ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ኣብ እዋናዊ ዝምዕብሉ ዘለዉ ኣገደስቲ ፖለቲካዊ ተርእዮታት ዘለዎ መርገጺ፡

ኣብ ህልዊ  ዓለማውን ከባብያውን ሃገራውን ኩነታት ብመንጽር ኣብ ሃገርናን ደሞክራስያዊ ተጋድሎናን፡ ዝተፈላለዩ ናይ ደገ ሓይልታት ዘዕርፍዎ ጽልዋን ዘለዎ ግንዛበ ብዝምልከት፣

ሃገርና ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘላቶ ጂኦ- ፖለቲካዊ ኣቃማምጣ ክንርኢ እንከለና፡ ኣብ ነዊሕ መስመር ገማግም ቀይሐ ባሕርን፡ ሃብታም ናይ ነዳዲ ከባቢታትን፡ ናብ ህንዳዊ ውቅያኖስን ስወዝ ካናልን ዘሰጋግር   ወሽመጥ /ኣፍደገ/ ባብኤልማንደብን ዝተደኮነት ሃገር ከም ምዃና መጠን፡ እዚ ከባቢታት‹ዚ ኣብ ነፍስ-ወከፍ መዋእል ዝለዓሉ ዓለማውን ዞባውን ርእሰ-ሓያላን ሃገራት ክስሕብን ከሰሓሕብን ከም ዝጸንሐ ዝፍለጥ እዩ፡፡

እቲ ሕሉፍ ታሪኽ ኤርትራ ከም ሃገር ቅድሚ ምቛማ ነዚ ከባቢታት’ዚ መሊኦም ኣብ ትሕቲ ግዝኣቶም ንምእታው ዝተኻየዱ ወራራትን መጕበጥን ናይ ነዊሕ ታሪኽ ጉዕዞ ንግዚኡ ገዲፍና፡ ድሕሪ ካልኣይ ኵናት ዓለም ጥራሕ እንተወሲድና ብዓለምን ዞባን ልዕልነኦም ዘረጋገጹ ልዕለ ሓያላን ሃገራት፡ ነዚ እስትራተጂካዊ ከባብታት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሮም ብምእታው ፍትሓዊ ናጽነታዊ ሕቶ ህዝብና ብምጭፍላቕ ኣብ ረብሐኦምን ረብሓ ናይዚ ከባቢ መገበርታቶም ዘኾኑ ናይ ስዉር መግዛእቲ ስርዓታት ሃይለስላሰን ደርግን  ከም ዘውዓለዎ ናይ ቀረባ ተዘክሮና እዩ፡፡ በዚ ካኣ ሃገርናን ዞባናን ንልዕሊ ፍረቂ ዘመን ዝኸውን ሰላምን ምዕባለን ሓርቢቱዎ፡ ሓርነታዊ ሕቶ ህዝብና ድሕሪ ናይ ከባቢ 20 ዓመታት ሰላማዊ ቃልለሲ 30 ዓመታት ካኣ ሰፍ ዘይብል ከቢድ መስዋእቲ ዝተኸፍለሉ ዝተናወሐ ሓርነታዊ ኵናት፡ ኤርተራ ነጻን  ልዑላዊት ሃገር ኮይና ከም ዝቖመት ዘፍለጥ እዩ፡፡

ድሕሪ ነጻነት ኤርትራ ካኣ ብሓይሊ ብረት ኣብ ኮረሻ ስለጣን ዝደየበ ጸረ-ህዝብን ጸረ-ደሞክራስን ጻሕታሪ ኵናት ስረዓት ህግደፍ በብተራ ምስ ኩለን ጎረባብቲ ሃገራት ኣበ ግጭት ኣትዩ ኣብ መጨረሻ ካኣ፡ ዶብ ሽፋን ገይሩ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዘባረዖ ኵናት ብዙሕ ሰብን ሂወትን በሊዑ ኣብ ሞንጎ ክልቲኡ ሃገራትን ህዝብታትን ከቢድ ክሳራ ከም ዘኸተለ ዝዝከር እዩ፡፡ ን18 ዓመታት ኣይኵናት ኣይሰላም  ኮይኑ፡ እዚ ኣዕናዊ ጸሊም ታሪኽ እዚ ዝገደፎ በሰላ  ህዝብና ሰላም ሓርቢቱዎ ደቁ ብዘይ ገደብ ኣብ  ግዱድ ዕስክርናን  ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ካምቦታት ጀሆ ክተሓዙን በኵናትን ወረ ኵናትን ከመይ እናተሳቐዩ ከም ዘሕለፉዎ ኣብ ኣእም ኩሉ ኤርተራዊ ዝተቐርጸ ኣሉታዊ ምዕራፍ እዩ፡፡

