ጋዜጣዊ-መግለጺ ምትእኽካብ ኤርትራዉያን ኣብ ሆላንድ

ሎሚ ዕለት  20/06/2019 ፡ ንሕና ኤርትራዉያን  ኣብ ሃገረ ሆላንድ እንነብር፡ ኤርትራዉያን ሓይልታት ሓርነትን ለዉጢን ማለት (1.ኤርትራውያን ማሕበረ ሰብ ደቡብ ሆላንድ (ECHO) 2.ማሕበር ምጥርናፍ ኤርትራውያን ኣብ ኣምስተርዳምን ከባቢኡ 3.ንጡፋት ኤርትራዉያን ንዲምክራስያዊ ለዉጢ 4.ምንቅስቓስ ኤርትራዉያን ማሕበር (Vereniging ) ደንሃግን ከባቢኡ 5.ሰረት (stichten) ጸሓይ-በርቒ ደንሃግ) ኢና። ካብ  ጥንትን ጥቅምትን ጀሚሩ፡ ብሓፈሻ ኣንጻር ጭካን ገባቲ (tyranny) ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ብደረጃ ዉልቀን ዉደባን ዓበይቲ ፖሎቲካዊ ስራሓት ክካየድ እኳ እንተጸንሔ፡ ንኣዝዮም ዉሑዳት እንበር ንመላእ ህዝቢ ዘሳትፍ ስለዘይጸንሔ፡ መብዛሕትኡ ነባሪ ሆላንድ ኢድን ኣፉን ኣኪቡ ዝጸንሔ ኤርትራዊ ዜጋ (silent majority)  ተሳትፍኡ ዘራጋግጸሉ ብልሓታት ክድሌ ጸኒሑ’ዩ።

ኣብዚ እዋናት’ዚ ብሓይሊ እጊዚኣብሔርን ጻዕሪ ሓይልታት ሓርነትን ለዉጢን ዝበጻሕና’ዩ ይመስል። ኣብ ሃገረ ሆላንድ፡ ኤርትራዉያን ሓይልታት ሓርነትን ለዉጢን፡ ዝመረጽናዮ ኣገባባት ድማ ካብታ ዝጸበበት ንኡሽቶ ዓድን ናጽነቱ ዝኣወጀ ዉልቀ-ኤርትራዊ ዜጋ ብምትእስሳር ተወዲቡ፡ ብሲቪላዊ ሕጊ ሃገር ሆላንድ መሰረት ዝገበረ፡ ኣብ ሕጋዉያን ሰረታትን ማሕበራትን (foundation and associations) ንነፍሱን ከባቢኡን ወዲቡ፡ ብዓቢኡ ኣብዚ እንነብረሉ ሃገር ንመሰላትና ስግሩ ድማ ኣብ መቦቆል ሃገርና ኣጋጢሙ ዘሎ ጸገማት ከም ናይ ኡግሚ ናይ ጸቕጢ ሓይሊ (potential-pressure group) ኴይና ንምቅላስ ዝዓለመ’ዩ።

ብመሰረቱ  እዚ ዓይነት ዉዳቤን ኣጋባብ ኣካይዳ፡ ንናይ መሰረታት-ቃሊስ (grass roots)  ንምስልሳል ዝደፍኣና ኮይኑ፡ ንተሳታፍነት ህዝቢ’ዉን ዘራጋጋግጽ ሙኻኑ ዝሕለን’ዩ። ሃቀናና ኩሉ ኤርትራዊ ፖሎቲካዊ ማሕበራዊ፡ ጾታዊ፡ ዕድሜኣዊ…ወ.ዘ.ተ ፍልልያቱ ብዘየገድስ ከም ዉልቀ-ዜጋ ንብሱ ወኪሉ፡ ናይ ናጽነቶም ዝኣወጁ ዜጋታት ድልዱል ምትእስሳርን ቃልሲን ንምፍጣር’ዩ። ከምኡ ስለዝኾነ ድማ እቲ ጥርናፌ ብደረጃ ንኡሽቶ ዓዲን  ከባቢ ጀሚሩ ብደረጃ ሃገር ሆላንድ እንቃለሰሉ ምትእኽካብ ፈጢርና ኣሎና።

እዚ ተፈጢሩ ዘሎ ናይ መሰረታት ምትእኽኻብ ብደረጃ ሃገር ሆላንድ፡ ዉጽኢትን ቃልሲን ናይ ኩሎም ኤርትራዉያን ሓይልታት ሓርነትን ለዉጢን ነበርቲ ሃገረ ሆላንድ’ዩ። ኣብቲ ዘተ ዝነበሩ ይኹኑ ዘይነበሩ እንተ ብቀጥታን ብተዛዋዋሪ ነዚ ተበጺሑ ዘሎ ምትእኽኻብ ክዉን ንኽከዉን፡ ዘይክሓድ ኣበርክቶ ከምዘለዎም፡ ብሙሉእ እእሙሮናን ልብና ንቅበሎ ነገር’ዩ። ከምኡ ስለዝኾነ ድማ ንተመስሪቱ ዘሎ ሃገር-ለኸ ምትእኽኻብ’ዚ ዘይተጸንበሩ ሓይልታት ሓርነትን ለዉጢ ከምዘለዉ ድሕሪ ምግንዛብና፡ ብወለንታዊ ምርጫታቶም ክጽንበሩና ኣርሒብናን ብዓዉታ ዘለዎ ድምጺ ንጽዉዕ ኣሎና።

