ኤርትራ ናይ ሎሚኸ ብምንታይ ትልለላ?

(ድምጺ ኤርትራዊ ደሞክራሲያዊ ኪዳን-1ይ ወገን)

 

ከም ኣብ ኩሉ ሃገራት ዝርኤ፡ ሃገርና ኤርትራ እውን በብመድረኹ ትልለየሎም ጉዳያት ነይሮማን ኣለዉዋን። እዚ መለለዪ’ዚ ጸሊእካ ትኽውሎ ፈቲኻ ድማ ተምጸኦ ዘይኮነስ ግዜኡ ሓልዩ ዝገሃድ እዩ። ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ኣስታት ሰብዓ ዓመታት ክትልለየሉ ዝጸነሐት ብቓልሳ ምእንቲ ሃገራዊ ልኡላውነትን ምኽባር ኩሉ መሰላት ወዲ ሰብን ነይሩ። ነዚ ሓርበኛ መለለዪኣ ንምዕቃብ ድማ ኣንጻር ብዙሓት እሞ ሓያላት ወገናት ገጢማ ብዙሕ ዋጋ ከፊላ። ብፍላይ ካብ 1961 ንደሓር ናብቲ ዝመረረ ኣገባብ ቃልሲ ኣትያስ ንሰላሳ ዓመታት ዝኣክል ግዜ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ጸኒሓ። ኣብዚ ነዊሕን መሪርን እዋን ናይ ቃልሲ እዚ መለለዪኣ በቲ ኩሉ ኣብ መስርሕ ዘጋጥም መከራ ከይተንበርከኽካ ንመሰልካ ብጽንዓት ምቅላስ ክትልለ ጸኒሓ።  ደሓር  ኣብ 1991 ድማ ነዊሕን ከቢድን መድረኽ መኪትካ ኣብ ዓወት ብምምብጻሕ ተለልያ። ኣብ ቅድሚ ሕብረተ-ሰብ ዓለም ድማ ጋማ ዓወት ብምእሳር ተመጒሳ። ብዙሓት ወገናት ድማ ከም ናይ ጽንዓት ሞዴል ወሲዶማ። ሎሚኸ ሃገርና ብምንታይ ትልለላ?

ድሕሪ ነጻነት ምርግጋጽ መለለዪ ሃገርናን ህዝባን ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰብ ዓለም ተቐይሩ። እቲ ቀደም ንመሰረታዊ መሰላት ወዲ ሰብ ተሓላቒት ዝነበረ መለለዪኣ፡ ብወራሪት ተተኪኡ። ህዝባ፡ ኣብ ሓያልን ነዊሕን ቃልሲ ተጸሚዱ ንኹሉ ጸገማት ክኢሉ፡ ንጸላእቱ ኣረብሪቡ ዝሰዓረ ትበሃል ዝነበረት ሃገርና ሎሚ ብናይ ተሰዓርነት ቅጽል ተደዊና። ወያ ዓለም ናይ ሓያላት ዘይኮነስ ናይ ፍትሓውያንን ሓቀኛታትን ክትከውን ኣለዋ ብዝብል ጭረሖኣ ትልለ ዝነብረት ሃገርና ኤርትራ ሎሚ ስማ፡ ናይ ዓለም ሕግታት ብምጥሓስን ካብ ዞባዊ ማሕበራት ኣባልነታ ብምስራዝን እትልለ ሃገር ኮይና ኣላ። ናይ ሕብረት ኣፍሪቃን ኢጋድን ፋይላት ብምግንጻል ነዚ ምርግጋጽ ይከኣል። እታ ትማሊ ህዝባ ምስ ህዝቢ ጐረባብቲ ሃገራት ጽቡቕ ዝምድና ፈጢሩ ሰላማዊ ሃዋህው ንከዕስል ዝተቓለሰት ሃገር ሎሚ ጐረባብታ ”..ጥቓ ዓጋም ዝተጸገዐት ቆልቋል ክትነብዕ ትነብር…” ኢለን ይምስላላ ኣለዋ። ኣብ ቅድሚ እቲ ጽቡቕ ዝገበረላ ህዝብታት ጐረባብቲ ሃገራት ድማ ፈዳዪት ሕሱም ተባሂላ።