ብኣጠቓላሊ ህዝብና ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ፖሎቲኮ-ማሕበረ ቁጠባዊ ሂወቱ ን28 ዓመታት ድከቱ ሰትዩ ኣብ ዝተጎሳቖለ ከርፋሕ መነባብሮ ወዲቑ ህዝብን ሃገርን ንሓደጋ ብርሰትን ምብትታንን ከም ዝተሳጥሑ ናይ ኣደባባይ ሚስጢር እዩ፡፡ ሕጂ ካኣ ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣባ ኢትዮጵያ ብዝተኸስቱ ሓደስቲ ምዕባለታት /ለውጥታት/ ምስ ስርዓት ህግደፍ ዝተኻየደ ናይ ሰላም ስምምዕ፡ ዓለማውን ዞባውን ተነሓናሕቲ ሓይልታት ብሓፈሻ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብፍላይ ካኣ ኣብ ሃገርና ኣብ ርእሲ’ቲ ኣቐዲሙ ናይ ዝተፈላለዩ ተጋራጨውቲ ዞባዊ ሓይልታት ዓውዲ ትያትር ኮይና ዝጸንሐት፡ህግደፍ መሬትን ባሕርን ኤርትራ ንጸቢብ ጉጅላዊ ረብሓታቱ ኣሕሊፉ ብምሃብ ኢደ-በይዛ ናይዚ ሓይልታት’ዚ ኮይኑ ክጥቀመሉ ከም ዝጸንሓነ ዘሎን ዝፍለጥ እዩ፡፡

ደላይ ሰላም ዝኾነ ናይ ክልቲኡ ህዝብታት ሃገራት ኢትዮጵያን ኤርትራን ናይ ሰላም ስምምዕ ምኽታሙን ዶብ ናይ ክለቲኡ ሃገራት ምኽፋቱን ህዝብና ከም ድልየቱ ክመላለስ ምኽኣሉን ኣብ  መጀመርታ እፎይታን ታሕጓስን ዝፈጠረሉ ኮይኑ፡ ይኹን ዳኣምበር እዚ ብሸነኽ ስርዓት ህግደፍ ግልጽነትን ተሓታትነትን ዘይብሉ ካብ ህዝቢ ዝተኾወለ ስምምዓት’ዚ ቀለሙ ከይነቐጸን ነዊሕ ራሕቂ ከይተጓዕዘን ስርዓት ህግደፍ ከም ኣመሉ ብኢደ-ወነኑ ዶባት ክልቲኡ ሃገራት ክልኩቶን፡ ሰፊሕ ወተሃደራዊ ግፋ ከካይድን ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ገጠርን ከተማታትን መጠነ-ሰፊሕ ናይ መሊሻ ሓይሊ ከዕጥቕን ተተሓሒዙዎ ተሰለፍ ተኣንጎት ክብል ኣሎን፡፡ እዚ መጠነ ሰፊሕ ግፋ’ዚ ምስቲ ናይ ሰላም ስምምዕ ዘይቃዶ ኣብ ህዝብና ዝፈጥሮ ስግኣትን ሻቐሎተን ዘይምትእምማንን መሊሱ እናዓበየ ከይዱ፡ ስርዓት ህግደፍ ጻሕታሪ ኵናት ባህርያቱ ደጊሱዎ እዩ ብዝብል  ብብዝሒ ህዝብና ናብ ስደት ክውሕዝ ይርከብ፡፡ ብርግጽ እዚ ብኣልማማ ዘካይዶ ዘሎ ግፋ እዚ ቀንዲ ዕላምኡ ቆላሕታ ህዝቢ ኣብ ክንዲ ንውሽጢ ንደገ ክጥምት ዘገብሮም ዘሎ ሸርሕታት ምዃኑ ደ.ግ.ሓ.ኤ ይግንዘብ፡፡

