መግለጺ ፈጻሚ ኣካል ኤርትራዊ ሃገራዊ ግንባር(ኤሃግ) ኣብ እዋናዊ ፖሎቲካዊ ኩነታት ሃገርና፥

  1. ህዝቢ ኤርትራ፡ ‘ይኣክል’ ዝብል ረዚንን እዋናውን ሃገራዊ ጭርሖ ተሓንጊጡ፡ ንጨካን ገባቲ ስርዓተ ምሕደራ ኢሳያስን ደገፍቱን ንሓንሳእን ንሓዋሩን ክኣሊ፡ ናብ ውዑይ ናይ ቃልሲ ማዕበል ኣትዩ ይርከብ። እዚ ምንቅስቓስ’ዚ፡ እኩብ ድምር ናይ’ቲ ን27 ዓመታት፡ ብሓደ ዕሉል ውልቀ መላኺ ዝምራሕ ገባቲ ጉጅለ፡ ብዘይ ሃገራዊ ቅዋም ክግዛእ፣ ብዘይ ሕግን ፍርድን ክእሰር፡ ኣብ ጋህስታት ክማስን፡ ንሓዋሩ ክሓቅቕ፣ መንእሰያት ደቁ እናተመንጠለ ብሽም ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ንሞት፣ መቕሰልትን ጊላዊ ዕዮ ክቃልዑ፣ ገንዘቡ ኣብ ባንኪ ተዓሺጉ ትኳቦ መንግስቲ ክጽበ …..ወዘተ፡ ናይ ዘሕለፎ ከርፋሕ ሂወት ውጽኢት ጥራሕ ኣይኮነን። ሕሉፍ ሓሊፉ፡ ብመሰረት ስምምዕ ሰላም ክልቲኦም መንግስታት፡ ዶብና ብውሳኔ ኮምሽን ዶብ ብዘይ ቅድመ ኩነት ክምልከት እናተገበኦ፡ ነዚ ህጹጽ ፍታሕ ዝጠልብ ሕቶ ዕሽሽ ብምባል፡ ነታ ከም ብሌን ዓይኑ ዝርእያ ልዑላውነትን ናጽነትን ሃገሩ፡ ንባዕዲ ኣሕሊፉ ክህባ ዝደናደን ሕቡእ ሸርሕታት፡ ብኢሳይያስን ደገፍቱን ክፍጸም፡ እንዳተመልከተ ብምምጽኡ፡ ናብ ዝለዓለ ጥርዙ ዝደየበ እዩ። ስለዝኾነ’ውን እዚ ‘ይኣክል’ ዝብል ሓያል ኒሕ ዝተመልኦ ሃገራውን ህዝባውን  ጭርሖ፡ ኣብ ቅድሚኡ ዘጋጥሙዎ ብደሆታት ብዘየገድስ፡ ገባቲ ኢሳይያስን ስርዓቱን ከይጸረገ ዝዕገት ኣይኮነን።

 

እዚ ተወሊዑ ዘሎ ናይ ቃልሲ ማዕበል፡ ናይ ህዝብና ድልየታትን ትጽቢታትን ብዘተኣማምን ኣማሊኡ ክዛዘም ድማ፡ ናይ ፖሎቲካዊ ሓይልታት ዝተወሃሃደን ብቑዕን ኣመራርሓ፡ መተካእታ የብሉን ኢሉ ኤርትራዊ ሃገራዊ ግንባር(ኤሃግ) ይኣምን። ይኹን’ምበር፡ ኣብ ክሊ’ዚ ‘ይኣክል’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ሃገራዊ ጨርሖ ተወሊዑ ዘሎ ሰፊሕ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ዝዋስኡ ሓደ ሓደ ወገናት፡ ንተራን ኣበርክቶን ፖሎቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ዘናኣእሱን፡ ተሳትፎኦም ንጎድኒ ብምጉሳይ፡ ብዘይ ስጡምን ብቑዕን ፖሎቲካዊ ኣመራርሓ፡ ክጓዓዝ ዝደፍኡ ምህላዎም ኣብ ባይታ ዝርኤ ዘሎ ግሁድ ሓቂ ኢዩ። በዚ ኣንፈት’ዚ ዝኸይድ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ድማ፡ ዘየድሊ ጊዜ ዝበልዕ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ከቢድ መስዋእቲ ዝሓትት፡ ከይዱ ከይዱ ድማ፡ ብቐንዱ ኣብ ኢድ’ቶም ጉጅላዊ ረብሓኦምን ልዕልነቶምን ጥራሕ ዘገድሶም  ጉጅለታትን ባእታትን  ክወድቕ ዝገብር እዩ። እዚ ድማ፡ ነቲ ይኣክል ዝብል ሰፊሕ ምንቅስቓስ ህዝብና፡ ውጽኢቱ ”መለሳ ቆሎስ ጥጥቖ” ከይኸውን ክንጥንቀቕን ኣርሒቕና ክጥምት ይህልወና።

