ዝምድና ኤርትራን ሽወደንን

ሰነዳት

ቀዳማይ ክፋል 

 

ዝምድና ኤርትራን ሽወደን ንልዕሊ 150 ዓመታት ኣቢሉ ይኸውን ዕድመ ዘለዎ’ዩ። እቲ ቅድም ዝነበረን ሕጂ ዘሎን ከከም ግዜኡ እንዳተቐያየረ ዝተፈላልየ ትሕዝቶ ዝምድናታት ሒዙ ክመጽእ ጸኒሑ።

 

ይኹን’ምበር ሽወደናውያን ምስክር ነባር ህላውነቶም ኣብ ኤርትራ ዘይበርስ እዩ። ብፍላይ ከኣ ኣብ 40ታትን 50ታትን ዝነበሩ ዜጋታት ህዝቢ ሽወደን ምስ ህዝቢ ኤርትራን መሬታን ልዑል ፍቕሪ ከም ዝነበሮም ክገልጹ እልቢ ዘይብሉ መጽሓፍቲ ተጻሒፉ’ዩ።

 

ሽወደናውያን ብዛዕባ ክቡር ባህሊ ህዝቢ ኤርትራ፡ ህዝቢ ኤርትራ ከም ህዝቢ ንባዕሉ ምስ’ቲ ትጽቢት ዜጋታት ሽወደን ክዓቢ ምኽኣሉ ኣድናቆት ዘለዎ’ዩ። ሽወደናውያን ንህዝቢ ኤርትራ ክገልጹ እንከርለዉ ርህሩህ፡ ደንጋጺ፡ ተሓጋጋዝን ተወፋይን ምዃኑ ይገልጽዎ።

 

ኣብ’ታ ብ1957 መንፈሳዊ ግድነት ዝኣርእስታ መጽሓፍ ሰፊሩ ዘሎ፡ ንሽወደናውያን ዘገድስ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ኣብ ግዜ ኣካሒዳ፡ ግዜ መግዛእቲ ጣልያን ወራር ኢትዮጵያውን ህዝቢ ኤርትራ እንታይ ሂወትን ናብራ ከም ዝነበሮ ብሰፊሑ ሰፊሩ ይርከብ።

 

ሽወደናውያን ብውሑድ ትሕዝቶ ብውሕልነት እንዳተጠቐሙ፡ ካብ ስቶክሆልም ንእምክሉ ክበጽሑ ካብ 4 ክሳብ 5 ኣዋርሕ ይወስደሎም ነበረ። ምእንቲ’ዚ ንመገዶም፡ ስንቆም ጸይሮም ይኸዱ ነበሩ። ኣብ’ቲ እዋን እቲ ካብ ኤውሮጳ ናብ ካልእ ክፍለ ዓለም ንምጋሽ ኣጸጋሚ ዝነበረሉ እዋን፡ ምስ’ቲ ዝነበረ ዘይምዕሩይ ትሕተ ቅርጻ፡ ምስ ብርቱዕ ክረምቲ ጭቃን፡ በረድን ክደይ ጸገም ከም ዝነበሮ ንምርዳእ ዘሸግር ኣይኮነን።

 

እቲ ዓቢ ጸጋታቶም፡ ቀዳምነት መጋየሺ ሰነድ ወይ ፓስፖርት ዝበሃል ኣይነበረን። ምእንቲ’ዚ ቪዛ ኣይሕተትን ነበረ። ምስ ዝረኸብካያ ብፈረስ ዝስሓብ ሰረገላታት ተሰቂልካ ምጋሽ ጥራሕ’ዩ። ኣብ’ቲ ግዜ’ቲ ገና ባቡራት ኣብ ኩሉ ከተማታት ዝተዘርግሐ መስመር’ውን ስለ ዘየነበረን ነቲ ገያሻይ ኣጸጋሚ’ዩ ዝነበረ።

 

