Going back to the future:መጻኢ ጉዕዞ ናብ ዘበነ ኣርባዓታት !!

ሰላም ኪዳነ አብ ዝሓለፈ ጊዜ ንየሰፍ ገብሪሂወት አብ ዝገብረትሉ ቃለ መሕተት፡ ስለምንታይ ኢካ ኩሉ ግዜ ተጻራሪ (Contravential) ሪእቶ ዘለካ ዝብል ሕቶ ምስ አቅረበትሉ ?? ‘’እቲ አዚዩ ጹቡቅ አብ ጊዜ ሃይለስላሰ ዝነብረ ህይወት እንታይ ኮይኑ ዘይረኤዮም ዘሎ ኢየ ዝብል፣ ክብል መሊሱላ።





ዮሰፍ ገብሪሂወት ክምዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ስእሊ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ኣብ ግዜ ሃይለሰላሰ መሕነቅቲ ከምዝነበረ ኣይረኤየካን ዲዩ ነይሩ??

ብዓይኒ ዮሰፍ ገብሪወት ኣብ ግዜ ሃይለስላሰ እቲ ዝሓሽ ናብራን ምሕደራን ኢዩ ነይሩ ይብል!!!

ዮሰፍ ገብሪሂወት ብዕለት 3 ለካቲት 2021 ዕዱም ጋሻ ናይ ሰላም ኪዳነ፡ ኣብቲሕቲ ‘’እዋናዊ ጉዳያት ኤርትራን ትግራይን ዝብል ኣርእስቲ’’ ቀሪቡ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነቲ ፍልስፍና ናቱ  ‘’እንታይ ኮይኑ ዘይረኤዮም ዘሎ ኢየ ዝብል’’፡ ክብል ዝመለሶ ንሰላም ኪዳነ: ገለ ካብተን ኣገደስቲ ነጥብታት ኣልዒልና ክንድህስስ ምናልባት ዘይረኤ እንተራኣና፡ ወይ ድማ እቲ ንሕና ንሪኦ እሱ ዘይረኤዮ እንተ ኮይኑ፡ እንታይ ኮይኑ ዘይረኤዮ ዘሎ ክንብል ውን ናይ ግድን ኢዩ። ሰለዚ ካብተን ኣገደስቲ ነጥብታት ዮሰፍ ገብሪሂወት፡ዘልዓለን ኣብ ግዜ መግዛእቲ ጥልያን፡ ሃይለስላሰ፡ ስርዓት ህግደፍን ኣዋዳዲሩ እቲ መግዛእቲ ናይ ሃይለሰላሰ ፈጺሙ መዳርግቲ ዘይብሉ ዝሓሽን ዝበለጸን ሙቹእ ናብራ ከምዝነበረ ይገልጽ፡ ክም ኣብነት ዝጠቀሳ ኣስመራ ከተማን ብሃይለስላስ ዝተሰርሔ ኢንዳስትሪስ (Industries). ኢየን።

ዮስፍ ገብሪሂወት፡ ንሙኻኑ አየኖት ፋብሪካታት ኢዩ ሃይለስላሰ አብ አስመራ ዝሰረሔን ክህልዋ እንተኾይነን ድማ በቶም ኤርትራውያን ዝተሰረሓ ጥራይ ኢየን ክኾና ዝኽእላ። ስርዓት ሃይለ ስላሰ ብአንጻሩ እካ ድአ ካብተን ሓደሽቲ ዝተሰርሓ ንላዕሊ ብዙሓት ፋብሪካታት ካብ አስመራ ናብ አዲስ አበባ ከምዘሰጋገረን ኢዩ ዝፍለጥ። ብሓፈሽኡ ስርዓት ሃይለስላሰ ነቶም ኤርትራ ንኤርትራውያን ዝብሉ ደቀባት መሪር መግዛእቲ ኢዩ፡ ሂወት ኤርትራ ድማ በቶም ውሑዳት ኣንድነታውያን ሙቹእ ናብራ ኣብ ኣሰመራ ዝነብሩ ዝነበሩ ኣይኮነን ዝግለጽ። ክምቲ እስካ ትገልጾ ዘይኮነስ፡ ሃይለስላሰ ኣብ  ኣስመራ እንተኾነ እውን እንታይ ገይሩ እንተበልካኒ፡ ነቲ (ፓርላማ) ናይ ኤርትራ ኣፍሪሰዎ፡ ነቲ ፈደረሽን ኣፍሪሱ ኤርትራ ሓንቲ ጠቅላይ ግዛት ናይ ኤትዮጲያ ኢያ ብምባል ምስ ኢትዮጲያ ጽንቢሩዋ፡ በቲ ፈላሊካ ግዛእ ዝብል መምርሒኡ ድማ ንህዝቢ ኤርትራ ብሃማኖት ብዓለት ብኣውራጃ ፈላልዩ ነንሕድሕዱ ከምዝናቆትን ከምዘይተኣማመን ገይሩ ኢዩ። ዮሰፍ ገብሪሂወት፡ ኤርትራውያን ካብ ኢትዮጵያ ምንም ሓገዝ ዘድልዮም ኣይኮኑን። እቲ ሓቂ ኤርትራውያን ኣብቲ ግዜ ኣብ ኩሉ መዳይ ብቅዓትን ተሞክሮን ዝውንኑ ስለዝነበሩ፡ ከምአብነት ክጥቀስ ዝካአል ኤርትራውያን አብ ናይ ስዑዲ ዓረቢያ ኣየርፎስ ተኽኒሽን ቶቆጺሮም ዘመሓድሩ ዝነበሩ ኢዮም። ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያውያን ውን እንተኮነ አብ ኩሉ መዳያት ጸብለልትነት ዝነበሮም ኢዮም። ክሳብ እውን አብ ውድድር ዋንጫ ኣፍሪቃ ኢትዮጵያ ብክዕሶ እግሪ ክትስዕር ዘብቅዑዋ ዝነበሩ መብዛሕትኦም ተጻወቲ ኩዑሶ ኤርትራውያን ኢዮም ነይሮም። ስለዚ ሃይለስላሰ ይኩን መንግስቲ ኢትዮጵያ ግደፍ ዶ ንኤርትራ ከማዕብሉስ ነታ ዋና ከተምኦም ኣዲስ ኣበባ ካብ እከይ ጨናን ጨፈቅፈቅን ክማዕብልዋ ብቅዓት ኣይነበሮምን።

