ፕረሲደንት ኢሰያስ ኣፈውርቂ ኣብ ስርዓት ትሕዝቶ መሬት !

ኣብ መበል 16 ዓመት ጽምብል በዓል ነጻነት ኤርትራ ፕ.ኢ.ኣ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ፍሉይ ሕታም 25 ግንቦት 2007 ሓዳስ ኤርትራ ሰፊሩ ይርከብ። ካብ’ቲ ዝገርም እዛ ጋዜጣ ኣብ ኣቀራርጽኣ( ኣሰናዳእቲ) ፍልይቲ ዝገብራ፡ ብወገነይ ዝተዓዘብክዎ ንበዓል ነጻነት ጥራሕ ዘይኮነስት፡ ብመጀመሪያ ፍልይቲ ሕታም ምዃና ዝገልጽ ኣብ ቀዳማይ ገጽ ኣብ ላዕሊ-ጸገማይ ወገን ፍሉይ ሕታም ዝብል ብኣዝዩ ደቂቕ ጽሑፍ ይርከባ።

 

ናይ’ዚ ተገዳስነት እንታይ’ዩ። እታ ጽሕፍቲ ብደቂቕ ከም ዝተጻሕፈት መጠን ዘየስተብሃለ ሰብ፡ እታ ጋዜጣ ብዘይካ ናይ ዕለት 25 ግንቦት ካልእ ሓባሪ፡ ቁጽሪ፡ ሕታም ዘይነግር ምንባሩ’ዩ፡ ነቲ ከም ሰነድ ክሕዝ ዝደሊ የደናግር። ብሓቂ ከኣ ነዚኣ ከም ፍሉይ ሕታም ምዃና ዘይፈለጡ ብዙሓት ሰባት ከም ዘለዉ ዘጠራጥር ኣይኮነን።

 

ፍሉይ ሕታም ተባሂሉ ንነጻነት ዝተዳለወ ሃገራዊ ጋዜጣ፡ ልዕሊ መደረ ፕ.ኢ.ኣ ኣቓልቦ ከይግበረሉ፡ ነቲ ጽምብል በዓል ነጻነት ዝተዋህበ ገጽ እቲ ፍሉይ ሕታም ዝብል ኣልጊሱ፡ ዝዓበየ ስእሊ ፕ.ኢ.ኣ ከም ዝዕብልል ምግባር፡ ዕዙዝነት ፕ.ኢ.ኣ ኣጋዛዚፍ ናይ ምቕራብ ዝተገብረ’ዩ ዝብል ተረድኦ ኣሎኒ።

 

ልክዕ’ዩ፡ እቲ ዘረባ ዘረብ ህ.ግ.ዲ.ፍ፡ መደረ ፕ.ኢ.ኣ ምዃኑ ፍጹም ዘየጠራጥር’ኳ እንተዀነስ፡ ነቲ ክውን ብረቂቕ ናይ ምቕያሩን፡ በቲ መራኸቢ ብዙሓት ኣብ ህዝቢ ዘለዎ ነጸብራቕ ክትመዝኖ ቀሊል ከም ዘይኮነን፡ መርኣያ ናይ’ቲ ስርዓት ዝሕብር’ዩ። ካብ ዝሓለፋ ዓመታት ፍሉይ ሕታም ተባሂሉ ብዓብይ ፊደላት ዝጸሓፍ ዝነበረ፡ ሎሚ ፍልይ ዝበለ ናይ ምልካዊ ስልጣን ዝገደደ ምልክት ዘርኣየ ምዃኑ’ዩ። ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣብ ሙሉ’ቲ ቀዳማይ ገጽ ናይ’ቲ ጋዜጣ ከም ድሕረ ባይታ ብዝህስስ ዝበለ ግን ከኣ ዝንበብ ፍሉይ ዝብል’ዩ ዝነበረ።

ሎሚ ግን  “ወፍሪ ሎሚ ራህዋ መጻኢ ዝብል ይርከቦ” ።

 

