መጻኢ ዕድልና ኣብ ኢድና

ብኣብራሃም ተኽለ

16.11.2007

ኤርትራ ብዓንቶብኡ’ውን እንተኾነ ጽቡቕ ዕድል አይገጠማን። ብፍላይ ድሕሪ መግዛእቲ ጥልያን ተሳዒሩ ናይ እንግሊዝ ምምሕዳር አብ ዝተተካአሉ፣ ነጻነታ ተጎናጺፋ ብሰላም ከይትቕጽል፣ ካብ ጎረቤታ ዝኾነት ኢትዮጵያ ወረራ ኣጋጠማ።

ስርዓት ሃይለስላሴ ንኤርትራን ናተይ ግዝአተይ ኢያ ኢሉ አብ ናይ ዓለም መጋባእያ መጎተ፤ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ምሕዋስ ከኣ ተዓወተ፤ ግን ብዘይ ናይ ሕዝቢ ኤርትራ ድሌት ስለ ዝነበረ ከኣ ናይ 30 ዓመታት ኩናት ኣኸተለ።

ብድሐሪኡ እውን ደርጊ ሰዓበ፤ ንኤርትራ ብሓይሊ ንምግዛእ ክንደይ ደም ንጹሃት ኣፍሰሰ። ኣብ መጨረሽትኡ ግን ብህዝቢ ኤርትራ ተሳዒሩ ካብ ኤርትራ ወጸ።

ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ዘጋጠመ ደማዊ ውግእ ዶብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ከኣ ሓደ ካብቲ ማእለያ ዘይብሉ ህልቂት ህዝቢ ዘኸተለ ጸሊም ታሪኽ ኢዩ። ንኻልኣይ ግዜ ከይድገም ከኣ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ይኹን ኢትዮጵያዊ ክቃወም ኣለዎ።ሽግራት ደብ ብውግእ ጥራይ ኣይኮነን ዝፍታሕ፤ ብልዝብን ብምስምማዕን እውን ክፍታሕ ይኽእል ኢዩ።

ኤርትራ ግን ብደገ ዝመጹ ጸላእታ ጥራሕ ዘይኮኑ’ስ፣ ካብ ማህጸና ዝወጹ ደቃ’ውን በዲሎማ ኢዮም። ብሰንኪ  ስምምዕን ስኒትን ደሞክራሲያዊ ኣተሓሳስባን ኣብ ሞንጎና ዘይምህላው ኣብ ናይ ኢትዮጵያ መግዛእቲ ወዲቕና።

ኣብ ታሪኽ ሰውራና እንተ ተዓዘብና እውን ብሰንኪ ግጉይ ኣመራርሓ መራሕቲ ጀብሃን ሸዓብያን እውን ክንደይ ንጹሃት መንእሰያትን ዓበይትን ኣብ ውግእ ሓድሓድ ብከንቱ ጠፍኡ፤ ሳዕቤናቱን ስምብራተን እውን ክሳብ ሎሚ ይረኣ ኣሎ። ነዚ ክፈትሕ ዝኽእል በሊሕ መራሒ እውን ክሳብ ሕጂ ኣይተረኽበን።

ድሕሪ ናይ መሬተ-ናጽነት ኤረትራ እንተራአናውን ኩሉ እቲ ኣብ ግዜ ናይ ናጽነት ቃልሲ ዝተኣትወ መብጽዓታት ሕዝባዊ መንግስቲ ምትካል ዝብል ዕላማ ተጠሊሙ፤ ብናይ ምልካዊ ስርዓት ሕጊ-ግደፍ ተተኪኡ፤ ክሳብ ሕጂ ንሕዝብና ዕንክሊል የብልዎ ኣለዉ።

ስለዚ እቲ ካብ ኩሉ ዘተሓሳስብን ዘሻቕልን ካብ ኤርትራ ወጻኢ ዝመጽእ ሽግራት ጥራይ ዘይኮነስ፤ ኣብ ውሽጢ ከብዳ ዘሎዉ ዘይተፈትሑ ሽግራት እውን ብዙሕት ኢዮም።