 

ስለዝኾነ’ውን ኣብ’ዚ ‘ይኣክል’ ዝብል ሰፊሕ ሃገራዊ ምንቅስቓስ፡ ብዘይ ዝኾነ ኣፈላላይ፡ ኩሎም ፖሎቲካዊ ሓይልታት፣ ሲቪክ ማሕበራትን መላእ ደላዪ ለውጢ ህዝብናን ዓቕምታቶም ኣስሚሮም፡ መቐላ ዕዮኦም ብምንጻር፡ ርሑቕ ዘማዕደወ ንጹር ራእን ተልእኮን፡ ቅኑዕ ዕላማን  ኣተሓሳስባን ሰኒቖም፡ ንኢሳይያስን ደገፍቱን ካብ’ቲ ብሒቶሞ ዘለዉ ጨቋኒ ፖሎቲካዊ ስልጣን ንምእላይ ክቃለሱ ይግባእ። ነባራት ይኹኑ ሓደስቲ ፖሎቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ኣብ ክሊ’ቶም ተሸኪሞም ዝጸንሑ ወድዓዊ ጸገማት ኮይኖም፡ ናይ ገባቲ ስርዓት ኢሳይያስ ዝተፈላለዩ መልክዕ ዘለዎም ተጻብኦታት እናጠሓሱ፡ ነዚ ሎሚ ተወሊዑ ዘሎ ሰፊሕ ሃገራዊ ምንቅስቓስ ባይታ ኣብ ምጥጣሕ፡ መሪርን ዝተሓላለኸን ቃልሲ ዘካየዱን ከቢድ መስዋእቲ ዝኸፈሉን ብምዃኖም፡ ንኣወንታዊ ኣበርክቶኦም ግቡእ ክብሪ፡ ንዘርእዩዎም ድኽመታት ድማ፡ ሃናጺ መኣረምታ ሓጋዚ ነቐፈታ ብምልጋስ፡ ከም ፖሎቲካዊ ሓይልታት ክስገር ዘይክእል መሪሕ ተርኦም ክጻወቱ ከምዝኽእሉ ምእማንን ምቕባልን የድሊ ኢሉ፡ ኤሃግ ይኣምን።

 

  1. ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ደላዪ ለውጢ ህዝብና፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዓለም ኮይኑ፡ ይኣክል ዝብል እዋናዊ ጭርሖ ክብ ኣቢሉ፡ ናብ ውዑይ ቃልሲ ኣብ ዝኣተወሉ እዋን፡ ካብ ፍርቂ ወርሒ ሚያዝያ 2019 ጀሚሩ፡ ኣብ ሃገረ ስዊደን ብ2ይ ሃገራዊ ጉባኤ ዝተሰመየ ናይ ዝተፈላለዩ ፖሎቲካዊ ውድባት፣ ሲቪክ ማሕበራትን ነጻ ኣካላት ህዝብናን መጋባእያ ተኻይዱ ኣሎ፡፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ኣብ ሎንዶን ዓዲ እንግሊዝ፡ ናይ ሙሁራት ኤርትራውያን ኮንፈረንስ  ተሰላሲሉ እዩ።

ብእምነት ኤርትራዊ ሃገራዊ ግንባር(ኤሃግ) ዕምሪ ገባቲ ስርዓት ኢሳይያስ ዘሕጽር፡ ነቲ ብደለይቲ ለውጢ ተላዒሉ ዘሎ ሰፊሕ ናይ ይኣክል ምንቅስቓስ፡ ቅኑዕ ማኣዝን ዘትሕዝ፣ ጠቐምቲ ሓሳባት ዝልግስ፣ ይዕበ ይንኣስ ኤርትራዊ መድረኽ ብኣወንታ ዝርእዮን ደጋፊኡ ምዃኑን የረጋግጽ። ይኹን’ምበር፡ ኣብ ተሳትፎ መዳይ ብዙሕነታዊ ክውንነት ህዝብና ኣብ ግምት ምእታው፡ ኣብ ሕሉፍ ተሞኩሮ ቃልስና ዘሕለፍናዮም ኣሉታዊ ተሞኩሮታት ተገንዚብካ ብቕንዕና ንምስጋር ወትሮ ድሉውነትን ትብዓትን ምውናን ኣማራጺ ዘይብሉ ምዃኑ ጽኑዕ እምነቱ እዩ፡፡

