ማነፈስቶ 2020 ብኤርትራውያን ምሁራትን ሞያውያንን ኣብ ስደት

መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ዘስካሕክሕ ሰብኣዊ በደል እንዳ ፈጸመ፡ ኣብ ዞባዊ ጉዳያት እውን ብዘይእዱብ ፖለቲካዊ ሽርሕታት እንዳ ተቛመረ እንከሎ፡ ለበዳ ሕማም ኮቪድ-19 ይላባዓሉ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ከምኡ ድማ ትሕተ ቅርጺ ሕክምናዊ መሰላጥያታት ሃገርና ብደረጃ ዓለም ሓደ ካብ’ቶም ዝደኸሙ መሳለጥያታት ኮይኑ ይርከብ ብምህላዉ መጠን፡ ኤርትራ ናብ ሓደ ዓቢ ሰብኣውን ፖለቲካውን ቅልውላው ተቓሊዓ ትርከብ። ንሕና፡ እዞም ኣስማትና ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሩ ዘሎ 95 ኤርትራውያን ምሁራትን ሞያውያንን፡ ብዛዕባ እዞም ተጠቒሶም ዘለዉ ሽግራት ዘለና አዚዩ ከቢድ ሻቕሎት ንምግላጽ ኢና ነዚ ጽሑፍ ነቕርብ ዘለና።

ንለበዳ ሕማም ኮቪድ-19 ብዝምልከት፡ ኣብ ስደት ዝርከብ መርበብ ኤርትራውያን ሰብ ሞያ ጥዕና ዝተባህለ ማሕበር ኣብ ዘቕረቦ ጽሑፍ፡ ንኩነታት ሕክምናዊ መሳለጥያታት ሃገርና ኣመልኪቱ፡ ኤርትራ ንለበዳ ሕማም ኮቪድ-19 ክትምክት እኹል ምድላዋት ከም ዘይገበረት ብምግምጋም ዘለዎ ከቢድ ሻቕሎት ገሊጹ። እዚ ኮቪድ-19 ዝበሃል ለበዳ ሕማም፡ ይትረፍ ነታ ብዋሕዲ ዝስተ ማይን ዝቆራረጽ ኣገልግሎት ኤለክትሪክን እትፍለጥ ሃገርና ኤርትራ፡ ነተን ብቑጠባን ካልኦት መዳያትን ንቕድሚት ኣጸቢቐን ዝሰጎማ ሃገራት እውን ዓቢ ብድሆ ኢዩ ኮይኑወን ዘሎ። እዚ ከይኣክል፡ መንግስቲ ብዘውጽኦ መምርሒ ኣብ ኤርትራ የገልግላ ዝነበራ ናይ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሕክምናታትን ንኣሽቱ መደበራት ጥዕናን ብምዕጻወን ኣብ ሃገርና ዘለዋ መሳለጥያታት ጥዕና ኣጸቢቐን ኢየን ተዳኺመን ዘለዋ። ብሰንኪ እዚ ድማ ብዙሓት ኤርትራውያን ሞያውያን ጥዕና ንሃገሮም ገዲፎም ናብ ካልኦት ሃገራት ክስደዱ ተገዲዶም ኣለዉ። ኣብ’ዚ ተኣፋፊ ግዜ፡ ንሕና ኤርትራውያን፡ ኣብ ዝሃለና ንሃሉ ብዘየገድስ፡ ዓቢ ተራ ከም ዘለና ተረዲእና ድሕነትን ውሕስነት ሂወትን ኩሎም ኤርትራውያን ከም ቀዳምነት ሰሪዕና፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ንኩሎም ዝተዓጽዉ ሕክምናታትን መደበራት ጥዕናን ክኽፍት፡ ዘይመንግስታውያን ትካላት ኣብ ሃገርና ስርሐን ክጅምራ ክግደድ፡ ነዚ ለበዳ ሕማም ከም መመኽነይታ ተጠቒሙ ንድለባ ሃብትን ፖለቲካዊ መኽሰብን ከይጥቀመሉ ሓያል ጸቕጢ ክንፈጥረሉ ይግባእ። ንሕና ኤርትራውያን ነቶም ኣብ ፈቐዶ መዓስከራት ስደተኛታት  ዝርከቡ ኣሽሓት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኢድና ክንዝርግሓሎምን ሓገዛት ክንገብረሎምን ሓላፍነትና ምዃኑ ክንዝክር ይግባእ። ብተወሳኺ፡ መንግስቲ ኤርትራ በቲ ንሓደጋታት ኮቪድ-19 ንምጉዳል ተባሂሉ ዝወጸ መምርሒታት ውድብ ጥዕና ዓለም (WHO) ክቕየድ፡ ኩሎም ዝተዓጽዉ ሕክምናታትን ንኣሽቱ መደበራት ጥዕናን ክኸፍት፡ ከምኡ ድማ ንኹሎም ናይ ሕልና እሱራትን ቀለልቲ ገበናት ዝፈጸሙ እሱራትን ክፈትሕ መእንቲ ሕቡራት ሃገራትን (UN) ውድብ ጥዕና ዓለምን ጸቕጥታት ክገብሩሉ ንጽውዕ።

