ክሳብ መዓስ ምስቃጥ?

ዓመታዊ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣንጻር መደባት ስርዓት ህግደፍ ኣውስትራልያ

 

ንዝሓለፈ 6 ዓመታት መመልእታ ነቲ ብስም ባህላዊ ፈስቲቫል ዝጽዋዕ ብህግደፍ ዝዳሎ ዳንኬራን ጓይላን ብምቅዋም፡ ስልጣን ናብ ህዝቢ ክስጋግር፡ ሰብእዊ መስላት ክኽበር፡ ዘሕጋዊ ጨፍላቕን ቀታልን ስርዓት ሓንሳብን ንሓዋሩን ተኣልዩ ብግዝኣተ ሕጊ ክትካእ፡  ቅሱን ሂውትን ጥዑይ ምሕደራ ህዝብን ሃገርን ንኽፍጠር ብቓጻሊ ክሕተት ጸኒሑ። ኩታ ግዝኣተ ሕጊ ንምንጋስ ብዓውታ ክቀርብ ዝጸነሐ ጸዊዒትን ጠለባትን ጸማም እዝኒ ብምሃብ ስርዓት ህግደፍ ንህላወ ሃገርን ህዝብን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ናይ ዕንደራ ፖሊሲ ስለዝመረጸ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ከቢድ ጸሊም ደበና ኣንጠጥዩ እሎ። ነዚ ተወሳኺ ጭብጥን ሓብሬታን ዘየድልዮ ኩሉ ኤርትራዊ ብግሁድ ዝዕዘቦ ዘሎ ኩነታት፡ ዓዳምን ተዓዳምን ዘየድልዮ ዕዳ ኩሉ ኤርትራዊ ብምዃኑ፡ ረኢኻ ከምዘይረአኻ ሰሚዕካ ከምዘይሰማዕካ፡ ወይ’ውን ብቲ ህግደፍ ዝዝርገሖ ፕሮፖጋንዳ ከም መኸወሊ ተጠቒምካ ምስሕልናኻ ምትህልላኽ ግዚኡ ኣብቂዑ እዩ። ይኣክል ዝብል ቃል ብተደጋጋሚ እነቃላሓሉ እዋን ኣኺሉ እዩ

ኣቶኩሮ ናይ’ዚ ዓመት’ዚ፡ ናብ’ቲ ኣብ ወጻኢ ዝነብር ማሕበረ-ሰብ ኢርትራ ብሓፈሻ ዝጠመተ ኮይኑ፡ ብፍላይ ድማ ነቶም ሰብኣዊ መሰላቶምን ናጽነቶም ተሓልይሎም ኣብ ፍትሒ ዝነገሶ ዓደታት ዝቕመጡ፡ ወዲ ሰብ ክሳብ ክንደይ ክቡር ምኻኑ ኣብ መዓልታዊ ሂወትም ዝዕዘቡ፡ ምሉእ መሰሎም ተሓልይሎም ምስ ደቀባት ናይተን ዝነብሩለን ሃገራት ተማዕራርዮም ዝነብሩ፡ ሕጊ፡ ፍትሒ፡ መሰል፡ ግቡእ፡ ዲሞክራሲ ዝብሉ ኣምራት ኣንታይ ምዃኖም ብግብሪ ዝምስክሩ ኤርትራውያን ዝዓለመ እዩ። እዚ ወዲ ሰብ ባዕሉ ዝፈጠሮ አዕኑድ ምሕደራ ህዝብታትን ሃገራትን ቅሳነት: ሰላም: ክብረት: ንዜጋታት ፈጢሩ ከምዘሎ እናፈለጥካ፡ ኣካልካን ወገንካን ንዝኾነ ህዝቢ ግን ብሕሱም ክቕጥቀጥን ክዋረድን እናረእኻ ድምጽኻ ካብ ምስማዕ፡ ዓገብ ካብ ምባል ምቑጣብን ምጽቃጥን ምስ ምንታይ ይቑጸር?

ንምዝኽኻር ዝኣክል፡ እዘን ንህዝበንን ሃገረንን ኮይነን፡ ከም ናይ ሃገርና ዝኣመስሉ ዕቡዳት ውልቀ መልኽቲ፡ ዝፈጠርዎ ዕንወታት አህዛብ ንምቅላል ዝጽዕራን መዕቆቢ ኮይነን ዘለዋን ሃገራት፡ ኤርትራውያን’ውን ክብርናን መሰልናን ተሓልይልና ንነብረለን ዘለና፡ ብውጽኢት መስዋእትን ሓያል ጻዕርን ቃልስን ህዝብታተን ዝተረኽበ ጸጋ እዩ። እዚ ድማ ሳላ’ቲ ፍትሒ ንኽነግስ ዝተኽፍለ ክቡር ዋጋ ዜጋታትን ምዃኑ ምዝኽኻር ኣገዳሲ እዩ። እዚ ዕዳ’ዚ ንኤርትራውያን ሓለፋ ካለኦት ዓቢ ጾር ብምኻኑ፡ ኣብ ክንዲ’ቲ ዝጠፍእን ዝዋረድን ዘሎ ህዝቢ ድምጾም ብሓባር ብዓውታ ከስምዑን ንለውጢ ክጠልቡን ሕልናዊ ግዴተኦምን ግቡኦምን እዩ። እቲ ሓቂ እዚ ካብ ኮነ ነቲ ኣብ ስቓይን ራዕድን ዝነብር ህዝብና ፍትሓውን ሰላማውን ክቡር ሂወት ከሕልፍ ምእንቲ፡ ብሓባር ብዓውታ ኣብ ክንዲ’ቲ ድምጹ ከየስምዕ ዝተዓፈነ ህዝቢ ይኣክል ክንብል ወሲና ኣሎና።

