ድልውነት ሰድህኤ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ

ርእሰ ዓንቐጸ

ሰዲህኤ

5 ታሕሳስ 2018

 

ሰዲህኤ ኣብ ሕድሪ ስውኣት፡ መብጽዓታት ነዊሕን ጽንኩርን ብረታዊ ተጋድሎ ህዝብና ንነጻነት ዝኸፈሎ ከቢድ መስዋእቲ፡ ኣብ ዕላማታት ዲሞክራስን ራሕዋን ሰላምን፡ ሓድነት ህዝብን መሬትን ኤርትራ ዝተሰረተ ዓብይ እጃምን ግቡእን ኣለዎ። እዚ ኮይኑ ኣንጻር መላኺ ስርዓት ህግዲፍ፡ ንፍትሒ ዲሞክራሲ ዝካየድ ቃልሲ ዘለዎ ኣበርክቶ እጃም ከኣ ብዘይ ገደብ ግዜ ይጽንሓለይ ዘይብለሉ ንህሉው መድረኽ ንምግጣም ድልውነቱ የረጋግጽ።

ሰዲህኤ ሎሚ’ውን ከም ቀደሙ ንጥሙር ሓሳብን፡ ተሪር ሓድነት ባይታ ቃልሲ ንምፍጣር ሓደ ሸነኽ፡ ቃልሲ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ በቲ ካልእ ሸነኽ ክሰርሕ ጸኒሑን ኣሎ። ህግዲፍ ኣብ ስልጣን ክሳብ ዘሎ ከኣ ሰዲህኤ ጉባኤታት ሰልፊ ዘጽደቆ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮን ዘሕለፎ ውሳኔታት ንምትግባሩ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ንፍትሒ እጃሙ ከበርክት ክኽእል ክንዮ ፖለቲካዊ ውሳኔታቱ ምስ ኩሎም ሓይልታት ሓሳባቱን ኣረኣእይኡን ንምውህሃድ፡ ሓባራዊ ስርሓት ንምክያድ ዘካይዶ ጻዕሪ፡ ፍረ ዕዉት ህዝባዊ ቃልሲ ንምርግጋጽ ንዕላማ ህዝባዊ ጥርናፈ ዘኽእል ኣብ ብዙሕነት ኣረኣእያ ዘየዳግም ባይታ ሓድነት ዝተሰረተ ቃልሲ ንምህናጽ ጥራሕ ዘይኮነ ተሃኒጹ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ዘጽልለሉ ፖለቲካዊ ስኒት ዝዓሰሎ መድረኽ ብምፍጣር ምልካዊ ምሕደራ ብዝህባዊ ምሕደራ ንምትካእ ብተደጋጋሚ ድልውነቱ ክገልጽ ጸኒሑ’ዩ።

ድልውነት ሰዲህኤ ኣብ ተሞክሮታት ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንፍትሒ ምትእምማን ምፍጣር፡ ሓድሕድ ምቅብባል፡ ዓቕምን ተኽእሎ ምህላዉ ብምርግጋጽ ክኸዶ ዘለዎ መስርሕ ክበጽሖ ዘለዎ መድረኽ ፖለቲካዊ ዕብየት፡ ዕምሪ መላኺ ስርዓት ንምሕጻር ብምእማን እዩ።

ድልውነት ሰዲህኤ ብዕቱብነት ዘካይዶ ቃልሲ ምስ ህዝብና ዝካፈሎ መርሖ ፖለቲካዊ ቃልሲ ኣብ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ዘትኮረ ምስ ከባቢኡ ማአት ህዝቢ ኤርትራ ዝተኣሳሰረ፡ ሰልፊ’የ ስምዑኒ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ክሰምዕ፡ ቅረቡኒ ዘይኮነ ክቀርብ፡ ሓድነት ግበሩ ዘይኮነ ሓድነት ክገብር ምስ ፖለቲካዊ ውሳኔታቱ ንዝቃዶን ንዝሰማምዕን ሓይልታት ኤርትራ ኩሉ ንዘተ ፍትሓዊ ቃልሲ ንሓባራዊ ስርሓት ብኡ ኣቢልካ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ንዛካየድ ቃልሲ ምሕያል ፖለቲካዊ ፍትሓዊ ንቕሓት ንምዕጣቕ’ዩ።

