ዝኽሪ መዓልቲ ስዉኣት ኤርትራ !!

ዕለት 1 ታሕሳስ 1970 ዓ.ም፣ ብመግዛእታዊ ሰራዊት ኢትዮጵያ፣  ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ተቐማጦ ዖና፣  ጃምላዊ መቕዘፍቲ ዝተፈጸመላ ዕለት ኢያ። ልክዕ‘ዩ ቅድሚ መቕዘፍቲ ዖናን ብድሕሪኡን፣ ብዙሕ ተመሳሳሊ ተግባራት ብሰራዊት ጸላኢ ተፈጺሙ ኢዩ። ሰፍ ዘይብል ህይወት ህዝብን ተጋደልትን’ውን ተኸፊሉ ኢዩ። እንተኾነ ግን፣ ኣብ ዖና ብዝተኻየድ ባርባራዊ መቕዘፍቲ፣ ከባቢ ሓደ ሽሕ ዝኸውን ኣብ ሓደ ግዜን ቦታን፣ ካብ ሰላማዊ ህዝብና ዝተሰዋኣሉ ዕለት ኢዩ ነይሩ። ስለ’ዚ ከኣ፣ ነቲ ኩሉ ዝተኸፍለ  ክቡር ህይወት ኤርትራውያን እተጒልሕ መዓልቲ ንኽትከውን፣ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ – ሰውራዊ ባይቶ ንሓደ ታሕሳስ፣ ከም መዓልቲ ስዉኣት ኤርትራ ክትከውን ወሲኑ።

 

መዓልቲ ስዉኣት፣ ኣብ እንዝከረሉ ዘለና እዋን፣ ብሳላ ክቡር ህይወት ኣማእት ኣሽሓት ደቃ ዝተረጋገጸ ነጻነትን ሓርነትን፣ ኤርትራ ሃገርና ሎሚ ኣብ ኣዚዩ ሓደገኛ ኩነታት ወዲቓ፣ ልኡላውነታን መጻኢ ዕድል ህዝባን ኣብ ቃረኛ መንገዲ ይርከብ ኣሎ።

 

መሬት ኤርትራ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ሓራ ካብ ዝኸውን ድሮ ልዕሊ 27 ዓመት ኣቚጺሩ ይርከብ። ህዝቢ ኤርትራ፣ ኣብ ክንዲ ብእፎይታ፣ ጸጋታት ናጽነቱ ዘስተማቕር፣ መባእታዊ መሰላት ተነፊግዎ፣ ኣብ መዋእል ባዕዳዊ መግዛእቲ ዘይጋጠሞ ሕሱም ህይወት ብምሕላፍ፣  ኣደዳ ስቅያትን መከራን ኮይኑ ኣሎ።

 

ንባህርያት ኢሳይያስን መሳርሕቱን ብቐረባ ዝፈልጡ ይኹኑ፣ ዋላ’ውን ብባህርያቶም ዘይትስፍዋት ሰባትን፣ ከምኡ’ውን ኣብ መጀመርታ ሰብዓታት ኣብ ቃኘው ስተሽን ምስ ሓለፍቲ ስለያ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ከም ዝተራኸበ ዝፈልጡን፣ ናይ ሲ. ኣይ. አይ (CIA) መሳሪሒ ኢዩ  ኢሎም፣ ክኸስዎ ዝጸንሑ ኣካላትን፣ ኤርትራ፣ ኣብ ትሕቲ ምሕደራ ኢሳይያስ፣ ወዲቓቶ ዘላ ደረጃ ዕንወት ግን ፈጺሞም ዘይተጸበይዎ ኢዩ።

 

ጉጅለ ህግደፍ ዝተጓዕዞ፣ መርሆ ዕንወትን ጥፍኣትን፣ ምስ እንምልከት፣ ናይ ውልቀ መላኺ ኢሳይያስ፣ ኣብ መዋእል ቃልሲ ይኹን ኣብ መዋእል ነጻነት፣ ቀቐኛ መርገጹን ፖለቲካዊ መንነቱን እንታይ ምኹኑ ብብሩህ ክንፈልጦ የኽእለና።

 