ፕ.ኢ.ኣ ኣብ ውሽጢ 16 ዓመት ሓደ ሓድሽ ዝተዛረቦ ነገር ከም ዘይብሉ ኣሚኑ። ብካልእ ኣዘራርባ ወይ ኣረዳድኣ፡ ኣብ ዝሓለፈ 16 ዓመት ኣብ ኤርትራ ካብ’ቲ ህ.ግ.ዲ.ፍ ዘተእታተዎ ካልእ ሓድሽ ፖለቲካዊ፡ ምጣነ ሃብታዊ፡ ማሕበራዊ ለውጢ ከም ዘይተረኽበ ገሊጹ ማለት’ዩ።

 

ቃል ብቃሉ “ ኩሎም’ዞም ክብ ኢለ ዝጠቐስክዎም ጉዳያት ሓደስቲ ዘይኰኑ፡ ዕማአት ዓመት ምእንቲ ከነቕልበሎም ጽማቕ መዘኻኸሪታት’ዮም ” በለ።

 

ፕ.ኢ.ኣ ን ጉጅለ ህ.ግ.ዲ.ፍን ንልዕሊ 16 ዓመት ካብ ዝበልዎን ዝብልዎ ዘለዎን ድሕሪ ሕጂ’ውን ካብ ልሳኖም ዘይወድቓ ውሻል ስልጣኖም ዝዀና ሓረጋት… ፕ.ኢ.ኣ ካብ 25 ግንቦት 1991 ክሳብ ኣብ 25 ግንቦት 2007 ሕጂ ዝደጋግሞ ዘሎ እንሆ……

 

ንዝዓነወ ቁጠባ መሰረት ከተንጽፍ (ባዶ መንግስቲ’ና ተረኪብና ካብ ዝብል

ዝመንጨወ)

 

ኣብ ሓደ ረፍዲ ክኸውን ከም ዘይክእል ዘከራኽር ሕቶ ኣይኮነን (ተጸበዩ)

 

መኣዝና ከይሰሓትና ክንሰርሕ ( ሒዝናዮ ዘሎና ብዘይ ሽርክነት ስልጣን)

 

ኵናትን ደጋዊ ተጻብኦታት ( ምጥያስ የልቦን)

 

ንጽበዮ ክራማት ውጽኢት ክንርእየሎም ( ካብ ሓልፍነትና ወጻኢ ዝዀነ)

 

ሓመድን ማይን ምዕቓብ ሓጽብታ ራህያታት መእለይን ዒላታትን

ምህናጽ። ( ብዘይ ዓስቢ)

 

ውሕስነት መግቢ ምርግጋጽ ወ.ዘ.ተ …..

 

እዘን ሓረጋትን፡ ካልኦት ኣብ’ዚ ዘይተጠቕሰ ንኡ መሳሊ፡ ኣብ ውሽጢ 16

ዓመት ተሰሚዑ።

 

ኣብ ሓጹር ዘሎ ጽሑፍ ናይ ደራሳይ ትርጉም’ዩ።

 

ኣብ’ጸን ውሑዳት ምሩጻት ሓረጋት ዝቀረበ ሓሳብ ምስጢር ስልጣን ምልኪ ህ.ግ.ዲ.ፍ ተላዕጢጡ ይቐርብ ከም ዘሎ ዘስተብህል ውሑድ’ኳ እንተዘይኮነስ፡ ብዙሕ ብግርህነት ዝርእዮን ዝሰምዖን፡ ኣእዳዉ ክሳብ ዝምለጥ ዘጣቕዕን፡ ጠጠው በልዎ እንዳበለ ዝድብልን ዝስዕስዕ’ውን ዝይሰእንን። ኣሎ’ውን፡ እዚ ዘይከሓድ ሓቂ’ዩ።

 

እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቕን ህሉው ኩነታት ሃገርና ዝሕብሮን ግን ካልእ’ዩ። እተን መስረት ቁጠባ ምንጻፍ፡ ኣንፈትና ከይሰሓትና፡ ኵናትን ግዳማዊ ተጻብኦታት፡ ማለት ንህዝቢ መሰሉ ንከይሓትት፡ ስልጣን ህ.ግ.ዲፍ. ፕ.ኢ.ኣ ከይትንከፍ፡ ጉዳይካ ባዕልና ኣለናልካ ንምባል ምዃኑ፡ ህዝቢ መታን ክሃድእ ፡ ማይ ክሃርመልና ሓቢርና ጸሎት ንግበር’ያ።

