ድምጺ ሓፋሽ ዶ ወይስ ድምጺ ኣሜሪካ !

ዝገርም’ዩ፡ ድምጺ ኣሜሪካ መደብ ትግርኛ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዛ ንህዝቢ ኤርትራ መሰሉ ነፊጋ፡ እቲ ክበጽሖ፡ ክሰምዖ ዝግበኦን ዘለዎን ሓበሬታ ኮኒናቶ ጸኒሓ’ያ። ካብ’ቲ ዝተዋሃበቶ መደብ ስራሓት’ውን ዝተኣለየት ትመስል። ናይ ብዙሓት ተኻታተልቲ ሬድዮ ድምጺ ኣሜሪካ ሓሳብ ክሰምዕ እንከልኹ’ውን ዝህብዎ ተመሳሳሊ ርእይቶ ሚዛንን’ዩ።

ድምጺ ኣሜሪካ ኣብ መጻሕትኡ ፈነወ፡ ኣብ’ቲ ተዳልዎ ዜናን ሓበሬታን ከም ተሓባባሪት ድምጺ ሓፋሽ ወይ መሳሰይት ህ.ግ.ዲ.ፍ ኮይና’ያ ትቀርብ ዝብሉ ብዝሓት’ዮም። ብሓቂ ኣነ ከም ዝሰማዕክዎን ብዝሓት ከም ዝሰምዕዎን ዝምስክርዎን ድማ ካብ’ቲ ብድምጺ ሓፋሽ መራኺቢ ህ.ግ.ዲ.ፋውያን ዝመሓላለፍ ዜናን ሓበሬታን ፈሊኻ ዘይረአ ወገንን መርገጽን ዝወሰደ ሓበሬታ’ዩ ዝቐርብ።

ኣነ ብወገነይ ኣብ ርእሰይ ዝተፈጸመ ዘይፍትሓዊ ጉዳይ ምስ’ዚ ተኸታተልቲ ድምጺ ኣሜሪካ ዝብልዎ ዝሰማማዕ ተምክሮታት’ኳ እንተሃለወኒ፡ ንግዜኡ ኣነን ሚንያ ኣፈወርቒ ኣባል ፈነወ ድምጺ ኣሜርካ ትፈልጦ ጉዳይ ንግዜኡ ኣወንዚፈ ኣብ’ቲ ንመላእ ህዝቢ ህዝቢ ኤርትራ ዝምልከት ከተኵር እፈቱ።

ኣባላት መራኸቢ ፈነወ ድምጺ ኣሜሪካ ካብ ምልካዊ ስርዓታት ርሒቆም ናይ ሂወቶም ድሕነትን ውሕስነትን ዝረኽበሉ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ምዕቡልን፡ ናይ ዲሞክራሲ ፈልሲ ዝትከለሉ ሕብረተ ሰብ፡ በቲ ሕብረተ ሰብ ዝተመወለ ትካል እንዳሰርሑ ሂወቶም ዘማሓድሩ ባእታታት፡ ኣካላት ናይ ውጽዑን ጭቝኑን ሕብረተ ሰብ ኣፍሪቃ፡ ሎሚ ንህዝቦም ከም’ዞ ክፈድዩ፡ እዞም ሰባት ብውልቀን ብሓባርን ክበጽሕዎ ዝደለዩ ደረጃ ዕብየት ሕብረተ ሰብ ዓለም እንታይ ምዃኑ ይድንጽወካ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ፡ ኣብ ድምጺ ኣሜሪካ ናይ’ቲ ቅድሚ ሰልስተ መዓልቲ ዝሓለፈ ኣገዳሲ ዑደት ፕረሲደንት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ባራክ ኦባማ ኣብ ጋና፡ መልእክቲ ህዝቢ ኣፍሪቃ ምዃኑ እንዳፈለጡ ኣጽቒጦም ሓሊፍምዎ።

ሎሚ ድማ ከም ኣመሎም፡ ንድምጺ ሓፋሽ ንኽሕግዙ፡ ኣብ ሱዳን ንዝነብር ህዝቢ ብስልኪ ቃል መሕተት ኣካይዶም። ኣብ’ዚ ጉዳይ ብፍሉይን ንጹርን ክብሎ ዝደሊ ጉዳይ ኣሎ።