ብመሰረቱ እቲ ናይ ሰላም ስምምዕ ምስ ሓደ ሕገ-መንግስቲ /ቅዋም/ ዘይብሉ ጸረ-ህዝቢ ገባቲ ምልካዊ ስርዓት፡ ኣብ ምሕረት ሓደ ውልቀ ሰብ ዝወደቐት ሃገር ዝብጽሑ ስምማዓት ናይ ህዝቢ ኣመኔታ ዘይብሎም፡ ምስ ግዝያዊ ውልቃዊ ረብሓታት ዝገላበጡ፡ ውሕስነት ዘይህቡ ክሳብ ኣብ ሕቶ ልዑላውነት ኤርትራ ጥርጠራታት ፈጢሮም  መጻኢ ዕድል ህዝብን ሃገርን ኣብ ምልክት ሕቶ ክኣትዉ ዝገበሩ ምኻኖም፡ ኩሉ ኤርተራዊ ብጽሞና ክከታተሎም ዝጸንሐን ዘሎን መዃኑ ዝፍለጥ እዩ፡፡ ስለ ዝኾነ ካኣ ሕጂ‹ውን እቶም ስምማዓት ብዝርዝር ተቐሪጾም ዘላቒ ረብሓታት ናይ ክልቲኡ ህዝበታት ኤርትራን ኢትዮጵያነ ብዘረጋግጽ ግልጽነትን ተሓታትነትን ብዘለዎም ተሰኒዶም ሓፋሽ ክፈለጦምን ሓሳባቱ ክህበሎምን ክግበር ይልዎም ንብል፡፡

እቲ ንክልትኡ ህዝብታት ከቢድ ዋጋ ዘኽፈለ ናይ ዶብ ምስሕሓብ  ብመሰረት ስምምዕ ኣልጀርስን ውሳነ ኮሚሽን ዶብን ብዘይ ዋዓል-ሐደር ቀልጢፉ ኣብ ፍጻመ ክበጽሕ ኣማራጺ ዘይብሉ ህጹጽ እዋናዊ ዕማም ናይ ክልቲኡ ስርዓታት ምዃኑ  ደ.ግ.ሓ.ኤ ይንዘብ፡፡ ድሮ’ኳ ስርዓት ህግደፍ በቲ ባዕሉ ዝቐረጾ ግልጽነት ዘይብሉ ስምማዓት ተሸፊኑ፡ ኣብ ዘዝተወረጠሉ ናይ ህዝቢ ኣኼባታት፡ ንሓይልታት ኢተዮጵያን ስርዓቶምን መቓቒሉ ክሃርም ምእንቲ ነቶም ዝቐርብዎ ሕቶታት ግቡእ መልሲ ኣብ ክንዲ ምሃብ “ዶብና ከይሕንጸጽ ወያነ እዮም ዓጊተሙና ካብ ባድመ ምውጻእ ኣብየሙና ዘለዉ እነዳበለ ንመጠነ ሰፊሕ ወታደራዊ ግፍኡ ሽፋን ክህብን ከመሳምስን ከዳናግርን እዩ ዝርከብ ዘሎ፡፡