ሽወደናውያን ንኤርትራ ንኽበጽሑ ኣብ ክልተ ቦታ ኣብ ልክዕ ግዜ ክበጽሑ ኣለዎም። እተን ቦታታት ከኣ ኣብ ዓዲ ጣልያን ሲቺሊያ፡ ኣብ ግብጺ ኣለክሳንድሪያ እየን። ብዝመጹ መጺኦም ኣብ ግዜኦም እንተዘይረኽቡ ምስ’ቲ ዝነበረ ሕጽረት መራኸቢ ትጽበ መርከብ ኣይነበረትን። ምእንቲ’ዚ ሓንቲ ግዜ መርከብ ሓዲጋቶም እንተነቐለት፡ ካብ ጣልያን ንግብጺ በጺሓ ክሳብ ትምለስ፡ ኣብ’ቲ ወደብ ንክልተ ሰለተ ወርሒ ክጽበዩ ይግደዱ ነበሩ። ከምኡ’ውን ካብ ግብጺ ንኤርትራ ባጽዕ ተመሳሳሊ ናይ ጉዕዞ ምድንጓያት የጋጥሞም ነበረ። እንተዀነ እቲ እዋኑ ጽቡቕ ስለ ዝነበረ የሕዱርና ኢሎም ዝኸልኦም ኣይነበረን። ሓደ ሓደ ግዜ ከኣ በቲ ዘለዎም ገንዘብ ኣብ ገዛ ተኻርዮም ይጽበዩ።

 

ሽወደናውያን ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ግብጻውያን እንዳተመሓደረት እነከላ’ዮም ንባጽዕ ኣትዮም። ኣብ እምክሉ ከኣ ንሓያሎ ዓመታት ጸኒሖም። ኣብ’ቲ ግዜ’ቲ ሙዚንገር ምስ ግብጻውያን ዝተሓባበር ዝነብረ ስዊዘርላንዳዊ ዜጋ፡ ነቶም ኣጋይሽ ሽወደናውያን ብመጠን ይተሓባበሮም ብምንባሩ፡ እቶም ሽወደናውያን ብመጠኑ ሰላም ይነበሩ ነበሩ። እቶም ንመጀመሪያ ግዜ ዝመጹ ሓደ ካርል ዝተባህለ ሓኪም ምስ ሰበይቱ ካልኦት ናይ ልኡኽ ኣባላት ዝነበሩ’ዮም። ኣብ እምኩሉ ኣብ ዝጸንሕሉ ግዜ በቲ ሓደ ኵናት፡ በቲ ሓደ ኣጸባ ኣትዩ፡ ብዝሓት ሰባት ብፍላይ ካብ ከበሳታት ኤርትራ ንባሕሪ ወሪዶም ምስ’ዞም ሽወደናውያን ተራኸቡ። ሽወደናውያን ብዛዕባ ህዝቢ ኤርትራ ቀሪቦም ክፈልጡን ክምሃሩን ገበሮም። እንተዀነ ብግዜ ኵናት ተማሪዀም ዝመጹ፡ ከምኡ ኣቦን ኣደን ዘይብሎም ህጻናት ኣብ’ቲ ቦታ ዝጸንሑ ኢትዮጵያውያን ኣብ ትሕቲ ዕቍባ ሽወደናውያን ኣተዉ። እቶም ኢትዮጵያውያን ቋንቋ ኣምሓርኛ ስለ ዝዛረቡ ብኡ መሰረት እቶም ኢትዮጵያውያን ቋንቋ ኣምሓርኛ ክመሃሩ ጀመሩ’ሞ። ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ኤርትራውያን ይኹኑ ኢትዮጵያውያን ከምህሩ ጀመሩ።

 

ካርል ካብ’ተ ምስኡ ዝነበራ መሳርሕቱ ሕጽይቱ፡ ተመራዕዮም ሓደ ቆልዓ ወለዱ’ሞ፡ ኣብ እምኩሉ ዝነበረ ብርቱዕ ሃሩር ክጻወርዎ ብዘይምኽኣሎም፡ ካልእ ዝሕል ዝበለ ቦታ ከበሳ ከም ዘሎ ሰምዑ’ሞ፡ ካብ’ቶም ተመሃሮ ሒዞም ብበቕሊ ንከበሳታት ደየቡ፡ ኣብ ቦታታት መንሳዕ ከኣ ኣተዉ። ድሕሪ ገለ ዓመታት ኣምሓርኛ ቋንቋ ኤርትራውያን ከም ዘይኮነ ምስ ፈለጡ፡ ነቲ ኩሉ ዝህብዎ ዝነበሩ ኣስተምህሮ ብትግርኛ ብትግረ ክትርጎም ከም ዘለዎ ተረዱኡ በዚ መሰረት ከኣ እቲ ጉዳይ ብእዋኑ ክቅየር ገበርዎ። ነቲ ብቋንቋ ኣምሓርኛ ተርጓሚ ኮይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ ከኣ ብጽቡቕ ንዓዱ ኣፋንዮም ወኪሎም ገበርዎ።

