የቐንየለይ ፕረሲደንት እሞ ሕጂ ግደይ ዶ ክዛረብ ! ግርም ፡

ፕረሲደንት ኢሰያስ ኣፈውርቂ ኣብ’ቲ ንህዝቢ ብመራኸቢ መደብ ተለቪዥዮን ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ብዙሕ ህዝቢ ርእይዎ፡ ብዙሓት በቲ ጉዳይ’ውን ክዛረቡ ሰሚዔ። እንተዀነ በቲ ጉዳይ ኣልዒሎም ዝዛረቡ ዝተፈላልየ ርእይቶን ሓሳብን ዘለዎም’ኳ እንተዀኑ፡ መብዛሕትኡም ንዝጸንሐን ዘሎን ኣካይዳ ህ.ግ.ዲ.ፍ ብዓይኒ ከቢድ ፖለቲካዊ ነቕፌታ ዝርእይዎ ኮይኖም፡ እቶም ውሑዳት ደገፍ ዝህቡ ከኣ፡ ካብ’ታ ኣብ መደብ ፈነወ ቲቪ ዝተፈነወት ቃል ብቃል ፕ.ኢሰያስ ኣፈወርቂ ዝተዛረቦ ለውጢ ወይ ምቕይያር ቃላት ዘይብለን ኮይኑ ትረኽቦ። እዚ ከኣ ናይ ባህ ኣይበል ወይ ዕውር ደገፍ ምዃኑ ካብ ዘርድእ ሓደ’ዩ።

 

ጽቡቕ’ዩ፡ ብመሰረቱ ብዙሓት ብጉዳይ ሃገሮም ክዛረቡ ምኽኣሎም ዘጽልእ ኣይኮነን። እዚ ዕድል ዝረኽበ ግን እቲ ካብ ማሕለኻ ህ.ግ.ዲ.ፍ ዝወጸ ዜጋ ጥራሕ’ዩ። እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ክሳብ ሕጂ ከም’ዚ ዕድል ኣየጋጠሞን ዘሎ። ብዝዀነ እቶም ንህ.ግ.ዲ.ፍ ዝድግፉ’ውን፡ ምስ’ቲ ስርዓት ብዝዀነ ይኹን ዝምድና ዘይብሎም ተባህለ’ሎም ንስለ ዘረባ ዝዛረቡ’ምበር ጥቕዋት ኣይኮኑን። ገገለ ግዜ ንህ.ግ.ዲ.ፍ ንድግፍን ንሕግዝን ኣሎና ብማለት ዝዛረብዎ ክትሰምዕ እንከሎኻ ይረፍ ነቲ ዝቋወምስ ንህ.ግ.ዲ.ፍ ባዕላቶም ቅጭ ከም ዘምጻኣሎምን ዝሕርቆምንስ ፍሉጥ’ዩ።

 

ኣብ ዘረባይ ክምለስ፡ እቲ ቃል መሕተት ነዊሕ ግዜ ዝወሰደ ስለ ዝዀነ ብሙሉኡ ኣብ’ቲ ጉዳይ ክጽሕፍ፡ መህለኺ ግዜን መሰልቸውን ስለ ዝዀነ ኣብ’ቲ ዓበይቲ ጉዳያት ኣልዒለ ብወገነይ ሓሳባተይ ከቅርብ ምፈተንኩ።

 

ብቀዳምነት እዚ መልእክቲ ንዝህቢ ኤርትራ ዘቕነዐ ብፍላይ ከኣ፡ ድሕሪ’ዚ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ብዛዕባ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ወሲደምዎ ዘለዉ ስጉምቲ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ’ቲ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳኸፍአ ዝኽየድ ዘሎ ናይ ዲፕሎማሲያዊ፡ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊ ዝምድናታት ክልቲኤን መንግስታት ምዝሕታል’ዩ።

 

ፕ. ኢሰያስ ኣፈውርቂ ኣብ’ቲ ንህዝቢ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ብጥሙር ክረአ እንከሎ፡ ብቀንዱ ኣብ ክሊ’ቲ ናይ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊ፡ ሓይልን ስልጣን መንግስታት፡ ኣብ ኣህጉራዊ ፍትሕን ሰላምን ዘጠቃለል ኮይኑ ትረኽቦ።

 

ጸኒሐ ኣብ’ቲ ቀንዲ ጉዳይ ክሳብ ዝምለስ፡ እቲ ኣብ መንጎ ህ.ግ.ዲ.ፍ መንግስቲ ኣሜሪካን ዘሎ ምስሕሓባት ኣብ’ዚ ኣወንዚፈ፡ ገገለ ካብ’ቲ ፕ. ኢሰያስ ኣፈውርቂ ዝተዛረቦ ጉዳያት ኣልዒለ ምናልባሽ ምናልባሽ ካብ’ቲ ዝውሕዝ ዘሎ ሕቶታት መልሲ ክርከበሉ ይኽእል’ዩ ዝብል እምነት ኣሎኒ። ብውሑዱ ኣብ’ቲ ዓበይቲ ጉዳያት ከይተሰጋገርና ነዘን ዝስዕባ ጉዳያት ኣልዒልና መልሲ ክንረክብ ንኽእል።

 

  1. 1.      ቆልዓ፡ ሰበይቲ ትኹን ሰብኣይ ኩሉ ተቃውምኡ ንመንግስቲ ኣሜሪካ ከስምዕ ኣለዎ
  2. 2.      ንሕና ንኣሜርካ ክንቃወም እንከሎና፡ ከም ደገፍ ክቆጽርዎ ይግባእ፡
  3. 3.      ንሓደ መንግስቲ ወይ መራሒ እንዳተጋገየ ክተጣቓዓሉ ግጉይ’የ ዝብሎ
  4. 4.      ኣሜሪካ ንዓና ከም ህዝቢ ክፈላልዩና’ዮም ዝጽዕሩ
  5. 5.      ዲሞክራሲ ኣብ ገዝኦም እንተዝፍትንዎ ምሓሸ ነይሩ

 

ቀዳማይ ክፋል

 

1 

ሓደ መንስግቲ ንህዝቡ ዘይኸበረን፡  ንህዝቡ ዘይሰምዔን፡ ብኻልኦት መንግስታት ክስማዕ ምጕት ምቕራብ ዘረባ ሓቅን፡ ግደ ሓቕን ኣይብሎን’የ። ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ኣብ መደብ ስልጣን ብኽመይ ከም ዝመጸን፡ ብኸመይ ከም ዝጸንሐን ብኸመይ ክቅጽል ከም ዝደሊ ይፈልጥ”ዩ። ህዝቢ’ውን ይፈልጥ’ዩ።

 

ህዝቢ ኤርትራ፡ ናይ ዝሓለፈ ሓሊፉ፡ ሕጂ ግን ብሓደ ዘመናዊ ዕልማናዊ ዲሞክራሲያዊ ህዝባዊ ፖለቲካዊ ስልጣን ክመሓደር ይደሊ ኣሎ። ነዚ ኣፍ ንኣፍ፡ ኣብ መንጉ ንፋስን ጮራን ዘይሕልፍ ርሕቀት ዘለዎ ህዝቢ፡ ንመንግስቲ ህ.ግ.ዲፍ. ዘቅርቦ ኣውያት፡ ንመንግስቱ ዘቕርቦ ጥርዓንን ክስን፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ምንታይ ከም ዝተበጽሐ ዘይፍለጥ፡ ሰማዒ ዘይረኽበን፡ እሞ ከኣ እቲ ዘይሰምዕ ስርዓት ንዑ ኪዱ ኣስምዑ እንዳበልካ ህዝቢ ክትልእኽ ብኸመይ መንገዲ ክሰማማዕ ይኽእል።

 

ኣሜሪካውያን ንስልጣኖም ክብሉ እንተተዛረቡ፡ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኤርትራን ህ.ግ.ዲ.ፍ ግን ጓና ዘይሓለፎ ናይ ሓደ ህዝቢ ምሕደራን ሃገራዊ ጉዳይ ኣብ ባይቶኡ ዘይተዛረበሉ፡ ክዛረበሉ’ውን ዘይፍቐድ፡ ኩነታት ብህ.ግ.ዲ.ፍ ክምራሕ ጸኒሑ ነገር ምስ ተዓዛዘረ፡ ካብ እቲ ክህሉ ዝነበሮ ባይቶ ህዝቢ ኤርትራ ወጺኡ፡ ኣብ ባይቶ ዓዲ ሃገር ዝበጽሐ ጥራዕን ህዝቢ ኤርትራ ይኹን ካልእ ብኸመይ ህዝቢ ክመልሶን ድምጹ ከስማዕሉ ልዑል ትጽቢት ይግበር።

