓው ኢሎም ንድሌትን ሃንቀውታን ህዝብና ዘንጸባርቕ አውያትን መጸዋዕታን ከቃልሑ ምጅማሮም ንዕኡ ዘረጋግጽ አብነት ኢዩ።

ብዘይ ቃል ዓለም ሐቂ ክንዛረብ እንተዀንና፣ ስርዓት ኢሳያስ ን27 ዓመታት ንህዝቢ ኤርትራ ከም ድላዩ ክዑምጡቖን ክረግጾን ከሎ ሐያልን በሊሕን ስለዝኾነ ዘይኮነስ፣ ብሐደ ወገን ህዝብና ደረት አልቦ ዝኾነ እምንቶ አብ ልዕሊኡ ስለዘሕደረ፣ ብካልእ ሸነኽ ከአ እቶም ንፍትሕን ደሞክራስያዊ መሰልን ንምርግጋጽ ክቃለሱ ዝጸንሑን ዘለዉን ተቓወምቱ፣ አወዳድባኦም ኮነ አመለኻኽታኦም በቲ ንዕኡ ክገጥሞ ዝግብኦ ደረጃን አገባብን ዝመዓራረ፣ ንኹሉ ሐቚፉ ብማዕረ ዘሳትፍ መስርሕ  ዘይምኽታሎም ኢዩ። ብርግጽ አኼባታትን ጉባኤታትን ዘይተኻየደ አይኮነን። ይኹን’ምበር ገሊኡ አብ ምዝዛም ጉባኤታቱ ዝፍንጣሕ፣ገሊኡ ከአ ጉባኤታቱ ዛዚሙ አብ ጉዕዞታቱ ተፈሐፊሑ ዝዳኸም ብምዃኑ ህዝብና ልቡ ረጊኡሉ ክዓስሎ አይከአለን። ምስዚ ኩሉ ግን ነቶም ኩሎም አንጊሆም አብ መስርሕ ቃልሲ ንደሞክራስያዊ  ለውጢ ዝተሳተፉን ዝተሰለፉን፣ ትሕዝቶኦም ዘበርከቱ፣ ክቡር ዕድሜኦምን ሂወቶምን ዘሕለፉ፣ ገሊኦም ብጭውያ አብ ማእሰርቲ ዝበለዩ፣ ገሊኦም  ከአ ብመስዋእቲ ዝተፈልዩና ጀጋኑ ሐርበኛታት ደቂ ሃገር ብምዝካር፤ አኽብሮትና ወትሩ አብ ቦትኡ ከምዝኾነ ነዘኻኽር።

ኤርትራውያን ሎሚ በጺሕናዮ ዘለና እዋን፣ ንዝነበረ ሕሉፍ አልዒልካ ክሲን ሕሜታን ከተካይድ ፣ ሕድሕድካ ከአ አብ ምብልላዕ ክትአቱ ዘፍቅድ ሃለዋትን ዕድልን ከቶ ኣይኰነን ። የግዳስ ዘለናዮ ሃዋሁው  ናይ ምህላውን ዘይምህላውን ሕቶ ዘለዕል ኮይኑ፣ ንሰብአዊ ክብርና ከም ህዝቢ፣ ንልዑላውነትና ከአ ከም ሃገር ንምውሐስ፣ ካብቲ ዝደቐቐ ክሳብ እቲ ዝፈረየ፣ ካብቲ ዝወሐደ ክሳብቲ ዝበዝሔ ነገራዊ ትሕዝቶና ኮነ ትሕዝቶ ሰብና፣ ዘለና ኩሉ ጸንቂቕና፣ ናብ አዝዩ ሐያል  ሐርነታዊ መኸተ ክንአቱ ዘገድድ ክውንነት ኢና አቲና ዘለና።

ነዚ አዝዩ ተሃዋሲን ሐደገኛ ዝኾነ መድረኽ ብኹሉ አማሊኡ ዘግጥም ብልሃት ከአ፣ ናይ ኩሎም ሃገሮም ከድሕኑ ዝተዓጥቁ ደቂ ሃገር፣ ሃገራዊ ሐቆፍ ዝኾነ ጽኑዕን ቅኑዕን ውደባን ስርርዕን  ግድንን ግዴታን የድልየና አሎ። ሎሚ ብዛዕባ ስርዓት ኢሳያስ ደረቱ ዝሐለፎ ግህሰትን ግዕዝይናን ግፍዒን ክንዛረብ አይኮንናን። ንሱስ ዓለም ብዓለሙ ፈሊጥዎ ዘስገድገዶ ኢዩ።ብአንጻሩ ግን እቲ ካባና ዝድለ፣ ብዛዕባ ፍቱንን ዘየዳግምን ቅኑዕ ናይ ለውጢ ሐይልታት አሰላልፋን መድረኻዊ አገጣጥማን መስመር ዘጨብጥ፣ ኩሉ ናተይ ኢዩ ዝብሎ መቃለሲ ባይቶ ዝፍጠረሉ ስትራተጂካዊ ሐባራዊ ውሳኔ ንምብጻሕ፣ ተላዚብካ ናብ ቅልጡፍ ተግባራዊ ህጹጽ  ግጥሚያ ምእታውን ምስግጋርን፣  ንጽባሕ ዘይብሃሎ እዋኑ ሕጂን ሎሚን ኢዩ።