እዚኣቶም  ከኣ ብቀሊሉ ዝርኣዩ ሽግራት ኣይኮኑን፤ ንሃገር ንምክልኻል እውን  ናይ ሕዝቢ ሓድነትን ስኒትን ካብ ኩሉ ሓጻውንቲ ውግእ ንላዕሊ ኢዮም።

ኣብዚ ዝረአ ዘሎ ኩነታት ሃገርና ግን ሕጊ-ግደፍ ካብ ስኒትን ሓድነትን ህዝቢ ምንጋስ፤ሕዝቢ ፋሕብትን ከብሉ ይፍትኑ፤ ኣብ ክንድ ኣብ ሓይሊ ሕዝቢ ምእማን፤

ኣብ  ሓይሊ ብረትን ጠበንጃን ኢዮም ዝኣምኑ።

ሎሚ  ሃገርና ፤ ኣብ ጉዳይ ሕግን ፍትሕን፤ መሰል ዜጋን፡ መሰል እሱራትን ኣብ ምሕላውን፤ ኣብ ጉዳይ ማዕርነትን ደሞክራስን፤ ኣብ ጉዳይ ምክብባርን፤ ሓድነት ሕዝቢ ኣብ ምሕላውን፣ ኣብ ሕዝባዊ መንግስቲ ምትካልን፤ ብሐሳብ ኮነ ብግብሪ ስሙር አረአእያ አሎና ድዩ? ኣነ አሎና ኢለ ኣይግምትን !!

እዚ ንነብሲ ወከፍ ኒሕን ሐቦን ዘለዎ ኤርትራዊ ዘሻቕልን ዘተሐሳስብን ሸለል ኢልካ ዘይሕለፍ ሕቶታት ኢዮም።

እቶም ንለውጢን ደሞክራስን ተዓጢቕና አለና ዝብሉ ናይ ተቓውሞ ሐይልታት እውን እንቶኾኑ፣ አብ ክንዲ ስሙር ሐያልን፤ ጥርኑፍ ናይ ቃልሲ ማዕበል ዝምስርቱን፣ ንሕዝብና ካብዚ ዘለዎ ናይ ጸልማት ግዜ ከውጽእዎ ዝፍትኑን፤ ጌና ኣብ ነንሕድሕዶም ኣብ ምክሳስን፡ ምንኻስን ይርከቡ። 

ህዝብና’ውን እንተኾነ ዔረ ጥዒሙዎ ከሎ፣ ብርቱዕ ተቓውሞ ከርኢ ኣይከኣለን፣

ባዕሉ ምንጪ ሐይሊ፣ ባዕሉ ተቓላሲ፣ባዕሉ ናይ ሃገሩ ተኻላኻሊ ከሎ፡ ንሐደ አብ ዝባኑ ተሐንጊሩ ዝስዕስዕ ዘሎ ስርዓት ሕጊ-ግደፍ፣ ኪድ ዕጭ እምቢ ምባል ኣይከኣለን።

ሕጊ-ግደፍ ስሙርን ድልድሉን ሕዝቢ፤ ፍትሕን ሕግን፤ ምክብባርን ደሞክራስን ዝነገሳ ሃገር፤ መንእሰያት ኣብ ሃገሮም ኮሪዖም ዝቕመጡላ ሃገር፤ ክትህሉ ኣይደልን ኢዩ።

ብፍላይ ከኣ ንጌጋታቱ ዝቃወሙን፡ ክርእዩ ዝኽእሉን ዜጋታት፤ ካብ ቀደም ክሳብ ሎሚ

ኣብ እስሪ ቤት ክበልዩ ኣለዎም ወይ ከኣ  ካብ ኤርትራ ኣርሒቖም ክስደዱ ኣለዎም።

ሕጊ-ግደፍ፣ኤርትራ ብሰላምን ደሞክራስን ተገዚኣ ክትነብር ባህጊ የብሉን።ኣንጻር ስልጣኑ ስለ ዝኾነ፤ ቀንዲ መንበሪ ወይ ናይ ስልጣኑ መቐጸሊ ዕምሩ ኢሉ ዝኣምኖ ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን፤ ምስ ጎረባቢቲ ሃገራት ተታፋኒንካ ምንባር ጥራይ እዩ።

