ማይ ሓባር ሓደ ካብ መርኣያታት

ጭካነ ስርዓት ህግዲፍ

 

(ድምጺ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን-1)

14 ሓምለ 2007

 

ጸረ-ህዝቢ ተግባራትን ጭካነን ስርዓት ህግዲፍ ብቁጽሪ ብዙሕ ብክብደት ድማ ዘስካሕክሕ ምዃኑ ብተደጋጋሚ ዝተገለጸ ስለ ዝኾነ ምዝርዛር ኣየድልዮን’ዩ ዝብል እምነት ኣለና። እኳደኣ ብዙሓት ከም ዝሰማምዕዎ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ’ዚ ክዝረብ እንከሎ ብዘይ ኮለል ስርዓት ህግዲፍ ምሉእ ብምሉእ ኣንጻር ድሌታትን ረብሓታት ህዝቢ ኤርትራ’ዩ ኢልካ ምጥቕላል እቲ ዝሓሸ ኣቀራርባ ምዃኑ ይሰማምዕሉ። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና እቲ ጸረ ህዝቢ ተግባራት’ውን ደረጃታት ስለ ዘልዎስ ዝያዳ ጐሊሖም ዝርኣዩ ተግባራት የለዉን ማለት ኣይኮነን።

 

ኣብ’ዚ ጎሊሖም ካብ ዝረኣዩ ኣስካሕካሕቲ ተግባራት’ቲ  ስርዓት ጨፍጫፍ ማይ ሓባር  ኣብ ልዕሊ ናይ ሓርነት ስንኩላን ከም ኣብነት ምጥቃስ ይከኣል። እዚ ተግባር’ዚ ኣብ’ዚ ኣጋጣሚ እንዝክሮ ብክብደት ጭካነኡ ጥራይ ዘይኮነስ  ኣብ’ቲ ዝተፈጸመሉ ቅነ ንርከብ ስለ ዘለና’ውን እዩ። እዚ ተግባር’ዚ ብ12 ሓምለ 1993 ምስ ተፈጸመ ኣብ ኤርትራውያን ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ኩሉ ንኽብሪ ወዲ ሰብ ዝርዳእ ፍጡር ፈጢርዎ ዝነበረ ስምዒት ክሳብ ክንደይ ዓሚቕ ከም ዝነበረ ዝርሳዕ ኣይኮነን። እዚ ጥራይ ዘይኮነ ናይ’ዚ ጨካን ተግባራት ወረ ምስ ተሰምዐ ምእማኑ ዘጸገሞም ወገናት’ውን ውሑዳት ኣይነበሩን። ግና እዚ ብተግባር ዝተፈጸመ እዩ።

 

እዚ ኣብ ታሪኽ ምምሕዳር ስርዓት ህግዲፍ ካብ’ቲ ብጸሊም ደሚቑ`ዝምዝገብ ተግባር ምዃኑ’ውን ኣየዳድን። እዚ ግፍዒ እዚ ሎሚ ተዝፍጸም ዳርጋ ንኹሉ ተዓዛባይ ከም ሓድሽ ፍጻመ ኣይመኾኖን። ስለ ምንታይ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ 14 ዓመታት ማለት ካብ ፍጻመ ማይ-ሓባር ንነጀው ብዙሓትን ካብኡ ዝገዱን ተግባራት በቲ ስርዓት ስለ ዝተፈጸሙ። ኮታ ሎሚ ብዛዕባ ስርዓት ህግዲፍ ሓድሽ ነገር ዝበሃል ምናልባት እዚ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ንሰብኣዊ ክብሪ ወዲ ሰብ ኣብ ግምት ዘእተወ ተግባር ፈጺሙ እንተ ዝበሃል ጥራይ እዩ። ጭካነን ጸረ-ህዝቢ ተግባራትስ መለለዪ ናይ’ቲ ስርዓት ካብ ዝኸውን ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ።

 

