ኣኼባ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ምስ ኣቦ ወንበር ማሕሙድ እስማኦኢል

Sunday February 72021

ጽማቕ ኣቦወንበር ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ብጻይ ማሕሙድ እስማዒል ሰንበት ለካቲት 7/2021 ምስ ኩሎም ጨነፍራት ሰምየን ኣመርካን ከነዳ ኣገዳስን እዋናውን ኣኼባ ኣካይዱ።
ብጻይ ማሕሙድ እስማዒል
ብመዳይ ወታሃደራዊ ጉዳይ ኣብዚ መራኸቢ ብዙሓት ንምስጢር ክንዕቅቦ ኢና ሰፊሕ መደባት ከምዘሎ ነዊሕ ዓሚቕ መግለጺ ሂቡ።
ብመዳይ ፕሎቲካዊ ሑሉፍ ፍሽለትና ኣስፊሑ ክንማሃረሉ ገምጋም ብነዊሕ ኣጋላልጻ ገምጋም ንኣባላት ምስ ሃበ ምጻኢ ጉዕዞ ከይድና ክንገብሮ ዘለናን ክንክተሎ ዘለና ከይዲ ሰፊሕ መግለጺ ሂቡ ።
ብመዳይ ቁጠባዊ ውድብና ካብ ወታሃደራውን ፖሎቲካውን ፈሊኻ ነጺልካ ስለ ዘይ ይረኤ መደብ ዕዮታት ውድብ ከምቲ ንደልዮ ብግቡእ ክሳላሰል እንተዳኣ ኮይኑ  ተወፋይነት ክህሉ ኣለዎ ካብ ኣባላት ጥራሕ ምጽባይ ጥራሕ ዘይኮነ ከምቲ ውድብ ክውፈ ተቐሪቡ ዘሎ ህዝብና ብህዝባዊ ማሕበራት ተሳትፎ ኣበርክቱኡ ከሪኢ ክኽእል ኣለዎ ወታሃደራውን ፖሎቲክውን ምንቕስቓሳትና ማዕረ ማዕረ እቲ ቁጠባዊ ዕብየት እዩ ዓበይቲ ስራሕ ምንቕስቓስን ዝዕመም ቁርብ ቁጦባዊ ዓቕሚ እንተሊካ ማዕረ እቲ ዘንቃሳቕሰካ ኢኻ ትንቃሳቐስ ብዙሕ ቁጠባ ተለካ ብዙሕ ወታሃደራዊ ምንቕሳቓስን ስርሒትን ተካይድ ክብል
መግለጺ ሂቡ።
ብመዳይ ዝምድናታት ምስ ናዕና ዝመስሉ  ኣብ ድሞኩራስያዊ ጥርናፈ ምእክልነት ዝኣምኑ ኣገርን ህዝብን ቅድሚት ዝሰርዔ ኣታሓሳስባ ዘለዎን ውድባት ካዕበታዊ ርክባት ነካይድ ኣሎና ክብል ኣስፍሑ መግለጺ ሂቡ።
ብመዳይ ኣብ ዞባና ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኲናት ሕድሕድ ናይ ኢትዮጵያ ክንሱ ስርዓት ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ንሃገረ ኤርትራ ኣብ ዘይ ምልከቶ  ብውልቃዊ ቅርሕንትን ቂምታን ባዕሉ ብዝወሰኖ ኢድ ኣታውነት ኣብዚ ኣህላቒ ዝኾነ ንህዝብና ከም ኣመሉ ኣብ ውግእ ሸሚሙ ብኣሻሓት መንእሰያትናን ስደተኛታትና የህሊቑ ይርከብ
ከም ውድብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ  መርገጽና ኣብዚ ኣብ ዝሓለፈ እዚ ውግእ ዝካየድ ዘሎ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝላዓለ ጥርዚ ከይ በጽሔ ህዝቢ ከይ ሃልቕ ንብረት ከይ ዓኑ ህዝቢ ንምዝንባል ከይ ይሳጣሕ ብሰላም ክፍታሕ ከም ዘለዎ ብኣዋጅ ናይ መታሓሳሰቢ  መግለጺ ኣዋጅ ኣውጺእና ኔርና ኢሉ መርገጽ ውድብና ብልቦና መግለጺ ብዕምቖት ኣስፊሑ መግለጺ ሂቡ።
ከሙኡውን በዚ ግዳይ ዝኾኑ ብኣሻሓት ዝኾኑ ዜጋታትና ዝተጎዱኑን ክኣብ ነበርዎ ውሑስ ቦታ ብምዝንባል ብሰንኪ እዚ ውግእ ናብ ሓደጋ ተሳጢሖም ዝብላዕ ዝስተን ዝኾነ ቀረብ ከም ዘየብሎም ብጥምየትን ጽምእን ይሳሓሉ ከም ዘለው መዘክራት ንኹሎም ትካላት ማሕበረሰብ ዓለም ጥርዓና ብጹሑፍ ኣቕሪብና ከም ውድብ ተሓኤ ክብል ነቲ ናይ ኣብ ርእሲ ስደተኛታት  ብዘሰክፍ ኣታሃላልዋ ነዊሕ ናይ ርህራሄ ከብድኻ ዝበልዕ መግለጺ ሂቡ።
ብመዳይ  ኣታሃላልዋ ውድብና ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ማእከላይ ምስራቕ  (Middle East) ኣብ ኤሮጳ ኣብ ኣውስትራልያ ኣብ ሰምየን ኣመሪካን ክነዳን  ኣባላትና ዝካኣሎም ግቡኦም እና ኣማሉኡ ስርርዓቶም  ብጽቡቕ የስፋሕፍሕ ከም ዘሎ ውን መግለጺ ሂቡ።
እዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ነዊ እዩ ነይር ጽማቕ ጥራይ ኢዩ እዚ
ብድሕሪ መግለጺኡ ምስ ወድኤ ንሕቶን ሪኢቶን ንኣባላት ጨነፍር ዕድል ሂቡ ።
ብድሕርዚ  ኣባላት ጨነፍር  ተሓኤ ተሳተፍቲ ናይቲ ኣኼባ ዝተፋላለየ ሃናጺ ኣገዳሲ ሕቶታት ቡዙሕ ቀሪቡ ኩሉ ብዘዕግብ መሊ ተመሊሱሎም
ሃናጺ ዝኾነ ሪኢቶታት ውን ተቐቢሉ።
ከሙኡ ውል ሎቦዋታት ውን የሕልፈሙሉ
ኣብ መጨረሽታ ናይቲ ኣኼባ ብምምስጋን ብምክብባር ኣኼባ ተዛዚሙ
ብሕጽር ዝበለ ጹማቕ ናይ ኣኸባ ኣቦወንበር ተቃድሎ ሓርነት ኤርትራ ማሕሙድ እስማዒል  ምስ ኣባላት ጨነፍር ሰምየን ኣመርካን ከነዳን ብዙም ዝተገበረ ኣኼባ ነዚ ይመስል ነይሩ !!!

Short URL: https://english.farajat.net/?p=11405

Posted by on Feb 10 2021 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net