ግዳማውን ውሽጣውን ተቃውሞ ኣብ ቅድሚ መራሕቲ ህ.ግ.ዲፍ.

ሓላፊ ቁጠባዊ ጉዳያት ህ.ግ.ዲ.ፍ ኣቶ ሓጎስ ገብረሂወት( ክሻ) ኣብ ፈስቲቫል ስቶክሆልም ኣብ መኽፈቲ ብ2 ነሓሰ 2007 መሪቝ ከፊትዎ። ኣብ ኣፍደገ ገዛና ዝተፈጸመ ሓዳስ ኤርትራ ነቲ ዝነበረ ኩነታት ፈስቲቫል፡ ብካልእ መልክዑ ንምቕራብ ፈተነታት ክትገብር ኣብ ናይ 4 ነሓሰ 2007 ኣቕሪባቶ ኣላ። ዝገርም’ዩ። ሎሚስ ስቶክሆልም ኣስመራ ተረኺባትለይስ ኣብ ቅድሚ ኩሉ ዓለም ዝተኻየደ ግሉጽ ሰላምዊ ሰልፊ፡ ኣብ ውሽጢ ፈስቲቫል ዝነበሩ ባዕሎም ዝምስክርዎ፡ ልኡኻት ቲቪ ኤረ ባዕሎም ስእሊ ዝቀርጽዎ ዝነበሩ ኩሉ ዓለም ዝመስከሮ ጠዋዊኻ ንምቕራብ ምፍታን ብሓቂ ነቲ ዘይፈልጥ ክመዝን ዕድል ዝህብ’ዩ።

 

 

  

   ኣቶ ሓጎስ ገብረሂወት

ኣብ’ቲ ናይ መኽፈቲ በዓል ዝረአ ዝነበረ  ፍሽኽታን ፈገግታን ግን ካብ ሓቁ ዝረሓቐ፡ ዘይመስል፡ ከም ዝነበረ ጸኒሑ በርሁን ተራእዩን’ዩ። ብቀዳምነት እቲ ብዓብይኡ ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ዝርከብ ኩሉ ተቓዋሚ ፖለቲካውን ሲቪላውን ማሕበራት ብሓደ ተጠርኒፉ፡ እቲ ብህ.ግ.ዲ.ፍ ዝተዳለወ ፈስቲቫል ህዝባዊ ፈስቲቫል ዘይኮነስ፡ ንስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ዘገልግልን መጋበርያ ፖለቲካዊ ምርልካዊ ስርሓት፡ ዝህንድሰሉን፡ ንህዝቢ ንምድንጋርን ዝግበር ብምዃኑ፡ ነዚ ንምቕላዕ፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝኸይድ ዘሎ ሕሰም ህዝቢ ኣብ ማሕበራውን ፖለቲካውን ቁጠባውን፡ ንተሳተፍቲ ፈስቲቫል፡ ንህዝቢ ሽወደን ድማ ብሓፈሻ ንምብራህ ተዓጢቁ ዝተላዕለ ምስ’ዚ ፍሽኽታን ሓጎስ ናይ ኣቶ ሓጎስ ከም ዘይሳነ ዝተፈልጠ እዩ። ተቃወምቲ ሓይልታት ምስ ሲቪላዊ ማሕበራት ተሰንዮም ዘካየድዎ ዕጡቕ ድልዱል ሰላምዊ ሰልፊ፡ ኣብ ኣፍደገ ፈስቲቫል ብምብጻሕ ንህዝቦም ደለይቲ ስርዓን ሕግን፡ ደለይቲ ፍትሕን ሰላምን ራህዋን ምዃኖም ደጋጊሞም ካሕኵሖም መልእኽቶም ብስነ ስርዓት ዝመልኦ ከካይዱ በቒዖም።

 

እዚ ጥራሕ መዓስ ኮይኑ ኣቶ ሓጎስ ገብረሂወት ነተን ካብ ኣስመራ መመላእታ ዘይብለን ቆጺርዎን ዝመጸ መልእኽቲ ከም ዘየገላብጥኦ ፍሉጥ’ኳ እንተዀነ፡ ካብአን ወጻኢ ክምልስ ከኣ ፍቃድ ዝተዋህቦን፡ ንባዕሉ’ውን ብሕልንኡ ፍቓደኛ ንስለ ዘይኮነ፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ’ቲ ፈስቲቫል ዝቀረበሉ ሕቶ ግቡእ መልሲ ኣይሃበሉን።