ዮሰፍ ገብሪሂወት፡ ብርግጽ ኩሉ ግዜ ኣብቲሕቲ ዝኮነ መግዛእቲ ተጠቀምቲ ክህሉዉ ባህርያዊ ኢዩ። ኣንድነታውያን ተጠቀምቲ ናይ ሃይለስላሰ ምንብሮም ዘጠራጥር ኣይኮነን። ምክንያቱ ሃይለስለሰ ንመግዛእቲ ክጥዕሞ ፈላሊዩ ይገዝኣና ነይሩ። ሃይለስላሰ ነቲ ፈትዩ  ወይ ነቲ ጸሊኡ ዘይኮነስ፡ መሰረታዊ ዕላምኡ ህዝባ ዘይኮነስ መረታን ባሕራን ምውናን ኢዩ። እንተዘይኮነ ህዝባ ኣየድልየናን ኢዩ ዝብል ዕላማ ስለ ዝነበሮ። ነዚ ዕላምኡ ንምዕዋት እቶም ቀዳሞት ኣንድነታውያን ኣብ ግዜ ሃይለስላሰ ዝነበሩ ነቲ ኩሉ ግፍዕታት ብቀጥታን ተዘዋዋሪን ኣብ ምፍጻሙ ዓብይ ተራ ነይርዎም ኢዩ። ክም ኣብነት ነቶም ሃግራውያን ዝኮኑ ከም ዓብዱልቃድር ከቢረ ኣቦ ወንበር ኤርትራ ን ኤርትራውያን ብጉዳይ ሃገሩ ናብ ሑቡራት መንግስትታት እንዳ ከደ ዝረሽንዎ ኣንድነታውያን ኢዮም።

ዮሰፍ ገብሪሂወት፡ እቶም ኣንድነታውያን ናይ ብሓቂ እቲ ዝበለጸ ናብራ፡ ገንዘብ ከፊልካ ዘይትረኽቦ ናብራ የሕልፉ ነይሮም ኢዮም፡ ደቆም እንተኮነ ዝበለጸ ትምህርትን ምቾትን ብፍላይ ንወጻኢ ከይዶም ክማሃሩ ዓብይ ዕድል ኢዩ ነይርዎም።  በንጻሩ ከኣኒ እቶም ኤርትራ ንኤርትራውያን ዝብሉ ነቶም ኣንድነታውያን ዝዋሃብ ዝነበረ ረብሓታት ስለዝተነፈጉን ኩሉ ረብሓታቶም ገዲፎም ንሃገሮም ይቃለሱን ይስዉኡን ነይሮም። እቲ ከም ኣብነት ዝገለጽካዮ ናብራ ናይ ከተማ ኣስመራ ናይ ኩሎም ኤርትርውያን ዝነብርዎ ዝነበሩ ሂዎት ኣይኮነን። ካልእ ውን እቶም ኣንድነታውያን ካብቶም ኤርትራውያን ዝተዘመታ ከብቲ ካብረቶ ገይሮም ክበልዑ እንኮለዉ፡ እቶም ዝተረፉ ዝበዝሑ ኤርትራውያን ግን ካብተን ጥሪቶም ካብረቶ ክበልዑ ወይ ምቹእ ናብራ ከሕልፉ ይትረፍሲ  እቲ ዝኸፍኤ ኣስካሕካሒን ጅምላውን መቅተልትን ግፍዕን ኣብ ልዕሊኦም ዝካየድ ኢዩ ነይሩ። እዘን  ኣብታሕቲ ተጠቂሰን ዘለዋ ዓድታት ገለ ውሑድ  ጭላፍ ካብ ባሕሪ ኣብ ልዕሊኦም ዝፍጸም ዝነበረ ግፍዕታትን ግህሰታትን ከም ኣብነት ምጥቃስ ይካ’ል።

1) ብ ዕለት 24 ሓምለ 1967 ኣብ መሬት ሃዞሞ 172 ሰባት ኣብ ተፈላለይ ዓድታት ኣብ ቅድሚ ኣንስቶምን ኣቆሉዖምን ገሊኦም ክርሽኑ እንኮልዉ ገሊኦም ብሳንጃ ሓሪዶሞም። ነተን ዓድታት ኣቃጺሎም  ነተን ጥሪቶም ዝተወስዳ ከብቲ ኣብ መንደፈራ ንሓንቲ ከብቲ ብሓንቲ ቅርሺ ይሽየጣ ነይረን ኢየን።