ድልወንት ሰዲህኤ፡ ሕነ ህዝብና ዘይሳተፎን ዘይውንኖን ሃገራዊ ፖለቲካዊ መስርሕ፡ ን27 ዓመት ክሓልፎ ዝጸንሐ ግፍዕን ጭቆናን መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ንምንጋፍ፡ ኣብ ንቡር ሂወቱ ንኽምለስ ሓደ ክልተን ዘይብሉ ጥርኑፍ መኣዝኑ ዝሓዘ ቃልሲ፡ መደባቱ ሰሪዑ ብግሉጽነት ንጹር፡ ቅንዕና፡ ተሓታትነት ንህዝብና ክምርሕ ዝኽእል ተሳትፎ ሓይሊ፡ ሓይልታት፡ ማሕበራት፡ ሰልፍታት፡ውድባትን ስለ ዝኣምን እዩ።

ድልውነት ሰዲህኤ ኣብ በይኑን፡ ውሳኔኡን፡ፖለቲካዊ መደብ ዕዮታት ዝደረቀ ቃልሲ ንምኽያድ ዘይኮነ፡ ኣብ እንካን ሃባን፡ ዘተን ስምምዕን፡ ሓባራዊ ስርሓትን ቃልስን፡ ህዝቢ ዘሳትፍ ከይዱ ከይዱ ክሳብ ሙሉእ ሓድነት ንምእንቲ ህዝቢ ኤርትራ ክኸዶ ዘለዎ ግደታት ዝተመርኮሰ’ዩ።

ድልውነት ሰዲህኤ ህዝብና ዝሓልፎ ዘሎ ኣግላሊ ማሕበራዊ ፍትሒ፡ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ከም ባዕዲ ተቆጺሩ ግደን ተራን ዘይብሉ ከቢድ ሂወት፡ ዝሓልፎ ዘሎ መሪር ኩነታት ናብራ ካብ ዘይፈልጦን ዘይወከሎን ምልካዊ ምሕደራ ንምድሓን፡ ብግርህናን ብየዋህነት ዝኣትዎን ውዕላት ዘይኮነስ፡ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ክሳብ ምትካል፡ ስልጣን ንህዝቢ ክሳብ ዝርከብ ዘሎ ግዜ ውሕስነት ዘለዎ መስርሕ ንህዝብና ክረጋገጸሉ ዘኽእል ኣገባብ እውጅ ውዕላት ስምምዓትን ዝተመርኮሰ’ዩ።

ድልወነት ሰዲህኤ ኣብ በይናዊ ሰልፋዊ ፖለቲካዊ ራእይ ዝተሓጸረ ዘይኮነስ ኣውራን ቀዳምነትን ህዝብና ዝርዕሞን ዝምእምኦን ዝደልዮን ኣማራጺ መንገዲ ምሕደራ ዘማዕደወ፡ ከምኡ’ውን ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ንረብሓ ህዝብን ሃገርን ከዕውት ተሰሊፉ ዝቃለስ ዘሎ ኩሉ ሰልፍታት፡ ውድባት፡ ማሕበራትን ኤርትራ ክሳብ ውልቀ ሰባት ዘሳተፈ ኣብ መደብ መስርሕ ቃልሱ ህሉው ኣጀንዳ ዝተመርኮሰ መደብ’ዩ።

