ኣንጭዋ በረኻስ፡ ንኣንጫዋ ውሻጠ ተውጽኣ !

ቀዳማይ ክፋል

ብኣንቶንዮ ተስፋይ

23 ታሕሳስ 2009

ኣብ’ዚ ቀዳማይ ክፋል፡ ቅድሚ ናብ’ቲ ሞጎተ ምእታወይ፡ ብዛዕባ ግሉጽን እሩምን ዝዀነ ጉዳይ፡ እሩምን ግሉጽን ዝዀነ ሓተታ፡ ርእይቶ ይኹን ሓሳብ ክቀርበሉ ከም ዘለዎ መጠን ብዘሎኒ እምነትን ወይ ዕግበት ከም መእተዊ ክገብሮ እፈቱ።

ኣብ’ዚ ሎሚ እዋን ሓደ ካብ’ቲ ኣጸጋሚ ኮይኑ ዘሎ ሓደ፡ ዝተባረኽን ዝተቐብአን፡ ሕሩድ  እኽለ ማይ ተቐሪቡ ፡ ቤተ ሰብን ፈተውትን ተኣኪቦም መርቑልና ተባሂሉ፡ ብክቡራት ወለዶም ዝተዋህቦም ስም ክሒዶም ዝጽሕፉ ዘለዉ ብዝምልከት ሰባት’ዩ። ካብ’ቲ ክሕደት ስሞም ከኣ ናይ’ቲ ዘቕርቦ ሓሶትን፡ ናይ ጸለመ ወፈራን’ዩ።

ናይ ብርዒ ሽም ተባሂሉ፡ ኣብ መረኻቢ ብዙሓት ክግበር ዝከኣል ነገር’ኳ እንተዀነ፡ ኣብ ሓፈሻውን፡ ወይ’ውን እቲ ደራሲ ብዛዕባ ጉዳዩ ክዛረብ ኣብ ዝመርጸሉ፡ ሽሙ ክረቑሕ ፍቓደኛ ክሳብ ዘይኮነ፡ ክሳብ ውልቃዊ ጉዳይ ዝዀነ ብዙሕ ዘተሓታት ኣይኸውንን ንዓይ ከም ዝመስለኒ።

እንተዀነ ግን ዓብይ ጉዳይ ኣልዒሎም፡ መቁጸሪ ኣስማት ገዳይም ተጋደልቲ ዘይብሉ ኣልዒሎም፡ ኣስማት ፈተውቲ ይትረፍስ ኣስማት ጸላእቲ’ውን ካብ ኣልዓሉን ካብ ኣጋለጹስ፡ ከምይ ስሞም ብምስጢር ይተሓዝ ወይ ስሞም ክዕቀበሎም ይደልዩ ዝብል’ዩ። ንዓይ እቲ ዘልዕልዎ ጉዳይ ቀዳማይ ኮይኑ፡ ስሞም ድማ ከም መወከሲ መጠን ሓቲተ ናይ ተሞክሮታቶም ፈላጥን መስካርን ዝረኽበሉ። እዚ ናይ ተምክሮን ምስክርን ፈላጥን ዘይብሉ ኣስማት ግን ካብ ናይ ጸለመ ወፈራ ደወል ንላዕሊ ኣይርእዮን።

ኣብ ሕጊ ባህሊ እንድ’ባ ኤርትራ ሓደ ብጌጋ ንዝቀረበሉ ክሲ እንተሃለወ፡ እዋሓስ እግብእ ክብል እንከሎ፡ ስሙ ሓቢኡ፡ ወይ ተሓቢኡ ኣይኮነን። ከምኡ እንተዀነስ እቲ ብጌጋ ክሲ ቀሪቡኒ፡ ብጌጋ ተፈሪዱኒ ዝብሎ ይኹን፡ ብጌጋ ንዝቀረበሉ ክሲ ዘይብቝዕ’ዩ ዝገብሮ።

