ዝምድና ኤርትራን ሽወደንን

ሰነዳት

ካልኣይ ክፋል

 

ዝምድና ኤርትራ ሽወደንን፡ ኣብ ሓድሕድ ምክብባርን፡ ደቂ ሰባት ምስ ባህሪ ናይ ዝካየድ ሕቶ ምንባር ዝሓለፎ ሂወት ተጋድሎ’ዩ። ኣብ ከም’ዚ ዝምስረት ሓያል ዝምድና ከኣ ደሊናዮ ኣይደሊናዮ መንም ክቅይሮ ዘይክእል ታሪኽ ንሕሉፍ ተርኽቦታት ሓንሳብ ምስ ሰንዶ ተረሲዑ ዘይድምሰስ’ዩ።

 

ሽወደናውያን ንኣዋርሕ ዝኣክል ብምድርን ባሕርን ተጓዒዞም ንኤርትራ ክመጹ ብዘይዕላማ’ኳ እንተዘይነበረ፡ ህዝቢ ንምጽናት፡ ህዝቢ ንምጥፋእ ከም ዘይነበረ ክሳብ ሎሚ ብሂወቶም ዘለዉ ኤርትራውያን መሓዙት ሽወደናውያን ካብ ናተይ ቢሂልን ድርሰትን ንላዕሊ ክገልጽዎ ከም ዝኽእሉ ፍሉጥ’ዩ። ብኣንጻሩ’ኳ ደኣ ሽወደናውያን ንህዝቢ ኣብ ምጽንናዕ፡ ሂወቱ ንምምራሕ ብዘያፈላልይ ደገፎም ክወፍዩ፡ ፍልጠቶም ከካፍሉ ተራእዮም። ኣማስይኡ ከኣ ከም’ቲ ንህዝቢ ኤርትራ ዝወርዶ ዝነበረ መግዛእታዊ ግፍዒ ወትሩ ካብ ርእሶም ዝወረደ ኣይነበረን።

 

ሽወደናውያን ብ15 መጋቢት 1866 ኣብ ወደብ ባጽዕ ካብ ዝኣተው ካርልሶን፡ ሼልበሪ፡ ፔርኤሪክ ዝርከብዎም፡ ኣብ ዝሓለፈ ሕታም ዝጠቐስክዎም ዶ/ር ካርል ኒይስትሮምን በዓልቲ በይቱ ኣኔዝ ኒስርቶም ነይሮም።

 

ብ1870 ድሕሪ ኣስታት ኣርባዕተ ዓመት ኣብ እምኩሉ ኣብ’ዚ ሕጂ ብገዛ ከኒሻ ዝጽዋዕ መሬት ኣርባዕተ ኣስመራ፡ መሬት ብምግዛእ ነፍሶም ኪእሎም ክመሓደሩ ገበሮም። ምስ’ቲ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዝሓደሮም ፍቕሪ፡ ንብረቶም ኣሕዋቶም ብዓብዩ ክኣ ሃገሮም ገዲፎም፡ ኣብ ዘይፈልጥዎ ጸሓይ፡ ቁርን ኣሳሕይታን ኣብ ፈቐዶ ኣኽራናትን ከርተት ክሕልፎዎ እንከለዉ፡ በቲ ሓደ ሸነኽ ን’ቶም ኤርትራውያን ሓሚሞም ዝተፈወሱ፡ ካብ ድንቁርና ዓለም ወጺኦም ክሳብ’ዚ ዘሎናዮ እዋን ኣብ ኣገልግሎት ህዝቦም ዝርከቡ ምሁራት ከይተረፉ ድሕነት ዝዀኑ ከም ተኣምር ብኣድገ በቕሊ ብእግሮም ተጓዒዞም ዝመጹ ካብ ወ/ሮ ኣኔዝ ኒይስትሮም ብልክዕ 40 ዓመት ንዓዳ ከይተመለሰት ኣብ ኤርትራ ጸንሐት። ኣኔዝ ስለስተ ቆልዑ ወሊዳ፡ እቶም ክልተ ንሽወደን ተወሲዶም ኣብ መዕበይ ህጻናት ክዓብዩ እንከለዉ ሓደ ግን ብሕማም ኣብ ኤርትራ ሞይቱ።

 

