ብእሱ ስ ዕረቑኒ ይብል’ምበር፡ ክዓርቕ ኣይበል !!

መልሲ ንኽቡር ዶ/ር ፍስሓጽዮን መንግስቱ

 

ብመጀምሪያ እቲ ኣርእስቲ ቃል ብቃሉ ንኸይንበብ፡ ነቲ ተፈላልዩ ዝቃለስ ዘሎ ሓይልታት ዘሕብር ዘረባ ንተዓረቕ ክበሃል ኣለዎ ካብ ዝብል ሓሳብ’የ፡ ብእሱስ ዕረቍኒ’ምበር ክዓርቕ ኣይበል ዝብል ኣርእስቲ ሂበ ክጽሕፍ እንከለኹ። ባእሲ ማለተይ ተፈላሊና ከም ዘሎና ንምግላጽ ዝተጠቐምኩሉ ቃል ምዃኑ ከብርህፈቱ።

 

ዋዕላ ኣምስተርዳም ካብ 10-11 ሰነ 2005 ተቃወምቲ ውድባትን፡ ማሕበራትን ውልቀ ተቃወምቲ፡ሓይልታት ክመ ዝተሳቲፈምዎ በቲ ዝቀጸለ ደምዳሚ መገልጺ’ቲ ዋዕላ ተገሊጹ። ድሕሪ’ቲ ዋዕላ ድማ ደጋፊ ቃሉ ሓሳቡ ገሊጹ፡ ብካልእ ሸነኽ ድማ ካብ’ቲ ዋዕላ ዝሃቦ ፍልይ ዝበለ ሓሳብ ዝነበሮ ኣካልት ርእይቶ ሂበምሉ። ሓደ ካብ’ቲ እዋን ርእይቶ ዝሃብኩ ሓነ ኣነ’የ።

 

ኣብ ታሕቲ ካብ ዘሎ ጥብቆ ብዛዕባ ዋዕላ ኣመስተርዳም ዝነበረኒ ትጽቢት ድማ ሓሳበይ ገሊጸ። እቲ መሰረት ስለምንታይ ውድባት ኣብ ኣምስተርዳም ተኣኪበን ተዛቲየን ኣይኮነን። ኩሉ ንመላኺ ስርዓት ዝቃወም ዘበል፡ በቲ ዝጥዕሞ ግዜን ቦታ ኣብ ዝሃለወ ይሃሉ ድምጺ ውጽዕ ህዝቢ ከስምዕ እንከሎ። ቀጺሉ ነቲ ድምጹ ንምስ ካልኦት ኣብ መስመር ተቃውሞ ናይ ዘሎ ሓይልታት ተወሃሂድካ ናይም ምስራሕ’ዩ መደባት ኣገዳስነት ኣለዎ።

 

 

‰Moñ …chªïM| ›²DÃö|¨ –EL H©öa o]Í {qÈX‹ ‰êEq| „íXqV‘é¥} mkA§L~q OE{ mk–Díq: mk…‘éV® OE{ mkmkAôX ‰§oÊED| I›mk| Šmkoñ I®ð s³¹N sD÷ s]ŠI‹I Nq} K‰V}”FK|}: ‘éX©q}” ]©q} ojEDïÏŠ M‘éªi} “s§Mq†ML}} Šmk |§ ‘éFdgñ ·iM} SmkH} oEchñi| |§ HlX a´X| mkHlX }MÏpI” {q ‘éÃê— I›mk| …mk ›²©© |§ NVF ‘é©öcq ‰§kÃöJ †}‰D÷ Šmk Í_ð]pgñ ]X–q „ï\¥] mk›chF·Ê K²´©öpq }M©öH}

 

21 ሰነ 2006 ዋዕላ ኣምስተርዳም

 

   ጥብቆ ናተይ

 

 

 

እንተዀነ ከም ትዕዝብተይ ኣብ’ቲ ቀጺሉ ዝወጸ ጽሑፋት፡ ዝተተፋነነ ቃላት ዝሓዘ፡ ናይ ትዕቢትን ጸብለልትነትን፡ ብናይ ግርጭትን፡ ህርፋን ስልጣንን ብዝተላዕጠጠ መግለጺ ብተደጋጋሚ ክወጽእ ክትርኢ ብሓቂ ነቲ ናይ ኤ.ዲ.ኪ ቃልሲ ብኸመይ ይጥመትን ይረኣይን ምህላዉ ይገርመካን የተሓሳስበካን።

 

 

