​መግለጺ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን (ውሓኤ)​

ፈጻሚ ኣካል ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን (ፈጻሚ ኣካልውሓኤ) ኣብ ዕለት 13-07-2021 ህጹጽ ኣኼባ ኣካይዱ። ቀንዲ ኣጀንዳ’ቲ ህጹጽ ኣኼባ ከኣ ብዛዕባ’ዚ ኣብ ትግራይ ተኸሲቱ ዘሎ ሓዲሽ ኲነታት ንምዝታይ’ዩ። ነዚ ኣመልኪቱ ፈጻሚኣ ኣካል ውሓኤ እዚ ዝስዕብ መግለጺ የውጽእ። 

ዝኸበርካ መንግስትን ህዝብን ትግራይ!

ጸረ-ህዝቢ ዝዀነ ገባቲ መሪሕነት ጉጅለ ህግደፍ፣ ንህዝቢ ኤርትራ ቅድሚ ሕጂ ርእይዎ ዘይፈልጥን መዘና ዘይብሉን በደል ኣብ ልዕሊኡ ኣውሪድሉን/የውርደሉን ኣሎ። ኣብ ኩሉ መነባብሮ ሂወት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ፖለቲካዊ፡ ሕጋዊ፡ ምምሕዳራዊ፡ ቊጠባዊ፡ ማሕበራዊ ወዘተ ኣትዩ መዘና ዘይብሉ ዕንወት ኣብጽሒሉ እዩ። ብሕጽር ዝበለ ኣደዳ ሞትን ስቅያትን ምብትታንን ገይርዎ ከም ዘሎ ንኣኻ ንህዝቢ ትግራይ ስዉር ኣይኮነን። ስለ ዝዀነ ካብ ኤርትራ ሃዲሞም ንዝመጽኡኻ ኤርትራውያን  ኩሎም ከኣ መጠነ-ሰፊሕ ዝዀነ ልግሲ ኣርኢኻ ሓብሒብካዮም ኢኻ። ፈጻሚ ኣካል ውሓኤ ነዚ ኣመልኪቱ ልዑል ምስጋና ከም ዝግብኣካ ኣስሚርሉ ኣሎ።

ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ጥራሕ ከይኣኽሎ ምስ ወጻኢ’ውን ኣብ ዝተፈላለዩ ውግኣት እንዳኣእተወ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ረመጽ ኣእትዩ ይሕምሶ ከም ዘሎ ትርእዮ ዘለኻ ሓቂ እዩ። ህግደፍ ነጸብራቕ ናይ ኤርትራ ውሽጣዊ ፖሊሲታቱ ተኸቲሉ ንጐረባብቲ ሃገራት እንዳ-ዓመጸ ደም ከላብሰና ይርአ ኣሎ። ኣብ ዓለም ንኽትዛረበሉ ብዘሰክፍ መልክዑ ዝተበደለ መንእሰይ ኤርትራ ገበነኛ ከም ዝኸውን ክገብሮ ንርኢ ኣለና። ብፍላይ ኣብ ልዕለኻ ኣብ ልዕሊ ተባዕን ጅግናን ዝኾንካ ህዝቢ ትግራይ፣ ህግደፍ ዘውረዶ ዘሎ መጠን-ሰፊሕ ግፍዒ ንኽትኣምኖ ኣዝዩ ዘሸግር መቕዘፍቲ ዓለም ዝርእዮ ዘሎ ሓቂ እዩ። 