ኣኔዝ ኒይስትሮም ሞት ወዳ ሂወት ለቢሱ ኣብ ዓይኒ ህጻናት ኤርትራ ትርእዮ ከም ዝነበረት፡ ደኺመ ከይበለት ኣብ ጎኒ ሰብኣያ ቆይማ ሰርሐት። ኣብ እቲ ኣብ በለዛ ዝቆመ ማእከል ሕክምና፡ ንነዊሕ ዓመታት ብዘየገለ ክፍሊት ንህዝባዊ ኣገልግሎት ውዒሉ። ኣብ ዝተናውሐ ግዜ ግን ናይ ኢዶምን ናይ እግሮምን ንጊፎም ንመድሃኒት ዝኸውን ገንዘብ ምስ ሰኣኑ፡ ኣኔስን ዶ/ር ካርልን ኣብ ከቢድ ጭንቐት ወደቁ’ሞ፡ ምናልባሽ ደቂ ዓዲ ሓገዝ ክገብሩን ዝኽእሉን እንተዀይኖም ወይ እቲ ሕሙም ኣዝዩ ውሑድ ንማለቱ ናይ መርኣዩ ክፍሊት ክኸፍሉ ተሰማሚዖም። በዚ ከኣ ቀጻልነት ናይ’ቲ ሕክምና ኣብ በለዛ ተረጋገጸ። ወ/ሮ ኣኔዝ ነተን ካብ እምኩሉ ኣትሒዛ ትፈልጠን ጎራዙ፡ ብፍላይ ነተን ኣብ ከባቢኣ ዝነበራ፡ ከም ተሓጋገዝታን፡ መሳርሕታን ክዀና፡ ትምህርቲ ኣዋልድ ብምኽፋት ብዕዮን ምምራሕ ናብራ ጥራሕ ዘይኮነስ ብኣካዳሚ’ውን ክስልጥና ገበረት፡ እቲ መደብ ከኣ ተዓዊቱ፡ ኣብ’ቲ ዝቀጸለ ዓመታት ከም መምህራን ኮይነን ዝሰርሓን’የን። እዚ ኩሉ እንዳተገብረ ግን ጣልያን ምስ ሽወደናውያን ዝተሓባበረሉ ኣፍደጋታት ዓጽዩ ብዙሕ ጸገማትን ናይ ምቁጽጻር ተግባር ይፍጽም ነበረ። ኣኔዝ ካብ በለዛ ብሓላፍነት ተመሳሳሊ ስራሕ ናብ ድባርዋ ተንቐሳቐሰት፡ እቲ ስርሓት እንዳሰፍሐን እንዳዐብየን ምስ ከደ ከኣ ተጸዋርነት ጣልያን ተወደአ። ምስ’ቲ ቅድም ክብሉ ኣብ ልዕሊ ሽወደናውያን ካብ ኤርትራ ናይ ምውጻእ ዝነበሮም መደብ ሕጂ’ውን፡ ንዶር ካርል ምስ በዓልቲ በይቱ ኣኔዝ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ካብ ኤርትራ ክወጹ ተነግሮም። ንብረቶም ከይሓዙ፡ ምስ ደቆም ከይተሰናበቱ ከኣ ብሓይሊ ንኢትዮጵያ ሰገሩ። ምስ’ቲ ዝነበረ ኩነታት ኣብ ሕማቕ ኩነታት ወደቁ፡ ገለ ዓመታት ከኣ ኣብ ዓድዋ ተቐሚጦም፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝጀመርዎ ስርሓት ከይተሓለሉ ብደብዳበ እንዳተራኸቡ ቀጸልዎ። ምስ’ቲ ኩሉ ዘጋጥሞም ዝነበረ ተቃውሞ ጣልያን ሽግር ናብራን ዶር ካርል ንዓዱ ክምለስ ኣይደለየን። ብኣንጻሩ ሓድሽ ዓዲ ሓድሽ ህዝቢ ተዛሚዶም ልቢ ንልቢ ተወሃሂቦም ደጊም ኤርትራ ከም ሃገሮም ርእዮም ሂወቶም ከወፍዩ ቁርጺ ሓሳብ ነበሮም። እቲ ሓሳብ ከኣ ተበጺሑ። ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ዶር ካርል ንኤርትራ ተመሊሶም ኣብ’ቲ ግቡእ ቦትኦም ስርሓኦምን ተመለሱ።

 