ስርዓት ህግዲፍ ኣብ ልዕሊ ናይ ሓርነት ስንኩላን ከም’ዚ ዓይነት ስጉምቲ ዝወሰደሉ ምኽንያት ናይ መሰል ሕቶ ስለ ዘቕረቡ ጥራይ ምዃኑ ብብዙሕ መጽናዕቲ ተረጋጊጹ እዩ። እዞም ኣካላት እዚኣቶም ዘቕረብዎ ሕቶ ኪኖው መሰሎም ዘይሓልፍ ምንባሩ ጥራይ ዘይኮነ፡ ምስ ዓቕሚ ዘየብሎም ምንባሮም ብጥይትን ሓይልን ክትምነዮም ሽዑ ፈጺሙ ተቐባልነት ኣይነበሮን ንመጻኢ’ውን ተቐባልነት የብሉን። እዚ ተግባር’ዚ ሽዑ ዘተሓላለፎ መልእኽቲ ናይ’ዞም ህይወቶምን ጉልበቶምን ንናጽነት ኤርትራ ዘወፈዩ ወገናት ምጭፍጫፍ ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ ስርዓት ናብ ፍጹም ጨፍላቒ ኣካይዳ ብወግዒ ከም ዝኣተወ ዘመልክት’ውን እዩ ነይሩ። እነሆ ድማ ሕጂ’ውን በቲ ሽዑ ዝሸተቶ ደም ምስ ሰኸረ ንድሕሪት ኣይተመለሰን። ኣብ ከም በዓል ዓዲ ኣብየቶን ዒራዒሮን ዝኣመሰለ ቦታታ ድማ ቀጺልዎ።

 

ስርዓት ህግዲፍ ኣብ ልዕሊ ናይ ማይ-ሓባር ስንኩላት ግፍዒ ዝፈጸመሉ እዋን እቲ ሓቀኛ ተግባራቱ ከም ናይ ሎሚ ዝተቐልዐ ስለ ዘይነበረ መህደሚ ምኽንያት ክፈጥር ፈቲኑ እዩ።  ትእዛዝ ጥሒሶም፣ ምስ ናይ ሃገር ዓቕሚ ዘይመጣጠን ጠለባት ኣቕሪቦም፣ ከምኡ’ውን ናይ ሓይሊ ዓመጽ ኣዘውቲሮም ካብቲ ሽዑ ዝብሎ ዝነበረ መመኽነይታታት እዩ። እንተኾነ ዋላ’ውን ካብ’ዚ ዝተጠቐሰ ናይ ሓሶት ክስታት፡ ብምሉኡ ኮነ ብኸፊል ፈጺሞም እንተዝነብሩ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝተወሰደ ጫካነ ምኽኑይ ክገብሮ ማለት ዘበት እዩ። ምስ እዚ ኩሉ ግና ዝተወሰኑ ክሳብ ሽዑ ብዛዕባ ሓቀኛ ባህርያት ናይ’ቲ ስርዓት ግቡእ ኣፍልጦ ዘይነበሮም፡ ወይ ድማ ነቲ ስርዓት እናቀባጠሩ ረብሓኦም ዘቐድሙ ወገናት፡ እቲ ስርዓት ካብ’ዚ ተማሂሩ ንመጻኢ ካብ ከም’ዚ ዓይነት ጸረ-ህዝቢ ተግባራት ክእደብ’ዩ ዝብል ትጽቢታት ነይርዎም’ዩ። እዚ ጥራይ ኣይኮነን፡ እቲ ናይ’ዚ ግፍዒ ቀንዲ ተሓታቲ ኢሳይስ ኣፈወርቂ፡ ስለምንታይ ከም’ዚ ዓይነት ጭካነ ከም ዝተወስደ ተሓቲቱ ንዝሃቦ ‘’ ሕንቂቖም ‘’ ዝብል ናይ ላግጺ መልሲ ዝደጋግሙ መጣቓዕቲ ወገናት’ውን ነይሮም’ዮም።

 

 

 

 

እዞም ወገና እዚኣቶም ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ክሳብ ክንደይ በቲ ናይ ሽዑ ጨካን መርገጾም ከም ዝጠዓሱ ምግማት ኣየጸግምን። ብኽንድኡ ደረጃ ጌና ካብ’ቲ ሰይጣናዊ ኣተሓሳስባኦም ዘይተመልሱ ውሑዳት ከም ዝህልዉ ምግማት’ውን ኣየጸግምን። ዝያዳ ኩሉ ድማ ናይ ኢሳያስ ቀታሊ ሸውሃት ንምርዋይ ነቶም ኣብ የማነ-ጸጋሞም ምእንቲ ነጻነት ኤርትራን ሓርነት ህዝባን እናተዃሽሑ ዝሰንከሉ ብጾቶም ቃታ ስሒቦም ዝቐተሉ ወገናትስ፡ ብሕልንኦም ክሳብ ክንደይኮን ይሳቐዩ ይህልዉ?