ኤርትራ ሓንቲ ካብ’ተን ኣብ ዓለም ብመንጽር ብዝሒ ህዝበን ዝለዓለ ቁጽሪ እሱራት ዘለወን ሃገራት ጥራይ ዘይኮነት ኢሰብኣዊ ኣተሓሕዛ እሱራት ትኽተል ምዃና ንዓና ንኤርትራውያን ንጹር ክኸውን ይግባእ። እሙናት ምንጭታት ከም ዝገልጽዎ ኣብ ኤርትራ ዘለዉ እሱራት ብዓሰርተታት ኣሽሓት ከም ዝቑጸሩ ኢዩ። መብዝሕትኦም ካብ’ዚኣቶም፡ ሓሳባቶም ዝገለጹ ናይ ሕልና እሱራት ክኾኑ ከለዉ፡ ብዙሓት ካብ’ቶም ዝተረፉ ድማ ሃገር ገዲፎም ክስደዱ ኣብ ዶባት ኤርትራ ዝተታሕዙ ወይ ከኣ እቲ ብሃገራዊ አገልግሎት ዝጽዋዕ ገደብ ዘይብሉ ግዱድ ዕስክርና መሪሩዎም ከምልጡ ዝፈተኑ ኢዮም። እቶም ሕድገትን ርህርሀን ዘይፈልጡ ጨካናት ኣዘዝቲ፡ ዝንሕፍዎ ሰብ ስለ ዘየለ፡ ኣካለ ስንኩላን ተጋደልቲ፡ ትሕተ ዕድመ ኣወዳትን ኣዋልድን፡ ነብሰጾር ኣዴታትን መርዑትን፡ ሽማግለታትን መራሕቲ ሃይማኖታትን ከይገደፉ ዝኣስሩን ዘበሳብሱን ኢዮም ጥራይ ዘይኮነ፡ ንኽቡር ኣቦናን ቀንዲ መራሒ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ዝኾኑን ብጹእ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ካብ 2007 ክሳብ እዛ ሎሚ ዕለት ኣብ ገዛ ክኣስርዎም ከለዉ፡ ንፕረዚደንት ናይ’ታ ኣብ ኣስመራ ትርከብ ቤት ትምህርቲ እስልምና ኣልዲያ ዝኾኑ ክቡር ኣቦና ሓጅ ሙሳ ምሓመድ ኑር ድማ ኣሲሮም ክሳብ ዕለተ ሞቶም (መጋቢት 1 2018) ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዳጒኖሞም። ኣብ እቶም ብጻዕቂ እሱራት ዘዕለቕለቑ ቤት ማእሰርትታት ዝተፈላለዩ ዓይነት ሰባት ከም ተጋደልቲ፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሰራዊት፡ ሚኒስተራት፡ ጋዜጠኛታት፡ ከምኡ ድማ መራሕቲ ሃይማኖታት ይርከብዎም። ብተወሳኺ፡ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ብግዱድ ዕስክርና ዝተወስዱ መንእሰያት ሃገራዊ አገልግሎት፡ ገለ ካብኣቶም ትሕተ ዕድመ ቆልዑ ኮይኖም፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝመስሉ ወተሃደራውያን መዓስከራት ተኣኪቦም ከም ዘለዉ ምዝካር አገዳሲ ኢዩ። ስለ’ዚ፡ ዓለምና ብለበዳ ሕማም ኮቪድ-19 ተረቢጻ ኣብ ዘላትሉ ግዜ፡ ንድሕነት እቲ ቆላሕታ ስኢኑ ዘሎ ህዝብና ክንብል ኩላትና ኤርትራውያን ምስ ግዜ ክንቀዳደምን ክንሓብርን ዓቕምና ዝፈቕዶ ቀጥታዊ ሓገዛት ክንገብረሉን ንጽውዕ። ነዚ ዕላማ እዚ ዝትግበርን ዝዕወትን ሓቀኛን ኣድላዪን ግዝያውን ሓበሬታታት ብምቅብባል ጥራይ ዘይኮነ ንጽጉማት ቀጥታዊ ሓገዛት ብምግባር እውን ኢዩ።