2) ኣብ መጨረሻ 1967 ኣብ ኣቅርደት (50) ሰባት ምስ ጀብሃ ርኽብ ኣለኩም ኢሎም ዝጠርጠርዎም ኣብ ማእከል ከተማ ሓኒቆሞም። 3) ብ ዕለት 17 ጥሪ 1970 ኣብ ዒላ-በርዒት (60) ኣቦታት ተቀቲሎም።  4) ብዕለት 30 ሕዳር 1970 ኣብ በስከደሪያ (120)ሰባት ተቅቲሎም።  5) ብ ዕለት 01 ታሕሳስ 1970 ኣብ ዖና፡ ንምልእቲ ዓዲ ከቢቦም  (800) ሰላማዊ ህዝቢ ቀቲሎም። 6) ብዕለት 06 ነሓሰ 1970 ኣብ ምስያም (ደምበላስ ሰራየ) ኣርባዓን ትሻዓተን (49) ቆሉዕን ኣንስትን ዝርከብዎም ብኮማንድስ ተሓሪዶም። 7) ብ ዕለት 10 ሓምለ 1974 ኣብ ኦምና ሓጀር (170) ሰብ ተቀቲሎም። 8) ብ ዕለት 1971 ኣብ ከተማ ከረን (70) መንእሰያትን ተማሃሮ ን ጀብሃ ትድግፉ ኢሎም ሓንቆሞም። 9) ብ ዕለት 28 ታሕሳስ 1974 ኣብ ኣሰመራ (45) ተማሃሮ ብናይ ቢያኖ ስልኪ ግይሮም ሓኒቆሞ።10) ብዕለት 14 ለካቲት 1975 ከባቢ ኣስመራ  ድሕሪ ህዝባዊ ግንባር መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ኢቶጲያ ምክያድ፡(331) ሰለማውያን ህዝቢ ተቀቲሎም ።  11) ብ ዕለት 02 ለካቲት 1975 ነቲ ብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ህዝባዊ ግንባር ዝተገብረ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራት ኢቶጲያ (103) ሰላማዊ  ህዝቢ ኣብ ወኪዱባ ቀቲሎሞም። 12) 09 መጋቢት 1975 ኣብ ከተማ ኣቁርደት(258) ሰለማውያን ህዝቢ ረሺኖም። 13) ብ ዕለት 17 ምያዝያ 1975 ኣብ ሕርጊጎ ኣስታት (470) ተቀቲሎም 14) ብ ዕለት 1975 ኣብ ከተማ ኦምናሓጀር (250 )ማሽንጋን ገይሮም ረሺሾሞም። 15) ብ ዕለት 30 ታሕሳስ 1976 ኣብ ሕርጊጎ (105) ተቀቲሎም  16) ብዕለት 19 ጥቅምቲ 1985 ኣብ ሞጋሪብ (39) ተቀጢሎም። 17) ብ ሚያዝያ 1988 ኣብ ከተማ ኣቁርደት ብናይ ኣየርብሎን ደብዳብ (50 ተጋደልቲ+3 ሰለማውያን ህዝቢ) ተቀቲሎም። 18) ብዕለት 05 ታሕሳስ 1988 ኣብ ሽ-ባሕ መብዛሕቶም ኣሳብኡት ንሕርሻ ወፊሮሙሉ ኣብዝነበሩ ግዜ (400) መብዛሕቶም ደቂ ኣንስትዮን ቆሉዕን ተቀቲሎም። 19) ካብ ዕለት 3-4 ምያዝያ 1990 ኣብ ኣፍዓበት ናይ ኣየርፕለን ዝተካየደ ደብዳ ኣብ ልዕሊ ስለማውያን ህዝቢ  (67) ኽቕተሉ እንኮለዉ (125)ተወጊኦም። 20) ብዕለት 24 ምያዝያ 1990 ኣብ ከተማ ባጺዕ ናይ ኣየርፕለን ደብዳብ (Cluster bombs) (weapons of mass destruction) ብምጥቃም (50) ኽቅተሉ እንኮለዉ (110) ከቢድ መህሰይቲ ወሪድዎም። 21) ዓድ ኢብራሂም  1967 ቡዙሕ ግፍዕታት ዝተፈጸመላ ብዙሓት ከምዝተቀትሉ ቁጽሮም ብልክዕ ኣይረክብናን ኣለና።

ብሓፈሽኡ ኣብ ከበሳ ይኩን ኣብ መታሕት ብብዝሒ ቆልዑን ደቂ ኣንስትዮን ከይተረፉ ብኣርመናዊ ኣገባብ ክቅተሉ እንኮለዉ፡ ንብረቶም ክቃጸል እንኮሎ ነተን ጥሪት ካብ እተፈላለይ ዓድታት ዝተዘምታ ገሊኤን ንሰራሕተኛታት መንግስቲ ብጥራዩ ክዕደላ እንኮለዋ እተን ዝተረፋ ብሓንቲ ቅርሺ ንህዝቢ ይሽየጣ ነይረን። ኣብዚ ኽርሳዕ ዘይካኣል ብዙሓት ሃገራውያን ኤርትራውያን ካብ  ኣሕዋትና ዝተዘመታ ጥሪት ኣይንበልዕ ኣይንገዝእ ኢሎም ዝኣበዩ ውን ውሑዳት ኣይኮኑን። ከም ውጺኢት ናይዚ ከሉ ግፍዕታት መብዛሕቶም ካብዞም ዓዶም ዝነደዱ ኣብ 60ታት ንሃገሮም ገዲፎም ንሱዳን ተሰዲዶም፡ ድሕሪ ናጽነት ውን እንተኮነ ንከይምለሱ ብህግደፍ ተከልኪሎም ይርከቡ።ስለዚ ዮሰፍ ገብሪሂወት፡ ስርዓት ሃይለስላሰን ይኩን መንግስቱ ወላ ውን ህግደፍ ዕላመኦም ህዝቢ ኤርትራ ምጽናት ኢዩ። ከማካ ዝኣመስሉ ናይዞም ካብ ሃገሮም ዝተሰዱ ጥሪት እንዳ ተኣንገድኩም ዝዓብኩም ብርግጽ ጹቡቅ ነርና ክትብሉ ኣይተጋገኩምን። ኣብ ግዜ ሃይለስላሰ እቲ ዝከፍኤ ጥምየት ንዓለም ዘስካሕከሔ እንዶ ኣይኮነን ነይሩ። ስለዚ መግዛእቲ መግዛእቲ ኢዩ፡ ሃይለስላሰ ይኩን መንግስቱ ኩሉ ግዜ ባዕዳውያን ኢዮም። ንሃገሮም ዘይኮኑ፡ ንህዝቦም ዘይሓለዩ፡ ንኤርትራውያን ይሕሹና ምባል፡ ውልቃዊ ረብሓን በለጽን እንተ ዘይኮይኑ ካልእ ትርጉም የብሉን። ኣብታሕቲ ዘሎ ስእሊ ንመልከት!!