 

ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ ከም ትማሊ፡ ብልዑል ወንን ፍናን፡ ጉዳይ ባዕሉ ኣብ ምዕለቢኢ ክሳብ ዝበጽሕ፡ ጉዳይ ብናይ ባዕሉ ዓቕሚ ክፈትሖ ምዃኑ”ኳ ዘየጠራጥር እምነት እንተሃለወኒ፡ በቲ ክተኽሎ ዝቃለሰሉ ዲሞክራሲያ ንምትካል ሒዚዎ መንገዲ’ምበር ካልእ ምርጫታት ከም ዘይብሉ ፍሉጥ ኮይኑ፡ በዚ ሕጂ ፕረሲደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ዝበሎ መንገዲ ኣይኮነን።

 

ክንደይ ህጻናት፡ ኣደታት፡ ኣቦታት፡ ሽማግለታት ዓዲ ፡ መራሕቲ ሃይማኖትን፡ ተመሃሮ፡ ሰራሕተኛታት፡ መንእሰያት፡ ተጋደልቲ፡ ፖለቲካውያን ሓይልታት ብሰላማዊ ሰልፊ፡ ብጥርዓን፡ ብተቃውሞ ደረጃ ድምጾም ከስምዑ ፈቲኖም ተሰሚዖም። “ እንካ ዘይፈልጥ መን ሃባ መሃሮ” ተኣብሂሉ ከም ዝምሰል፡ ህ.ግ.ዲ.ፍ ንህዝቢ ምስማዕ ዘይለመዶ ከመይ ሰብ ክሰምዖን፡ ከስምዓሉን፡ እሞ ንጓኖት ሃገራት ስሙዒኒ ትብል።

 

ኩሉ ናይ ክስማዓልክን ከተስምዓትን ትደሊ ሃገራዊ ጉዳይን ነገርን፡ ካብ ቤትካ’ዩ ዝነቕልን ዝብገስን፡ ሓይሊ ገዛናን ህዝብና ድማ ንዝኸነት መንግስቲ ከም ዘስምዕ ርዱእን ፍሉጥን’ዩ።

 

2

 

ንሕና ንኣሜሪካ ክንቃወም እንከሎና ከም ደገፍ ክቆጽርዎ ይግባእ” ህ.ግ.ዲ.ፍ፡ ከም መስትያት ኮይኑ ንዝተራእየ ምምሕዳራዊ፡ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊ ኣሰራርሓን ውጥንን፡ ዝቀርበሎም ነቐፈታን ሕራይ ኢሎም ዝቕበልዎ ድዮም ? ክንደይ ኣድማ ነዚ ሕልና ሒዛ መንግስተይ ወይ ውድበይ እንዳበለ ንምዕራይን ምንቓፍን ዝተበገሰት ሎሚ ኣብ ትሕቲ ምንታይ ሰፊራ ከም ዘላ፡ እዚ ወለዶ ነጻነት ዝፈልጦ’ኳ መቁጸሪ ዘይብሉ ኣብነታት ክዝረብ ምስ ተኻእለ።

ኣሜሪካውያን ብኣስገዳድ ክሰምዕዎ ዘለዎም ጉድለታት፡ ነቐፈታን፡ ህ.ግ.ዲ.ፍ ክሰምዖም ዘይብሉ ወይ ዘይግቡኣኦ ጉድለታትን ነቐፈታን ካብ’ቲ ልዕሊ ክብል ዝጠቐስክዎ መንግስታዊ ስርሓትን፡ ምምሕዳራዊ ጉዳያት ብሓፈሻ ፖለቲካዊ ሓዘል ዝተፈለየ እንታይ ኣሎ ኮይኑ’ዩ። ክሳብ’ቲ ንዛረበሉ ዘሎና ናይ ፖለቲካዊ ስልጣን ክሳብ ዝዀነ። 

 

ስለ ምንታይ ህ.ግ.ዲ.ፍ ነቲ ኣብ ዝተፈላልየ እዋና፡ ንመንግስቲ ንምእራም ዝተገብረ ተቃውሞ ይኹን ሰላምዊ ሰልፍታት ንምስማዕ ከም ደገፍ ዘይቆጸርዎን ዘየተቀበልዎን። ብኣንጻሩ ነቲ ተቃውሞ ሃሪሙን ደርዒሙን፡ ዝተረፈ ድማ ተእሲሩ ፋሕ ከም ዝብል ዝተገብረ ? ፍቕሪ ሓልዮትን ልውሃንት ዘይኣልመድካዮ ህዝቢ ኣብ ሓንቲ እዋን ፍቅሪ፡ ሓልዮት፡ ልውሃት ፍለጥ ክትብሎ ኣይከኣልን’ዩ።

 

ገገለ ካብ’ቲ ከቢድ ዓመጽ ዝወረዶ ወገናት ከም ኣብነት

 

ሀ/ 6 ጥሪ 1992 ሓይልታት ተ.ሓ.ኤ ሰውራዊ ባይቶ ኣብ ዶብን ከባቢ ጋሽን ብሓይሊ ብረት ንሕስያ ዘይብሉ ተሃሪሙ።

 

ለ/ 1993 ተጋደልቲ ኣብ ድሮ ረፈርንደም፡ መነባብሮ ክመሓየሽ፡ ደሞዝ’ኳ እንተዘየተባህለ መንቀሳቐሲ ክወሃቦም፡ ኣብ’ቲ ምምሕዳር ከኣ ለውጢ ክግበር ዝሓተቱ ካብ’ቲ ኣብ ኤርትራ ዝተገብረ ሰላምዊ ሰልፍን ተቃውሞን ብዓይነቱ ሰፊሕ ዝነበረን ዝተሃርመን።

 

ሐ/ 11 ሓምለ 1994 ሰላምዊ ሰልፊ ማይ ሓባር፡ ናይ ኣከለ ስንኩላን። ካልእ መወዳእታ ዘይብሉ ቀጸላታት ክቀርብ ይኽእል’ዩ።

 

ህ.ግ.ዲ.ፍ ነቲ ተቃውሞ ከም ደገፍ ኣይረኣይዎን ብኣንጻሩ ከም ታህዲድ ስለ ዝተረድእዎ ብእዋኑ ክህረም ኣለዎ ዝበሉን ዝሃርምዎን። ብቀረባ ናይ ጉጅለ 15 ኣብ 18 መከረም 2001 ዝተፈጸመ፡ ኣንጻር ውሳኔታት ባይቶ ህ.ግ.ዲ.ፍ ንባዕሉ ከም ጭብጢ ክቀርብ ይኽእል’ዩ።

 

3

 

ንሓደ መራሒ ይኹን መንስግቲ እንዳተጋገየ ከተጣቓዓሉ ግጉይ’ዩ። እንተተጋግዩ ተጋጊኻ ምባል ክልመድ ኣለዎ።

 

እንድዒ ፕ ኢሰያስ ኣፈውርቂ ናይ ቀረባ ዓመታት ረሲዕዎ ከይኸውን’ምበር፡ ኣብ ዝኸዶ ዓዲ ወይ ሃገር ብፍላይ ኣብ ወጻኢ ካብ’ቲ ዝዝረብ ዘረባታት ብፍላይ ከኣ ናይ ሓደ ሓደ ለባማት ደቂ ሃገር ሕቶታት፡ ጠቃሚ ሓበሬታት፡ ነቐፈታትን ብምድሃልን፡ ብምንእኣስን ኣብ መወዳኣታ ብነጎዳ ዝጥምዕ ጣቓዒት ዝድምደም ኣኼባታት ውሑድ ኣይኮነን። ኣብ’ዚ ከም’ዚ ዝኣመስለ ኣኼባ ንኸይከዱ ዝመሓሉ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ድማ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳበርከቱ መጺኦም ኣለው።

 

