ጉጅለ ህ.ግ.ዲ.ፍ ንትሕዝቶ መሰረታዊ ታሪኽና

ክቕይር ኣኽእሎ የብሉን !!!

 

ጉጅለ ህ.ግ.ዲ.ፍ ንትሕዝቶ መሰረታዊ ታሪኽና ክቕይር ዓቕምን ብቕዓትን የብሉን። ትሕዝቶ መሰረት ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ብክንደይ ዝተራቐቁን ዝሓየሉን ፖለቲካውያን ሓይልታት ተፈቲኑ ዝሓለፈ ታሪኽ፡ ወዙን ትሕዝትኡን ዘይቕይር ክብርን ዋጋን ዘለዎ ነባሪ ታሪኽ’ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራውን፡ ቁጠባውን ሃለዋት ህዝቢ ኤርትራ፡ ይንዋሕ ይሕጸር ኣብ ትሕቲ ባዕዳዊ ሰንሰለታዊ መዋእል መግዛእቲ፡ ፖርቱጋላውያን፡ ቱርካውያን፡ ግብጻውያን፡ መሳፍንቲ ኢትዮጵያ፡ ጣልያን፡ ዓባይ ብርጣኒያን ክሳብ ብፈደረሽን ሓሊፉ፡ ንጉስ ሃይለስላሴን ዝመርሕዎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ይኹን ደርግ ብድምሩ ንልዕሊ 500 ዓመት ዘቁጸረ፡ ናይ ግፍዓዊ ወራራትን መግዛእቲን ብዘይካ ላህመታዊ ኣሰር ታሪኽ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ናይ’ቲ ዝሓለፈ ወሎዶታት መበቆልን ታሪኽን ክቅይር ሓንቲ ተኽእሎ ኣይተረኽበን።

ንጋሻ ወይ ብደገ ዝመጽእ ባዕዳዊ ገዛኢ ወራር ብዝሒ ሕብረ ብሄራት፡ ከም ብዝሒ ጸገማቶም ምፍልላዮም ዘብህጎም፡ መሰረታውን ታሪኻውን ውሽጣዊ ተሪር ሓድነቶም ብዘይምፍላጥ ኣብ ታሪኽ ብዙሕ ግጉይ ዝዀነ ውጥን፡ ተግባራት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ፈታቲኖም፡ ከይቐንዖም ሓሊፎም ኣለዉ።

ህዝቢ ኤርትራ ደላይ ሰላምን ፈታው ጋሽ ከም ምዃኑ መጠን ዝተለዓለ፡ ንኩሉ በጻሒ ይኹን ወራሪ ብሕያወትን ግርህናን ንስለ ዝቐረቦም፡ ጉዳይ’ዩ ርእዮምን መዚሚዞም ኣብ ህዝብን ሃገርን ታሪኽን ሓንሳብ ንሓዋሩን ክደምሰን ክጠፍእን፡ እንተዘይተኻእሎም ከኣ ፈላልዮም ክገዝእዎን፡ ኩሉ ኤርትራዊ ሃብቲ፡ ኤርትራዊ ጉልበት፡ ኤርትራዊ ታሪኽ ብናታቶም ክለሳ ታሪኽ ክድግስዎ ዘይፈትንዎ መንገድን ኣገባብ ኣይነበረን።

እንተዀነ ከም’ቲ ልዕል ቢለ ክገልጾ ዝፍትን ዘለኹ ጉዳይ፡ ንሳቶም ማለት ገዛእቲ ሓይልታት ዝገበሩ ገቢሮም፡ ዕንወትን ብርሰትን ፈጺሞም ገገለ ኣሰርን፡ ላህመታዊ ምቕይያር ገበሩ ደኣ’ምበር ንመሰረት መበቆላዊ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ክቕይሩን ወይ ከጥፍኡ ኣይከኣሉን። ሰብ ገባሪ ምድሪ ነጋሪ ከም ዝብልዎ ከኣ ምድሪ ወላድ ኣብ ከስዓ ሒዛቶ ዘላ ታሪኽ ብግዜኡ ሓልዩ፡ ሓቁን ንጽህንኡ ብዝተፈልጠ ታሪኽ ብህዝቢ ዳግማይ፡ ብናይ  ሓቀኛ ህዝቢ ታሪኽ ከም ዝህነጽ ፍሉጥ ኮይኑ ኣሎ።

