እገዳ መላኺ ህግዲፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዶ ኣይዓብን!

ርእሰ ዓንቕጽ

ሰዲህኤ

 

መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብግዜ ንውሓቱ፡ ብስፍሓት ዝጸለዎ ቦታ ኣብ ኤርትራን ወጻእን፡ ብዓይነት እከይ ተግባራት ፈጺሙ መወዳድርቲ ዘይብሉ ንህዝብን ሃገርን ዓብይ ሓደጋ ኮይኑ ጸኒሑን ኣሎን። መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ብዝፈጸሞ ግፍዒ ንድሕሪት ተመሊሱ ንህዝቡ ክተዓረቐሉ ኣብ ዘይክእል ደረጃን መስርሕን ይወስዶ ኣሎ።

መላኺ ስርዓት ህግዲፍ፡ ድሕሪ ሙሉእ ነጻነት ኤርትራ ንይምሰል ብወርሒ ግንቦት ዕለት 26 1993 ሃገር ኤርትራ ኣባል ው/ሕ/መ ንምዃን ዘቅረቦ ጻውዒት ተቀባልነት ረኺቡ። በዚ መሰረት ከኣ ኩሎም ኣባላት ሃገራት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ንዝተሰማማዕሎም ኣህጉራዊ ውዕላት ሃገራዊ ዶባት መሬት ማያትን ሰማያትን፡ ሰብኣዊ መሰላት ብሓፈሻ ብፍሉይ መሰል ህጻናት፡ መሰል ደቂ ኣንስትዮ፡ መሰል ራእይ ምሕሳብ ምጽሓፍ ምቅዋም ምድጋፍ፡ መሰል እሱራት፡ ነጻ ቤት ፍርዲ፡ መሰል ሕጋውነት ቅዋም፡ ምርጫ መራሒ ሃገር፡ምርጫ ባይቶ፡ ብዙሕነት ኣረኣእያታት ወዘተ ንኽክበር ብትካላዊ ኣሰራርሓ ብሞያውያን ክኢላታትን ተመምዩን ዝቀረበላ፡ ኤርትራ ዝተሰማማዓትሉን ዝተቀበለቶ ውዕላትን ዝፈረመትሉ ሰነድን በቲ ሓደ መዳይ ከኣ ተቀቢላ ዝጠሓሰቶ ሰነድን’ዩ። እዚ ሰነዳት ከኣ ብተደጋጋሚ ብወገን ኤርትራ ምስ ተጣሕሰን ምስ ተነጽገን ቀዳማይ ብቁጽሪ 1907 ዝፍለጥ ውሳኔ እገዳ ብዕለት 23 ወርሒ ታሕሳስ 2009 ፡ ካልኣይ ብቁጽሪ 2023 ዝፍለጥ ውሳኔ ብዕለት 5 ታሕሳስ 2011 ክልተ ግዜ ኣሕጉራዊ ሕብረተ ሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ውሳኔታት እገዳ ኣሕሊፉ።

ምእንቲ’ዚ ከኣ’ዩ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ብ23 ታሕሳስ 2009 እገዳ ኣጽዋር፡ ብ5 ታሕሳስ 2011 እገዳ መገሻ መራሕቲ ህግዲፍ ዝወሰነ። ውሳኔ ው/ሕ/መ እገዳ ኣጽዋር ንዝምልከት ንህዝቢ ኤርትራ ልዕሊ ኩሉ ሰላም ክገብር፡ ካብኡ ሓሊፉ ከኣ ኣማስያ ዕዳጋ ኣጽዋር፡ መግዝኢ ርሳስን ወረቀት ውዒሉ እንተዝነበር፡ ንዕብየትን ፍልጠት ወለዶ ኤርትራ ዘርብሕ ምንባሩ ዘየጠራጥር እዩ።

