ብዒሎኹም መራሕቲ ኤርትራ

አጓብዝ ዓድታትና ቃርሳ ክጻወቱ ከለዉ ብዘይ ሸነኹ ንዝመጾም መቘራቚስቲ፣ ዒሎኻ ብምባል፣ ኢዱ ክሳብ ተዘዝ ዝብሎ ብጥወ ይቕርስምዎ፡፡ ብዘይ ግቡኡ ብምእታዉ ስርዐት ቃርሳ ይግህስ ስለ ዘሎ፤ ተልሜደን ተጻዋቲ ብተግሳጽ ምኩራት ዒሎኡ ከጽንዕ ይግድድዎ አለዉ ማለት’ዩ፡፡ አብዚ ንአይ ኣገዳስነት ዘለዎ ከአ፣ ተልሜደን ዓለውቲ ይኹኑ ምኩራቶም ቃርሳ፣ ማለት ጸወታ ቃርሳ ምዃኑ ዘንጊዖም አብ ሐድሕደ ምግታታር ምስ ዝበጽሑ ኢዩ፡፡ ቃርሳ ሸቶ (aim) አለዎ፤ ግና ንባዕሉ ሸቶ አይኰነን፡፡ ስለዚ እቲ ሸቶ ሓጎስ ኢዩ፡፡ ነዚ ምድብላቕ ግና ስርዐተ-ቃርሳ ጥራይ ዘይኰነ ዘብኵር፣ እምባጋሮ እውን ዘልዕል ጕዳይ ኢዩ፡፡ ሻቡ ከአ ቃርሳ ጥራይ አይኰነን ዝበኵር፤ ሓጎስ ጥራይ አይኰነን ዘየለ፤ ጕድአትን ሞትን እውን ከኸትል ይኽእል፡፡

አብ ፖለቲካውያን እሞኸአ በብዒሎኻ ዘይምጽዋት ዘስዕቦ ጕድአት ዓቢ’ዩ፡፡ ኣባትር ብጠበናጁ አብ ዝተተካአሉ፣ ደቂ 18 አብ ደቂ 50 (መሪሕነት) አብ ዝደየብሉ፣ ዓዲ ናብ ሃገርለኸ አብ ዝሰፍሐሉ ህሞት፣ ሳዕቤናት ጌጋታትና ናይ ሰማይን መሬትን ፍልልያት አለዎም፡፡ ፖለቲካውያን መራሕቲ ዓለውቲ (actors) ምዃኖም አብ ዝዘንግዕሉ ህሞት፣ ጕዳይ ሃገርን ህዝብን የሐምዱ፡፡ እቲ ዝኸፍአ መራሒ ከአ ግባሩ ገይሩ፣ ከም ድልየቱ እንተዘይረኸበ፣ መቚሰልቱ ናብ ወገኑ ዘንጻባርቕ’ዩ፡፡ ተራ ሰብ ስምዒታዊ (passionate) ክኸውን ሓላል’ዩ፤ መራሒ ግና ብስምዒት ክዋሳእ ሱልሱል አይኰነን፡፡ መራሕቲ ምስሎይ ህዝቢ (public figures) ኢዮም፤ ህዝቢ ከአ ምስኦም ዝቀባበለሉ ቋንቋ ካብቲ ንሐድሕዱ ዝዛረበሉ ዝተፈልየ ኢዩ፡፡ ከምቲ ደረስቲ “ንሕናን ዕላማናን” ዝገበርዎ፣ ከም ዝቘሰለ ዝራብዕ አንበሳ እንዳገዐርካ፣ ህዝቢ ግና በብእንዳኡን ሃይማኖትን ከይናቖት ምጽዋዕ ተጻይ ውጽኢት’ዩ ዘለዎ፡፡ ካብ መንጎና ሕልናኦም ጠቢሑ ዝርኢ የብልናን፡፡ እቲ አገዳሲ ከአ ህዝቢ ከመይ ይቕበሎ ኢዩ፡፡ ሰዐብቲ ደረቕ ቃላት መራሒ ዘይኰነስ ህይወት ዘለዎም ዘረባ ኢዮም ዝቘልቡ፡፡ ስለ ዝዀነ ከአ ተራ ህዝቢ ደረቕ ትርጉም መራሕቲ ዘውጽእዎም ቃላት አይኮኑን ዝርዳእ፤ የግዳስ ብአተናፍሳኦም፣ ምምጥልዖም፣ ጸለውታኦም፣ ጽውግታኦም፣ ፍሽኽታኦም፣ ሕጫጫኦም፣ ኮታ ኩሎም ምልክታዊ ቋንቋታቶም ኢዮም ዝውሰዱ፡፡ መራሒ አይትባአሱ ኢሉ እንተጸዊዑ ተፋለሱ ከም ማለቱ ክውሰድ ይኽእል ኢዩ፡፡ ሰዐብቲ ከይፋለሱ ዝሐሊ መራሒ ፍታሕ ሒዙ ኢዩ ዝመጽእ፡፡ ብዘተረፈ ድነ ባእሲ ፈጢርካ አይትጠምቱዎ ከም ምባል’ዩ ክቚጸር፡፡ አብ ምቅብባል (communication) ጸገም አሎ፤ ሰማዕትን መራሕትን ንቀባበል የሎናን፡፡

