ቅጥዒ ተቓውሞ እንክጋፋሕ

ሃገር ዓዲ  ማይቤት ቤት እቲ ባዕሉ ኣብ ሕልናኻ ዝድውል ፍሉይን ክውንነታዊ ትዕድልቲ`ዩ፡፡ ኣብ ዓድኻ ኣብቲ ዕትብትኻ ዝተቐብረሉ ብሕጹኡን ጭቅኡን እንዳተጻወትካ ዝዓበኻሉ  ኣብኡ ኮንካ ጥመ ጽገብ ዕረቕ ተኸደን ይጥዓምካ ይኽፋእካ ምስ ወለድኻ ኣሕዋትካ ኣሓትካ መሳቱኻ ኣዕሩኽትኻ መሓዙኻ እንዳተዋዘኻ እንዳተጫራረቕካ ተፈሲሕካ ተሕልፎ ፍሉይ ፍስህታ ዝህበካ ብፈጣሪ ዝተዓደልናዮ ትውህብቲ`ዩ፡፡

እዚ ፍስሓዚ መንፈሳዊ ሓርነት ይብሃል፡፡ ንሕና ኤርትራውያን ነዚ ትዕድልቲ`ዚ ብባዕዳውያን ገዛእቲ ስለ ዘተነፍግናን ዝተሓደግናን ንዳርጋ ፍርቂ ዘመን ብብረት ንፍርቂ ዘመን ድማ ብሰላማዊ መንገዲ ተቃሊስና ዘይስገር ሰጊርና  ዘይክፈል ከፊልና መሬታዊ ናጽነት ብ1991 ንባዕዳዊ ሓይሊ ሰጉግና ብ1993 ድማ ብረፈረንድም ናጽነትና ኣራጋጊጽና፡፡

ነዚ ምስ ኣራጋገጽና ዘተነፍገና ጥዑም ኣምሊስና ጥዑም ክንረክብ ተመኒና።ነዚ ሕሱም ተሞክሮ ብምግንዛብ ከኣ ኢዩ እቲ ወዲ ውጹዕ ህዝቢ ድምጻዊ የማነ ገብረሚካኤል`ባርያ`

ተመሊሱ ጊዝየ እንሆ ሎሚውን

ከምቲ ዝነበረ ናይ ቀደም ክኾውን፡፡ ዝበለ ግን ኣይ ከም ትምኒት ወዲ ሓላል፡፡ነገራት ግምጥልሽ ኮይኖም ዝገደደ እካ ድኣ ኮይኑ ጭቆና፡፡ እዚ በቲ ሓደ ሸነኽ ክኸውን እንከሎ ኣብቲ ዘሕለፍናዮ ናይ ጥምጥምን ጽንዓትን ቃልሲ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ከም ቆፍኡ ዝተተንከፈ ንህቢ ንድሕነት  ሃገሩን ህዝቡን ክቃለስ እንከሎ ውሑዳት ዜጋታት ምስ ባዕዳውያን ገዛእቲ ኮይኖም ንጉዕዞን ቃልስን ህዝቢ ኤርትራ ዝጻብኡ ኔሮምዮም፡፡

ገለ ካብዞም ውልቀ ዜጋታት እዚኣቶም ነዚ ሎሚ ኣጋጢሙና ዘሎ ኩነታት ጉልባብ ብምግባር ንሕሉፍ ጸረ-ሃገር መርገጺኦም ብምርሳዕ ንነብሶም ከም ተቃለስቲ ብምውሳድ ኣብ ምድኻም ተቃውሞ ቃልሲ ተሰሊፎም ይርከቡ፡፡

ሓደ ካብዞም ከምዚ ዝገብሩ ንምጥቃስ ኣብ ሃገረ ሆላንድ ዝነብር ዶክተር ፍስሓጼን መንግስቱ ዝተባህለ ወልቀ ሰብዩ፡፡

ዶክተር ፍስሓጽዮን መንግስቱ መን`ዩ?

እዚ ካብ ኩሉ ከበሳታት ኤርትራ ኢየ ዝውለድ እንዳበለ ዝፍክር ናይ መንነት ጸገም ዘለዎ ዶክተርዚ ክንፈልጦ መታን ባዕሉ ከምዚ ኢሉ ንነብሱ ኣብ ሓያሎ  ዝወደቦ ሰሚናራት ኣላልዩና`ዩ፡። በደይ ማዕረባ ብእንዳቦይ ዓዲሞንጎንቲ ብዓባየይ ጸዓዘጋ ኢየ ብምባል`ዩ። ንነብሱ ዘፋልጣ፡፡  ኣብዚ ሽሕካ ዘወላውል ነገራት እንተዘይብሉ ኣዚ መግለጺ መንነት ኣይኮነን፡  መግለጺ መንነትስ ተግባራትካን ኣብ ድሌትን መሰልን ህዝብን ሃገርን ዘሎካ መርገጺ`ዩወሳኒ፡። ዶክተር ንኢትዮጵያዊ መርገጺኡ ብኤርትራዊ ትውልዱ ጌሩ ክሸፋፍኖ እፍትን ኣሎ ማለት`ዩ፡፡