ኣብ ኤርትራ እቲ ዝነውሐ ዓመታት ዝገዝአ ባዕዳዊ ወራር ጣልያን’ዩ፡ ጣልያን ስልጣነ ሒዙ፡ ምዕቡል ኣገባብ ማእቶትን፡ ናውቲ ማእቶትን ተጠቒሙ’ኳ እንተ መጸስ፡ ንውልቃዊ ምህርቲ፡ ንፋሽሽታዊ ስርዓቶም ዘርብሕ’ምበር፡ ንህዝቢ ኤርትራ ካብ ዝነበሮ መስፍናዊ ኣገባብ ማእቶት፡ ወይ ካብ መስፍናዊ ማሕበራዊ ምጣነ ሃብታዊ ትሕዝቶን ኣካይዳ ክልውጦን ክቕይሮን ኣይከኣለን። እቲ ቀንዲ ሕቶ መግዛእቲ ኣብ ታሪኽ ናይ ምቕያርን ዘለዎም ተኽእሎን ትሕዝቶን ከኣ ብቀንዱ ኣብ’ዚ ማሕበራዊ ምጣነ ሃብታዊ ናብራ፡ ኣብ ማሕበራዊ ፍትሒ ከኣ ሓፈሽኡ ናይ ዝተኣታቶ ለውጢ ቀንዲ መዕቐንን፡ መብርህን ናይ’ቲ መግዛእታዊ ትሕዝቶ እንታይ ከም ዝነበረ ዝሕብርና’ዩ። መወክሲና ከኣ ንሱ’ዩ። ምስ ምጣነ ሃብታዊ ትሕዝቶ ዘይቕየር መሰረት መበቆል ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራን ብመንጽር ተንኰል ባዕዲ ብኡ መሰረት ከኣ ሚዛና ከነንብር የኽለና።

 

ብድሕሪ ሕጂ ከኣ ኣብ ኤርትራ ናይ ዝመጽእ ፖለቲካዊ ስርዓታት ትሕዝቶ ብዘየገድስ፡ ብመሰረትን ጸጊዕነት ታሪኽ መበቆል ህዝቢ ኤርትራ ዝሳነን ዝኸይድን ማሕበረ ቁጠባዊ ፍልስፍና’ምበር፡ ንዕኡ ብምፍራስ ክረጋገጽ ዝኽእል ዝዀነ ይኹን ፖለቲካዊ ይኹን ካልእ ስልጣን ኣብ ኤርትራ ክትከል ከም ዘይክእል ሓደ ናይ’ቲ ህዝብን ሃገርን ታሪኽ መስኪርዎ ኣሎ።

 

እዚ ታሪኽ ጽንዓት ህዝቢ እንተዘይህልዎ፡ ከም’ቲ ኣብ ካልእ ክፍለ ዓለም ዝተፈጸመ ታሪኽ ክፍጸም ዘይከኣል ወይ ከኣ ዘይኸውን ጉዳይ ኣይምስነበረን።

ንኣብነት ንምጥቓስ፡ ህዝቢ ኣርሜንያ፡ ኩርዲስታን፡ ሁቱን ቱሲን ዝርከበሉ ፈተነታት መበቆሎም ታሪኽ ህዝቦም  ክረአ ይኽእል። እዚ ኩሉ ምስ ባዕዳዊ ዝተኣሳሰረ ታሪኽ ስልጣን ክኸውን እንከሎ፡ ሃገራውያን ዘልዕልዎ ጭርሖታትን ርኽበት ስልጣንን ምስ’ቲ ጸኒሕ ልምዲ ዘይከይድን ዘይሳነን እንተዀይኑ። ነዚ ባዕዳዊ ከተእታትዎ ዝፈተነ ተርእዮታትን ዕድልን ጥራሕ’ዩ ከጋጥሞም ዝኽእል። እዚ ማለት ከኣ ተቃውሞ ሰፊሕ ህዝቢ’ዩ። ወላ’ውን ህዝቢ ክዛረበሉ ዘይክእል መሓውር ጸጥታዊ ትካላት እንተበዝሐ፡ እቲ ታሪኽ ንባዕሉ ከም ዝቃለሶም ኣብ ብዙሕ ውውጥሪ ከም ዝእተዎም ዝተፈልጠን ርዱእን ነገር’ዩ።