እቲ ኩሉ ጣቓዒት ከኣ ነዚ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝካየድ ዘሎ ወፈራታት ከም ዘየድሓነ ክንርኢ ኪኢልና፡ እቲ ዘረባ ካብ መጸ፡ ኣብ ገገለ ኣኼባ ዋላ እሕሕ እንተበልካ ዘጣቕዑ ዝነበሩ ሰባት ከም ዘጋጠመካ ዘይክወል ሓቂ ኮይኑ፡ ነዞም ሰባት ንምእራም ዝወሰድካዮን፡ ነዚ ከም’ዚ ዓይነት ተግባራት ድማ ነውሪ ምዃኑ ዝምሃርካሉ ኣጋጣሚ ሰሚዔ ኣይፈልጥን። ብኣንጻሩ ክተባብዑ ተራእዮም።

 

ኣብ ትርጉም ዘይብሉ፡ ዝሰምዕዎ ዘይብሎም ምጥቓዕን፡ ኣጣቒዖም ተባሂሉ ዘጣቕዑን፡ ጣቓዒት ምስ ተወደአ ከኣ፡ እንታ እንታይ ድዩ ተባሂሉ ቢሎም ዝሓቱ ከም ዘለዉ ምፍላጥ ጽቡቕ’ዩ። ነቲ ዝበልካዮ መልሲ ድማ ኣባኻን ምሳኽና ኣሎ። ብኡ ግምታት ክውሰድ ይከኣል’ዩ።

 

ብዓብዩ ሓደ ዓብይ ሃገራዊ ሓይሊ ተ.ሓ.ኤ፡ ኣብ ጽንኩር ኩነታት ብሓይሊ ብረት ህ.ግ.ዲ.ፍ ምስ ወጻኢ ሓይልታት ክህረም እንከሎ፡ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ህ.ግ.ዲ.ፍ ዝንየትሉን ዝኰርዑሉን ዘለዉ ጉዳይ፡ ኣብ’ዚ ክድረፈሉ፡ ጓይላ ክግበረሉ ዝጸንሐ ጥፍኣት ደቂ ሃገር ዳግማይ ሚዛን ተገይሩ ክእረም ተፈቲኑ ድዩ፡ ግጉይ ከም ዝነበረ ተዘሪብሉ ድዩ ? ልክዕ እዚ በቶም ሃሰይታ ዝወረዶም ዘይፍትሓዊ ምንባሩ ዝተቀበሉን ዘስተውዓሉን ደቂ ሃገር ኣገባቡን መልክዑን ኣትሒዞም ብግቡእ ነቀፈታ ዘቅረቡን ክእርሙ ዝፈተኑን ነይሮም ኣለውን፡ ብኣንጻሩ ካብ’ቲ ዝሓለፈ ዝገደደ ብትርፍራፍ፡ ዝኸሰሩ፡ ዝጠፈሹ ጸብጺብካ ዘይውዳእ ዘረባትን መደረን ዝቀረበሉ፡ ሕጂ ንሕና ንኣሜሪካ ክንእርም ዘቅረብናዮ ሓሳብ ብጎነጽ ክምለስ ኣይነበሮን ዝበሃል፡ ሓሳብ ካበይ መጺኡ፡ ህ.ግ.ዲ.ፍ ብኸምኡ መንገዲ ዶ ኣይኮኑ ዝሓስቡ፡ ከም’ቲ ኣሜሪካ ንዓይ ምሰል፡ ንዓይ መስሊካ ምጻእ ትብል ዘላ፡ ህ.ግ.ዲ.ፍ ነዚ ስልቲ ንልዕሊ 16 ዓመት ዝተጠቕምሉ ብውልቀኹም ምጹና፡ ናይ ውድባት ሓሸውየ የልቦን ተባሂሉ ዝዝረበሉ መዓስ ተመሊሱ፡ ህ.ግ.ዲ.ፍ እዚ ክብሉ እንከለዉ ኣሜሪካውያን ከመይ ምስኣኦም ዝሰማማዕ መንግስቲ ክመርጹ ዘይክእሉ። ህ.ግ.ዲ.ፍ ህዝቢ ይቀበሎ ይንጸጎ ምርጫኦም ወሲዶም ኣለዉ፡ ህዝቢ ኣሜሪካ ከኣ ምርጫኦም ምዃኑ’ዩ።

 

4

 

ኣሜሪካ ንዓና ከም ህዝቢ ክፈላልዩና’ዮም ዝጽዕሩ ” ኣሜሪካውያን ንህዝቢ ኤርትራ ክፈላልዩ ዝሰርሑ ምዃኖም ተፈሊጡ ብመንጽሩ፡ ብውገን ህ.ግ.ዲ.ፍ ንህዝቢ ኤርትራ ንምጥራናፍ ዝተገብረ ጻዕርታት ኣሎ ኣይብልን። ኣብ’ዚ ጉዳይ ከኣ ህ.ግ.ዲ.ፍ ኣብ ዝተፈላልየ ኣጋጣሚ ንዝተቃወሙ ዝተፈላልየ ኣስማት እንዳኣጠመቐ፡ ጸሎሎ እንዳቐብኤን፡ ህዝቢ ኣብ ዓብይ ግዜያዊ ምድንጋራት ክኣቱ ገቢርዎ ጸኒሑን ኣሎን።

 

ወለዶ ነጻነት ካብ ታሪዀምን ንምንጻል ህ.ግ.ዲ.ፍ ንታሪኽ ብረታዊ ተጋድሎ ብኽመይ መልክዕ ኣብ መደብ ትምህርቲ ከም ዘቕረቦን፡ እዚ ከኣ ዓብይ ናይ ምፍልልያ ቀንዲ ነጥቢ ምዃኑ ምርዳኣ ይከኣል። ህዝቢ ብማሕበራዊ ባህላዊ ኣመጻጽእኡ ከይዀርዕ ንቁጠባዊ ዕብየት ተባሂሉ ኣውራጃታት ብምፍራስ ዝተፈጸመ ምብትታን ህዝብን፡ ማእከል ባህል ኤርትራ ዝዀና ኣውራጃታት ምብትታን ምስ ምንታይ ይቁጸር።

 

ህ.ግ.ዲ.ፍ ኣብ በዅሪ ፈነወ ሬድዮ ኣብ ኣስመራ፡ ንነዊሕ ኣዋርሕ ወይ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ጀብሃ ዝተወሰደ ዘመተታት ፡ ንዕርቅን ንሰላምን ዘይዕድም፡ ንህዝቢ ንምፍልላይ ተባሂሉ ወግሐ ጸብሐ ዝግበር ዝነበረ ስርሓት ምስ ምንታይ ይቁጸር፡ ጽኒሑ መፍልሒ ቡን መዕለሊ ኮይኑ ዝቀጸለ፡ ጉዳይ ሓሙሻይ መስርዕ ኣብ ኣፍ ትርጉሙ ዘይፈልጡ፡ ብሓይሊ ተምጊጎም ዝውሓጥዎ ዝበጽሐ ዘረባን ጉዳይ ኤርትራውያን፡ ብኡ ኣተወደአን፡ ናይ ሃይማኖት ብፍላይ ናይ ምስልምና ሃይማኖታት ሓይልታት’ዮም ተባሂሉ፡ እዚ ግዜኡ ምስ ሓለፎ ድማ፡ ናይ ወያነታት ተቀይሩ። እዚ ኣብ መንጎ ህዝቢታት ሓንቲ ሃገር ንምፍልላይ ዝግበር፡ እሞ በቲ ሃገር የመሓድር ዝብል ህ.ግ.ዲ.ፍ ሎሚ ከመይ ቢሉ እቲ ናይ ምፍልላይና ነገር ንኣሜሪካውያን ክጸጋጋዕ ይድለ ኣሎ።

 