ኩነታት ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ብዝምልከት፣

ድሕሪ ናይ ኢትዮ-ኤርትራ ናይ ሰላም ስምምዕ ምኽታሙ፡ ህዝቢ ካብ ክልቲኡ ሃገራት ዝተፈላለዩ ናይ ሽቐጣ-ሸቐጥ መሳርሒታት ናብዝን ናብትን ክምሓላለፉን ቤተ-ሰቡ ክርኢ ዕድላት ምስ ተኸፍተን  እዚ ዝገደፎ ጽልዋታት ብሓደ ሸነኽ፡ ብካልእ ሸነኽ እቲ ንልዑላውነት ሃገረ ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ግልጽነት ዘይብሉ  ኣካይዳ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ተሓዊስዎ፡ ብቀረባ ኣብ ጎረቤትና ሃገረ-ሱዳንን ኣልጀረያን ደሞከራሰያዊ ስርዓት ንምትካል ዝካይዱ ዘለዉ ምልዕዓላት ዘዕርፈዎን፡ ብደገ ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ከዕርፎ ዝጸንሐን ዘሎን ጽልዋታትን ቃሊልካ ዝራኣዩ ኣይኮኑን፡፡

ህዝብና ምስቲ ን28 ዓመታት ኣረሜናዊ ስርዓት ህግደፍ ሓሳረ-መከርኡ ክርኢ ዝገበሮም ዝጸንሐን ዘሎን ተደማሚሩ ኣብ ነንሕድሕዱ ብውሽጢ-ውሽጢ ኣብ ዝተፈላለዩ ዘራኽብዎ ኣጋጣሚታት፡ ብምረት ክዛረበሎምን እቲ ስርዓት ኣብ ዝጸወዖም መድረኻት ሕቶታት ከልዕልን ፍርሓቱ ቀስ ብቐስ እናነከየ  ደፊሩ ክዛረብ ምጅማሩ ክሳብ ለይቲ -ለይቲ ዝተፈላለዩ ናይ ተቓውሞ ጽሑፋት ክብተን ምግባሮም ሓደ መርኣያ ኣብ ልዕሊ እቲ ስርዓት ዘለዎ ጽልኣት ኮይኑ ኣብ ውሽጣዊ ተቓውሞ ናይ ህዝብና ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት እዩ፡፡ ነዚ ናይ ተቓውሞ ናይ ቃለሲ ቁልዒ‹ዚ ናብ ዝሰፍሐ ህዝባዊ ምልዕዓላት ዘሰጋግር ባይታ ኣብ ምምድማድ ክሕግዝ ምእንቲ ውጹዓት ክፍልታት ኣባላት ሰራዊት ይኹኑ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ሃይማኖትን ማሕበራዊ ኣካናውና ሕብረተ-ሰብና ዝሓቑፎም ውዳበታትን ኣብ ጎኒ ፍትሓዊ ሕቶ ህዝብና ጠጠው ኢሎም ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ክውገድ ሓርበኛዊ ታሪኻዊ እጃሞም ክጻወቱ ደ.ግ.ሓ.ኤ ይጽውዕ፡፡

እዚ ብውሽጢ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ካኣ ብዝሰፍሐ መልክዑ ኣብ ብዙሓት ሃገራትን ከተማታትን ብዝተፈላለየ መልክዕ ወደባታት ምልካዊ ስርዓት ስርዓት ህግደፍ ክውገድ “ይኣክል ዝብል እዋናዊ ጭርሖ ኣልዒሎም መጠነ ሰፊሕ ምንቅስቓሳት ከካይዱ ዝጸንሑን ዘለዉን ህዝባዊ ምልዕዓላት ተበግሶታት ልዑል ሞጎሱ እናገለጸ፡ ናብ ዝሰፍሐ ዝተወደብ ህዝባዊ ተቓውሞታት ክሰጋገር ድማ የተባብዕ፡ ካብዚ ሓሊፉ ክሳብ ኮንፈረንሳትን ሰላማዊ ሰልፍታትን ክገብሩ ዝሸባሸቡ ዘለዉ ውድባትን  ስቪካዊ ማሕበራትን ማሕበረ ኮማትን  ግዱሳት ሃገራውያንን ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ግብኣተ-መሬቱ ክቀላጠፍ ዝጽውዑ ተቓውሞታት ዝተባባዕ ተበግሶታት ኮይኑ፡ ሓደ መርኣያ ስፍሓት ደምበ ተቓውሞና ዘርኢ እዩ፡፡ እዚ ይኣክል ዝብል ምንቅስቓስ እዚ ዕላምኡ ሽትኡ ክወቅዕ ምእንቲ እቲ ብገለገለ ሸነኻት ካብኣቶም ንውድባት ኣግሊሉ ክኸይድ ዝደሊ ግጉይ ኣረኣእያታት ዝሓዘ ሸነኽ ተስተኻኺሉ ዝተወደበ ቅርጻን ውዳበን ሒዞም ምስ ኩሎም ኣካላት ደምበ ተቓውሞ ብዘይ ኣፈላላይ ሓቢሮም ክቃለሱ ደ.ግ.ሓ.ኤ ይጽውዕ፡፡