ኩላህና ኣባላት’ዚ ምንቅስቓስን ምትእኽኻብን ኣራጋጊጽና ፈሊጥናዮ ዘሎና፡-

  1. ኤርትራን ህዝባን ኣብ ኣዝዩ ሓደገኛ ቓራና መገዲ ተሳጢሑ ከምዘሎን፡ ኣብ ምድሓኑን ናብ ንቡር ሃገርን ህዝብን ንምምላሶም፡ ካባና ዝሕተት ሃገራዊን ሰብኣዊን ሓላፍነታትና ክንዋጻእ ከምዝግብኣና’ዩ።
  2. ኤርትራን ህዝባን ኣብ ርህራሄ ዘይብሎም እእዳው፡ ኣብ እንኮ ምፍጣር ሓድነታዊ ካርታ ሃገርን-መንግስትን (territorial nation-state) ዘተኩሩ፡ በቲ ኩሉ ተግባራቱ ንረብሓ ግዳያቶም ምዃኑ፡ ነብሱ ዘእመነ ውልቀ ገባቲን ጃንድኡን ዝምራሕ (ህ.ግ.ደ.ፍ) ”ኣንጻር ህዝቢ ዝምርሕሉ ፖሊሲ ንጥቕምኻ’ዮ እንዳበሉ” ዝጭቑንና፡ ዝኣስሩና ዝቡቱኑና፡ ዘሳጉጉና…ወ.ዘ.ተ ክፋኣቶም ዕረፍቲ ኣልቦ ምኻኑን፡ ብምሉእ ፍቓድ ሕልንኦም ዝውዕልዎ፣ ኣብ ውሽጦም’ውን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ገበን ንክፍጽሙ፡ ዋላሓንቲ ዘስክፍን ዘጣራጥርን ሰጋእ ዘብል ነገር ከምዘይብሎም ብምልላይና’ዩ።
  3. ኤርትራን ህዝባን ብመሰረት ብሓፈሻ ዓለምለካዊ፡ ብፍላይ ድማ ናይ ዞቦና ፖሎቲካ ፡ መሬታ ንረብሓ ካልኦት ሃገራት ዘገልግል ወትሃደራዊ ቓጽዖታት (military yard) ንምቕያራን፡ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ብሓይሊ ካብ መሬቱን መረበቱን ተቦንቂሱ ንምብታኑ፡ ኮነ ተባሂሉ ዝስራሓሉ ዘሎ ፖሊሲ ሙኻኑ ስለዘራጋገጽና’ዩ።
  4. ኣብዚ ናይ ስደት ሃገር እንነብረሉ ዘሎናን ኣብ ዉሽጢ ሃገርና ዘሎ ጸገማት ንምፍታሕ፡ እቲ እንኮ ምርጫ ብሓባር ተወዲብና ይኣክል ንምልኪ! ይኣክል ንምፍልላይ! ይኣክል ንስቕታ! ይኣክል ንፍርሒ! ይኣክል ንጽበት!…ወ.ዘ.ተ ብምባል ብሓባር ትወዲብና ክንቃለስ ምርጫ ዘይብሉ ክዉንነት ስለዝኾነና’ዩ።

ኩነታትና:ኩነታት ሃገርናን ህዝብናን ንምፍትሑ ሰብኣዊ፡ ነገራዊ፡ ፋይናንሳዊ…ወ.ዘ.ተ ዓቕምታትና ጠርኒፍና ብሓባር ንናይ ሓባር ጸላኢን ብድሆታትን ንምግጣም ዘኽል ምትእኽኻብ (platform)  ፈጢርና ኣሎና። ኣብ’ዚ ምትእኽካብ ንኩሉ ኤርትራዊ ክሳተፎ፡ ዳግም ብዓዉታ ድምጺ፡ ሪሒብን ኩፉት ኣእዳዉን፡ ዓቛል ኣእሙሮን ሕልናን፡ ኣብዚ ምትእኽካብ’ዚ ዘየለኹም ዉልቀ-ዜጋታት ፡ ጉጂለታት፡ ሓይልታት፡ ማሕበራት….ወ.ዘ.ተ እንተሃሊኹም፡ ክትጽንበሩና ብትሕትና ንጽዉዕ ኣሎኖ።

ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንስውኣትና !

ዓወት ንሓድነት ህዝቢ ኤርትራ! ዉድቐት ንገባቲ ፖሎቲካዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ!

ሽማግሌ ምትእኽካብ ኤርትራዉያን ኣብ ሆላንድ

ዕለት 20/06/2019

ዘ-ሄግ (ሆላንድ)

Short URL: https://english.farajat.net/?p=11300

Posted by on Jun 29 2019 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net