ኣኳባ “እንቋዕ ብሰላም ንገዛኻ ኣቶኻ”

ቅድሚ’ቲ ካብ’ቲ ድምጺ ኣሜሪካ ብ ቋንቋ ኣምሓርኛ ዝፍኖ መደብ ፈነወ ሬድዮ፡ ዑደት ፕረሲደንት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ኣፍሪቃ ምጽሓፈይ፡ ካብ’ቲ ኣስደማሚ ዝዀነ ጉዳይ፡ ድምጺ ኣሜሪካ ፈነወ ትግርኛ ነዚ ጉዳይ ብሓላፍነት ንዝተሰከመቶ ንዝምልከቶ ዝህቢ ዘይምቕላሕ’ዩ። ግን እዚ ጉዳይ ዘሰምድ ኣይኮነን፡ ከም በዓል ኣቶ ተወልደ ወልደገብሪኤል ኣብ’ዚ ቀረባ ኣዋን ኣብ ኤርትራ ብኣካል በጺሑ ድሕሪ ምምላስ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ልማዓትን ወፍርን ክዛረብ ምስ ሰማዕኹ ኣትሒዘ ዝቐበጽክዎ ጉዳይ’ዩ ነይሩ። ሎሚ ድማ እቲ ዓብን ታሪኻውን፡ እሞ ኣቶ ወልደገብሪኤልን ብጾቱን፡ እቲ ሃገርና ንሓቐኛን ፍትሓውን ጉዳያት ከቃልሕሉ ዝተዋህቦም ስራሕ ከትርፍዎን፡ ወይ ከኣ ግዜ ኣመሓላሊፎም ክቃልሕዎ ንዝደልዩ ጉዳይ ምዕዛበይ’ዩ። እንተዀነ ድምጺ ኣሜሪካ ክፍሊ ቋንቋ ትግርኛ መሲልዎም’ምበር ዓለምናስ መልእክቲ ፕረሲደንት ኦባማ በጺሕዎ’ዩ። በዚ ኣጋጣሚ ከኣ እንቋዕ እኳ ዓለምና ትርግኛ ጥራሕ ዘይዛረብ ኣይኮነ ዘብል’ዩ። ድምጺ ኣሜሪካ ክፍሊ ትግርኛ ሎሚ ጥራሕ ኣይኮኑን ከም’ዚ ዝኣመሰለ ተግባራት ሓደ ሻራ ዘለዎ ጉዳይ መርገጽ ዝወስዱ ዘለዉ። ብተደጋጋሚ ዘርእይዎ ዘለዉ ጉዳይ’ዩ። ንዓዓቶም ጸዋታ ይመስሎም ይህሉ፡ ጉዳይ ህዝቢ ግን ኣብ ዝብጻሕ በጺሑ፡ ናይ’ቲ ጉዳይ ተሓታቲ ብሓላፍነት ክሕዞ ምዃኑ ርዱእ’ዩ። ከም’ቲ መደረ ኦባማ ዝበሎ ከኣ ንህዝባዊ ፍትሕን ዲሞክራስን ህዝቢ ኣፍሪቃ ኣብ’ዚ ዘሎና መዋእል ነዊሕ ኣይኮነን።

ካብ’ዚ ብምቅጻል፡ እቶም ሰማዕቲ ቋንቋ ትግርኛ ካብ ድምጺ ኣሜሪካ ዝተሓረመኩም መሰል እንሆ ካብ መደብ ድምጺ ኣሜሪካ ክፍሊ ቋንቋ ኣምሓርኛ ዝተወስደ ኣብ ኣክራ ዋና ከተማ ጋና ፕረሲደንት ባራክ ኦባማ ዘስምዖ መደረ የቕርበልኩም።

VOA Amharic

ኣኳባ ማለት፡ ብቋንቋ ጋናውያን፡ ንገዛኻ ወይ ዓድኻ እንቋዕ ብደሓን መጻኻ ማለት’ዩ። ፕረሲደንት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ባራክ ኦባማ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንኣፍሪቃ ምብጻሕ ኣካይዱ ከም ዝነበረ ዝዝከር’ዩ።

