ካልኣይ ጉባኤ ኪዳን ምንጽጻል ዶ ወይ ምንጻር

ካልኣይ

መወዳእታን ክፋል

 

ሀ/ ህዝቢ

ለ/ መራኺቡ ብዙሓት

 

 

ካልኣይ ጠቕላሊ ጉባኤ ኤ.ዲ.ኪ ካብ ዕለት 15- 22 ለካቲት ኣብ ዝገበሮ ጉባኤ፡ ሓባራዊ ምርድዳእን፡ ንዝቀረበሉ ሓሳባት ተመያይጡ ግቡእ መፈጸምታ ኣብ ዝገበረሉ እዋን፡ እቲ ግንባር ኣብ ዝመጽእ ሓጺር ግዜያት ኣብ ከመይ ዝበለ መድረኻዊ ዕብየት ክሰጋገር ምዃኑ፡ ኩሉ ደላይ ሰላም ኣብ ሓሳባቱ ፍሉይ ስኢሉን ቀሪጹን ምንባሩ ዘጠራጥር ኣይኮነን።

 

ነዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ጥብቆታት ርአ።

 

ራብዓይ መዓልቲ፡- ቻርተርን ቅዋምን ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ምጽዳቕ

  

እታ ብትሽዓተ ኣባላት ዝቘመት ሽማግለ፡ ንዓንቀጽ 4ን ዓንቀጽ 5ን ዝምልከት ንድፊ ኣዳልያ ብዕለት 18.02.2007 ንክትዕ ናብ ጕባኤ ኣውሪዳቶ። ጕባኤ፡ ኣብ’ቲ ዝቐረበሉ ንድፊ ሓሳብ ድሕሪ ምምይያጥን ዘድሊ ምምሕያሻት ድሕሪ ምግባርን ኣጽዲቕዎ።

  

ቀጺሉ፡ ጕባኤ ንቅዋም ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን፡ ዓንቀጽ ብዓንቀጽ ድሕሪ ምምይያጥን ዘድሊ ምምሕያሻት ድሕሪ ምግባርን ብምሉእ ድምጺ ኣጽዲቕዎ።

 

ራብዓይ መዓልቲ፡- ቻርተርን ቅዋምን ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ምጽዳቕ

 

እታ ብትሽዓተ ኣባላት ዝቘመት ሽማግለ፡ ንዓንቀጽ 4ን ዓንቀጽ 5ን ዝምልከት ንድፊ ኣዳልያ ብዕለት 18.02.2007 ንክትዕ ናብ ጕባኤ ኣውሪዳቶ። ጕባኤ፡ ኣብ’ቲ ዝቐረበሉ ንድፊ ሓሳብ ድሕሪ ምምይያጥን ዘድሊ ምምሕያሻት ድሕሪ ምግባርን ኣጽዲቕዎ።

 

ቀጺሉ፡ ጕባኤ ንቅዋም ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን፡ ዓንቀጽ ብዓንቀጽ ድሕሪ ምምይያጥን ዘድሊ ምምሕያሻት ድሕሪ ምግባርን ብምሉእ ድምጺ ኣጽዲቕዎ።

 

ክቡር ህዝቢ

 

እዚ ካብ ኣብ’ቲ ካልኣይ ጠቕላሊ ጉባኤ ኤ.ዲ.ኪ ዝተፈጸመ ታሪኻዊ ውሳኔታት ብክብርን ክንክንን ሒዝናዮ ክንጓዓዝ ዝገብረና ናይ ኩልና ውሳኔ’ዩ። ንምንታይስ ትጽቢትናን ሃረርታናን ብምዃኑ። ይኹን’ምበር ኣብ’ቲ ቀጺሉ ዝተኻየደ መወዳእታ መስርሕ ጉባኤ መሪሕነት ንምምራጽ ዝተኻየደ ኣኼባ ግን ንኩሉ ዘሕጉስ ደሃይ ከም ዘይነበረ ኩልና ተገንዝብናዮ።

 

