ኣንጻር ዲክታቶር ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ክሲ ቀሪቡ፤

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ

ነዚ ተወሲዱ ዘሎ ተባዕ ስጉምቲ ኣመጒሱ፤

 

ኣብ ዝሓለፈ ክልተ መዓልታት፡ ናይ ሽወደን ናይ ዜና ማዕከን ከም ዘመልከቶ፡ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሰያስ ኣፍወርቂ ብዝፈጸሞ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ክሲ ተመስሪቱሉ ኣሎ። ብመሰረት እቲ ናይ ዜና ማዕከን፡ ተመስሪቱ ዘሎ ክሲ ኣብ ከተማ ጎተንበርግ (Gothenberg) ሃገረ-ሽወደን እዩ።

 

ዳገንስ ንሄተር (Dagens Nyheter) ዝተባህለ ዝዓበየ ናይ ሽወደን መዓልታዊ ጋዜጣ፡ ኣብ ናይ ሮቡዕ 21 ጥቅምቲ 2020 ሕታሙ ከም ዝሓበሮ፡ ብምኽንያት እቲ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ዝፈጸሞ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ናብ ቤት-ፍርዲ ሽወደን ዝቐረበ ክሲ፡ ዓሰርተ ክልተ ዓለም ለኻውያን ተጣበቕቲ መሰላት ከም ዘበገስዎ ኣረጋጊጹ። እዚ ክሲ’ሲ ከቢድ ገበን ከምዝኾነን፡ ኣብ ሙሉእ ዓለም ድማ ክምርመርን ከቕጽዕን ከም ዝኽእል ሓቢሩ።

ብመሰረት ጸብጻብ ናይ’ቶም ኣብ “ጋዜጠኛታት ዶብ ኣልቦ” (Reporters Without Borders) ዝበሃል ናይ ጋዜጠኛታት ማሕበር ዝነጥፉ ብዮርን ሱንባክን ኤሪክ ሃልኬር (Bjorn Thunbak and Eric Halkier) ዝተባህሉ ክልተ ሽወደናውያን ጋዜጠኛታት፡ ካብ’ቲ ናይ ኤርትራ ፕረሲደንት ዝኽሰሰሉ ጉዳያት ሓደ፡ ጉዳይ እቲ ኤርትራ ዝመበቆሉ ሽወደናዊ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ምዃኑ ገሊጾም። እቲ ንጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ካብ’ቲ ዘሎዎ ኣስካሕካሒ ቤት-ማእሰርቲ ኤርትራ ንምውጻእ ዝተኻየደ ዲፕሎማስያዊ ጻዕሪ ስለ ዘይተዓወተ ድማ፡ ብዓለም-ለኻዊ ገበናዊ ሕጊ ክፍታሕ ከም ዝኽእል ጸብጻቦም ሓቢሩ።

ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ሰሙን፡ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ወዲ 56 ዓመት ክኸውን እዩ። ክእሰር እንከሎ ድማ ወዲ 36 ዓመት ነይሩ። ዳዊት ካብ ዝእሰር ኣትሒዙ ንምፍትሑ ዝተኻየደ ተደጋጋሚ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ውጽኢት ኣይተረኽቦን።

እቶም ኣብ ርእሲ ፕረሲደንት ሃገረ ኤርትራ ክሲ ንምምስራት ወለንተኛታት ዝኾኑ፡ ክጥቀሱ ዝግቦኦም ኣገደስቲ ናይ ሕጊ ባእታታት ድማ፡ ናይ ኖበል ተሸላሚት ዝኾነት ኢራናዊት ጠበቓ ሸሪን ኣባዲ (Sherine Abbadi)፣ ካናዳዊ ናይ ሕጊ ምኒስተር ነበር ኢርዊን ካትለር (Irwin Kotler)፣ናይ ሕቡራት መንግስታት ናይ ሰብኣዊ መሰላት ኮሚሽነር ነበር፣  ከምኡ’ውን ኣብ ክልተ ቤት – ፍርድታት ማለት ኣብ ዓለም – ለኻዊ ገበናዊ ቤት ፍርድን፡ ናይ ሩዋንዳ ቤት ፍርድን ከም ዳኛ ዘገልገሉ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ገበናዊ ክሲ ኣብ ምምስራትን ዘተኮረ ኣስተዋጽኦ ዝገበሩን እዮም።