 

 

  ፕ.ኢ.ኣ ስርዓት ትሕዝቶ መሬት ንምቕያር ይብል ኣሎ። ህ.ግ.ዲ.ፍ መሬት ድዩ ከልምዕስ ወይ ትሕዝቶ መሬት’ዩ ነቲ ልምዓት ዓጊቱ ከም ዝጸንሐ ክበርህ ደሊዩ። ነዓይ እቲ ጉዳይ መሲሉ ከም ዝርኣየኒን ዝርድኣንን፡ እቲ ጉዳይ ናይ ምዕቡል ኣገባብ ናውቲ ማእቶትን፡ ነቕጽን መግዛእታዊ ጉዳይ ’ምበር፡ ጉዳይ ስርዓት ትሕዝቶ መሬት ኣይኮነን። ህዝብና በቲ ጸኒሓዊ ናውቲ ማእቶት ክጥቀም ምጽንሑን፡ ንሓንቲ ማእቶቱ ተጻብዩ ክረምቲ ምዃኑ’ምበር ናይ ስርዓት ትሕዝቶ መሬት ዘምጽኦ ጸገም ኣይኮነን። ሕጂ’ውን እንተዀነ ህ.ግ.ዲ.ፍ መሬት ንዝጸበቦ ሓረስታይ ኣብ ሰማይ ግራት ክህቦ ማለት ኣይኮነን። ኣብ’ዚ ክስምረሉ ዘለዎ ኣገዳሲ ጉዳይ፡ ስርዓት ትሕዝቶ መሬት ምቕያር ማለት፡ ብመጀመሪያ ነቲ ኣብ ካብ ጥንቲ ኣብ ትሕቲ ዓዲ ዝነበረ መሬት፡ ኣብ ትሕቲ ዋንነት መንግስቲ ቀይሩ፡ ቀስ ብቀስ ከኣ ነቲ ግራውትን ገደናን ገርሁትን፡ ኣብ ሓደ ጠቕሊሉ ሓንቲ ስድራ፡ ግራት ከም ዘይትውንን ገቢርካ፡ ስርዓት ትሕዝቶ መሬት ብምቕያር ናይ ዓዲ ዝነበረ መሬት ከም ወፍሪ ኣምሲልካ እቲ ስርዓት ህ.ግ.ዲፍ. ወላ ኣድሪት ትዝረኣላ መሬት ሃጊሩ፡ ንሓረስታይ ኤርትራ ናብ ሓደ ዓብይ ሃገራዊ ኢንዱስትሪያላዊ ሕርሻ ብምቕያር፡ ንህዝቢ ብዘይዋንነት ንምትራፉ ጥራሕ ዘይምዃኑ ተጸባይ ህ.ግ.ዲ.ፍ ክኸውን፡ ህ.ግ.ዲ.ፍ ብዝበሎ ጥራሕ ክምራሕ ናይ ምግባር ዝዓለመ’ዩ።

 

ሎሚ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ፡ እቲ ሓረስታይ ኤርትራ ባዕሉ ዝገብሮ ዝነበረ፡ ጕዕበረበረ፡ ኮሚደረ( ጸብሒ ኣቡን) ሽጕርቲ፡ ብሽም ሃገራዊ ኣገልግሎትን ሓምላይ ወፍሪ፡ ነጻ ጉልበት ኣብ ምዕራባዊ ቆላ ኤርትራ ዘፍርዮ ብዘይ ገለ ጎደል መኽሰብ ኣብ ኢድ ህ.ግ.ዲ.ፍ ዝኣቱ ምዃኑ ኩሉ ኣብ ኤርትራ ዘሎ፡ ኣብ ዕዳጋ ዘጓንፎ ዘሎ ክብሪ ናብራ ሓደ ምስክር’ዩ።

 

ደጊም በዚ ምቕይያር ስርዓት ትሕዝቶ መሬት ውጥን ህ.ግ.ዲ.ፍ ህዝቢ ኤርትራ ድርብ ውጽዓታት ኣብ ቕድሚኡ ከም ዘሎ ክስሕቶ የብሉን።

 

ቀዳማይ

 