ህ.ግ.ዲ.ፋውያን ንዝዀነ ሰብ ንመግስቲ ኤርትራ ዘይድግፍ፡ ኣብ መርዓ ይኹን ሞት፡ ኣብ ሓጎስ ይኹን ሓዘን ከይንበጽሖም ከንኸዶም ተባሆሉ ኣብ መጋባእያታት ህ.ግ.ዲ.ፍ ዝተዘርበ ካበይ ዝነቐለ ኮን’ዩ። ህ.ግ.ዲ.ፍ ነዚ ኣይፈልጦን እየ ክበሉ ዘይክእል ቀንዲ ንህዝቢ ብፖለቲካ ጥራሕ ዘይኮነስ በታ ዝኸፍአት ብሞት’ውን ክንፈላለ ዝገበረ’ዩ። እሞ ኣሜሪካውያን ድዮም ንህ.ግ.ዲ.ፍ ከምኡ ክገብሩ መምርሒ ሂቦምስ ወይ ? ንህ.ግ.ዲ.ፍ ኣሜሪካ ይበልዎም ኣይበልዎም ብገዛና ዝመጸ ሓላፍነቱ ህ.ግ.ዲ.ፍ ጥራሕ ምዃኑ ምፍላጥ’ዩ ኣገዳስነቱ፡ ባይታን ባይቶ ስርዓቱ ከኣ ኣብ ኤርትራ ስለ ዝኰነ መሰረት ናይ እንተ ክቕበል እንተ ክነጽግ፡ ሙሉእ መሰል ዝተዋህቦ ህዝቢ ምስ ዝህሉ ክንዛረበሉ ንኽእል፡ ካብ’ዚ ወጻኢ ክዝረበሉ ዝኽእል ሓንቲ የልቦን። ነጻነት ዘይብሉ ህዝቢ ክዝረብን፡ ዝመሰሎ ሓሳብ ከቅርብ ንስለ ዘይክእል። ስለ’ዚ ካብ በይቱ ክነቅል ኣለዎ። ካብ ቤቱ ክበግሰ ኣለዎ፡ እቲ ሓቂ ክርከብ ከኣ ብጽብብ ዝበለ ክተሓዝስ ካብ ኤርትራን ህ.ግ.ዲ.ፍ ክነቅል ኣለዎ። ናትካ ገዲፍካ ግን ነቲ ጉዳይ ብኣህጉራዊ ደረጃ ክትርእዮ እቲ ጉዳይ ስለ ዝሰፍሕን ዝምጠጥን ብኡ ኣቢሉ ከኣ ነቲ ቀንዲ ማእከል ጉዳይ ስለ ዘረስዕ ቅኑዕ ፍታሕ ይርከብ’ዩ ኣይብልን። በዚ ምኽንያት ኣሜሪካውያን ብመንገዶም ምፍልላይ ይገብሩ እንተሃለዉ እቲ ዝኸፍአ ናይ ምፍልላይ መርሆ ዝፍጽም ዘሎ እቲ ቋንቋ ህዝቡ ዝዛረብ፡ ኣብ ከብዲ ዓዲ ዘሎ ስርዓት’ዩ እብል።

 

 

5 

 

ንጉዳይ ሕቶ ዲሞክራሲያ ብዝምልከት፡ እቲ ንዓና ዝብልዎ፡ ኣሜሪካውያን ኣብ ገዝኦም እንተዝፍትንዎ፡ ተባሂሉ ኣሎ፡ ብመጀመሪያ ኣሜሪካውያን እንተወሓደ ብህዝቢ ዝምረጹ እዮም። ኣብ ኣሜሪካ ነፍሱ ሓጽዩ ኣብ ምርጫ ክቀርብ ዝኽእል ዓቕሙ ርእዩ ዘይፈተነ የልቦን። ብዙሓት ብውልቀ ኣብ ምርጫ ዝቀረቡ ኣለዉ። ኣብ’ዚ ዝመጽእ ምርጫ’ውን ብሉምበርግ ይቀራረብ ኣሎ።

 

ካልእ ኣብ ኣሜርካ ሓደ ፖለቲካዊ ባህሊ ኣሎ። እቲ ፖለቲካዊ ባህሊ ብክልተ ዓበይቲ ሰልፍታት ዝቆመ ኮይኑ መሰረቱ ግን ናይ ዝተፈላልዩ ሓይልታት ጽላል ደኣ’ምበር ኮይንዎ እቲ ዲሞክራሲውያዊ ይኹን ሪፓብሊካዊ ሰልፊ ሆመጀን ወይ ኣብ ትሕቲ ሓደ ፍጹም ሕቁፊ ዝተኣሰረ ኣይኮነን።

 

ካብ’ዚ ወጻኢ ኣብ ኣሜሪካ፡ ናይ ዝተፈላልየ ዓይነት መልክዕ ተቃውሞ ኣሎ፡ ነዚ ተቃውሞ ንመግስቲ ኣሜሪካ ከስምዕሉ ዝክእሉ ዝተፈላልየ ኣገባብ፡ ብማሕበራት፡ ብውልቀ ሰባት ይካየድ። ዝተወሰነ ኣቦታ’ውን የብሎም፡ ኣብ ዝደለይዎ ቦታ ክሳብ ኣብ ኣፍደገ ዕላዊ መነብሪ ፕረሲደንት ኣሜርካ ኣብ ዋይት ሃውስ፡ ካብ’ቲ ኣፍደገ 20 ሜተር’ኳ ዘይበዝሕ ኮይኖም ናይ ዝዀነ ይኹን ተቃውሞ የስምዑ’ዮም።

 

ኣብ ኣሜሪካ፡ ጸኒሐ’ኳ ዝጠቕሶ እንተዀነ፡ ኣብ ዝተፈላልየ እዋናት ኣንጻር ባይቶኣውን ፕረሲደንታውን ውሳኔታት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ብማዕረ ዝተቃወመን ዝደገፍን ህዝቢ ኣሎ። ንኣብነት ክጥቀስ ዝኽእል ኵናት ቬትናም፡ ኵናት ኵባ፡ ኵናት ግሬናዳ፡ ኵናት ሃይቲ፡ ሕጂ ድማ ኵናት ኣፍጋኒስታን፡ ኵናት ኣብ ኢራቕ ዝተቃወም ህዝቢ ኣሎ’ዩ። እዚ መሰል ማንም ኣሜሪካዊ እዩ።

 

ዝዀነ ዓይነት ህዝቢ ኣብ ኣሜሪካ ክቋወም ይኽእል’ዩ። ስደተኛታት ይቃወሙ’ዩም። ይዛረቡን ይጽሕፉን’ዮም። ብዛዕባ ኣብ ኣሜሪካ ተባሂሉ ዝበሃል ነገር መዲያ መራኸቢ ብዙሓት ግሉጽ ንኽግበር ጻኦሪ ዘካይድ ትካላዊ ኣሰራርሓ ቅዋም ኣሜሪካ ብዘፍቅዶ ክሳብ ንህብዚ ክበጽሕ፡ ጉዳይ ኢራን ጌይት ተባሂሉ ዝዝረበሉ፡ ናይ ኮንትራስ ኣብ ኒካራግዋ ዝተፈጸመ ህዝቢ ዘይፈልጦ ተባሂሉ ዝዝረበሉ፡ ኣብ ግዜ ምምሕዳር ፕረሲድነተን ሮናልድ ሬገን’ውን ብተመሳሳሊ ምስጢር ክወጽእን ክቃላዕን ተገይሩ’ዩ።

 

ኣብ ኤርትራ ሰልፊ ናይ ምቋም እንተዝፍተን፡ ኣብ ኣሜሪካ ካብ’ዘን ክልተ ዓብይቲ ሰልፍታት ወጻኢ ክህልዋ ዘይጣበቑ ሰልፍታት የለውን ኣይኮነን። ግን በተን ዓበይቲ ሰልፍታት ተዓብሊሎም፡ ሓይሊ ንስለ ዘይብሎም ክዕወቱ ኣይከኣሉን። ጸለምቲ ኣብ ብዙሕ ምንቅስቓሳት ፈቲኖም፡ ንሰልፊ ክምስርቱ ኣይበቕዑን፡ ጸዓዱ’ውን ሰልፊ ክምስርቱ ፈቲኖም ኣይተዓወቱን፡  ኩሎም ኣብ’ተን ዘለዋ ሰልፍታት ክወዳደሩ ኩሉ ፈተነታት የካይድ’ዩ።

 