እዚ ዝተጠቕሰ ክሲ ኣብ’ቲ ስድራ – ቤት ዳዊት ኢሳቕ ዝነብሩሉ ጎተንበርግ ዝተባህለ ናይ ሽወደን ከተማ፡ ብሮቡዕ 21 ጥቅምቲ 2020 እዩ ተመስሪቱ። (ጎተንበርግ ኣብ ምዕራባዊ ክፍሊ ሽወደን እትርከብ፡ ብዕብየታ ካልኣይቲ ከተማ ኣብቲ ሃገር እያ)።

ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ብንውሐ ግዜ ማእሰርቶም፡ ካብ እሱራት ጋዜጠኛታት ዓለም ቀዳማይ ቦታ ሒዞም ኣሎዉ ክብል እቲ ዝቐረበ ጸብጻብ ኣብሪሁ።

ጋዜጠኛታት ዶብ ኣልቦ ኣብ ናይ 2002 ጸብጻቡ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ መዓቀኒ፡ ኤርትራ ካብ ዓለም ትሕቲ ኩለን ሃገራት ከም እትስራዕ ኣመልኪቱ።

ዳዊት ኢሳቕን መታኣስርቱን ካብ 2001 ኣትሒዞም ዝተሓየሩ ኮይኖም፡ ኣብ ዓለም እቶም ዝነውሐ ዝተእሰሩ ጋዜጠኛታት ምዃኖም ይፍለጥ። ዳዊትን መታኣስርቱን ክሳብ ሕጂ ክሲ ኣይተመስረተሎምን ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣበይ ከም ዘሎው ዝፈልጥ ሰብ እውን የሎን። ክረኽቦም ዝፍቀደሉ ሰብ’ውን የሎን።

ገለ ቁሩብ መዓልቲ ቅድሚ ማእሰርቶም፡ መንግስቲ ህግደፍ ንበዓል ዳዊት ዝሓወሰ ጎስጓስ ብምክያድ፡ ብዘይካ እታ ባዕሉ ዝውንና፡ ንኹለን ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ዓጽዩወን። እዚ ከኣ ብመሰረት እቲ ብጋዜጠኛታት ዶብ ኣልቦ ኣብ 2002 ዘውጽእዎ ጸብጻብ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ መዓቀኒ፡ ኤርትራ ድሕሪ ኩለን ሃገራት ትስራዕ ክብል ገሊጹ ምንባር ይዝከር።

ጋዜጣ ዳገንስ ኒሀተር (Dagens Nehter) ኣብ ጽሑፉ ከም ዘስፈሮ፡ ፐርሲ ፓርት የስ ኣልካላ (PercyPrat and Jess Alcala) ዝተባህሉ ሽወደናውያን ናይ ዳዊት ኢሳቕ ጠበቓታት፡ ንጉዳይ ዳዊት ናብ ናይ ኣፍሪቃ ሰብኣውን ህዝባውን መሰላት ኮሚሽን ኣቕሪቦሞ ከም ዝነበሩ ይገልጽ። ናይ ኣፍሪቃ ናይ ሰብኣዊ መሰላት ኮሚሽን፡ ኤርትራ ብብዙሕ መንገዲ ነቲ ናይ ኣፍሪቃ ናይ ሰብኣዊ መሰላት ቻርተር ከም ዝገሃሰት፡ ቅድሚ ቁሩብ ዓመታት መግለጺ ኣውጺኡ ምንባሩ ዝዝከር’ዩ።

ኣኽባር ሕጊ ሽወደን እውን ኣብ ጉዳይ ዳዊት ኢሳቕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከም ዘሎ ከጠርጥሩኻ ዝኽእሉ ብዙሓት ምኽንያታት ከም ዘሎው ይኣምን። ኣቐዲሙ ኣብ 2016 ኣብ ዝወጸ ጸብጻቡ፡ ነቲ ሓቅነት ክህልዎ ዝኽእል ናይ ኤርትራ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብ’ዚ ኣብ ሽወደን መርመራ ክካየደሉ ንዝብል ሓሳቡ፡ ምስ’ቲ ክሳብ ሕጂ ዝሓሸ ዲፕሎማሲያዊ ፍታሕ ክረኽበሉ ዝጽዕር ዘሎ ናይ ሽወደን ናይ ምኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ሽወደን ድሕሪ ምምኽኻሩ፡ ነቲ ናይ ወጻኢ ጉዳያት ሚኒስተር ምስ ሰበ – ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ዝገብሮ ዘሎ ፈተነ ዕንቅፋት ክገብረሉ ኣይደለየን።