ብ ቅድም ዝተገብረ ቃልሲ ኮነ ኣብዚ ሕጂ ዝግበር ዘሎ ናይ ሐደ ሐደ መራሕቲ ውድባትን ደንበ ተቓውሞን ናይ ስልጣን ጽምኣትን ንምርዋይ ዝግብርዎ ዘለዉ ኾነ ኣብ መንጎ ሓደ ሓደ ደገፍቶምውን ዝግበር ዘሎ ምጽርራፍን ምጥርጣርን ብጣዕሚ ዘሕፍርን ዘሕዝንን ተስፋ ዘቑሪጽን ይመስል።

7 መጋቢት 2007 ዋዕላ ኣምስተርዳም

 

 ጥብቆ ናተይ

 

 

 

ኣብ ዋዕላ ኣምስተርዳም እንተዘይተጋግየ ይቕረታ ብዘይካ ሓደ ክልተ ውልቀ ሰባት፡ መብዛሕትኡ፡ ኣብ ክሊ ተ.ሓ.ኤ ወይ ህ.ግ.ዲ.ፍ ብኣካል ኣብ ዓውደ ኵናት ዝተቃለስ ስለ ዝዀነ፡ ንተመክሮ ቃልሲ ናይ በይኑ መርኣይ ( ሚኒኮለ) ኣለዎ ኣይብልን። እቲ ዝተሓለፈ ናይ ምንጫልን ምፍልላይን ተምክሮታት ብኣሉታዊ እንተተመዚኑ፡ ንፍታሕ ዝቀርብ ሓባራውዊ ቃልሲ ናይ ምቋም ኣብ ዝካየድ ቃልሲ’ዩ ዝምስከር። ከም’ቲ ዝበሃልን ትብልዎን ድማ ንምእንቲ ህዝቢ እንተደኣ ኮይኑ ከም ህዝብኹም ኣብ’ቲ ናይ ቃልሲ ቦታ ምቁርቋስን፡ ስዓብትን ደገፍን ብምጥራይ ከኣ ነቲ ኣሉታዊ ተርእዮታትን፡ ነቲ ጌጋግ መስምር ብምስዓር’ዩ። 

 

 

 

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተገብረ ናይ ኪዳን 2ይ ኣኼባ ዘስዓቦ ውጽኢት ንዓና ጥራሕ ዘይኮነ ንምሉእ ህዝቢ ኤርትራን ደምበ ተቓውሞን ከም ዝሃስን ናይ ቃልሲ ሸውሃት ከም ዘዳኽምን ዝሰሓት ኣይኰነን። ብወገንና ነቲ ኵሉ ብዛዕባ ኪዳን ክንጽሕፎን ክንገልጾን ዝጸናሕና ዘኪሩ ነዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ኵነታት ህዝብና ባዕሉ ክምርምሮን ክፈልጦን እምበር ኣብ መንጎ ኣቲና ሎሚ እዚኦም በዲሎም ዕቲኦም ተበዲሎም ክንብል ኣይንመርጽን። ንሕና ንኣምኖ ግን ዝተበደለ ህዝብና ከም ዝዀነ ጥራሕ Iዩ።

እቲ ኣውራ ዘሕዝን ከኣ እቲ ሓቂ ልክዕ ከምቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታታት ዘንበብናዮ እንተዀይኑ እዞም ኣብ ኪዳን ተጠርኒፎም ዝነበሩ ኣካላት ኣብ ክልተ ክምቀሉ ከለዉ እቲ ዝፈናጨሎምን ዝበተኖምን ኣብ ናይ ስልጣን ምውጣጥ ብምዃኑ ዝያዳ ዘሕፍር እዩ። ነዚ ዘይምርድኦምን ብኡ ዘይምግዳሶምን ከኣ ብጣዕሚ ዝገርም እዩ።

 

27    ለካቲተ 2007 ዋዕላ ኣምስተርዳም

 

ጥብቆ ናተይ

 