ኣብ’ዚ ሸነኽ፡ ትጽቢታት ህዝቢ ከይዅለፍ፡ ብተደጋጋሚ ሕደገታት ዝግበሩ መራሕቲ ነይሮም’ዮም። ትጽቢት ህዝብና ከይኵለፍ ሓድሽን መተካእታ ሓሳባትን ዘቅረቡን መራሕቲ ነይሮም’ዮም። ኣብ መወዳእትኡ ግን ካብ ቁጽጽሮም ወጻኢ ንዝኸደ ርእይቶ፡ ነፍሲ ወከፍ ውድብ ኣብ’ቲ ዝሓሸ ዝበሎ ርእይቶ ወዲቑ ምርጭኡ ወሲዱ። ተገዲዱ ምርጫ ዝወሰደ ዝሓሸ ዝበሎ ናይ ገዛእ ርእሱ ውሳኔ ምንባሩ’ዩ።

 

እዚ ምርጭታት ዕረ እንዳጠዓሞም ዝወሰድዎ ምርጫታት’ኳ እንተዀነ፡ ኣብ’ቲ ንጉዳይ ሓድነት ዘስተብህል ሰብ ካብ’ቲ ዝሓለፈ ጉዕዞ ሓድነት ኪዳን ኣዝዩ ዝፈላለ ኣይክኸውንን’ዩ። ብቁጽሪ እንተዀነ እቲ ናይ 13 ውድባት ሓሳባት፡ ኣብ ክልተ ወገን ተጠቕሊሉ፡ ንምውጋኑን ኣብ ዝሓሸ ደረጃ ምህላው ኮይኑ’ዩ ዝስማዓኒ።

 

ነዚ ተረኺቡ ዘሎ ኩነታት፡ ዋላ እውን ድሌትና ትጽቢትናን ዘይነበረ ይኹን፡ ኣብ’ቲ ንቡር ክንመልሶ ህድኣትን ዓቕልን ምትሕብባርን ጥራሕ’ዩ ክሓተና ዝኽእል። መራሕትና ናይ ዝወሰድዎ ምርጫን መርገጽን፡ ምርጫናን ኮይኑ ፈሊጥና ከመይ ገቢርና ንዕርዮ ናብ ዝብል ሓሳብ ክንኸይድ፡ ካብ ስቕ ቢልካ ምህውታት ሓይልና ክነዋህልል ይግባእ።

 

“ጨጓር ከልቢስ ኣሎ እንዳበልካዮ ይመውት ከም ዝበሃል” ብዝሒ ውድባት ኪዳን ከም’ቲ ዝጀመሮ እንተዘይሰርሐ፡ ኣሎ እንዳበልና ክነብር ኣየኽእለናን’ዩ። ብዝሒ ውድባት ምቁጻርን፡ ንዘይምስራሕን ፡ ናይ ምትእኽካብ ሓድነት ጥራሕ ነዚ ዕማማትና ዘዋጽኦ ኣይመስለንን። 

 

ይኹን’ምበር ኣብ ብዝሒ ዘይኮነስ፡ ኣብ ቁም-ነገርን ስርሓትን ክምዘን ከም ዘለዎ መጠን፡ ሕጂ ከኣ ነቲ ዝድለ ስርሓትን ዕማማትን በዚ ክልተ ክፋላት ኪዳን ንሓባራዊ ረብሓ ህዝብና ክዝረበሉ ዝኽእል ዕድል ምሃብ’ዩ። ብዝሒ ውድባት ኣይጽላእን’ዩ፡ ዘይምስራሕን ብቃልዓለም ዋኒን ንድሕሪ ምጉታት ጥራሕ’ዩ ዝጽላእ።

 

ንሕና፡ ህዝቢ ብቀዳምነት ሕጂ ከነቕምጦ ዘሎና ሕቶታትን ጠላባት ኣሎ’ዩ። እቲ ብቀዳምነት ንጠልቦ ከኣ፡ ሓደ ደገፍ ንመራሕትና፡ ደገፍ ንዘልዓልናዮ ጭርሖታት ንምትግባሮም ኮይኑ፡ ኩሉ ስርሓትና ካብ ጸለመን ሓድሕድ ምርሕሓቕን ምንጽጻልን ምዕጋት’ዩ።

 