ካብዚ ሓሊፉ ኣብቲ ዝተወደበ ፖለቲካዊ ሓይልታትን ስቪካዊ ማሕበረ-ሰባትነ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ድሕሪ ትሻዓተ /9/ ዓመታት ወድዓውን ባዕላውን ጸገማትን ውሽጣዊ ዘይቅሱን ሃለዋትን ብዙሕ ናይ ውረድ  ደይብ ሓጎጽጎጻትን ደውታን ጉዕዞ ናብ ምግባእ 2ሃገራዊ ጉባኤ ምብጽሑን   ትካላዊ ሂወት ዘሪኡ ክቕጽል ዝገበሮ ጻዕርታት ምስቲ ኩሉ ሕጽረታቱ ዝምጎስ እዩ፡፡ ካብዚ ንድሕሪት ባይቶን ካብ ባይቶ ወጻእን፡ ኪዳን ካብ ኪዳን ወጻእን፡ ጀብሃን ሻዕብያን፡ ብታሕቲ ታሕቲ ሃገራውን ትሕተ ሃገራውን ከምኡ‹ውን ኣስላምን ክርስትያንን ወዘተ እናተባህለ ዝኸይድ መስርሕ ቃልሲ ከይዱ ከይዱ ናብ ናይ ዘይሃናጺ ምንጽጻግን ምውድዳርን ወዘተ ጸቢብ ዓንኬል ዘዘምብል ኣተሓሳስባታት እዚ ተወጊዱ ናብ ሰፊሕ ምጥርናፍ ንምስግጋሩ ክካኣል ምእንቲ ሓንሳብን ንሓዋሩን ብቃልሲ ክበሊ  ዘለዎ ጉዕዞ ምዃኑ ደግሓኤ ይኣምን፡፡

እዚ ሕጂ ዘሎ ወድዓዊ ኩነታት ናይ ሃገርናን ዞባናን ዓለምን ናይ ኩሎም ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝቃለሱ ውድባትን ምንቅስቓሳትን ሰቪካዊ ማሕበረ-ሰባትን ደቂ-ኣንስዮን መንእሰያትን ምሁራንን ዓበይቲ ዓድን ናይ ሃይማኖት መራሕትን /ሰለበሬትስ/ ወዘተ ናብ ዝሰፍሐ  ጽላል ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ክንሰጋገር ዝጥለበና ዘሎ ብጣዕሚ ተሃዋስን ህጹጽን መድረኽ ኣቲና ምህላውና ኣብ ጸበጻብ ብምእታው፡ መሪሕነት ኤሃ.ባ.ደ.ለ. ይኹን እቶም ካብ ባይቶ ወጻኢ ዘለዉ ውድባት፡ ስቪካዊ ማሕበረ-ሰባትን ምንቅስቓሳትን ወዘተ ናብዚ ብዘይ ኣፈላላይ ንኹሉ ተቓላሳይ ዝሓቑፍ ናብ ዝሰፍሐ ብሓባር ዝውደብ ጽላል ደምበ ተቓውሞ ዘሰጋግረና መደብ ተሊሙ ክንቀሳቐስ ደ.ግ.ሓ.ኤ ጸዋዒቱ የቕርብ፡፡