ቀዳማይ እቲ ብስልኪ ቃል መሕተት ዝተኻየደሉ ሃገር ሱዳን’ዩ። ካልኣይ እቶም ምስ ድምጺ ኣሜሪካ ቃል መሕተት ዝተኻየደሎም ኢትዮጵያውያን’ዮም።

ኣብ’ዚ ጉዳይ ንጹር ክህሉ ተስፋ’ገብር፡ ከመይ እቶም ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ኣብ ሱዳን፡ ሓደ ብጉዳይ መነባብሮ ስደቶም ኣብ ሱዳንን፡ ብጉዳይ ኣብ ሃገሮም ዘሎ ፖለቲካዊ ምሕደራ ክዛረቡ ተፈቒድሎም።

ብዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ርእይቶይ ክህብ ዘኽእል፡ ልዕሊ እቲ ነዚ ኣብ ልዕሊ ድምጺ ኣሜሪካ ዘቕርቦ ክሲ’ኳ እንተሃለወኒ ብዓይቢኡ ጉዳይ ኢትዮጵያውያን ስለ ዝዀነ ንኢዮጵያውያን ይገድፎ።

ኣብ’ዚ ዝጠቐስክዎ ሓያልን ምስ’ቲ ህዝቢ ኣሜሪካ ነቶም ውጹዓት ኣፍ ዝኸፈተሎም፡ ጥብቅናን መሰል ሰብኣዊ ክብሪ፡ ልዕሊኡ ዘመስክሮ እንተሃለወ ከም’ቲ ልዕል ክብል ዝጠቐስክዎ ናይ’ቶም ብውዕል ሰደተኛታት ጀነቭ፡ ብውዕል ቬና፡ ብውዕል ሰብኣዊ መሰል ሄልሲንክፎርስ ዝተዓቆቡ ባእታታት ኣንጻር ረብሓ ህዝቦም ክሰርሑ ምዕዛብ’ዩ።

ድምጺ ኣሜሪካ ናይ’ቶም ን25 ዓመት ኣብ ሱዳን ዝተቐመጡ ኢትዮጵያውያን፡ ኣብ ሱዳን ንዘጋጥሞም ናይ መነባብሮ ሕሰም፡ ብኽመይ ልዕሊ ናይ’ቶም ኣስታት 100 ዓመት ዝተሰደዱ ኤርትራውያን ክብደት ሚዛን ክወሃቦ ይኽእል።

ሕሰም ስደት ኤርትራውያን፡ ብምትሕብባር ህዝቢ ሱዳንን መንግስቱን’ኳ ሰለይ ክብል እንተጸንሐ፡ ድሕሪ ነጻነት ኣብ ኤርትራ ዝተጋህደ ሓድሽ ፖለቲካዊ ኩነታት ንጉዳይ ስደተኛታት ኤርትራ ኣብ ሱዳን ኣብ ኣዝዩ ዝኸፍአ ደረጃ መነባብሮ ኣውዲቕዎ’ዩ። ልዕሊ ኩሉ መንስግቲ ህ.ግ.ዲ.ፍ ንህዝቡ ክሒዱ ኣብ ሱዳን ስደተኛታት ኤርትራውያን የልውን ክብል ሓንሳብ፡ ንዓዶም ክምለሱ ብምእጋድ፡ ሓንሳብ ምስ መደብ ምጥያስ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ክሰሓሓብ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ክንደይ መከራ ከም ዝደርበዮ ዝርሳዕ ኣይኮነን።

ኢትዮጵያውን ስደተኛታት ኣብ ሱዳን ጉዳዮም ክዝረበሉ ኣይኮነን እቲ ተቃውሞ፡ እንታይ ደኣ ናይ’ቶም ንልዕሊ ዕድመ መግዛእትን ካብኡ ሓሊፉ ድማ ካብ ነጻነት ንነጀው ዘሎ ግዜ ህዝብና ዝሓለፎን ዝሕልፎን ዘሎ መከራን ሕሰምን፡ እቲ ዳግማይ፡ ካብ ብግዜ መግዛእቲ ዝስደድ ዝነበረ ዘይውሕድ ኤርትራዊ ሎሚ ከኣ ንስደት ኣብ ሓደጋ ተቃሊዑ ሂወቱ ከድሕን ዝገብሮ ዘሎ ጻዕረ ሞት ንድምጺ ኣሜሪካ መላገጺ ፖለቲካ ኮይኑ፡ ንደገፍ ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ፡ ኢትዮጵያውያን ስኣን ዝኣልዮምን ቆላሕታ መንግስቶም ዝሰኣኑ ኣብ ሃገር ሱዳን ይግፍዑ ከም ዘለዉ ምግላጾም’ዩ።