መዓልቲ ስዉኣት ኤርትራ ኣብ እንዝክረሉ ህሞት፣ ንህዝብና ዝጽበ ዘሎ ዘይብሩህ መጻኢ ኣዚዩ ዘስግእ ኩነታት ምዃኑ ኩሉ ሃገራዊ ዘይፈላለየሉ ነጥቢ ኢዩ። ስርዓት ኢሳይያስ፣ ፖለቲካውን፣ ሲቪላውን፣ ማሕበራውን፣ ምጣነ-ሃብታውን ህይወት ኤርትራ ኣዕኒዩ፣ ርግኣትን ዕብየትን ሃገርና ኣምኪኑ፣ ንመንእሰያትና ናይ ግዜ ገደብ ኣብ ዘይብሉ ወትሃደራዊ ዕስከርና ጸሚዱ፣ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ንኸይህሉ ገዩሩ፣ ንግድን ኩሉ ምጣነ-ሃብታዊ  ስራሓት ሃገርና ገቢቱ፣ ሰብኣዊ ዓቕሚ ኤርትራውያን  ካብ ሃገር  ንኽባረር ደሪኹ፣  ፍርሕን ራዕድን ኣንጊሱ፣ ኣብ  መንጎ ኣካላት ሕብረተሰብ ኤርትራ ምፍሕፋሕ ኣሳዊሩ፣ ሕገ-መንግስትን ሲቪላዊ ሕግታትን፣ ባይቶን፣ ነጻ ቤት ፍርድን፣ ናይ ምውዳብን ነጻ መድያ ኣጊዱ፣ ናይ ሓጋግን፣ ፈጻምን፣ ፈራድን ስልጣን ኣብ ትሕቲ ምሉእ ቁጽጽር ውልቀ መላኺ ኣእቲዩ፣ ሃገርና ኤርትራ ናብ ዓባይ ቤት ማእሰርቲ ቀይሩ፣ ዕድል ዝረኸበ ራሕሪሕዋ ክኸይድ ዝምነየላ ሃገር ቀይርዋ ኣሎ።

 

እዚ ዝተጠቕሰ ገበናት ከይኣክል፣ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ልዑላውነት ሃገር ንሓደጋ ኣሳጢሑ፣ ንመሬትን ማያትን ሃገርና፣ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ከም ድላዮም ክዕንድርሉ ኣፍቂዱ፣ ንኤርትራ ኣብ ዘይምልከታን ጠቕሚ ህዝባ ኣብ ዘይሕልውን ዞባዊ ጎነጻት ሸኺሉ፣ ንወደባትና ንባዕዳውያን ብምክራይን፣ ወትሃደራዊ መደበራቶም ከቑሙ ብምፍቃድን፣ ኤርትራ ኣካል ናይቲ ኣብ የመን ዝካየድ ዘሎ ኣዕናዊ ውግእ ገበራ። ብኻልእ ሸነኽ’ውን፣ ወትሃደራት ኢትዮጵያ ካብ መሬትና ከይሰሓቡን፣ ዶብ ከይተሓንጸጸን፣ ምስ ኢትዮጵያ ኣይንራኸብን ኢና፣ ዝምድናና ኣብ ባህርያዊ ቦትኡ ኣይንመልሶን ኢና ክብል ከም ዘይጸንሐ፣ ውልቀ መላኺ ኢሳይያስ፣ ሕሉፍ መግዛእታዊ ዝምድና ክልቲኡ ሃገራት ብዘዘኻኽር መልክዕ፣ ምስ መንግስቲ ኢትዮጳያ፣ ዘይንጹርን ህዝቢ ዘይፈልጦን ዝምድና፣ ኣብ ምፍጣር ተብ-ተብ ክብል ይረአ ኣሎ።

 

እዚ ዘለናዮ መድረኽ ሓደገኛን ኣስጋእን ምዃኑ ብሩህ`ኳ እንተኾነ፣ እቲ ኣወንታዊ ሸነኹ ግን፣ ኤርትራ ከም ልኡላዊትን ነጻን ሃገር ንኸይትቕጽል ክገብራ ዝኽእል፣ ባህርያትን ኣዕናዊ መርሆን ኢሳይያስ፣ ንዝሰፍሐ ኣካላት ህዝቢ ኤርትራ በሪሁ ምህላዉ ኢዩ። ኢሳይያስ ኣፍወርቂ፣ ሓቀኛ  ትልምታቱ ንክኽውልን ክሽፍንን፣ ንነዊሕ ግዜ ክገብሮ ዝጸንሐ ድራማታት፣ ሎሚ ኣብቂዑን፣ ኣብ ቅድሚ ህዝብና ተቓሊዑን  ኢዩ ዝብል ዕግበት ኣሎና። 

 

ብኣጋጣሚ መዓልቲ ናይ’ቶም ብሉጻትን ውፉያትን ስዉኣትና፣ ሓይልታት ዲሞክራስያዊ ለውጢ፣ ዓቕምታቶም ብሓባር ጸሚዶም፣ ጀጋኑ ኤርትራውያን ዝተሰውኡሉ መትከላት ንምዕቋብን፣ ዕላማታቶም ንምፍጻምን፣ ሰንደቕ ዕላማ ናጽነትና  ኣብ ዓለም ንዘልኣለም  ኣንቢልቢላ ንኽትነብር፣ ቃልሶም ከሐይሉ ንጽውዕ።

 

መድረኻዊ ጭርሖና “ብሳላ ጀጋኑ ስዉኣትና ዝተረጋገጸ ልኡላውነትና፣ መጻወቲ ጸየቕትን ከደዓትን ጠላማትን ኣይኮነን” ዝብል ይኹን።

 

 

ዘልኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንጀጋኑ ስዉኣትና  !!

ኤርትራ ሃገርና ነጻን ክብርትን ኮይና ትንበር !!

 

 

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

1 ታሕሳስ 2018

.

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=11206

Posted by on Dec 4 2018 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net