ኣብ’ዚ 27 ዓመት ዘይተዘረበን ዘይተጻሕፈን የለን፡ ዝተገብረ ኸ!

ርእሰ ዓንቐጽ

ሰዲህኤ

22 ጥሪ 2019

እወ፡ ብደሕሪ ሕጂ’ውን ክዝረብ ክጻሕፍ’ዩ፡ ምስ’ቲ ኩሉ ዝተዘርበን ዝተጻሕፈን ግን ሓደ ኣገዳሲ ዝተፈጸመ ታሪኽ ኣሎ። ዘይክሓድ ሓቂ መሰረት ደምበ ተቃውሞ ኤርትራ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ጸኒዑ ጠጠው ብምባል ዝገበሮ ታሪኻዊ ቁም- ነገር ጉዳይ ሕግን ፍትሕን፡ ሰላምን ራህዋን፡ ሓርነትን ኣብ ሃገርና ክነግስ፡ ነቲ ብሕድሪ ዝተቐበሎ ሽግ ሓርነት ከይትጠፍእ ዓቒቡ ሃልሃል እንዳበለት፡ ብሕድሪ ከኣ ንመንእሰይ ወለዶ ኤርትራ ከምሓላልፍ ምብቅዑ’ዩ። እዚ ንምግባር መስዋእቲ ዝተኸፍሎ ቀሊል ኣብ ርእሲ ዘይምንባሩ ትብዓት ቆራጽነት ወሳኒ ሓሳብ ዘድልዮ ምንባሩ’ዩ። ክብርታት ዕላማ ሓርነት ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ማዕረ ክንደይ ከቢድ ሓላፍነት ዘለዎ ምዃኑ ካብ ዘረጋግጾ’ዚ መስዋእትታት’ዩ። ምስ’ቲ ኩሉ ኣብ ደምበ ተቃውሞ ዘሎ ዘይምስምማዕ ግን ቀስ ብቀስ ህዝቢ ዝዓሰሎ፡ ሰፊሕ ህዝቢ ዝሳተፎ ቃልሲ ኣንጻር ህግዲፍ ኣውሪሱ ኣሎ።

ካብ ተሞክሮታትና ክንምሃርን፡ ንሃገራውን ህዝባውን ዕላማታት ኣብ ዓወት ክበጽሕ ዝዝረብን ዝጻሓፍን ማዕረ ኣሳጕማና ሕጂ’ውን ክቅጽል’ዩ። ሕጂ ግን ሕድሪ ኣውሪስና ምቕጻል ንስለ ምቕጻል ዘይኮነ ሓድነት ስኒት ኤርትራውያን ዝረጋገጸሉ፡ ስኒት ሓድነት ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ጥራሕ ዘይኮነ ንህዝባዊ ህጋአር፡ንመኢረት ሕድሪ ስውኣትን’ምበር። ስለ’ዚ እታ ሽግ ከይጠፍአት ኣብ’ቲ ሃገራዊ ዕላማ ክትበጽሕ ምብላሓትን ዓቕምታታትን ክእልታትን ሃገራውያን ኣወሃሂድካ ኣብ ረብሓ ህዝብን ሃገርን ንምውዓል ዝያዳ ቃልሲ ዝሕተተሉ እዋን ከም ዘድሊ ንማንም ዝተሓብኦ ምስጢር ኣይኮነን። እዛ ተዓቒባ ዝጸንሐት ሓንሳብ ሓንሳብ ትበርሕ ፡ ሓንሳብ ሓንሳብ ጽልግልግ ትብል ሽግ ዘልኣለም ተኾሊዓ ክትነብር ዘድልያ ኩሉ ክማላእ እንተዘይክኢሉስ ጽልግልግ ምባላ ተሪፉ ከይትጠፍኣና ንፈርሓሉን ግዜ’ኳ እንተበጻሕና፡ ብሓባራዊ ስምምዕን ምትሕግጋዝ ክንሰግሮ ክንኽእል እጃምና ኣዋሃሂድና ጉዕዞ ቃልሲ ኣብ ምቅጻል ደረጃ እንተበጽሒና ንሰግኣሉን ንጠራጠረሉን ክህሉ ኣይግባእን። እሞ ከይንጠራጠርን ከይንሰግእን እቲ ዝሓስብ ኣእምሮ፡ ስራሕ፡ ዝውሃሃድ ሓይልታት፡ ዝሓብር ኣየሓሳስባ ሃየ ሕጂ ክብገስ ይግባኦ።

ሽግ ሕድሪ ሰውኣትን መብጽዓ ህዝብናን ባልባል ክትብል ዘድልያ ካብ’ቲ ብዙሕ፡ ከም’ዚ ልዕል ክብል ዝተጠቕሰ ዝሓለፈ ነዊሕ ቃልሲ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ነፍሰ ግምገማን ሚዛንን’ዩ። ገምጋምን ሚዛንን ዘይብሉ ቃልሲ ከኣ መሕበሪ ኮምፓስ ዘይብሉ ጉዕዞ ባሕሪ ክይኸውን ክህሉ ዝኽእል ዕድላት ምጥቃም ገገለ ነቲ ዘይተመለሰ ሕቶታት ፍታሕ ክኸውን ዝክእል’ዩ። ኣድካሚ መስርሕ’ኳ እንተኾነስ መልሲ ዘይብሉ ሕቶ ግን ኣይኮነን። ይፈላለ ደኣ’ምበር ሃገራዊ ሕቶ ኩሉ ግዜ መልሲ ኣለዎ።