ድሕነት ኣፍሪቃ፡ ብህዝባ፡ መፍትሒ ኣፍሪቃ ብህዝባ ከም ዝዀነ ዝገለጸ ፕረሲደንት ኦባማ፡ ንሰላም ዕብየተን ኣፍሪቃ ዋሕስ ዝዀነ ቀንዲ ምሕያል ዲሞክራሲያዊ ትካላት ወሳኒ ናይ ዕብየት መንገዲ ምዃኑ ኣብ  ኣክራ ዋና ከተማ ጋና ኣብ ቅድሚ ኣባላት ባይቶ ሃገር ጋና ኣትሪሩ ገሊጹ።

ቅድሚ ዝርርብ ምክያዱ ናይ ክልቲኤን ሃገራት ማለት ናይ ሃገር ጋናን ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ሃገራዊ መዝሙር ናይ ክብሪ ስነ ስርዓትን ተፈጺሙ። ኣቕድም ኣቢሉ ናይ ጋና ፕረሲደንት ጆን ኣታሚልስ ኣኳባ ብማለት ንፕረሲደንት ኦባማ ተቐቢለም፡ ኣኳባ ማለት ብቋንቋ ጋና እንቋዕ ንቤትካ ብደሓን መጻኻ ማለት’ዩ። ካብ’ዚ ቀጺሉ ፕረሲደንት ኦባማ ጋና ደቡብ ኣፍሪቃን፡ ኣብ ኣፍሪቃ ዝረኣዩ ፖለቲካውን፡ ምጣነ ሃብታውን፡ ድሕነት ኩነታት ዝርርብ ገይሩ።