ንውሽጣውን ዞባውን ጉዳያት ሃገርና ብዝምልከት፡ ቅድሚ ውሑዳት ሰሙናት ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፍወርቂ ንኣብ ኢትዮጵያ ዝምዕብል ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ዘይቅቡል መግለጺታት ሂቡ ነይሩ። እዚ መግለጺ እዚ ንብዙሓት ተራ ኢትዮጵያውያን ኣቖጢዑ ጥራይ ዘይኮነ ነቶም ኣብ ዞባና ሰላም ከምጽእ ዝኽእል ሰብ ኢዩ ኢሎም ክጽበይዎ ዝጸንሑ ውሑዳት ኢትዮጵያውያን እውን ግድል ኢዩ ኮይኑዎም። ድሕሪ እቲ ፕረዚደንት ኢሰያስ ምስ’ታ ኣብ ኤርትራ እትርከብ እንኮን መንግስታዊትን ማዕከን ተለቪዥን ዝተገብሮ ቃለ ምልልስ፡ ዝተፈላለያ ናይ ኢትዮጵያ ማዕከናት ሓበሬታ ካብ ውሽጣዊ ጉዳይ ሃገረን ኢዱ ክስሕብ ኢየን ጸዊዐን። ብተወሳኺ፡ ብዙሓት ናይ ኦሮሞ ምሁራት ንኢደ ኣእታውነት ኢሰያስ ብዝምልከት ቅሉዕ ደብዳቤ ብምጽሓፍ ብሰፊሑ ተንቲኖሞ አለዉ። ኣብ ደብዳቤኡም፡ ፕረዚደንት ኤርትራ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ዝገብሮ ዘሎ ቅሉዕ ምትእትታው ደው ከብሎ ጸዊዖም። ምስ’ዚ ሓሳብ እዚ ንሰማማዕ ጥራይ ዘይኮነ፡ መላእ ሕብረተሰብ ነዚ ዘይቅቡልን ሓደገኛን ምትእትታው ክነጽጎ አለዎ ኢልና ንኣምን። ብተመሳሳሊ፡ እዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት፡ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ብፍላይ ድማ ኣብ ጉዳይ ምብራቓዊ ክፋል ሱዳን ዝፈጥሮን ዘምበድብዶን ዘሎ ዓሌታዊ ግጭት ኣዚዩ የጉህየና። ነዚ እከያዊ ምትእትታው ድማ ብትሪ ንቃወሞን ንኹንኖን።

ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣብ ጉዳይ ካልኦት ሃገራት ዝገበሮም ምትእትታዋት እዚኣቶም ጥራይ አይኮኑን። እዚ ሕገ ኣልቦ ስርዓት ንኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝርከባ ሃገራትን ካልኦትን ይጉንጽን የቆናጽብን ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ዞባና ርግኣት ከይመጽእ ኩሉ ግዜ ፋሕተርተር ምስ በለ ኢዩ። ኣብ ፍልልያትን ግጭትን ዝስውድ ስርዓት ምዃኑ ድማ ሓቂ ኢዩ። ስለ’ዚ፡ ስርዓት ኢሰያስ ንዝገብሮ ዘሎ ናይ ወጻኢ ምትእትታዋት፡ ከምኡ ድማ ኣብ ውሽጢ ሃገር ንዝፍጽሞ ዘሎ ግህሰት ሂወትን ሓርነትን ክብርታትን ዘጠቓልሉ ሰብኣዊ መሰላት ብትርን ደጋጊምናን ንኹንን። ብተወሳኺ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ንኢሰያስ ኣሚኑ ብተዘዋዋሪ መንገዲ ንኣብ ኤርትራ ዘሎ ፖለቲካዊ ዓመጽ ሓጋዚ ተራ ከይህልዎምን በዚ ኣብ ኤርትራ ዝወርድ ዘሎ ኣደራዕ ተረባሒ ከይከውንን ጻዊዕትና ነቕርብ። በዞም ክልተ መራሕቲ ዝፍረሙ ዘይሕጋውያንን ህዝባዊ ተቐባልነት ዘይብሎምን ኩሎም ምስጢራውያን ውዕላት ንኣብ መጻኢ ክፍጠሩ ዝኽእሉ ዞባዊ ግጭታት ብዝያዳ ስለ ዘቃልዑና ኣብ’ዚ ጉዳይ ዘለና ተቓውሞ ኣድሚቕና ነስምረሉ።

ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተፈጢሩ ዘሎ ተዛማዲ ሰላም ኣጸቢቕና ንደልዮን ክንጽበዮ ዝጸናሕናን ኣጋጣሚ ይኹን ደኣ እምበር፡ ኣብ መንጎ እዘን ክልተ ሃገራት ቀጻልነት ዘለዎ፡ ኣብ ሰለማውን ሓባራውን ህላወ ዘተኮረ፡ ኣብ ምትሕግጋዝን ኣብ ናይ ሓድሕዳዊ ጉዳያት ዘይምትእትታውን መሰረት ዝገበረ ዝምድና ምእንቲ ክፍጠር፡ ነቶም ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ኢሰያስን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመንድን ተገይሮም ዝበሃሉ ውዑላት ብግቡእ ክንምርምሮም አለና። ደጋጊምና ከነነጽሮ እንደሊ፡ ድልየት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጎድኒ ኣሕዋት ህዝብታት ኢትዮጵያን ሱዳንን ጂቡትን ኮይኑ፡ ዞባ ሰሜናዊ ምብራቕ ኣፍሪቓ ንቕድሚት ክትውንጨፍ ምእንቲ፡ ሰላምን ምትሕግጋዝን ዝሰፈኖ ከባቢ ምፍጣር ጥራይ ዘይኮነ፡ ንናይ ህዝብታትና ፖለቲካዊ፡ ማሕበራዊ፡ ቁጠባዊ፡ ባህላዊ መሰረታትን ንናይ ኣህጉርና ዶባዊ ሕንጻጻትን ዝቕበል፡ ዘኽብር፡ ዘብዕል ሕብረተሰብ ክህልወና ኢዩ። መልእኽትና ነቶም ብኣተሓሳስባ ንቕድሚት ዝሰጎሙ ኣካላት ሕብረተሰብ ናይ’ዚ ከባቢ እምበኣርከስ፡ ህዝቢ ኤርትራ ግዳይ ናይ’ቲ ጽምኣት ስልጣን ዘለዎ ኢሰያስ ምዃኑ ተረዲኦም ንርግኣት ኣህጉርና ክዝርግ ዘኽእልዎ ዕድላት ከይከፍትሉ ነተሓሳስቦም።

ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ፡ እዚ ንዳርጋ ሳላሳ ዓመታት ብዓማጺ ስርዓት ክመሓደር ዝጸንሐ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሕጂ እውን ብሰንኪ ናይ’ዚ ስርዓት ዘይእዱብ ተግባራት ክሻቐል ግድን ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዞባና ሰላምን ርግኣትን ክህሉ ዝብህግ ድማ ናብ ገዛእ ሃገሩ አቶኲሩ ንኤርትራ ደሞክራሲያዊት ሃገር ክገብራን ቁጠባ ሃገሩ ከማዕብልን ነቲ ዝተዳኸመ ማሕበራዊ ምትእስሳራቱ ከደልድልን ስለ ዝመርጽ ኢዩ። ህዝብና ብዙሕ አደራዕ ጸይሩ ስለ ዘሎ ንኻልኦት ተደረብቲ ሽግራት ክቃላዕ ኣይግበኦን። እቲ ንሳላሳ ዓመታት ዝተኻየደ ኣህላኺ ብረታዊ ቃልሲ ኣብ ዝኽሪ ናይ’ቶም በዚ መስገደል ዝሓለፉ ወለዶ ኣሎ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ኣእምሮ ናይ’ዚ ድሕሪ ዶባዊ ኲናት ናይ 1998 – 2000 ዝተወልደ ሓዲሽ ወለዶ ኢዩ ዘሎ። ኤርትራውያን ኣብ ዝኾነ ይኹን ንግጭት ዘቃልዕ ውዕል ክኣትዉ ስለ ዘይደልዩ፡ ንኹሎም መንግስታት ዞባና፡ ብፍላይ ድማ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ንናይ መላኺ ስርዓት ኢሰያስ ሕሉፍ ሕልምታት ከየአንግድ ንጽውዕ።