ሎሚ ከኣ ንሕና፡ ኣብ ቅድሚ ፍትሕን፡ ቅኑዕ ፍርድን ክንቀርብ እንተደኣ ኮይናስ፡ እንተወሓደ እቲ ነቐፈታ ዘቕርብ ኣካል፡ ብግሉጽ፡ ብቕንዕና፡ ንባዕሉ ምስ ኣንባቢ ክላለን፡ ናይ’ቲ ዘቅርቦ መርትዖ፡ እንተጸቢቁን፡ እንተሓሚቑን ብገጽ ክርከቦ ማለት’ዩ።

እታ መባእታዊት ሓላፍነት፡ እታ ንእሽቶ ሓላፍነት ክሓብኡ ዝፍትኑ ደረስቲ ጹሑፋት ካብ ሃለዉ፡ እቶም ንውድብ ዝመርሑ፡ ንማሕበራት ዝመርሑ ባእታታት ስርሓቶም ብመንጽር ናይ’ዚ ውልቀ ሰብ ሓላፍነት ብምስጢር ክሰራሕ ዘይብሉ እንታይ ምኽንያት ክቀርበሉ ይኽእል። ብምውድዳር ክቀርበሉ ዝኽእል ምኽንያት ስለ ዘየልቦ ናይ’ዚ ምስጢራዊ ከሳሲ ሕቶ ውዱቕ ይኸውን። ክህውትት ናይ ዝደለየ ወገን ግን ክሳብ ዝደልዮ ክህውትትን ክኣምንን ይኽእል’ዩ።

እቲ ጉዳይ ናይ ምስጢር ኣይብሎን፡ ስምካ ብምግላጽ’ውን ናይ ትብዓት ኣይብሎን፡ ጣጣ ክህሉ እንተዀይኑ ግን ናይ ክፋእ፡ ናይ ምፍልላይ፡ ናይ ምጥርጣር፡  ዘይብቝዕ ሓበሬታ ኣራሪኻ ሓላፍነት ብዝጎደሎ ንህዝቢ መልእክቲ ንምትሕልላፍ ዝተበግሰ ዕላማ’ዩ ዝብል ዕግበት ኣሎኒ። እቲ ጸገም ከኣ ንሱ’ዩ ክኸውን ዝኽእል።

እቲ ኩሉ ግዜ ነልዕሎ ሕቶ ምስ ሃገራዊ ጉዳይ፡ ምስ ሕድሪ ስውኣት ክሳብ ዝተኣሳሰረ፡ በዓል ጉዳይ ምስ’ቲ ዘልዕሎ ሕቶ መንጹር ዝተመዛዘነ ክቀርብ ኣለዎ በሃላይ’የ። እቲ ሕግን ስርዓትን ከኣ ንሱ’ዩ። ሓደ ክእርም ክገንሕን ዝደሊ፡ ብመጀመሪያ ኣውራን ንነፍሱ ክገንሕን ክእርምን ዝግባእ እመስለኒ። ካብኡ ሓሊፉ ነቲ መባእታዊ ነገር ግሉጽነት ዝብል ባዕሉ ካብ ዘይኣተግበሮ፡ ንባዕሉ ተሓቢኡ ክኸስስ ዘምሕር ኣይኮነን። ባዕሉ ዘይተጋለጸሉ እሞ ንመን’ዩ ብግሉጽ ክቀርበሉ ዝደሊዮ ? ዝገርም’ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ እዋን፡ ገገለ ከም በዓል ወዲ ዘናብ፡ ወዲ ጎሎ፡ ሓባሪ፡ ሎሚ ከኣ ወዲ ክንፈ ዝበሃል መጺኡ፡ ብመንጽር እቲ ዘልዕልዎ ሕቶታት፡ መንነቶም ሓቢኦም ብዛዕባ ናይ ካልኦት ካልኦት ክዛረቡ፡ ስሞም ሓቢኦም፡ ስም ካልኦት ክረቑሑ ብኽመይ ኣገባብ ፍትሓውን ርትዓውን ይኸውን ? ርትዓዊ ክኸውን ኣይክእልን፡ ግን ንሳቶም ከም ዝመስለኒ ኣብ ጉዳይ ሃገር ንስለ ዝጣልዑ፡ ኣብ መኽሰብ ክጃሃሩ፡ ኣብ ሓሶት ወይ ክሳራ ኮይኑ ዝተረኸበ ከኣ ኣሉ ክብሉ ክልተ ዕድል ሒዞም ዝቐርቡ’ዮም።