እዚ ሓላፍነታዊ ዝጎደሎ ፈነው ሬድዮ ድምጺ ኣሜሪካ ክፍሊ ትግርኛ፡ ነቲ ተዛረባ ቋንቋ ትግርኛ ናይ’ቲ ከባቢ ዝውክልን፡ ንመሰሉ ንምግጋጽ ዝሕግዝ’ውን ኣይኮነን። ብኣንጻሩ በዚ ናይ ኣካይዳ ድምጺ ኣሜሪካ ክፍሊ ትግርኛ ምስ’ቲ ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ወጊንካ ናይ ምዃድ ጥራሕ’ዩ።

እዚ ጥራሕ መዓስ ኮይኑ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ዕለት 19 2009 ብምትሕብባር ኤርትራውያን ኣብ መላእ ሰሜን ኣሜሪካ ኣብ ዋሽንግቶን-ዲሲ ዝተኻየደ ተቓውሞ ሰላማዊ ሰልፊ ኣንጻር ህ.ግ.ዲ.ፍ፡ ንልዕሊ ሓደ ሽሕ ዝገማገም ተሳታፊ ዝነበሮ ሰልፊ፡ ድምጺ ኣሜሪካ ክልተ ሚእቲ ክብል ሓበሬታ ኣመሓላሊፉ፡ ነቲ ዝቐረበ ሓበሬታ ግጉይ ምዃኑ ተቓውሞ ምስ ቐረበሎም ከኣ፡ ድምጺ ኣሜሪካ ንሕና ኣብ መጀመሪያ’ምበር ክሳብ ዝውዳእ ኣይነበርናን ክብሉ መሊሶም፡ እዚ ከኣ ካብ ዘይተገዳስነትን፡ ነቲ ንህ.ግ.ዲ.ፍ ዘለዎም ተማእዛዝነት’ምበር ካልእ ኣይኮነን።

እዚ ካብ’ዚ ቀረባ ግዜ ዝተለመደ ኣገባብ ኣቀራርባ ሓበሬታ ድምጺ ኣሜሪካ፡ ገገለ ሰባት ከም ዝብልዎ፡ ኣቶ ተወልደ ወልደገብሪኤል ኣባል እቲ ክፍሊ ሬድዮ ኣብ ኣስመራ ከይዱ መርዓ ኣብ ዝገበረሉ፡ ብዙሓት ካብ መራሕቲ ህ.ግ.ዲ.ፍ ከም ዘሰነይዎ ዝግለጽ፡ ኣቶ ተወልደ ንዝተዋህቦ ሕድሪ ድምጺ ውጹዓት ክጉዕጽጽ ከም ዝተገደደን፡ እንተስ ህ.ግ.ዲ.ፍ ንመርዓቱ ክሳብ ንሃገር ኣሜሪካ ዝሰድዋ፡ እንተስ ሕጹኖቱ ክምርቑሉ፡ ብመሰል ውጹዕ ህብዚ ኤርትራ ብተደጋጋሚ ክላገጽን ክጻወትን ገቢርዎ ኣሎ።

መደምደምታ

ኣብ ሱዳን ዘለዉ ስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ኩነታት ደገፍን ሓገዝን ዘድልዮም ህዝቢ’ዮም። ልዕሊ ኩሉ ኣፍቀርቲ ህዝቦምን ሃገሮም ስለ ዝዀኑ ንዓዶም ክምለሱ ዝደልዩ እዮም። እንተዀነ ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ቅድሚ ኩሉ ዕንቕፋት ዝፈጥርን፡ ንምጥያስ ስደተኛታት ዕንቕፋት ኮይኑ ዘሎ። ብካልእይ ሸነኽ ብዓይኒ ፖለቲካ እንተርእይናዮ’ውን ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ብዓይኒ ጥርጠራ ዝርእዮም ካብ ታርጌት ዘይክውሎም ህዝቢ ስለ ዝዀኑ ልዕሊ ኩሉ ኣብ ስደት ንዘለዉ ኤርትራውያን ብመንጽር ህዝቢ ሱዳንን፡ መንስግቲ ሱዳንን ዘይኮነስ ብገዛእ መንግስቱ ዝወርዶ ዘሎ ኣውራ ኣደራዕ ክዝረበሉን፡ ክእወየሉን ዝግባእ ህዝቢ’ዩ።

