ሰላማዊ ሰልፊ !

ኣንፈት መጻኢት ኤርትራዊት ደሞክራሲ !
እዚ ኣብ ዓዲ ጥልያን፡ ዓዲ እንግሊዝ፡ ስዊድን፡ ፍራንክፈርት፡ ዋሺንግቶን ክግበር ተሓሲቡ ዘሎ ሰለማዊ ሰልፍታት እዋናውን ኣንፈት መጻኢ ደሞክራሲን  ኢዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሰላማዊ ሰልፍታት ኣብ ኤውሮፓን፤ ኣመሪካን ኣውሰትራልያን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃን ዕዉት  ከምዝነበረ ዝዝከር ኢዩ።

አብዚ ዓመት እዚ ከኣ ከኣ እኒሆ ብዝለዓለ ደረጃን ብዙሕ ምቕርራባትን ዝግበረሉ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፊ ንሽዱሽተ ዓመት ብዘይ ፍርድን ብኢሰብኣዊ ዝኾነ ኣገባብ ንዝተኣስሩ ገዳይም መራሕትን፡ ተጋደልትን፡ ጋዘጠኛታትን፤ ከምኡውን  ወለድን መንእሰያትን ፍትሒ  ይገበረሎም ዝብል ጸዋዒት ኢዩ። 

ኣብዚ ግዜዚ ሃገርና ኤርትራ ትሓልፎ ዘላ ብጣዕሚ ኣዋጣሪ ዝኾነ መድረኽ ኢዩ፤ ንሱ ከኣ በቲ ሓደ ወገን ነቲ ብመሪር ቃልሲ ዝመጸ ናጽነት ኤርትራ መብጽዓ ጠሊሞም ንውልቃዊ ስልጣኖምን ረብሕኦም ክብሉ ብዘይ ኣገባብን ሕግን ፍትሕን ብሓይሎም ዝገዝኡ ዘለውን፡  በቲ ካልእ ወገን ከኣ ኣብ ቃልሲ ዝተኣትወ መብጽዓ ይትሓሎ፤ ፍረ ቃልስና ንሕዝብና፤ ዝብል ክልተ ተጻራሪ ግርጭት ኢዩ።

እቲ ዝገደደ ከኣ ኤርትራ ሃገርና ካብ ሕጊ-ዓለም እናረሓቐት ብሕጊ-ኣልቦነት እናተመርሓት፤ ካብ ዓለም እናተነጸለት ትኸደሉ ዘላ ኣዋጣሪ ግዜ ኢዩ።
ኣብዘን ዝሓለፍ 16 ዓመታት፤ ጠላማት መብጽዓን ገበቲ ስልጣንን፤ ነቲ ብቃልሲ ሓፋሽ ሕዝብና ዝተረኽበ ናጽነተ-መሬት ኤርትራ፤ ኣብ ረብሓ ውሑዳት ክቕይሩ ዘይገበርዎ ፈተነ የለን፤  ነቲ ሕዝቢ ብ1997 ዘጽደቆ ቅዋሙ ደርቢዮም፤ ሕዝቢ ሃገሩ፡  ሃገር ሕግን ፍትሕን፡ ሃገር ሰላምን፡ ምክብባርን፤ ጽቡቕ ጉርብትናን ዝሰፈና ሃገር ክትከውን ዝነበረ ተስፋ ዘምከኑን ኢዮም።

ነቶም መሰል ኤርትራዊ ዜጋ ይትሓሎ፤ኣኼባ ይገበረልና፤ ኣብ ሃገርና፡ ፍትሕን ፡ ሕግን ደሞክራስን፡ ሓርነትን፡ ሰላምን ይንገስ፤ ኣብ እዋን ቃልሲ ዝተኣትወ መብጽዓ ይተሓሎ፤ ሕዝባዊ መንግሰቲ ይተኸል፤ ቅዋም ኣብ ግብሪ ይተርጎም ዝበሉ ኩሎም ኣብ እስሪ ቤት ዒራዒሮ ኣስፊሮም ደሃዮም ኣጥፊኦሞም ይርከቡ።


