ካልኣይ ጉባኤ ኪዳን ምንጽጻል ዶ ወይ ምንጻር

ቀዳማይ ክፋል

 መቐጸልታ 7 መጋቢት 1999 ስምምዕ ካርቱም ሓባራዊ ስርሓት ተቃውምቲ ሓይልታት ኤርትራ።

ብ7 መጋቢት 1999 ተቃውምቲ ሓልታት ኤርትራ ድሕሪ’ቲ ንነዊሕ ዓመታት ናይ ምፍንጫል ተምክሮታት፡ ዝተነጻጸለን  ወይ ከኣ ዘይቆዋሚን ግዚያዊ ስምምዓት ኣብ ዝተመርኮሰ፡ ኣብ መንጎ ገገለ ውድባት ዝካየድ ዝነበረ ናይ ሓድነት መስርሕ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዝመጸ ሓድሽ መድረኽ ነበረ።

ይኹን’ምበር ካብ’ቲ ተነጻጺልካ ዝኽይድ ጉዕዞ ቃልሲ ኣብ ሓደ ባይታን፡ ባይቶን ኮይንካ ገለ ፍረ ይርከቦ’ዩ ካብ ዝብል ሓሳብ ዝተወልደ፡ ክሳብ 12 ውድባት ዝኣኽላ፡ ሓደ ውልቐ ሰብ ዝርከቦም ኣብ’ቲ ዋዕላ ተጸንቢረን። ህዝቢ ከኣ እፎይታ ተሰሚዕዎ ኣተንፈሰ፡ ተስፋታቱ ክዓቢ ርኣየ።

እዚ ዋዕላ ከኣ ብሃገራዊ ምሕዝነት ኤርትራ ተጸውዔ። ሃ.ም.ኤ ብዝተሓተ ስምምዕ ዝተበጽሓሉ ቻርተር’ኳ እንተነደፈን ኣጽደቐን፡ ዝተነጸረ ቅርጻ ኣሰርሓን ስጡም መደብ ንስለ ዘየነብሮ ስክፍታታት ነቢሩ’ዩ። ይኹን’ምበር እዚ ስክፍታታትን፡ ክህሉ ዝኽእል ጉድለታት  ኣብ ዝመጽእ መስርሕ ክዕረን ክሕይለሉን መታን ክኽእል፡ ኩሉ ብዓቕሙን በብወገኑ እጃሙን ክቃለሰሉ ጀመረ።

ኣብ’ዚ መድረኽ ተ.ሓ.ኤ ሰውራዊ ባይቶ ካብ’ቲ ቀንዲ ዝደገፎ ርእይቶታትን ሓሳብ መሰረት ሒዙ፡ ቀዳምነት ን ሃ.ም.ኤ ንምሕያል፡ መደባት ክመዓራረን ክመሓየሽ፡ ሓያል ቅርጺ ክሕዝ፡ መደብ ዕዮታት ተሓንጺጹ ከኣ ኣብ ውሳኒ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ሓድነታዊ ጉዳይ ከድህብ ቀጻሊ ጸዋዒት ካብ ዘቅረበ ውድባት ሓደ ነበረ።

ሰውራዊ ባይቶ ነዚ ጉዳይ ብምስጢር ሒዙ ዘይኮነ፡ ንኣባላት ሃ.ም.ኤ ዝዀና ውድባት ብቀረባ ተራኺቡ እንዳዛራረበን፡ እንዳተዛተየን ኣብ ዝሓሸ ምርጫ ንምውዳቕ ዘይሕለል ቃልሲ ካብ ዘካየዱ ውድባት ሉልይ ዝዀነ ግደታት ኣበርከተ።

ተ.ሓ.ኤ ሰውራዊ ባይቶ ንውሕስነት ቀጻሊ ጉዕዞ ሃ.ም.ኤ ኣብ ዝተፈላለየ ሸነኻት፡ ኣብ ውክልና፡ ቅርጻ ፡ ቁጠባዊ ትሕዝቱን ምንጩን መደባቱን፡ ኣመራርሓ ብዝምልከት ኣብ ዝተፈላልየ መድረኻት ሓሳቡ ኣቕሪቡ’ዩ።