ሓደ ኣዋን ናይ ትምህርቲ መጽሓፍቲ ካብ ሽወደን ናብ ትግርኛ ተተርጉሙ ከብቕዕ፡ ምምሕዳር ጣልያን ንምሕተሚ ዝኸውን ሓገዝ ክገብርሎም ተሓቲቶሞም ኣብዮም፡ መሕተሚ ገንዘብ ተሳኢኑ፡ ክሳብ ሽወደን መጺኣ ንማሕበራ ሃየ ክንደይ ዓመት ዝጸዓርናሉ ስራሕ ክንሕትሞ ገንዘብ ሃቡኒ ክትብል ክንደይ ኣዋርሕ ተጓዒዛ ከም ዝመጸት ትሕብር። ኣብ ስቶክሆልም ኣብ ዝመጸትሉ ግዜ ከኣ ካብ’ቲ ኣብ ኤርትራ ዘጋጥማ ዝነበረ ጸገማት ንላዕሊ ኮይኑ ጸንሓ። ንብዙሕ ዓመታት ከም’ቲ ምምሕዳር ወጺኣ ስለ ዝጸንሐት ንዕለቱ መንበሪ ገዛ እኳ ክትረክብ ኣይከኣለትን። ምእንቲ ከኣ ብእዋኑ ንኤርትራ ክትምለስ መደበት። በቲ ህዝቢ ኤርትራ ብዘርኣያ ዝነበረን ልውሃትን ሓቦን ከኣ ሂወታ ክትህብ መብጽዓ ኣተወት።

 

ጸኒሑ’ውን ሰብኣያ ድሕሪ ክንደይ ሕማም ገዲፍዋ ከይዱ’ዩ። ኣኔዝ በቲ ምስ ሰብኣያ ትገብሮ ዝነበረት ስርሓት ናይ ሕልና ዕግበት ረኺባ ወትሩ ብሓጎስ ክትነብር እተፈተነት፡ ሓደሓደ ግዜ ናይ ዘጓንፋ ጸገማት ብጽንዓት ትምክቶ’ምበር፡ ናብ’ቲ ዝነበረቶ ሃብታም ዓዲ ጸባን ጠስምን ሃገር ክትምለስ ሓሲባቶ ኣይትፈልጥን።

 

ካብ’ቲ ነዊሕን መሳጥን ታሪኽ ዶ/ር ካርል ን በዓልቲ ቤቱ ኣኔዝ ፡ እቲ ላዕላይ ላዕላይ ዝነበረ ኣስፊረዮ ኣለኹ። እንተዀነ ስእሊ ብዙሕ ስለ ዝዛረበ፡ ነዚ ብዝምልከት ኣብ’ዚ ጽሑፍ ቀሪቡ ንዘሎ ንምስክር ናይ 10 ደቂቕ ትሕዝቶ ዘለዎ ክትከታተልዎ ኣብ http://www.youtube.com/my_videos  እዕድመኩም።( www.youtube.com/ kerkebet )

 

ኣብ’ዚ ስእሊ ከኣ ከም’ቲ ቅድም ክብል ዝገለጽክዎ፡ ኣብ ህዝብና ዝነበሮም ኣኽብሮ ዝሕብር ባይቶ፡ ከም ባይቶ ተሳታፍነትን ዘመስከርሉ፡ ብፍልጠቶም ከየተገበዙ ብትሕትናን ምስ ዓብይን ንእሽቶን ዝገብርዎ ዝነበሩ ርክብ ሓደ ካብ’ቲ መሳጢ ኣሰራርሕኦም’ዩ።

 

ሽወደናውያን ካብ’ታ ቀዳመይቲ መዓልቲ እግሮም ኤርትራ ዝረገጹላ፡ ብፍላይ ወ/ሮ ኣኔዝ ኩሉ ግዜ ኣብ ደብተራ ምስ ዝተራኸበቶ ሰብ ፡ ዝረኣየቶን ይኹን ዝሰምዓቶን ብምምዝጋብ ፡ እቲ ሰነድ ከኣ ብስነ ስርዓት ተቐሚጡ ብምንባሩ፡ ከም ውጽኢት ሓደ ንመጻኢት ኤርትራ ኣብ ሕቶ ኤትኖግራፊ ናይ ዝካየድ መጽናዕቲ ክቀርብ ዝኽእል ብቁዕ መጽሓፍ ካብ ዝተጻሕፉ ሓደ ናይ’ዚ ጽሑፍ መሰረት ዝዀነት ብ1957 ተጻሕፈት መንፈጻዊ ግድነት ትብል’ያ።

 

 

ይቕጽል

 

7 ሰነ 2009

ኣንቶንዮ ተስፋይ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1318

Posted by on Jun 7 2009 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net