እዚ ብሃብቲ ሃገር ናይ ምምሃር ዕድላት ዘጋጠሞ  ዜጋዚ ካብ ደረጃ ዩኒቨርስቲ ጀሚሩ ኣንጻር ናጽነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ምንባሩ ኣብ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን መጼሔታትን ጋዜጣታትን ብዝገበሮ ቃለ-መሕትት ብጭቡጥ ተሰኒዱ ኣሎ፡፡ እቲ ጭብጥታት ብዙሕ`ዩ፡፡

ካብቲ ኣዝ`ዩ ዝፍለጠሉን ንመንነቱ  ዝገልጾን ግን ዶር.ፍስሃጽዮን መንግስቱ ምክትል ኣቦ-መንበር “ዲሞክራስያዊ መድሕን ህዝብታት ኢትዮጵያ“ትብሃል  ብጎሹ ወልዴ ዝምራሕ ኢትዮጵያዊት  ተቃዋሚት ውድብ ምንባሩን ነዛ ውድብ እዚኣ ብምውካል ኣብ ልዕሊ ምክትል ኣብ-መንበርነቱ ወኪል ኤውሮጳ ኮይኑ ብንጥፈት ዝሰርሕ ዝነበረ ዜጋ`ዩ።

ብ4 ሰነ 1996 እታ ውድብ ኣብ ዝገበረቶ ኦዲትን ምጽራያትን ብወንጀልን ምጥፍፋእን ከሲሳ ክሳብ ረፊታ ተፋንዎ በዚ ተጠቒሱ ዘሎ ሓላፍነት ዝነጠፈ ኮይኑ ዕላማ እታ ውድብ እውን ንሓድነት ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ከም ቀዳማይ ፕሮግራማ ትሰርዕ ውድብ ሙዃና ክዝንጋዕ ዘይብሉ ኢዩ፡፡ እሞ እዚ ዶር እዚ እምበኣርዩ ሎሚ ንድሕነት ኤርትራ ክቃለስየ ዝብለና ዘሎ!! መኻን ዶ መሲልዎ ሃገር? ክሰርቀኒ ዝርኣኽዎስ ክውስኸኒ ከመይ ጌረ ክኣምኖ ድዩ ዝብሃል?

መዓስ እዚ ጥራይ ካብታ ውድብ ምስ ተረፈተ እውን ካልእ ሓዳሽ ኢትዮጵያዊት ውድብ ብምፍጣር ክነጥፍ ጀሚሩ፡። እታ ድሒሩ ዝመስረታ ውድብ ካብታ ቀዳመይቲ ብዝኾነ መዓቀኒ ዘይትፍለ ኮይና ንህርፋን ስልጣኑን ኢትዮጵያዊ መርገጺኡ ዘረጋግጽን ኢዩ ኔሩ፡፡ትሕዝቶ ኣጀንዳ ውድቡ “ሓንቲ ዘይተማቓቐለትን ሓድነታ ዝደልደለት ኢትዮጵያ ንምፍጣርንሓድነት ህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ንምርግጋጽን ዲሞክራስያዊ ስርዓት ኣብ ኢትዮጵያ ምፍጣርን“ ኮይኑ ንናጽነት ኤርትራ ብኣዋጅ ዝኹንን ዝቃወምን`ዩ፡፡ ነዚ ኣብርሃም ያየህ ዝብሃል ኢትዮጵያዊ ተቃዋሚ ኔረ ሕጂ ምስ መንግስተይ ተዓሪቐ ዝብልውን መስኪሩሉ`ዩ፡፡

እዚ ከምዚ ዝበለ ዜጋዚ ንሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብኹሉ ዓቕምታቱ ምስቶም ጸረ-ናጽነት ኮይኖም ዘድምይዎን ዘሳቕይዎን ዝነበሩ ተሻሪኹ ዝቃለስ ዝነበረ ንድኽመታት ተቃውሞ መዝሚዙ ሓንሳብ ናይ ሃገራዊ ዕርቂ ሓንሳብ ድማ ናይ ሃገራዊ ዋዕላ ኣጀንዳታት ብምሕንጻጽ ንሕሉፍ ጎሓፍ ታሪኹ ሸፋፊኑ ናብ ካልእ ዓዘቕቲ ከእትወና ዝፍትን ዘሎ፡፡ ህዝቢ ኤርትራ ይኹን ተቃወምቲ ውድባት እኹል ገምጋም ዜጋታቶም ኣለዎም፡። ስለዝኾነ ዶክ. ኢድካን ኣፍካን ምእካብ ይሕሸካ፡፡ ብስም ኤርትራዊ ተቓውሞ ትእክቦን ትልምኖን ገንዘብ ደው ኣብሎ ሰሪሕካ ብላዕ፡፡

ዝኽሪ ንሰማእታትና፡፡

ታሪኽና ነባሪ`ዩ፡፡

ሃይለ ብርሃነ ጀርመን

ይቕጽል፡፡

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1169

Posted by on Oct 4 2007 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net