ናይ’ቲ ካብ ጥንቲ ኣብ ትሕቲ ዝጸንሐ መሬት ዓዲ፡ ብዘይ ተሳትፎኡን፡ ብዘይ ድሌቱን ከም’ዚ ናይ ቅድሚ ሕጂ ክምንጠል ዝጸንሐ ቀሰይ እንዳበለ ኣብ ሙሉእ ኤርትራ ዝልሕም ጉዳይ ምዃኑ ዘየጠራጥር፡ ኣብ ኤርትራ ህ.ግ.ዲ.ፍ ክሳብ ዘለዉ መሬት ትውንን ዓዲ ወይ ግራተይ’ሉ ዝሓርስ ወዲ ዓዲ ክህሉ ከም ዘይክእል ፍሉጥ እንሃለወ፡ ነቲ ቀስ’ሉ ክዓብን ኣብ ኢድ ዋናታቱ እንዳሃለወ ብሰላም ሂወቱ ክምርሕ ናይ ዘለዎ ተኽእሎ ብምስባር፡ ብግድነት ኣብ ቍራዕ ህ.ግ.ዲ.ፍ ብዘይ ድሌቱ ኣትዩ በቲ ዝተባህሎ ጥራሕ ናይ ምዃድ እንተዘይኮይኑ መሰሉ ተነፊግዎ፡ ኩርዓት ሓረስቶት ዘይኮኑስ፡ ከም ኣብ ትሕቲ ባራቶሎን፡ ደናዳይን ብውርደት ዝናበሩ ዝነበሩ መሬቶም ዝተመንጠሎም ህርኩታት ሓረስቶ ኣገባብ ናብ ምቕያር ዝዓለመ’ዩ።

 

ካልኣይ

 

ሓረስታይ እታ ተድልዮ ስገም ትኹን ስርናይ፡ ጣፍ ትኹን ዳጉሻ፡ ሓሪሱ ስድርኡ ንምእላይ ዘለዎ ዕድል ጸቢብ’ዩ። ካብ ሕጂ ንደሓር በቲ ህ.ግ.ዲ.ፍ ዝውጥንዎ ናይ ሕርሻ ማእቶት ዕድል እንተረኺቡ ከም ሓደ ሰራሕተኛ ተቆጺሩ፡ ናብርኡ ብሸመታ ክመርሕን፡ ግዳይ ክብሪ ዕዳጋታትን ኮይኑ ክተርፍ ምዃኑ ጥራሕ’ዩ። ዝሙጉተሉ ማሕበር ዘይብሉ ናይ ዝመጸ ፖለቲካዊ ውሳኔ መተግበሪ ዓውዲ ኮይኑ’ዩ ዝተርፍ።

 

መብጽዓ 16 ዓመት ህ.ግ.ዲ.ፍ፡ ንህዝብና ደጊም ካብ ጥምየትን፡ ሕማምን ከናግፍዎ ከም ዘይክእሉ፡ ልክዕ እታ ብ1991 ዝተዘርበት ቃል ባዶ ትብል ክሳብ ሕጂ ትደጋገም ምህላዋ፡ ፕ.ኢ.ኣ ባእሉ ዝኣመነሉን፡ ኩነታት ህዝቢ ኤርትራ ድማ ከም ዘይተቐተረን፡ ናይ’ቲ ዝሓለፈ ክልተ ወለዶ ክሳራ ዘይኮነስ ሕጂ’ውን ብኣካይዳ ህ.ግ.ዲ.ፍ ክልተ ወለዶ ኣብ ኣስጋኢ ኩነታት ምህላው’ዩ ዘረደኣካ።

 

መደረ ፕ.ኢ.ኣ ብዛዕባ ፍርዳዊ ትካል ኣብ ኤርትራ፡ ብዛዕባ ማሕበራዊ ጉዳያት ዝሃቦ ጭቡጥ ነገር የልቦን። እቲ ተስፋታት ንሰርሕ ኣሎና ተጸበዩ ጥራሕ’ዩ። እቲ ተስፋታቶም ኣብ ተጸበዩ ጥራሕ ሓሊፉ።

 