ብዛዕባ ስደተኛታት ኢትዮጵያ፡ ኢትዮጵያውያን ባዕሎም ኣለዉዎ፡ ከም’ቲ ኣብ ድምጺ ኣሜሪካ ዝሰማዕኽዎ’ውን መልሲ ዝሃብዎም ኢትዮጵያውያን ባእታታት ሰሚዔ ኣለኹ። እቲ ዝሃብዎም መልሲ ከኣ ንድምጺ ኣሜሪካ ምኽርን ልቦናን ክዀኖም ተስፋ እገብር።

ካብኡ ብዝተረፈ ናይ ድምጺ ሓፋሽ ንድምጺ ሓፋሽ፡ ናይ ድምጺ ኣሜሪካ ከኣ ንድምጺ ኣሜሪካ እንተዝተርፍ ምሓሸ ነይሩ ይብል። ካብኡ ሓሊፍ ጉዳይ ድምጺ ኣሜሪካ ኣይፋለይን እንተበለ፡ ኣንጻር ህ.ግ.ዲ.ፍ ዝቃለስ ዘበለ ህዝብና ንኣባላት ፈነወ ድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝገብሮ ንጥፈታት ከየሳተፈ ክሓልፎን፡ መንገዶም ኣሪሞም ክሳብ ዝቐርቡ ከኣ ክእግዶምን ይግባእ።

ፍትሒ ይንገስ

23 ሓምለ 2009

ኣንቶንዮ ተስፋይ

===============================

ድምጺ ሓፋሽ ዶ ወይስ ድምጺ ኣሜሪካ !

ካልኣይ መወዳእታ ክፋል

ድምጺ ኣሜሪካ መደብ ትግርኛ ሃሰውሰው ኢላ ዝረኽበቶም ህዝቦም ኣብ ግፍዕን ጭቆናን ኣንዳሃለወ ዝኸሓዱ ምሁራት’ና በሃልቲ እንዳዓደመት ንህዝቢ ከተደናግርን ከተታልልን ጸኒሓ’ያ።

ድምጺ ኣሜሪካ እትገብሮ ስርሓት ናብ ህዝቢ እተመሓልፎ መልእኽቲ ብኣትክሮ ዝተኸታተለ በቶም ጋዜጠኛታትን ናይ መደብ ኣቕረብቲ ዝፍጸም እቲ ጉዳይ ኣድልዎ ከም ዘሎ ተነጺሩ’ዩ ዝረአ።

ነዚ ብዝምልከት ሓደ ሓደ ኣገደስቲ ጉዳያት ክጠቕስ፡

  1. ድምጺ ኣሜሪካ መደብ ፈነወ ትግርኛ፡ ንፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ሃገሮም ዝቓወሙ ሰልፍታት ይኹኑ ውልቀ ሰባት ክሳብ ንኢትዮጵያ ብስልኪ ደዊሎም ይራኽብዎምን ቃል መሕተት የካይድሎም፡ ንጉዳይ ኤርትራ ግን ይትረፍ ንኤርትራስ፡ ኣብ ወጻኢ ናይ ዝካየድ ፍትሓዊ ቃልሲ ንዝግበር ንጥፈታት ክፈልጡ ዘይደልዩን፡ ንይምሰል ከኣ ዘምባዕ ዘየተረጋገጸ ወረ ዘመሓላልፉ’ዮም።

 

  1. ንሰብ ስልጣን ኤርትራ ዘይሓተትዎ፡ ንመራሕቲ ኢትዮጵያ ንኣብነት ኣቶ ስብሓት ነጋ ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ናይ ስራሕ ዑደት እነከለዉ ዝሓትዎ ዝነበሩ ሕቶታት ከም ኣብነት ክቐርብ ይኽእል።

 

