ብዛዕባ፦ ድሑን መጻኢ ህዝቢ ኤርትራ ካብ 12 ክሳዕ 14 ታሕሳስ አብ ሃገር በልጁም ዚተዋዕለ ሰሚናር ሓጺር ሓበሬታ

(ብተክልሰንበት ተኽላይ ከም ሓደ ካብ ተሳተፍቲ ሰሚናር ዚነበሩ ሰባት)

መእተዊ ከም ድሕረባይታ፦

እቲ ሰሚናር ኤርትራውያን ዘይኮኑ NGO|s (ዘይመንግስታዊ ትካላት) ዚተጸውዐ ኴይኑ ምስ ሕብረት ኤውሮጳ ወይ አብ ከባቢኡ ከም ተወከልቲ ናይ ሕብረት-ኤውሮጳ ኴይነን ዚሰርሓ ትካላት ከም ናይ በዓል ወ/ሮ ፋን-ራይዘን Mrs. Mirjam van Reisen ዘካተተ’ዩ። ካብኡ ሓሊፉ ብዙሓት ዕዱማት ንኣብነት ካብ ትግራይ ሓደ ኣቶ ተኪኤ ኪንፈ ዚበሃሉ ናይ ስደተኛታት ትካል (ARRA)፣ ካብ ከናዳ ሓደ ተጣባቒ መሰል ደቂ ሰባት ብፍላይ ንጕዳይ ዓፋር (Mr. Magnet)፣ እቲ ውሩይ ተቓዋሚ ህግደፍ ዚኾነ ኢንግሊዛዊ  Mr. Martin Plaut፣ ኬንያዊ ደጋፊ ፍትሕን ተማራማርን ካብ Erasmus Rotterdam university (Mr. Antony Otieno Ong’ayo)፣ አብ ኡጋንዳ ምኒስተር ብጕዳይ ስደተኛታት ዚኾነት (Mrs. Maria Malula) ተወላዲ ዚምባበወ ዚኾኑ ምክትል አብ ሕብረት ኣፍሪቃ (vice president of pan African parlament) ክጥቀስ ይካአል። ስም ዘለዎም ኤርትራዊ ምስኡ ተኣሳሲሩ ዚተራእዩ ኣባ ሙሴ ካብ ዓዲ-ጥልያን ነይሮም። ብዝተረፈ ሃይለ ኣፈወርቂ ካብ ሆላንድ፣ ከምኡ አብርሃም ተስፋይ ካብ ዓዲ-ጥልያን ከም መራኸቢ ሰሪሖም። እቲ ማእከል ናይ ኣጀንዳ ብከመይ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ድሕነቶም ተረጋግእ አብ ዚብል ዛዕባ ዚዓለመ’ዩ። ስለዚ እቶም ክሳዕ 450 ኤርትራውያን አብኡ ክንሳተፍ ዚነበረና ብቐንዱ አብቲ ቦታ ክንርአ ስለ ዚተደልየ ምንባሩ ርዱእ ነይሩ። ስለምንታይሲ እቲ ንድሕነት ስደተኛታት ኤርትራውያን ዘውሕስ እቲ ዓበይቲ ትካላት ከም ኤውሮጳ ሕብረት፣ ሕብራት መንግስታት ዓለም፣ ኣፍሪቃ ሕብረት ከምኡ’ውን ብቐንዱ እተን ተቐበልቲ ስደተኛታት ዚኾና ሃገራት ኢየን። ግና ነተን ዚድለያ ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላትን ንምዅሕኳሕ ህላወ ኤርትራውያን’ውን ከም ዘድሊ ንርዱእ ምኽንያታት ኣገዳስነት ነይርዎ።

ካልእ አገዳስነት ዚነበሮ ፍሉይ ነገር እንተነይሩ ገለ ኢትዮጵያውያን (ብፍላይ ከአ ተጋሩ) ምንባሮም’ዩ። እዞም ምሁራት አብ’ቲ ምኽፋት ዶብ ዚብል ዛዕባ ፍሉይ ትዅረት ሂቦምሉ ጥራይ ዘይኪነስ ከምቲ ናይ ብዓል ኢሰያስ ኣፈወርቂ አብ መንጎ ኢትዮ-ኤርትራ ዶብ አየድልን በሃልቲ ነይሮም። ግና በቶም ምስኦም አብ’ቲ ዓውደ ክትዕ ዚነበሩ ኤርትራውያን ከቢድ ተቓውሞ ገጢምዎም’ዩ። ምኽንያት ናይ ተቓውሞ ከአ፦ እወ ብሰላም ክንነብር ንኽእል ኢና፣ አድላዪ ኢዩ’ውን፤ እንተኾነ ግዳስ ደዶብካ ኣኽቢርካ ኢዩ። ምእንት’ዚ ናይ  ዶብ ኢትዮ-ኤርትራ አብ ባይታ ወሪድካ ናይ ምኽላሉ ጕዳይ ቅድሚ ኩሎም ከበድቲ ዚበሃሉ ዛዕባታት ክስራዕ ዚነበሮን ዘለዎን ጕዳይ ምዃኑ ተካታዕቲ ብሸነኽ ኤርትራ ጸቒጦም ኣስሚሮምሉ።