 

ከምቲ ኣብ መእተዊና ዝገለጽናዮ ቅኑኡ ስለ ዝኾነ ንምዝኽኻር ተዘይኮይኑ ስርዓት ህግዲፍ ካብ ማይ-ሓባር ዝገድድ ግፍዕታት ፈጺሙ እዩ። ጌና ሕጂ’ውን ኣብ’ቲ ዝመረጾ ናይ ክድዓትን ጭካነን ጐደና’ዩ ዘሎ። ስርዓት ህግዲፍ ኣብ ልዕሊ ኣካለ ስንኩላን ጥራይ ኣይኮነን ዝጨከነ ኣብ ልዕሊ ስዉኣት’ውን ኣይለወሀን። እነሆ ድማ ንሕድሮምን ለበዋኦምን ክሒዱ፡ ንቃሎም ጠሊሙ ኣብ’ዛ ምእንቲ ሰላም፡ ዲሞክራስን ልዕልና ህዝቦምን ንምውሓስ ዝተሰውኡላ መሬት፡ ዲክታቶርነት ኣንጊሱ ይዕንድር ኣሎ። እዚ ኣካለ ስንኩላን ማይ ሓባር ዝኸፈልዎ መስዋእትነት ድማ መቐጸልታ ናይ’ቲ ምእንቲ ነጻነት ክፋል ኣካሎም ዝሃብሉ ዕላማ እዩ። ምእንቲ እዚ ኢና ድማ ስዉኣት ማይ ሓባር ናይ ሰላም፣ ዲሞክራሲን ሰብኣዊ መሰልን ሰማእታት’ዮም! እሞ ክብርን ዝኽርን ኣይንንፈጎም! ንብል ዘለና። እዚ ዝተጠቐሰ ክብርታት ዘይምንፋጎም ድማ ብዛይካ ምእንቲ ልዕልናን ወሳንነትን ህዝቢ ኣንጻር ዲክታቶር ብምቅላስ ብኻልእ ዝግለጽ ኣይኮነን።

 

ብዙሓት ንባህርያት ስርዓት ህግዲፍ ኣቐዲሞም ዝፈልጡ ወገናት ኣብ’ቲ ግዜ’ቲ ቅትለት ማይ-ሓባር ናይ’ዚ ድሒሩ ዝተራእየን ዝቕጽል ዘሎን ሕሱም ተግባራት እቲ ስርዓት መጀመርታ ምንባሩ ኣሚቶም’ዮም። ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ጉዳይ ንምዕጋት ብዓንተቦ ተዘይተላዒሉ እቲ ዝመጽእ ዝኸፈኤ ከም ዝኸውን ዝኣመቱ’ውን ውሑዳት ኣይነበሩን። እዚ ስምዕታኦም ብህዝቢ ኤርትራ  ሰማዒዶ ረኺቡ ወይስ ኣይረኸበን ግና ሎሚ ነፍሲ ወከም ምስ ሕልናኡ ክተሓታተሉ ዝግበኦ እዩ። ብርግጽ ግና ስርዓት ህግዲፍ ካብ ተግባሩ ኣይተመለሰን። እኳ ደኣ  ካብ ውሽጢ ኤርትራ ገንፊሉ እቲ ቀታልን ጻሕታር ውግእን ባህርያቱ ናብ ጐረባብቲ ሃገራት እውን ፈሲሱ።  

 