ካብ’ዚ ዝኸፍአ ዘረባታት፡ ከም’ቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዝረኣኽምዎን ትነብዎን ዘለኹም፡ ብኣሉታ ሓሳባትን ርእይቶን ዝተጀለሐ ኣሰካፊ ኩነታት’ምበኣር ንሱ’ዩ። ጉባኤ ኪዳን ነቲ መዓልታዊ ዘመሓላልፎ ዝነበረ ስምምዕን ዝመልኦ ልዝባት ርእሶም ዝሕሞም ዝነበሩ፡ እንሆ ሎሚ ከም ተሓለቕቲ ናይ’ቲ ኪዳን ጽምኣት ስልጣን ክብሉ ክውንጅሉን ክኸሱን ይርከቡ ኣለዉ።

 

እዞም ንፉዓትን ለባማትን፡ ሓለይቲ ህዝምን ሃገሮምን፡ ኣብ’ቲ ካብ 15 ለካትቲ ጀሚሩ ዝተኻየደ ጉባኤ፡ በቲ ነጻ ፕረስ ኣቢሉ ንዝህቢ ናይ ዝመሓላለፍ ዝነበረ ኣገዳሲ ሓበሬታታት፡ ደገፎም ከየተራእየ ሓለፈ። እሞ ነቲ ሓበሬታታ ብዘይምርኣዮም ድዩስ ወይ እንታይ ? ሕጂ ከም’ዚ ዝበለ ዘየልቦ ነቕውፈታን ጸርፍን ጸለምን ዘብዝሑ ካብ ኣብ ትርጉም ዘይብሉ ዓቐብን ቁልቁል ምጉያይ፡ ኣብ’ቲ ንዓና ዝጥዕመልና እንተሰጎምና ይሓይሽ።

 

ነዚ ሎሚ ተረኺቡ ዘሎ ጉዳይ ኪዳን ብኸመይ መንገዲ ንህድኦ፡ ብኸመይ መንገድን ኣገባብን ኣብ ሓደ ባይቶ ክንመልስ ንኽእል ክንፈልጥ፡ ናይ’ቲ ጉባኤ ፍጻሜ ብዓቕሊ ክንምርምር ይግብኣና። ኣብ ሓደ መድረኽ ክልተ ዝተፈላለዩ ሓሳባትን ርእይቶን ክጋሃዱ ይኽእሉ’ዮም። እዚ ሞጎት’ዩ። ክልተ ሓቕነት ዘለዎም ኩነት ግን ክፍጠሩ ኣይክእሉን’ዮም።

 

እዚ ስለ ዝዀነ ድማ ነቲ ተረኺቡ ዘሎ ጉዳይ፡ ናብ’ቲ ድሌታትናን ትጽቢትናን ክንመልሶ ክንቕይሮ እንተደኣ ኮይና፡ ብትዕግስትን ብህድኣትን ክፍጸም ዘለዎ ሕጋዊ መስርሕ፡ ብስርዒታዊ ዲስፒሊን ጥራሕ ምዃኑ ምእማን’ዩ።

 

በዚ ኣገባብ ክንሓስብን ጉዕዞና ክንቅይስ እንተጀመርና፡ ነቲ ካብ ኢድና ወጻኢ ከይዱ ዘሎ ኩሉ ኣብ ቁጽጽርና ክንመልሶን በቲ ድሌትናን ድሌት ህዝቢ ክውሰነሉ ዝኽእል መቋጻጸሪ ስርዓት ክንተኽለሉን የኽእለና።

 

ኣብ ድፉን ጉዳይ፡ ኩሎም ተጋግዮም ዝብል ግን፡ ናይ’ቲ ሓቅነት ዝደሊ ሓይሊ ወይ ኣካል ብግምጣሉ’ዩ። ስለምንታይስ ንሰባት ብሓይሊ ሞጎት በዚ እመኑ በዚ ኪዱ ክትብሎም ኣይትኽእልን። የግዳስ እንተ እቲ ግዜ እንተሰ እቲ ህዝቢ ኣብ ቅኑዕና ጠጠው ብምባል ናይ ዝህቦ ደግፍ ሓደ ፍትሓዊ ዝኰነ ውሳኔ ከጨብጠና ዝኽእል መድረኽ ክንበጽሕ ይሕግዘና።