 እዛ ምስ መብዛሕትኤን ሃገራት ኣፍሪቃ ክትወዳደር እንከላ ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ዝተፈላለዩ ጋዜጣታት ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ትውንን ዝነበረት ኤርትራ ሎሚ ካብ መለለዪኣ ሓደ ናይ ብሕቲ ሚዲያ ዘየብላ ሃገር ኣፍሪቃ ተባሂላ ትልለላ። ካብዚ ብዘይፍለ ኣገባብ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሳ መንግስታዊ ሚዲያ ዝሰርሑ ጋዜጠኛታት ብምእሳር እውን ቀዳመይቲ እያ። ብመንጽር እዚ ኣንጻራ ብናይ ፕረስን ሰብኣዊ መሰልን ተሓለቕቲ ትካላት ዝወጽእ ናይ ውግዘት መግለጺታት መለለዪኣ ካብ ዝኸውን ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ድሕሪ ኤውሮጳዊ መግዛእታዊ ሓይልታት ካብኣ ምውጸኦም ካብ ሓደ ሰልፊ ንላዕሊ ተኸኣኢለን ዝንቀሳቐሳላ ዝነበረት ኤርትራ ሎሚ ካብ ሓደ ሰልፊ ንላዕሊ ምህላው ከም ሓሻውየ ተወሲዱ ዝሕጨጨላ ሃገር ኮይና ትልለላ። ብዝምድናዊ ኣዘራርባ ናይ ሕጊ ልዕልና ኣብ ምትእትታው ልዑል ግደ ዝነበራ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኤርትራ ሎሚ ፍጹም ናይ ፍትሒ ሽታ ዘየብላ፡ ዜጋታታ ብስግኣት ብምውሓጦም እትልለ ሃገር ኮይና ኣላ። ወዮ ካብ ክቱር ሃገራዊ ስምዒትን ሓልዮትን ነቒልካ ” ኣነ ኣለኹ ንሃገረይ ” ምባል ተሪፉስ ኣብ ፈቐዶ ጐደናታት መንእሰያት ናብ ግዱድ ውትህድርና ምህዳን እውን መለለዪ ኤርትራ ካብ ዝኸውን ሓያሎ ዓመታት ሓሊፉ። ጥምየት፡ ሕማም፡ ዕርቃንን ስደትን እሞ ድማ ስም ኤርትራ ክጽዋዕ እንከሎ ሓቢሮም ዝቃልሑ ናይ ሕሰም መግለጺታት ካብ ዝኾኑ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ኣብ ካልእ ከይከድና ሰብኣዊ ሓላፍነት ኮይንዎም ህዝብና ክሕግዙ ንዝመጹ ወገናት ዕባራ ምኽንያት እናመሃዝካ ካብ ሃገር ከም ዝወጹ ምግባር እውን ናይ ኤርትራ መለለዪ ኮይኑ ኣሎ።

ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ስርዓት ህግደፍ ክሳብ ዘላ እቲ ኣሉታውን ጸረ ህዝብን መለለይኣ ክቕጽል እምበር ክንኪ ወይ ክመሓየሽ ከም ዘይኮነ ርዱእ ጉዳይ እዩ። ስርዓት ህግዲፍ ምስሊ ኤርትራ ብሰንኩ ተደዊኑ ከም ዘሎ ኣይፈልጥን እዩ ማለት ኣይኮነን። ስለምንታይ እቲ ሎሚ ንኤርትራ ከም መለለይኣ ኮይኑ ዘሎ ጉዳያት ክሕባእ ዝኽእል ስለ ዘይኮነ። እቲ ስርዓት ግና ንክውንነት ከምቲ ዘለዎ ናይ ምርዳእን ምንባብን ባህሪ ስለ ዘየብሉስ ክኸዋውሎ ክፍትን ባህሪያዊ እዩ። ካብዚ ተበጊሱ እዩ ድማ ንኤርትራዊ ኣጀንዳ እናኸወለ ናብ ናይ ግዳም ኣጀንዳታት ክመጣጠር ንዕዘቦ ዘለና። ጉዳይ ምብርቕ ሱዳን፡ ጉዳይ ዳርፉር፡ ብዓቢይኡ ድማ ጉዳይ ሶማልያ ካብቶም ከም መኸወሊ ኤርትራዊ ኣጀንዳ ዝጥቀመሎም በዓትታት እዮም። መላእ ህዝብና ብናይቲ ስርዓት ሰራም ተግባራት ክሓዝንን ክሻቐልን እንከሎ፡ ውሑዳት ደቂ ልቢ ገርሃ ወይድማ ናይቲ ተንኮል ላዕጠጥቲ ግና ንስርዓት ህግዲፍ ከም ናቱ ወዲኡ ናይ ካለኦት ኣጀንዳ ዝዓምም በዓል ዓቢይ ዓቕምን ሰፊሕ ልቦናን መንግስቲ ኣምሲሎም ከቕርብዎ ንዕዘብ ኢና። እዞም ወገናት እዚኣቶም ጌና ካብቲ ኣትየሞ ዘለዉ ደልሃመት ተዘይ ወጺኦም ኣብ ዘይፈልጥዎ ጉዳይ ኣትዮም ጽባሕ መሬት ምስ ወገሐ ተሓተቲ ምስ ኮኑ፡ ክጠዓሱ እዮም።

ኣብዚ ንርከበሉ ዘለና እዋን ናይ ቀረባ ጐረባብትና ካብ ዝኾና ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ገኒኑን ናይ ወጻኢ ናይ ዜና ማዕከናት ቀልቢ ስሒቡን ካብ ዝቐነየ ሰፊሕ መዘራረቢ ኣጀንዳ ናይቶም ቅድሚ 20 ኣዋርሕ ኣብ ቤት ማእሰሪ ጸኒሖም፡ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ናይ ዕድመ ልክዕ ማንእሰርቲ ተፈሪዶም ዝነበሩ ተቓወምቲ ናይ ፖለቲካ መራሕቲ ብምሕረት ምፍታሕ እዩ። ብዙሓት ወገናት ነቲ ተግባር ” ይቕረታ ዝሓትት ጅግና ይቕረታ ዝገብር ድማ ብጹእ ” ብዝል ቃና ክገልጽዎ ጸኒሖም እዮም። ብናይ ብዙሓት ተዓዘብቲ እምነት እቲ ይቕረታ ምሕታትን ይቕረ ምባልን ካብ ውልቃዊ ረብሓ ሓሊፉ ንብሩህ መጻኢ ኢትዮጵያ ኣብ ግምት ዘእተወ ምዃኑ ይሰማምዕሉ። ብርግጽ ድማ ይቕረ ምብህሃል ናይ ስኒትን ምክእኣልን ኣፍደገ ዝኸፍት ስለ ዝኾነ ኣብ መጻኢ ዕድል ናይዛ ሃገርን ህዝባን ዝህልዎ ኣውንታዊ ጽልዋ ብቐሊሉ ዝግመት ኣይኮነን።