 

ሽወደናውያን እቲ ኣብ ከበሳዊ ክሊማት፡ ቁንጭን ትዃንን ገዲፍካ ስለ ዝፈተውዎ ነቲ ህዝቢ ብዝያዳ ክቀርብዎን፡ ካብ ዘለዎም ፍልጠት ከኣ ነቲ ህዝቢ ከካፍልዎ፡ ኣብ ሕክምናዊ መዳይ ብነጻ እንዳሓከሙ፡ ቤት ትምህርቲታት ወዲቦም እንዳመሃሩ፡ ከም’ቲ ህዝቢ ቅጫን ጸባን እንዳተመገቡ፡ ማእሲ ተነጺፎም ኣብ ንእዲ እንዳደቐሱ ኣብ ውሽጢ ልቢ ህዝቢ ኣተዉ።

 

ካብ ዓድታት መንሳዕ ሓሊፎም ንኸበሳታት ክሳብ ኳዜን ዓዜን፡ ሽማንጉስ፡ ዓደኮሎም፡ በለዛን፡ ጸዓዘጋ፡ ኣስመራ በጽሑ። ከምኡ’ውን ኣብ’ቲ ግዜ ዘመን ኣኻሒዳ ዝተፋለጥዎም ህዝቢ ብወገን ጽልማ ከም ሓድሽ ተራኺቦም ዝምድናታቶም ቀጸሉ።

 

ጣልያን ንባጽዕ ኣብ ዝኣተወሉ ኣብ እምኩሉ ሽወደናውያን ብምርኣዮም ኣዝዩ ገሪምዎም’ዩ። ሽወደናውያን ከኣ ንወታሃደራት ጣልያን ስለ ዝተሓባበርዎም ሓጎሶም ወሰን ኣይነበሮን። ብፍላይ እቶም ሓለፍቲ ጽቡቕ ሕክምናን ካልእ ኣብ ግዜ ዕረፍቶም ምስ’ቶም ሽወደናውያን ዝሕልፍዎ ዝነበሩ ግዜ ይፈትውዎ ነበሩ። ደሓር ግን ላዕለዎ ሓለፍቲ ሰራዊት ጣልያን ጉዳይ ሽወደናውያን ምንቅስቓሳቶምን ምስ ፈለጡ ካብ’ቲ ቦታ ክወጹ ከም ዘለዎም ገበሩ።

 

ሽወደናውያን ብሰለስተ መዳይ ተቐርቀሩ፡ ሓደ ጣልያን፡ ካልኣይ ኢትዮጵያ፡ ሳልሳይ ሓርበኛታት ኤርትራ ነበሩ። ግዝኣት ጣልያን፡ ሽወደናውያን ኣብ’ቲ ቦታ ክህሉዉ የብሎም ይብል፡ በቲ ሓደ ሸነኽ ራእሲ ኣሉላ እቲ ኣብ ምንጎ ኤርትራውያን ኢትዮጵያውን ዝካየድ ዝነበረ ኵናት ዝተጎድኡ ሰራዊቶም ክሕክምሎም ተጽዕኖ ይገብርሎም ነበሩ’ሞ ተገዲዶም፡ ምስ’ቲ ድሩት ትሕዝትኦም ዝተባህሎም ይገብሩ ነበሩ።

 

ነዚ ዝሰምዑ ደግያት ክፍለየሱስ ጎፋር ነቲ ሓኪም ካርል ካብ ከበሳ ንእምኩሉ ክኸይድ እንከሎ ኣብ መንገዲ ኣድብዮም ብምጽናሕ ኣሰርዎ። ካርል ተኣሲሩ ተባሂሉ ወረ ኣብ ራእሲ ኣሉላ በጽሐ’ሞ፡ ደግያት ካፍል ጎፋር ንካርል እንተዘይፈቲሖምዎ ንብረቱ እንተዘይመሊሶምሉን፡ ንስድራ ቤት ካፍል ጎፋር ወይለኹም ተባሂሉ፡ ምእንቲ ስድራ ቤት ክብሉ ንካርል ፈቲሖም ሰድድዎ።