ንሕዝብና ከኣ ብዓሌትን ብወገንን ከምዝፈላለ ብምግባር ብሒም ኢሉ ዓገብ ከምዘይብል ተገብረ። ናይ መዋእል ጀጋኑ ኣብ ገሊኦም ዝሞቱ ገሊኦም ከኣ ኣበይ ከምዘለዉ ሃለዋቶም ዘይፍለጡ ኮይኖም ይርከቡ። ሕዝቢ ከኣ መሰል ናጻ ሓሳቡ ናይ ምግላጽን፤ ሰለማዊ ሰልፊ ናይ ምግባርን ተሓሪምዎ ብኣፉ ተለጉሙ ይርከብ።

እቶም ጠላማት ኣብዚ ግዜ እዚ ኣብቲ ባዕሎም ዝወልዕዋ ጥልመት ከምቲ ዝሓሰብዎ ስለ ዘይከደት ዘርባዕባዕ ክብሉ ጀምሮምሉ ዘለው እዋናት ኢዩ፤ ነቲ ባዕላቶም ዝፈሓርዋ ጉድጓድ ከኣ ክኣትውዋ ቀሪቦም፤ ኣብ ዘርባዕባዕ ይርከቡ።
ቲቪ ኤረ ትኹን፤ ራድዮታቶምን፤ መርበብ ሓበሬታቶምን ኣብ ናይ ሓሶት ዘመተ ተዋፊረን ክሳብ ሎሚ ንበይነን ዓንገረር ክብላ ይውዕላ ኣለዋ። ንውሑዳት ኣብ ወጻኢ ዝቕመጡ ናይ ሕጊ ግደፍ ኣባላቶም ዓይኖም ከዕውሩ ሚልዮናት ናይ ሕዝቢ ገንዘብ ብምውጻእ፤ ኣብ መላእ ዓለም ዝዝርጋሕ ቲቪ ኤረ ፈነወ ብምግባር ናይ ሓሶት ፕሮፓጋንድኦም ክሳብ ሎሚ ይንሰንሱ ኣለዉ።

ኣብ ውሽጢ ሃገር ከኣ ሕዝቢ ንቁራስ ባኒ ክረክብ ምሉእ መዓልቲ ይስራዕ፤ ነዳዲ ስእኑ ኣብ ጸልማት ይሓድር፤ ነዳዲ ስኢኑ ዉሑድ ኣእዋም ዓደቡኡ ይቖርጽ፤ ነዳዲ ሲኢኑ ክንደይ ኪሎ ሜተራት ብእግሩ ይጎዓዝ ፤ እዚ ኩሉ ዓዲ በጺሑ ዝመጸ ዝምስክሮ ሓቂ ኢዩ።