 

ኣብ ውሽጢ ተሳተፍቲ ፈስቲቫል ህ.ግ.ዲ.ፍ ሰብ ሕልና ኣይተሳእኑን፡ ካብ’ቶም ብዙሓት ሓደ ሓደ፡ ነቲ ብደገ ዝካየድ ዝነበረ ሰላምዊ ሰልፊ ዘቕረቦ ሕቶታት ኣብ ውሽጢ ንኣቶ ሓጎስ ክሓቱ ክኢሎም’ዮም። እዚ ድማ ምስ’ቲ ሰልፈኛታት ዝጭርሕዎ ዝነበሩ ዝተኣሳሰረ ሕቶ ሓደ ህዝብን ሓንቲ ሃገርን ብምንባሩ ስንባደ ክፈጥር ከም ዝኽእል ርዱእ’ዩ ነይሩ።

 

ቀዳማይ ሓታቲ ዘቅረቦ ሕቶ ቃል ንቃሉ እኳ ልክዕ እዚ እዩ እንተዘየተባህለ ብዝረኽብክዎ ሓበሬታ ከም’ዚ ዝስዕብ ነበረ።

 

 

ሕቶ

 

ብቀዳምነት ኣነ ጽሩይ ኤርትራዊ’የ፡ እቶም ኣብ ኤርትራ ተኣሲሮም ዘለዉ ኤርትራውያን ከኣ ጽሩያት ኤርትራውያን’ዮም፡ እሞ እዞም ሰባት ኣብ ዓዶምን ሃገሮምን ንፍርዲ ክቅወርቡን ፍትሒ ክረኽቡ ዘይግበር ስለ ምንታይ ?

 

መልሲ

 

ፕረሲደንት ይኹን ንሕና፡ ነቶም ተኣሲሮም ዘለዉ ንፈትዎም’ና። እንተዀነ ግን ገበን ስለ ዝፈጸሙ ኣብ ልዕሊኦም ስጉምቲ ተወሲዱ። ዝርዝር ገበናቶም ከኣ ንህዝቢ ክቀርብ’ዩ። በለ።

ካልኣይ ኣገዳሲ ሕቶ

 

ስለምንታይ ደቆም ዝጠፍኡ ወለዲ ይእሰሩን ልዕሊ ዓቕሞም ናይ ገንዘብ መቕጻዕቲ ይብየነሎም ኣሎ።

 

መልሲ

 

ንዓኣቶም ክንድኡ ዝኣክል መቕጻዕቲ እንተዘይ ገበርና ንዓኻትኩም ክንረኽበኩም ወይ ከነረኻኽበሉኩም ኣይንኽእልን ዝብል መልሲ ሃበ።

 

ቀጺሉ ብዛዕባ መሬት

ብዛዕባ ቅዋምን ወዘተ ሕቶ ቀሪቡ።

 

ነዘን ክልተ ዝተሓተታ ሕቶታት ኣጠቓላሊ መልሲ ህ.ግ.ዲ.ፍ እንታይ ምዃኑ ርዱእ’ዩ። እቲ መልሲ ከኣ ናይ ትዕቢትን እንታይ ከየምጽኡ ካብ ዝብል፡ ነቶም ግዲ ዘይብሎም ወገናት ከኣ መራሕቲ ህ.ግ.ዲ.ፍ ሕያዎትን ግሩሃትን ተዋዘይትን’ዮም ክበሃሉ ንትያትር ዝቀረበ መልሲ ምዃኑ ፍሉጥ’ዩ።

 

ብኻልእ ሸነኹ እቲ ሕቶ፡ ነቶም ተኣሲሮም ዘለዉ ትፈትዎም ዲኹም ኣይትፈትዎምን’ሉ ዝሓተተ ኣይነበረን፡ ማእሰርቲ ድማ ናይ ምጽላእን ምፍታውን ዘይኮነስ ናይ ሕግን ስርዓትን ፍትሕን፡ ዝተኣሳሰረ ስለ ዝዀነ፡ ወዮ ሓታቲ እኳ ደኣ ብንጹር ዘቐመጦ ፍትሒ ንዝምልከት’ዩ። ስለ’ዚ ከኣ እቶም ኣብ ማእሰርቲ ዘለዉ ሃገራውያን ንስለ ምንታይ ኣብ ቅድሚ ቤት ፍርዲ ዘይቐርቡ’ሉ ዝሓተት። ነዚ ኩሉ ንምድንጋር ግን ዝተዋህበ ናይ ኣሽኻዕላል መልሲ’ዩ ዝነበረ።

