“ዋዕላ ብራስለስን ድቡቕ ፖለቲካዊ ኣንፈቱን ኣመኻኽትኡን” ብጊላይ ቃሉ /ወዲ-ቃሉ/ ሳልሳይ ክፋል

2.ተራ ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ኣብዚ ዝጸንሐ ኣዛራቢ ፖለቲካ፡

ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን እቲ ፈላላይን ጎዛዛይን ምስጢራዊ ዕድመን፡ ምስታፍ ናብ ዋዕላ ብራስለስ ምስ ተሰምዐ ቅድሚ ዋዕላ ምግብኡ፡ ንሕጅን ንመጻእን ኣብ ተቓለስቲ ሓይልታት ደምበ-ተቓውሞን፡ ሃገራዊ ሓድነትናን ዝህልዎ ኣሉታዊ ሳዕቤን ኣነጺሩ ብዕትበት ሓባርን፡ ሓጋዝን መግለጺ ብምውጽኡ፡ ከም ሰፊሕ ሃገራዊ ግንባር መጠን ካብኡ ዝጥለብ ተራ ተጻዊቱ እዩ በሃላይ እየ። ከመይ’ሲ እቲ ዝእለም ዝነበረ ዘይሓጋዚ ውጥንን፡ ሓደግኡን፡ ዘይተገንዘበን ዘይፈለጠን ዝነበረ ሓፋሽ ተቓላሳይ ህዝብን ኣባላት ተቓወምቲ ውድባትን፡ ካልኦት ኣብ ደምበ-ተቓውሞ ዝርከቡ ወገናትን ክፈልጡን፡ ፈሊጦም ነቲ ሓደጋ ክምክቱ፡ ተሳትፎኦም ከበርክቱን ኣብ ምግባር ኣወንታዊ ተርኡ ተጻዊቱ እዩ። በቲ ካልእ ገጽ ድማ ዋናታትን፡ ደገፍትን፡ መሳለጥያታትን ናይ’ዚ ዕማም እዝን መጻኢ ዕላምኦም ክፍለጥን፡ ነዞም በዓል-ቤት ናይ’ቲ ገዳይ ዝኾኑ ሽጣርኦም ተኸሽሑ ብኸምቲ ዝሓሰብዎ /ንግዚኡ/ ከይዕወቱን፡ ተለኣኣኽቶም መኣዝኖም ጠፊእዎም ክሓፍሩን ኣብ ናይ ፍሽለት ታኼላ ኣትዮም ክጽገሙ ኣኽኢሉ’ዩ።

ብሓፈሽኡ ተራ ናይ ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ኣብዚ ተርእዮዚ ዝተጻወቶ ተራ ክረአ እንከሎ ኣወንታዊ’ዩ ነይሩ በሃላ’የ። እዚ ኣወንታዊ ተራ ከም ዘለዎ ኮይኑ ግን፡ እዚ ተርእዮ’ዚ ንህዝባዊ ቃልስናን ተቓለስቲ ህዝብናን ውድባቱን ካብ ምትንካፍ ሓሊፉ ንኤ.ዲ.ኪ. ግንባራዊ ሓድነቱን ስነ-ስርዓታዊ ኣካይዳኡን መምርሒኡን ብቐጥታን ብቐንድን ዝተንከፈ ስለ ዝኾነ ነዚ ጸገምዚ ቀዳምነት ሂቡ ሓላፍነታዊ ብሱል ገምጋም ብምግባር ቀልጢፉ ክፈትሖን መዕለቢ ክገብረሉን ክሳብ ሕጂ ዘይምፍታኑ ግን ኣብቲ ነገር ምፍታሕ ክሕግዝ ዝኽእል ሓይልን ኩነታትን ኣብ ምፍጣር ናይ ገዛእ ርእሱ ድኹም ጎኒ ጸይሩ ይኸይድ ምህላው ብድኽመት ዝግለጽ’ዩ።