ሕጊ-ግደፍ  ዘይተጸንዔን ተደላዪ ዘይኮነ ኩናትን ውግእን እንዳጻሕተረ፣ ንኤርትራዊ  ናይ ዘመናት ጅግኑ አዳኺሙዎን’ዩ። ክቃወሙኒ ይኽእሉ ኢዮም ዝበሎም በላሕቲ መራሕትን ናበይትን ንቑሐት ተቓለስትን ኣጠፊኡዎም ኢዩ። ሕጂ’ውን እንተኾነ መላኺ ስርዓት

ሕጊ-ግደፍ አብ ስልጣኑ ክሳብ ዘሎ ኣብ ዘየድሊ ውግኣት ንህዝባና ከእትዎ ይኽእል ኢዩ። ኣምላኽ ይኽደነና!! ስርዓት ሕጊ ግደፍ ክሳብ ዘይተኣልየ ውግእን ወረ ውግእን ነባሪ ኢዩ።

እታ ሃገር ናይ ኩላትና ሃገር ኢያ፤ ክትድሕን ክትስስን ክትነብርን ከአ ናይ ኩላትና ጻዕሪን ድሌትን  ክንህሉ ኣገዳሲ ኢዩ።ሐደ ነቲ ሐደ ኣወጊኑን አዋሲኑን ንርእሱ ንብሕቱ ቀሲኑ ክነብር ማለት ግን ዘበት ኢዩ፤ ፈላሊኻ ግዝእ ዝብል ፍልስፍና ናይ ገዛእቲ ሓይልታት

ከኣ ከብቅዕ ኣለዎ።ናይ ውሑዳት ዝሕጎሱላን ዝስዕሱዑላ ብዙሓት ከኣ ዝጩቆኑላን ዝበኽዩላን ሃገር ዘይኮነትስ፤ ሐቀኛን ርትዓዊትን ሃገር ናይ ኩሎም ደቃ ዝኾነት ኤርትራ ክንመስርት ግዜ ይሓተና ኣሎ።

ካብቲ አድካምን ኣህላኽን ዋጋ ዘይብሉን ሕድሕድ ምስሕሐባትን፣ ብውሕልና ሰጊርና፣ ሕድሕድዳዊ ልዝብን፤ ሕድገታት ብምግባርን፣ ሓንቲ ደሞክራስያዊ ስርዓት ፈጢርና፤ 

ነቲ ጽባሕ ዝመጽእ ወለዶ ከአ ታሪኽ፣ ዕርቂ፣ ሰላም፣ ሐድነት፣ ከነማሓላልፍ፤

እዚ ንጽባሕ ዘይብሃለሉ ጉዳይ ናይ ነብሲ ወከፍና ኢዩ።

ስለዚ ኣብ ልዕሊ ሃገርና ኤርትራ ወሪዱ ዘሎ መዓትን አደራዕን ክነድሕን፤ ኢሂን ምሂን ተባሃሂልና፤ ኣብ ነንሕድሕድና ጽን ኢልና ተሰማሚዕና፤ ናይ ዝሐለፈ ጉድለትን ድኽመትን መዚና ናብ ዝመጽእ  ዝጥምትን፣ ዘዐውት፡ ጠርናፊን፤ ንኹሉ አሳታፍን ዝኾነ መደባት ክንሕንጽጽ ክንክእል ኣሎና።

ውግእን ወረ ውግእን የጥፍእ

ውግእ ዕንወት ኢዩ

ሰላም ከኣ ህንጸት ኢዩ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1190

Posted by on Nov 16 2007 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net