ነዚ አብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ርእይቶ ብምምርኳስ ከአ እንሆ ህጹጽ ሃገራዊ መጸዋዕታናን መድረኻዊ ታሪኻዊ ርእይቶናን ነቕርብ።

ምግባር ህጹጽ ሃገራዊ ዘተን ልዝብን

ንኹሉ ዘሳተፈ ዘተን ልዝብን ምክያድ፣ ክህሉ ዝኽእል ዓንቃፊ ጸገማት ምፍታሕን፣ ናብ ሐደ ሐባራዊ ውሳኔ ንምብጻሕን፣ ዓንዲ ማእከል ሰረት ናይ ደሞክራስያዊ መስርሕ ኢዩ።  እዚ ከአ ኩሎም ደቂ ሃገር ንዘቀራርቦም ኮነ ዝፈላልዮም ርእይቶ ብግልጺ አብ መአዲ ዘተ አውሪዶም፣ ብሃናጺ አገባብን ሃገራዊ ሐላፍነትን ተደሪኾም ዘካይድዎ፣ ናብ ሐደ ጥርኑፍ መአዲ ቃልሲ ዘምርሕ ኩለንትናዊ አርእስቲ ዝሐዘ  ኢዩ። ስለዚ ዕዉት ነቓዕ ከአ ዘይሐድግ መታን ክኸውን፣  ዘተን ልዝብን በዞም ዝስዕቡ ኤርትራዊ አካላት ሕብረተሰብ ተማሊኡ ክካየድ ንርኢ።

  • ኩለን ውድባት፣ ሰልፊታት፣ ፖለቲካዊ ምንቅስቓሳት፣ ናይ ሲቪካውያን ማሕበራት ትካላትን፣ ናይ ሜድያ ትካላትን፣ ዘጠቓለለ ክኸውን።
  • መሰረታዊ ዕላማ

 

  1. ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ሰረታቱን ካብ ሱሩ ምሒኻ፣ ካብ ውልቀ ሰብ ዝጅምር ንመላእ ሕብረተሰብ ኤርትራ ከአ ደሞክራስያዊን ሰብአዊን መሰላት ዘውሕስ፣ ብልዑላውነት ናይ ሕጊ ዝመሐዳደር ሹም አሕዋት ዝኾነ ደሞክራስያዊ መንግስቲ ምህናጽ።
  2. ንብዙሕነት መልክዕ ሕብረተሰብ ኤርትራ ዝተቐበለ፣ ንዝተፈላለየ ሃይማኖታዊ እምነታትን፣ ባህልን ልምዲን ቋንቋን ሕብረተሰብ ኤርትራ ዘኽብርን ዝቀባበል ባይታን ዘተአማምን ሃዋሁውን ምፍጣር።
  3. ንድሕሪ ውድቀት ስርዓት ኢሳያስ ዘገልግል፣ ናብ ምሉእ ቅዋማዊ ግዝአተ ሕጊ ዘሰጋግር፣ ኩሉ የማናይ ኢዱ ዘንበረሉ ዝቕበሎ ንጹር መርሆን ሃገራዊ ስትራተጂን ምሕንጻጽ።
  4. ንልዑላውነት ኤርትራን ሐድነት ግዝአተ መሬታን ንምውሐስ፣ ንዝፍጠር ተጻብኦ ንምጽራር፣ አድላይነት ምስዝርከብ ከአ ንምምካቱ፣ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዓዕልን ሃገራዊ ንያቱን ሞራሉን ዝስሕልን መደባት ምድላው።
  5. አብ መደምደምታ ከአ ስልጣን ምሉእ ብምሉእ ናብ ኢድ ዋንኡ ዝኾነ ህዝቢ ተረኪቡ፣ ናብ ስልጣን ናይ ምድያብን፣ ካብ ስልጣን ናይ ምውራድን ምሉእ መሰሉ ጨቢጡ፣ አብ ብዝሐ ሰልፋዊ ስርዓተ ውድድር ዝተመስረተ መስርሕ ተኸቲሉ ፣ ንሃገራዊ ቅዋም ተሞርኲሱ ዝመርሖ ስልጣነ መንግስቲ ክዉን ንምግባር ይኸውን።

 

ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንፍትሒ ነዚ መድረኻዊ ታሪኻዊ መጸዋዕታ ከቕርብ እንከሎ፣ እቲ ቀንዲ መልእኽቱ አብዚ  ሰፊሩ ዘሎ ዝርዝር  መንቀሊ ድአ’እምበር፣ ኩሎም ዝምልከቶም ደቂ ሃገር ከጒድልሉ ኮነ ከስፍሕዎ ክፉት ምዃኑ ንኣምን ። በዚ አጋጣሚ ክንብሎ እንደሊ ካብ ዝተፈላለዩ አካላት ዘዝቐረበ መጸዋዕታን እማመን፣ ዊሒጥካዮ ህጣምካ ምጥፋእ ዘይኮነስ፣ መአረምታ ይኹን መተባብዒ ክኸውን ይኽእል ኢዩ ዝተባህለ፣ ነጻ ርእይቶታት ካብ ደቂ ሃገር ክወሃቦ ግድንን ግዴታን ኢዩ። ከመይ  እቲ ከቢድን አዝዩ ዝተሐላለኸን ሃገራዊ ጾር ግደፍ ተፈላሊና ኩሉና’ኳ እንተኺኢልናዮ ንጋዶ ኢዩ። ስለዚ ርእይቶ ሕድሕድ ብምድምማጽ ግቡእ ሃናጺ መልሲ ናይ ምውህሃብ ልምዲ ከነጥሪ ይግባእ።

 

አብ ጉዕዞ ክካየድ ዝግብኦ ንጥፈታት

 

ሰፊሕ ሃገራዊ መስርሕ ዘተ ክሳብ ዝጅመር፣ ነቲ ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፊታትን ምንቅስቓሳትን ብናይ ዜና ማዕከናቶም ጸረ መላኺ ስርዓት ዘቃልሕዎ ፣ ከምኡውን ግዱሳት ደቂ ሃገር ብውልቃዊ  ሐልዮት ደረጃ ዝካየድ ናይ ሬድዮን ተለቪጅንን፣ ዩትዩብን ፈይስ ቡክን ሃናጽን እሩምን ዝኾነ ምልዕዓላት፣ ክሳብ ጥርኑፍን ስሩዕን ህዝባዊ መልክዕ ዝሕዝ ንጥፈታቱ ዝያዳ ከበራትዑ አዚና ነተባብዖ። ወነንቲ ናይ ዜና ማዕከናት ኣብ ሓድነት( ምጥርናፍ ) ህዝቢ ዓቢ ተራ ስለ ዘለዎም ሓድነት ንምዕቃብ ኣብ መንጎኦም ናይ ሕድሕድ ርኽክብ ክገብሩ ነማሕጽን ። ነቶም ሃገር አብ ሐደጋ ከይትወድቕ ሰጊኦም፣ ብደረጃ ውልቆም ለይትን መዓልትን አብዚ ሸነኽ እዚ ዝነጥፉ ደቂ ሃገር ከአ አዚና ነመስግኖም።

 

በዚ አጋጣሚ ነቶም ነብሶም አብ ስነ ጥበብን ኪነት ሙዚቃን ሰሪዖም ዝዋስኡ፣ ዓበይትን ናእሽቱ ሰብ ተስፋ ዝኾኑ መንእሰያትናን እንዳአድነቕና፣ አብ ዝገብርዎ ናይ መዝሙርን ሙዚቃን ኪነትን ምውህሃድ፣ ንኤርትራዊ ዜጋ  ሃገራዊ ወኒኑን  ህዝባዊ ንያቱን ዘለዓዕል መደባት ሰሪዖም ዝያዳ ከደንፍዕዎ ነተባብዖም።

 

 

 

 

 

 

 

  • መልእኽትን ምሕጽንታን ንክቡር ተቓላሳይ ህዝብና

 

እቲ ካብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ጀሚሩ ተቓላሳይ ወድናን ጅግና መራሒናን ኢልካ፣ ዘይተአደነ ክቱር አኽብሮትን እምነትን ዘንበረልካሉ  ኢሳያስ አፍወርቂ፣ሎሚ ካብቲ ዘበገስካዮ ቅዱስ ኤርትራዊ ሃገራዊ  ዕላማ  ከዲዑ፣ ካባኻ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ብልቡ አርሒቑ ብምሽፋት ፣ ንሃገራዊ ልዑላውነትካን ግዝአት ሐድነት መሬትካን፣ ንስኻ አብ ዘይትፈልጦ አብ ስዉር ዋጋ ዕዳጋ አውሪዱ፣ አብ ቃልዕ ሰጣሕ ጎልጎል ደርብዩካ፣ነቲ ነዊሕ  መዋእል ዝወሰደ ስዉር ምስጢራዊ  ጠላም  ክድዓቱ መደምደምታ ምዕራፍ ክገብረሉ፣ አዲስ አበባን ጎንደርን ብምምልላስ፣ ምስቶም መዋድይቲ ውዲቱ ከጸንብሎ ይጓየ ከምዘሎ በሪሁልካ ክኸውን እምነትና ኢዩ።

 