ፕ. ኢሰያስ ኣፈውርቂ ንደቂ ሃገር ኤርትራ ይትረፍ፡ ኣብ ህ.ግ.ዲ.ፍ ኣብ መበል 13 ኣኼባ ባይቶ ዝቅጸደቀ ኣዋጅ ምምስራት ሰልፍን ምርጫን ብዝምልከት፡ እቶም ዝሓተቱ ኣበይ ከም ዘለዉ ኩልና ንፈልጥ’ና፡ በዚ መሰረት ንደቂ ሃገርካ ዜጋታት ዘይፍቀድካ፡ ንኣሜርካውያን ንስድተኛታት ሰልፊ ከቁምሎም ቢልካ ምኽሳስ ካብ ሓቂ ዝረሓቀ’ዩ። ወይስ ህ.ግ.ዲ.ፍ ንሙሉእ ህዝቢ ኤርትራ ከም ስደተኛ’ዩ ቆጺርዎ ? ኣይገርመኩምን።

 

ኣብ ታሪኽ ኣሜሪካውያን ኩሉ ክግበር ይከኣል’ዩ፡ እዚ ግን ናይ ህዝቢ ድሌትን፡ በቲ ቅዋም ኣሜሪካን ነጻ ቤት ፍርድን ዝተደገፍ ክኸውን ኣለዎ። ይኹን’ምበር ኣብ ውሽጢ 52 መንግስታት፡ ኣብ ውሽጢ ብግምት ልዕሊ 300 ሚሊዮን ህዝቢ ኣሜሪካ ጌጋ ኣይፍጸምን’ዩ፡ ጌጋታት የልቦን ዝብል የልቦን፡ ብዝያዳ’ኳ ደኣ ምስ’ቲ ቅልጡፍ ምቅይያራትን ቁጠባዊ ምዕባለ ዝረአ ዘይፍትሓዊ ነገራት ዝረአ ፈጺሙ የልቦን ክበሃል ኣይከኣልን።

 

ስደተኛታት ኣብ ኣሜሪካ ክነብሩ እንከለዉ፡ ናይ ኣነባብርኦም መልክዕ ንሳቶም ይውስኑ፡ ኣበየነይቲ መንግስቲ ኣብ ሰሜን ይኹን ደቡብ ወይ ምዕራብ ክነብሩ ዝኽልክሎም የብሎምን። በቲ ሕጊ ኣሜሪካ ዝፈቕዶ መሰረት ኣብ ፖለቲካ  ክነጥፉ ዝኽልክል ዝኽልክሎም የልቦን። ንስደተኛታት ተባሂሉ ዝወጸ ሕጊ የልቦን።

 

ኣብ ኣሜሪካ ብዙሓት ኤርትራውያን ብትግሃቶምን ጻዕሮም ዝተዓወቱ፡ ዝተመሃሩ፡  ደቆም ዘምሃሩ ክህልዉ እንከለዉ፡ ብዙሓት ብትውልዲ ኣሜሪካውያን ጸለምቲ ይኹን ጻዕዱ ከኣ ኣብ ሂወቶምን ናብርኦም ዘየተዓወቱ ኣለዉ፡ እዚ ካብ ምርጫ ናቶ ሰባት ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ሓደ ሓደ ከኣ ነቲ ማሕበራዊ ፍትሒ ዘይሓገዘና ዝብሉ ዝቃወም ይርከብዎም።

 

ኣብ ኣሜሪካ በቲ ዝተዋህበካ መሰል ናይ ትወስዶ ምርጫታት’ዩ። ካልእ ካብ’ዚ ወጻኢ ኣብ ውሽጢ ኣሜሪካ መንግስቲ፡ ናይ ካልኦት መንግስታት ክትምስርት ዘፍቅድ ቅዋም ዘለዎም ኮይኑ ኣይስማዓንን።

 

ፕ ኢሰያስ ኣብ ዘረብኡ እቶም ብብዝሒ ካብ ላቲን ኣሜሪካ ዝኣትዉ ዘለዉ ስደተኛታት ስለ ምንታይ ሰልፊ ንኸቁም ዘይፍቀደሎም በለ። ብቀዳምነት ሕቶ ናይ’ዞም ሰባት ሕቶ ፖለቲካዊ ወይ ቁጠባዊ ዑቕባ’ምበር ኣብ ውሽጢ መንግስቲ መንግስቲ ክምስርቱ ዝመጹ ኣይመስለንን፡ ባዕላቶም’ውን ነዚ ሕቶ ዘልዕልዎ ኣይመስለንን፡ ግን ብዝሖም ኣብ ቁጽሪ ወይ ኣብ ግምት ኣትዩ ብዙሕ ንጥፈታት ይካየድ’ዩ። ንኣብነት ኣብ ኣሜሪካ ከም ካልኣይ ቋንቋ ዝተኣመነሉን በዚ ከም ሞያ ክሕዝዎ ንዝደለዩ ይትረፍ ተወልድቲ ላቲንስ ኤርትራውያን ከይተረፉ ነዚ ጉዳይ’ዚ ክፈልጥዎን ነዚ ቋንቋ መሊኾም ክዛረብሉ ነቲ ዕድል ተጠቂሞም ኣብ ልዑል ናይ ስራሕ ደረጃ ከም ዝርከቡ ብቀረባ ዝፈልጦም ኣለዉ።

 

እዞም ሰባት ንዓኣቶም ዝመስሉ ኣብ ዝተፈላልየ ስርሓት ዝተዋፈሩ፡ ብሰላም ናብርኦም ክመርሑ ዝርከቡን፡ ስድራ ቤቶም ወገኖም ዝደጋገፉ፡ ካብኡ ሓሊፉ’ውን ብርግጽ ህ.ግ.ዲ.ፍ ዝፈልጥዎ እቲ ዝዓበየ ደገፍ ፖለቲካዊ ደገፍ ካብ ኤርትራውያን ዝረኽቡሉ ዝነበሩን ዘለዉ ክፍለ ዓለም ካብ ግዜ ኤናስኤ ክሳብ እዚ ሎሚ ብደረጃ ብኤርትራዊ ኮማት ተጠርኒፉ ዘሎ’ዩ።

 

መደምደምታ ቀዳማይ ክፋል

 

ኣብ መደምደምታ ክብሎ ዝደሊ ብቀዳምነት፡ እዚ ፕ ኢሰያስ ዘቅረቦ ሓሳብ ገና ነቲ ኣብ ሃገርና ዝካየድ ዘሎ ዘይ ቅዋማዊ ኣሰራርሓ ንምሽፋን’ዩ እየ ዝብል። ጉዳይ ክዕረ እንተዀይኑ፡ ንኣሜሪካውያን ክዕረዩ ቅድሚ ምዝራብ፡ ብመጀመሪያ ንሕና ክንዕረ ክንጽዕር ኣሎና። እዚ መስርሕ እዋኑ ሓሊፉ ዝጸንሐ ጉዳይ ፍትሒ ኣብ ኤርትራ ሎሚ ኣብ እቲ ልክዕ ኣዋኑ ነጻነት ብምርካቡ ንኤርትራን ህዝባን ዓብይ ፍረ ዕውት ቃልሲ’ዩ ዝነበረ።

 

ኣሜሪካውያን ክሳብ ኣብ’ዚ ደረጃ በጺሖም ዘለዉ ዝበጽሑ፡ ክንደይ ኵናት ከም ዝሕለፉን፡ ክንደይ ዓመጽ ከም ዝሓለፈን ኣብ ታሪኾም ኣሎ። ኣሜሪካውያን ዝሕሾም መሪጾም፡ ኣለዉ። ህዝቢ ኤርትራ ግን ዝሓሾ ክመርጽስ ይትረፍ፡ ሓሳቡ እንታይ ምዃኑ ክህብ’ኳ ኣይተፈቐደሉን ዘሎ። እቲ ፍልልይ ከኣ ኣብ’ዚ እዩ። ሓይሊ ኣሜሪካ ኣብ ዓለም ስቕ ቢሉ ዝመጸ ኣይኮነን። ህ.ግ.ዲ.ፍ ካብ’ቲ ኣሜሪካውያን ዝቆጻጸርዎ ሓይሊ ምስጢር ወጻኢ ዘሎ ኣብ ጉዳይ ሓድነት ህዝቦም ንኽሰርሑ መን ከልኪልዎም። እቲ ምስጢር ኣሜሪካውያን ይኹን ንኻልኦት መንግስታት ናይ ምዕጋብ ስራሕ ብዓብይኡ ኣባኡ’ዩ ዝርከብ። ነዚ ክትክፍ ዘይደሊ መራሒ ግን ኣብ ኮለል ከም ዝኣቱ ወግሐ ጸብሐ ምኽንያት ከም ዘምጽእ ፍሉጥ’ዩ።