ው/ሕ/መ ብታሕሳስ 2009 ዘሕለፎ እገዳ ኤርትራ ነቲ ኣብ ሶማል ዝነበራ ግደን ተራን ዝቀረበ ክሲ ክኸውን ከሎ፡ ታሕሳስ 2011 ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ጂቡትን ዝተፈጥረ ዶባዊ ኵናት ግን ከኣ ኤርትራ ኣሉታ ዝሃበትሉ፡ ጸኒሓ ክልተ ግዜ ዝተዛረበትሉ ብሽምግልና ምትእትታው መንግስቲ ቀጠር ዝተኣመነትሉ ጉዳይ ዶባዊ ኵናት፡ ምሩዃት ኵናት ዜጋታት ጅቡቲ ንዓዶም ክምለሱ ዝተገብረ ስምምዕ ዝነበረ ።

ይኹን’ምበር መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ቅድም ኣቢሉ ኣብ መጀመሪያ 90ታት ስልጣኑ ከም ዝጨበጠ ምስ ኣረጋገጸ ዓይኑ ከኣይሓሰየ ኣንጻር ኩሉ ውዕላት ሕቡራት መንግስታት ዓለም ክኸይድ ግዜ ኣይወሰደሉን። መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ኣንጻር ውዕላትን ውሳኔን ሕቡራት መንግስታት ጥራሕ ዘይኮነ ኣንጻር ኩሉ መብጽዓታት ህዝቢ ኤርትራን ባይቶን፡ ቀረባ መሳርሕቱን፡ ላዕለዋት ሓላፍቲ ሰበ ስልጣን ኤርትራ’ዩ ዝነበረ።

መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ንሕጋውን ትካላውን ኣሰራርሓ፡ሕጋዊ ባህላዊ ልምድታትናን፡ መብጽዓታት ህዝቢ ኤርትራ ክሒዱ ከይኣኽሎ፡ ተገምጢሉ ንቀረባ መሳርሕቱ ብፍላይ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ከም ቀዳማይ ጸላእቱ ብምስራዕ ዓመጽ ግፍዒ፡ ራዕዲ፡ ሽበራ ከካይድ ጀሚሩ። ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ብሰዓብቱ ዝረኸቦ ዘይፍትሓዊ ዕዉር ደገፍ ንዕድላት መጻኢት ኤርትራ ንመሰል ርእሰ ውሳኔ ህዝብን ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ መንገዲ ዕንወትን ብርሰትን ዝተተሓሓዞ ዓብይ ፖለቲካዊ፡ማሕበራዊ፡ ቁጠባዊ፡ እገዳ’ዩ። ሎሚ ንርእዮ ዘለና ከኣ ውጽኢት መወዳደሪ ዘይብሉ ዕንደራን ዳንኬራታቱን እዩ። ብምቅጻል እገዳታት ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ማዕረ ክንደይ ንሃገርናን ህዝብና ከም ዝሃሰየ ብሕጽር ዝበለ እስከ ንመልከት…

ዘቤታዊ እገዳ ህግዲፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ

ሀ/ ፖለቲካዊ

ኣብ ዝተፈላልየ እዋን ብመራኸቢ ብዙሓት ዝተዘርግሐ መርኣያ ዘይብሉ ተግባራት፡መቝጸሪ ዘይብሉ ተርኽቦታት፡ ተሰሚዑ ዘይፈልጥ ኣገባብ ስቓይን ግፍዕታት መራሕቲ ህግዲፍ ንህዝብና ን27 ዓመት ንድሕሪ መሊስዎ’ዩ። ህዝብና ርእሰ ተኣማንነት ኣጥፊኡ ተጸባይ ውሳኔ ህግዲፍ ኮይኑ ክኸይድ ካብ ዝጅምር ቀሊል ዓመታት ኣይሓለፈን። ሎሚ ሰዓብቲ ህግዲፍ እገዳ ው/ሕ/መ ተላዒሉ ስዒርና ኢሎም እንተጨደሩ፡ ነቲ ኣብ ገዛእ ርእሶም ኣብ ሂወቶምን ሂወት ህዝቦምን ሃገሮምን ዘሎ ከቢድ፡ ሙሉእ ሃገር ዘልመሰ ውሳኔ እገዳ ህግዲፍ ብዘይምስትውዓል’ዩ።