ተንኮለኛ ኢሳያስ አፍወርቂ ንህዝቢ ኤርትራን ደቁን መታን ከደናግር “ዶብና ከይተሐንጸጸ ምስ ኢትዮጵያ ዘተን ዘረባን ፍጹም የለን” ብምባል ንዕስራ ዓመታት ከጨፍሮ ከምዘይጸንሔ፣ ነቲ ካብ ነዊሕ እዋን ብሐልዮት ኢማራትን ስዑድያን  ክኸይድ ዝጸንሔ ስዉር መስርሕ ዘተ፣ አብይ አሕመድ ንውዕል አልጀሪስ ብዘይ ቅድመ ኩነት አብ ግብሪ ከምዝትርጉሞ ክእውጆ፣ ኢሳያስ ከአ  ከም ሃንደበት ዝቐረበሉ መጸዋዕታ መሲሉ ክቕበሎ ዝብል፣ ተመስሪሑ ዝቐረበ ፖለቲካዊ ተዋስኦ ንአዳም ገረሞ ኢዩ። አብቲ ፈለማ እዋን ሰላም ወሪዱልና ብምባል፣ ሐቂ መሲሉካ ተስፋ ጌርካሉ ዕልልታ ሐዊስካ፣ ከምዝተቐበልካዮ ንጹር ሐቂ ኢዩ። ይኹን’ምበር  ኢሳያስ ዝሐብኦ ምስጢሩ ናብ ቃልዕ እንዳተጋህደ፣ መደቡን ዕላምኡን  ዕርቃኑ ወጺኡ፣ ካብታ ንሰላሳ ዓመት ተዋጊእካ ዝሰዓርካያ ኢትዮጵያ ዓስበ ጻማኡ ክቕበል፣ “ ስልጣነይ አረኪበ አለኹ … ካብ ሕጂ ንድሐር ዶክተር አብይ አሕመድ ኢዩ መራሒና . . .  ሐደ ሃገርን ሐደ ህዝብን እምበር ክልተ ህዝብን ክልተ ሃገርን አይኮንናን ክብል፣  ድሕሪ ምንዛዙ ናይ ድራር እንግዶት ከም ዝተገብረሉ፣ ብዓይንኻ ተዓዚብካዮ ብእዝንኻ ከአ ሰሚዕካዮ አለኻ። ክቡር ህዝብና ደጊም ኢሳያስ ሕሳቡ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ወዲኡ ኢዩ። ኢትዮጵያዊ ሽታ እምበር፣ ኤርትራዊ ጨና ከአ ፈጺሙ ከምዘይብሉ፣  ዘይቀበጸ ኤርትራዊ  እንተሎ  ዝቐብጸሉ ሰዓትን መድረኽን መጨረሻኡ  ሕጂ ኢዩ። ስለዚ ካብቲ ኢሳያስ አጻዊዱልካ ዘሎ ሐደጋታት መታን ክትከላኸል ነታ ብኽንደይ አሽሐት ከፊልካ ዝዓቀብካያ ኤርትራ ከአ ንምውሐስ፣ ንህዝብና አብዚ መድረኽ ሃገራዊ መኸትኡ ከገልግሎ ይኽእል ኢዩ ዝበልናዮ  ነዚ ዝስዕብ ርእይቶ ነቕርብ።

 