ብሰንኪ እዚ ናብ ስግረዶብ ዝማዕበለ ተግባራት ስርዓት ህግዲፍ ድማ ናይ ኣሸሓት ኤርትራውያን ህይወት ጠፊኡ። እቲ ኣብ ማይ ሓባር ዝጀመረ ቅትለትን ጭካነን ድማ ሕጂ’ውን ጌና ኣይዓረፈን። እቲ ስርዓት ህግዲፍ ኣብ ኤርትራ ዝወስዶ ዘሎ ቅትለት፣ ጭውያን ብዘይ ፍርዲ ምድጓንን’ውን መቐጸልታ ናይ’ዚ ኣብ ማይ ሓባር ዝጀመረ ግፍዒ ምዃኑ ክከሓድ ኣይግበኦን። እቶም ኣብ ቅትለት ማይ-ሓባር ኣብ ክንዲ ምስ’ቶም ናይ ነጻነትን ሓርነትን ሰማእታት፡ ምስ ቀታሊ ዝወገኑ ወገናት በቲ ዝሓለፈ ነብሶም ክሓኩ ይግበኦም። እቲ ሎሚ ኣብ ማይ-ሓባር ከይተወሰነ እንዳኹሉ ዝኩሕኹሕ ዘሎ በደላት’ውን መበቆሉ እዚ እዩ። ጌና ናይ ማይሓባር ቅትለት ምስ ተፈጸመ ነዚ ዝቃወም ውሁድ ናይ ህዝቢ ተቓውሞ እንተዝስማዕ ነይሩ ናብ’ዚ ናይ ሎሚ ቅሉዕ ግፍዕታት ኣይመበጸሐን። እዚ ሎሚ ንኤርትራ ብዝምልከት መንእሰያት ኣብ ሳህራ ሞይቶም፣ መንእሰያት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ጥሒሎም፣ መራሕቲ ሃይማኖት ተጨውዮም…ወዘተ፡ ዝብሉ ዜናታት ኣይመተሰምዑን። ግናኸ እቲ ውሁድ ናይ ተቓውሞ ድምጺ ኣብ’ቲ እዋኑ ኣይተሰምዐን እቲ ግፍዓዊ ቅትለት ድማ ቐጺሉ።

 

እዛ ሎሚ ንግሆ ንግሆ ኣንጻር ስርዓት ህግዲፍ ናይ ኩነኔ መግለጺ እተውጽእ ዘላ ዓለምና’ውን ኣብ ቅትለት ናይ ሓርነት ስንኩላት ማይ ሓባርስ ድምጻ ኣይተሰምዐን። ብኣንጻሩ ንኢሳያስን ጉጅለኡን ናይ ቅብጥሮት ኣስማት ትህብ ነይራ። ሎሚ ግና ከምቲ ”…ኣደስ ትሓብእ እሞ ሓበላ ዓይኒ ኣይትሓብእን…” ዝበሃል ምስላ እቲ ንህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነ ኢሳያስ ነዓኣ’ውን ከምዘይኮና ብተግባር ምስተረድኤት ብደረጃ ዓለም ናይ ኩሉ ጸረ ህዝቢ ተግባራት ቁጽሪ-1 ገይራ ትሰርዖ ኣላ። ብርኢቶና እዚ ዓለማዊ ሚዛን’ዚ ደንጉዩ ዝመጻ ኣውንታ እዩ። ክሳብ ፍጹም ውድቀቱ ድማ ክቕጽል ይግበኦ። ኣብዚ ግና እዚ ግዳማዊ መርገጽ ኣንጻር ጉጅለ ኢሳያስ መመላእታ እዩ እምበር እቲ ወሳንስ እቲ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ዝነቅል እዩ።

 

ሰማእታት ማይ ሓባር ካብ ሰማእታት ዑና፣ ዓዲ ኣብዮቶ፣ ሽዕብን ካለኦትን፡ ዝፈልዮም በቲ ናትና ዝበልዎ ስርዓት እሞ ድማ ኣብቲ ኣካሎም ሂቦም ዘረጋገጽዎ እዋን ነጻነት ዝተሰውኡ ምዃኖም እዩ። ካብኡ ሓሊፉ ዝሓለፍሉ ዕላማ ከምቲ ናይ ካለኦት ህዝባዊ ዕላማ እዩ። ምእንቲ እዚ ኢና ድማ ከምቲ ንካላኦት ሰማእታት እንህቦ ክብሪ ክንህቦምን ሕድሮም ከነጽንዕን ይግበኣና እንብል።

 

ክብርን ዝኽርን ንሰማእታት ኤርትራ!!

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1198

Posted by on Aug 14 2007 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net