 

ኣብ’ዚ ግደን ተራን ህዝቢ እንታይ’ዩ፡ ህዝቢ ናይ ትጽቢታቱ መስርሕ ካብ መጀምሪያ ክሳብ መወዳእታ ክድግፎ ይግባእ። ክከታትሎ፡ ክድግፎ ክሕግዞ፡ ይግባእ፡ ክነቕፎ’ውን ይግባእ። ካብኡ ተሪፉ ግን ኣብ ኣቋራጭ መንገዲ ብምጽናሕ ናይ ውሳኔታት ክትራንንን ጭውያን ብምክያድ ንመሪሕነት፡ ውድባት ብዘይገበርዎ ምጽራፍን ምንዋርን ክኸውን ኣይግባእን።

 

ጠለባትናን ሕቶታትና ሓድነት እንምተዀነስ፡ ኣብ ፖለቲካ ብጃምላ ሓድነት ዝበሃል ንስለ የልቦ፡ እዚ ማለት ናይ ዝካየድ ሓድነታዊ ውዕልን ስምምዓትን፡ መን እንታይ ተርኡን ግደኡን፡ መሰሉን ግቡኡን ከይፈለጠ ዘይኣትዎ ውዕልን ስምምዕን ንስለ ዝዀነ ጃምላ ሓድነት ዝበሃል የልቦን።

 

ምእንቲ’ዚ ነቲ ኣሕዚኑናን ዘሎ ጉዳይ፡ ንምፍዋሱ፡ ንምህድኡ፡ ኩሉ ሓይልታት፡ ነናብ ዝምልከቶ ተመሊሱ፡ ንኩነትን መሪሕ ኣካላቱን ግዜን ዕድልን ክህብ ይግባእ። ንህድኣት ግዜ ምሃብ ናይ’ቲ ኣብ ካልኣይ መድረኽ ንሰግሮ ዘሎና ጉዕዞ ኣዝዩ ክሕግዘናን፡ ውጽኢቱ ድማ ክምስጠናን ንቃልሲ ክስሕበናን’ዩ ዝብል ዕግበት ኣሎኒ።

 

መራኸቢ ብዙሓት

 

ናይ’ዚ ተርኽቦ ዋናታት ብምዃን ካብ ምቕርራቡ፡ ቅድሚ ዓመት 24 ሚያዝያ 2006 ክትከታተልዎ ዝጸንሓኩም፡ ኣብ ሰነዳትኩምን ዘሎ’ዩ። እዚ ንህዝቢ ኣብ መዓሙቕ ሙውቕ ሕቝፎኹም ዘሎ ሰነዳት ከኣ ብኽብሪ ሕዚክምዎ ዘለኹም’ዩ።

 

ህዝቢ ርእይቶኡ ክህብ መሰል ኣለዎ ካብ ዝብል ቅዱስ ዕላማታት ዘበገሰኩም ስርሓት፡ ናይ ሓቕነትን ፍትሓውን ማዕርነትን ዲሞክራሲያን መሰረት ዝገበርክምሉ’ዩ። ነዚ ከኣ ፡ ነፍስኹም ማለት ድኻምኩም ግዜኹም፡ ገንዘብኩም ጫሕ ኣቢልኩም፡ እተካይድዎ ኣብ’ዚ እዋን ብቐሊል ዘይግመት ስርሓት ዘካይድ ዘሎ ዓውዲ ዜናን ሓብሬታን፡ ዓውዲ መራኺቢ ህዝባዊ ባይቶ ኮይኑ ዝገልግል ዘሎ እዋን፡ ነቲ ሓቕነትን ምርኵስ ዘይብሉ መጎተ፡ ካብ’ቲ ኣሉታዊ ከኣ ጸለመን ጸርፍን፡ ምንእኣስን ዝሓዘለ ርእይቶታት ክትውግዱ፡ ነቲ መድረኽ ሓጋዚ’ዩ ኣይብልን። ንስኻትኩም’ውን ካባይ ዘይትጽብይዎ ምኽሪ ምዃኑ ትፈልጡ ትርድኡን ምዃንኩም እኣምን።

 