  1. ኢትዮጵያውያን ዘይተሓተቱ፡ ብዛዕባ ቀጻልነት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ ስልጣን ኤርትራውያን ከም ኣምሃ ዶሞኒኮ ምስ ካልኣዩ ተሓቲቶም፡ ብኣጋጣሚ ኣምሃ ዶሞኒኮ ሕማቕ ኣይተዛረበ። ግን ኢትዮጵያውያን በዚ ጉዳይ ብዙሕ ተቆጢዖም።

 

  1. ኣብ 2000 ዓም ንሓደ ኣባል ተ.ሓ.ኤ ሰውራዊ ባይቶ ነበር ፡ ቃል መሕተት ከካይዱ መደብ ኣውጺኦም ዕድመ ኣቕረብሉ፡ ጸኒሖም ግን ኣብ ዋሽንግቶን ዲሲ ዝተገብረ ኣኼባ ተቃወምቲ ፖለቲካዊ መርግጽ ናይ’ቲ ሰብ ምስ ፈለጡ ነቲ ጉዳይ ሰሪዞሞ። እቲ ገያሻይ ብዝተገብረሉ ቆጸራ በቲ ዝተዋህቦ ቁጽሪ ተሌፎን ብተደጋጋሚ ደዊሉ፡ እቲ ጉዳይ ኣጣዒስዎምስ ይኹን ወይ ብካልእ ጉዳዮም ካልእ  ክሕብኡ ድሕሪ ምጽናሕ ከኣ ኣብ መወዳእታ እቲ ጉዳይ ከም ዝተሰረዘ ተነገርዎ፡ እንታይ’ዩ ምኽንያቱ ቢሉ እንተሓተተ፡ ካብ ኣሜሪካ ወጻኢ ንዝቕመጡ ሰባት ቃል መሕተት ክግበር ክልኩሉ’ዩ ከኣ በሉ፡ ነዚ ቃል በሃሊት እንንተዘይተጋጊየ ሚኒያ ኣፈወርቂ’ያ። እቲ ዝገርም ከኣ እቲ ሽዑ ምሸት ድምጺ ኣሜሪካ ንኤርትራ ደዊሎም ምስ ኣባላት ህ.ግ.ዲ.ፍ ከም የማነ ገብርኣብን፡ ደራፋይ በረኽት መንግስትኣብን ቃል መሕተት ኣካይዶም።
  2. ዝሓለፈ ዓመት ተበግሶ ጉዕዞ ንሰላም ብኣባላት ሰልፍ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምምሕዳር ትግራይ ከም ዝተፈጸመ ዝዝከር’ዩ። ኣብ’ቲ እዋን ሓደ ካብ ኣባላት ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ናይ ሰላም ጉዕዞ’ውን ካብ ዘማእከለ ትኵእ ተስፋይ ዝተባህለ ንወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ትግራይ ደዊሉ ብዛዕባ እቲ ምብጻሕ ክብሕብሮ ሰማዕኹ፡ እንተዀነ እቲ ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ካብ’ቲ ንህዝቢ ከቃልሖ ዝንገሮ ዝነበረ ጉዳይ ጉዕዞ ሰላም ኣብ ትግራይ፡ ስለምንታይ በቲ ስልኪ ተደዊልዎ ኣዝዩ ኣንጸርጸረ፡ ኣብ’ቲ ጉዳይ’ውን ኣይተሳተፈን፡ ግን ዓለም ብዓለሙ ሰሚዕዎ።
  3. ጉዳይ ስደተኛታት ኤርትራውያን፡ ኣብ ማእሰርቲ ሱዳንን ሊብያን፡ ማልታን ከምኡ ኣብ ካልኦት ሃገራት፡ ብዛዕባ ጉዳዮም ንዓለም ንምቕላሕ ድምጺ ኣሜሪካ ዝተጻወተቶ ግደ እንታይ’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ካብ ማንም ግዜ ሎሚ ናይ ድምጹ ዘቃልሕ ደገፍን ሓገዝን ዝድለየሉ’ዋን፡ ብስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ከይኣክል ብከም ድምጺ ኣሜሪካ ዳግማ ክዕፈንን ንትሕዝቶ ፖለትካ ናይ’ቲ ዞባ ንምጥምዛዝ ዝግበር ፈተነ ባ’ዚ ዘሎና ኩነታት ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ጉዳይ’ዩ።