ካብዚ ቀጺሉ ዮሰፍ ገብሪሂወት‘’ኣብ ኤርትራ ዝበዝሔ ህዝቢ ኣስላማይ ስለዝኮኑ፡ ሰራዊት ናይ ኤርትራ እቲ ዝበዝሔ ኣስላም ኢዮም፡ ይብል!!

ከምኡውን ካልእ አገዳሲ አብዚ ከይጠቀስኩዎ ክሓልፍ ዘይደሊ፣ ልዕላውነት ናይ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ምሕደራ ናይ ህግደፍ ክሳብ ዘላ ኩሉ ግዜ ኣስጋኢ ኢዩ። ሓይሊ ህዝቢ እንተዘይዓግቶም፡ ኢሰያስ ከምቲ ትምኒቱ እንተዝኮነሉ ቀደም እሱ ዝመርሓ ዓባይ ኢትዮጵያ ገይርዋ ምሃለወ። ብ ዕለት 02 ምያዝያ 2018 ኣቢ ኣሕመድ ኣብ ስልጣን ዝመጸሉ እዋን ውን እንተኮነ፡ኢስይስ፡ ኣይከሰርናን፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ ሃገር ክምዘይኮና ነጊሩና ኢዩ።ስለዚ ነዚ ኣንድነታዊ ዕላማ ብሱቱር ኣገባብ ‘ዘገም’ እንዳበለ ኣብ ባይታ ይትግበር ኣሎ። ብዕለት 30 መጋቢት 2021   ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ሓላፊ ናይ ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ ሓድሽ ነገር ዝበሎ የለን።እንታይ ድኣ ብዕለት 3 ሕዳር 2020 ዝጀመረ ሕድሕድ ኩናት ኢትዮጵያ፡ መርገጽ ናይ ኤርትራውያን ስለተፈላለየ፡ ግብረ መልሲ ናይ ህዝቢ ኣብ ምንታይ ኩነታት ከምዘሎ ንምፍላጥ ዝፍንዉዎ ኢዩ። ተወሳኪ ናይዚ፡ ኣኽረርቲ  ናይ ኣንድነት  ንነዊሕ ዓመታት ብጻዕቂ እንዳ ሰበኩ ዝመጹ፡ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዘናሽዉ ካብ ሃለዉ፡ ዲና ሙፍቲ ኮምኡ ኢሉ ክዛረብ ውን ዘገርም ኣይኮነን። ድሮ እኳ ረዘነ ሃብተ ነዚ ጻዊዒት ናይ ዲና ሙፍቲ ደገፉ ብምግላጽ ቡዙሓት ኣንድነታውያን ከምዘለዉ መርገጹ ነጺሩ ኣሎ። ብ 15/ ሚያዝያ/2021 ጋዘጠኛ ተድሮስ መንግስቱ  ቃል ማሕተት ዝገበሮ ምስ ጋዜጠኛ ኣማኒኤል ኢያሱ ኣመሓዳሪ ሬድዮን ቴሌቪዥን ኣሰና፡ ኣብ ጎኒ ህዝቢ ትግራይ ክይኑ ንዝቃለስ ህዝቢ ኤርትራ ትድግፍን ተወሃህድን ትሽዓተ(9) ዝኣባላታ ጉጅለ ተመስሪታ ክምዘላ ኣረጋጊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብገለ ኤርትራውያን ረብሓና ምስ ኢትዮጵያ ወይ ትግራይ ኢዩ ዝብሉ ነቲ ናይ ቡዙሓን መራክቢ ዓብሊሎም ንቡዙሓት ኤርትራውያን ኣብ ምድንጋር ተዋፊሮም ይርከቡ። ሓደ ካብኣቶም ኣዚየ ዘድንቆ ጸሓፋይን መዳራይን እንተሎ ዮሰፍ ገብሪሂወት ኢዩ።ዮሰፍ ገብሪሂወት ኣብ ኣዝማሪኖ ዘውርዶ ዝነበረ ጹሑፋት ይኩን ኣብ ፓልቶክ መጺኡ ዝህቦ ፖለቲካዊ ትንተና፡ ንነዊሕ ዓመታት ኣንድነታዊ (ፕሮጀክት)ዝኣመተ ምንባሩ ብእዋኑ ብሩህ ኢዩ ነይሩ። በዚ ፍልስፍና ድሒሮም ዝመንጨው ክምባዓል ብሩህ መጻኢ፡ ኣጋዝያን፡ ትግራይ ትግሪኚ ፍርያት ናይ ዮስፍ ገብሪሂወት ክበሃል ይከኣል።