  1. ክሳብ ናይ ኩሉ ጥርኑፍ ሃገራዊ ዘተን ልዝብን ዝጅመር፣ አብ ዘዘለኻዮ ከተማን ሃገራትን ህጹጽ ጎስጓስ ብምክያድ አኼባታትካ ክትሰርዕን፣ ዝመርሑኻን ዘወሃህዱኻን ብቑዓት ሽማግለታት መሪጽካ ምንቅስቓሳትካ ብዘይ ውዓል ሕደር ምጅማርን መደባትካ ምስራዕን።
  2. ካብ ነብሲ ወከፍ ከተማታት ዝተመርጹ ሽማግለታት፣ ናይ ሐባር አኼባታትን ዘተን ብምክያድ፣ ዝሰፍሔ ህዝባዊ ስሩዕን ውዱብን ጉዕዞ ንምትሐዙ ክነጥፉ። ብኡ አቢሎም ንህዝቢ ዝመርሕን ዘማእክልን ዞባዊ መሪሕነት ህዝቢ ክመርጹ።
  3. እቲ ምጥርናፍ ነጻነቱ ዝሐለወ ህዝባዊ ውዳበ ዝሐዘ ኮይኑ፣ንዝተወደቡን ዘይተወደቡን ዘጠቓለለ ይኸውን። ይኹን እምበር፣ ነብሲ ወከፍ ሰብ፣ ነብሱ ንውልቁ  ወኪሉ እምበር፣ንኻልእ ከምዘይውክል  ክፍለጥ ይግባእ። ብሕጽር ዝበለ እቲ ውደባ ካብ ህዝቢ ንህዝቢ ዝብል ህዝባዊ ምልዕዓል ዘካይድ ውደባ ኢዩ።
  4. እዚ ህዝባዊ ውደባ’ዚ በብሃገራቱ እንዳሐየለ ምስከደ፣ዓለም ለኻዊ ሲቪካዊ ህዝባዊ ባይቶ ከቕውምን፣ ነቲ ስዒቡ ዝመጽእ መድረኻት’ውን እንተኾነ ዋሕስ ረብሐን ጠቕሚን ህዝቢ ዝከላኸል ትካል ኮይኑ ክቕጽል ይኽእል ኢዩ።
  5. እዚ ነጻ ህዝባዊ ውደባ’ዚ  ነቶም ሃገራውያን ፖለቲካዊ ሐይልታት ናይታ ሃገር፣ ናብ ሐደ ሃገራዊ ርእይቶን ሐባራዊ መስርሕን ንምምጻኦም፣ ተጽዕኖ ክፈጥርን ከተባብዕን ብቕዓት ዝወነነ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። በዚ አቢሉ ከአ ፖለቲካዊ ቅሳነት ዘለዋ ሃገር አብ ምርግጋጽ ታሪኻዊ እጃም ክጻወት ይኽእል ኢዩ።
  6. እዚ ህዝባዊ ምጥርናፋት እዚ ሐዪሉን ደንፊዑን እንተኸይዱ፣አብ መንግስታት ተጽዕኖ ክፈጥርን ርእይቶኡ ክስማዓን ይኽእል ኢዩ። ነቲ ዝመጽእ መድረኽ’ውን ምቹእ ዝኾነ ዲፕሎማስያዊ ባይታ ዝምድና ንኤርትራ ከጣጥሕ ይኽእል ኢዩ። ነቲ ዝግበር ሰፊሕ ሃገራዊ ዘተን ልዝብን መስርሕ አብ ዝግበር ጻዕርታት ከአ አዝዩ ዓቢይ አበርክቶ ክገብር ይኽእል ኢዩ።
  7. ዓወትን አሳልጦን ክሐፍስ፣ ዘተአማምን ሰረት ዘለዎ ህዝባዊ ስርርዕን ምልዕዓልን መታን ክኸውን፣ ንኹሉ መልክዓትን እምነታትን ዘለዎም አካላት ሕብረተሰብ ኤርትራ ሐቚፉ  ዘጠቓለለ ክኸውን ተመራጺ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ግድንን ግዴታን ኢዩ። ከመይ ንሱ ኢዩ ድሕሪ ውድቀት ፋሺስታዊ መላኺ ስርዓት፣ ንመጻኢ ጉዕዞ ህዝብና ዝቕይስ፣  ቀንዲ ናይ ቅሳነትና መነሃሪን መንጠሪን ባይታና ብምዃን፣ ናብ ቅልጡፍ ምዕባሌ ንሃገርና ዘሰጋግር ወሳኒ መሳልል።

 

ስለዚ ክቡር ህዝብና ሐይልኻን አቓልቦኻን አብ ፖለቲካውያን ውድባት ጥራሕ ምድርባይ ዘይኮነስ፣ ንስኻውን ከም ህዝቢ ወሳኒ ተራን እጃምን ከም ዘለካ አስተውዒልካ ሃየ ካብ ሕጂ ተለዓል ሃገርካን መጻኢ ትውልድኻን አድሕን።

 

  • ምሕጽንታን መጸዋዕታን ንምሁራት ኤርትራውያን

 

ምሁር አካል ወትሩ ንሕብረተሰብ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ምዕብልና ንኽሰጋገር ንመንእሰይ ወለዶ ሃገር ሃኒጹ ዘስተምህር ኢዩ። ምሁር አካል እቲ ዝለዓለ ናይ ዝተፈላለየ አካዳሚካዊ ናይ ሳይንስን ተክኖሎጂን ስነአእምሮን ፍልስፍናን ሕግን … ወዘተ ዝለዓለ አፍልጦ ዝወነነ ኮይኑ አብ ምቕያር ሕብረተሰብ ዝለዓለን ወሳኒን ተራ ዘለዎ አካላት ኢዩ። ምሁር ኤርትራዊ ድሕሪ ነጻነት ምርግጋጽ ሃገሩን ህዝቡን ከገልግል ዓቢ ድሌትን ሃንቀውታን እኳ እንተነበሮ፣ ውዲተኛ ስርዓት ኢሳያስ አፍወርቂ ግን ኮነ ኢሉ ንህዝቢ ኤርትራ አደንቊሩ መታን ክገዝኦ፣ ነታ ዝነበረት ሐንቲ ዩኒቨርሲቲ አስመራ ዓጽዩ፣ ንኹሎም ብኽቱር ባህጊ ተተስፍዮም ዓዲ ብምእታው ሂወቶም ከይበቐቑ መንእሰይ ወለዶ ንምህናጽ ዝተዓጥቁ ምሁራት ደቂ ሃገር ብዝተፈላለየ ምስምስ ፈጢሩ በቲኑዎም ኢዩ።  ኤርትራ ከአ ሎሚ ዘይኮነ ሽዑ ኢያ ዓዊራ። ስለዚ ሕጂ’ውን እንተኾነ ንምሁራት ኤርትራውያን እዚ ዝስዕብ መጸዋዕታና ነቕርብ።