ጎኒ-ንጎኒ ምስዚ‹ውን ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ውሽጢ 18 ፖለቲካዊ ውድባት ተተሊሙ ዝነበረ መደብ ድሕሪ ምዝዛም 2ይ ሃገራዊ ጉባኤ ኤ.ሃ.ባ.ደ.ለ .ምቛም ናይ ፖለቲካዊ ሓይልታት ግንባር ክረጋገጽ ጻዕረታት ክግበር ዝተወጠነ መርሆ ተግባራዊ ዝግበረሉ መደብ ክታሓዝን ኣብ ፍጻመ ክበጽሕን ይጽናሓለይ ዘይባሃል ህጹጽ መድረኻዊ ዕማም ፖለቲካዊ ሓይልታትን ህዝብን ምዃኑ ደ.ግ.ሓ.ኤ ይኣምን፡፡ ኣብ ሕሉፍ ተሞክሮና ቀንዲ ዕንቅፋት ባይቶ ኮይኖም ዝጸንሑ ፖለቲካዊ ሓይልታት ከም ምዃኖም መጠን፡ ፖለቲካዊ ሓይለታት ካብዚ ኣሉታዊ ተሞኩሮታት‹ዚ ክድሕኑን፡ ናይ ገዛእ ነብሶም ውሽጣዊ ስጥመት ፈጢሮም ዕማማቶም ከሳለጡን፡ ኣብቲ ዝምስረት ሰፊሕ ጽላል ደምበ ተቓውሞ ምስ ካለኦት መሻርኽ ቲ ኣካላት ቀላሲ ተረኦም ክጻወቱን፡ ዝሓየለን ዝደልደለን ወቓዒ ምሕዝነታዊ ሓይሊ ኣብ ምርግጋጽን ሰፊሕ ሓፋሽ ህዝብና ኣብ ዙርያ ሰፊሕ ጽላል ደምበ ተቓውሞ ክዓስል ኣብ ምግባርን ብጥምረት ክዋስኡ እንከለዉ ናቶም ደራኺ ተራ ክጻወቱ የኽእሎም፡፡

ህዝብታት ኤርተራ ከምዚ ኢሎም ብሰንኪ ኣዕናዊ ፖሊሲታት ስርዓት ህግደፍ ብኢሰብኣዊ ተግባራቱ ኣብ ዝሳቐይሉን ናብ ስደት ብዘይ ምቁራጽ ብኣሽሓት ኣብ ዝውሕዙሉን ነቲ ዝጸንሐ ናይ ብረሰትን ምብትታንን ሓደጋ ኣብ ዘቀላጥፎ ዘሎ ወቕቲ ሃገርና ዝወደቐት ሃገር /FAILED STATE/ ናይ ምዃን ዕድላ እናዓበየ ኣብ ዝኸደሉ ነቶም ኣብዚ መድረኽ‚’ዚ ኣብ ውሽጢ ሃገርና ዝኽሰቱ ዘለዉ ምቹኣት ናይ ቃለሲ ዕድላት ተጠቒምና ካልኣዊ ፍልልያትና ካላኣዊ ቦታ ኣትሒዝና ኩሉ ዓቕምታት ተቓለስቲ ህዝብታትና ጠሚርና እዞም ኣጋጣሚታት እዚኣቶም ተቐላጢፍና ናብ ረብሓ ደሞክራስያዊ ተጋድሎና ከነውዕሎምን ነቲ ሓደጋ ከነዓጽፎን እንተዘይክኢልና በዚ ኣብ ሃገርና ብስርዓት ህግደፍ ይኹን ብዓለማውን ዞባውን ሚዛን ሓይልታት ዝፍጠሩ ዘለዉ ኣሉታዊ ጽልዋታትን ዝዋደድ ዘሎ ዝተሓላለኸ ሸርሕታትን ኣብ ልዕሊ ሃገርናን ደሞክራስያዊ ተጋድሎናን ሳዕቤኑ ብጣዕሚ ከቢድ ክኸውን ከም ዝኽእል ደሞከራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ /ደ.ግ.ሓ.ኤ/ ይግንዘብ፡፡

ነዚ ሓደጋታት’ዚ ንምመካትን ንምውጋድን  ድማ ነቶም ኣብ ላዕሊ ተጠቒሶም ዘለዉ መድረኻዊ ዕማማት ኣብ ምዕዋት ምስ ኩሎም መሻርኽቲ ኣካላት ብመንገዲ ሰፊሕ ጽላልና ባይቶ ይኹን ካብ ባይቶ ወጻኢ ዘለዉ ውድባትን ምንቅስቓሳትን ኣብ ሓባራዊ እምነት ዝተሰረተ ምሕዝነታዊ ቃልሱ ሕጂ’ውን ከም ቀደሙ ክቕጽለሉ ምዃኑ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ የረጋግጽ፡፡