ኣቶ ኢሰያስ አፍወርቂ ንኤርትራ ከመሓድር ሕጋዊ ይኹን ሞራላዊ መመኽነይታታት ሲኢኑ ኢዩ። ካብ ስልጣን ንኸልግስ ድማ ግዚኡ ካብ ዝሓልፍ ብዙሕ ዓመታት ኢዩ ኣቕጺሩ። ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ዘለዉ ኤርትራውያን ህሉውን መጻእን ኩነታት ሃገሮም ብግቡእ ተረዲኦም ክተኣኻኸቡን ነታ ብብዙሕ ጻዕሪ ዝተረኽበት ሃገሮም ንምዕቃብ ክሰርሑን ክትርኢ ከለኻ ተስፋ ዝህብ ኢዩ። ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኤርትራውያን ብዓለም ደረጃ ክተኣኻኸቡን ክውደቡን ኣብ ጀሚሮምሉ ዘለዉ ግዜ፡ እዚ ፍትሓውን ዴሞክራሲያውን ቃልሲ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሑ፡ ነቲ ኣብ ህዝብና እዚ ኢልካ ክቑጸር ዘይከኣል ግፍዕን ዕግርግርን ዝፈጠረ ስርዓት ኣብ ምእላይ ዓቢ ተራ ከም ዝጻወት ጥርጥር የለን። እዚ ስርዓት ተሳዒሩ ለውጢ ክመጽእ እንድሕሪ ደኣ ኮይኑ፡ ነቶም ፈላሊኻ ግዛእ ዝብሉ ሜላታቱ ክንብድህ፡ ዝተወሃሃደን ዝተኣሳሰረን ናይ ቃልሲ ስትራተጂ ተጠቒምና ሓድሕድ ክንመላላእ፡ ከምኡ ድማ ወነንቲ መጻኢና ንኹን ዝብል ጽኑዕ እምነት አለና። ዝሓለፈ ይኣክል! ኣብ ኤርትራ ብሕግን ደሞክራስን ዝተመርጸ መንግስቲ መጺኡ፡ ኹሎም ኤርትራውያን ብማዕረ ሰላምን ፍትሕን ብልጹግ መጻእን ዘስተማቕሩሉ ግዜ ካብ ሎሚ ክሓልፍ ኣይግባእን።

 

 

 

ዝርዝር ኣስማት ናይ ዝፈረሙ፡

 