አብ ደምበ ተቓውሞ አብ ጉባኤ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን (ኤዲኪ) ዝተረኽበ ግርጭት ድሮ ኵላትና ሰሚናዮ አሎና፡፡ ካብኡ ዝመጸና ሓደራ ድማ ሐድሕድ ንኸይንፋለስ’ዩ፡፡ ግደ ሓቂ’ውን ብዝተካእሎም መጠን ክሳዕ ሕጂ ጨጓሩ ንውሽጢ ጌሮም ኢዮም ተዛሪቦም ዘለዉ፡፡ ይኹንእምበር ንህዝቢ መተካእታ ህግዲፍ ክንቅርብ ከም ዘይበቓዕና አርኢናዮ፡፡ ኤዲኪ ተፈንጪሉ ኢዩ፡፡ እቲ መሪሕነት ኪዳን ክሰማማዕ ካብ ዘይክእል ሓላፍነት ክወስድ ነይርዎ፡፡ ሓላፍነት ምውሳድ ከአ መዝነት ነናብ ውድብካ መሊስካ ካልኦት ኣባላት መሪሕነት ብሐድሽ ገጽ ክፍትኑ ዕድል ምሀብ ኢዩ፡፡ ካብዚ ወጻእ  ሓላፍነት ምውሳድ ባዶ ሃተውቀጠው’ዩ፡፡

ካብዚታት ነቒሎም ገለ ካድራትን ማአኽል መርበባትን ነናቶም ትርጉማት ወይ ተንታን አብቲ ኣብ ኤዲኪ ዝተረኽበ አሉታዊ ምዕባሌ ከቕርቡ ጸኒሖም፡፡ ብመሰረቱ ፍታሕ ምንዳይ ወይ ዝመስለካ ተንታን ምቕራብ መሰል ናይ ዜጋ ስለ ዝዀነ ሕሉውን ክቡሩን ኢዩ፡፡ ስጊንጥር ዝገብሮ ግና ንርእይቶኻ ከም ፍታሕ እንዳአጥዐዐምካ ንናይ ካልኦት ርእይቶ ከም ክድዐትን ተንበርካኽነትን ምቕማጥ ኢዩ፡፡ ርእይቶኻ ምሀብ ሓላልን ሓራምን ዝበሀል ነገር የብሉን፡፡ ዋላ ጕጉይ ርእይቶ ዘይርእይቶ አይኰነን፤ የግዳስ ርእይቶ ኢዩ፡፡ ህዝቢ እንተዘይዐሲልዎ ግና ብላሽ ኢዩ፡፡ አብ ውድባት ኪዳን ሰላማዊ ፖለቲካዊ መርሆ ቃልሲ ዝመረጻ አለዋ፡፡ ካልኦት ወተሀደራዊ ክንፊ ዘለወንን፣ ስርዐት ህግዲፍ ብዐመጽ ከውድቓ ዝዐለማን አለዋ፡፡ ገና ካልኦት ምስ አብ ኤርትራ ዝመጽእ ምዕባሌታት ክምለስ ንመጽናዕቲ ክፉት ዝገደፍኦ ውድባት አለዋ፡፡ እዚ ነናይ ውድባትና መርሆ ኢዩ፡፡ እቲ እስትራተጂ ከአ ንህግዲፍ ምውዳቕ ኢዩ፡፡ ሐንትስ ንስርዐት ህግዲፍ ዝቃለስ ድአ ይብዛሕ እምበር ዋላ ብጸሎት ይደግፍ፡፡ ወሸለ አብ ምልጋስ ህልዊ ስርዐት አስመራ ተሰማሚዕናስ አብ ርእሱባ አብ እንግድዕኡ ይወቓዕ ከባእስ ሓቂ ዘይብሉ ዘረባ ኢዩ፡፡ ድሐር አብ ገገሊኡስ ኣድጊ ዘይብሉስ በቕሊ እንዕቕ ይኸውን አሎ፡፡ ውድባትን ሓውሲ ውድባትን፣ ውዱብን ውልቀሰብን ደዋዊስና ማዕረ ክንሰርዕ አይንፈትን፡፡ ብሕርያ-ከልኢ (by elimination) ክንዛረብ እንተዀይኑ ነናትና ቦታታት ሕሉው ምዃኑ ርኡይ ኢዩ፡፡ ይኹን ድአምበር ሕጂ’ውን ናይ ዓወት እስትራተጂ ምስ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ዝተአሳሰረ ኢዩ፡፡ ስለ ዝዀነ ከአ ህዝቢ ክስዕብ ምስእንበቅዕ ጥራሕ ኢዩ ቁምነገሩ፡፡ ኵሉ በብናቱ ንሐድነት እንተወጢጡ ከውቂ’ዩ፡፡ ውድቀት አቋናጻቢ ኣተና (belittling attitude) አምሪሐ’ያ ትሰበለካ፡፡ በመሰረቱ ከአ ሕድሕድ ምቊንጻባት ዘእረገና ተመክሮ ስለ ዝዀነ በልዩ ኢዩ፡፡