ድሕሪ ውድቀት ናይ ወያነ ዝተወሃሃደ ስራሓት ኣብ መንጎ ገለ ኤርትርውያንን ትግራዎትን፡ ክም ትግራይ ሚድያ ሃውስን (TMH) ካሎኦትን ኣጸያፊ ዝኮነ ሃይማኖታዊ ሓዘል ዱሑር ዝምባሌታት ተጠቂሞም ንኤርትራውያን ናይ ምፍልላዮም ሜላ ዝዓለመ ፈተነ፡ ብግብረ መልሲ ናይ ኤርትራውያን ቀሂሙ ተሩፉ። ዮሰፍ ገብሪሂወት ኣብ ተፈላለየ መራኽቢ ቡዙሓን ብፍላይ ኣብ (Tigrai Media House) ክምኡ ውን ምስ ሰላም ኪዳነ ዝገበሮ ቃል መሕተት፡ ካብ ኣንድነታዊ ኣተሓሳስባ ስለዝብገስ እቲ ኑቡር ናብራ ኣብ ግዜ ሃይለስላሰ ጥራይ ነይሩ ነይሩ ኢዩ ዝብል።  ገለ ካብተን ኣገደስቲ ቃል መሕተት ምስ ሰላም ኪዳነ ዝገበሮ ብክምዚ ኣገባብ ይጠቅሰን።

‘’Golden age of Asmara ዝባሃል ኣብ ግዜ ሃይለስላሰ ጥራይ ኢዩ ነይሩ ቅድሚኡ ውን ኣይነበረን። እቲ ኢንዳስትሪ ውን እንተኮነ ገሊኡ ብሃለስላሰ ዝተስርሔ ኢዩ። ካ ስልጣኑ ክሳብ ዝወርድ ሃይለስላሰ፡ እዚ ኩሉ ግፍዒ ዝግበር ዘሎ ሎሚ ኣብ ኣስመራ ዘዝተወልደ ሃጽ ኢሉ ዝጠፍእ ዘሎ ጨሪሹ ኣይነበረን። ኣብ ከባቢ ኣስመራ ዘለዋ ከተማታት ሃገርሰባት ኣሽሓት ብብሽክለታ ገይሮም ኣብ ህንጻታትን ፋክቶሪታት ይስርሕ ነይሮም ። እቲ ህዝቢ ኑቡር ናብራ ይነብር ነይሩ፡ ኣብ ግዜ ሃይለስላሰ መግዛእቲ ኣይነበረን፡ ምግዛእቲ ምስ ሻዕቢያ ኢዩ መጺኡ’’። ካብዚ ቀጺሉ ነዘን ኣገደስቲ እየን ዝበለን ነጥብታት ይገልጽ፡

  • ቀዳማይ፡ ኣብ ትግራይ ዝተገብረ ግፍዕታት ኣብ ክንዲ ነቲ ገባርን ሓዳግን ዝኮነ ስርዓት ህግደፍ ዘስክሞ፡ ንሰራዊት ኤርትራ ብ Genocide ይከሶ።
  • ካልአይ: ዮሰፍ ገብሪሂወት ንሰራዊት ኤርትራ ክገልጾ እንኮሎ፡ ‘ ኣርመን ዝኮነ ሰራዊት ’ግፍዒ ዘካይድ፡ ኣዋልድ ምዕማጽ ኣይገደፍ፡ስርቂ ኣይገደፍ፡ሃገር ዘቃጽል፡ ዓማጺ፡ ንህዝቢ ትግራይ ከምዝፈናቀልን ክምዝጠሚን ዝገበረ፣ እዚ ሰራዊት እዚ ጥፍኣትን ስዕረትን ኢካ ትምነየሉ ይብል። ካብኡ ቀጺሉ እዚ ኩሉ ገበናት፡ ከም ናይ (Nazi Germany) ኣብ ልዕሊ ኢስራኤላውያን ዝገበርዎ ጆኖሳይድ  ( Genocide) ወይ ድማ ክምናይ ሩዋንዳ (Rwandan)ነቲ ኣብሞንጎ Tutsi and Hutu  ዝተካየደ  Genocide  ተባሂሉ ኢዩ ኣብ ኤርትራ ክምዝገብ’’ ይብል ኮታስ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ቦኮ ሓራም ይከፍኡ ብምባል ይገልጾ ።
  • ሳልሳይ፡ ህዝቢ ኤርትራ እቲ ዝበዝሔ ኣስላም ስለዝኮነ፡ ቡኡ መጠን እቶም ሰራዊት ናይ ኤርትር ዝበዝሑ ኣስላም ኢዮም ፣ መብዛሕቶም ሓለፍቲ ድማ ካብ ከበሳ ትግርኛ ሙኻኖም ይገልጽ።  በባህልኡ ድማ ኩሉ እቲ አብ ትግራይ ዝተፈጸመ ግህሰታት ግፍዕን በቶም አስላም ዝተፈጸመ ሙኻኑ ንምግላጽ ዝዓለመ ኢዩ ።
  • ራብዓይ፡ ዮስፍ ገብሪሂወት ኣብ ኤርትራ ዝበዝሑ ኣስላም ምኳኖም ከም ጭብጢ ዘቅርቦ እንተሎ እቲ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት (ዓሊ ሳላም) ከምኡ ኢሉ ጸሒፉ ነይሩ ብምባል ከም መርትዖ ዘቅርቦ ዘረባ ኢዩ ።