1 / ዓብዱላ ኢድሪስ      –       ኣውስትራልያ   33 / ፍስሓጽዮን ግደይ  –   ..   65 / ንጉሰ ተወልደመድህን   –   እንግሊዝ
2 / ዓብደልቃድር ዳውድ   –     እንግሊዝ   34 / ጋይም ክብርኣብ  –   እንግሊዝ   66 / ዑስማን ጃዕፈር       –         እንግሊዝ
3 / ዓድል  ፊካክ    –  ኣውስትራልያ   35 / ገብረመስቀል ገብረማርያም  –   ..   67 / ርእሶም ገብራይ         –       ..
4 / ኣይዳ ኣስመላሽ     –    ..   36 / ገብረእግዚኣብሔር ደብረጽዮን  –  ..   68 / ሰዓድ ዓሊ       –        ..
5 / ኣኽሊሉ ግርማይ   –    ጀርመን   37 / ግርማይ ነጋሽ    –    ..   69 / ሳባ ተስፋዮሃንስ    –   ..
6 / ዓሊ መሓመድ ስዒድሱዳን   38 / ግርማይ ሰቛር   –   ..   70 / ሳዕድያ ሓሰ    –         ሽወደን
7 / ኣማኑኤል ኤልያስኣውስትራልያ   39 / ሃብትኣብ ፍስሃ  –   ..   71 / ስዒድ ኢብራሂም ስዒድ    –     ..
8 / ኣማኑኤል . ገብረትንሳኤ..   40 / ሃብቶም ሃብተ  –   ..   72 / ሳላሕ ኢብራሂም ምዕ    –      ኣውስትራልያ
9 / ኣማኑኤል ምሕረትኣብ..   41 / ሃብቱ ቀሺ ኣጥናትዮስ ገብረኣብ  –  ..   73 / ሳምሶን የዕብዮ      –     ..
10 / ኣማኑኤል ዮውሃንስ   –   ..   42 / ሓድሽ ተስፋዮሃንስ ሓጎስ  –   ..   74 / ሳራ ዑቕባይ       –        እንግሊዝ
11 / ኣንገሶም ኣጽብሃ..   43 / ሃይለሚካኤል ዮሴፍ   –   ..   75 / ስምኦን ኣማን    –        ..
12 / ኣርኣያ ደበሳይ..   44 / ኢብራሂም መሓመድ   –   ጀርመን   76 / ሰለሙን ገብረግዮርጊስ  –   እንግሊዝ
13 / ኣስመሮም ኣድሓኖም..   45 / ጀላል ኣልዲን ሳልሕ  –      እንግሊዝ   77 / ታድዮስ ተስፉ      –       ጀርመን
14 / ኣስቴር ኣለም    –    ..   46 / ክብርኣብ ኢሳቕ ወልደስላሴ –  እንግሊዝ   78 / ተኣምራት ወልዱ   –    ..
15 / በረኸት ኣርኣያ  –  ኣውስትራልያ   47 / ከሰተ ሓድጉ    –    ..   79 / ጠዓመ መብራህቱ   –    እንግሊዝ
16 / በረኸት  ወልድኣብ  –  ካናዳ   48 / ሊፋ ሳልሕ   –     ሱዳን   80 / ቴድሮስ ኤማኑኤል   –    ሽወደን
17 / በረኸት ሃብተስላሴ  –  ..   49 / ኪዳነ በላይ      –       ኣውስትራልያ   81 / ቴድሮስ ብርሃነ      –       ..
18 / በረኸት የማነ  –  ..   50 / ኪዳነ መንግስትኣብ  –   ..   82 / ተኽሉ ተስፋ        –          ..
19 / ብርሃን ኣሕመድ   – ኣውስትራልያ   51 / ክፍለማርያም ሓምደ  – ሽወደን   83 / ተስፋማርያም  መሓሪ  –  እንግሊዝ
20 / ብርሃነ ኣስመላሽ   –   እንግሊዝ   52 / ማሕሙ መሓመድ ዓሊ –  ማሌዥያ   84 / ተስፋይ መረስዕ         –      ..
21 / ብርሃነ ስዩም  –   ..   53 / ማቴዎስ ደበሳይ       –      ..   85 / ቶማስ ሰለሙን       –        ..
22  / በያን ነጋሽ  –   ..   54 / መብራህቱ ኣተወብርሃን    –   እንግሊዝ   86 / ጸጋይ ኢሳቕ             –           ..
23 / ካሕሳይ ብርሃነ  –   ፈረንሳ   55 / መብራህቱ ስብሃቱ    –    ..   87 / ጽጋቡ ኣስመላሽ       –        ..
24 / ጨፈና ሃይለማርያም  –   እንግሊዝ   56 / መብራህቱ ካሕሳይ  –    ..   88 / ትኳቦ ተስፋሚካኤል    –    ኣውስትራልያ
25 / ዳንእል ረዘነ መኮንን   –    ስዊዘርላንድ   57 / መሓሪ ተኸስተ     –      ..   89 / ያቆብ ዘርኢየሱስ       –      ..
26 / ዳንኤል ጸጋይ  –    ጀርመን   58 / መንግስትኣብ ደበሳይ   –    ..   90 / የዕብዮ ወልደማርያም  –    ..
27 / ዳዊት ብርሃነ   –   ኣውስትራልያ   59 / ማንታይ መስመር   –   ..   91 / ዮሃንስ ሃይለ           –          ካናዳ
28 / ዳዊት ስዩም   –    ኣውስትራልያ   60 / ሚካኤል ዓንደብርሃን   –   ኣውስትራልያ   92 / ዮርዳኖስ በየነ         –            ..
29 / ደሳለ ሃብትዝጊ  –   ..   61 / መጎስ ተወልደመድህን      –    ካናዳ   93 / ዮርዳኖስ ሃብተማርያም   –  ..
30 / ኤደን ተስፉ    –    ..   62 / መሓመድ ዑመር      –     ኖርወይ   94 / ዘካርያስ ግንቦት     –        ኖርወይ
31 / ፍስሃ ወልዱ   –    ..   63 / መሓመድ በሺር     –        ..   95 / ዘርኦም ተስፋይ      –        ..
32 / ፍስሃየ ዘሚካኤል  –   እንግሊዝ 64 / ናትናኤል እምባየ     –       ..

 

 

 

 

 

 

 

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=11342

Posted by on Apr 14 2020 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net