 

ስለ’ዚ እቲ ጌጋግ ካብ ማእከልና ምሒና ከነልግሶ፡ ብቀዳምነት እቲ ስLኣትን ንህዝቢ እንተተመሊሱ፡ እቲ ዝበዝሕ ጌጋታት ክእረምን ክዕረን ይኽእል’ዩ። ህዝቢ ስልጣን ስለ ዘለዎ ድማ ጉዳዩ ኣሕሊፉ ከም ዘይህብ ርዱእ ነገር’ዩ።

 

ኣብ መዋእል ነጻነት ትጽቢት ዘየተግረሉ ዋሕዚ ኤርትራውያን ንስደት፡ ሓደ ጠንቒ ተሳታፍነታ ኣብ ፖለቲካዊ ሂወት ዘይምህላዉ’ዩ። ህዝቢ ንመንግስቱ ብላዕለዋይ መጸውዒ ብስሙ’ዩ ዝፈልጦ’ምበር፡ ብኣሰራርሓ፡ ብግሉጽነት፡ ኣብ ፖለቲካዊ ውሳኔታት ኣይፈልጦን’ዩ። ምእንቲ’ዚ ኣብ ኤርትራ ክልተ ጸገም ኣሎ፡  እቲ ቀዳማይ ሓፈሻዊ ጸገም ኣብ መንግስቲ ህ.ግ.ዲ.ፍ ህዝብን ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ካልኣይ ድማ መንግስቲ ህ.ግ.ዲ.ፍ ኣብ ዲፕሎማሲያዊ ወጻኢ ዝድምናታት ኩሉ መዳያት’ዩ።

 

ህዝቢ ኤርትራ ንጉዳዩ ንስለ ዝተላዕለ፡ ደገፍ ሓያላት ሃገራት ዘይብሉ ተቃሊሱ፡ ነጻነቱ ክተክብ ዝከኣለ፡ ከም’ዚ ሕጂ ጉልባቡ ዝቀልዐ ኣመሓዳድራ ኣይነበረ። ገገለ’ኳ ምልካዊ ምልክት ዝህብ እንተነበረ ዝበዝሕ ክዕረ’ዩ፡ ንስለ ቃልሲ ተባሂሉ ይሕለፍ ከም ዝነበረ፡ ሎሚ ንስለ ምንታይ ተባሂሉ ይተሓለፍ።

 

በዚ መሰረት እቲ ናተይ ባዕላዊ ዕግበት፡ ቅድሚ ዝዀነ ይኹን ግዳማዊ ነቀፈታ፡ ዘቤታዊ ነቀፈታ ክፍጸምን ክድምደምን፡ ብዓብዩ ድማ ህብና ብቅዋም ክመሓደር እንተኺኢሉ ¾ ካብ ጸገማትና ከም ዝቕንጠጥ ፍሉጥ’ዩ። ብድሕሪኡ ነቲ ዝትረፈ ወይ ካብ’ዚ ግምት ተዋሂብዎ ዘሎ ዝበዝሕ እንተዀነ ህብዚ ኤርትራ ክዓሞን ክሰርሖን ክፈትሖም ከም ዝኰነ ዘይዕጸፍ እምነት ኣሎኒ።

 

ካልኣይ ክፋል

 

ጉዳይ መንግስቲ ኤርትራን ኣሜሪካን፡ ተላዒሉ ዘሎ ሕቶ ንዝምልከት፡ ብዓብዩ ኣብ ቀዳምይ ክፋል ነቲ ኣገዳሲ ዝብሎ ሕቶታት ኣልዒለ ተዛሪበሉ ኣለኹ። ይኹን’ምበር ኣብ’ዚ ካልኣይ ክፋል ዝበሃል’ኳ እንተዘየተሳእነ መብዛሕትኡ በቲ ቀዳማይ ክፋል ዘቅረብክዎ መስረት መልሲ ክርከበሉ ይኽእል ዝብል እምነት ኣሎኒ።

 

ዝምድና ኤርትራን ኣሜሪካን

 

ኣብ’ዚ ከይዘከርክዎ ክሓልፍ ዘይደሊ ኣብ ሕሉፍ ታሪኽና እንተ ብጽቡቑ እንተ ብሕማቑ ኣቀዲሙ፡ ምስ ኣሜሪካ ድሓን ዝዀነ ዝምድና ዝፈጠረ ውድብ ህ.ግ.ሓ.ኤ ብዝያዳ ንኣሜሪካ ክፈልጦም ዕድል ረኺቡ’ዩ እየ ዝብል።

 

ሉኡኻት ተ.ሓ.ኤ ካብ መዕርፎ ነፍርቲ ኣሜርካ ክምለሱ እንከለዉ፡ ህ.ግ.ሓ.ኤ ግን ብዘይ ገለ ጸገማት ክመላልሱ ተክእሎን ዕድልን ረኺቦም’ዮም። ነዚ ብዝምልከት ኣብቲ ብቋንቋ እንግሊዝኛ ብዶ/ር ተስፋጽዮን መድሃኔ ብ1986 ዝተጻሕፈ መጽሓፍ ሰፊሩ ኣሎ። ካብ’ዚ ቀጺሉ እቲ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ዝመደበሩ ማሕበር ተማህሮ ኤርትራ፡ በቲ ዝወሰዶ ፖለቲካዊ መርገጽ ንህ.ግ.ሓ.ኤ ስለ ዝተጸገዐ ህ.ግ.ሓ.ኤ በዚ ሃይሊ ተሓጊዞም ንኣሜሪካ ህላውነቶም ከድልድሉን ኣይከኣሉን ዝብል መደምደምታ ኣይበጽሕን፡ ብኣንጻሩ’ዩ። ነዛ ኣብ ታሕቲ ዘላ ሓበሬታ እንተ ጠወቕኹም ዝያዳ መብርሂ ክትረኽቡ ትኽእሉ። ወይ ኣብ ዓዋተ.ኮም ብዕለት 31 ሓምለ ዝተለኣኸ ጽሑፍ በየነ ነጋሽ ክተንብቡ ትኽእሉ።

 

በዚ ኣገባብ ወይ ካልእ ጻዕርታት ተወሲኽዎ ህ.ግ.ሓ.ኤ ደሓር ህ.ግ.ዲፍ. ዓብይ መሳፍሒ ቦታ ኣብ ኣሜሪካ ረኺቡ ክኸይድ ጸኒሑ። በዚ ድማ ማእከል ኤርትራዊ ክለባት ተኸፊቱ ህ.ግ.ዲ.ፍ ዝነጥፈሉ ቦታት ኮይኑ ምጽንሑ ክሳብ ናይ ትማሊ ዝኽሪ’ዩ። ኣብ ኣሜሪካ ዝካየድ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝሳተፍዎ ሃግርናውያን ናይ ዝካየድ ፈስቲቫላት ብዘይገለ ምኽንያታትን ኣይኮነን፡ ወይ ድማ ብሓይሊ ህ.ግ.ዲ.ፍ ኣይኮነን። ብስርዓትን ሕግን ኣሜሪካ በቲ ካልእ ሸነኽ ከኣ ካብ’ቲ ተጠርዩ ዝጽንሐ ዝምድናታት ዝተበገሰ’ዩ።

 

እቲ ጉዳይ’ዚ እንዳዀነ እንከሎ፡ ኣሜሪካውያን ዝነበሮም ናይ ወጻኢ ፖሊሲ ካብ’ዚ ሕጂ ዘለዎ ብዙሕ ዝተቀየረ ኣሎ ኣይብልን። ከም ኩነታቱ ምስ’ቲ መድረኽ ዝሰማምዕ ፖሊስ ከዝውትሩ ጸኒሖም። እዚ ግን ብዓብዩ ውሳኔ ኣሜሪካውያን ንዓና ከም ኤርትራውያን ኣብ ቃልሲ ክሃስየና ስለ ዝጸንሐ ከኣ ብመገዱ እቲ ክበጽሖም ዝነበረ መልእክቲ ኩሉ በጺሕዎም’ዩ። እቲ ጉዳይ ክሳብ ዝዕረ፡ ንዝዀነ ኣብ ህዝብን ሃገርን ዝወርድ ሓደጋታት ንምክልኻል እቲ መሳርሒ ዲፕሎማሲያ ከይባላሾ ኣብ ዝኸፍአ ገጹ ከየምርሕ’ውን ምክልኻሉ ግድነት’ዩ።