ኣብ መወዳእታ ከይገለጽክዎ ክሓልፍ ዘይደሊ ሓደን ኣገዳስን ጉዳይ ኣሎ። እዚ ሶማልን ሱዳን ዝምልከት’ዩ። ፕ.ኢ.ኣ ይብል  “ ከም መደብ ተሰሪዑ’ዃ እንተነበረ፡ እዚ ምስ’ቲ ኣብ ዝተፈላልየ ግዜ ዝወሃብ ዝነበረ መግለጺታት ከም መቀጸልታ ናይ ዝሑል ኵናት ዞባና ገቢርና ንውሰዶ ይብል”።

 

ህ.ግ.ዲ.ፍ ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጎብለል ኮይኑ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ዓመት ክምሕክሓሉን ጉዳይ ህዝቡን ሃገሩን ኣረሳሲዖ ዝጸንሐ፡ ክንደይ ብዙሑን ውሑድን ዝተዛረበሉ ጉዳይ ሽምግልና፡ ኣብ ሕብረተ ሰብ ዓለም ንህ.ግ.ዲ.ፍ ከም ኣደ ሰላም፡ ኣደ ሓቂ ከጸውዕ ዝጸንሐ ቢሎም ዝዛረብሉ ህዝቢ ኤርትራ ሓንቲ ቃል’ኳ ንኽእሰምዕ ኣይተፈቐደሉን።

መቀጸልታ ናይ ዝሑል ኵናት ዞባና ገቢርና ንውሰዶ ይብል”። እዚ ማለት ንሕና ንጹሃት’ና ዝገበርናዮን ዝፈጸምናዮ የብልናን ከስምዕ ብመደብ ዝተሰርዐ’ዩ። ኣብ መደብ ንኸይስራዓ ዝተሰርዐ ከም ማለት ክንርድኦ የኽእለና

 

እወ፡ ሓቂ ዘይብሉ ነገር’ዩ፡ ምናልባሽ ጉዳይና እንተዀነ ከኣ ልዕሊ ማንም ጎረቤት ሃገር ብፍሉይ ንዓና ዘይብጽሓና ምዃኑ ዘብርሆ ሓቂ ህልዉ ውሽጣዊ ኩነታት ጥራሕ ምጥቃስ ኣኻሊ መብሪሂ’ዩ፡ ህ.ግ.ዲፍ.’ውን ብተወሳኺ ገቢርዮ ዝብሎ፡ ብዘይካ ንጃህራ ካልእ ከም ዘይነበረ፡ እንተነበረ ከኣ ንስልጣን ህ.ግ.ዲ.ፍ ዘመዓራሪ’ምበር ፈጽሙ ንህዝቢ ኤርትራ  ዘይርኢን ዘይምልከትን ጉዳይ ምንባሩ’ዩ።

 

መደምደምታ

 

ሰላም ዝደሊ ብሰላም’ዩ ዝሰርሕን ዝመላለስን፡ ናይ ሰላም መተግበሪ ጽፍዒት ኣይኮነን። ሰላም ናይ ፈራሓት መሳሪሒ ኣይኮነን። ሰላም ናይ ሓያላት መሳርሒ’ዩ። ሰላም ና ሃገራውን ህዝባውን ሓልዮት መሳርሒ’ዩ። ሰላም ናይ ንብረትን ሃገራዊ ሃብትን ሓልዮት መሳርሒ’ዩ።

 

ባህሊ ዝዕኑ፡ ንቡር ዘጥፍእ፡ ዘየሳትፍ ስርዓት ሰላም ክመጽንእን፡ ራህዋ ከተኣታቱ ኣይክእልን’ዩ። ቃና ናይ’ቲ ሰላምን ራህዋን እንተተዘሪጉ፡ ናይ’ቲ ህ.ግ.ዲ.ፍ ጥራሕ ሰላም ኮይኑ ዝርድኦን ዝርእዮን ሰላም እምበር ሓቐኛ ሰላም መላእ ህዝብን ሃገርን ክዕቆብ ከቶ ኣይክእልን። ሰላም ሃገር ብኩሉ ሃገራዊ’ዩ።

 

ክንዕወት’ና

23 ሓምለ 2007

 

ኣንቶንዮ ተስፋይ

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1201

Posted by on Jul 22 2007 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net