ምኽንያቱ እቲ ክእለ ዝግበኦ ጉዳይ ብቕልጡፍ መዕለቢ /መፍትሒ/ ብዘይምርካቡ ግጉይን ቅኑዕን ብማዕረ /ንቕድሚት እንታይ ይኸውን ካልእ ነገር ኮይኑ/ ብዘይሓታትን ተቖጻጻርን ክዋስእሉ ዝሕግዝ ኩነታት ሰፊኑ ብምህላው’ዩ። እዚ ከኣ ከምቲ “ናይ ዕዳጋ ዕግርግር ንሰራቒ ይምችእ” ዝበሃል ነዚ ነጻን ሕቡእ መድረኽ መርበብ እንተርኔታት ብምጥቃም ዝሪአ ዘሎ ከንቱ ናይ ምድንጋር ፈተናታት መሊኡ ክፈሽል ክውገድን ዝተኽእለ ኣይኮነን ዘሎ። ስለዝኾነ ኤ.ዲ.ኪ ነዚ ዘጋጥም ዘሎ ዓንቃፊ ተርእዮታትን፡ ካልኦት ውሽጣዊ ጸገማቱን ድኽመታቱ ርእዩ ከወግደሉን ከም ግንባር ሓድነቱን ብቕዓቱን ኣደልዲሉ ካብኡ ዝጥለብ ናይ ቃልሲ ጠለባት ንምምላሽ ክበቅዕ ነብሱን ስራሓቱን ዝግምግመሉን ዝእረም ኣሪሙ ዝመሓየሽ ኣመሓይሹ ክሰርሕን ክቃለስን ዘኽእሎ ኣገደስቲ ኣኼባታት ብምግባር ክሰርሕ ይግበኦ ይብል። ምኽንያቱ ግዜ ብምጥቃም  ክነጥፍ እንተዘይክኢሉ ወይ ናይ ምጉታት መስርሕ ክኽተል ዝግደድ እንተደኣ ኮይኑ፡ ኣብ ኩሉ ስራሓቱን፡ ውሽጣዊ ስጥመቱን ከምቲ ዝድለ ኣድማዒ ክኸውን ስለዘይክእል፡ ስለዝኾነ ንዘውጸኦ መግለጺ መብርሂ ምሃብ ኣገዳሲ’ኳ እንተኾነ ከብ’ዚ ሓሊፉ ናብ ቀንዲ ግንባራዊ ዕማማት ምትግባር ከተኩር’ዩ ዝግባእ።

3.ተራ ዝተፈላላየ ውድባት ኣባላት ኤ.ዲ.ኪ. ይኹና ኣባላት ዘይኮና፡-

ኣብዚ ከካትዕ ዝወረሐ ዘይሓጋዚ ፖለቲካዊ ተረኽቦዚ ተቓወምቲ ውድባት /ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ከም ኣካል/ ገዲፍካ እዚ ተረኽቦ’ዚ ንህዝባዊ ቃልስና ዘለዎ ሃሰያ ኣመልኪተን ኣገዳሲ ሓበሬታን ርእይቶን ዕጥቂ ናይ ቃልሲ ብወግዕን ብግሉጽነትን ክህባ ዘይምብቃዐን ብወገነይ ብዓይኒ ናይ ቃልሲ ሓላፍነት ክመዝኖን ክጥምቶን ከለኹ ናይ ግቡእ ኣበርክቶ ብኩራት  ዝመስለኒ። ምኽንያቱ እዘን ውድባት እዚኣተን ከም ናይ ፖለቲካ ውድባት መጠን ኣብ ናይ ቃልሲ ዕላማ ተሓንጊጠን ንህዝቢ ከንቀሓን ክውድባን ብኣብነት ኣብ ቅድሚት ብምዃን ክመርሓን፡ ኣብ መስርሕ ቃልሲ ዘጋጥሙ ዕንቅፋታት፡ ዘይቅኑዓት ሓሳባትን፡ ፖለቲካዊ ምዕብልናታት ኣመልኪተን ግሉጽ መርገጺ ብምሓዝ ዓቲበን ቃልሲ ከካይዳ ዝግበአን ክነሰን፡  እዚ ናይ ቃልሲ ሓላፍነት ግቡአን ክፍጽማ መሪሕ ጊደኤን ከርእያን ኣይፈተናን ኣይበቕዓን። ስለ ዝኾነ እዚ ናይ ቃልሲ ግቡእን ሓላፍነትን’ዚ ብትኹረት ክሪእየኦን ንምፍጻሙ ክጽዕታን ይግበአን ነይሩ ይብል ብወገነይ።