 

ሽወደናውያን በዚ ኩሉ ኣይተሰናበዱን፡ ቀስ እንዳበሉ ስርሖም ቀጸሉ። ነቲ ህዝቢ ኣዝዮም ፈተውዎ፡ ናይ’ቲ ቦታታት ቋንቋ ከኣ ብተገዳስነት ተጋዲሊም ትግረን ትግርኛን መሊዀም ካብ ተርጓማይ ምልማን ሓራ ወጺኦም። ኮይኑ ግን ኣብ ዝኸድዎ ዓዲ ዝገብርዎ ስርሓት ምስ ዓበይቲ ዓድን ሽማግለታት ብምምኽካርን ብምርድዳእን’ዮም ዝሰርሕዎ ዝነበሩ። እዚ ኩሉ ክገብሩ እነከለዉ ግን ንሕክምና፡ ንትምህርቲ፡ ካብ ህዝቢ ሓንቲ ዝወሰድዎ ገንዘብ ይኹን ንብረት ኣይነበረን። ነቲ ዕለታዊ መግቦም’ውን ብገንዘቦም እንዳሸመቱን እዮም ዝካየዱ ዝነበሩ። እቲ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ወንጌላዊ ቤት ትምህርቲ ፡ ህንጻታቱን ተሰሪሕሉ ዘሎ መሬት ካብ ደቂ ዓዲ ብገንዘቦም ገዚኦም ዘስርሕዎን ባዕላቶም ዘምሓድርዎን፡ ንክንደይ ህጻናት ኤርትራውያን ከኣ ኣብ ትምህርቲ ዓለም መኣዲ ፍልጠት ዝቀሰምሉ ቦታ’ዩ።

 

ሓንቲ ክርስቲና ትበሃል ሽወደናዊት ዜጋ ኣብ 1996/97 ዓ.ም ነጸላ ዘርእስታ መጽሓፍ ብቋንቋ ሽወደን ጽሒፋ፡ ክርስቲና ካብ ስቶክሆልም ኣስታት 850 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ትርከብ ቨነስ እትባሃል ከተማ እያ ትቕመጥ ኣብ 1997 ኣብ’ቲ ትቕመጦ ዓዲ ከይደ ረኺበያ፡ ብሓቂ ብጽሑፍ ጥራሕ ዘይኮነ ንኤርትራ ምምልላስ ካብ ሓንጎላ ዘይበሊ ዘይጠፍእ ምዃኑ ብቃላ ሓቢራትኒ። እዚ ከኣ ካብ’ቲ ነቲ ህዝብን ሃገረን ዘለዋ ፍትወት’ዩ።

 

ወ/ሮ ክርስቲና ምስ እቶም ቀዳሞት ንኤርትራ ዝኣተው ብዕድመ ከተወዳድራ ራብዓይ ወይ ሓሙሻይ ወለዶ’ያ። ምስ’ቲ እዚ ፍቕሪ እዞም ህዝቢ፡ ኣብ ኤርትራ ገና ዘይበለየ’ዩ። ወ/ሮ ክርስቲና ካብ’ቲ ንሳ ዝጸሓፈቶ ንላዕሊ ዝፈልጡ ኣቶ ኢንግቫር ፔርሶን ኣብ ቫንኺቫ ዝተባህለ ደቡብ ሽወደን ዝቕመጡ ክሓትት ሓገዘትኒ። ናብ ኣቶ ኢንግቫር ብቴሌፎን ድሕሪ ምርኻብ ከኣ ኣብ’ዚ ቦታ ብቋንቋ ሽወደን ዝሕተም ልዕሊ 3000 ሰሙናዊ ጋዜጣ ኤርትራ ከም ዝነበሮም ሓቢሮምኒ። ኣቶ ኢንግቫር፡ በቲ ዝሐተትክዎም መሰረት ይጠቕሞ’ዩ ዝበልዎ ኣስታት 300 ሚእቲ ዝኸውን ጋዜጣታት፡ ካብ 1910 ክሳብ 1953 ዝተሓተመ ብወጻኢ ናቶም ሰዲዶምለይ።

 