ወዮ ደኣ ንውድብ ተ.ሓ.ኤ ሰውራዊ ባይቶ ንምጽላም፡ ብመጀመሪያ ኣብ ሃ.ም.ኤ ቀጺሉ ከኣ ኣብ ኪዳን ፡ እቲ ኩሉ ቃልስን ሓሳባትን መደብ እቲ ውድባ ንዓንቐጽ 3,4 ንምቕያር ጥራሕ ዝተጸምደ፡ ኣብኡ ከም ዘሎ ዝገልጹ ኣይወሓዱን’ምበር። እቲ ውድብስ ሰነዱ ዝምስክረሉ፡ ህሉዋት መሰኻክር ዝዛረብሉ ኣብ ብዙሕ መዳያት ናይ ምትዕርራይን ከም ውጽኢት ከኣ ሓደ ሓያል ምሕዝነት ብምፍጣር፡ ንምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ንምግጣሙ ክእለትን ዓቕምን ንምውናን፡ ልዕሊ ካልእ ክመጽእ ዝኽእል ተራ ረብሓታት ውድብ፡ ጸጊዕ ፖሊቲካዊ መደባቱን ዕላማታቱን’ዩ ርእይዎ።

መሪሕነት ተ.ሓ.ኤ ሰውራዊ ባይቶ ክሳብ ኣብ መሰረታት ወሪዱ፡ ብጽኑዕ መምርሒ ዝተዋህበሉ ግዜ፡ መሰረታትን መሪሕነትን ብጥሙር ሓሳብን ኣረዳድኣን ንሃ.ም.ኤ ድሒሩ ከኣ ንኪዳን ንምሕያል ኩሉ ጻዕርታትን ምትሕብባርን ክግበር ስሪዑን ወዲቡን ክሳብ ዝዀነ ኩሉ ዓይነት ገድላዊ ስርሓት ፈቒዱ’ዩ ክጓዕዝ ጸኒሑ።

እዚ ሓደ ክፋል ካብ’ቲ ብካልኦት ውድባት ዝቐረበ ተመሳሳሊ ሓሳባትን ተምክሮታት ናይ’ቲ ብቀረባ ዝፈልጦ ሞያ ሓድነት ክዝክር እንከለኹ፡ ኣብ’ዚ ክሊ ሃ.ም.ኤ ይኹን ኣብ ክሊ ኤ.ዲ.ኪ ዝተባህለን ዝተሰርሐን ጠቐምቲ ስርሓት ነቢሮም’ዮም ንምባል’የ። ካብ 7 መጋቢት 1999 ክሳብ 15 ለካቲት 2007 ንኣስታት 9 ዓመታት ክሕለፉ ዝጸንሑ መድረኻት፡ ንህዝቢ ካብ ዝተቐረበሉ ኣሉታዊ ይኹን ኣውንታዊ ሸነኻቱ ክማሃር ገቢርዎ’ዩ።

ህዝቢ በዚ ዝሓለፈ፡ ተምክሮታት ሰኒቑ፡ ከይዱ ገዝኡ ንኽድቕስ ኣይኮነን፡ እቲ ሓሳብ፡ ህዝቢ ፈራዲ ከም ምዃኑ መጠን፡ ንጽቡቕ ክስዕቦን ክድግፎን፡ ክኣልዮን ክሕብሕቦ’ዩ ዝግባእ ዝነበረ። ምእንቲ’ዚ ከኣ ዝገበረን ዘይገበረን፡ ወይ ንዝሰርሐን ዘይሰርሐን፡ ከይፈለየን ከየለለየን፡ ብድፉኑ ተቃወምቲ ሓይልታት ኣይሰርሐን፡ ኣተሰማምዔን ፈሺሉ’ዩ ወዘተ ዝብል ኣዘራርባ ኣዝዩ ካብ ህሉው ክውን መድረኽ እቲ ቃልሲ ዝረሓቐ’ዩ።