መራሒ ጃንዳ ህግዲፍ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ህዝቡን ሃገሩን ዝኣወጆ ዝተፈላልየ እገዳታት ከቢድን መርዛምን’ዩ። ብቀዳምነት ዝስራዕን ክፍለጥ ዘለዎ ጉዳይ ቅዋም ንምዝልከት ኣብ ትግባረ ከይውዕል ዝተወስደ ስጉምቲ ኣውራን ቀንድ ጉዳይ ስቱር እገዳ’ዩ። ነቲ ዝርካቡ ኣብ መበል 12፡13 ስሩዕ ዋዕላ ግዜያዊ መንግስቲ ኤርትራ ዝነበረ ባይቶን ካቢኔን ምፍራስ እገዳ ዶ ኣይኮነን። ቤት ፍርዲ ምፍራስ ብግዜያዊ ወታሃደራዊ ቤት ፍርዲ ምትካእ እገዳ ኣንጻር ፍትሒ ዶ ኣይኮነን፡ ነጻን ሕብረ ብሄራዊ ፖለቲካዊ ንጥፈታት ብዙሕነት ኣብ ኤርትራ ምኽልካል እገዳ ዶ ኣይኮነን። እቲ ስርዓት ዘይደልዮም ሰባት ካብ ሃገር ከይወጹን፡ ካብ ስደት ንሃገር ከይኣትዉ እገዳ መገሻታት ዜጋታት ኤርትራ ዘንበረን ብፍላይ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ መሬት ኤርትራ ብዘይፍቃድ (መንቐሳቐሲ ፍቃድ) ዘይብሉ ክገይሽ ዝተኣገደ ህዝቢ’ዩ። ብዘይፍቃድ ክንቀሳቐ ዝተረኽበ ከኣ ዝወርዶ መቕጻዕትን ሽግርን መከራን ብዘይፍርዲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዓዲ ኣበይቶን ኣብ’ተን ዝተፈላለያ ብይጽንሓለይ ዝፍለጣ ቤት ማእሰርታት ዝበለዩን ዝሞቱን ዝተሳቀዩ መውቁጸሪ ዘይብሎም ህዝቢ እገዳ ህግዲፍ’ዩ።

ሕቶ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ፖለቲካዊ ሕቶ’ዩ ነይሩ፡ ባይቶ ኤርትራ መደባዊ ኣኼባታቱ ከካይድን ንህሉ ኩነታት ንምምዛን ከኣ ገምጋማት ምክያድን ሃገርን ህዝብን ኣብ ንቡር ሂወት ክምለስ ዝቀረበ ጠለብ ተነጺጉ ጥራሕ ዘይኮነስ G15 ዘጋጠሞም ሓደጋታት ብቀሊሉ ዝረአ እገዳ ዶ ኣይኮነን። ምስ’ዚ ብዝተኣሳሰረ ጉዳይ መራኸቢ ብዙሓትን ነጻነት ፕረስ ንዝምልከት ምስኡ ተጠቃሊሉ ተኣጊዱ’ዩ። ጋዜጣታት ተኸልኪለን ጋዜጠኛታት ኣሰር ኣባላት G15 ስዒቦም እንሆ 17 ዓመት ኣቁጺሮም።