ዝኽበርካ ዶ/ር ፍስሓጽዮን መንግስቱ፡ ነቲ ንዕርቒ ዘበገሰካ ሰናይ ተበግሶ እንዳመስገንኩ፡ ነቲ ንህዝብና ኣብ ጽሑፋትካ ተስፍሮ ሓልዮት፡ ነቲ ሃገርና ተማዕድዎ ስልጣነን ዕብየትን ፈውሲ ንምርካብ ኣብ ትገብሮ ጻዕሪ፡ መስርሕ ከም ዘድልዮን፡ ቃልሲ ከም ዘድልዮን ከም ትግንዘቦ ኣይስሕትን። ስለ ዝኸነ ከኣ ኣብ ማእከል ዓውዲ’ቲ ቃልሲ ኮይንካ ክትቅልስ ከም ዘሎካ’ውን ትስሕቶ ከም ዘይኮንካ እፈልጥ። ግን ኣብ’ቲ መግለጺታትካ ንስኻን ኣብ ክሊ እቲ ትመርሖ ዘሎኻ ምንቕስቓስ ከም ጲላጦስ ሕጹባት ኢድ ንምዃን ኣብ ዝግበር ፈተነ ንፈላለ ኣሎና። ነዚ ከኣ’የ ሓደ ብኡስ ወይ ዝተፈንጨለ ወይ ዝተፈለየ ኣካል፡ ዓራቕን ፈራድን ክኸውን ኣይክእልን ክብል ዝደፈርኩ።

 

ዋዕላ ኣምስተርዳም፥ ሎሚ እዚኦም በዲሎም ዕቲኦም ተበዲሎም ክንብል ኣይንመርጽን፡ ንክብል ኣብ ናይ 27 ለካቲት ጽሑፉ ኣስፊሩ። ጌጋን ቅቡዕን ሚዛን ዘይብሉ ክዓርቕ ከም ዘይክእል ከኣ ርድእ እዩ። ስል’ዚ እቲ ዕርቒ ኣብ ድፈኖ ድፈኖ ዝኸይድ መስርሕ፡ ኩሉኹም ኣይተጋገኹምን ዝብል ፍሩስ ሞጎት ክኸይድ ከም ዝዀነ ይረኣየካ።

 

ንባዕልኹም ዕርቒ ዘድልየኩም’ኹም

 

ኣባላት ዋዕላ ኣምስተርዳም፡ ንባዕልኹም ብቅድም ምስ ኤ.ዲ.ኪ ክትትዓረቑ፡ ሓቢርኩም ክትሰርሑ ዝግበኣኩም ዝነበረን፡ ንባዕልኹም ንዕርቒ ክትዕደሙ ዝነበረኩም’ኹም በሃላይ’የ። ሎሚ ድማ በዚ ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ኤ.ዲ.ኪ ዝተረኽበ ተርእዮ ዳግማይ ከም ዓረቕቲ ኮይንኩም ክተቐርቡ ብሓቂ የደንጽወኒ።

 

ንባዕልኹም ኣብ’ቲ ክኸይድ ዝጸንሐ ምጥርናፍ ኣይትጽንሑ’ምበር፡ ብሓደ ሸነኽ ወይ ተወጊንኩም ካብ ኪዳን ወጻኢ ቃልሲ ከተካይዱ ዝጸናሕኩምን፡ ከም ኣፍልጦይ ከኣ ምስ ዝዀነ ይኹን ብደረጃ ኪዳን ዝምድን ዘይጸንሓኩም ምንቕስቓስ ሕጂ ኣብ ደረጃ ዓራቒ ኮይንኩም ክትቀርቡ፡ ብሓቂ ኣተሓሳሲቡኒ።

 

ከም ርእይቶይ፡ ነቲ ተቅርብዎ ሓሳብ ዕርቒ፡ ነፍስኹም ወጊንኩም፡ ነቲ ዕርቒ እንተትደፍኡሉ ምሓሸን ዝያዳ ኣድማዕነትን ምሃቦ። ዋዕላ ኣመስተርዳም ድማ ኣብ ሓድሽ መድረኽ ክብ ዝበለ ኣበርክቶ ክህልዎ ምኸኣለ እብል።

 

ኣካላት ናይ’ቲ ዕርቒ

 

እቲ ዝሓሸ ግን ንነፍሱኹም፡ ካብ’ቲ ይብዛሕ ይውሓድ ወይ’ን ካብ ኤ.ዲ.ኪ ተነጺልኩም ንኸተካይድዎ ዝጸናሕኩም ንጥፈታት፡ ብመጀምሪያ ንነፍስኹም ከም ዓረቕቲ ዘይኮነኩምስ ኣካላ ናይ’ቲ ክኻየድ ዘለዎ ዕርቂ ምዃንዃኩም እንተትሓስቡ ተቀባልነት ምሃለዎ’ብል።

 

መደምደምታ

 