በዚ መንጽር ክረአ እንከሎ፡ እቲ ብሽም 18 ፖሎቲካዊ ውድባት ነብሱ ዘላለየ፡ ብቐንዱ ብላዕለዎት ሓለፍቲ ኤ.ዲ.ኪ. እናተመርሐ ዝመጸ፡ ሓደ ሸነኽ ካብ ኣባላት ፖሎቲካዊ ውድባት ኤሃባደለ፡ ምስ መሻርኽቱ ወገናት፡ ኣብ ስዊደን ናብ 2ይ ሃገራዊ ጉባኤ ክኣቱ ዝተኸተሎ ኣንፈት፡ ጸቢብ

1

 

ውልቃውን ጉጅላውን ሒሳባት ማእከል ዝገበረ፡ ሕገ ህንጻ ቀዳማይ ሃገራዊ ጉባኤ ዝጠሓሰ፣ ጸረ ዲሞክራስያውን ኣግላልን ምንባሩ እምነት ኤሃግ እዩ።

ከም ዝፍለጥ፡ ኣብ መስርሕ ቅድመ ምድላው 2ይ-ሃገራዊ ጉባኤ፡ ኣብ ሞንጎ ኣሰናዳዊት ሽማግለ፣ ፈጻሚት ቤት ጽሕፈትን ሰክረታርያ ባይቶን ዝተፈጠረ ፍልልይ ዝወለዶ ፖሎቲካዊ ቅልውላው፡ ንኣባላት ፖሎቲካዊ ውድባት ኤሃባደለ፡ ብኣሉታ ዝጸለወ ምንባሩ ዘይከሓድ እዩ፤ ስለዝኾነ’ውን ነዚ ጸገም’ዚ ካብ ሱሩ ብምፍታሕ፡ መስረቲ ኤሃባደለ ዝነበሩ ጥራሕ ዘይኮኑስ፡ ካብኡ ወጻኢ ዝጸንሑ ፖሎቲካዊ ውድባት’ውን ተሳተፍቲ ዝኾኑሉ ቅኑዕ ኣንፈት ንምኽታል ዝነበረ ድልየትን ዝተኻየደ ጻዕርን፡ ብላዕለዎት መራሕቲ ኤዲኪ ዝእለ ሸነኽ፡ ”ንሕና ዝበልናኩም ትቕበሉ ወይ ድማ ትተርፉ” ዝብል ኣንፈት ተኸቲሉ፡ ንዝቐረበሉ ፖሎቲካዊ ፍታሕ ነጺጉ፤ ክንክተሎ ዝግባእ ሕጋዊ ኣገባብ ጥሒሱ፤ ካብ ዕቱብን ሓላፍነታውን ዘተ ርሒቑ፡ በታ ንሱ ዝመረጻ መንገዲ ጥራሕ፡ ናብ 2ይ ሃገራዊ ጉባኤ ክኣቱ ብምውሳኑ፡ ነቲ ዝተኸሰተ ብኩራት  ተሳትፎ ዝተወሰኑ ኣባላት ውድባት ኤሃባደለ ቀንዲ ተሓታቲ እዩ።