ለ/ ቁጠባውን እገዳ

ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ፡ ሃገር ንምድኻም ኣብ ንግዲ፡ ሸቕሊ፡ ቁጠባዊ ዕብየት መወዳድርቲ ዘይብሉ፡ ሓድኣዊ ዘይተጸንዐ ባዕሉ ዝውንኖ ከም 09 ዝኣመሰሉ ትካላት፡ ነቲ ነጻ ዕዳጋ ከም ዘይሰርሕ ብምግባር ብሰላሕታ ንህዝብና ግዳይ ድኽነት ኣውሪዱ ኣብ ልማኖ ህግዲፍ ከም ዝመጻደቅ ገይርዎ’ዩ። ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ብዘይ ሽርክነት ኣብ ህንጻ፡ትራንስፖርት፡ንግዲ፡ ባንክን ወጻኢ ሸርፍን ካብ ዝዓበይ ክሳብ ዝነኣሰ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ብምእታው፡ ሃብቲ ሃገር፡ ጸጋጋታት ሃገር ብቀጥታ ህዝቢ ዘይረብሓሉን ዘይካፈሎን ብምግባር ቁጠባ ሃገር ስጉምቲ ንኸይከይድ ሓሊኽ ሒዝዎ። በዚ መሰረት ከኣ ህዝብና ብፍልጠቱን ጻዕሩን ስርሑን ዘይኮነ ብግፍዕታትን ድኽነትን ጥሜትን ራዕድን ህግዲፍ ማዕረ ከም ዝኸውን ገይርዎ።

ሐ/ ማሕበራዊ እገዳ

ሃገራዊ ማዕከን ሬድዮታትን ፈነወ ተለቪዝዮን፡ ደረፍቲ፡ተዋሳእቲ፡ ብቀጥታ ትእዛዝ ህግዲፍ፡ ብድሌት ህግዲፍ፡ብሓሳብ ህግዲፍ ክካይድ ምጽንሑ ኣጻር ኩሉ ብዙሕነት ባህልን ንጥፈታትን እገዳ’ዩ። ኤርትራ ነቲ ዝነበራ ኣውራጃዊ ምምሕዳር ብፍምራስ፡ ንቁጠባዊ ዕብየት ዘርብሕን ዘቃላጥፍን ብዝብል ፍልስፍና ህግዲፍ ኣብ ዞባዊ ምምሕዳራት ብንምቅያር ጥራሕ ዘይኮነ፡ ኩለን ሚኒስትራታት ኣብ ዞባታት ክህልወን ዝኽእል ግደን ተራን ብዘይ ባጀት፡ ትራንስፖርት፡ መሳርሒ፡ ኪኢላታትን መሃንድሳትን ዘይብሉ፡ እንተሃለዉ ከኣ ብሕጽረታት ስርሓቶም ብግቡእ ከካይዱን ነቲ ከባቢ ኣብ ፍትሒ፡ ባህሊ፡ ዝተፈላልየ ህዝባዊ ኣገልግሎት ክህቡ ኣብ ዘየኽእሎም ደረጃ ከም ዝበጽሑ ብምግባር፡ ካብ ነፍስ ወከፍ ዞባታት ነቲ ኣፍራይን ሓይልን ዝውንን መንእሰይ ዘቝቑ ንሳዋ ብምጉራት ዞባዊ ምምሕዳራት ጥርሑ ከም ዝተርፍ ገበሮ። መንእሰያት ብህግዲፍ ንዝተበየነሎም ኣዋጅ ሃገራዊ ኣገልግሎት ከኣ ሳዋ ድሕሪ ምውራዶም ንቤቶም ይኹን ንትምህርቶም ከም ዘይምለሱ ብምግባር ምምስራት ስድራ፡ ምንባይ ባህሊ ወለዶ፡ ኣመት ዘይብሉ ከይዱ ከይዱ ታሪኽ ምብትታን ስድራ ቤት ዘመስከረ እገዳ ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ኣብ ስድራ ኩሉ ኤርትራዊ ስለ ዘሎ ንተግባራት ኣጽናቲ እገዳ ህግዲፍ ንምፍላጥ ንካልኦት ስድራ ቤታት ምሕታትን ዘድልዮ ኣይኮነን። ኣብ ገዛ ነፍሲ ወከፍ ዘሎ ጸገም ኣብ መላእ ስድራ ቤታት ኤርትራ ኣሎ። ስርዓት ህግዲፍ ሓላፍነት ሲቪላዎ ዞባዊ ምምሕዳራት ኣሕዲጉ ነቶም ዝእምኖም ጀነራላት ሓላፍነት ብምሃብ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ወታሃደራዊ ጉጅለ ከም ትመሓደር ገበራ። ምስኡ ዝመጸ ብልሽውና ከኣ ንማሕበራዊ ፍትሒ፡ ንማሕበራዊ ዕብየት፡ ዘሪጉ ኣዳኺሙ ከም ዘይሰርሕ ገበሮ። ሎሚ ምምሕዳራት እንዳ ባዶ፡ እንዳ03፡09 እንዳህንጻ እንዳተባህለ ፈጺሙ ምስ ንቡር መንግስታዊ ምሕደራ ትካልዊ መጸውዒ ዘይብሉ ኮይኑ ተሪፉ ኣሎ።

