መንግስቲ ኢትዮጵያ ንቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ልኡላውነት ብቕሉዕ ይደፍሮ ከም ዘሎን ዝገብሮ ምድፋር ልኡላውነት ባሕርና ብትሪ እናዀነነ

October 2021እዋናዊ ጕዳያት


ማሕበር ባሕረኛታት ኤርትራ ህሉው ኵነታት 
ማሕበር ባሕረኛታት ኤርትራ ካብ ዝምስረት ኣትሒዙ ኣብ ዕቤትን ምዕባለን ኣባላቱ፡ ኣብ ትማልን ሎምን ኮይኑ ንናይ ጽባሕ ሓያል ቍጠባ ንትሃንጽ ሃገርና ኤርትራ ኣበርክቶ ንምግባር ዝሰርሕ ዘሎ ማሕበር’ዩ። ከም ዝፍለጥ ጽላት ባሕሪ ኤርትራ ኣብ ኣዝዩ ጽቡቕ ደረጃ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ ሚኒስትሪ ሃብቲ ዓሳ ኣጥርዩዎ ዝነበረ ንዋታዉን ሰብኣዉን ዓቕምታትን ምስ ንውሓት ድስካለ ጽላት ባሕሪ ዝዓኑ ዓንዩ ዝስደድ ተሰዲዱ ካብ ቅርጺ ትካል ዘይሓልፍ ኮይኑ እዩ።