ኣብ መደምደምታ፡ ደሞከራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ /ደግሓኤ/ ሕጂ‹ውን ነቶም ብሰንኪ መዕነዊ ፖሊሲታት ስርዓት ህግደፍ ሃገሮም ራሕሪሖም በኣሽሓት ዝስደዱ ዘለዉ ዜጋታትና ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያን ሱዳንን እናተቐበሉ ዝገብዎ ዘለዉ ምድግጋፍ ሞጎሱ ይገልጽ፡፡

ተጸዋዒ ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት መንግስታት ይኹን ኣህጉራውን ዓለም ለኻዊ ሰብኣዊ ትካላት፡ ኤርትራዊ ስደተኛ ናብ ዝኾነ ሃገር ከይዱ ዕቕባ ኣብ ዝሓተሉ ግዜ ናይ ስደተኛ መሰሉ ክረጋገጸሉ ክተሓጋገዝዎ ደግሓኤ በዚ ኣጋጣሚ  ምሕጽንትኡ የቕርብ፡፡

ከምኡ’ውን ኣብዚ ወቕቲ’ዚ ጎረቤትና ህዝቢ ሱዳን ኣብ ፖለቲካዊ ቃልሲ ልዑል ተሞከሮ ዘለዎ ህዝቢ ድሕሪ ናጽነት ሱዳን ንመበል ሳልሳይ ግዚኡ ደሞከራስያዊ ስርዓት ንምትካል ዝገብሩዎ ዘለዉ ቃልሲ ብተመሳሳሊ’ውን ህዝቢ ኣልጀርያ ኣብ ጸረ-ባዕዳዊ ተጋድልኡ ሰፍ ዘይብል ከቢድ መስዋእቲ ዝኸፈለ ሓርበኛዊ ህዝቢ ደሞክራስያዊ ስርዓት ንምትካል ዘካይዶም ዘሎ ሰላማዊ ህዝባዊ ምልዕዓላት ፍትሓውን ደሞክራስያውን ሕቶታቶም ብዓወት ኣብ ፍጻመ ክበጽሕ ደ.ግ.ሓ.ኤ ልዑል ምንዮቱ ይገልጽ፡፡

ህዝቢ የመን ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ኣብ  ዘካይድዎ ምልዕዓላት ዘጋጠምዎ ዕንቅፋታት ጸረ-ህዝቢ ስርዓት ህግደፍ ንጸቢብ ረብሓታቱ ክብል ሰላሞም ኣብ ምዝራግ ናቱ ኣሉታዊ ተራ ክጻወት ዘጸንሐን ዘሎን ኮይኑ፡ ብዙሕ ናይ ሞትን ምፍንቓልን ጸገማት ኣጋጢምዎ እዩ፡፡ ካብዚ ሓሊፉ ብዓጸቦን ዝተፍላለዩ ተላገብቲ ሕማማትን ክሳቐ ዝጸንሐን ዘሎን ኮይኑ፡ እቲ ጎነጺ ብሰላም ክፍታሕን ኣዕናዊ ኵናት ከብቅዕን መጻኢ ዕድል ሃገሩ ባዕሉ ብምውሳን ዝተረጋገአ ሂወት ክመርሕ ሕጂ’ውን ሕብረተ-ሰብ ዓለም ነዚ ናይ ብርሰት ሓደጋ‹ዚ ኣብ ምፍትሑ ልዑል ቆላሕታ ክህቦን ክትሓጋገዞምን  ደግሓኤ ምሕጽንትኡ የቕርብ፡፡

ዓወት ንሓርነታዊ ቃልስና!

ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ

/ደ.ግ.ሓ.ኤ/

ግንቦት20/2019

 

 

 

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=11277

Posted by on May 23 2019 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net