ኣብዚ ተሃዋሲ ዝኮነ ኩነታት ዮስፍ ገብሪሂወት ካብ ግዜ Romantazizing ገድሊ ክሳብ ሕድሕድ ኩናት ኢትዮጵያ ዝህቦ ዘሎ ሪእትኡ ኢልካ ዝሕለፍ ኣይኮነን። መሰል ናይ ምዝራብ ኩሉ ግዜ ሕሉው ኢዩ፡ ሕጂ ግን ድሕሪ ፍሽለት ናይ ወያነ ዝመጸ ናይ ኣእምሮ ጭንቀት፡  ዮሰፍ ገብሪሂወትን (ትግራይ ሚዲያ ሃውስን) ናብ ረዲዮ ርዋንዳ ተቀይሮም ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ሕድሕድ ኩናት ዝዕድም ዘረባታት ኽውርውሩ ክምዝቀነዩ ኩሉ ተዓዚብዎ ኣሎ።  ካብዚ ብምብጋስ ኣስላም ይኩኑ ክርስትያን ፈጺሞም ብዝኮነ ግፍዒ ተሓተቲ ኣይኮኑን። ኽልቲኦም ኣስላምን ክርስትያንን ኣደዳ (Victim) ናይ ህግደፍ ጥራይ ዘይኮኑስ ብኣልማማ ይጸንቱ ውን ኣለዉ። ዮስፍ ገብሪሂወት ፍልይ ኣቢሉ ናብ ኣስላም ዝተኩረሉ ዘሎ ምክንያት ርዱእ እኳ እንተኮነ፡ ነቲ ብወያነ ዝተገብረ ወራርን ግፍዕን፡ ሓንቲ ማዓልቲ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ተደናጊጹ ኣይፈልጥን። በንጻሩ እኳ ድኣ እዝኩሉ ዓመታት ኣብ ምንሻው ኢዩ ኣሕሊፍዎ። ስለዚ ብዛዕባ ዮሰፍ ገብሪሂወት ኣገዲሱኒ ዘይኮነስ፡ ነቲ ግፍዒ ኣብ ኤርትራ ዝፍጸም ዝነበረ ኣብ ግዜ ሃይለስላሰ ጽቡቅ ክምዝነበርና ምግላጹ ከይኣክል ሕጂ ካኣ ነዚ ኣብ ትግራይ ዝግበር ዘሎ ግፍዕታት  ፈሊካ ንኣስላም ምስካምን ብ ደረጃ Genocide ኽክሰሱ ክምዘለዎም ንዝገብርዎ ዘለዉ ጻዕርታት፡ እቲ ኣብ ኣርባዓታት ዝፈሽለ ፈላሊካ ግዛእ ዝብል ዕላማ ሎሚ ተመሊሶም ንእሽተይ ጨዳድ ተጠቂሞም ናብ ኣርባዓታት ሒዞሙና ኽጓዓዙ ላዕልን ታሕትን ኽብሉ ንዕዞቦም ኣለና።

ንሕና ንፈልጦ ህዝቢ ኤርትራ ብስንኪ ምሕደራ ህግደፍ ካብ ስደት ኣቋሪጹ ኣይፈልጥን። ቅድሚኡ ውን እንተኮነ እቲ ኣስላማይ ካብ 60ታት ኣትሒዙ ሰደት ኣይቛረጸን።ካላኣይ፡ መንግስቲ ኤርትራ (National Census)  ኣካይዱ ኣይፈልጥን ኢዩ፡ እቲ ኩሉ ግዜ ዝንገረና 50% ኢዩ። ሰለዚ እዚ (National Statistics) ካበይ ዘምጻእኽሞ ኢዩ?። ስርዓት ህግደፍ ብዘይ ውግእ ክነብር ስለዘይኽእል፡ መሰረታዊ ዕላምኡ ህዝቢ ኤርትራ ምጽናት ስለዝኮነ፡ ንኩሉ ኤርትራዊ ኣብ ዘይምልከተና ውግእ ከም፡ የመን፡ ጁቡቲ፡ ሱዳን፡ ዛየር፡ደቡብ ሰዳን፡ኣብ ሶማልያ፡ ብዓብዩ ምስ ኢቶዮጲያ፡ ኣብዚ ኩሉ ኩናት ክንሳተፍ እንኮለና ኣብ ጎድኒ ኣሕዋቶም ክርስትያን ክንደይ ኣሻሓት ኣስላም ከምተሰዉኡ ትኽሕዶ ኣይመስለንን። ዮሰፍ ገብሪሂዎወት፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስልጣን መን ኢዩ ገባሪን ገዳፊን ባዕልካ መሊስካዮ ኣለካ። ኣብ ትእዛዝ ምሃብ ኣስላም ሓላፍነት ከምዘይብሎም ምስኽርነትካ ሂብካ ኣለካ። ስለዚ ኣብ ስልጣን ዘየለዉ ብፍጹም ኣብ ዝኮነ ናይቲ ሃገር ብርኪ ውን ከምዘይብሎም ትኽሕዶ ኣይመስለንን። ዩሰፍ ገብሪሂወት ህዝቢ ኤርትራ ብኣልማማ ይጸንት ከምዘሎ ዓለም ዝምስክሮ ሓቂ ኢዩ። ሎሚ ኣብ ዓለምና ኤርትራ ቀዳመይቲ ብብዝሒ ህዝባ ዝስደድን ዝጸንትን ሃገር ኮይና ኣላ። ብርግጽ ክርስትያን ኣብ ኤርትራ ተረባሕቲ ኣይኮኑን፡ ኣስላም ውን ፈጺሞም ሓለፋ የብሎምን።