ተካል እዋን በጺሕና’ምበር ቀደምስ፡ ርእይቶን ይኹን ሓሳብ ዘቅርቡ ኤርትራውያን፡ ሽሞም ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ዘለዎም መርገጽን፡ መንነቶም ገሊጾም’ዮም፡ ነቲ ዘቕርብዎ ሓሳብ፡ ደገፍ ይኹን ተቐባልነት ክረኽብሉ ዝጽዕሩ ዝነበሩ። ንኣንበት ኣብ ግዜ መግዛእቲ ዓባይ ብሪጣኒያ ዝሕተም ዝነበረ ከም ኣብነት ሰሙናዊ ጋዜጣ ኤርትራ፡ ሓዳስ ኤርትራ፡ ካልኦት ጽሑፋትን …… ወ.ዘ.ተ።

ሓደ ካብ ስርሑ ይኹን ካብ ቤት ትምህርቱ ናብ ተ.ሓ.ኤ ይኹን ህ.ሓ.ሓ.ኤ፡ ኣብ ህ.ግ.ሓ.ኤ ዝተሰለፈ ተጋዳላይ፡ ስድርኡ ቤተ ሰቡ ዝበጀወ፡ ሎሚ ንፍትሕን ሓቕን ከነጽር ስሙ ሓቢኡ ክዛረብ፡ ክምድር፡ ክጽሕፍ፡ ቀዳማይ ኣብ ዝሓለፈ ውልቃዊ ታሪኹ ግጉይ ስጉምቲ ከም ዝወሰደን ወይ ናይ ዕሽነት ከም ዝነበረን፡ ዳግማይ ንባዕሉ ከም ዝለበመ ቆጺሩ እሞ፡ ሽሙ ሓቢኡ ንዓያሹ ከጽድፍ፡ ከተሃራርፍ፡ ክፈላልይ ከም ዝተቀረበ ኮይኑ ዝመስሎ’ዩ። ካልኣይ ባህሪይ’ዞም ባእታታት ናይ ዝተበገስሉ ዕላማ፡ ናይ ዋጋ ዕዳጋ፡ ኣብ ገገለ እዋን ብግልጺ፡ ኣብ ገገለ እዋን ከኣ ተሓቢእኻ ናይ ምቕላስ ሜላ’ዩ።

ነዚ ቀንዲ ክጽሕፍ ዝገደደኒ መሰል ኣሎኒ ብማለት ስሞም ሓቢኦም ንዝነዝሕዎ ኣሻዅ ወረ እኩብ ድምር ናይ’ዚ ተመሳሳልን ልሙድን ኮይኑ ኣብ ክሊ ኤርትራውያንን ክካይድ ዝጸንሐ፡ ብመንጽር ናይ ዘልዕልዎ ሃገራዊ ሕቶ ተበግሶታቶም ክኹነን ኣለዎ ዝብል’ዩ። ብፍላይ ከኣ እቶም ኣብ ምዕራብ ሃገራት ዝርከቡ ናይ ምንባር ውሕስነት ዘለዎም ባእታታት ንዝምልከት።

ኣብ’ዚ ሓደ ክለዓል ዝኽእል ሕቶ ኣሎ፡ ሓደ ተጋዳላይ ነይረ ዝብል፡ እሞ ኣብ ዲሞክራሲያውን፡ ናይ ምንባር ውሕስነትን ጸጥታን ዘለዎ ሃገር ዝቕመጥ፡ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ትሕቲ ህ.ግ.ዲ.ፍ ዝናበርን ዝመሓደርን ህዝቢ፡ ካብ ምልካዊ ምምሕዳር ነጻ ከውጽእ ኣብ ተሃዋሲ ከባቢ ንዝቃለስ ሓይልታት ኣባላት ስሞም እንዳሓበረ፡ ስሙ ሓቢኡ ክዛረብን ክምድርን፡ ክጽሕፍን ናይ ዝቐዳደም ባእታ’ዩ።