ኣብ ግዜ ውግእ፡ ዓጢቑ ንዝገጥም ተዋጋኣይ ክቐትል ክቕተል ንቡር እዩ። እንተዀነ ግን እቲ ኣዝዩ ነውራምን ዘይንቡርን ግን ኣብ ልዕሊ ሓፍቲ፡ ሰበይቲ፡ ጓል፡ ኣደ፡ ሓትኖ፡ ኣሞ፡ ወዘተ ክበጽሕ ዘይትትምነዮ ነገር ዓለም ዝምስክሮ ጾታዊ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቂ-ኣንስትዮ ትግራይ ክበጽሕ ተራእዩ እዩ። ብሓፈሽኡ ድማ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ሲቪላዊ ህዝቢ ትግራይ መዳርግቲ ዘይብሉ መቕዘፍቲ፣ ብመራሕቲ ህግደፍ ክወርድ ከሎ ሰብ ይዕዘቦ ኣሎ። ብተወሳኺ እዚ ነውራም ገባቲ ስርዓት ነቶም መነባብሮ ሃገሮም መሪርዎም ናባኻ ተዓቑቦም ኣብ ትሕቲ ኣህጉራዊ ግብረ-ሰናይ ዝዀነ ትካል ተዓቚቦም ዝናበዩ ዝነበሩ ኤርትራውያን ከይተረፈ በታቲኑ ንገለ ቀቲሉ፡ ንገለ ጨውዩ ሰዊርዎምን ይርከብ። እዚ ኩሉ ዝግበር ዘሎ በደላት፣ ዕድመ ስልጣን ሰይጣናዊ ኢሳይያስ ኣፈወርቅን፡ ኰራኹር ደቂ መዛምርቱን ንምንዋሕ ዝግበር ዘሎ ጉልባቡ ዝቐልዐ ወራር እዩ። ብወገን ውሓኤ እዚ ተግባርት’ዚ ውጉዝን ኲኑንን ምዃኑ ከፍልጥ ይደሊ።

ስለ’ዚ ነቲ ናይ ጥፍኣት ሓይልታት ወረርቲ ብጽምዶ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዘውረድዎ ቅሉዕ ወራር ብትብዓት መኪትካ ድሕሪ ናይ ሸሞንተ ኣዋርሕ መሪር ጥምጥም እነሆ ሎሚ ህዝቢ ትግራይ ብጀጋኑ ደቁ ተመሪሑ፡ ንዝወረዶ መቕዘፍትታት ከይተጻዕደ ብትብዓት መኪቱ ንወረርቱን ዓመጽቱን ብዝግባእ ገጢሙ ክስዕር ንርእዮ ዘለና ሓቂ እዩ። መሪር ዋጋ ከኣ ይኸፍል ኣሎ። እዚ መሰረት ብምግባር ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን (ውሓኤ) ንህዝቢ ትግራይን ጀጋኑ ደቁን ዮሃና፡ ብምባል እንቋዕ ሓጐሰኩም፡ ንሕና ከኣ ተኻፈልቲ ሓጎስኩም ምዃና ክንገልጽ ሓበን እንዳ-ተሰማዓና እዩ። ወሲኹ እቲ ብድምጽኻ ዝመረጽካዮ መንግስቲ ትግራይ ብቓልስኻ ኣብ ቦትኡ ምምላሱ ውሓኤ ሓጎሱ ይገልጽ። 

ዝኸበርኩም ማሕበረ-ሰብ ዓለም! 

ፈጻሚ ኣካል ውሓኤ ቀጺሉ ንኣህጉራዊ ሕብረተሰብ ኣቓልቦ ክገብረሉን ንዘላቒ ፍታሕ ክርከብ ዘይተቘጠበ ሓገዙ ከበርክትን ብምሕሳብ እዞም ዝስዕቡ ነጥብትት የቕርብ፡-  1. እዚ ኣብ ኤርትራ ባዕሉ ኣብ ስልጣን ብግዝያውነት ንሰላሳ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝነብር ዘሎ ገበናዊ ጉጅለ’ዚ ዝፍጽሞ ዘሎ ኣስካሕካሒ ወራርን ናይ ገበን ፍጻሜታት ንህዝቢ ኤርትራ ዘይውክል ምዃኑ፣2. ጭፍራ ህግደፍ ምስ ካልኦት መሰልቱ ሓልታት ኰይኑ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዘውርዶ ዘሎ መዓትን ኣብ መንጎ ክቲኡ ኣህዛብ ኤርትራን ትግራይን (ኢትዮጵያ) ድማ ናይ ደም ምልባስ ገበናት ምሉእ ብምሉእ ውሓኤ ይኹንኖ፣3. ገባቲ ስርዓት ጉጅለ ህግደፍን መሰልቱን ካብ ትግራይ ብቕጽበት ጠቕሊሎም ክወጽኡ ከም ዘለዎም፣4. ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈጸሙ ኩሉ መልካዓዊ  ዓመጽ ከም፡- ቅሉዕ ወራር፡ ገበናት ጸረ-ሰብኣውነት፡ ገበናት ጽንተተ-ዓሌት፡ ጾታዊ ዓመጽ ደቂ-ኣንስትዮ፡ ናይ ውግእ ገበናት ወዘተ ብዘይ-ሻራዊ ዝዀነ ኣህጉራዊ ትካል ክምርመርን ናይ ገበን ጥርጡራት ዝዀኑ ኣካላት ከኣ ናብ ናይ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ፣5. ኩሎም እቶም ኣብ ልዕሊ’ቶም ኣብ ትሕቲ ኣህጉራዊ ትካል ዑቚባ ዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝወረዱ ምድራዊ ሲኦል እንዳ-ኰነነ፣ ዝምልከቶ ኣካል ነዚ ኣጻርዩ ጥርጡራት ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ከም ዝቐርቡ ክገብር፣ እቶም ኣብ ሓደገኛ ኩነታት ዘለዉ ኤትራውያን ስደተኛታት ድማ ሂወቶም ዘውሕስሉ ባይታ ክናደየሎም፣6. ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ እቲ ኣዝዩ ሓደገኛን ምንጪ ናይ ኩሉ ጸረ-ሰላምን ናይ ዞባና ዋና ናይ ዘይምርግጋእን ዘይቅሳነትን ባእታ ምዃኑ ኣህጉራዊ ሕብረተ-ሰብ ክፈልጦን ኣህጉራዊ ሕግታት ተኸቲሉ ሰላም ከምጽእ ዝኽእል ኣድላዪ ስጉምትታት ክወስድን፣