 

ኣብ’ቲ ዘንቐለኒ ኣርእስቲ ክምለስ፡ ብግዜ ምንዋሕ ህዝቢ ዝርስዖ’ኳ እንተመሰለ ብልክዕ ቅድሚ 20 ህ.ግ.ሓ.ኤ ኣብ ካልኣይ ሓድነታዊ ጉባኤ ዝኣተውዎ መብጽዓታት፡ ታሪኽ ዘይርስዖ ምዃኑን፡ ካብ’ቲ ዘዛርበና ቀንዲ ጉዳይ ከኣ ጉዳይ ታሪኽ ህዝቢ ብምዃኑ ክፍለጥ ይግባእ።

 

ህ.ግ.ሓ.ኤ ነቲ ኣብ ካልኣይ ውድባውን ሓድነታዊ ጉባኤ ዘሕለፎ መብጽዓታት፡ ናይ ባህጊ ጥራሕ ዘይኮነስ ታሪኻዊ ግድነት ስለ ዝነበሮ ጥራሕ’ዩ። እወ እቲ ሕቶ ገና ኣብ ህዝቢ ክወርድ ምዃኑ ዝተረድኡ ጉጅለ ህ.ግ.ዲ.ፍ ክሳብ ዝደልዎም ነቲ ውሳኔ ክሕልፉ ተገዲዶም። ታሪኽ ገዲድዎም።

 

ኤርትራ ብሳላ መስዋእቲ ጀጋኑ ደቓ ዝተረጋገጸ ነጻነት፡ ኣብ ስልጣን ህ.ግ.ዲ.ፍ ክሳብ ዝበጽሕ፡ ንመጻንሒ ክብልዎ ዝነበሮም፡ ንመጠበሪ ክብልዎ ዝነበሮም፡ ንምድንጋር ህዝቢ ክገብርዎ ዝነበሮም ተግባራት ከይረስዑ ሓቂ ንምምሳል ዝፈጸምዎን ዝወሰንዎን እንተነበረ፡ ኣብ መወዳኣታ ካብ’ቲ ሓቀኛ ናይ’ዚ ሎሚ ህሉው ህ.ግ.ዲ.ፍ ስልጣን ናይ ምብሓት ደረጃ ንምብጻሕ ዘኽእሎም ኩሉ መዳያዊ ሕጽረታት ዝሽፍንን፡ ዝሓብእን ዝመስል ቀዳዳት ክዓጽዉ ፈተኑን ገበሩን።

 

ህዝቢ ኤርትራ ግን ከም’ቲ ዝተጠቕሰ ውሕስነቱ ኣብ ታሪኹን ብምዃኑ፡ ነቲ ዝጥነስ ዝነበረ ሓሳብ ህ.ግ.ሓ.ኤ ይኹን ህ.ግ.ዲ.ፍ ብዓንተብኡ ዘስተባህሉ ለባማት፡ ምሑራት፡ ተቃለስቲ ደቂ ሃገር፡ ንፍልስፍና ህ.ግ.ዲ.ፍ ንምቕላዕ ዘይሕለል ቃልሲ ኣካየዱን ንህዝቦም ከኣ ሓበሩ። እንሆ ከኣ ሎሚ ዘረባ ለባማት፡ ምሁራት፡ ውድባት ሓይልታት ኤርትራ ኣንጻር’ቲ ህ.ግ.ዲ.ፍ ዝብሎን ዝግበሮን ክኸውን ንርእዮ ኣሎና። እዚ ሓደ ካብ’ቲ ምስክር ታሪኽና’ዩ። እቲ ዘይነጽፍ ታሪኽና’ዩ።

 