ምናልባት እዘን ውድባት ነቲ ብኤ.ዲ.ኪ. ዝወጸ መግለጺ ከም እኹልን ጠቓምን ገይረን ብምርኣይ፡ ከምኡ’ውን ነቲ ኣብ እንተርኔታትን ፓልቶክ ኦፍ ሩምስ ብናይ ብርዒ ስም ብደረጃ ውልቀታት ክካየድ ዝጸንሐን ገና ዘየቋረጸ ዘሎን ብሰላማዊ ፖለቲካዊ ኲናት ክግለጽ ዝከኣል ፖለቲካዊ መኸተታት “የድምዕ ኣሎ” ብምባል ኣገንዝቦ ብምውሳድ ብግልጺ ክነጥፍሉ ዘይከኣሉ ክኾኑ ይኽእሉ። ይኹን ደኣምበር እቲ ብደረጃ ውልቀታት ብናይ ብርዒ ስም ብሑቡእ ኣብ መርበብ ኢንተርነታት ዝካየድ ፖለቲካዊ መኸተን ቃልስን ንፖለቲካዊ ነገራት ኣብ ምጥቃም ይኹን ምሕባር፡ ምምካት ይኹን ምቅላዕ ጠቓሚ ፖለቲካዊ ፋይዳ/ኣበርክቶ/ ዝህብ’ኳ እንተኾነ ብኸምዚ ኣገባብ ጥራሕ ብምጥቃም ምቅላስ ግን ብዓይኒ ግሉጽን እሩምን ውደባ ናይ ቃልስን ኣብ ቃልሲ ከዕስሎም ዘለዎም ተቓለስቲ ኣካላት ኣብ ምስታፍን ምንቅስቓስን ዝህልዎም ቦታን ኣበርክቶን ግን ኣዝዩ ትሑትን ቀጻልነት ዘይብሉን ካብ ዝተወሰነ ዕማም ምግልጋል ዝሓልፍ ኣይኮነን። ኣብ መርሕ ህዝባዊ ቃልሲ ንዘጋጥሙ ጸገማትን ብደሆታትን ድማ ናይ ብርዒ ስም ብምጥቃም ብምስጢር ሕቡእን ኣገባብ ዝቃልዑ ዝእለዩ  ወይ ንዓኣቶም ብምስጋር ናብ ካልእ ርህውን ምቹእን ናይ ቃልሲ መድረኽ ምስግጋር ዘተኣማምን ብሕታዊ ሜላ ናይ ቃልሲ ተገይሩ ዝውሰድ ኣይኮነን።

ስለዝኾነ ድማ’ዩ እቲ ሃንደበት ዝመስል ግን ከኣ ዘይኮነ ናጤባ ፖለቲካዊ ተርእዮ ንምምካት ክካይድ

ዝጸንሐ ቃልሲ ነቲ ኣንፈትን ትርጉምን ናይ’ቲ ጉዳይ ኣብ ምቅላዕን ብኡ መጠን ዘመሓላልፎ ዘሎ ናይ ቃልሲ መጠንቀቅታታትን ዘይነዓቕን ድጉፉን’ኳ እንተኾነ፡ ኣብኡን ኣብኡን ጥራሕ ብምሽካል ንኻልእ መሰረታዊ ህዝባዊ ቃልስና ዘወንዝፍ ወይ ዝኾልፍ ደረጃ ዝረአ መንፈስን ንጥፈታትን ክንጠፍ ብምጽንሑን ብምህላውን ግን ናይ ገዛእ ርእሱ ኣሉታዊ ጎኒ ኣለዎ’ዩ።