ውሓኤ ንዝምልከቶም ኣህጉራዊ ትካላት ይምሕጸን። 

ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራን ንፍሒ ተቓለስትን! 

ውሓኤ ንህዝቢ ኤርትራ ብሓበራ እዚ ዝስዕብ ከመልክት ይፈቱ። ካብ’ዚ ሕጂ ዘለናዮ እዋን ንላዕሊ እንታይ ክርከብ ንጽበ ኣለና? ብሓፈሻ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ከኣ መንእሰያት ኤርትራ ኣደዳ ሞትን ስደትን ፋሕ ምባልን ጥራሕ ዘይኰነስ፣ ነቲ ጅሆ ሒዝዎ ዝጸንሐ’ውን ኣብ ዘይምልከቶን፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዘይረብሓሉን ናይ ጥፍኣት ውግኣት ብዓረር ክቚሎ ክንዕዘብ ጸኒሕናን ሕጂ’ውን ንዕዘብ ኣለናን። ስለዚ ኩሉ ኤርትራዊ ብፍላይ ከኣ መጋበርያ ኣዕናዊ ትልምታት ጉጅለ ህግደፍ ብምዃን ኣብ ዘይተደልየ ገበናት ዝሳተፍ ዘሎ ሰራዊት ኤርትራ ህዝብን ሃገርን ንምድሓን ኣንጻር ኣዓማጺ ክልዓል፡  ከምኡ’ውን ናይ ለውጢ ተቓለስቲ ውድባትን፡ ማሕበራትን፡ ውልቀ-ሰባትን ብፍላይ ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ሎሚ ዘለና ዓቕምታት ጠሚርና ነዚ ናይ ጥፍኣት ጉዕዞ ውራየይ ኢሉ ሒዝዎ ዘሎ ጉጅለ ብጥርኑፍ መገዲ ክንገጥሞ ጻዊዕትና ነቕርብ። 

ኣብ መወዳእታ ውሓኤ ክብሎ ዝደሊ ናብ ልምዓትን ምዕባሌን ዝጠመተ ሰላማዊ ሰናይ ጉርብትና ምስ ህዝቢ ትግራይን ካልኦት ጐረባብቲ ኣህዛብን ዝዀነ ይኹን ኣካል ክድምስሶን ክዓግቶን ከም ዘይክእል በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ከነረጋግጽ ንደሊ። 

ክብርን ዝኽርን ንሰማእታትና

ክብርና ክምለስ ሓቢርና ንቃለስ!

ፈጻሚ ኣካል ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን

13-07-2021  

Short URL: https://english.farajat.net/?p=11437

Posted by on Jul 20 2021 Filed under Articles, Notices. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net