ሕጊ-ግደፍ ከኣ ገንዘብ ሕዝቢ ኣብ ረብሓ ዘይበሉ ውግእ ኣንጻር ሕዝቡን፤ ጎረበታቱን

መአንገዲ ዘይረብሑ መሓዙትን ይኽስክሶ አሎ፤ እዚ ከኣ ናይ ኩሎም ዲክታቶራውያን ጠባይ ኢዩ፤ ንኣብነት ሳዳም ኣንፃር ጎረበታቱ ንመዋእል ኢዩ ተዋጊኡ።
እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰ ርእሰ-ነገራት ሕዝቢ ብናጻ ከይዛራረበሉ እኒሆ ናጻ ፕረስ ተዓጺየን ጥራይ ዘይኮነስ ከም ውልቀ ሰብ ከማን  ሂን ምሂን ከይትበሃሃል ሃገር ብዕሱባት ሓሰወቲ ተጎቢኣ ኢያ።ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ኤውሮጳን፤ ኣመሪካን ከምኡ እውን ኣብ ካልእ ዓለማት እውን ብኤምባስታቶን ቆንስላቶምን ሂን ምሂን ከይንበሃሃል ብርሑቕ (ብremote control) ክቋጻጸሩና ይፍትኑ ኢዮም። ሎሚ ግን መዋኢሉ ዘብቀዐ ይመስል።
ቀደም ሕዝብና ብስሙ ኩሩዕ፤ ንሓቂ ኣብ ግንባሩ ዝውቃዕ ኢዩ ዝነበረ፤ ሎሚ ግን ነብሰ ተኣማንነት ኣጥፊኡ። ኣብ ውሽጢ ሃገርስ ደሓን ንሕይወቱ ከድሕን ኣፉ ይሓዝ፤ ኣብ ደሞክራሲያውያን ሃገራት ንርእስና እናነበርና ንሓቅን ሓሶትን ፈላሊና፤ ዓው ኢልና ርእይቶና ክንህብ ዘይምኽኣልና ግን ዘሐዝንን ዘተሓሳስብ ጉዳይ ኢዩ።
ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ረብሐ እንተኾይኑ ከኣ ረብሓ ብዘይ ሕግን፡ ፍትሕን፡ መሰልን፡

ዋጋ የብሉን፤ ን30 ዓመታት ሓቢሮም ዝተቓለሱ ብጾቶምን፡ መባልዕቶምን፡ መማኽርቶምን፤ እኳ ዘይመሓሩስ ንዓና ንኣብ ወጻኢ ዘሎናኳ ቀዳሞት ጸላእቶም ምዃና ክርሳዕ ዘይብሉ ጉዳይ ኤዩ፤ ትኽስ ድሙ መዘንግዕ ኣንጭዋ ደላር ክሳብ ዘበርከትና ምስኦም አሎና፤ ዶላር ጠጠው እንተ ኢላ ግን ደሓን ኩን ደሓን ትረፍ ኢዩ።
ሎሚ እኮ ክልተ ካብ ሚእቲ ዘይከፈለስ ኣብ ውሽጢ ሃገር ባኒ እኳ ክገዝኣሉ ኣብ ዘይክእሉ ደረጃ ኢዩ ተበጺሑ ዘሎ።
ሕዝብና ናይ ብሓቂ ሓቢሩ ሓድነቱ ኣጣናኺሩ፤ ብኣዕጽምቲ ደቁ ዝተሃንጸት ኤርትራ፤ ብደም ደቃ ተሓጺባ ናጻ ዝወጸት ኤርትራ፤ ክካላኽለላን ንመሰልና ክሕሎ ክንቃለስን ናይ ግድን ኢዩ። ሎሚ ተቃዉሞ ሕዝብና ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናረሰነ ይኸይድ አሎ፤ ውድቀት ጠላማት መብጽዓን ናይ ምልክነት ሓለምትን ከኣ እነሃሰሰ ይኸይድ ከምዘሎ

ከም ጸሓይ ቀትሪ ብሩህ ኮይኑ ኣሎ።
ስለ እዚ ኣብ ኤውሮጳን ኣመሪካን ክግበር ተሓሲቡ ዘሎ ሰለማዊ ሰልፍታት ክንካፈሎ ሃገራዊ ግብእናን፤ መሰልናን፤ ሞራላዊ ሓላፍነትን ኣሎና።

ዕዉት ሰላማዊ ሰልፊ ከምዝኸውንን ኣንፈትን ከፋትን መጻኢት ደሞክራሲያዊት ኤርትራ ከምዝኸውን እውን ይኣምን።

ንመሰልካ ምቅላሰ ዓገብ ምባልን ጅግንነት ኢዩ

ኢሰብኣዊ ተግባራት እናረኣካ ስቐ ምባል ግን ጥልመት ኢዩ
ዓወት ንሰላማዊ ሰልፊ ኣንጻር  ምልኪ

ኣብራሃም ተኽለ
17.09.2007

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1260

Posted by on Sep 17 2007 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net