በዚ ኣቢለ ነዚ ጉዳይ ካልኣይ ጠቕላሊ ጉባኤ ኪዳን በዚሕዎ ኩነታት ቀጻሊ ትንፋስን ሂወት ክረክብን ንሰላምዊ ዘተኣዊ፡ ሓይሉ ክቅጽል፡ ናታትኩም ተኻፍልነት፡ ናታትኩም ተሓባባርነት ዓብይ ግደ ኣለዎ’ዩ። በዚ ከኣ ነቲ ሃናጺ ዝዀነ ሓሳብን ርእይቶን ንህዝብኹም ከተቕርቡ፡ ነቲ መሰረት ዘይብሉ መደናገርን መጸለም ከኣ ክትውግዱ ሓልፍነት ዘለኩም ኮይኑ ይስማዓኒ።

 

ነዚ ጉዳይ ብንጽር ዝበለ፡ ውልቀ መራሕቲ እንታይ ይመስሉ፡ እንታይ ገይሮም ይገብሩን ዘይኮነ፡ እቲ ፖለቲካ ኣብ ምንታይ ዝተመስረተ’ዩ፡ እቲ ፖለቲካ ዝበሃል ዘሎ የርብሕዶ ኣየርብሕን፡ ኣብ ዝብል መጎተ ሓቅን ስርዓትን ሕግን ክንምርኰስ ክትሕግዙ ካብ ዘመሓላልፍ መልእክቲ ሓደ’ዩ።

 

 

መደምደምታ

 

ከም ርእይቶይን ሓሳባይን ዕግበተይን፡ ከም’ቲ ልዕል ክብል ዝጠቐስክዎ፡ ኣነ ኣብ ልዕሊ መሪሕነት ውድበይ ዝወሰዶ መርገጽ፡ ከም ዓወት ኣይጭድረሉን፡ ብጭቡጥ ናይ ዘካየዶ ውዕላትን ዘተን ስምምዕን ከኣ ደጊፈዮ።

 

ኣብ ሓድነት ንዝካየድ መስርሕ፡ መሪሕነተይ እዚ ሓድነት እኩል ከም ዘይኮነ ቀዲሙ ዝርዳእ፡ ባዕሉ ዘለዎ ጉዳይ ንስለ ዝኸነን፡ ሕጂ መድረኽ እሂምን ሚህን’ምበር፡ ኣብ’ቲ ዝጸናሕካዮ ተመለስ ክብሎ እንተደኣ ኮይነ፡ ቅድም ቀዳድም ሓይሊ ክህቦ፡ ሓሳብ ክህቦ፡ ግዜን ዕድልን ከስንቖ ኣሎኒ። ናይ’ቲ ዝደልዮ ሓቐኛ ውጽኢት ድማ በዚ መስርሕ’የ ክጭብጦን ክውንኖን ዝኽእል ኮይኑ’ዩ ዝርድኣኒ።

 

ኣይቕበላካን’የ !!! ኣይድግፎን’የ !!! ዝብል ዘረባታት ንዓይ ትርጉም ዝህብ ኣይኮነን። መሪሕነታት ብፍላይ ከኣ መሪሕነተይ እቲ ዝኣክል ውክልናን፡ እቲ ዝኣክል ሓላፍነት ጾር ኣሰኪመዮ ንስለ ዘለኹ፡ ናይ’ቲ ብመጠን ሓላፍነት ዘሰከምክሉ ኣገባብን መስርሕ ስርዓትን ሕጊን ክሕተት ይግደድ።

 

ይኹን’ምበር፡ ነቲ ክህሉ ዝኽእል ኣገባብ ተጠቒመ፡ ሓሳባተይን ርእይቶይን ክገልጽ ቅኑዕ ኣገባብ እመስለኒ። እዚ ከኣ ነቲ ክበጽሖ ዝደሊ ዕላማ ክመርሓኒ ይኽእል ዝብል ሙሉእ ዘይጉዱል እምነት ኣሎኒ።

 

 

 

ክንዕወት’ና

ዝኽርን ክብርን ንስውኣትና

 

9 መጋቢት 2007

ኣንቶንዮ ተስፋይ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1154

Posted by on Mar 9 2007 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net