 

  1. ኩሎም አብ መላእ ዓለም ተበታቲኖም ዝርከቡ ምሁራት ኤርትራውን ሕድሕዶም ክጫነዉን ርኽክብ ክገብሩን፣ ንሃገሮም ኤርትራ ካብዚ አንጸላልዩዋ ዘሎ ዘፍርህ ሐደጋ ንምውጻእ ኮንፈረንሳት ሰሪዖም ዓውደ ዘተን መጽናዕትን ክገብሩ ታሪኻዊ መጸዋዕታና ነቕርብ።
  2. አብቲ ዘካይድዎ ኮንፈረንሳት ከአ በብዓውደ ሞያኦም ፍልጠቶምን ዘቕረብዎ ዓውደ መጽናዕቲ ምርኩስ ብምግባር ንዕኦም ዝጥርንፍ ሞያዊ ማሕበር ክፈጥሩ ነማህጽን። ከመይ ነብሱ ዝወደበን ዝሰርዔን ምሁር ሞያዊ ሐይሊ ምስ ዝህልወና፣ አብቲ ድሕሪ ውድቀት መላኺ ስርዓት እንገብሮ መሰጋገሪ መድረኽ ወሳኒ ዝኾነ ናይ ዳግመ ህንጻ ሃገር ምዕቡልን ቅልጡፍን ተራ ክጻወት ትጽቢት ስለዝግበረሉ።
  3. ዝተወደበን ነብሱ ዝሰርዔን ምሁር ሐይሊ አብ ሸነኽ ዓውደ ፍልጠት ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ንህልዊ መድረኽን ፣ ድሕሪ ለውጢ ዝኸውን ፖሊሲታት አብ ምሕንጻጽን ምድላውን እውን እንተኾነ ዓቢ እጃምን ተራን ስለዘለዎ፣ ሃገሩን ህዝቡን ከም ዝጽበዩዎ ከስተውዕል ይግባእ።
  4. ምሁራት ኤርትራውያን ነቲ ተስፋ ዝግበረሉ ሰፊሕ ሃገራዊ ዘተን ልዝብን ዘገልግል ዓውደ መጽናዕቲ ብሐባር ኮነ ብውልቀ አዳልዮም ከቕርቡ ህዝቦም ትጽቢት ከምዘለዎ ነዘኻኽሮም።

 

  • መጸዋዕታን ምሕጽንታን ንሃብታማት ነጋዶ ኤርትራ

 

ብሰንኪ ገባቲን ብሐቲን ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ሃብትኹምን ርእሰማልኩምን አፍልጦኹምን አብ ሃገርኩም ኤርትራ ከይተፍስሱ፣ ነታ ብኽንደይ ደም ጀጋኑ አሕዋትኩም ዝተረኽበት ሃገር ከይተማዕብሉን ከይተልምዑን ዝተሐረምኩም፣ መታን ኩባንያታት ህግደፍ ከይትወዳደርወን ንሃገር በይነን ብሒተን ክራስያ  ፈቐዶ ሃገራት ከምዝተባረርኩም ዓለም ብዓለማ እትፈልጦ ኢዩ። እንተኾነ ግን ህዝቢ ኤርትራ በብዝኸዶ ተበቲኑ አይተርፍን ኢዩ። ኩሉ ኤርትራዊ  አብ ዘለዎ ሃልዩ  በብታ ዝኽእላ ነብሱ ወዲቡን ሰሪዑን እንተ ተንቀሳቒሱ ወጋሕታ ኤርትራ ብርግጽ ክቀላጠፍ ይከአል ኢዩ። ሃገርኩም ኤርትራ ሎሚ ኢሳያስ አፍወርቂ ዝብሃል ግለሰብ፣ ንስኹምን ህዝብኹምን አብ ዘይትፈልጥዎ ስዉር ዕዳጋ አእትይዋ ከም ዘሎ ትስሕትዎ አይንብልን። ስለዚ  ንዓኹም ዝኸውን ሃገራዊን ታሪኻዊን መጸዋዕታና ከአ እንሆ ነቕርበልኩም።