 

ኣብ ኤርትራ ብቕሉዕ ሰባት ኣብ ጎደናታት ተሃዲኖም፡ ካብ ገዝኦም ተጨውዮም ክእሰሩ ካብ ዝጀመሩ፡ ብፍላይ ከእ ነቲ ጉድ ዝቀልዐ ጅማላ ማእሰሪ ኣባላት ካቢኔ መግስቲ ኤርትራን ጋዜጠኛታትን፡ ነቲ ሕሉፍ ታሪኽ ህ.ግ.ሓ.ኤ ህ.ግ.ዲ.ፍ ዘቃለዐ 18 መስክረም 2001 ፕረሲደንት ኩሉ ጸብጻብ ንህዝቢ ክቀርብ ምዃኑ ካብ ዝሕብር እንሆ ልዕሊ 5 ዓመት ሓሊፉ። ስለ’ዚ እታ ተቆጺራ ዝመጸት ዘረባ ምስ’ዚ ዝተኣሳሰረት ግደ ሓቂ ዘይብላ’ያ።

 

ወለዲ ስለምንታይ ይእሰሩ ኣለዉ ? ንዝብል ሕቶ ብተመሳሳሊ ንዓኻትኩም ንምርካብ’ዩ በለ። ስለ’ዚ እቲ ኣብኡ ዝነበረ ህዝቢ ተሳታፊ ፈስቲቫል ባዕሉ ብዘምጽኦ መዘዝ ኣብ ቅድሚ ቤት ፍርዲ ዘይብሉን፡ ሓቕነቱ ዘየተረጋገጸ ክሲ ተሰኪሙ ወጺኡ ኣሎ። ምኽንያቱ ኣብ’ቲ ፈስቲቫል ዝነበሩ ፍርቆም ኣሕዋቶም ዘየምጽኡ፡ ሓደ ርብዒ ኣዝማዶም ዘየሓገዙ፡ ሓደ ርብዒ ከኣ ካብ’ቲ ስርዓት ሃዲሞም ዝመጹ ስለ ዝነበሩ ነቲ ክሲ ቁሕም፡ ቁርጥም ኣቢሎም ውራይ ሳዕሲቶምን ብላዕ ስተ ከም ዝቀጸሉ ፍሉጥ’ዩ።

 

ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ’ውን እዚን ከም’ዚ ዝኣመሰለ ሕቶታት ክቀርብ ምዃኑ ተቐሪቡን ተዓጢቁን ንስለ ዝመጽእ፡ ኣብ ግዜ ምንዋሕ እቲ ሕቶ ምስኡ ክበልይ’ዩ ካብ ዝብል ኣተሓሳስባ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ብላግጺ ይሓልፍዎ ኣለዉ።

 

እቲ ሕቶ ግን ተመዝጊቡ፡ ንታሪኽ ይሓልፍ ከም ዘሎን፡ ምስ በጽሐ ድማ እንታይ ከም ዝወልድ ዘይፈልጥ ህ.ግ.ዲ.ፍ ከም ቀደሙ ብላግጺ ይሓልፍ ኣሎ። ይኹን’ምበር እቶም ኣብ ውሽጢ ብትብዓት ሕቶ ዘቕረቡ፡ ቅኑዕ መልሲ እኳ እንተዘይረኸቡ፡ እዋናዊ ሕቶታት ኣቕሪቦምን፡ ነቲ ልኡኽ ከኣ ዓቕሊ ጽበት ከም ዝፍጥረሉ ፍሉጥ’ዩ።

 

እቲ ህዝቢ ኣብ ዝሃለወ ይሃሉ ድማ ጠለባቱ ንግዝኣተ ሕጊን ፍትሕን ሰላምን ዲሞክራሲን ከም ዝዀነ ዓመታዊ ፈስቲቫል ስቶክሆልም ህ.ግ.ዲ.ፍ ብውሽጥን ብደገን ዓብይ ነውጽታትን ምህዋኽን ማለት ናይ ፖለቲካዊ ማዕበል ከም ዘጋጠሞ ርኡይ ኮይኑ ሓሊፉ ኣሎ።

 

ክንዕወት’ና

 

21 ነሓሰ 2007

ኣንቶንዮ ተስፋይ

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1173

Posted by on Aug 21 2007 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net