እቲ ዛዕባታት አብቲ ኣጀንዳ ናይ ዓውዲ ክታዓት (work-shops) ክሳዕ 30 ዚበጽሕ ነይሩ። ካብ’ቲ ኣገደስትን ንኣና ከም ኤርትራውያን ልብናን ቀልብናን ዚሰሓበ ዛዕባ ከም ህልዊ ሰላም አብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን (Diaspora Engagement: Reflections on Changes Taking Place in Ethiopia and Eritrea and the Role of Diaspora) ዚብል ነይርዎ። አብ’ዚ ዛዕባ ሰላም ክዛረቡ ከለዉ ኣባ ሙሴ ይብሉ፦ “ናይ ዘላቂ ሰላም ዋና ኣህዛብ ናይቲ ዚተጠቕሰ ሃገራት ብቐንዱ ከአ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ”። እቶም አብኡ አብ ሰሚናር ዚተረኸብና ከአ ድጋፍና ብጣቕዒት አመስኪርናሎም። ሻቡ አብቲ ሰሚናርን ንጽባሒቱ አብ ዚተኻየደ ዓውዲ ክታዓት (work-shops)  ከአ ብዕምቈት ናብኡ ማለት አብዚ ንሕናን ጕዳይናን ዚብል ዛዕባ አተኵርና ተኻቲዕና።

 

ፍረ ውጽኢት ሰሚናር፦

አብ’ቲ ዚተፋለለየ ዓውዲ ክታዓት (work-shops) ዚቐረቡ ዛዕባታት አዚዮም ኣገደስትን ጠቐምትን ነይሮም። ካብ ኵሉ ድማ ብሰብ ሞያን ምሁራትን ዚቐርብ ብዙሕ መሃሪ ዚኾነ ማዕዳታት ነይሩ። ገለ ካብ’ቲ ኣገዳሲ ማዕዳ ዚነበረ ንኣብነት ናይ ዳገፌታ መርበባት (solidarity networks) ዚብል’ዩ። እዚ ከምዚ ነቲ ሰሚናር ዚጸውዐ ዘይመንግስታዊ ትካላትን ሓደ ዚሰመረ ሓይሊ ደለይቲ ፍትሕን ሓቢሩ ዚሰርሓሉ ባይታ ምግባር ዚጽውዕ’ዩ። ግና ነዚ ዚተባህለ ዚሰመረ ሓይሊ ደለይቲ ፍትሒ ገና ክንሰርሖ ብቅድምያ ከድሊ ምዃኑ ከአ ኣይተዘንግዐን ዘሎ። ምእንተ’ዚ እቶም አብ’ቲ ሰሚናር ዚነበርና ኤርትራውያን ብዎኒ ተኻቲዕናሉ። ክሳብ ሓንቲ ሽማግለ ነቲ ዕማም ወሲዳ ትከታትልን ተካታትለናን እውን ከም ርእይቶ ቀሪቡ ነይሩ። ይኹን’ምበር አብ ኩሉ ኵርናዓት ሽማግሌታት በዚሓን ከአ ኢልና። ስለዚ ኣስማትና ናብ’ታ ናይ ጅነቫ ሽማግለ ወይ ሓደ ካብአ አብቲ ቦታ ዚነበረ ሓው ኣብርሃም ኢያሱ አረኪብና። ዕላማ ናይ’ዚታት ድማ ብቀዳምነት ብማእከላዊ ሚድያ አቢልና ሓድሕድና ክንራኸብ ኢዩ። ከይዱ ከይዱ ከአ ንኹሉ ደላይ ፍትሒ መዋስኢ-ሜዳ (platform) ንምርካብን ብኡ አቢልካ ድማ ሓደ ጥርኑፍ ኣካልን መሪሕነትን ንምርካብ”ዩ። ንእገረ መንገድና’ውን መን ይፈልጥ ቢልና ንሕብረት ኤውሮጳ ነዚ ክምውሉ እንተክኢሎም ብጽሑፍ ከም ሓደ ነጥቢ አብቲ ዚቐረበሎም ናይ ብዙሕ ነጥብታት ምሕጽንታ ቀሪቡ’ሎ። ብቀንዱ ግና ብኤርትራውያን ተመዊሉን ተመሪሑን ዚኸይድ ዋዕላ ምዃኑ እቲ ምርጫ ዘካትዕ ኣይነበረን። ብዝኾነ ብኣባ ሙሴ ትምራሕ ሓንቲ ናይ ኤርትራዊያን ተላኣኽትና ጌርና ጠላባትና ንሕብረትኤውሮጳ አረኪብና አሎና። ከምኡ አብ ምሸት ዓርቢ 14 ታሕሳስ ናብ ቅድሚ ህንጻ ኤውሮጳ ሕብረት ብኣካል ሰላማዊ-ሰልፊ ብምክያድ ነቲ ኩሉ ስራሕ ስእላዊ መዛዘሚ ገቢርና ነንብ ሃገራትናን ከተማታትናን ተመሊስና አሎና።

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=11220

Posted by on Dec 20 2018 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net