  1. ሕድሕድኩም እትፋለጡ ዜጋታት ናይዛ ሃገር እዚአ ዘበልኩም፣ ብምርኻብ ናይ ኤርትራውያን ሰብ ሃብቲን ነጋዶን ማሕበር ከተቑሙ ነተሐሳስብ።
  2. ካብዚ ሃገርና ኤርትራ አንጸላልዩዋ ዘሎ ሐደጋ ንምውጻእ፣ ክትገብርዎ እትኽእሉ ደገፍን ሐገዝን መጽናዕቲ ከተካይዱን፣ ንለውጢ ከቀላጥፍ ይኽእል ኢዩ እትብልዎ ፕሮጀክትን ፕላንን ክትስእሉ ነተባብዕ። ናትኩም እጃም አብታ ድሕሪ ውድቀት ኢሳያስ እትህነጽ ሃገር ንምዕብልናአ ዘቀላጥፍ ተራን እጃምን ዓቢ ብምዃኑ ብምግንዛብ ብሐሳብ ኮነ ብማተሪያል ተሳታፍነትኩም ምርአይ አገዳሲ ምዃኑን፣ከምኡውን ሰፊሕ ሃገራዊ ዘተን ልዝብን ንኽካየድ ተጽዕኖን ድፍኢትን ንኽትገብሩ ነተባብዕ።

 

  • ንናይ ኩሎም እምነታት መራሕቲ ክርስትናን ምስልምናን ምሕጽንታ

 

ንሕና ከም ህዝቢ ንክርስትና ኮነ ምስልምና፣ ንክልቲኡ ቅዱስ ሃይማኖታት ካብቶም ቀዳሞት ዝተቐበልዎ አህዛብ ኢና። ካብ አቦታትናን አቦሐጎታናን አትሒዙ ከአ እዚ ክልተ ቅዱስ ሃይማኖታት’ዚ ምልክት ምጽዋዋርን ሕውነትን ሐልዮትን ሰላምን እምበር ንሐንቲ መዓልቲ ጸገም ፈጢሩልና አይፈልጥን ኢዩ። አብ ውሱን መድረኽ ንእምነትና ምርኩስ ብምግባር ነቓዓት ብምፍጣር ናይ ምግጫውና ፈተና ተርእዮ አቐልቅል’ኳ እንተበልዎ፣ ለባማት አቦታና ግን አብ ቤተክርስትያንን መስጊድን ብምኻድ ስጋ ብሐደ ሐሪዶም ብምብላዕ ክፍስዎ ከለዉ ታሪኽ መስኪሩ ኢዩ። እዚ ክንብል ከለና ግን ገለ ፖለቲከኛታት ደቂ ሃገር መምስ ደኸሙ መሕብኢ ክጥቀምሉ አየልዓልዎን ክንብል አይንኽእልን ህዝብና ግን ኩሉ ነዚ ምምቕቓልዚ አይተቐበሎን። እኳ ድአ ንሐድነት ክረጋገጽ ኢዩ ዝያዳ ጽዒሩ።  ሎሚ እቲ አብ ቃልሲ ኤርትራ ዘራጊቶ ኮይኑ ሰሊኹ ዝአተወ፣ ጅምር ከብል አስላም ክርስትያን ብምባል ዝነቀወ፣ አብ ነቓዓት ፍልልያትና ክዓቢ ከም ዝኽእል ተመኺሩ ዝወፈረ ኢሳያስ አፍወርቂ ዝብሃል ግለሰብ፣ንኹለን ናይ ህዝብና ቤተ እምነታት፣ አስላም ኮነ ክርስትያን  በብሐደ አብ ውሽጣዊ ጉዳያተን አትዩ፣ አቕሽትን መሻይኽን ጳጳስን ፓስተራትን ወሰን ኢሉ ብምህዳን፣ አብ ፈቐዶ አብያተ ማእሰርቲ ብምድጓን፣ ብምቕታል ብምጭዋይ አራኺስዎን ደፊርዎን ኢዩ። እዚ ዝገበረሉ ከአ ብዕላማ ኢዩ። ከመይ ሃይማኖታዊ እምነትን ባህልን ልምዲን ዘይብሉ ሕብረተሰብ፣ ፈሪሃ እግዚአብሄር/ ረቢ ዘይብሉ ህዝቢ፣ ዝተበታተነ ዕቡይ ተጀሃሪ ሕድሕዱ ዝጠራጠር ናይ ዕዋላ ዓይነት ሕብረተሰብ ኢዩ ኮይኑ ኢዩ ዝፍጠር። ኢሳያስ ልክዕ ድሕሪ ነጻነት ንአብያተ ክርስትያናትን መሳጊድን ብምጽራር፣ ሳዋዶ ዊዓዶ ሳሕልዶ ብዝብል መደበራት ከፊቱ ክጉብዝ ዘዝጀመረ ካብ ገዝኡን ስድራ ቤቱን በስገዳድ እንዳወሰደ፣ ብናቱ ሐዲሽ ባህልን ልምዲን ፖለቲካዊ ሕጽቦን ዝተሃንጸ ወለዶ ኢዩ ሃኒጹ። እቲ ሎሚ ብጭካኔ ሕድሕድ ዝተመልኤ ፈሪሃ አምላኽ/ ረቢ ዘይብሉ፣ ሐዉን ሐፍቱን ዝሸይጥ፣ አብ ፈቐዶ ክቃተል ዝርኤ መንእሰይ ከአ መንጸብረቕታ ናቱ  ኢዩ። ብርግጽ ወለዶ ዘዕበኻዮን ዘውረስካዮን ዘርአኻዮን ዝሰምዖን ኢዩ ዝገብር። ህሉው መንእሰይ ኤርትራ አብ አደራዕ ዘለዎ ፈታኒን ክፉእን  ዘመን ድአ ተፈጢሩ’ምበር ናቱ በደል’ስ አይኮነን። አደራዕ ህዝቢ ኤርትራ እንኮ ኢሳያስ ኢዩ። ስለዚ  አቦታት መራሕቲ ሃይማኖት እምነታት ኤርትራ እዚ ዝስዕብ መጸዋዕታ ነቕርበሎም።