 

ንኣንባቢ ከየሰልኪ’ምበር ድምጺ ኣሜሪካ ንህዝቢ ኤርትራ፡ ጎስያ ትፍጽሞ ዘላ ስርሓት ንምጽሓፍ ኣዝዩ ብዙሕ’ዩ። ኢትዮጵያውያን ብዛዕባ መንግስቶም ክሓቱ ክቃወሙ መሰሎም’ዩ። ቅድሚ ድምጺ ኣሜሪካ’ውን መንግስቶም ብዝፈቐዶ ናይ ፕረስ ሕጊ ኣብ ኢትዮጵያ መቑጸሪ ዘይብለን ጋዜጣታትን ስለ ዘለዋ፡ ድምጺ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብድምጺ ኣሜሪካ ክሳብ ዝቃላሓሎም ዝጸንሑ ኣይመስለንን። ብርግጽ’ውን ኣይጸንሑን’ዮም። እቲ መንግስቲ’ውን ንጋዜጣ ጥራሕ ዘይኮነ ንፖለቲካዊ ስልጣን ዝወዳደሩ ተቃወምቲ ዘፍቐደ ሃገር ስለ ዝዀነ ብዝሕ ስክፍታ ዘለዎም ኣይመስለንን።

እዚ ስለ ዝዀነ ድምጺ ኣሜሪካ ብነጻ ብዘይኣድልዎ ንሰላምን ፍትሕን ዘይስወርሑ ምዃኖም፡ ነቲ ድምጹ ተዓፊኑ ዝነብር ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ብዛዕባ ሽግሩ ክካፈልዎ እንተበልና ከይከብዶም፡ ግን ጸገሙ ሰሚዖም ንዓለም ከቃልሕሉ ኣይፈተኑን፡ ብኣንጻሩ ብፍላይ ኣብ’ዚ ቀረባ እዋናት ናይ’ቲ ምልካዊ ስርዓት ኣፈኛታት ኮይኖም ይሰርሑ ከም ዘለዉ’ዩ ዝርድኣካ።

መንቐሊ ናይ’ዚ ጉዳይ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳማይ ክፋል ናይ’ዚ ጽሑፍ ብዛዕባ ኣብ ሱዳን ዝነብሩ ተቃወምቲ ፈደራዊ ዲሞክራሲያዊ መንስግቲ ኢትዮጵያ ዝወረዶም ግፍዕታት ድምጺ ኣሜሪካ ባዕላቶም ክሳብ ንሱዳን ደዊሎም ነቶም ተገፊዕና ዝበሉ ኢትዮጵያውያን ከዘራርቡ ስለ ዝሰማዕኹ’ዩ። እቲ ጉዳይ ተቃወምቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ የለውን ንማለት ኣይኮንኩን፡ ይትረፍ ኣብ ስደት ብዓብዩ ኣብ ውሽጢ ዓዶም ኣንዳዕዲዖም ዝቃወሙ ስለ ዘለዉ፡ እቲ መንስግቲ’ውን ተቃወምቲ ከም ዘለዉ ብግሉጽ ስለ ዝዛረብ ኩነትቶም ዝሕሸሉ’ዩ ንማለት እየ።

ከምኡ’ውን ኤርትራ ኣብ ሱዳን ሓሓሊፉ ብመንግስቲ ሱዳን ዝፍጸም ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ምልካዊ ስርዓት ኣብ መሬት ሱዳን ኣትዩ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ድላዩ ፈጺሙ ዝሓድር መንግስቲ፡ ድምጺ ኣሜሪካ ግፍዒ ዘይቆጽርዎ እንተዀይኖም ዘሕዝን’ዩ።

ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ካብ ቅድም ዝተተሓሓዞ ቅትለትን ምጭዋይን ኤርትራውያን ክሳብ ሎሚ ኣብ ልዕሊ መንእሰያትን ዘድለይዎም ዜጋትት ካብ ከተማ ካርቶም ሓኒቆም ከም ዝወስድዎም ኩሉ ዝፈልጦ’ዩ።