 ሓይሊ ባሕርና’ውን ካብቲ ቀደም ዝዓጠቖ ንዋትን ዓቕሚ ሰብን ብዘይዕቤት እናተዳኸመ ምካዱ ኣዝዩ ዘስክፍ ኵነት ዘይፈጥር ኣይኮነንን።
 መስመር ንግዳዊ መራክብ ኤርትራ ኣብቲ ጽንኩር እዋን ሰውራ ተመስሪቱ ኣብ ዝለዓለ ዓቕሚ ሰብን ንዋትን በጺሑ ምንባሩ ዝርሳዕ ኣይኮነን። እንተኾነ ድሕሪ 2000 ዓ.ም ከም ጓሳ ዘይብለን ከብቲ ኮይኑ ዓቕሚ ሰቡ ተሰዲዱ/ተበታቲኑ፣ መራኽቡ ገለ ጥሒለን ገለ ተሸይጠን፡ ገለ ድማ በብዝኸዶኦ ኣብ ናይ ወጻኢ ሃገራት ወደባት ምስ ተዓሸጋ ሰኣን መኽፈሊ ክራይ መዕሸግን ኣገልግሎትን ስለ ዝተሃገራ ጠቕሊለን ጠፊአን።
 ከምኡ’ውን ናይ ሰብ ሃብቲ ንግዳዉያን መራክብ ከም ከረን ሺፒን ላይን ዝኣመሰሉ ዓምቢቦም፡ ፈርዮም ከብቅዑ ክቕጽሉ ዘይከኣሉ ንሶምን መራኽቦምን ኣበይ ኣለዉ ምስ ዝብሃል፡ ብተመሳሳሊ ዘሕዝን መልሲ ኢና ንረክብ። 
ኣብ ከምዚ ህሞት ማሕበር ባሕረኛታት ኤርትራ ኵነታትት ብዝፈጠሮ ዘይከም ናይ ካልኦት ጐረባብቲ ሃገራት ኣብ ስደት ተመስሪቱ ብውሑዱ ነቲ ኣብ ፈቐዶኡ ፋሕ ኢሉ ዘሎ ሞያዊ ዓቕሚ ሰብ ብምጥርናፍ ጽባሕ ንግሆ ነቲ ዓንዲ ሕቘ ቍጠባዊ ግስጋሰና ዝኾነ ጽላት ባሕርና ብሞያውን ንዋታውን መበገሲ ዝኸውን ጥርናፈ ፈጢሩ ኣብ ምስራሕ ይርከብ።
 ኣብ ርእሲ ዘላታ ተወሰኸታ ኮይኑ ነገሩ፡ ክትግምቶ ዘጸግም ካብ ምጽናት ንጥፈታትት ባሕርና ሓሊፉ ናብ ምድፋር ልኡላውነት ባሕርና ብባዕዳውያን እናዓዀኸ ኣብ ዝመጽኣሉ ዘሎ ወቕቲ ጠመተና ናብዚ ናይ ህላዌ ሕቶ ከተኵር ተገዲዱ። 
ማሕበር ባሕረኛታት ኤርትራ፡ ነቲ መትከላዊ ዕላማኡ መሰረት ገይሩ ኣብ ዝሰርሓሉ ዝነበረ ህሞት ብፍላይ ድሕረ ዕርቀ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ፈኸም እናበለ ክዓቢ ዝጸንሐ ምድፋር ልኡላውነት ባሕሪ ኤርትራ፡ በብእዋኑ ከሻቕሎ ምጽንሑ ብተደጋጋሚ ገሊጹ እዩ። እዚ ቅሉዕን ወግዓዉን እናኾነ ዝመጽእ ዘሎ ምግሃስ ልኡላውነት ኤርትራዊ ባሕሪ ምስ ስቕታዊ ሜላ ባርኾት ዝገዝእ ዘሎ ሓይሊ መንግስቲ ኤርትራ ኣተኵሩ፡ ብዕቱብ ይከታተሎን ይስንዶን ምህላዉ ካብ ዘለዎ ስክፍታ ዝነቐለ እዩ። 
ኣብ ዝሓለፈ ኣዋን ማሕበር ከም መቐጸልታ ናይዚ ምስ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ብመንገዲ ኣባላቱ ዝገበሮ ቃለመሕትታት፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ብቓላት ኮነ ብኻልእ ደረጃኡ ብእናወሰኸ ዝኸይድ ብዘሎ መልክዕ ልኡላውነት ቀይሕ ባሕሪ ብቕሉዕ ይደፍሮ ከም ዘሎን ዝገብሮ ምድፋር ልኡላውነት ባሕርና ብትሪ እናዀነነ ኵሉ መዳያዊ ቃልሲ ኣንጻር’ዚ ንረብሓ ፖለቲካዊ መኽሰብ ውልቀሰባት መሰረት ዝገበረ ሽርሒ፡ ብኢድኣዙር ዳግመ ጐበጣ ባሕርና ከይፍጸም ንኽንቃለስ ንዅሉ ግዱስ ብሓፈሻ፡ ንሰብ ሞያ ናይዚ ዓውዲ ድማ ብፍላይ ስክፍታና ገሊጽና ኢና። 
ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ጽምብል ሽመት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ፕረሲደንት ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃበቶ መደረ፡ ቀይሕ ባሕሪ ናይ ኢትዮጵያ ዋንነት ኢላ ብዘይሕብእብብእ ክትምድር ከላ ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ዜሮ ናይ ተቓውሞ ግብረመልሲ ትርጕሙ ካብ ባርኾት ዝበለቶ ዝሓልፍ ኣይኮነንን። ሎሚ ድሕሪ 30 ዓመታት ናጽነት፣ እቶም ዝነበሩ ውሑዳት ባህላውያን ገፈፍቲ ዓሳ ብፍላይ ኣብ ገማግም ባሕሪ ዝነብሩ ህዝቢ ዓፋር፡ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ናብ ዘበናውነት ንምስግጋሮም ዝተገብረ ጻዕሪ ተዓናቒፉ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብቲ ንዘመናት እናገፈፉን እናነገዱን ዝነብሩሉ ዝነበሩ ቀይሕ ባሕሪ ንኸይሰርሑን በቲ መንግስትና ዝብሉዎ ስርዓት ተኸልኪሎም ከይኣኽሎም፡ ብዝተፈላለየ ምስምስም ተጋፊዖምን ተቐቲሎምን’ዮም። ርሑቕ ከይከድና፣ እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ብባርኾት መንግስቲ ኤርትራ ዝኣተዉ ሓይልታት ኢማራት ኣብ ልዕሊ ደቀባት ህዝቢ ደንካልያ ዝወረደ ቅትለትን ግፍዕን ኣብ ግዜኡ ብዝተፈላለያ ማዕከናት ተቓሊሑ ነይሩ እዩ።
 ድሕሪ 30 ዓመት ናጽነት ከምዚ ክገጥመና ክትርኢ ከለኻ ሕምቀት ወይ ውድቀት ገዛኢ ስርዓት ዘይኮነ፣ ኮነ ኢልካ ብመደብ በብመድረኹ ዝተሰርሓሉ እዩ ዘብል’ዩ። ዓቐኑንን ሓደገኛነቱን ምስ ህሉው ኵነታት ዝፈላለ’ኳ እንተኾነ፣ እዚ ብስም ዝተፈላለዩ ሓይልታት፡ ንምስሳይ ሕልሚ ዓባይ ትግራይ ይኹን ዓባይ ኢትዮጵያ ግዝኣታዊ ሓድነት ቀይሕባሕሪ ኤርትራ እናደፈርካ ዝግበር ዘሎ ዘይሓላፍነታውን ዘይሕጋውን ተግባራት፡ ንዞባናን ሃገራትናንን ኣብ ገዚፍ ዓዘቕቲ ዝሸምም ሓደገኛ ሕልምታትን ባህግን ናይ ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ደው ኢሉ፡ ኣብ ቅኑዕን ልኡላዉነት ኤርትራን ቀይሕ ባሕራን ኣብ ግምት ዘእተወ ሰናይ ፖሊሲታት ምስ ዘይሕንጸጽ፡ ሓደገኛነቱን ሳዕቤናቱን ነቶም ሃንደስቱ ብቐዳምነት ዝጐድእ ጌጋ መንገዲ እዩ ንብሎም። ብኡ መንጽር ንውልቃዊ ረብሓታቱ ድዩ ስትራተጅያዊ ጥጁእ መደባቱ ከተግብር፡ ንገዛእ ዋንነት ባሕሪ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ክንዲ ንብልጽግና ንፖለቲካዊ ውልቃዊ ረብሓታትቱ ንኸውዕል ልኡላዉነት ኤርትራ ክድፈር ብስቕታ ዝሓልፎ ዘሎ ናይ ሎሚ ገዛኢ ሓይሊ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ከም ኣብ ኵሉ ጽላት ኣብዚ ጽላት’ዚ ትገብሮ ዘለኻ ዕንወት ንዅሉ ዘየርብሕ እዩ’ሞ ዓገብ! ምስ ዋናታቱ ክትላዝብን ዋንነቱ ኣኽቢርካ ናብ ዋናታቱ ህዝቢ ኤርትራ ክትመልሶ ንሓትት። 
በዚ ኣጋጣሚ ምስ ማሕበር ባሕረኛታት ኤርትራ ብምትሕብባርኩም ብልቢ እናመስገንና ኣብዚ ጕዳይ ዘሎኩም ስክፍታ ዘራጕድ ርእይቶታትኩም ዝሃብኩምና ብልቢ ነመስገን። 
ማሕበር ባሕረኛታት ኤርትራ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=11452

Posted by on Oct 24 2021 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net