ጋዜጣዊ መግለጺ መልሲ ንመግለጺ ዋሃብ ቃል ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ !!

ዕላዊ ወሃብ ቃል ሚንስትሪ ወጻኢ ጉዳያት እትዮጵያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ብዕለት 30 መጋቢት 2021 ኣብ ዘካየዶ ሰሙናዊ ርክብ፣ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣልዒሉ፣ ኤርትራውያን ካብ ኢትዮጵያ ዝተፈለዩሉ ማዓልቲ ኣየኽብሩዎን፣ ኣይፈትዉዎን እዮም፣ እቲ ምግንጻል ድማ ዝሑል ውግእ ዘምጸኦ እዩ ክብል ገሊጹ። ብምቕጻል ኣምባሳደር ዲና ሙፍቱ፡ ኤርትራን እትዮጵያን ሓደ ሃገር እየን ነይረን ብምባል፣ ይትረፍ ብፈደረሸን ሓንቲ ሃገር እንተኾና’ውን እንታይ ሽግር ኣለዎ ክብል ገሊጹ። ቀጺሉ ምስ ኤርትራ ጥራሕ ዘይኮነስ ምስ ካልኦት ጎሮባብቲ ሃገራት እውን ክንሰምር ይግባእ ኢሉ። ናብ ምቅርራብን ሓድነትን ዝመርሕ ድልየታት ምህላዉ ድማ ጠቒሱ። ንገለ ካብ’ቲ ዝበሎ ኩሉ፣ ተመሊሱ ኣብ ፈይስቡክ ኣይበልኩን ዝብል ትርጉም ህቢዎ ኣሎ።

ካብ’ዚ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ዘልዓሎ ጉዳያት ብምንቃል፣ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ (ኤሃባዲለ) እዞም ዝስዕቡ ጉዳያት ከረጋግጽ ኣድላይነት ከም ዘለዎ ይርኢ፦

  • ኤርትራዊያን ንማዓልቲ ናጽነት የኽብርዋን ይፈትዉዋን እዮም። ናይ ምፍላይ ወይ ምፍንጫል ማዓልቲ ኢሎም’ውን ኣይጽውዕዋን ኢዮም። ንልዕሊ ሰላሳ ዓመታት ዝኣክል መሪር ቃልሲ ብምክያድ፣ ዓሰርተታት ኣሻሓት ስዉኣትን ዉጉኣትን፣ ዘኽታማትን፣ ስደተኛታትን ዝተኸፍሎ ዕለተ ናጽነት እዩ። እምባሳደር ዲና ሙፍቲ ድማ ሓርነታዊ ቃልሲ ዘካየደ ኣህዛብ፣ ብፍላይ ንህዝቢ ኤርትራ ዝኣምሰለ፣ ንመዓልቲ ናጽነት እንታይ ትርጉም ከም ዝህቦ ክስሕቶ ኣይምተገበአን።
  • ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ድማ መበገሲኡ ዝሑል ውግእ ኣይነበረን። ቀንዲ ደራኺኡ ንዘመናት ዝቐጸለ ብጭቡጥ ዝተመስከረን ዘይተኣደነ ጎበጣዊ ባህግታትን ህርፋንን ገዛእቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ብሓፈሻ፣  ኣብ ልዕሊ ቀይሕ ባሕሪ ድማ ብፍላይ ነይሩ ክበሃል ይከኣል፣ ሎሚ’ውን ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ በቲ ሓላፍነት ብዝጎዶሎ ኣገባብ ዝሃቦ መግለጺ እዚ ጎበጣዊ ባህግን ድልየትን ኢትዮጵያ ጎሊሁ ተራእዩ።
  • ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ኣብ’ቲ ብ1952 ብሕቡራት መንግስታት፣ ብፈደራላዊ ዝምድና ንኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ናይ ምቁራን ኣስገዳዲ ውሳኔ ዝሓለፈሉ ግዜን፣ ከምኡ’ውን ብ1962 ብሃይለስላሰ ነቲ ፈደረሽን ብኢደ ወነኑ ኣብ ዘፍረሰሉ ግዜ እንተዘይኮይኑ፣ ብፍጹም ሓንቲ ሃገር ኮይነን ኣይፈልጣን እየን።
  • እታ ተመጣጣነ ዝምድና ክህልውና እንምነያ ኢትዮጵያ፣ ቅድሚ ምስ ካልኦት ፈደራላዊ፣ ኮንፈደራላዊ ወይ’ውን ፍጹም ሓድነት ምስ ኤርትራ ይኹን ምስ’ተን ካልኦት ጎረባብቲ ሃገራት ክትፈጥር ምህቃን፣ ብቀዳምነት ኣብ መንጎ ህዝብታታ ጽኑዕ ወለንተኣዊ ሓድነት ንኽህልዋ ክትጽዕት ይግባእ። ኣብ’ዚ ከይ ጠቐስናዮ ክንሓልፍ ዘይንደሊ ጉዳይ፣ ህዝቢ ኤርትራ ክልተ ዓበይቲ ውግኣት ምስ ኢትዮጵያ ዘካየደ ህዝቢ ብምዃኑን፣ ኣብ ሕሉፍ መሪር ተዘክሮታቱ፣ ብሰንኪ ኣስፋሕፋሒ ብህግታት ክውን ንምግባር ብመራሕቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ይኹን ኣብ ልዕሊ ካልኦት ጎረባብቲ ኣህዛብ ዓሚቚ ኣሉታዊ ስምብራት ዝገደፈን ምዃኑ ኢዩ። ስለ’ዚ ህዝቢ ኢትዮጵያን መራሕቱን ኣብ ክበጻሕ ዘይክእል ኣተሓሳስባ ኣብ ክንዲ ዝመጣጠሩ፣ ውሽጣዊ ሓድነት ኣህዛቦም ክዕቅቡን ከውሕሱን እንተ ዝጽዕሩ ዝሓሸ ኢዩ ንብል።
  • ህዝቢ ኤርትራ ከም ኩሉ ህዝብታት ዞናና፣ ምስ ኩለን ጎሮባብቲ ሃገራት ኣወንታዊ ምትሕግጋዝን ሃናጺ ምምልላእን ከም ዝብህግ ኣይንጠራጠርን ኢና። ቅኑዕ ኣፍደገ ናይ ከምዚ ዓይነት ሓባራዊ ዝምድና ግን፣ ብትካላት ዲክታቶሪያዊ ስርዓታት ዝመጽእ ዘይኮነስ፣ ብቀጥታ ናይ’ቶም  ድልየት ህዝብታቶም ብወግዒ ዝውክሉ ትካላት ምስ ዝረጋገጽ ጥራሕ’ዩ ዘላቒ ዝኸውን። ብተወሳኺ፣ ዝኾነ ዓይነት ስምምዕ ብሃገራዊ ልዑላውነት ናይ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ምእማንን፣ ብገዛእቲ ሓይልታት ተሓኒጺጹ ንሕና ከኣ ዝወረስናዮን፣ ብዓለምለኻውን ብክፍሊ ዓለምን ብዝጸደቐ ውዑላትን ቻርተራትን ዝተደገፈ ናይ ሕድሕድ ሃገር ዶባት ምፍላጥን ምኽባርን የድሊ ።