 

ኣብ ዓለም ዝተበላሸወ ዝምድናታት ዘለወን ሃገራት፡ ነታ ናይ መወዳእታ ፈትሊ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ንኸይቋረጽ ጻዕሪ ዘካይዳ ግን ከኣ ሓያላት ሃገራት ኣለዋ እየን፡ ሓይለን ኣሚነን ግን ንጉዳይ ኣሜሪካ ሸለል ኣይበልኦን ክዕርኦ ፈቲነን እየን። ንኣብነት ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ኵናት Iራቕ ጀርመንን ፈረንሳ ከም ዘይደገፋ፡ ንሓሳብ ኣሜሪካ ድማ ከም ዘይስዕባ ናይ ባዕለን መንገዲ ወሲደን፡ ብተወሳኺ ብትሕት ደረጃ ሶብየት ጃፓንን ነበራ። ኮይኑ ግን ዓበይቲ ሓያላት ስለ ዝዀና ነቲ ናይ ኣሜሪካ ጉዳይ ሸለል ክብልኦን ዝምድናታት ናብ ዝኸፍአ ክመርሕ ኣይደለየኦን። ሎሚ ዓለም ኣብ ሓደ ቁሸት ከም ዝተኣከብ ህዝቢ ስለ ዝኸነ ሃደ ብዘይካ ሓደ ክነብረሉ ዘይክእል ግድነት ሓባርዊ ውዕል ሓባርዊ ጥቅሚ ክረጋገጸሉ ብዝኽእል ደረጃ ናይ ምቅላስ’ዩ።

 

ፕ ኢሰያስ ኣፈውርቂ ንመንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ዓለም ሓያል ኮይኑ ድላዩ ዝፍጽም መንስግቲ’ዩ ይብል፡ ብሓቂ ህ.ግ.ሓ.ኤ ይኹን ደሓር ህ.ግ.ዲ.ፍ ኣብ ዝተዛመድሉ ኣሜሪካውያን ጉዳዮም ረብሓኦም ዝህደደሉ እዋን ኣብ ዝረኸብሉ ስጉምቲ ክወስዱን፡ ኣብ ካልኦት ሃገር ከይዶም ብሰራዊቶም ብገንዘቦም ክዋግኡ ከም ዝጸንሑ ሓድሽ ምስጢር ኣይኮነን። ከም’ቲ ልዕል ክብል ዝገልጽክዎ፡ ኣብ ቬትናም፡ ግሬናዳ፡ ኵባ፡ ኢራን፡ ሃይቲ፡ ፓናማ ፡ ኮይኑ ድሕሪ ድማ ኣብ’ዚ ድሕሪ ነጻነት ክሳብ መንግስቲ ኤርትራ ንሓይልታት ኣሜሪካ መዕረፊ ቦታ ክህቦም ድልዉ ዝዀነሉ ዝነበረ ግዜ ብተደጋጋሚ ናይ ኣሜሪካ መራሕቲ ሰራዊት ኣብ ባጽዕ ዝርርብ ከካይዱ ዝጸንሑ እዮም። ከመይ ገቢሩ ሕጂ እቲ ኩሉ ነገር ከም ሓድሽ ተመሊሱ እቲ ኩሉ ሓጥኣት ንኣሜሪካ ክበሃል።

 

ዝዀነ ግዳማዊ ሓይሊ ስዒሩ ኣብ ሃገር ከይእቱን፡ ሃገር ከይትስነፍን፡ ብቀዳምነት እቲ ሃገር ከም ኤርትራ ክሕይል እንተዀይኑ፡ ካብ’ቲ ሓሳብን ፖለቲካ ህ.ግ.ዲ.ፍ ካልእ ሓሳብን ፖለቲካን ከም ዘሎ ተፈሊጡ ኣብ’ዚ ጉዳይ ክርዕም ይግባእ። ነዚ ናይ ህዝቢ ግደን ተራን መሰልን ክፍለጠሉ ይግባእ። ኣሜሪካውያን መሰል ዜጋታትኩም ሓሉዉ እንተበሉ ኣብ’ዚ ነጥቢ ተጋግዮም ኣይብልን። መሰል ዜጋታት ሕሉ ምዃኑ መረጋገጺ ምቐኣብ ጥራሕ’ዩ። ወይ ከኣ መሰል ዜጋታት ሕሉው ምዃኑ ዝግህዶ ዘርኢ ሕቶ ዘየድልዮ ተግባራት ምፍጻም’ዩ። ከም’ቲ ኣሜሪካ ንኤርትራ ዝሓትዋ፡ ንባዕሎም ምሰል ህዝቦም ክሕልዉ ብዙሕን ዝተፈላየየ ምሕጽንታታት ንኣሜርካውያን ይቐርብ’ዩ። ንሳቶም ግን ባዕልኹም ትፈልጡ ኣይብሉን’ዮም ነቲ ጉዳይ ብስርዓት ተቀቢሎም መልሲ ዝህብሉ እዩ።

 

ኣብ ናይ ትማሊ ዕለት ዘንበብክዋ ጋዜጣ፡ ነቲ ኣብ ቴክሳስ ሞት ፍርዲ ካብ ዝጅምር መበል 400 ንሞት ተፈሪዱ ዘሎ ሰብ፡ እቲ ፍትዲ ክሳብ ዝጻረ ዕድል ክወሃቦ ካብ ባይቶ ኤውሮጳ ምሕጽንታ ከም ዝቀረበ ርአ፡ ነዚ ዘነበበ ህዝቢ ከኣ ኩሉ ተቃውሞኡ ከስምዕ ዝጉስጉስ’ዩ። በዚ ምኽንያት ንኣሜሪካውያን ነቀፈታ ከም ዘይቐርበሎም ገቢርካ ምቕራብ ኣብ ቦትኡ ኣይኮነን፡ ግን ኣሜሪካውያን ማዕረ ክንደይ’ዮም ነቲ ጉዳይ ኣብ ግብሪ ዘውዕልዎ ምስ’ቲ ናይ ቤት ፍርዲ ዝተኣሳሰረ ጉዳይ ስለ ዝዀነ እቲ ጉዳይ ንኣሜሪካውያን ዝግደፍ’ዩ።

መንስግቲ ኤርትራ ክሳብ ሕጂ ኣብ ኤርትራ፡ ነጻ ቤት ፍርዲ ይትረፍስ፡ ቤት ፍርዲ ዝስማ ኣየቆመትን። ንገበነኛ ክሳብ እስር ቤት ዘብጽሕ ሕጊ ካብ ሃለወ፡ ሕጊ ክሲ ካብ ሃለወ፡ ሕጊ እግባይ ክህሉ ድማ ግድነት’ዩ። እሰር ጥራሕ ዝብል ሕጊ ንበይኑ ክወጽእ ኣይክእልን’ዩ። ዝኣስር ናይ መፍትሒ መሳርሒ ፖለቲካ ክህልዎ ይግባእ። እዚ ማለት ከኣ ገበን ተጻሪዩ ንእስራት ክብይን ወይ ከኣ ንኽሱስ ብነጻ ክለቆ ማለት’ዩ። ኣብ ኤርትራ ግን እዚ ግዳይ የልቦን። ኣብ ኤርትራ ምስ ቤት ፍርዲ ዝተኣሳሰረ ሰርሓት፡ ናይ ጠብቓ ስርሓት ተሰሪዙ’ዩ።

 

ካብ’ዚ ወጻኢ፡ ኣሜሪካውያን ዝገብርዎ ካብ ምዝራብ ንሕና እንታይ ንገብር ኣሎና ቢለ ክዛረብ’ዩ ዝቀርበኒ፡ ኣብ’ዚ ናይ ሃገራውያን ዝካየድ ሓባርዊ ዝርርብ፡ ዝቀርብ ሓሳባትን ድማ ነቲ ኩሉ ግዳማዊ ተጻብኦ፡ በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ ሰናይን ሰላምዊ ዝምድናታት ብሰፊሑ ክጥምትን ብሰፊሑ ክሰርሓሉን ዕድል ዝህበኒ ንስለ ዝዀነ።