ድልወነት ሰዲህኤ ካብ ጸቢብ ሰልፋዊ ትምክሕትን ኣንነትን፡ ፖለቲካዊ ስልጣን ቃልሲ ክንዮኡ ዘማዕደወ ንህዝቢ ዘርብሕ፡ ንሃገር ዘርብሕ፡ ህዝቢ ዝጥርንፍ፡ ሃገር ዝጥርንፍ ንህሉውን ጽንኩር ኩነታት ህዝብና ፍታሕ ዘማዕዱ፡ ካብ መድረኽ ምልኪ ንመድረኽ ህዝባዊ ስልጣን ዘሰጋግር፡ ተስፋ ቋጺሩ ሓባሪ መጻኢ ዕድላት ኣንፈት ሽግ ሓርነት ዘብርህ ቃልሲ ዘጓሃህር ዝተሞርኮሰ’ዩ።

ድልውነት ሰዲህኤ ካብ ወገይ ወገንካ ዝረሓቐ፡ ግዜ፡ ጉልበት፡ ዓቕሚ፡ ክእለት ሰባት ካብ ምጥፋእ ወይ ምብኻን ንኩሉ ሰብኣዊ ኣፍልጦን ተሞክሮ ንረብሓ ህዝብን ሃገርን ንምውዓል ዝምረጽ ኣገባብ ቃልሲ ይከኣል’ዩ ካብ ዝብል ሰብኣዊ ሕልናን ተሞክሮ ቃልሲ ዝተሞርኮሰ’ዩ።

እዚ ኩሉ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅስ ድልውነት ሰዲህኤ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ዜጋ ዘሎዎ ዊንታ ድሌት ተስፋ ሃረርታን ጦብላሕታን ምዃኑ ስለ ዝኣምን፡ ኣብ ብዙሕነት ኣረኣኣእያን ተሞክሮን ስለ ዝኣምን፡ ኩሉ ኣንጻር ህግዲፍ ንዲሞክራሲያ፡ ንፍታሕ ዝኣምን ዝውንኖ ሓሳብ ምዃኑ ስለ ዝኣምን ንምትግባሩ ብልዑል ኣቃልቦ ዝቃለሰሉ ሓሳባቱ ዘካፍለሉ ሓሳባት ዝቅበለሉን መፍትሒ ህሉው ኩነታት ኢሉ ዝኣምነሉ’ዩ።

ድልውነት ሰዲህኤ ኣብ ዘቤታዊ ፍታሕ ዝኣምን፡ ብቀዳምነት ፍታሕ ህዝብን ሃገርን ኣብ ሕድሪ ስውኣትና መብጽዓታት ህዝብና ዝተሞርከሰ ንውሁብ መሰረታዊ ክብርታት ህዝቢ ኤርትራን ሓርነቱን ብዘይምስምስ ንረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ንምውዓል እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ጉዳይ ንምፍታሕ እንተስ ብቅንዕናን ግሉጽነት ይበገስ’ምበር ኣኺሉ ዝተርፍ ተሞክሮን ጠመትን ኣለዎ። ኣብ’ዚ ህዝብና ኣትይዎ ዘሎ ሓድሽ ፖለቲካዊ ሃውሁ እንተኾነ ካብ ዘይነበረ ዘይኮነ ካብ ንቡር ተሞክሮ መስመር ነጻነት ሓርነት ህዝብን ሃገርን፡ ሰናይ ጉርብትናን ምሕዝነትን፡ ካብ ኵናት ብሰላምን ዘተን ኣንጻር ኩሉ ድሕረትን፡ ድኽነት ሕማም፡ ድንቝርና ንሃገርናን ዞቦናን ከሕየል ንስልጣነን ዕብየት ክመርሓን ዝኽእል ኣንፈት ፖለቲካዊ ዕላማ ንምርግጋጽ ይከኣል’ዩ ካብ ዝብል ሚዛን ዝተሞረኮሰ’ዩ።

 

ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና

ዜናን ሓበሬታን ሰዲህኤ

 

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=11212

Posted by on Dec 7 2018 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net