ካብ ኣገላልጻ ዮሰፍ ገብሪሂወት ኣስላም ብስርዓት ህግደፍ ኣይተተንክፉን፡ ኩሉ ግፍዕታት ኣብ ልዕሊ ክርስትያን ኢዩ ዝወርድ ነይሩ ዝብል መልእክቲ ኢዩ ዝመሓላልፍ። ከምኡ ስለዝኮነ ህግደፍ ኣስመራ እትው ምስበለ 150 ናይ እስልምና መማህራን ኣሲሩ ዝቀተሎም፡ ካላ’ይ፡ ምስ ናይ ጉዳይ G15  ዝተኣሰሩ፡ ማሕሙድ ሽሪፎ፡ ሓምድ ሑመድ፡ ሳልሕ ኢድሪስ ከኪያ፡ ካሎኦት ተመሳሳሊ ሕቶ ዘልዓሉ ክም ኢድሪስ ኣባ ዕረ፡ ጣሃ መሓመድ ኑር ካሎኦትን ኣስላም ዝለዝኮኑ ምሕረት ዶ ተገይርሎም ኢዩ። ሳልሳይ፡ ብሽም ምንቅስቃስ ናይ ፎርቶ ብ ወዲ (ዓሊ ሕጃጅ) ዝፍለጡ፡ ካብ ኩሉ ክንሶም፡ ናይ ኣስላም ምንቅስቃስ ኢሉ ዝቀንጸሎም፡ ከም ባዓል ዓብደላ ጃብር፡ ሙስቶፋ ኖርሒስን፡ ውዲ ሓጂ፡ ካሎኦትን፡ ኣስላም ዶ ኣይኮኑን። ነዚ ናይ ወዲ ዓሊ ምንቅስቃስ ናይ ኣስላም ምንቅስቃስ ኢሉ ክስመ እንኮሎ፡ ዮሰፍ ገብሪሂወት፡ ጥባሕ ጥባሕ ዝብል ኣየዘካኽረካን ዶ ንምኳኑ? ራባዓይ፡ ኣብ ናይ ሰውራ ኣክርያ፡ ስዉእ ሽኽ ሓጂ ሙሳ ካሎኦት ንመሰሎም ጠጠው ዝበሉ ምሕረት ዶ ተገይርሎም ኢዩ?፡ ሹዑ ዝተኣሰሩ መናእሰያት ክሳብ ሕጂ ተሰዊሮም ኣለዉ። ሓምሻይ፡ ኣብ ሰመናዊ ኣኮሎግዛይ፡ ብስርዓት ህግደፍ  ዝተገብረ ናይ ምጽናቶም፡ ብሄሎኮብተርን፡ ታንክታትን፡ ኣይሮብለንን፡ ኣስላም ዶ ኣይኮኑን። ብዙሓት ዓድታት ነዲደን፡ ህዝቢ ኣፎቆዶ ከባቢታት ከምባዓል ሰገነይቲ ተሰዲዱ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ለማኒ ኮይኑ ይነብር ኣሎ። 

ዮሰፍ ገብሪሂወት እቲ ግፍዕታት ኣብ ልዕሊ ኣስላም ይኩን ኣብ ልዕሊ ክርስትያን ጸብጺብካ ዝውዳእ ኣይኮነን። ስርዓት ህግደፍ ይኩን ወይ ክምዚ ከማካ ዕላማኩም ኑጹር ኣንድነት ስለዝኮነ ነዞም ክልተ ኣመንቲ ክርስትናን እስልምናን ከተሳዉርዎ ህርግድ ትብሉ ዘለኩም፡ ውጺኢቱ ከምቲ ናይ ሃለስላሰ ፍሽለት ምኳኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ኣይክሰርናን ምስ ተባህለ፡ ጥባሕ ጥባሕ ምስተባህለ፡ ክሳብ ትማሊ እውን ዲና ሙፍቲ ህዝቢ ኤርትራ ናጽነቱ ኣየብዕልን ምስበለ፡ ብህዝቢ ኤርትራ ዝተዋሃበኩም ግብረ መልሲ ተማሂርኩም ክትኮኑ ተስፋ ንገብር። እንተ ህዝቢ ትግራይ ናይ ዘልኣለም ጎረበት ህዝቢ ኢዩ፡ ኩሉ እቲ ኣብልዕሊ ሰለማዊ ህዝቢ ዝወርድ በየናይ ሽነክ እዩ ብዘየገድስ ብትሪ ይኩንን፡ ካብዚ ዘለዉዎ ወጺኦም ኣብዝሓሽ ኑቡር ሂወት ተመሊሶም፡ ብሽነክና ውን ካብዚ ምልካዊ ስርዓት ተገላጊልና፡ ከም ክልተ ጎረባብቲ አህዛብ ሰናይ ጉርብትና ክንፈጥር ምኳና ዘጠራጥር ኣይኮነን። እንተ እስካትኩም እንተኮነ ድሮ ውን ህዝቢ ትግራይ ከዒብኩም ኣብ ጉዳይና ኢድኩም ኣይተእትዉ ይብለኩም ኣሎ።

ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ግዜ ሰውራ ንናጽነቱን ሓድነቱ ኣረጋግጹ ዝተሰወኤ ኣብ ሓደ ጉድጓድ ዝተቀብረ ህዝቢ ኢዩ። ኤርትራ ህያብ ዘይኮነትስ ብቡሉጻት ደቃ ብናይ ኣሽሓት መስዋእትን ስንክልናን ዝመጸት ሃገር ኢያ። ህዝቢ ኤርትራ ረፈረንዶም ገይሩ 99.8% እወ ንናጽነት ዝበለ ኢዩ።  ህዝቢ ኤርትራ ብስማይን፡ ባሕርን መሬትን፡ ተደብዲቡ ካብ ሮሞጽ ወጺኡ ታሪኽ ዝሰርሔ ኢዩ። ስለዚ ሉዕላውነት ሃገሩን፡ ሓድነት ህዝቡን ንምርግጋጽ፡ ኣብ ኩሉ ጎቦ፡ ሩባ፡ ባሕሪ፡ ስንጭሮ፡ ወረዳ፡ ከተማ፡ ኣውራጃ የዕጽምቱ ዝተነስነሰን፡ ደሙ ዝፈሰሰን ኢዩ። ሰለዚ እዚ ናይ ፈላሊካ ግዛእ ዝብል ሜላ ንኤርትራውያን ሓዲሽ ኣይኮነን፡ ከም ኮቦሮ ኣብ ተፈላለየ ግዜ ዲም ዲም ዲም ክብል እዝንና ኣጽሚመናና ኢየን።   እዚ ቶንኮላት ውሽጣዊ ይኩን ግዳማዊ ተጻብኦታት፡ ኣብ መንጎ ስርናይ ክርዳድ ስለ ዘሎ፡ መሳሪሒ ናይ ባዕዳዊ ኮይኖም ዘገልግሉ ኩሉ ግዜ ምሳና ክህልዉ ኢዮም። ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ኩሉ ግዜ ከም እሾኽ በለስ ብዎሮጦ ገይሩ ካብ ምውጾኦም ዓዲ ወዒሉ ኣይፈልጥን። ስለዚ ሎሚ ጥባሕ ጥባሕ እንተበልኩም፡ ጽባሕ ከም ኣመልኩም ሕብሪ ቀይርኩም ክትመጹ ሙዃንኩም ውን ዘጠራጥር ኣይኮነን።  