ዋዕላ ኣምስተርዳም፡ ብርእይቶይ ናይ ዓራቒ ቦታ የብሉን። ንባዕልኹም ነዚ ሕጂ ኣብ ፍሉ መድረኽ ብንጺር ኣብ ክለተ ሸነኽ ዘሎ ሓይሊ ኪዳን፡ ብኣልማማም ክትነቕፉ ዝጸናሕኩም ንስለ ዝኸነኩም፡ ምፍልላይ ኣብ ዝተረኽበሉ፡ ናይ’ቲ ሓደ ሸነኸ ቅንዕና፡ ትርጉም መፈላልየን ከየነጸርኩም ሕጂ ብድፉን ዕርቒ ክትብሉን፡ ንዕርቒ ሓግዙና ክትብሉ ኣይትኽእሉን’ኹም።

 

ብወገነ ኣብ’ቲ ዘለኽዎ ውድብ፡ ነቲ ጉዳይ ከም ሓደ ዓቢ ሓደጋ መዚንዎ፡ እቲ ተርኽቦ ከኣ ከም ዝሕዘኖ ናይ ቃላት ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ናይ ሕልናን ኣእምራዊ ሚዛን ከም ዝነበሮን፡ ግን ከኣ ከይተሓለለ ነቲ ቅኑዕ ፍታሕ ቢሉ ዝኣመነሉ ክሳብ መወዳኣታ ክቃለሰሉ ምዃኑ ኣሚኑ፡ ግዚያዊ መሪሕነት ኣቁም ይጓዕዝ ኣሎ።

 

በዚ ዝተረኽበ ውጽኢት ጉባኤ ኪዳን ዕግበት ኣርእዩ፡ ግን ነቲ ሙሉእ መልክዕን ኣካይዳን ለውጢ ኣብ ኪዳን ንምርግጋጽ ወሳንነት ካብ ዝነበሮ ጉዳይ ክዕወት ብዘይምኽኣሉ ከኣ ብኣሉታዊ መዚኑ፡ ሕጂ ኣብ ቃልሲ ይርከብ።

 

ደገፋትኩም ኣብ’ዚ መዳይ ብንጹር ከተርእዩ ንትገብርዎ ዕድመ ከኣ ተቐባልነት ክህልዎ ይኽእል። ሚዛን ዘለዎ ፍርድን ዕርቕን ተቐባልነት ክህልዎ ይኽእል። ካብኡ ሓሊፉ ግን ከም ናይ ኵዕሶ እግሪ ዳኛ( ኣልቢትሮ) ወገን ዝዀነ ይኹን ጋንታ ዘይብሉ ዓይነት ኣቀራርባ ግን ንዓኹም ኣየርብሕ ንካልኣኦት ኣየርብሕ።

 

ምእንቲ’ዚ ነቲ ክሳብ ሕጂ ኣብ መርበብ ሓበሪታ ቀሪቡ ዘሎ ናይ ዓራቒ ወይ ዳኛ ናይ ምዃን ትህቅንዎ ዘለኹም መስርሕ ዳግማይ ርእይቶ ገቢርኩም፡ መልክዕን ንድፍን ዘለዎ ናይ ዕርቒ መስርሕ ሒዝኩም እንተተበገስኩም፡ ልዕሊ ኩሉ ድማ ነፍስኹም ኣካላ ናይ’ቲ ዕርቒ ቆጺርኩም ንተዓረቕ እንተበልኩምስ ይሓይሽ እንዳበለኩ ሓሳበይ ኣብ’ዚ ይድምድም።

 

መተሓሳሰቢ

ኣብ ንህዝቢ ዝዝርጋሕ መልእክትን ሓበሬታትን ንውልቃዊ ጥቕሞምን ረብሖም፡ ንስልጣን ህርፋንን ዝብል ሓረጋት እንተተረፈ ዝሓሸን፡ ነቲ ትደልይዎ ዕርቒ ከኣ መንገዲ ክመርሓኩም መታን እንተተረፈ ይሓይሽ በሃላይ’የ። ከመይስ እቶም ዝውቐሱ ዘለዉ ውልቓዊ ረብሓ እንተዝህልዎም ንሕና ከኣ ክሳብ እዚ ዘሎናዮ ራሕቂ ስደት ዘጓዕዝ ኣይምስነበረናን፡ ዘሰምብር ዘረባ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ ይትረፍ’የ ዝብል።

 

ርሑስ በዓል ትንሳኤይ ይግበረልኩም እንዳበልኩ ሓሳበይ ኣብዝ’ኢ ይድምድም።

 

ክንዕወት’ና

 

7 ሚያዝያ 2007

ኣንቶንዮ ተስፋይ 

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1149

Posted by on Apr 7 2010 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net