ኣብ ልዕሊ ነጻ ሃይማኖታዊ እምነታትን ኣብ ልዕሊ ዝተፈላልያ ሃይማኖታት ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ ኣብ ኤርትራ ካብ ዝረአ ዘሎ ፍሉይ ተርእዮ እገዳ ነጻ እምነቶም’ዩ። ገዳማት ንብረተን ኣባይተን ተሃጊረን ንመንፈሳዊ ስርሓትን ዘካይዳሉ ዘይብለን ዝተረፋ ውሑዳት ኣይኮናን።

ስርዓት ህግዲፍ ኣንጻር ምሁራት ዘካየዶ ወፈራ ኣብ ዓዲ ዝነበረ ክቀውም፡ ኣብ ወጻኢ ዝነበረ ከኣ ዓዲ ክኣቱ ዘየተባብዐ ምኽንያታት ብዙሑ’ኳ እንተኽዕነ ብሕጽር ዝበለ ትካላዊ ኣሰራርሓ ዘይብሉ፡ ባጀትን መሳርሒ ዘይብሉ ልዕሊ ኩሉ ባይታ ነጻነት ዘይብሉ ንሓደ ምሁር ከስርሕ ኣይክእልን። ምሁራት ኣብ ክንዲ ብሞያኦም ምስራሕ ብትእዛዝ ወታሃደራውያን ሓለፍቲ ስርሖም ክፍጽሙ ኣይከኣልን፡ ተደላይነት ዘለዎ ፍረ ውጽኢት ስራሕ’ውን ክርከብ ኣየኽእልን።

መላኺ ስርዓት ነታ እንዀ ብዓለም ተፈላጥነት ዝነበራ ኣስመራ ዩኒቨርስቲ ምዕጻው ንገዛእ ርእሱ እቲ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ምሁራት ዘለዎ ንጹር ኣሉታዊ ኣረኣእያ ዘመልክት’ዩ። ኣብ ዓለምና ተራእዩ ዘይፈልጥ ኣብ ኤርትራ ንብምሉኦም ተመሃሮ ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ብ2001 ምእሳሩ ዓመጽን፡ እገዳ ስነ ፍልጠትን ዕብየትን ዶ ኣይኮነን።

ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝኣወጆ ቅሉዕን ስቱርን እገዳታት ተጻሒፉን፡ ተነጊሩን ዘይውዳእ ኣዝዩ ነዊሕ ምስ’ቲ ዕድመ ስልጣኑ ዝተእሳሰረ’ዩ። ምእንቲ’ዚ ብሕጽር ዝበለ ንመርኣያ ፍልልይ እገዳ እንታይ ምኳኑ ንህዝቢ ንምርዳእ በዚ ምድምዳም ይከኣል።

 

ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንሰማእታትና

ዜናን ሓበሬታን ሰዲህኤ

30 ሕዳር 2018

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=11209

Posted by on Dec 4 2018 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net