ሃገር ክበሃል እንከሎ ንኩሉ እቲ ህዝቢ’ዩ፡ብሄራቱ፡ፖለቲካዊ ዕልማናዊ ሓይልታቱን ኣረእኣይኡን ፡ነጻ እምነታቱ፡ ጾታታቱ፡ ኣተሓሳስብኡ ብዘይፍልልይ ኣብ ሓደ ሃገራዊ ኤርትራዊ ዕላማ ዝጥርንፍ ተርእዮ’ዩ። ሃገር ንምዕቃብ ከኣ ካብ’ቲ ንኩልና ሓደ ክገብርና ዝኽእል ሃገራዊ መንፈስን ከም መንቐሊ ወሲድና ክንገብሮ ንዘሎና ምድላዋት ኩሉ ነፍስና ሰሪዕና ብቅሩብነት፡ ኣነጺርና ገሊጽና ምስ’ቲ ሓቂ ገጽ ንገጽ ክንራኸብ ምስ ንኽእል ጥራሕ’ዩ። እዚ ብልሓት ምትሕግጋዝ ምትሕብባር ኢደይ ኢድካ፡ ሃገር ንኩሉ ብማዕረ ከም እትብጽሖ ዘኽእልን ዝገብርን መርኣያ ከኣ’ዩ።

ደምበ ተቃውሞ ሕድሪ ዓቒቡ ምኻድ ጥራሕ ኣኻሊ ኣይኮነን፡ ዝተዓቐበ ሕድሪ ከም ሕድሪ ህዝብና ክፈልጦ ክርድኦ ክሰርሓሉን ክጣበቐሉን ምትብባዕ ምንቓሕ ኣብ መወዳእታ ኣብ ሽቶ ክበጽሕ ክገብሮ ዘሎ ግድነትን ሓላፍነትን ክህልዎ ምግባር። ካልእ ይትረፍ ኣብ’ዚ ንክርከበሉ ፍሉይ ህሉው ኩነታትና ክንትሓጋገዝ፡ ክንተሓባበርን፡ ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ ህዝቢ ክጥርንፍ ሓላፍነት ዝወስድ ደምበ ተቃውሞ ኣብ ኣሰራርሕኡ ተበግሶ ቅንዕናን ግሉጽነት ክህልዎ ይግባእ።

ኣብ ክንዲ ባህርያትን ህግዲፍ ምዝራብ፡ ከምኡ’ውን ካብ ዝሓለፈ ቅድሚ ቅሩብ ኣዋርሕ ኣትሒዙ ክካየድ ዝጀመረ ተዋስኦታትን ትያትር ሰላም ገዲፍና፡ ብዛዓባና ብዛዕባ’ቶም ሰብ ሕድሪ ክንዛረብ ይግባእ። ኣብ መስርሕ ሰላም ኢትዮ-ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ጌጋታት ኢድና ከየዋጣወጥና ኣብ ኣካይዳና ዝጸንሐ ጉድለታት ብዝግበር ገምጋማት ክግለጽ ዝኽእል’ዩ። መጽናዕትን ገምጋማት ወይ ከኣ ሰሚናራት ኣብ ዝካየደሉ መወከሲ ክለዓል ግድነት’ዩ፡ ይኹን’ምበር መወከሲ ንመደባትናን ኣጀንዳታትና ዝውሕጦን ዘጥፍኦን ወይ ከኣ ዘህስሶን ዘድብዝዞን ኣጀንዳ ክኸውን ኣይግባእን ንማለት’ዩ። ምእንቲ’ዚ ከኣ ዝዓበየ ክፋል ጻዕሪታት ገምጋም ቃልስና ብዓብዩ ንህዝብና ተስፋ ዝህብ፡ዘቃራራብ፡ ሓባራዊ ስርሓት ዘበራትዕ ሕዳሰ ንማእከላይ ህዝባዊ ስልጣን፡ ዲሞክራሲ፡ፍትሒ ከይዱ ከይዱ ከኣ ንዕላማታት ህዝቢ ዝዕወተሉ ተሪፉ ዘሎ ስርሓት ንምዕዋት ምድላዋት ምግባር’ዩ ዝብል እምንቶ ኣማራጺ ዘይብሉ መስመር’ዩ። እዚ እምንቶን መስመር ቃልሲ ሰዲህኤ ከኣ ምስ’ቲ ህዝብና በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ ንኣብዝሓ ሽግራት ክፈትሕ፡ክውግን ዝኽእል’ዩ። ሕጂ ዝድለ ዘሎ ቅሩብነት ተበገሶታት ንዝቦኾሩን ንዝዛሕተሉን ኣገባብ ቃልሲ ብሓባራውን ምድግጋፍን ስርሓት ምብርባሮም ምዃኑ ይኣምን። በዚ ኣገባብን መንገድን ነቶም ዝተጻሕፉን ዝተዘርቡን ጉዳያት ሃገርና ኣጽኒዕና ብምሓዝ ብግብራዊ ስርሓት ከነሰንዮ ነግፈረግ ዘይብሉ ወሳኒ ግደታት ቃልሲ ይጥለብ።

ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና

ዜናን ሓበሬታን

ሰዲህኤ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=11251

Posted by on Jan 28 2019 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net