ኣብ ቅድመ ምድላው ይኹን ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ ዝተራእዩ ዓበይቲ ጸገማት ይኹን፡ ኣብ  መስርሕ ቀዳማይ ሃገራዊ ጉባኤን ድሕሪኡን ዝነበሩ ዓመታት ዘሕለፍናዮም ዝተሓላለኹ፡ ናብ ዘይምትእምማን ዘውደቑና ናይ ኣረኣእያን ኣሰራርሓን ፍልልያት ከይፈታሕካ፡ መንፈስ ምትእምማን ከይሃነጽካ፡ ብመንፈስ ህልኽን ምንጽጻግን ናብ ተበተብ ምእታው፡ ናይ ዝተወሰኑ ኣካላት ውልቃውን ጉጅላውን ሒሳባት ንምምላእ’ምበር፡ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ብቐዳምነት ብምስራዕ ከምዘይነበረ፡ እምነት ኤሃግ እዩ።  እነሆ ድማ ንጸቢብ ጉጅላዊ ረብሓ ውሱናት ላዕለዎት መራሕቲ፡ ምእዙዛት ኣይኮኑን ዝተባሃሉ ኣባላት ፖሎቲካዊ ውድባት ኤ.ሃ.ባ.ደ.ለ. ብምግላል ዝተኻየደ ጉባኤ ስዊድን፡ ብዙሕነታዊ ተዋጽኦ ተሳተፍቲ ጉባኤ ይኹን፡ ኣቃውማ ሃገራዊ ባይቶን ፈጻሚት ቤት-ጽሕፈትን ክረአ እንከሎ፡ ክስገር ዘይግበኦ ብሄራውን ሃይማኖታውን ተዋጽኦ ህዝብና ዘየንጸባርቕ ኮይኑ ተዛዚሙ ኣሎ። ብርክት ዝበሉ ፖሎቲካዊ ውድባት፣ ሲቪክ ማሕበራትን ናጻ ወከልቲ ህዝብን ዝተሳተፉዎ ጉባኤ ሰፊሕ ጽላል፡ ኣብ ኣቃውማ ላዕለዎት መራሕቱ፡ በዚ ኣገባብ’ዚ ክወጽእ ዝገበሮ ምኽንያት ንጹር መብርሂ ምሃብ፡ ብቐንዱ ንኣባላት ጉባኤ ስዊድን ዝረብሕ ኮይኑ፡ ብተወሳኺ ንመጻኢ ሰፊሕን ሓባራውን ቃልስና ጠቓሚ እዩ። ንላዕለዎት መራሕቲ ኤ.ሃ.ባ.ደ.ለ.፡ ብብሄራዊ መንነቶምን ሃይማኖታዊ እምነቶምን ዘይኮነስ፡ ብስርሖም ክፍረዱ ኣሎዎም ዝብል ግብረ-መልሲ፡ ምስ ብዙሕነታዊ ክውንነትና ዘይሳነ፡ ኣቃልቦ ህዝብና ዘይስሕብ ብምዃኑ፡ ኪሳርኡ ንኩላትና ምዃኑ ክነስተውዕለሉ ይግባእ።

ኤርትራዊ ሃገራዊ ግንባር(ኤ.ሃ.ግ.)፡ ህዝብና ይኹን ኣባላት ፖሎቲካዊ ውድባትን ሲቪክ ማሕበራትን፡ ጉባኤ ስዊድን ንምዕዋት፡ ዘበርከቱዎ ገንዘብ፣ ፍልጠት፣ ጉልበትን ጊዜን፡ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝተወፈየ ክቡር ዋጋ ብምዃኑ፡ ዝለዓለ ክብርን ናእዳን ከምዘሎዎ የረጋግጽ፤ ጉባኤ ስዊድን ብሰላም ተጀሚሩ፡ ምዝዛሙ ድማ እንቋዕ ሓጎሰኩም ይብል፤ ኣብ መጻኢ ጉዕዞና፡  ዘለዉና ፍልልያት እናማሓደርና፡ ናይ ህዝብና ናይ ይኣክል ምንቅስቓስ ብዓወት ንምዝዛም፡ ኩላትና ፖሎቲካዊ ውድባት ኤርትራ፡ ኣብ ዘራኽቡና እዋናዊ ሓባራዊ እምነታት፡ ኣብ ሰፊሕ ሃገራዊ ልፍንቲ ተማሓዚና  ዓቕምታትና ኣወሃሂድና መሪሕ ተራና ክንጻወት ዘብቃዓና፡ ሃናጺ ዘተ ንምስልሳል፡ ቅሩብ ምህላዉ  የረጋግጽ።