 

  1. መራሕቲ ሃይማኖታት ዝኾኑ አቦታትና አብ አብያተ ክርስትያን ድዩ መሳጊድ እምነታቶም አኽቢሮም፣ ንሕብረተሰብና ከምቲ ናይ አቦታትና ናብ መንገዲ ምጽዋርን ምክእአልን ሐድነትን ዘምርሕ ጎስጋስን አስተምህሮን ክህቡ።
  2. አብ መንጎ ክልቲኡ መራሕቲ ሃይማኖታት አብ ምክብባርን ሐልዮትን ዝተሰረተ ጥቡቕ ዝኾነ ዝምድናን ምትእስሳርን ክህሉ።
  3. ነቲ እኩይ መላኺ ኢሳያስ አብ መንጎ ክልቲኡ ቅዱስ እምነታትና ጥርጥር ዝዘርእ ዝፈጠሮ ኩነታት ምስዝህሉ ከምዝምሐው ምግባር።
  4. አብ ኩሉ ናይ እምነታትና ዓውደ ትካላት ንሐድነት ህዝቢ ኤርትራ ዘተባብዕ፣ ሐደ አብ ልዕሊ እቲ ካልእ ዝኾነ ወጽዓን በደልን ከይገብር አስተምህሮን ምልዕዓልን ክገብሩ።
  5. ናይ ኩለን መራሕቲ ሃይማኖታትና ዝኾኑ አቦታትና ሰፊሕ ሃገራዊ ዘተን ልዝብን ክካየድ ጻዕርታቶም ከካይዱ፣ አብቲ ዝግበር አኼባታት ከአ እንዳተረኽቡ፣ ኩላቶም ሐቢሮም ንያትን ሞራልን ህዝቦም ክስሕሉን ከተባብዑን፣ ብግልጺ ከአ ንእከይ ተግባራት በታታኒ ስርዓት ከቃልዑን፣ ንሃገራዊ ልዑላውነትና አብ ሐደጋ ዘእቱ ምንቅስቓሳቱን መግለጺታቱ ብዕሊ ክኹኑኑን አብ ህዝቢ ከጋልጹዎን ነማሕጽን።

 

አብ መወዳእታ ክንብሎ እንደሊ፣  እዚ ኩሉ ብዝርዝር ንመላእ ሕብረተሰብና በብዝምልከቶ ወገን ዝገበርናዮ ፍሉይ ጸዋዒትን ምሕጽንታን ብግቡእ ተረዲኡ አብ ግብሪ ከውዕሎ እንተድአ ክኢሉ፣ ህዝቢ ኤርትራ ብስሙር ሐያል ሃገራዊ መኸትኡ አብ አምላኹ ወይ ረቡ ተሞርኪሱ፣ነቲ ጸልማቱ ዝቕንጥጥ ብርሃን ወጋሕታ አብ ዝሐጸረ ክርኢ ከም ዝኽእል ምንም ዘጠራጥር አይኮነን። ናይ ኢሳያስ ህልውና ንሱ ስለዝሐየለን ስለዝበርትዔን አይኮነን፣ የግዳስ ንሕና ከም ህዝቢ ትሕዝቶና ሰአን ምውህሃድና፣ ዓቕሚታትና ሰአን ምጥርናፍና፣ ሕድሕድና ሰአን ምክብባርና ዘርአናዮ ስንፍናን ድኸመትናን ጥራሕ ኢዩ። ሕጂውን ወጊድ ንሕድሕድ ምብልላዕ፣ ምንጽጻግ ምክሳስ።

 

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንሃገር ዘውሓሱ ስዉኣትና   !!

ብስሙር ኤርትራዊ ሃገራዊ መኸተ ክንዕወት ኢና!!

መላኺ ስርዓት ክድምሰስ ፍትሒ ከአ ክነግስ ኢዩ!!

 

ኤርትራዊ ምንቕስቓስ ንፍትሒ

13 ሕዳር  2018

 

Email : em4j2012@gmail.com

Short URL: https://english.farajat.net/?p=11197

Posted by on Dec 1 2018 Filed under Documents, News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net