ካርል ንኤርትራ ካብ ዝኣቱ ንዕረፍቲ ንግብጺ ሓደ ግዜ ከኣ ንበይሩትን እስራኤልን ደኣ በጽሑ’ምበር፡ ሽወደን ከይረኣይዋ ብዘጋጠሞም ሕማም ኣብ ኤርትራ ሞይቶም፡ ኣብ በለዛ ከኣ ብዓብይ ክብሪ ተቐቢሮም። ንሶም ጥራሕ መዓስ ኮይኖም እቶም ብድሕሪኦም ዝሞቱ ኣባላት ስድራ ቤቶም’ውን ኣብኡ ተቐቢሮም ኣለዉ። ኣብ ሽወደን ሞይቶም ከይተረፉ ንዓደይ ውሰዱኒ ኢሎም ኣብ በለዛ ዝተቐበሩ ኣቦና ዶ/ር ሎንግስትሮም ሊንክቪስት ዘይፈልጥ ሰብ የልቦን።

 

ዶ/ር ሎንግስትሮም ብጣልያን ካብ ኤርትራ ካብ ዝስጎጕ ኣትሒዞም ንኤርትራ ሬሶኦም ተመሊሱ። ዝበዝሕ ስደቶም ከኣ ኣብ ህንድን ኣብ ደቡብ ኣሜሪካ ኣብ መወዳእታ ከም ናይ ኤርትራ ክሊማ ዘለዋ ሃገር ኢሎም ዝገልጽዋ ሁንድራስ ነዊሕ ተቐሚጦም። እዚ ከም’ቲ ንዓይ ብኣካል ዘዕለሉን ንኩሉ ኤርትራዊ ተቐማጣይ ስቶክሆልም ዘዕልልዎ ዝነበሩ’ዮም።

 

ሓርበኛ ኣቦና ወልደኣብ ወለደማርያም ኣብ ስቶክሆልም ኣብ ዝመጽሉ እዋን ኣቦይ ሎንግስትሮም ከም ማንም ኤርትራዊ ኣብ ኣኼባ ተሳቲፎም ክነብዑ ርእየዮም። ኣብ ብዙሕ ኣኼባታት ብፍላይ ላዕለዎ ሃለፍቲ ህ.ግ.ዲ.ፍ ክመጹ እንከለዉ ክሳብ ዕለተ ሞቶም ኣዘውቲሮም ይሳተፉ ነበሩ። ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣብ ዝመጻሉ ከም ጋሻ ዝቕበልዎን ዝፈትዎን ነበሩ። ንሱ ግን ብዛዕብኦም ብዙሕ ከም ዘይግደስ ኣብ’ቲ ቤት ጽሕፈት ዝሰርሑ ዝነበሩ ኣባላት ህ.ግ.ሓ.ኤ ክዛረቡ ሰሚዔ።

 

ኣቦና ሎንግስትሮም ኣብ ሓደ እንዳ ሻሂ’የ ተፋሊጠዮም። እቲ ምሳይ ዝነበረ ኣቀዲሙ ምስ ረኣዮም፡ ሰብኣይ ዘረባ ኣይተሙሉቕ ኣብ ጥቓና ሰብ ኣሎ ይብለኒ። ዮውሃንስ ሚኪኤል ይባሃል ዓርከይን መተዓብተይን’ዩ። ኣብ’ቲ ከባቢና ኤርትራዊ ስለ ዘይረኣኹ ብዙሕ ኣይተጨቕኩን። ሻሂ ሒዝና ኣብ’ቲ ጥቓኦም ዝነበረ ኩርሲ ኮፍ በልና፡ ናባና ገጾም ገቢሮም በቲ ጥዑም ላዛን ክብርን ዘለዎ ብትግርኛ ደቂ ዓድና ዲኹም በሉና፡ ኣነ ትግርኛ ደኣ ሰማዕኹ’ምበር ካብ ናይ መን ኣፍ ከም ዝወጽእ ዝነበረ ምእማን ስኢነ ኣዝዩ ደንጸወኒ። እወ ኣብ በለዛ ጥራሕ ተወሊዶም ዝዓበዩ ኣቦ ፍቕሪ ሃገርናን ህዝብናን ክሳብ መወዳእታ ኣብ ልቦም ሒዞሞ ከይዶም።

 

ይቕጽል

 

4 ሰነ 2009

ኣንቶንዮ ተስፋይ

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1319

Posted by on Jun 4 2009 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net