ኣብ 80ታት ኣብ ከተማታት ሱዳን ኣብ ቅትለትን፡ ፈተነ ቅትለት ዝተኻየደሎም ኤርትራውያን

1  ኢድሪስ ሓንገላይ

2   ወልደዳዊት ተመስገን

3   ማሕሙድ ሓሰብ

4   ስዒድ ሳልሕ

5   ሃይለ ጋርዛ

6   ሚኪኤል ጋብር

ክዀኑ እንከለዉ፡ ኣብ ቦታ ስደተኛታት ኣትዮም ከም ድላዮም ገላቢጦም ዝደለይዎም ሒዞም ዝኸዱን ኣብ ከሰላ ናይ ዝተኻየደ መጭወይቲ ኣባላት ፈጻሚት ሽማግለ ተ.ሓ.ኤ ሰውራዊ ባይቶ ዝዀኑ ከም………

1 ወልደማርያም ባህልቢን፡

2 ተኽለብርሃን ገብረጻድቕን ናይ ትማሊ ናይ ቀረባ ዝኽሪ’ዩ።

ናይ ዕፈና ጉጅለ ህ.ግ.ዲ.ፍ ንሱዳንውያን ተመሲሎም ናይ መራኸቢ ሬድዮን ሸጓጕጥን ተዓጢቖም፡ ስእሊ ዝደልይዎም ሰባት ሒዞም ፈቆዶ መንበሪ ገዛውቲ እንዳኣተዉ ኤርትራውያን መንእሰያት ይሃድኑ ከም ዝነበሩን ዘለዉን ብቀረባ ግዳይ ስለላ ህ.ግ.ዲ.ፍ ዝዀኑ ባዕላቶም ዝዛረብዎ’ዩ።

እዚ ዝኣመሰል ግፍዕታት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሱዳን ንድምጺ ኣሜሪካ ከመይ ክሕባኣን ክኽወላን ይኽእል። እወ ምስ ህ.ግ.ዲ.ፍ ዘውደኽድኽ እዚ ግፍዕን ስቓይን ኣይንታዩን’ዩ።

መደምደምታ

ገገለ ተግባራት ድምጺ ኣሜሪካ ምቕላዕ’ውን ጸገም ዘለዎ ኣይኮነን። እዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ኣውራን መሰረቱን ብዛዕባ መሰል ደቂ ሰባት ዘልዕሉ ጉዳይ ፖለቲካ ምዃኑ ኣይተርፎን’ዩ።

ኣብ መወድእትኡ ከኣ ፖለቲካዊ ሕቶ  ምዃኑ ዘይተርፎ በቲ ዝመሓላልፍ ሓበሬታ ኣቢልካ ክብጻሕ ዝድለ ዕላማ ስለ ዝዀነ፡ ቃል መሕተት ተቃወምቲ ኢትዮጵያውያን ኣብ ሱዳን ዘለዉ ክለዓል እንከሎ፡ ኢትዮጵያ ሃለዋት ህዝባ ዘይትገብር መንስግቲ ኮይኑ’ዩ ናይ ጸለመ ተዋስኦ ክቀርብ ተፈቲኑ። እሞ እቲ ብመንግስቱ ኣብ ኣብ ትሕቲ ዕቝባ፡ ኣብ ስደቱ ሓመድ ኣፊንጭኡ ክሳብ ዝልሕስ ዝግረፍን፡ ጭወይን ኣብ መወርዳእታ ከኣ ዝቕተልን ህዝቢ ኤርትራ ናይ’ቲ ከባቢ ተሓለቕቲ ማዕከናት ዜና ንከም ድምጺ ኣሜሪካ ተግባራት ህ.ግ.ዲ.ፍ ሸፊንካ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጻዕረ ሞቱ፡ ጽቡቕ ከም ዘሎ፡ እቲ ሓሳቡ ከተንፍስ ዝኽእል ኢትዮጵያዊ ከኣ ኣብ ጻዕረ ሞት ከም ዘሎ ኮር ተገልበጥ ትያትር ድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዕላል ምሕዝነት ድምጺ ሓፋሽ ዝተኣልመ ኮይኮነ ኣይተርፍን።

ሰላምን ፍትሕን ይንገስ

24 ሓምለ 2009

ኣንቶንዮ ተስፋይ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1307

Posted by on Jul 25 2009 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

1 Comment for “ድምጺ ሓፋሽ ዶ ወይስ ድምጺ ኣሜሪካ !”

  1. that is right voa is not fair

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net