ፕረሲደንት ኦባማ ካብ ኣክራ ዋና ከተማ ጋና ብቀጥታ ንሙሉእ ህዝቢ ኣፍሪቃ ኣብ ዘረብኡ ካብ ዝሕለፎም መልእክቲ፡ ብመጀምሪያ ጋና ስለምንታይ ተመሪጹ ዝብል፡ ናይ ፕረሲደንት ኦባማን ጉዳይ ኣብ መራኸቢ ብዝሓት ሚዛን ክዛረበሉ ቀኒዩ። ፕረሲደንት ኦባማ ንባዕሉ ስለምንታይ ሃገር ጋና መሪጹ ኣብ ዝሃቦ መደረ “ዲሞክራሲያዊ ቅዋም ብኣገባቡ ናይ ምጥቃም፡ ምርጫታት ብዘይናዕብን ህውከትን ዝካየደላ፡ ናይ ህዝባ ድምጺ ዝኽበረላ፡ ህዝባ ብነጻነት ዝመሓደራላ ሃገር’ያ ኢሉ”። ቀጺሉ ፕረሲደንት ኦባማ ከም’ዚ በለ” ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ገጽ ዘይተራእየ ኣብ’ዚ ኣብ ሃገር ጋና ተርእዩና ኣለኹም። ኣብ ዓለምና ኣፍሪቃ ኣደንጋጺትን ተመጽዋቲትን ሃገር ኮይና’ያ ትረአ። ጋናውያን ግን ዲሞክራሲ ኣብ ሓያል መሰረት ክነበር ብትግሃት ሰሪሖም ኣለዉ። ብቀረባ ዝተራእየ ናይ ፖለቲካዊ ፈኸራታት’ኳ ብሰላም ናይ ስልጣን ምቅብባል ምፍጻሞም’ዩ። ብዝተመሓየሸ ጽቡቕ ምሕደራን፡ ማሕበራዊ ቅዋማት ንምትካሎም ኣብ ዘሎ መስርሕ ጋና ኣብ ምጣነ ሃብታዊ ክፋሊ ዘሕጉስ ውጽኢት ኣመዝጊባ ኣላ። ኣፍሪቃውያን ናይ ገዛእ ርእሶም ጸግማት ባዕላቶም ናይ ምፍታሕ ዓቕሚ ክህልዎም ኣብ ዝብል ጉዳይ፡ ሓያል መልእክቲ ዘመሓላለፈ ፕርሲደንት ኦባማ ናይ ፍትሒ ናይ መራኸቢ ብዙሓት ኣፈጻጽማ ነጻነት፡ ካብ ጨቆኒ ምሕደራዊ ስርዓት ወጻኢ ልክዕ ከም ኣብ ህንጸት ሃገር ክህልዎ ዘለዎ ኣመለኻኽታ ብማዕረ ክረአ ኣለዎ በለ። ፕረሲደንት ኦባማ ወላዲኦም ኣጣል ኣብ ምሕላው ዝዓበዩን፡ ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ትምህርቲ ዕድል ዝረኽቡ ምዃኖም ገሊጹ፡ ኣብ’ቲ እዋን እቲ ሃገር ናይ ምምዕባልን፡ ዜጋታት ኣብ ናይ ትምህርቲ ማኣዲ ናይ ምስታፍ ስራሕ ተሰሪሑ’ዩ። ግን እቲ ስራሓት ብተመጣጣኒ ሓይሊ ክግታእ ክኢሉ ክብል ገሊጹ። ከም ኬንያ ዝኣመሰላ ሃገራት፡ ኣነ ኣብ ዝተወለድኩሉ ዘመን፡ ናይ ነፍሲ ወከፍ ኬንያዊ እትዋት፡ ካብ ናይ ዜጋታት ደቡብ ኮሪያ ይዓብን ይበዝሕን ነይሩ፡ ሕጂ ግን ፍልልያቱ ክዝረበሉ ዘይክእል ዝግለጽ’ዩ። ብሕማማን ኵናትን ኣፍሪቃ ተላቢዓ ትርከብ። ኣብ መብዛሕትኤን ሃገራት ኣፍሪቃ ናይ ኣቦይ ዕደም ዘለዎም ሰባት ተስፋ ብዘይብሉ መጻኢ፡ ብናይ ጸሊም ኣተሓሳስባ መጥቓዕቲ ከም ዝሓስቡ ተይገይሩ ኣሎ። ፕረሲደንት ኦባማ ኣብ ሃገረ ጋና ብትሪ ዝሃቦ ቃል ናይ ደሞክራሲ ትካላት ምሕያልን፡ ናይ ኣፍሪቃ መንእሰያት ወለዶ ዘለዎም ኣተሓሳስባን ዘሕለፍዎ ሓደራ’ዩ። ካብ ማንም ግዜ ናይ ተስፋ ስንቒ ዝጾሩ ብፍልጠን ትምህርትን ዝተሃንጹ መንእሰያት’ዮም። እዚ ዓይነት ተስፋን ትምህርትን ፍልጠን ካብ ነፍሲ ወከፍ ንነዊሕ ዓመታት ዝጠፍአ ተርእዮ’ዩ ናይ ኣፍሪቃ ዓቕሚ ዘጎልብት።