ህ.ግ.ሓ.ኤ ዝመስረቶ ግዜያዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ኤርትራ፡ ባይቶ ኤርትራ ኣብ 1994 ዘቕረቦ ሓሳብ ምቕይያር ምምሕዳር፡ ኣብ ሓሙሽሳይ ስሩዕ ኣኼባ ባይቶ 1995 ጉዳይ ምምሕዳራት ኤርትራ ብኣውራጃ ተሪፉ፡ ብቁጽሪታት ክትካኣ ካብ’ቲ መንክር ህ.ግ.ዲ.ፍ ሓደ ነበረ። እዚ ምስ ጸደቐ ከኣ ንህዝቢ ከም ብሓድሽ ኣብ ታሪኽ ብዘይነበረ ትሕዝቶ፡ ከም’ቲ ብግዜ መግዛእቲ ዓባይ ብርጣኒያን፡ ንጉስ ሃይለስላሴ ዝተፈተነ፡ ሜላታት ህዝቢ ፋሕ ብትን ንምባል ሜላ ብምጥቃም፡ ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ንነዊሕ ክፍለ ዘመን ዝተጠቐመሉ፡ ዝተቃለሰሉን ዝዓቆቦም መበቆል ታሪኹ ክፍንጣሕን ክብተንን ተራእዩ።

 

ይኹን’ምበር ህ.ግ.ዲ.ፋውያን በዚ ጥራሕ መዓስ ዓጊቦም፡ ኣብ’ቲ ኵናት ይኹን ካልእ ንህዝቢ ኤርትራ ዘሰንብድ መሲልዎም፡ ብኡ ኣሳቢቦም ባህላዊ፡ ማሕበራዊ፡ ቁጠባዊ፡ ፖለቲካዊ ሸነኻት ከትኣታትዎ ዝፈተኑ ለውጢ’ውን ዓብይ ውሽጣውን ግዳማውን ተቃውሞ ኣጋጢምዎም። እዚ ከኣ እቲ ሓቂ’ዩ።

 

ዝፈርስ ናይ’ቲ ዘሎ ግዜያዊ ፖለቲካዊ ማሕበራዊ ፍትሒ ናይ ስልጣን ሜላ ቅርጺ’ምበር ካልእ መበቆላዊ ታሪኽ ሓደ ህዝቢ፡ ከም ዘይኮነ ተረጋጊጹ ካብ ዘሎ፡ ሰላም ምስኣን፡ ድኽነት፡ ሕማም፡ ድንቍርና ካብ’ቶም ቀንዲ ምልክታት ኮይኖም ኣብ ሕብረተ ሰብ ዓለም ይረኣዩ ኣለዉ። 

 

ጻዕሪ ህ.ግ.ዲ.ፍ ከኣ ከንቱ ምዃኑ፡ ነዚ ብዝምልከት ህዝቢ ክሳብ ሎሚ ባህሉን ልምዱን ከይገደፈ ብኣንጻሩ ብሓያል ወኒ ዘሰላስልን፡ ታሪኹ ዝዕቁብን፡ ንህልውነት ሓድነት ህዝቢ ኤርትራን ሰላምን ዝቃለስን ዝዛረብን ምህላዉ’ዩ። እቶም ብኹድኑ ንህ.ግ.ዲ.ፍ ዝኣምኑ’ውን ነዛ ሰላምን ቅሳነትን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘይኣትዉላ ምዃኑ ዘረጋግጹ መወዳእትኡ፡ ሃገርን ታሪኽን ናይ ሓባር ምዃኑ ንስለ ዝተረድኡ ጥራሕ’ዮም።

 

ህ.ግ.ዲ.ፍ በዚ ጥራሕ መዓስ ዓጊቡ፡ ባህሊ ህዝቢ ኤርትራ ምስ’ቲ ታሪኻዊ ምምሕዳራዊ ብጽሒት ህዝቢ ኤርትራ ማዕረ ብማዕረ ባህሊ ብምውሳብን ብምሕውዋስን ነቲ ወግዒ ህዝቢ ንምፍንጣሕ ጻዕሪ ዘይሕለለሉ ይካየድ ኣሎ። እቲ ሕቶ ግን ኣብ መወዳኣታ ህዝቢ ይቅበሎ ዶ ኣይኮቕበሎን ስለ ዝዀነ፡ ንህዝቢ ዝግደፍ ሕቶ ኩሉ ግዜ ብህዝቢ ክፍጸም ከም ዘለዎ ዘረዳኣና ዓብይ ሃገራዊ ብጽሒትን ጉዳይ ብምዃኑ፡ ብህ.ግ.ዲ.ፍ ዝቕየር ሓንቲ ንእሽቲ’ኳ ትኹን ቅንጣብ ታሪኽ ከም ዘየሎ ክንርዳእ የኽእለና።

 