ኣብ መደምደምታ፡ ኣብ ግዜ ሃይለስላሰ፡ ኣብ ግዜ መንግስቱ ሃይለማርያም፡ ኣብ ግዜ ህውሓትን ፈደራላዊ መንግስቲ ኢይትዮጵያ፡ ሕጂ ከኣ ናይ ብልጽግና ፓርቲን ፈደራላዊ መንግስቲ ኢይትዮጵያ፡ ኩሎም ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘለዎም መርገጽ ዝተቀየረ የለን። ኩሉም እኳ ድኣ ካብ ግዜ ሃይለስላስ ኣትሒዝካ ምስዚ መሪሕነት ናይ ኢስያስ ተሰማማኢዖም ኣብ ምጽናት ናይ ኤርትራውያን ዓቢ እጃም ኢዩ ዘሎዎም። ኩሉ ግዜ ንምጽናትና ይስማምዑ፡ ኢትዮጵያ መን የመሓድራ አብ ምምራሓ ድማ ነንሕድሕዶም ብዋጋ ሰላማዊ ህዝቢ ከመናጨቱ ጸኒሖምን አለዉን።  ህዝቢ ኢትዮጵያ ብሓፈሽኡ ጎረቤት ህዝቢ ኢዩ፡ ከምቲ ምስ ሱዳን ጁቡቲ ዘለና ሰናይ ጉርብትና ምስ ኢትዮጵያ ውን ኣብ ምክብባር ናይ ልዕላውነት ሃገር ዝተመስረተ ዝምድና ክህልወና ናይ ኩልና ረብሓ ኢዩ። እቲ መሰረታዊ ዘላቅ ሰላም ዘምጽእ ኣብ ኩለን ጎረባብቲ ሃገራት፡ መሰል ህዝቢ ዝሕለወሉ፡ ዲሞክራሰን ፍትሕን ቅዋምን ዝሰፍነሉ

ምስ ዝኮውን ነቲ ናይ ኤኮኖሚ ስምምዕ ውን ኣብ ዝላዓለ ምዕብልና ክሰጋገር ዝካአል ኢዩ።  ኣብዚ ኢትዮጵያውያን ካብ ሕሉፍ ተመክሮኦም ውግእን ጸረ ውግእን ምጽሕታር ኣተሓሳስባ ወጺኦም ብሰለማውን ብስምምዕን መንፈስ ክረኽብዎ ዝክእሉ ብዝያዳ ቀንዲ ተጠቀምቲ እሳቶም ኽኮኑ ይኽእሉ ኢዮም። ናብዚ ደርጀ ሰላምን ቅሳነት ሰናይ ጉርብትና ዘለዎ ሃዋሁ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንኽፍጠር ስልጣን ናይ ህዝቢ ስለዝኾነ፣ ነቲ ን30 ዓመታት ምእንቲ ነጻነቱ ተቃሊሱ ሎሚውን ንሓርነቱ ዝቃለሰ ዘሎ ደላይ ፍትሒ ኣብ ጎድኑ ኮንኩም ደገፍኩም ክትገልጹ፡ ንመጻኢ ውሕስነት ናይ ሰላምን ቅሳነትን ፍትሕን ዲሞክራሰን ዘረጋግጽ ሓይሊ ስለዝኮነ ሎሚ ምእንቲ ረብሓኩም ደገፍኩም ክትገልጹ ዝሓሽ ኮይኑ ይስማዓኒ።

ካብዚ ሓሊፊ ግን ስቃይ ናይ ህዝቢ  ብኽሉ ሽነክ ካብዚ ዘሎ ናብ ዝባኣሰ ክሰጋገር ምኳኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ኣብዚ መዳይ ውን ሓድነት ናይ ኢትዮጵያ ኣዚዩ ኣብ ሓደጋ ክወድቅ ሙዃኑ ብዙሕ ኣብነታት ይቀላቀሉ ኣለው። ኣብ መጨረሻ ኣብ ቀርኒ ኣፍርቃ ተሓሪሙ ዘሎ መሰል ደቂሰብን ፍትሕን ዲሞክርሰን ምእንቲ ክስፍን ሓቢርና ንቃለስ። 

ኣንዋር ኢብራሂም

Top of Form

Bottom of Form

ገለ ካብ ሰነዳት ናይዚ ኩሉ ግፍዒ ኣብዚ ታሕቲ ዘሎ ተመልከቱ።

Please copy and paste the link

  1. Crimes of the Ethiopian Army in Eritrea. 1967 part of Hazemo Massacres
  https://www.facebook.com/103961908334547/posts/135339491863455/     
 
  • ዝወዓለ ይንገርካ ከቢድ መስዋእቲ ምስያም ንምእንቲ ናጽነት ኤርትራ
  • ዮሴፍ ገብርሂወት ኣብ አዋናዊ ጉዳያት ኤርትራን ትግራይን YOSIEF GEBREHIWET & SELAM KIDANE ON TIGRAY AND ERITREA
  • ምውህሃድ ኤርትራዊ ሓይሊ – ኣብ ጎኒ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ

         ttps://www.youtube.com/watch?v=pKiYfMEDTSk

Short URL: https://english.farajat.net/?p=11430

Posted by on Apr 25 2021 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net