ካብ’ዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰ ሓቅታት ብምብጋስ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ (ኤሃባዲለ) ነቲ እምባሳደር ዲና ሙፍቲ ዝፈነዎ ገለጻ ብምሉኡ ኣትሪሩ ይነጽጎ። ከምኡ’ውን ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላት መንግስቲ ኢትዮጵያ ብቐጻሊ ዝደጋገምን፣ ዲክታቶሪያዊ ስርዓት ህግደፍ ትም ኢሉ ዘሕልፎ ዘሎን፣ ንልዑላውነት ኤርትራ ዝትንክፍ ጉዳያት ብዓቢ ሻቑሎት ንከታተሎ ምህላውና እንዳ ኣፍለጥና፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ሕጂ ይኩን ኣብ መጻኢ ንዝምድና ክልቲኡ ኣህዛብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጎድእ ወግሐ ጸብሐ ክስንዝሩ ዝርከቡ ኣካላቱ ገደብ ክገብረሎም ኣትሪርና ነዘኻኽር። ብተወሳኺ ከም’ቲ ኣብ ላዕሊ ገሊጽናዮ ዘሎና፣ ኣሰራት ሕሱም ተግባራት ገዛእቲ ወይ ሃጼታት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝብና፣ ክሳብ’ዚ ሰዓት’ዚ ኣብ ኣእምሮ ህዝብና ህያው ከም ዘሎ መራሕቲ ኢትዮጵያ ዝስሕትዎ ኣይመስለናን።

ምስ’ቲ ንመዋእል ብዘይሕጋውነት ንኤርትራ ዝገዝእ ዘሎ መላኺ ኢሳይያስ፣ ዝካየድ ምስጢራዊ ስምምዓት፣ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ምኽንያት፣ ህዝቢ ኤርትራን ሃገራውያን ሓይልታቱን ከም ዘይቕየዱሉ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ክፈልጥ ይግባእ። ንምትእታታው ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ክልል ትግራይ ሕጋዊ ሽፋን ንምልባስ ብማለት፣ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ወታሃደራዊ ውዑል ክፍረም ኢዩ ዝብል ዝነፍስ ዘሎ ሓበሬታ፣ ኤሃባዲለ ብትሪ ከም ዝነጽጎ የፍልጥ።

በዚ ኣጋጣሚ ድማ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ንዘሎ ህዝብና ብሓፈሻ፣ ብፍላይ ከኣ ፖለቲካውን በረገሳውን ሓይልታቱን፣ ኣብ  ጸጥታውን ወታሃደራውን ትካላት ኤርትራ ዝርከቡ ዉፍያት ሃገራውያንን፣ ንሃገርና ካብ’ቲ ንሓድነት ህዝብን መሬትን ኤርትራ ዝፈታትን ውዲታት ንምድሓን፣ ኩሉ ዓቕምታቶም ብዘይ ወዓል ሕደር ብሓባር ክጸምዱ ህጹጽ ጻዊዒት ነቕርብ።

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ

31.3.2021                 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=11425

Posted by on Apr 5 2021 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net