ህዝቢ ኤርትራ ዝህልፎ ዘሎ ኣሰቃቒ ኩነታት ንኹሉ ኤርትራዊ ፍሉጥ እኳ እንተኾነ፡ ንምዝኽኻር ዝኣክል ነዞም ዝስዕቡ ማይ ባሕሪ ብጭልፋ ክንጠቕስ ይፈቐደልና።

  • መንእሰያት ኤርትራ ካብ ትምህርትን መጻኢ ሂወቶምን ተመዛቢሎም ንዘይተወሰነ ግዜ ኣብ ውትህድርናን፡ ንምድልዳል ቁጠባ ናይ’ዚ ጨፍላቒ ስርዓት ብኣርዑት ባርነት ተጽሚዶም ክቡር መጻኢ ሂወትም ብኹንቱ እብ ጎዳጉዲ ይሕልፍዎ ኣለዉ፡፡
  • ናይ ፖለቲካ መራሕትን ጋዜጠኝታትን ሞያውያንን፡ ንትግባረ ቅዋምን ቅዋማዊ ስርዓትን ስለዝጠለቡ ብዘይፍርዲ ንዓመታት ተሞቚሕም ኣደዳ ሞትን ሕማምን ኮይኖም ኣለዉ።
  • ወለዲ ደቅኹም አህዲምኩም ተባሂሎም ብኣደዳ ማእሰርትን መቕጻዕትን ክብረቶም ተቐንጢጡ ብውርደት ይነብሩ ኣለዉ።
  • መራሕቲ ሃይማኖትን መማህራንን ብዘይ ክሲ ተኣሲሮምን ተመቊሖምን ብዘፍርዲ ይሳቐዩ ኣለዉ።
  • ህዝቢ ኣብንሓድሕዱ ምትእምማን ንኸጥፍእ ኩሉ ኣሎ ዝተባህለ መቓቓልን ከፋፋልን ተንኮላት ተኣታትዩ ይስራሓሉ ኣሎ።
  • ኣብ ተሪኽ ህዝብና ተረእዩ ዘይፈልጥ ኣንጻር ባህልናን ልምድናን ብልሹውና ዓመጽ ዝምታ ተኣታትዩ ይርከብ።
  • መሰል ዋንነት መሬት ዜጋታት ተመንዚዑ ኣብ መዓላ ጨፍላቒ ስርዓትን መሳርሕታቶም ንዝኾኑ ሰበስልጥናትን ሰብ ገንዘብን ሃሱሳትን ክትቀምሉ ንርኢ ኣለና።
  • ሓረስቶት እተቶምን ፍርያቶምን ንኸይሸጡን ከይልውጡን ተኸልኪሎምን፡ ክፋል ካብ እተቶም ንስርዓት ህግደፍ ንኸረክቡ ይእዘዙ ኣለዉ።
  • ህዝቢ ብስንኪ ሕጽረት መግቢ ብጥምየትን ዓጸቦን ተሳቕዩ ህጹጽ ረድኤት ኣብ ዝጽበየሉ ዘሎ እዋን፡ ስርዓት ህግደፍ ንኹሎ ሰብኣዊ ሓገዝን ረዲኤትን ንኸይኣቱ ከልኪሉ ይርከብ።
  • ስርዓት ህግደፍ ባዕሉ ብዝፈጠሮ ሓደገኛ ምትኽታኹን ጥቡቕ ዝምድናታት ምስ ግብረ ሽበርን ኣኽረርትን ንሃገርን ህዝብን ኣብ ሓደጋ ይእትይዎ ይርከብ።

 

እዚእም ውሑዳት ካብ ክጥቀሱ ዝኽእሉ ኣብነታት መርኣያ ዘሕዝን ኩነታት ሃገርና እዮም። በዚ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ወሪዱ ዘሎ ሓደጋትትን ዕንወታትን፡ ንሕልናኻ ቀስቂሱ ይኣክል ክትብል እንተዘይበቒዕካ ብሂወት ኣለኹ ምባል ንብስኻ ምትላል ጥራይ እዩ።

ይኣክል ምባል ድምጺ ህልዋት እዩ፡

ይኣክል ኢልካ ድምጽኻ አስምዕ፡

ይኣክል ምባል ድምጺ ጀጋኑ እዩ።

 

– ኣዳላዊት ኮሚቴ ሰለማዊ ሰልፊ ኣውስትራልያ

– ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ጨ/መልበርን

19 ታሕሳስ 2008

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1277

Posted by on Dec 19 2008 Filed under Resistance. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net