ብዛዕባ እዘን ውድባት ኣብቲ ዋዕላ ብራስለስ ዝፈጠሮ ፖለቲካ ብዝያዳ ተሓጺረን እሞኸኣ ብደረጃ ውልቀታት ብስውር ብናይ ብርዒ ስም ብምጥቃም ክካይድ ዝጸንሐን ገና ዘየቋረጸን ፖለቲካዊ ቁርቁስ ምሽካለን ኣመልኪትና ሕድሕድ ምስ መሓዙተይ ኣብ ነዕልለሉ ግዜ፡ ገለ መሓዙተይ “እዘን ውድባት ነቲ ብወጠንቲ ዋዕላ ብራስለስን ተዓደምቲ ኣካላትን ዝተፈጸመ ፖለቲካዊ ወስታ ብግልጺ ኣልዒለን መርገጺአን ከየነጽራን ነቲ ቃልስን ተቓለስቲ ሓይልታትን ዝህልዎ ኣሉታዊ ሳዕቤን ኣመልኪተን ብግልጺ ከይምህራን ከየቃልዓን፡ ምስተን ዋናታት ውጥን ዝኾና ሃገራት /ኤውሮጳዊ ሕብረትን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን/  እዘን ሃገራት እዚኣተን ኣብ ዓለምና ሓያላትን ተሰማዕትን ስለ ዝኾና ምስኣተን ኣብ ዘየድሊ ምስሕሓብ ንዘይምእታው፡ ከምኡ’ውን ምስ’ቶም ሓይሊ ዕማምን ተዓደምቲ ዝኾኑ ባእታትን፡ ተወከልቲ ውድባትን ኣብ ዘየድሊ ምስሕሓብን ምቅርሓንን ንከይፍጠር ክብላ ዝተኸተልኦ ሜላ ስለ ዝኾነ ቅኑዕ’ዩ ዝብል ርእይቶ ክወሃብ ጸኒሑ’ዩ።

ብወገነይ ግን እቲ ዝተወስደ ናይ ሌላን ጉሌላን ፖለቲካዊ ዕድመ ዘይቅኑዕነቱን ኣሉታዊ ኣሰር ናይ ምሕዳግ ባህሪያቱን ኣመልኪተን ነተን በዓል ቤት ናይ’ቲ ጉዳይ ዝኾና ኣባላት ከየነጻጸርካ እሩምን ሓላፍነታውን ኣገባብ ኣይጠቅምን’ዩ ንዝበልካዮ ነገር ንቓልሲ ዘለዎ ኣሉታዊ ጽልዋ ኣመልኪትካ ምቅላስ ተመራጺ’ምበር ኣጸጋሚ’ዩ ኣይብልን። እቲ ዝበለጸ ነገር ውድባትና ንህዝባዊ ቃልስናን ተቓለስቲ ሓይልታቱን ዘይሕግዝ ብኣንጻሩ ብኣሉታ ዝጸሉ ተረኽቦ ምስ ዘጋጥም ንዋናታት ናይ’ቲ ነገር ጌጋን ዘይጠቅምን ምዃኑ ብብሱልን ጥንቁቑን ዲፕሎማስያዊ ቃልሲ ከረዳኣን ከቐይራኦ ክጽዕራን ደኣ ይግባእ ‘ምበር ብስክፍታን ካልእን ክገብርኦ ዝግበአን ግቡኣት ካብ ምግባር ክቦኽራ ኣይግበአንን።

ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን 5/11/2009 ዝጸሓፎ ደብዳቤ ኣብቲ ፖለቲካዊ ተረኽቦ ኣመልኪቱ ናብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ዝጸሓፎ ትሕዝቶ ጽቡቕ’ኳ እንተኾነ ኣብኡ ጥራሕ ግን ክድረት ዝግባእ ኣይነበሮን። ንዕኡ መሰረት ገይሩ ነቶም ዝምልከቶም ኣካላት ብቐረባ ረኺቡ መርገጺኡን እምነቱን ከብርሃሎምን ቀጻሊ ዲፕሎማስያዊ ስራሓት ከካይድ ዝግበኦ’ዩ ዝመስለኒ። ካብዚ ወጻኢ ከይብሉኒ ከይቕየሙኒ ካብአተን ክርከብ ዝከኣል ዲፕሎማስያዊ ይኹን ካልእ ደገፋት ከየስእነና ..ወዘተ ብምባል ስቕታን ምልስላስን ምምራጽ እንተደኣ ሃይልዩ ግን፡ ከይዱ ከይዱ ጽግዕተኛ መንፈስ ዝፈጥር፡ ርእሰ ነጻነት ዘህስስ መንፈስን ኩነታትን ክሰፍን ዝዕድም እዩ ዝኸውን። እዚ ድማ ዘዋጽእ ኣይኮነን። ኣብቲ ውድባት ብዛዕባ’ዚ ዝተፈጥረ ዘይሓጋዚ ፖለቲካዊ ምዕብልና ኣመልኪተን መርገጺኤን ኣረጋጊጸን ብግልጺ ክነጥፋ እንተጀሚረን፡ ምስተን ነቲ ዘይቅኑዕ መልአኽቲ ዋዕላ ብራስለስ ዝተቐበላ ውድባት ከይቅየመአን ኣብ ዘየድሊ ምስሕሓብ ከይኣትዋ ዝመረጽኦ መርጋጽን ኣካይዳን ስለዝኾነ ጽቡቕ እዩ ዝብል ርእይቶ ብመሰረተ ሓሳቡ ግጉይ እዩ።