III. ብተመሳሳሊ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሚያዝያ 2019፡ ኣብ ሎንዶን ናይ ሙሁራት ኤርትራውያን ኮንፈረንስ ከምዝተኻየደ ተኸታቲልና ኢና።  ዘተ ዝተኻየደሎም መጽናዕታዊ ወረቓቕቲ፡ ብቐንዱ ድሕሪ ውድቀት ገባቲ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ሃገርና ክትከተሎም ዘለዋ ፖሊሲታትን ኣንፈታትን  ዝእንፍቱ ምዃኖም ተገንዚብና ኣሎና። ህዝብና፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት፥ ካብ ሙሁራት ደቁ ክረኽቦ ዝግባእ ውጽኢት መጽናዕትን ምርምርን ዝኾኑ ጠቐምቲ ሓሳባት ቦኺሩዎ ክሳቐ ምጽንሑ፡ ካብ ኩሉ ዝተሰወረ ኣይኮነን። በዚ መንጽር ክረአ እንከሎ፡ እዚ ጅማሮ’ዚ ብኣወንታ ዝረአ እዩ፡፡ እንተኾነ ግን፡ ሙሁራትና ወትሩ ክሰግሩዎ ዘይብሎም፡ ተሳትፎ ብዙሕነታዊ ክውንነት ኣካላት ህዝብና ምህላዉ ክነመልክት ንደሊ። ኮንፈረንስ ሎንዶን በዚ ዓይኒ’ዚ ክምዘን  እንከሎ፡ ብሄራውን ሃይማኖታውን ተዋጽኦ ሙሁራትና ዘማልአ ከምዘይነበረ ኤሃግ ይግንዘብ፡፡ ስለዝኾነ’ውን፡ ንመጻኢ ዝሰላሰሉ ናይ ሙሁራት መድረኻት፡ ብሄራውን ሃይማኖታውን ተዋጽኦ ዝሓለወ ክኸውን ከምዘሎዎ የዘኻኽር። ብተወሳኺ፡ ሙሁራትና፡ ብደረጅኦም ኣብ መጽናዕትን ምርምርን ዝተመስረቱ ዓበይቲ ናይ ስትራተጂን ናይ ፖሊሲን ሕቶታት ዝምልሱ ዘተታት ከካይዱ ግቡእ ኮይኑ፡ ኣብ ህሉው ኩነታት ሃገርና፡ ነዚ ይኣክል ኢሉ ናብ ሰፊሕ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኣትዩ ዘሎ ህዝብና፡ ምስ ኩሎም ፖሎቲካዊ ሓይልታቱን ሲቪክ ማሕበራቱን ተወሃሂዱ ዝቃለሰሉ፡ መፍትሒ ሓሳባት ኣብ ምንጻር ይኹን፡ ማኣዝን ናይ ምእማት ዝለዓለ ሓላፍነት ስለዘለዎም፡ ተሳትፎ ወከልቲ ፖሎቲካዊ ውድባትን፡ ርእይቶኦም ምስማዕን ኣድላዪ ምዃኑ ክግንዘቡ ይግባእ። ምኽንያቱ፡ ሃገርና ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ኢሳይያስ ክትክተሎም ዘሎዋ ቅኑዓት ስትራተጂታትን ፖሊሲታትን ኣብ ባይታ ዝትግበሩ፡ እዚ ናይ ይኣክል ሃገራዊ ምንቅስቓስ፡ ንስርዓት ኢሳያስን ደገፍቱን ኣልዩ፡ ብዘተኣማምን ዓወት ክዛዘም እንተኽኢሉ ጥራሕ ብምዃኑ እዩ። ስለዚ ድማ፡ ውድቀት ገባቲ ስርዓት ኢሳይያስን ደገፍቱን ንምርግጋጽ፡ ሙሁራት ኤርትራውያን ብተወፋይነት ክቃለሱ፡ መፍትሒ ሓሳባት ብቐጻሊ ክእምቱ ከምዝግባእ፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ግንባር(ኤ.ሃ.ግ.) የዘኻኽር።

ኣብ መደምደምታ፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ግንባር(ኤ.ሃ.ግ.)፡ ተወሊዑ ዘሎ ናይ ይኣክል ምንቅስቓስ ብዘተኣማምን ክዕወት፡ ኣብ ጎድኒ ደላዪ ለውጢ ህዝብና ተሰሊፉ፡ ምስ ኩሎም ፖለቲካዊ ሓይልታት ተወሃሂዱ፡ ምስ ሙሁራት ናይ ቀረባ ልዝብን ምምኽኻርን እናካየደ ክቃለስ ዘለዎ ድሉውነት የረጋግጽ።

ብዙሕነታዊ ሓድነትና ውሕስነት ዓወትና!! ፈጻሚት ኣካል ኤርትራዊ ሃገራዊ ግንባር(ኤሃግ) . ግንቦት 2019 ዓ.ም.

2

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=11279

Posted by on May 23 2019 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net