አብዚ ንአይ መበገሲ ንምጽሐፍ ዝዀነኒ ነገር ከአ አብዚ ዝሐለፈ መዐልታት አብ ኤርትራና ዳት-ኮም፣ ካብኡ ናብኡ ከአ ብሐው ረዘነ ሃብተ፣ ዝቐረበ ርእይቶ ኢዩ፡፡ ማለት ክሳዕ ንሰራዊት ኢትዮጵያ አምሪሕካ ናይ ስርዐት ለውጢ አብ ኤርትራ ንምምጻእ ዝምጠጥ ጻውዒት ዳግም አንቢብና፡፡ በዚ ጻውዒት’ዚ ዝመጽእ ስርዐት ዝዀነ ክኸውን ይኽእል’ዩ፤ ህዝብና ብዘየድግፎን ዘይድህስሶን አገባብ ይመጽእ ስለ ዘሎ ግና ሳዕቤናቱ ካብ ብርሰታት ስርዐት ህግዲፍ ዝባአሰ ክኸውን ተኽእሎ አሎ፡፡ ንባዕልኻ አብ ጣቓ ዝተዐፈነ መርሆ ተሰግሲግካ ሰራዊት ዓደማትካ እንዳዐደምካ፣ ንካልኦት ውድባት ንጹር ራኢ ዘይብለን እናበልካ ምዝራብ ብሐቂ ጣቋ ዘለዎ ነገር አይኰነን፡፡ ኢትዮጵያ ይኹን ካልእ ጎረቤት ጥቕሙ አብ ዘለዎ ዝምድና ክሰርዕ መሰሉ’ዩ፡፡ ንሕና ከአ ናትና፣ ማለት ንአና መዐላን ሰላምን ዘምጽእ ጥቕምታትና ነማዕዱ፡፡ ኵላትና፣ ማለት ንሳታቶምን ንሕናን እንተኰነ’ውን ካብዚ ናይ ምስጢርን ምምስጣርን ርኽክባት ርሒቕና ኣህዛብና ዝርድኦን ዝስዕቦን መርሆታት ክንክተል ሓላፍነትና ኢዩ፡፡ ብዝተረፈ፣ ወጻኢ ካብ ተሳትፎን ድጋፍን ህዝብና ዝመጽእ ለውጢ፣ ንመን ዝዐብስ ኢዩ?!! እምበአር አቶ ረዘነ’ውን ብዒሎኻ!

እሞ ታሪኽ አባላሽና ከይንሐልፍ፣ ክኔው ውድድራትናን ኣቛራጭ-ቃልስን አርሒቕና ነማዕዱ፡፡ ቋንቋ ህዝቢ እዝኒ ንግበረሉ፤ እቲ ዓቢ ስእሊ ከአ ንርአ፡፡ አብ መሰረታዊ ዕላማታት ንኵሉ ተቓላሲ ዓቕሚ ኤርትራ ጸሚድና ንዘላቒ ፍታሕ ነቀላጥፍ፡፡

ንሎሚ ከአ በቲ ተበጺሑ ዘሎ ክንፍታት (blocs) ተማእዚዝና ብቃልስና ነቲ ዘሎ ፍልልያት ክንስዕሮ ንጽዐር፡፡ ማለት ነቲ ነናትና ክንፊ አብ ውድብ ንቐይሮ፣ ስዒቡ ከአ ነቲ ክንፍታት አብ ሐደ ናይ ተቓውሞ ክንፊ ከነምጽኦ ንጽዐድ፡፡

ቃልሲ ናቱ ታሪኻዊ ጕዕዞ አለዎ፤ አብ ጉዕዞ ከአ ቡሶላኡ ከበርህ’ዩ!

ተክልሰንበት ተኽላይ

Germany, April 7, 2007

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1203

Posted by on Aug 7 2007 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net