ጌጋ ተፈጺሙ እዩ፡ ሳዕቤኑ ኸኣ ንቓልስናን ተቓለስትናን ዕንቕፋት ዝፈጥርን ሃሳይን እዩ ኢልካ ዝረኣኻዮ ተርእዮ፡ ካብ ናይ ዋናታቱ ኩራን ምቕሕሓርን ሰጊእካ፡ ብኣገባብን ኣብ እዋኑን ከይተቓለስካዮ ክትድንጉን፡ ትሑት ግምት ሂብካ ዘይክትነጥፈሉን እንተድኣ ኮይንካ ነቲ ቓልሲ ሓደገኛ ስለዝኾነ ብዓይኒ ህዝባዊ ቓልስን ዕላማን፡ ጌጋን ኣግዳዕን እዩ። ሰባት ከይቁጡዑን ዝተወሰነ ዕንቕፋታት ኣብቲ ቃልሲ ከይፈጥሩልካ ክትብል፡ ግቡእካ ካብ ምብርካት ማሕለኻ ዝፈጥር እዩ። ከምዚ ዓይነት ኣካይዳ’ከኣ ከይዱ ከይዱ ኣብ’ቲ ቃልሲ ኣሉታዊ ኣሰር ዝፈጥር ስለዝኾነ፡ ካብ ንሓፍነትን ስክፍታን ተገላጊልካ፡ እሩም ናይ ቃልሲ ኣንፈት ምኽታል ምቅላስ እዩ ዘዋጽእ። እቲ ዝድለ ኣብቲ ሃሳዩ እዩ ዝብሃል ሓሳብ /ነገር/ ትኹረት ተዋሂቡዎ ምስራሕ እዩ። ንዋናታቱ ብእሩም ኣገባብ ምርዳእን ሓሳቦም ክልዉጡን ክእሩሙን ምሕጋዝን፡ ምትብባዕን ብሓደ ገጽ፡ በቲ ካልእ ገጽ ድማ እቲ ዓንቃፊ ተራ ዘለዎ ፖለቲካዊ ነገር ክዉገድ ምቅላስን እዩ። ስለዝኾነ ኣብቲ መስርሕ ኣብ ክሊ’ዚ ነጥቢ’ዚ ከጋጥም ንዝኽእል ዕንቕፋት፡ ዘይጽቡቕ /ዘይእሩም/ ርእይቶታት….ወዘተ ብምስጋእ፡ ነቲ ህዝባዊ ቃልስና ዝጠቅም ናይ ቃልሲ ተራ ካብ ምብርካት ድሕር ክንብል ኣይግባእን በሃላይ እየ። ምኽንያቱ ብኸምዚ ኣገባብ ክንቃለስ ዘይንኽእል እንተዳኣ ኮይና፡ ንህዝባዊ ቃልስና ንዝተፈላለዩ ሓደጋታት ምስጣሕን፡ ናብ ናይ ተጸባይነትን ጽግዕተኛነት መንፈስን ስነምግባርን ምቅላዕን ርእሰ-ናጻነትና ምጥፋእን እዩ ዘስዕብ።