 

ኣብ ኤርትራ ጉዳይ ኤርትራውያን ልዑል ወሳንነት ከም ዘለዉ ዝእምነሉ መንግድታት ብዙሕ’ዩ። ቅድሚ ኩሉ ግን ነዚ ብወሳንነት ደረጃ ዝእመነሉ ኣሰራርሓ ክዝረበሉን ተግብራዊ መዓቐኒ ዘለዎ ስራሓት ክረአ ክጅምር ኣለዎ። እዚ ማለት ፖለቲካዊ ሱታፈ ህዝቢ ኤርትራ ማለት’ዩ። ካብ’ዚ ወጻኢ ናይ ዝካየድ ሓድኣዊ ግበታ ፖለቲካዊ ስልጣን ድሕነት ዝርከበሉ፡ ሰላም ዝመጻሉ ጥዕና ዘለዎ መንገዲ ከም ዘይኮነስ ምፍላጥ’ዩ።

 

መደምደምታ ካልኣይ ክፋል

 

ካብ ዝዀነ ይኹን ግዳማዊ ወይ ውሽጣዊ ዕንወት ክንድሕን ሓንቲ ቀዳመይቲ ምርጫ ኣብ ኣጀንዳ ምስፋር ሓድነትን ሱታፊ ህዝቢ ኣብ ጉዳይ ሃገር ምርግጋጽ’ዩ። ኣብ ክንዲ በዚ ሕጂ ዘለዎ ህ.ግ.ዲ.ፋዊ መስምር ብሓደ ህዝባዊ ዲሞክራሲያዊ መስመር ንኩሉ መዳያዊ ህንጸት ሃገር ክኽየድ እንተተኻኢሉ ኤርትራ ከም ሓንቲ ሓዳስን ብልጽትን ሃገር ናይ ሰላም ሃገር ከም እትኸውን ፍሉጥ’ዩ።

 

ውሽጣዊ ጉዳይ ኤርትራ ከይቀሰነን ከይሃድአን ግን፡ በዚ ዝከዶ ዘሎ መልክዕን ኣገባብን፡ ኣብ ኤርትራ ናይ ክትከል ዘለዎ ምዕቡል ምሕደራ፡ ብብዙሕ መዳይ ተነቓፊ ኮይኑ ከም ዝኸይድ’ዩ ዝገብሮ።

 

ሎሚ ካብ’ቲ ጉዳይ ኣሜሪካ ንላዕሊ ዘስግእ ዋሕዚ መንእሰያት ንስደት’ዩ። በዚ ሎሚ ከኣ እዚ ዝኣክል ንኡስ ህዝቢ ካብ ኤርትራ ንስደት ከምርሕ ዝተገደደ፡ ኣሜሪካውያን’ዮም ኣይብልን። እዚ ብሰንኪ እቲ ዘይፍትሓዊ ምሕደራ ህ.ግ.ዲ.ፍ ምዃኑ ጥራሕ እየ ክርዳእን ክፈልጥን ዝክእል። እዚ ዝፈልጦን ዝርድኦን ከኣ ንበይነይ ዘይኮንኩስ እቶም ግዳይ ናይ’ዚ ስርዓት ዝዀኑ ባዕላቶም ዝዛረብሉን ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ዘቃልሕዎ ኩሉ ወዲ ሃገር ዝፈልጦን ዝሰምዖን’ዩ። ሕሉፍ ሓሊፍዎም እቶም ምስ መንግስቲ ኤርትራ ዘጣቕዑ ዘለዉ ሰባት ከይተረፉ፡ ምስ’ቲ ስርዓት እንዳተቐዳደሙ ንሕዋቶም ኣሓቶም ንወጻኢ ክስሕብዎም ከቢድ ጻዕር ዘካይድሉ ዘሎ ኣዋን’ዩ።

 

ብሚዛነይ ጉዳይ ኣሜሪካውያን ኣብ ኤርትራ ብቀሊሉ ክፍታሓሉ ዝክእል ኮይኑ ይረኣየኒ ካብ ጉዳይ ህ.ግ.ዲ.ፍ ኣብ ኤርትራ። ጉዳይ ኣሜሪካ ኣብ ኤርትራ ኩሉ ዓለም ሰሚዕዎ ኣሎ፡ ጉዳይ ህ.ግ.ዲ.ፍ ኣብ ኤርትራ ግን ማዕረ ክንደይ ንህዝቢ መሪርዎ ከም ዘሎ ኩሉ ህዝቢ ዓለም ዝፈልጦ ኣይመስለንን። እቲ ፍልልይን ኣተሓሕዛ’ቲ ጉዳይ ድማ ብንጹር ኣብ’ዚ ሸነኽ ክትርእዮ ትኽእል።

ይትረፍ ዓለም፡ መራሕቲ ህ.ግ.ዲ.ፍ እውን ነቲ ዝህቢ ዝጠልቦ ዘሎ ለውጢ ክሰምዕዎ ዘይምድላዮም ጥራሕ ዘይኮነስ፡ እዚ ተቃውሞ ክለዓል ምዃኑ እንዳፈለጡ ኣቐዲሞም ሓንጺጾምሉ ዝኸዱ ንስለ ዝኸነ ህዝቢ ዝበለ እንተበለ ምኽንያታት እንዳቅረበካ ኣብ ስልጣን ኮፍ ኢልካ ግዜ ናይ ምንዋሕ’ዩ። ኣብ’ዚ መስርሕ ኩሉ በቲ ምምሕዳር ዕግበት ዘይብሉ ቅሳነት ዘይረኽበ ግድነት ዝኸፈለ ከፊሉ ክእለን ክስሕብን። ስለ’ዚ መንግስቲ ኣሜሪካ ጥራሕ ዘይኮነ ብግብሪ ዜጋታት ሃገር እንተዀነ ሃገር ራሕሪሖም ኣብ ፈቀዶ በረኻታት ቀለብ ኣራዊት ዝዀኑ፡ ኣብ ባሕሪ ቀለብ ዓሳታት፡ ኣብ ማእሰርቲ ጓኑ ዝማስኑ ዘለዉ ግሉጽን ርእዩን ኩነታት ይምስክር።

 

እዚ ሕሰምን መከራን ምስ ወይ ኣበየና ኣጀንዳ ክስራዕን ክዝረበሉን ይኽእል፡ ኣነ ጉዳይ ህዝበይ ዘዓጠጠኒ ጉዳይ ጓኖት ክብል ንህዝበይ ኣብ ምትታንን ፋሕ ምባል ክጽዕር ኣተሓሳስባ ወኒነ፡ ኣይከይድን። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ግን ልዕሊ ኩሉ ጉዳይ ሃገር ጉዳይ ጎረባብቲ ሃገራት ቀዳማይ ኣጀንዳ ዝሓዘ፡ ኤርትራ ደቃ ዘይተዓንገሉላ ጓኖት ዝዕንገሉላ፡ ኤርትራ ጉዳያ ዘይፈትሐት፡ ጛ`ኖት ፖለቲካዊ ጸገማቶም ክፈትሑ ዝእከቡላ ሃገር ኮይና ኣላ። ንብረትን ገንዘብ ህዝቢ ኤርትራ ብኽመዚ መልክዕ ክንደይ ዝኣክል ገንዘብ ወጻኢታት ዝግበረሉ ምዃኑ ብትሑት ግምት ዝወሃቦ ኣይኮነን።

 

ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ ይትረፍስ ፖለቲካ፡ ነታ ንዕለት መግቢ ማእሪሩ ዝረኽበላ’ኳ ኣይረኽበን ዘሎ። እሞ ደኣ ኩነታት ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ መንእሰያት በዚ ደረጃ ሚዛን ክረአ እንተተኻኢሉ፡ ሓደ መንግስቲ ምስ ህዝቡ ዘየተዓረቀ ስለምንታይ ዕርቂ ጎረባብቲ ክዳኒ ይጓየይ ኣብ ሓሳብ ኩሉ ዜጋ ሕቶ ክመጽእ ኣይክእልን። ይኽእል’ዩ እየ ዝብል።

 

ሰላም ንህዝብና ይኹን

ዝኽሪ ንስውኣትና

 

24 ነሓሰ 2007

ኣንቶንዮ ተስፋይ

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1239

Posted by on Aug 24 2007 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net