ርግጽ እዩ ዝኾነ ህዝብን ሃገርን ነናቱ ገዛኢን ጸላውን ክውንነት ኣለዎ። ስለዚ ኣብ ሓደ ሃገር ዝውሰድ ስጉምቲ ኣብቲ ካልእ ሃገር ከምቲ ዘለዎ ስለምንታይ ዘይተፈጸመ ኣይበሃል። ግና ኣብ ሓፈሻዊ ዛዕባታት ምውድዳር ዘይከኣል ኣይኮነን። ካብዚ ብንቃል ናብ ናይ ኤርትራ ናይ ፖለቲካ እሱራት ክንቋመት እንከለና ቅድሚ ኩሉ እንታይ ይፈረዱ ብዘየገድስ ናብ ቤት ፍርዲ ኣይቀረቡን። ኣበይ ተኣሲሮም ከም ዘለዉ እውን ኣይፍለጡን። ቤተሰቦም ኣይኮነንዶ ግዜ ተወሲንሎም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ወይ ኣብ ናይ ቤት ፍርዲ ናይ ቆጸራ ግዜ ክርእይዎምስ ብዛዕባኦም ወረ’ውን የብሎምን። እዞም ሰባት እዚኣቶም ብፍላይ ድማ ገሊኦም ንናይ ኤርትራ ነጻነት ኣብ ዝተኻየደ መሪር ቃልሲ ካብቶም ናይ ሎሚ ኣሰርቶም ዝለዓለ ተዘይኮይኑ ዝተሓተ ኣስተዋጸኦ ከም ዘየብሎም ኣይኮነንዶ ኤርትራዊ፡ ብዛዕባ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ መባእታዊ ኣፍልጦ ዘለዎ ጓና’ውን ኣይስሕቶን እዩ። ግና ስለምንታይ ከምኡ ይኸውን? ስለምታይከ ከምዚ ዓይነት ዓመጸኛ ኣሰራርሓታት መለለዪ ኤርትራ ይኸውን? ክሳብ መዓስከ? እዚ ኩሉ ኤርትራዊ ዝግደሰሉ ክኸውን ይግበኦ። በቶም ደፊሮም ናብ መንግስቶም ቀሪቦም ከምዚ ዓይነት ናይ ሰላም መንገዲ ንምረጽ ዝበሉን ብመንግስቶም ግቡእ ክብሪ ዝረኸቡን ኢትዮዮጵያውያን ዓበይቲ ዓዲ ክቐንእ ኣለዎ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ጉዳይ ሰላምን ስኒትን ህዝቦም ዓጢጥዎም ዓገብ ስለ ዝበሉ ዝተኣስሩ ኤርትራውያን ዓበይቲ ዓዲ ከም ዝነበሩ’ውን ከስተብህል ናይ ግድን ይግበኦ።

እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ገለ ገለ ልቦም ብናይ ህግዲፍ ናይ ሓሶት ፈስቲቫላትን ብኤረ-ቲቪን ዝተሰወረ ኤርትራውያን፡ ስርዓት ህግዲፍ ንኤርትራ ብኸምዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቐሰ ከም እትልለ ዝግበረ ንረብሓኣን ረብሓ ህዝባን ክብል እዩ ኢሎም ዝሓስቡ ምህላዎም እዩ። ገሊኦም ድማ ነቲ ናይቲ ስርዓት ናይ ታሕቲ ታሕቲ ክሲ ከም ሓቂ ብምውሳድ ነቶም ኣብ ኣብያተ- ማእሰርቲ ዝበልዩ ዘለዉ ሓርበኛታት ክሳብ ”..ንሃገር ዝኸድዑ…” እናበሉ ከውርዩ ይስምዑ። ኣብዚ ኣብቲ ዘስእሰሮም ጉዳይ ኣቲና ከምዝን ከምትን ክንብል ኣይንኽእልን። ነቲ ስርዓት ህግዲፍ ገዛገዛ ዘውርዮ ጸለመ እውን ከም ዘለዎ ኣይንቕበሎን። እቲ ስርዓት ከምዚ ዓይነት ሓቂ ዝመስል ናይ ጸለመ ማእለማ ከም ዝኣልም ግና ካብ ሕሉፍ ተመኩሮኡ ምርዳእ ይከኣል። እስከ ዝኾነ ክብደት ዘለዎ ገበን ይሃልዎም፡ ኣብ ቤት ፍርዲ ንዘይምቕራቦም ምኽኑይ ንምግባር ዝመሃዝ ምኽንያታት ቅቡል ኣይኮነን። ወረ ብንጹር እንተርኢናዮስ  ኣብቲ ዘቕረቦ ክሲ መርተዖ ዘየብሉ እምበር፡ መርተዖ ዘለዎ ከሳሲ ኣካልስ ካብ ፍርዲ ዝሃድመሉ ምኽንያት ኣይነበሮን። እምበኣር ምስልን መለለዪን ሃገርና ተደዊኑ’ዩ ዘሎ’ሞ ናብ ንቡር ቦታኡ ንምምላስ ሕጂ’ውን ኣብ ማእገር ኩሉ ኤርትራዊ ተጻዒኑ ዘሎ ዕዳ ምዃኑ ኣይንዘንግዕ።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1192

Posted by on Aug 6 2007 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net