ገገለ መራኽቢ ብዙሓንስ ፡ ገና ክፉእን ሕማቕን ክጽበዩን፡ ጫፍ ሰሚዖም ድማ ንህዝቢ ንምድንጋር ዝጎዩ ኣይተሳእኑን። ደድሕሪኦም ዝስዕቡ ከኣ ኣለዉ።

እዚ ተርኽቦ ካልኣይ ጉባኤ ኪዳን ኣብ ከም ውጽኢት ዝተጸበዮን ዝተሓጎሰሉን ዘሎ ኣይመስለንን፡ ኩልና ካብ ትጽቢትና ወጻኢ ስለ ዝተወድአ ሙሉእ ሓጎስ ኣይኮነንልናን። ይኹን’ምበር ኣብ’ዚ መስርሕ ካብ ዝተራእየ ኣገዳሲ ምዕባሌ፡ ስምምዕ ኣሎን ነይሩን’ዩ። ኪዳን ኣብ ቻርተሩ ተነጺሩ ክንደፍ ዝነበሮ ዓንቐጻት ብስምምዕ ኣስፊርዎ’ዩ። እዚ ከኣ ዓቢ ዓወት ከም ዝቁጸር ዘጠራጥር ኣይኮነን።

ኣብ ሓደ ተርኽቦ ክልተ ሓቒ ክህሉ ኣይክእልን፡ እዩ። ደጊም ኣብ ሓደ ተርኽቦ ክልተ ሓቒ ንስለ ዘይርከብስ፡ ነቲ ዝሓሸ ምርጫ፡ ነቲ ዝሓሸ ከካይድን ከስርሕን ዝኽእል መደብ ምርድጋፍ’ዩ።

እቶም ኣብ ክልተ መደብ ወይ ብሎክ ክጸንሑ ዝመደቡ መራሕትና፡ ንልዕሊ ሰሙን መመላእታ ኣብ ሓደ ሓባራዊ ፍታሕ ክበጽሑ ዝጸዓሩ፡ ካብኦም ንላዕሊ ብምፍልላዮም ዝጓየን ዝሓዘነን የልቦን እንተበልኩ ዘጋነንኩ ኮይነ ኣይስማዓንን። እቲ ዝቀረበ ፍታሕ ንዓይ ምስ ኩሉ ክህልወኒ ዝኽእል ጽምኣትን ድሌትን ሓድነት ከኣ ቅቡል እዩ።

ንግዜኡ እዚ ፍትሕ፡ ፍታሕ’ዩ። ኣብ መጻኢ ግዜ ከኣ ኣብ ዝበለጸ ምርድዳእን ሓባራዊ ስርሓትን ከም ዝስጕም ይረኣየኒ’ዩ።

D÷Lð: —Dq 28 pI\] 2004 –.M: A²Vgñ MI›{q „íXqV: o³©öD÷ HX{q „íXqV [‘éVgñ l§r: [FÌ ªïN‹V[ï „íXqV: B›lgñ M}e]dh] „íXqV †o\oÏÈ …‰òl …mk ŠXoëM oŠ§ªê;

odh‘Moñ ‘é©ölq „íXqV: Šmk 18 ¹U ‹\mk 22 ¹U …mk ŠXoëM …mk sŠ¢©öÈ …‰òl: phXoX |§oñ ›ch‘éM H©öa A²Vgñ ´}lX …ÃöªïjM; ‰M„ê ‘é}: †sï ·X|Ì ‹Dïsï „íXqVgñ ªïN‹V]¥gñ ‰ïª} (Eritrean Democratic Alliance)  olAðDê ‹Ãög—}& L†‰E§ KUI{q} ÊÄLð kòq ÃöIÊq} ‹BFÈ ©öL o[LLð˜M;

 

 

 

ይቕጽል……..

 

 

ክንዕወት ኢና

 

7 መጋቢት 2007

ኣንቶንዮ ተስፋይ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1151

Posted by on Mar 7 2007 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net