ታሪኽ ናይ ምግዳድ ግደ ስለ ዘለዎ፡ ኩሉ ኣብ ማእከል ህዝብን ሃገርን ዝካየድ ይንኣስ ይዕበ ጉዳይ ኣገናዚብካ ዝኽየድ ምዃኑ፡ ኣብ ስልጣን ምስደየቡ ዝርስዑ መራሕቲ ውሑዳት ኣይኮኑን። ጉጅለ ህ.ግ.ዲ.ፍ እውን ናይ’ዚ ተርእዮ ዘሳሲዩ ኣባላት’ዮም።

 

መደምደምታ

 

ሎሚ 2007 ገገለ ኣብ ፖለቲካዊ ታሪኽ ምምራሕ ግዝኣት ኢትዮጵያ ዝነበሩ፡ ዓበይትን ፍሉጣትን መራሕቲ፡ መምህራን፡ ዓበይቲ ዓዲ፡ ብታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ክሕበኑን፡ መሰረት ኢትዮጵያ ኤርትራዊ ታሪኽ ምዃኑ ዝኣምኑ ኣብ ዝርከብሉ ግዜ፡ ህ.ግ.ዲ.ፍ ታሪኹ ዝኽእደሉ እዋን ካብ መጸ፡ ምጾት’ዩ። ምጾት ግን ምጾት ህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነ መወዳኣታ ታሪኽ ጉጅለ ህ.ግ.ዲ.ፍ ምዃኑ ጥራሕ’ዩ ዘረዳኣካ።

 

ህ.ግ.ዲ.ፍ ብዝገብርዎ ምምሕዳራዊ ምቕይያርን ምፍራስን፡ ኣብ ናይ ዓለም ለኻዊ ካርታ፡ ዘይሕጋውነት ምዃኑ ዝዝረበሉ ዓለም ንርከበሉ ዘሎና መዋእል፡ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈልጡ ደቅ’ባት ጥራሕ ዘይኮኑ ባዕዳውያን መሰኻክር ከም ዘለዉ ዘርድእ’ዩ።

 

ደርግ፡ ካብ ኤርትራ ነታ ተድልዮ፡ እሞ ከኣ ክልተ ክነሰን ንሓንቲኤን፡ ምስ’ቲ ጂኣኦግራፊያዊ ኣቐማምምጣን ንታሪኽ ንምኽሳብ ወደብ ዓሰብ ንበይና ከም ጠቕላይ ግዛኣት ንምፍላይ ፈቲኑ፡ ህ.ግ.ዲ.ፍ ግን ንስልጣኑ ክብል ተምሳል ታሪኽን ጂኦ ሕብረ ብሄራዊ ኣቐማምጣ ዘይውክል ብዕዉር መስርሕ ንንቡር ማእከል ባህላዊ፡ ልምዲ ዝሃርምን ዘዕንውን ውሳኔ ብምውሳድ ንኩለን ኣውራጃታት ኣፍሪስወን።

 

ተምሳልና፡ ሓድነትና፡ ታሪኽና፡ ቃልስና ምስ ሂወት ወይ ዕድመ ደቂ ሰብ ዝቁጸርን ዝድምሰስን፡ ዝጠፍእ፡ ዝቕየር ዘይኮነስ፡ ምስ’ታ ለዋህ መሬት፡ ምስ’ታ ዘይትድምሰድ፡ ዘይትጠፍእ፡ ዘይትቕየር መሬት ዓደ’ቦ ዝተተሓሓዘ ስለ ዝዀነ ዝመጸ መጺኡ ንመሰረት መበቆል ታሪኽና ክቕይር ዝኽእል ሓደ ፖለቲካዊ ሓይሊ ክህሉ ኣይክእልን’ዩ።

 

ቀንዲ መረጋገጺ ፍሽለት ህ.ግ.ዲ.ፍ ናይ ዕፈና፡ ጭውያ፡ ማእሰርቲ፡ ስደት፡ ፖለቲካውን ማሕበራውን ንደየት ከኣ መቐጸልታ ካብ’ዚ እዩ ዝጅምር። እዚ ወደ ሓንኩም !!!

 

 

ክንዕወት’ና

 

15 ሓምለ 2007

ኣንቶንዮ ተስፋይ

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1159

Posted by on Jul 20 2007 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net