ፕሮፌሰር  ፍራንስ ቪልዮን (Frans Viljoen) ዝተባሃለ ደቡብ ኣፍሪቃዊ፡ ንሓደ ካብ’ቶም ንመንግስቲ ኤርትራ ብሰብኣዊ ግህሰት ዝኸሰሰ ሽወደናዊ፡ ሽወደን ነጻ ዝኾነ ቤት ፍርዲ ኣሎዋዶ የብላን ክብል ዘሰንብድ ሕቶ ሓተቶ። ብዙሓት ናይ ሰብኣዊ መሰላት ተጣበቕቲ ኣፍሪቃውያን ጉጅለታት እውን፡ ሽወደን ምስ’ቲ ኣብ ጥብቅና ሰብኣዊ መሰላት ዘሎዋ ዝና፡ ነቲ ኣብ ዜገኦም ዝወረደ ሰብኣዊ ግህሰት መርመራ ብዘይምክያዳ፡ ቅሬታ ከም ዝስምዖም ይገልጹ። ሓደ ካብ’ቶም ቅሬታ ዝተሰምዖም ድማ፡ ሓደ ካብ’ቶም ንመንግስቲ ኤርትራ ዝኸሰሱን፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ናይ ሰብኣዊ መሰላት ጉዳያት ዝከታተል ሕጋዊ ትካል ዝመርሖ ጋይ ሱ (Gai Soo) ዝተባህለ ካብ ጋምብያ እዩ።

ናይ ኣፍሪቃ ኮሚሽን፡ ንዳዊት ኢሳቕን መታኣስርቱን ንኽፍትሑ ዝገበሮ ተደጋጋሚ መጸዋዕታ ሰማዒ እዝኒ ኣይረኸበን። ጠንቂ ናይ ማእሰርቶም ኢትዮጵያ ከይትወረኒ ዝብል ምስምስ እኳ እንተነበረ፡ እቲ ካብ 2018 ኣትሒዙ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝካየድ ዘሎ መስርሕ ሰላም፡ ኣብ ምፍታሕ እሱራት ይኹን ኣብ ምምሕያሽ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ዝኾነ ዓይነት ምምሕያሽ ኣይተራእየን።

ናይ ሕቡራት መንግስታት ፍሉይ መርማሪ ኮሚሽን፡ ኣብ ኤርትራ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ብኣልማማ ይቕጽል ምህላዉ ኣብ ናይ 2016 ጸብጻቡ ኣረጋጊጹ። እዚ ኮሚቴ’ዚ ነቶም ነዚ ግህሰታት እዚ ዝፈጸሙ ኣካላት ናብ ሕጊ ከቕርቦም ናብ ኩለን ሃገራት ተማሕጺኑ። ካብ’ዚ ብምብጋስ ድማ ሽወደን ነዚ ውሳኔ’ዚ ከተተግብሮ ትኽእል እያ።

ገበን ህግደፍ ኣብ ርእሲ እሱራትን ስድራ ቤቶሙን ጥራይ ዘይኮነስ፡ ገበን ኣብ ርእሲ ሰብኣውነት ኢዩ!!

ገበን መንግስቲ ኤርትራ ገበን ኣብ ርእሲ እሱራትን ስድራ ቤት እሱራትን ጥራይ ዘይኮነስ፡ ገበን ኣብ ርእሲ ሰብኣውነት ጌርካ ክውሰድ ይካኣል ክብል እቲ ዝቐረበ ክሲ ኣሚቱ።

እቲ ሽወደናዊ ጋዜጣ ከም ዝሓበሮ፡ ኩሎም እቶም ነዚ ክሲ’ዚ ብወለንተኦም ፈሪሞም ናብ ሕጊ ዘቕረብዎ ኣካላት ከም እኒ ናይ ዓዲ እንግሊዝ ፕሮፌሰርን ሓላፊ ናይ PEN ቪሊፕ ሳነ (Philip Sane)፣ ኤርትራዊ ጠበቓ ኣብ ስደትን፡ ፈራዳይ ነበርን ዳንኤል መኮነን፣ ሓደ ካብ’ቶም ገዳይም ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ጀርመን በርናርድ ዶክ (Bernard Dock) ከምኡ’ውን ሓላፊ ነበር ናይ ኣፍሪቃዊ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ፐንሲ ትላኩላ (Pensy Tlakula) ኩሎም ዝተሰማምዑሉ ጉዳይ እንተሎ፡ እቲ ኣብ ኤርትራ ዝካየድ ዘሎ ሰብኣዊ ግህሰታት፡ ኣብ ርእሲ እሱራትን ስድራ ቤቶምን ጥራይ ዘይኮነስ፡ ግህሰት ኣንጻር ሰብኣውነት’ውን ምዃኑ ኣረጋጊጾም።

 

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ

23 ጥቅምቲ 2020

Short URL: https://english.farajat.net/?p=11382

Posted by on Oct 26 2020 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net