ስለዚ ከምቲ “ ሕልሚ ፈሪሕካ ከይደቀስካ ነይሕደር” ዝብሃል ምስላ፡ ጸገማት ከየጋጥሙኒ ኢልካ ካብ ክግበሩ ዝግብኦም ናይ ዕላማ ስርሓት ምቑጣብ ምዝሓል፡ ነቲ ዕላማ ኣብ ምዕዋት ዘለዎ ጎዶሎ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ንኽእረሙ ዝግብኦም ሓሳባት፡ ባእታታት’ውን ዘይሕግዝ ስለዝኾነ ንሓፍነት ኣብ ቃልስን ተቓለስትን ክዉገድ ዝግብኦ ሓበላ ናይ ቃልሲ እዩ። ኣብ ርእሲ’ዚ ብወገነይ ከም ዘይቅኑዕን ዘይሓጋዝን መንፈስን፡ ተረድኦን ገይረ ዝወስዶ፡ ኣብዚ ግዜ’ዚ ካብ ኤ.ዲ.ኪ. ወጻኢ ዝርከቡ መራሕቲ ውድባትን ሰልፍታትን ጉጅለታትን ንድኽመት ኤ.ዲ.ኪ. ብሓፈሻ ብምጥቃም፡ ነዚ ከዛርብ ዝጸንሐ ፖለቲካዊ ጉዳይ ፈጢሩዎ ዘሎ ገና መሊኡ ዘይተማእዘነ መንፈስ ድማ ብፍላይ፡ ከም ጽቡቕ ኣጋጣሚ ብምርኣይ “ ኤ.ዲ.ኪ. ኩሉ ግዜ ድኹም እዩ ስለዝኾነ እዞም ካብ ኤ.ዲ.ኪ. ወጻኢ ዘለና ውድባት ተራኺብና ናይ ገዛእ ርእስና ምጥርናፍ /ግንባር/ ዘይንምስርት” ዝብል ርእይቶ ሒዞም ሕቱኽቱኽ ክብሉ ምራኣይ የገርም እዩ።

ምኽንያቱ እዞም መራሕቲ ውድባትን ምንቅስቓሳትን እዚኣቶም ኣብ ክንዲ እቲ ሓቢሩ ከቃለስ ዝኽእል ተወጢኑ ኣብ መስርሕ ምስልሳል ዝርከብ ዘሎ ምግባእ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ብምድጋፍ፡ ሓደን ዝተወሃሃደን ሃገራዊ ዓቕሚ ምርግጋጽ ክብቃዕ ፡ሃገራዊ እጃም ዘበርኽቱ ኣብ ኤ.ዲ.ኪ. ብዝተፈላለያ ምኽንያታትን ራቛሒታትን፡ ብኣባልነት ብዘይምህላዎምን ካልእ ምኽንያትን መበገሲ ብምግባር፡ ይግበርዎ ኣይግበርዎ ካልእ ኮይኑ በተሓሳስባ ደረጃ ክርአ ከሎ፡ ወላ’ካ ብዝደለይዎ መልክዕ ክዉደቡን፡ ምስ ዝመረጽዎ ውድባት ክመሓዘዉን መሰሎም እንተኾነ፡ ኣብ ጉድለት ናይ ካልእ ተሰሪትካ ክትነሓናሕ፡ ናይ ምስግጋር ፖለቲካ ከተካይድ ምድላይን ግን፡ ብወገነይ ዘይቅኑዕን ዘይድገፍን እዩ። ስለዝኾነ እዞም ከምዚ ዓይነት ሓሳብ ኣብ ምንጥጣፍ ዝርከቡ ዘለዉ መራሕቲ ውድባት “ካብ ናይ በይንና ምትእኽኻብ ፈጢርና ክንወዳደር ኣለና” ዝብል ዘይሓጋዚ ባህጊ ተናጊፎም፡ ነቲ ንኹሉ ተቓዋሚ ሓይሊ ክጥርንፍን ከወሃህድን ዝኽእል ብኤ.ዲ.ኪ.ን ግዱሳት ተቓለስቲ ስቪካዊያን ማሕበራትን….ወዘተ ንክጋባእ ኣብ መስርሕ ዘሎ መደብ፡ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ምዕዋት ተርኦም ክጻወቱ፡ ንኹሉ ተቓዋሚ ሓይልን ህዝባዊ ቃልስና ጠቓሚ ስለዝኾነ፡ ክሓስብሉን ብተግባር ተሳትፎኦም ከረጋግጹን ኣለዎም በሃላይ እየ።

ራብዓይ ክፋል ይቕጽል

Short URL: https://english.farajat.net/?p=122

Posted by on Dec 24 2009 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net