ብመንጽር ፍዅሰት፡ ብመንጽር ጥርጣረ፡ ብመንጽር ዘይግሉጽን፡ ዘይንጹርን ነልዕሎም ሕቶታት፡ ክንረኽቦም ንኽእል መልስታት ፈኮስቲ፡ ጥርጡራት፡ ዘይግሉጻትን ዘይንጹራትን እዮም ክዀኑ ዝኽእሉ። ዘብጽሕዎ መልእኽቲ ድማ ከምኡ እዩ።

ሓደ ወዲ ዘናብ ዝበሃል ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ መወዳእታ ዘይብሉ ተደጋጋሚ ብሕታዊ ክሲ  ” ንኣቶ ቀለታ ኪዳነ”  እንዳኣቕረበ፡ ሓሊፉ። እቲ ጉዳይ ሓሶት ይኹን ሓቂ፡ ፍትሓዊ ይኹን ኵነነ ኣብ ክልተ ታሪካዊ መድረኻት ዝተፈጸመ’ዩ ነይሩ ክበሃል ይከኣል።

ኣቶ ቀለታ ኪዳነ፡ ኣብ ዕላዊ ሓባርዊ ፈስቲቫል፡ ንሙሉእ ዓለም ዝተዘርግሐ፡ ሃገራዊ ጉዳይ ዘንቐሎ ክኸውን እንከሎ፡ ወዲ ዘናብ ከኣ፡ ብሕቡእ ምስጢራዊ ስም፡ ኣብ ኣብ ብሕታዊ ጉዳያት፡ ነቲ ኣቶ ቀለታ ኪዳን ዘልዓልዎ ሕቶ ዘይምልከት ምንባሩ’ዩ።

እዚ ናይ ወዲ ዘናብ፡ ካብ’ቲ ብዙሕ ኣብነታት ሓደ ናበ’የናይ ተረድኦ ይመርሓና፡ እወ … ነቶም ብግሉጽ፡ ብዕቱብ፡ ብቆራጽነትን፡ ብቕሓትን ዝተበገሱ ውድባት፡ ሰልፍታት፡ ባእታታት ንምዕንቓፍ፡ ንምጉዳም፡ ንምዅላፍ ዝካየድ ሜላ ኢሎም ዝቆጽርዎ፡ መናዋሒ ግፍዕን ጭቆናን ህዝቢ ኤርትራ፡ ናይ ፖለቲካ ሽኵሽኳ ዝሓዞም ደገፍቲ ጭፍራ ህ.ግ.ዲ.ፍ እዮም።

እቶም ስሞም ሓቢኦም ዝጽሕፉን፡ ዝምድሩን ልዕሊ’ቶም ብግልጺ፡ ብኣዋጅ ዝሰርሑ፡ እሞ ብስራሕን ዕማምን ናይ’ቲ ዝተኣወጀን ዝተገልጸን ዝዛረቡ እንተዀይኖም፡ ሓደው ናይ’ቲ ቅኑዕ ብጌጋ ዝግለጽ ግጉይ መስርሕ መሻርኽቲ’ዮም፡ ሓደው ንናይ ገዛእ ርእሶም መግለጺ፡ ጽሑፎም፡ መርገጾም መባእታዊ ግሉጽነት፡ ከም’ቲ ኣብ ላዕሊ ሰፊሩ ዘሎ ባህላዊ ሕግን ወግዕን፡ ስሞምን መንነቶም ከስፍሩ ይግባእ። ድሕሪኡ መን ንመን ይምልስ፡ ይፍለጥ። ህዝቢ ይፈልጥ፡ ይዓግብ፡ ቅኑዕን ጌጋን ይመሚ።

ይቕጽል………….

Short URL: https://english.farajat.net/?p=124

Posted by on Dec 24 2009 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net