ናይ ኣፍሪቃ ዝተዓጽወ ናይ ዕብየት ማዕጾ ዝኸፍቶ። እዚ ክስራሕን ዝኽእል ድማ ብኣፍሪቃውን ጥራሕ’ዩ። እዚ ግን ምርጫ ብምክያድ ጥራሕ ኣይኮነን፡ ኣብ ምርጫ ዝካየድ መስርሓ ተወሳኺ ብዝምልከት ጉዳይ ምርኣይ’ዩ። ጭቆና ብዙሓት ገጽ ኣለዎ፡ ብዙሓት ሃገራት ህዝበን ናብ ጸግማት ናይ ህላውነት ሓደጋ ከም ዝበጽሑ ይገብር። መራሕቲ ሃገራት፡ ሃብቲ ሃገር ተጠቒሞም ነፍሶም ዘዕንግልሉ ዝዀነት ሃገር ዕብየት ኣይረኣኣያን፡ ወይ ድማ ፖሊስ ብዘደንዝዝ ናይ ጉቦን ሓለፋን ደንፊዑ ዝረኣየሉ፡ ሰበ ስልጣን መንግስቲ 20% ኮሚሽን ኣብ ጁባኦም ዝእትዉዎ መኽሰብ ሃገር፡ ናይ ግምሩክ በዓል መዚ ግቦ ዝቕበል ሃገር ፈጺማ ኣይትዓብን፡ ወፍሪ ኣይካየድን። ዝዀነ ሰብ ብጭካነን ብጉቦን ሓለፋን ትመሓደር ሃገር ምንባር ኣይመርጽን። እዚ ከኣ ግዛት’ምበር ዲሞክራሲ ኣይኮነን። እዚ ዘሎና መዋእል ናይ’ዚ ዝጠቐስክዎ ኣሰራርሓ ዘብቅዓሉ’ዩ። ፕረሲደንት ኦባማ ኣፍሪቃ ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን ኣፍሪቃ ዘድልያ ግሉጽን ዘተኣማምን ህንጸት ዲሞክራሲያ ምህናጽ ተዛሪቡ ኣሎ። ናይ ፕረሲደንት ኦባማ መደረ ብዲሞክራስን ስኒት ዘለዎ ምምሕዳርን ኣብ ማሕበራዊ ኣተሃናንጻ ክህሉ ዘለዎ ንመራሕቲ ኣፍሪቃ ዘመሓላለፎ መልእክቲ ብተንተንቲ ሓያል ሕውነታዊ ፍቕሪ ዘለዎ ምኽሪ ዝብል መግለጽ ተዋሂብዎ። ኣፍሪቃውያን ኣብ ኣፍሪቃ ዝትግበር፡ መራሕቲ ስልጣን ምስ ሓልፍነት ኣተሓሓዚዎም ክርድእዎ ከም ዝግባእን፡ ኣፍሪቃውያን ንኣፍሪቃ ዝብል ጽኑዕ እምነት ከም ዘለዎ ገሊጹ። መብዛሕትኡ ኣፍሪቃዊ ኣብ መንእሰይ ዕደም ዘሎ ብምዃኑ መራሕቱ ምሕታትን፡ ናይ ህዝባዊ ትካላት ዘገልግሉ ትካላት ክቆሙን ክህነጹን ሓሊፉ ሓላፍነት ክስከም ክዳሎ ጸዋዒት ኣቕሪቡ። ማሕበረ ሰብኩም ከተግልግሉ ትኽእሉ፡ ጉልበትኩም ትምህርትኹም፡ ናይ ሃገር ሃብቲ ተጠቒምኩም ምስ ናይ ወጻኢ ሃገራት መዛመዲ መስመር ክትራኸቡ ትኽእሉ። ሕማማት ምቁጽጻር፡ ግርጭታት ምውጋድ፡ ለውጢ ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ከተምጽኡ ትኽእሉ፡ ሒ የክኣል’ዪ። ምኽንያቱ ብዘኢ መዋእል ታሪኻዊ ለውጢ ዝረኣየሉ ስለ ዝዀነ። ቀሊል ኣይኮነን ግዜን ብዙሕ ስራሕ ዝሓትት’ዩ፡ ስቓይን መከራን ዝበዝሖ ጉዕዞ ወይ መስርሕ ክኸውን ይኽእል፡ ሓንቲ ጉዳይ ግን መብጽዓ ክኣትወልኩም ኣሜሪካ ኣብ ጉዕዞኹም ምስኹም ክትሓብር’ያ ከም መሓዛን መንገደኛን። ግን ለውጢ ካብ ካልእ ዝመጽእ የልቦን፡ እቲ ለውጢ ንስኻትኩም ኣብ ልብኹም ብትሕድርዎ ተስፋታትን ብትወስድዎም ስጉምትታት’ዩ። ኣፍሪቃ ንዝሓደራ ሕማም ንምፍዋስ ኣብ ትገብሮ ጻዕሪ፡ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ደገፍ ከም ዘይፍለ ፕረሲደንት ኦባማ ተዛሪብሉ። ከም’ቲ ናይ ሕ.መ.ኣሜሪካ መራሒ ዝነበረ ጆርጅ ዳብሊው ቡሽ ኣብ ኣፍሪቃ  ናይ ኤ.ኣይ.ቪን ዓሶን ሕማም ዝወሰዶ ፕሮጀክት ኣሞጊሱ እቲ ንሱ ዝመርሖ ምምሕዳር’ውን ክቅጽሎ ምዃኑ ቃል ኣትእዩ። ፕረሲደንት ኦባማ ቀጺሉ ኣብ’ቲ ቅድሚ ኣስታት 500 ዓመት ኣቢሉ ጊሎት ዝሽይጡላ ዝነበረት ገምገም ከተማ ኬብ ኮስትን ከባቢኣን ምብጻሕ ኣከይዱ።

ካብ VOA  ቋንቋ ኣምሓርኛ ዝተወሰደ

16 ሓምለ 2009

ኣንቶንዮ ተስፋይ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1315

Posted by on Jul 17 2009 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net